S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ኪዳን ክህነት ዘለኣለማዊ እዩ

ደድሕሪ ኣሮን ክህነት ኣብ ሥልጣን ክህነት ዝመጸ ፊንሃስ ነበረ። በቲ ዝገበሮ ሰናይ ቅንኢ ርእዩ፡ ንዕኡን ንደቁን ኪዳን ክህነት ዘለኣለም ይኹም ኢሉ፡ ኪዳን ከም ዝኣተወሉ እዞም ጥቅስታት እዚኣቶም ይዛረቡ (ዘህ፡25:11-15; ሲራክ 45:24) "እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረበ፡ ፊንሃስ ወዲ ኣልኣዛር፡ ወዲ ኻህን ኣሮን፡ ኣብ መንጎኦም ብምቕናኤይ ስለ ዝቐንኤ፡ ንኹራይ ካብ ደቂ እስራኤል መለሶ እሞ፡ ንደቂ እስራኤል ብቕንኣተይ ኣየጥፋእክዎምን። ስለዚ በል እንሆ ንእኡ ናይ ሰላም ኪዳነይ እህቦ ኣለኹ። ንኣምላኹ ቐኒኡ፡ ንደቂ እስራኤል ከአ ኣተዓሪቑ እዩ እሞ፡ ስለዚ ንእኡ፡ ብድሕሪኡ ድማ ንዘርኡ ኺዳን ክህነት ዘለኣለም ይኹን ኣብዚ ሕጂ ኣቐዲምና ክንርእዮ ዝግብኣና እቲኪዳን ዝብል ቃል እዩ።

ኪዳን ብኽልተ ወይ ካብኡ ብዝበዝሑ ሰባት ብምትእምማን ክሰማምዑ ከለዉ፡ ስምምዖም ንምጽናዕ ኪዳን ይተኣታትዉ። እግዚኣብሔር ንዓለምን ህዝባንውን ብሥርዓተ ኪዳን እዩ ዘመሓድሮም። ዝዀነ ይኹን ኪዳን ከኣ ወሃቢ ኺዳንን፡ ተቐባሊ ኺዳንን ኣለዎ። መርኣያ ምልክት እቲ ዝተኣትወ ኺዳን ድማ ኣሎዎ። እዚ ምልክት እዚ ድማ ምልክት ተስፋ ይኸውን። እቲ ኪዳን ኣብ መንጐ እግዚኣብሔርን ሰብን እንተ ዀይኑ፡ እግዚኣብሔር እዩ ኪዳን ዝህብ እምበር ሰብ ኣይኰነን፡ ከመይሲ እግዚኣብሔር ኣልቦ ዘይሰኣኖ ስለ ዝዀነ ኪዳኑ ክሕሉ ዝእግዶ የብሉን። ሰብ ግና ድሩት ስለ ዝዀነ፡ ንእግዚኣብሔር ኪዳን ኪኣትወሉ ኣይከኣልን። እግዚኣብሔር ከኣ ድኽመት ሰብ ስለ ዝፈልጥ፡ ብሞያኡ ዘይኰነ፡ ብጸግኡ ባዕሉ ፈትዩ ኪዳን ይኣትወሉ። ሰብ ከኣ ነቲ ብኣምላኽ ዝተኣትወሉ ኺዳን ተቐቢሉ እንተ ተኣዘዞን እንተ ኣተግበሮን፡ በረኸት እቲ ኪዳን ይረክብ። ሰብ ኪዳን እግዚኣብሔር ክረክብ ከሎ፡ እግዚኣብሔር ሓደ ነባሪ ዝዀነ ዝርአ ምልክት ይገብር። እዚ ኸኣ ናይቲ ኪዳን ማሕተም ይኸውን። እግዚኣብሔር ንሰብ፡ ነቲ ኣብ ኪዳኑ ዘሎ ተስፋን ምልክት ተስፋን ይህብ። እግዚኣብሔር ነቲ ብዛዕባ ሰብ ዘለዎ ኣተሓሳስባ ኣይልውጦን። ስለዚ ካብ ሰብ ዝድለ፡ እምነትን ምእዛዛን ምትግባርን ጥራይ እዩ። እዚ ኪዳናት እዚ ኸኣ ካብ ዘበን ናብ ዘበን ብዝሓሸ መገዲ ይለዋወጥ። ስለዚ ድማ እግዚኣብሔር ንፊንሃስ ብፍቓዱ ኪዳኑ ንዘለኣለም ይኹን ኢሉ ኣትዩሉ ክነሱ፡ ነቲ ኪዳን ፊንሃስ ኣብ ክንዲ ምስ ኩሉ ድኻሙ ዝቕጽል፡ ንኪዳን ክህነት ፊንሃስ ብዝሓይሽ መገዲ ለወጦ። ስለዚ ድማ ሓዋርያ ጳውሎስ “ ..ክህነት ካብ ዚልወጥ፡ ምልዋጥ ሕጊውን ብግዲ ኪኸውን እዩድኣ በለ እምበር ክህነት ተረፈስ ኣይበለን። ክህነት ፊንሃስ ካብ ሕጊ ነበረ፡ ሕጊ ድማ ንዋላ ሓደ ናብ ፍጻሜ ኣየብጽሔን፡ ስለዚ ኪዳን ፊንሃስ ካብቲ ናብ ፍጻሜ ዘየብጽሕ ናብ ፍጻሜ ዘብጽሕ ኪዳን ክህነት ተሰጋገረ። ኣብዚ ኪዳን እዚ ግና እግዚኣብሔር ባዕሉ ኪዳን ክህነት ምሃቡ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቲ ንፊንሃስ ዝኣተወሉ ኪዳን ክህነት ንዘለኣለም ከም ዝዀነ ይዛረብ። ዘለኣለም ማለት ድማ ድሕሪ ዓለም ምሕላፋ ከይተረፈ ዝነብር ማለት እዩ። እሞ ኪዳን እግዚኣብሔርዶ ተሪፉ እዩ፧ ያእ ኣይፋሉን ክህነት ብዝበለጸን ዝሓይሽን ድኣ ተለወጠ በለ እምበር ክህነት ተረፈስ ኣይበለን። ንክህነት መሊሱ ድኣ ዘለኣለማዊ ገበሮ እምበር ንክህነትሲ ኣየትረፎን። እንተዝተርፍሲ ክርስቶስ ከመይ ኢሉ ልቀ ካህናት ተባህለ።

ኣመሳራርታ ምሥጢረ ክህነት ሓድሽ  ኪዳን

ኣመሳራርታ ምሥጢረ ክህነት ኣብ መጻሕፍቲ ኦሪት ሰፊሕን ድልዱልን መሰረት ከም ዘለዎ ከርኢ ከሎ ከምዚ ይብል።ሕጂ ድማ ቃለይ ኣጸቢቕኩም እንተ ሰማዕኩም፡ ኪዳነይውን እንተ ሓሎኹም፡ ኲላ ምድሪ ናተይ እያ እሞ፡ ሓለፋ ኲሎም ህዝብታት ገንዘበይ ክትኰኑኒ ኢኹም። ንስኻትኩም ድማ መንግስቲ ኻህናትን ቅዱስ ህዝብን ክትኰኑኒ ኢኹም” (ዘጽ፡ 195-6) ኢሉ እግዚኣብሔር ንነገደ ሌዊ ካብ ኣሕዋቶም ፈልዩ ንክህነት ምስ ሓረዮም፡ ክህነት ብጥርኑፍ መገዲ ተጀመረ። ኣብታ ንዓሰርተው ክልተ ነገድ እስራኤላውያን ክርስተይዋ ኢሉ እግዚኣብሔር ዝሃቦም ምድሪ፡ ሌዋውያን ምስ ኣሕዋቶም ርስቲ መሬት ከይክፈሉ፡ ኣብ ቤት እግዚኣብሔር ጥራይ ከገልግሉ ተሸሙ። ብፍላይ ድማ እቲ ካብ ነገደ ሌዊ ዝዀነ ኣሮን ሊቀ ካህናት ከይኑ ክመርሖም ተቐብአ። እዚ ድማ ምሳሌ ናይቲ ዝመጽእ ሓድሽ  ክህነት ዘመልክት ከም ዝዀነ ክንምልከት ከሎና፡ ነቲ ሕጂ ብሕጊ ወንጌል ንፍጽሞ ዘሎና፡ ምሥጢረ ክህነት፡ ሓቀኛን ታሪኻዊ ምሳሌኡን ጥጡሕ ድሕረ ባይታ ከም ዝነበሮ ንምሃር (ዘጽ፡ 2830 ዘህ፡150  35  18 ኢያሱ 144 እብ፡ 610) ክርስቶስ ንኦሪትን ነብያትን ፈጺሙ፡ ንባዕሉ ብሥርዓት መልከጼዴቅ ሊቀ ካህናት ኰይኑ፡ ንምሥጢረ ክህነት ብሓድሽ  ሥርዓትን ብሓድሽ  ኪዳንን እንደገናእዚ ሥጋይ እዩ፡ እዚ ድማ ደመይ እዩ ስተዩኢሉ ነቲ ቀዳማይ ብሉይ፡ ነቲ ዳሕረዋይ ድማ ሓዲሽ ኪዳን ኢሉ ሰመዮ። ካህናተ ኦሪት ነቲ ጽላሎት መስዋእቲ ክርስቶስ ዝነበረ መስዋእቲ እንስሳታት ዕለት ዕለት የቕርቡ ነበሩ። ካህናተ ሓድሽ  ግና፡ ነቲ ኣዝዩ ዝኸበረን ዝበለጸን ሓቀኛን ዝተቐደሰን ሓንሳብ ንሓዋሩ ምእንቲ ሓንቲ እስራኤል ዘይኰነ፡ ምእንቲ ምልእቲ ዓለም ዝተሰውአ ሥጋን ደምን ጐይታ፡ ንኻልኣይ ጊዜ ከይሰውኡ፡ ነቲ ሓንሳብ ንሓዋሩ ዝተሰውአ፡ ደጋጊሞም ዘቕርቡ ኰኑ።

ክህነት ሓድሽ  ኪዳን ካብቲ ዝነበረ ኦሪታዊ ክህነት ዝበለጸ ከም ዝዀነ፡ ቅዱስ ጳውሎስ ከምዚ ይብልእቲ ዝሓለፈ ትእዛዝ ድኹምን ዘይጠቅምን ስለ ዝዀነ እዩ እተሳዕረ፡ ሕጊ ንሓደ እኳ ኣብ ፍጻሜ ኣየብጽሖን፡ ግናኸ ናብ ኣምላኽ እንቐርበላ፡ እትሐይሽ ተስፋ ኣተወትኢሉ ነቲ ዝነበረ ኣረጊት ሥርዓት ንሓደ ከም ዘይጠቐመ ወይ ናብ ፍጻሜ ከም ዘየብጽሐ መስከረ። ብዛዕባ እታ ብክርስቶስ ዝመጸ ሥርዓት ሓድሽ  ኪዳን ግና፡ ካብታ ቀዳመይቲ ኣዝያ ከም እትሓይሽ ኣብ ርእሲ ምግላጹ፡ እቶም ቀዳሞት ብስንኪ ድኽመት ኃጢኣት ንሞት ክሰግርዋ ኣይከኣሉን። እቲ ብመስዋእቲ ገዛእ ርእሱ ገይሩ ሓድሽ  ኪዳን ዝመስረተ ክርስቶስ ግና፡ ነቲ ናብኡ ዝመጸ ዘበለ፡ ብሕጊ ሙሴ ዘይኰነ ብጸጋ ዘጽድቕ ከም ዝዀነ ከምዚ ይብልእቲኣቶምሲ ኸይነብሩ ብሞት ስለ እተኸልከሉ፡ ብዙሓት ካህናት ነበሩ፡ እዚ ግና ንዘለኣለም ዚነብር ስለ ዝዀነስ፡ ዘይሓልፍ ክህነት ኣለዎ” (እብ፡ 718-27) ስለዚ ድማ እዚ ሕጂ ዘሎ ብጸጋ ዝተመስረተ ክህነት ሓለፋ ዘለዎ ኰይኑ ተመስረተ። ስለዚ ደቂ ኣሮን ካብ ክህነት ኣሮን ተኻፈልቲ ከም ዝዀነ፡ እቶም ደቂ ክርስቶስ ድማ ካብ ክህነቱ ክህነት ተቐበሉ።

ሓድሽ  ሊቀ ካህናት

ብርግጽ እቲ ቀዳማይ ክህነት ኦሪት ማለት ክህነት ኣሮን፡ ብፍሉይ ጽውዓ ንደቂ እስራኤል ከገልግል፡ ዝተሰርዐ ክህነት ነበረ። ደቁ ድማ ኣብ ክህነቱ ድኣ ተኻፈልቲ ነበሩ እምበር ክህነት ገዛእ ርእሶም ኣይነበሮምን። ካብ ዘርእን ክህነትን ኣሮን ብምውላዶም ግና፡ ካብ ክህነቱ ክካፈሉ ተገብኦም። እቲ ክህነት እቲ ግና፡ ምድራዊ ስለ ዝነበረ፡ ኩሉ ኣገልግሎቱ፡ ካብ ምድራውያን እስራኤል፡ ንእግዚኣብሔር ዘገልግል ካብ እንስሳታት መስዋእቲ ዘቕርብ እዩ ዝነበረ። በቲ ሓደ ወገኑ ድማ ንሓደ ዓሌት ጥራይ ዘገልግል፡ ስለ ዝነበረ ድሩት ነበረ። ንሱስ ምስሊ ናብቲ ብድሕሪኡ ዝመጽእ ንኹሉ ፍጡር ብግብሪ ዘይኰነ ብጸጋ ዘገልግል ዘይሓልፍ ሓድሽ  ክህነት ክርስቶስ ዝጥምት ስለ ዝነበረ፡ ሕልፈቱ ዘይተርፍ ነበረ። በዚ ምኽንያት ብዛዕባ ሕልፈት እቲ ኣረጊት ኪዳን ኣልዒሉ ሓዋርያ ጳውሎስ ከረድኣና ከሎ።ሓድሽ ኪዳን ብምባሉ ነቲ ቐዳማይ ኣእረጎ። እቲ ዝኣረገን ዝበለየን ግና ንጥፍኣት ቀረባ እዩ (እብ 813)  ነቲ ቐዳማይ ኪዳን መንቀፊ እንተ ዘይህልዎ፡ ነቲ ኻልኣይሲ ስፍራ ኣይምተደልዮን ነይሩ። (እብ፡87) እናበለ ደጋጊሙ ሕልፈት እቲ ቀዳማይ ኪዳን ይምህረና።

እቲ ሓቀኛ ብክህነት መልከጼዴቅ ዝመጸ ሊቀ ካህናት ግና፡ ብደም እንስሳታትን ብዘርእን ብዓሌትን ከይተደረተ፡ ንምልእቲ ዓለም ብደም ገዛእ ርእሱ ገይሩ ነፍሳት ዝዕድግ፡ ንዘለኣለም ኣብ መንበር ንግሥነት ዳዊት ዝነግሥ፡ ነቶም ዝእዘዝዎን ብደሙ ዝዓደጐም ድማ፡ ዓሌት ከይፈለየ ንኹሎም ናብኡ ዝመጹ፡ ውሉድ ኣምላኽ ክዀኑ መሰል ዝህብ ኰነ። እምብኣርከስ ክህነት ኣይተረፈን ተሓደሰ ድኣ።

እቶም ቀዳሞት ሊቃነ ካህናት ኦሪት ምእንቲ ሕዝብን ምእንቲ ገዛእ ርእሶምን መሥዋእቲ የቕርቡ ነበሩ። ንሱ ግናከም ካልኦት ሊቃነ - ካህናት ቅድም ምእንቲ ኃጢኣቱ ደሓር ምእንቲ ኃጢኣት ሕዝቢ መሥዋእቲ ኣየቕረበን። ንሱ ኣበር ዘይብሉ ካብ ኃጢኣት ዝተፈልየ፡ ካብ ሠማያት ዝለዓለ ስለ ዝዀነ ምእንቲ ርእሱ መሥዋእቲ ኣየቕረበን (እብ፡ 726-27)በዚ ምኽንያት እዚ ክርስቶስ ናይዛ ሓዳስ ኪዳን እዚኣ መንጐኛ ኰነ (እብ፡ 915 እብ፡ 86)ስለዚ ድማ እቲ ጽሑፍ፡ ንሱ ብደም ድቤላታትን ምራኹትን ዘይኰነስ፡ ናይ ገዛእ ርእሱ ደምዙ፡ ዘለዓለማዊ ድሕነት ረኺብና ሓደ ጊዜ ንሓዋሩ ናብታ ቅድስተ ቅዱሳን ኣተወክብል ተጻሕፈ (እብ፡ 912) ካህናተ ኦሪት ኣብ ጸጽባሕ መሥዋእቲ ከቅርቡ ከለዉ፡ ናቱ ግና ብሓደ ጊዜ ንወትሩ ተፈጸመ። ክህነት ኦሪት ብወለዶ ዝመሓላለፍን ጊዝያውን ኪኸውን ከሎ ክህነት ክርስቶስ ከምቲ ናይ መልከጼዴቅ ወለዶን ግዜን ዘይፈሊ ዘለዓለማዊ ኰነ።

እዚ ሊቀ ካህናት እዚ ክህነቱ ካብ ሰማይ ስለ ዝዀነት፡ ክሳብ ዝምለስ ነቶም ብደሙ ዝዓደጎም፡ ካብ ክህነቱ ክህነት ዝተቐበሉ ሓደስቲ ጓሶት ገበረሎም። እዞም ጓሶት እዚኣቶም ኣብ ክህነቱ ስለ ዝኸሃኑ ካህናት ተባህሉ፡ ኣብ ኣቦነቱ ኣቦታት ስለ ዝዀኑ ኣቦታት ተባህሉ፡ ካብ መምህርነቱ ሥልጣን ምምሃር ስለ ዝተቐበሉ፡ መማህራን ተባህሉ፡ ካብ ሕውነታዊ ጸግኡ ጸጋ ስለ ዝተዓዱሉ፡ ኣሕዋቱ ድማ ተባህሉ። እዚ ኹሉ ግና፡ ንዕኡ ስለ ዝመሰሉ ድኣምበር፡ ካብ ገዛእ ርእሶምሲ ኣይኰነን፡ ስለዚ ድማ፡እቲ ቐዳማዩ ቅዱስ እንተ ዀነ፥ እቲ ብሑቝ ከኣ ቅዱስ እዩ። እቲ ሱር ቅዱስ እንተ ዀነ ኸኣ፥ ጨንፈርውን ቅዱስ እዩ” (ሮሜ 11-16)  ዝተባህለ ንሳቶም ብብዙሕ መጸውዒ ዝጽውዑ እኳ እንተ ዀኑ፡ ንሕና ግን ከምቲ ሓዋርያ ጳውሎስ በቲ ልሙድ ኣጸዋውዓ ንኹላቶም ዝጥርንፍ ካህናት እናበለ ዝጸውዖም ክንጽውዖም ኢና። ካህናት ዝፍጽምዎ ምሥጢራት ድማ፡ እቲ ክርስቶስ ንሓዋርያት ዝመሃሮም፡ ንሳቶም ድማ ካብ ሓዋርያት ዝተማህርዎ ሸውዓተ ምሥጢራተ ጸጋ እዮም። ኣገልግሎት መስዋእቲ ኣብ ብሉይ ይኹን ኣብ ሓድሽ  ኩሉ ግዜ ስራሕ ክህናት እምበር፡ ስራሕ ታራ ኣመንቲ ኰይኑ ስለ ዘይፈልጥ፡ ካህናት ነዞም ምሥጢራት እዚኣቶም ክሰርዕዎም ከለዉ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሐርን ኣብ ቅድሚ ሰብን መንቅብ ከይርከቦም ብዓቢ ፍርሕን ብዓቢ ጥንቃቐን እዮም ዝፍጽምዎ እሞ፡ ኣብ ኣገልግሎቶም ምሉእ ምትሕብባር መእመናን ክረኽቡ ይግብኦም።

ብርግጽ እቲ ጽሑፍስለዚ ነቲ ሓጢኣት ህዝቢ ምእንቲ ኼተዓርቕ፡ ብናይ ኣምላኽ ዘበለ ደንጋጽን እሙንን ሊቀ ኻህናት ምእንቲ ኪኸውን ብዂሉ ነቶም ኣሕዋቱ ኺመልሶም ተገብኦ። ንሱ ባዕሉ ኺፍተን ከሎ ተሰቅዩ እዩ እሞ፡ ነቶም ዚፍተኑ ኺረድኦም ይከኣሎ እዩከም ዝበለ ንሱ ከም ዝሕግዞም ግና ጥርጥር የልቦን (እብ 2:17-18)

ይቕጽል…

 

ዶ/ር ሽሞንዲ ኃይለ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div