እዚ ሰንበት እዚ (ነሓሰ 13 2017)፡ ከም መቐጸልታ ናይቲ ምስ ኽራማት፡ ዘርእን ዘራእትን ዝተኣሳሰር ምንባባት ዝወሃበሉ መዓልቲ እዩ። ካብቲ ብመዓልቲ ሰንበት ደቀ መዛሙርቲ ኢየሱስ ብሰንበት ናብ ግራት ዘራእቲ ኣትዮም እናመሓዉ ክበልዑ ምስ ረኣይዎም እቶም ናይ ሕጊ ምሁራት ዝበሃሉ ፈርሳውያን ንዘልዓልዎ ተቓውሞ ብጐይታ ዝተዋህቦም መልሲ፡ ዝተወስደ እዩ።
“ካልእ ምስላ ድማ ከምዚ ኢሉ መለሰሎም፡ መንግስተ ሰማያት ኣብ ግራቱ ጽቡቕ ዘርኢ ዝዘርኤ ሰብ እያ እትመስል።” (ማቴ 13፡24)
ኣብዚ ናይ ሎሚ ሰንበት ነሓሰ 6, 2017 ዝተነበልና ምንባባት፡ ምስቲ ዝሓለፈ ሰንበት ዝጀመርናዮ ናይ ክራማት ስብከት ዝተኣሳሰር ዀይኑ ንዘርእን ዘራእትን ተጠቒሙ መጽሓፍ ቅዱስ ዘመሓላልፈልና መንፈሳዊ ሓቅታት እንምልኸተሉ እዩ ክኽውን።
ምሥጢረ ክህነት
ሕድገት
ጸጋ ቅዱስ ቁርባን
ዕለት 13 ጥሪ 2006 ጥልመት ናይ እምነት ዝተፈጸመላ ፈታኒት ዕለት እያ። በቲ ካልእ ወገን ድማ ኣብ እምነት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ሓደ ዓቢይ ናይ እምነት ጅግንነት ዝተፈጸመላ እትድነቕ ዕለት እያ። 3ይ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ምእንቲ እታ ዝመሓሉላ ሃይማኖት ከም ሓዋርያ ጳውሎስ ‘’ካብ ፍቕሪ ክርስቶስ ዝፈልየኒ መን እዩ ? ጸበባዶ ?
ኣብዚ ሰንበት ሓምለ 30, 2017 ዝተነበልና ቃል ቅዱስ ወንጌል ነቲ ጐይታና ዝነገሮ ምስላ ዘራኢ ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣዝዩ መሃሪ ዝዀነ ምስላ ማእከል ዝገበረ እዩ። እዚ ምስላ እዚ ብዘይ ጥርጥር ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ሰፊሩ ካብ ዘሎ ትምህርትታት ብህብቡነቱ (ተፈላጥነቱ) ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ካብ ዝስርዑ ትምህርትታት ሓደ እዩ።
ኣዳም ዝሞተ በቲ ኣብ ኣእምሮኡ ዝተፈጸመ ምእማንን ዘይምእማንን ጥራይ ነይሩ እንተዝኸውን፡ ንሕናውን ብዘይ ግብሪ ኣሚነ ጥራይ ኢልና ምደሓንና ኔርና። እንተዀነ ኣዳም ብግብሪ ካብታ ዘይትብላዕ ኦም ስለዝበልዔ ክሕደቱ ብግብሪ ኣርኣየ። ሕጂ’ውን ሰብ ኣሚነ ክብል እንተድኣ ኰይኑ፡ ካብቲ ህይወት ዝህብ ሥጋ ክርስቶስ እንተዘይበልዐ፡ በቲ ኣብ ኣእምሮኡ ዝፍጸም ምእማን ጥራይ ህይወት ክረክብ እዩ ማለት ኣየስምዕን። ከምኡ ነይሩ እንተዝኸውንሲ ክርስቶስ ሥጋይ ዚበልዕ ደመይ’ውን ዚሰቲ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣላቶ፥ … (ዮሃ፡ 6፡55-56) ኣይምበለን። Read more...
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ