S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ጸጋ ክርስቶስ (3ይ ክፋል)

ዓሰርተ ትእዛዛት ዘለኣለማዊ ሕጊ እግዚኣብሔር እዩ፡ ሕጊ ሙሴ ግና ጊዝያዊ ነበረ።

ሕጊ ማለት ብሥልጣን ሓጋጊኡ ዝተሰርዔ፡ ክትገብሮ ዚግብኣካን ክትገብሮ ዘይግብኣካን ፈልዩ ዚእዝዘካን ዝሰርዓካን፡ ሕጊ

ይብሃል። በዓል ቤቱ ድማ ከተግብሮ ዘኽእሎ ምሉእ ሥልጣን ክህልዎ ይግባእ። እቶም ክልተ ዓበይቲ ሕግታት ኦሪት ተባሂሎም ዝፍለጡ ድማ፡ በቲ ሙሉእ ሥልጣን ዘለዎ እግዚኣብሔር ዝተሰርዑ ነበሩ። እዞም ክልተ ዓበይቲ ሕግታት ኣብ ክልተ ዝተኸፍሉ ኰይኖም፡ እቲ ሓደ ነባሪ እቲ ሓደ ድማ ግዚያዊ ነበሩ። እቲ ነባሪ ሕጊ ዝብሃል፡ እቲ ኣዝዩ ፍሉጥ ዝዀነ ሕጊ፡ ካብታ ሰብ ዝተፈጥረላ ግዜ ኣትሒዙ ምሳና ኣብ ውሽጥና ዘሎ ፍቕራውን ሞራላውን ሕጊ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ወይ ድማ ዓሰርተ ትእዛዛት ተባሂሉ ዝፍለጥ ዘይልወጥ ዘይቅየር ኣብ ሕልና ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዝተጻሕፈ ባህርያዊ ሕጊ እግዚኣብሔር ተባሂሉ ይጽዋዕ (ዘጽ. 201-17) እቲ ካልኣይ ሕጊ ግና ክሳብ ብጸጋ ዝትካእ፡ ብኢድ ሙሴ ተጻሒፉ ንእስራኤል ዝተዋህበ ግዝያዊ ሕጊ ተባሂሉ ይጽዋዕ፡ ናይዞም ክልተ ዓበይቲ ሕግታት እዚኣቶም ፈላሊና ክንርዳእ እስራኤላዊ ኣተሓሳስባን ባህላዊ ልማድን ክህልወና የድልየና። ከመይሲ መጽሓፍ ቅዱስ ክጸሓፍ ከሎ ብኢድ እስራኤላውያን ስለ ዝተጻሕፈ፡ ንዓኣቶም ጽሑፉን መግለጺኡን ይንገሮም ስለ ዝነበረ፡ ኣብ መንጐ ሕጊ ሙሴን ሕጊ እግዚኣብሔር ፍልልዩ ንጹር እዩ ዝነበረ፡ ዘጋጊ ዝበሃል ኣይነበሮን። ኣባና ኣብቶም ድሒርና ክርስትና ዝተቐበልና ግና፡ ሕጊ ዝብል ቓል ከነንብብ ከሎና፡ ንሕጊ ሙሴን ንሕጊ እግዚኣብሔርን ፈላሊና ክንርእዮ ከጸግመና ግድን እዩ። ከመይሲ እታ ሕጊ እትብል ቓል ሓንቲ ቓል ስለ ዝዀነት፡ ብተወሳኺ ብንባብ ጥራይ ድኣምበር ምስ ሙሉእ መግለጺኣ ስለ ዘይረኸብናያ ክትኸብደና ግድን እዩ።

ዘለኣለማውን ጊዝያዊን ሕግታት

ዓሰረተ ትእዛዛት ብመሰረቱ ዘለኣለማዊ ሕጊ እግዚኣብሔር እዩ። እዚ ማለት ቅድሚ ኣብ ጽላት ምጽሓፉ ናይ ሕልና ሕጊ ኰይኑ፡ ብባህርዩ ኣብ ውሽጢ ኣእምሮ ሰብ ሰፊሩ ዚነብር ሕጊ ማለት እዩ (ሮሜ 212-15) ስለዚ፡ ሕጊ እግዚኣብሔር፡ ዓለም ኣሕሊፉ ዝነብር ሕጊ እዩ። ሕጊ ሙሴ ግና፡ ካብታ ሙሴ ብኣፍ መላእኽቲ ምስ ተነግሮ ጽሒፉ ዘቕረበላ ዕለት ኣትሒዙ፡ ክሳዕ ኢየሱስ ክርስቶስ ጸጋ ሒዙ ዝመጽእ፡ ሓይሊ ሓጢኣት ክሳዕ ክንደይ ሓያል ከም ዝዀነ ከርእየናን፡ ብግብርና ክንጸድቕ ተዋህበና፡ እንተዘይ ወጻእናዮ ድማ ክረግመናን ተዋህበና። ኢየሱስ ክርስቶስ ጸጋ ሒዙ ምስ መጸ ግና፡ ነቲ ልዕሊ ዓቕምና ዝዀነ መርገም ዝዀነና ዝነበረ ሕጊ ሙሴ፡ ኣብ መስቀል ሸንኪሩ ካብ ማእከልና ምስ ኣርሓቆ፡ ንሕና ጸጋ ኣብ ልዕሊ ጸጋ ተቐበልና፡ ማለት ዝተደራረበ ጸጋ ተቐበልና። ንግዜኡ እቲ ኣብ መንጐ ሕጊ ሙሴን ሕጊ እግዚኣብሔርን ዘሎ ፍልልይ ብውሕዱ ብዓሰርተ መረዳእታ ጌርና ክንርእዮ ክንፍትን ኢና።

ሕጊ እግዚኣብሔር

  • ሕጊ እግዚኣብሔር ተባሂሉ ዝጽዋዕ-------ኢሳይያስ 5፡24

  • በጻብዕቲ እግዚኣብሔር ኣብ ጽላት እምኒ ተጻሕፉ-------ዘጽ,31፡18። 32፡16

  • ኣብ ውሽጢ ታቦት ተነብረ ------- ዘጽ, 40፡20 ሮሜ 7፡7 ሮሜ 3፡20

  • ሕጊ እግዚኣብሔር ኣይከብድን-------1ዮሃ, 5፡3

  • ሕጊ እግዚኣብሔር ሰናይ እዩ -------ያ, 2፡8

  • ሕጊ እግዚኣብሔር ንኹሉ ፍጡር ይፈርድ-------2፡10-12

  • ሕጊ እግዚኣብሔር መንፈሳዊ እዩ -------ሮሜ 7፡14

  • ሕጊ እግዚኣብሔር በረኸትን ሰላምን የምጽእ-------20፡18 መዝ,119፡165

  • ሕጊ እግዚኣብሔር ፍጹም እዩ-------መዝ, 19፡7

  • ሕጊ እግዚኣብሔር ዘለዓለማዊ እዩ-------5፡17-19

ሕጊ ሙሴ

  • ሕጊ ሙሴ ተባሂሉ ዝጽዋዕ--------ሉቃስ 2፡22; 1ቆረ፡9፡9

  • በጻብዕቲ ሙሴ ኣብ መጽሓፍ ተጻሕፈ--------ዘጽ 31፡24; 2ዜና 35፡12

  • ኣብ ጕኒ ታቦት ተነብረ--------ዘዳ 31፡26

  • ሕጊ ሙሴ ብምኽንያት ሓጢኣት ተወሰኸ--------ገላ 3፡19

  • ሕጊ ሙሴ ግና ተጻረረና--------ቆሌሴ 2፡14

  • ሕጊ ሙሴ ጸላኢና እዩ--------ኤፈ 2፡15

  • ሕጊ ሙሴ ንሓደ እኳ ኣይፈርድን ስለዚ ኣብ መስቀል ተሸንከረ-----ቆሌ 2፡13-16

  • ሕጊ ሙሴ ሥጋዊ እዩ--------እብ 7፡17

  • ሕጊ ሙሴ መርገም የምጽእ--------ዘዳ 29፡20-21 14፡3፡10

  • ሕጊ ሙሴ ንሓደ እኳ ናብ ፍጻሜ ኣየብጽሕን--------እብ 7፡19

  • ሕጊ ሙሴ ግዝያዊ እዩ--------ቆሌ 2፡14; እብ 8፡13

ሕጊ ብምትሕልላው ኣይሕሎን

ንሕጊ ኣብ ክልተ ዓበይቲ ሕግታት ድኣ ንኸፍሎ እምበር፡ ሕጊ እግዚኣብሔር በብእዋኑ ከከም ኩነታቱ ይወሃብ ነይሩ እዩ። እንተዀነ ኩላቶም ሕግታት ኣብ ትሕቲ ፍቕራውን ሞራላውን ሕጊ ድኣሎም እምበር ልዕሊ ሞራላውን ፍቕራውን ሕግታትሲ ኣይኰኑን። ንኣብነት ንኣዳም ብሕጊ ትእዛዝ ክነብር ተዋህቦ፡ ኣዳም ግና ነታ ሓንቲ ንቑማ ዝተዋህበቶ ትእዛዙ ምሕላዋ ስኢኑ ኣፍረሳ። ብሰንኪ ንሕጊ ዘይምሕላዉ ድማ መሬት ተረግመት፡ ደቂ ኣዳም ድማ ኣብታ ዝተረግመት መሬት፡ ግደ ሕማምን ስቓይን ሞትን ኰኑ። ብኻልኣይ ደረጃ እንርእዮ ድማ እቲ ንኣብርሃም ብሕጊ እምነት ክነብር ዝተዋህቦ ነበረ። ኣብርሃም እናወደቐ እናተንስኤ፡ ንሕጊ እምነት ኣጽንዖ እሞ፡ ንበረኸት ዀነ። እቲ ብድሕሪ ኣብርሃም ዝመጸ ሕጊ፡ ንሙሴ ዝተዋህበ ሕጊ ግና፡ ብሰንኪ ትሪ ልቢ እስራኤላውያን፡ ሽዱሽተ ሚኢትን ኣርብዓን ዝኸውን ተወሳኺ ትእዛዛት ናብቲ ዓሰርተ ትእዛዛት ተወሰኸ። እዚ ሕጊ እዚ ድማ ብተግባር ዘጽድቕ ሕጊ ተባሂሉ ተጸውዔ። እንተዀነ ወዲ ሰብ ብተፈጥሮኡ መግፍሒ ዓይኒ ስለ ዝዀነ፡ ይትረፍዶ ንሽዱሽተ ሚኢቲን ኣርብዓን ሕግታትሲ፡ ነታ ሓንቲ ንቑማ ንኣዳም ዝተዋህበት እኳ ክሕልዋ ኣይከኣለን። ስለዚ ድማ እዩ እቲ ጽሑፍ ዝዀነ ይኹን ብግብሪ ሕጊ ዚጸድቕ ሰብ የልቦን (ሮሜ 320 ገላ. 216) ተመሊሱ ድማ እቶም ካብ ሕጊ ዝዀኑ፡ ሕጊ ብምሕላው ከም ዚድሕኑ ተስፋ ዚገብሩ እዮም ዝብል (ሮሜ 414 ፊል. 37-9) ስለዚ ወዲ ሰብ ብጸጋ ክጸድቕ እምበር ብሕጊ ክጸድቕ ከም ዘይክእል ኣመስኪሩ እዩ። ክርስቶስ ንሓዋርያት ብሕጊ ጸጋ ክጸድቑ ትእዛዝ ሃቦም። እንተኸነ ሕጊ ጸጋውን ብዘይ ዓሰርተ ትእዛዛት ኣይኰነን። እቲ ዓሰርተ ትእዛዛትሲ ኣብ ሕልና ኹላቶም ደቂ ሰባት ስለ ዝዀነስ ንኹላቶም ኣይተፈልዮምን።

ሓደ ክርስቲያን ትሕቲ ሕጊ ኣይኰነን ኪብሃል ከሎ፡ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ ኣይኰነን እንታይ ድኣ ትሕቲ ሕጊ ጸጋ እምበር ትሕቲ መርገም ኣይኰነን ማለት እዩ። እዚ ማለት ግና ትሕቲ ዓሰርተ ትእዛዛት ኣይኰነን ማለትስ ኣይኰነን (ሮሜ 613-15) ዓሰርተ ትእዛዛትሲ ናብ ክርስቶስ ዜብጽሓና ቀጻዒና እዩ (ገላ. 323-25) ስለዚ ሓደ ክርስቲያን ኣብ ትሕቲ ሕጊ ክርስቶስ እዩ፡ ሕጊ እግዚኣብሔር ኪሕሉ ድማ ግዴታኡ እዩ (መዝ. 407-8 ሮሜ 722)

ሕጋዊ ኩነና

ሕግታት ብምእዋጁ፡ ትእዛዛት ብምብዝሑ፡ ንሓጢኣት ኣብዝሖ እምበር ኣይቀነሶን፡ ንበደልውን ኣይዓገቶን። ቅድሚ ሕጊ ሙሴ ምእዋጁ፡ ብጀካ እቲ ኣብ ሕልና ዝተጻሕፈ ሞራላዊ ሕጊ፡ ግበር ኣይትግበር ዝብል፡ ኣብ ጽሑፍ ብውግዒ ዝተጻሕፈ ስለ ዘይነበረ፡ ሰባት ንሞራላዊ ሕልናኦም ስዒሮም ንሓጢኣት ይገብርዎ ነይሮም። ከመይሲ እቶም ብግዜ ኖህ ዝነበሩ ወይ እቶም ብግዜ ሰዶምን ጐመራን ዝነበሩ፡ ነቲ ኣብ ኣእምሮኦም ዝተጻሕፈ ሞራላዊ ሕጊ ስለ ዝሰዓሩ ድኣ በደለኛታት ኰይኖም ተረኽቡ እምበር፡ ዝተጻሕፈ ሕግስ ኣይሰዓሩን ኣይነበሮምን ድማ። ንሞራላዊ ሕጊ ስለ ዝሰዓሩ ግና፡ ሓጢኣት ተቖጽረሎም። ብፍላይ ፍቕራውን ሞራላውን ሕጊ ምስ ተጻሕፈ፡ ምኽንያት ኣይነበሮምን እሞ እናፈለጡ በደሉ። ስለዚ ሕጊ እግዚኣብሔር ነቲ ኣብ ሕልና ዝተጻሕፈ ሞራላዊ ሕጊ ኣብርሆ። ዝብላዕን ዘይብላዕን ዝግበርን ዘይግበርን ሓቅን ሓሶት ፈላልዩ ኣርኣየና እሞ፡ ንኽንሓጥእ ምኽንያት ከልኣና። ሕልና ተጣሕሰ ምራል ድማ ዘናኒ ሰኣነ። ስለዚ ድማ ሓዋርያ ጳውሎስ ንሕጊ ሙሴን ንሕጊ እግዚኣብሔርን ብሓደ ሓዋዊሱ ክዛረብ ከሎእንታይ ደኣ ኽንብል ኢና፧ እቲ ሕጊዶ ሓጢኣት እዩ፧ ያእኣይፋሉን። ብዘይ ሕጊ ግና ንሓጢኣት ኣይምፈለጥክዎን ነይረ። እቲ ሕጊ፥ ኣይትመነ፥ እንተ ዘይብልሲ፥ ንትምኒት ኣይምፈለጥክዎን ነይረ። ሓጢኣት ብትእዛዝምዉት እዩ እሞ፥ እቲ ሓጢኣት ብትእዛዝ ምኽንያት ወሲዱ፥ ትምኒት ዘበለ ኣለዓዓለለይ። ቀደም ብዘይ ሕጊ ኣነ ህያው ነበርኩ። ትእዛዝ ምስ መጸ ግና፥ሓጢኣት ህያው ኰነ፥ ኣነ ኸኣ ሞትኩ። ሓጢኣት ምኽንያት ረኺቡ ብትእዛዝ ኣስሓተኒ ብእኡውን ቀተለኒ እሞ፥ እቲ ንህይወት እተዋህበ ትእዛዝ ንኣይ ንሞትኰይኑኒ ረኸብክዎ።  እምብኣርሲ እቲ ሕጊ ቅዱስ እዩ፥ እቲ ትእዛዝውን ቅዱስን ጻድቕን ሰናይን እዩ።ኢሉ ብዛዕባ ሕጋዊ በደል እናቆጸረን እናኣስቖርቆረን ብዛዕባ ሕጋዊ መቕጻዕቲ ይምህረና። ሕጊ ንሥጋናን ንነፍስናን ድማ ይኹንነና እምበር፡ መፍትሒ መከራ ሰብ ኰይኑ ኣይተረክበን (ሮሜ 77-12) እዚ ሓዋርያ እዚ ተመሊሱ ሕጊ በቲ ብክርስቶስ ዝመጸ ጸጋ ከም ዝተሳዕረ ክዛረብ ከሎንኣምላኽ ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ስብሓት ይኹኖ። እምብኣርሲ ኣነ ባዕለይ ብሓሳበይ ንሕጊ ኣምላኽ፡ ብሥጋይ ግና ንሕጊ ሓጢኣት እግዛእ ኣሎኹ።ብምባሉ ነፍሱን ሥግኡን ብጸጋ ከም ዝድሕን የርእየና።

ሕጊ ሙሴ ነቲ ኣብ ውሽጢ ነፍስና ዘሎ ኩሉ በደል ሓጢኣት፡ ከም መስትያት ገይሩ ቅልዕ ኣቢሉ የርእየና እሞ፡ ካባና ክንኣልዮ ድማ ይእዝዘና እምበር፡ ሕግስ ንሓጢኣትና ባዕሉ ኣየልግሰልናን እዩ። እኳ ድኣ ነቶም ደቀቕቲ ሓጢኣት ከይተረፈ፡ ብምፍጻምና ይፍረደናን ይኹንነናን ድኣምበር ኣይምሕረናን። ስለዚ ሰብ ዘበለ ንትእዛዛት ሕጊ ሙሴ ብምኽታል፡ ብናይ ገዛእ ርእሱ ቃልሲ፡ ኣብ ልዕሊ ሓጢኣት ክዕውት ዝኽኣለ፡ ዋላ ሓደ እኳ ኣይተረኽበን። ብተፈጥሮና ኣብ ውሽጥና ዝርከብ ሞራላዊ ሕጊ ሓጢኣት ኣብ ውሽጢ ብሕልናና ዝርከብ ሕጊ እግዚኣብሔር ከመይ ከም ዝዋግኣና ኣብ መወዳእታኡ ሰብ ናይ ሓጢኣት ምሩኽ ከም ዝዀነ ካብ ህይወትናን ካብ መንፈሳዊ ተጋድሎናን ካብ ንርእዮ አነባብራናን ልማድናን ንባዕልና ክንመሃር ንኽእል። ናይ ስጋ ድኽመት ናይ ሓጢኣት ገዛእነት ምዃኑ ዝመስከረ፣ ተፈጥራዊ ባህርይ ሰብ ብግቡእ ዝተረድኤ ሓዋርያ ጳውሎስ፡

ፍቓድሲ ኣሎኒ፥ ምግባር እቲ ሰናይ ግና ስኢነዮ ኣሎኹ እሞ፥ ነቲ ዘይደልዮ እከይ እገብሮ ኣሎኹ እምበር፥ ነቲ ዝደልዮ ሰናይ ኣይኰንኩን ዝገብር ዘሎኹ፥ስለዚ ኣባይ ማለት ኣብ ሥጋይ፥ ሰናይ ከም ዜልቦ፥ እፈልጥ ኣሎኹ። ነቲ ኣነ ዝደልዮ ኻብ ዘይገብሮ ግና፥ ድሕሪ ሕጅስ እቲ ኣባይ ሓዲሩ ዘሎ ሓጢኣት እዩእምበር፥ ኣነ ኣይኰንኩን ዝገብሮ ዘሎኹ። እምብኣርሲ ኣነ ሰናይ ክገብር ዝደሊ እቲ እከይ ከም ዚጠብቀኒ፥ ሕጊ ዀይኑ ረኸብክዎ። ብናይ ውሽጢ ሰብሲ በቲሕጊ ኣምላኽ ባህ ይብለኒ እዩ። ግናኸ ኣብ ኣካላተይ ምስ ሕጊ መንፈሰይ ዚዋጋእ፥ ናብቲ ኣብ ኣካላተይ ዘሎ ሕጊ ሓጢኣት ኣቢሉውን ዚማርኸኒ ኻልእ ሕጊእርኢ ኣሎኹ። ይዋእ ኣነ ምግዱር ሰብ፥ ካብዚ ናይ ሞት ሥጋስ መን ኰን ኬድሕነኒ እዩ፧ ንኣምላኽ ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ስብሓት ይኹኖ። እምብኣርሲኣነ ባዕለይ ብሓሳበይ ንሕጊ ኣምላኽ፥ ብሥጋይ ግና ንሕጊ ሓጢኣት እግዛእ ኣሎኹ”  (ሮሜ 718-25) ይብል።

እሞኸድኣ ድሕነትና ብጸጋ እንተድኣ ኰይኑስ ሕጊ ንምንታይ ኣድለየ፧ ዝብል ሕቶ ከስዕብ ይኽእል ይኸውን። ብመጀመርታ ኣብ ሰብነትና ሓጢኣት ከምዘሎ ሕጊ ባዕሉ፡ ስለ ዝመሃረና ንሓጢኣት ፈለጥናዮ። እዚ ማለት ነቲ ኩፉእ ክንርሕቆ ነቲ ጽቡቕ ክንጥብቆ ዝመሃረና ሕጊ እዩ። ብኻልኣይ ደረጃ ኣብ ሓጢኣትን ርኽሰትን ንነብር እንተድኣ ኣሊና፡ ምስቲ ቅዱስን ንጹህን ዝኰነ ኣምላኽና ብሕጊ ጸጋ ብሓርነትን ብሰላምን ክነብር ግደ ከም ዘየብልና ሕጊ ይገልጸልና። ሳልሳይ ሥጋ ብምኽንያት ሓጢኣት ድኹም ስለ ዝዀነ፡ ኣብ ቅድሚ ሕጊ በደለኛ ኰይኑ ስለ ዝርከብ፡ ብሕጊ ጸጋ ካብ እግዚኣብሔር ምሕረት ክንረክብ ክንሓትት ከም ዘሎና ይምህረና። ምክንያቱ ሕጊ እግዚኣብሔርውን ንዓመጽ ከይከሰሰን ከይፈረደን ከይቀጽዔን ስለ ዘይሓድጐ። ስለዚ እግዚኣብሔር ሕጊ ካብ ብትዕቢትን ብውርደትን ተዋሪድካ እትጠፍእ፡ ብትሕትና ካብ እግዚኣብሔር መገዲ ምሕረት ክትደሊ ስለ ዝምህረና፡ ነቶም ኣብ ትሕቲ ሕጉ ዘለዉ ዘበሉ፡ ኣብ ትሕቲ ጸግኡ ክምዕቆቡ የዳልዎም።

ድሕሪ ጸጋ ምምጽኡ ካብቲ መርገም ዘስዕብ ሕጊ ሙሴ ሓራ ኰይንና፡ ኣብ ሞራላውን ፍቕራውን ዝዀነ ሕጊ እግዚኣብሔር ክንምእዘዝ ጸጋ ተዋህበና። ኣብ ትሕቲ ጸጋኡ ኰይንና ሕጉ ክንሕሉ እምበር፡ ሕጉ ክንስዕር እቲ ዓዳል ጸጋ ዝኰነ ክርስቶስ ኣይመሃረን (ማቴ፡517-20) ሓዋርያ ጳውሎስውን ንሞራላውን ፍቕራውን ሕጊ ከነጽንዖ ድኣ ይምዕደና እምበር፡ ክንስዕሮ ኣይመሃረን (ሮሜ 331) አረ ሞራላውን ፍቕራውን ሕግስ ነቶም ብደም ክርስቶስ ጸኒዖም ኣብ ትሕቲ ጸጋ ዘለዉ ዘበሉ፡ ምስ ሥነ ምግባር መምርሒኡ ዝተላዕለ ናይ ዘለዓለም ህይወትንምርካብ ኣድላይነቱ ኣብ መንጌል ተመስኪሩሉ ኣሎ (ማቴ፡1916-19)

1 ክፋል | 2 ክፋል | 3 ክፋል

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div