S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ዝኣመነን እተጠምቀን ኪድሕን፡እቲ ዘይኣመነ ግና ኪዅነን እዩ

ጥምቀት፡ ብዙሕ ዓይነት መልክዕ እኳ እንተ ሃለዎ፡ ጥምቀት ኣብ መንጎ እግዚኣብሔርን ሰብን ብእምነት ዝእቶ ኪዳን እዩ።
 ኣብ ብሉይ ኪዳን ዝተዋህበና ጥምቀት፡ ብማይ ምሕጻብ፡ ብደመና ምሕላፍ፡ ብመርከብ ምስጋር፡ ግዝረት ዕልቦ ሥጋ ዝኣመሰለ እዩ ዝነበረ። እዚ ግና ምልክት ኪዳን ኣብ መንጐ ኣብርሃምን ዘርኡን፡ እንተላይ እቶም ብፍታዎም ናብ ዘርኢ ኣብርሃም ዝኣተዉ፡ ናብ ምድራዊት ከንኣን ዘእቱ ድኣሉ ዝነበረ እምበር፡ ከምቲ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ተዋሂቡና ዘሎ፡ ንህዝብን ኣህዛብን መደምሰሲ ኣዳማዊ ሓጢኣትን መውሃቢ ሓድሽ ልደት ንጽድቕን፡ መእተዊ ናብ ሓዳስ ኢየሩሳሌምን ዝኸውን ኣይነበረን። ናይ መከራ ጥምቀትውን ኣይነበረን። ጥምቀት ሓድሽ ኪዳን ብማይን ብቓል እግዚኣብሔርን እዩ ዝፍጸም። ብዛዕባ ጥምቀት እዚ ክኸውን ከሎ፡ ጥምቀት ብድንገት ዝተጀመረ ኣይኰነን። እንታይ ድኣ፡ ከምቶም ካልኦት ምሥጢራት ንደቂ ሰባት ካብ ዘለዓለማዊ ጥፍኣት ናብ ዘለዓለማዊ ሕይወት ከሰጋጉሩና ዝተዋህቡና ምሥጢራዊ ኪዳን እዩ። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ ብግብሪ ብማይ ተጠሚቑ፡ ንሕናውን ከምቲ ንሱ ዝገበሮ ክንገብር ብቓሉ ኣዚዙናን ሰሪዑልናን ናይ ድሕነትና ምሥጢር ሒዙ ከም ዘሎ ምሂሩናን እዩ። ጥምቀት ዘድለየና ቐንዲ ምኽንያት ከኣ፡ እቲ ናይ መጀመርታ ሰብ፡ ኣቦና ኣዳም ትእዛዝ ፈጣሪኡ ስለ ዘፍረሰ፡ ንገዛእ ርእሱ ኣብ ትሕቲ መርገምን ሞትን ኵነኔን ኣእትዩ፡ ነቲ ኣብ ልዕሌኡ ዝወረደ መርገምን ሞትን ኵነኔን ድማ ኣብ ደቁን፡ ኣብ ደቂ ደቁን ተመሓላለፈ እሞ፡ ኵሉ ካብ ዘርኢ ኣዳም ዝተወልደ ዘበለ፡ ካብ ማይን ካብ መንፈስ ቅዱስን እንተ ዘይተወልደ፡ ናብ መንግሥቲ እግዚኣብሔር ኪኣቱ ከም ዘይክእል ኰነ። እዚ ማለት እቲ ዘይተጠምቀ ካብቲ ካብ ኣዳም ዝወረሶ ባርያ ሓጢኣት ሓራ ክኸውን ኣይከኣለን። ስለዚ ድማ እዩ ዝኣመነን እተጠምቀን ኪድሕን፡ እቲ ዘይኣመነ ግና ኪዅነን እዩ ተባሂሉ ዝተጻሕፈ። (ማር፡ 1616) (ሮሜ 512-20 ቲቶስ 34-5)

ምሳሌ ጥምቀት ኣብ ብሉይ ኪዳን

1.ሓዋርያ ጰጥሮስ ብዛዕባ እታ ቀዳማይቲ ጥምቀት ብግዜ ኖህ ዝተፈጸመት ክዛረብ ከሎ።ትዕግስቲ ኣምላኽ ብመዓልትታት ኖህ ምስ ተጸበየት፡ እታ መርከብ ክትስራሕ ከላ፡ ብእኣ ሒደት፡ ማለት ሾሞንተ ነፍሲ፡ ብማይ ዝደሓናላ፡ ነቶም ቀደም ዘይኣመኑ ሰበኸሎም። እቲ ማይ ድማ ሕጂ ብተምሳሉ፡ ማለት ጥምቀት፡ የድሕነኩም ኣሎ፡ እዚ ኸኣ ብትንሳኤ ኢየሱስ ክርስቶስ ልማኖ ሰናይ ሕሊና ናብ ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ምሕጻብ ርስሓት ሥጋ ኣይኰነንኣናበለ ነቲ ብግዜ ኖህ ንገሊኦም ንድሕነት ንገሊኦም ድማ ንጥፍኣት ዝነበረ ማይ፡ ከመይ ገይሩ ንኣማናዊ ጥምቀት ከም ዝመስሎ ይሕብረና። (ዘፍ፡ 617 1ጴጥ፡ 320-21) እዚ ጥምቀት እዚ ካብታ ቀዳመይቲ እክይቲ ናይ ሓጥያት ዓለም፡ ናብታ ካልኣይቲ ሓዳስ ዓለም ዘሰጋግር እዩ ዝነበረ።

2.ሓዋርያ ጳውሎስውን፡ ብዛዕባ እቲ ደቂ እስራኤል ብኢድ ሙሴ፡ ኣብ ባሕሪ ኤርትራ እተጠመቕዎ ናይ ድሕነት ጥምቀት ክዛረብ ከሎ፡ኣሕዋተየ፡ ኵላቶም ኣቦታትና ትሕቲ ደበና ኸም ዝነበሩ፡ ኲላቶምውን ባሕሪ ኸም እተሳገሩ፡ ዘይትፈልጡ ኽትኰኑ ኣይፈቱን እየ። ኲላቶም ድማ ብደበናንን ብባሕርን ናብ ሙሴ ተጠምቁ። ኢሉ ነቲ እስራኤል ንባሕሪ ኤርትራ ስንጢቖም ዝሓለፍዎ ጥምቀት፡ ንደቂ እስራኤ ድሕነት፡ ንደቂ ግብጺ ግና ሞት ከም ዝነበረ ምስ ኣማናዊ ጥምቀት ኣዛሚዱ ይነግረና። (ዘጽ፡ 2114-22 1ቆረ፡101-2) እዚ ጥምቀት እዚ ካብ ምድሪ ባርነት፡ ናብ ምድሪ ሓርነት ዘሰጋግር እዩ ዝነበረ።

3.እቲ ብባህርያቱ ካብ ህዝቢ ኣምላኽ ዘይነበረ ንዕማን ሶርያዊ ከይተረፈ ካብ ቤት እግዚኣብሔር ምሕረት ክረኽብ ኢሉ ምስ መጸ፡ ኣብ ሩባ ዮርዳኖስ ብማይ ተጠሚቑ ካብ ለምጹ ከም ዝሓወየ መጽሓፍ ቅዱስ ይዛረብ። (2ነገ፡ 51-16) እዚ ጥምቀት እዚ ድማ ካብ ድንቁርና፡ ናብ ፍልጠት ሓቂ ዘብጽሕ ጥምቀት እዩ ዝነበረ።

4.እቲ ካብዞም ዝረኤናዮም ጥምቀታት ብማይ ፍልይ ዝበለ፡ ካልእ ተርእዮ ዝሓዘ ኪዳን ግዝረት እዩ። ግዝረት ሓደ መልክዕ ናይ ጥምቀት ኣብ ብሉይ ኪዳን ስለ ዝነበረ ጥራይ ዘይኰነ፡ ኩሉ ኣብ ማሕበር እግዚኣብሔር ዝኣቱ ዘበለ ክግዘር ግድን ነበሮ። እዚ ግዝረት እዚ ድማ፡ ምስሊ ናይቲ ዝመጽእ ብማይ ዝግበር ኣማናዊ ጥምቀት ከም ዝነበረ ሓዋርያ ጳውሎስ ንስኻትኩም ድማ ብግዝረት ክርስቶስ ነቲ ናይ ሥጋ ሰብነት ቀንጢጥኩም ብኢድ ብዘይኰነት ግዝረት ብእኡ ተገዘርኩም። ብጥምቀትውን ምስኡ ተቐበርኩም፡ ብግብሪ እቲ ኻብ ምዉታት ዘተንስኦ ኣምላኽ ድማ ምስኡ ተንሳእኩም እናበለ የረድኣና። (ዘፍ፡ 179-29 ፊሊጲ 33 ቄሎሴ 211-12) እዚ ማለት፡ በቲ ኣብ ሥጋ ዝፍጸም ግዝረት፡ ኩሉ ግዜ ኣብ ኣካልካ ዘይርሳዕ ኪዳን ከመልክት ከሎ፡ በቲ ሓደ ወገን ድማ፡ ኣካልካ ንሞት ቆሪጽካ ምሃብ፡ እቲ ዝተረፈ ኣካልካ ድማ ንህይወት ከም ዝነብር መርኣያ ነበረ።

5.እቲ ብሓድሽ ኪዳን ክፍጸም ዝመጽእ ዝነበረ ሓድሽ ጥምቀት ግና፡ ከምቲ ኣብ ብሉይ ኪዳን ዝነበረ ምስሊ ጥራይ ዘይኰነ፡ ሕይወት ዘውህብ ጥምቀት እዩ። እቲ ንጉሥን ነብይን ዝነበረ ዳዊት፡ ነቲ ጐይታ ሕይወት ኣብ ሩባ ዮርዳኖስ ከም ዝጥመቕ ኣማዕድዩ ብዓይኒ ትንቢት ምስ ረኣዮ፡ ባሕሪ ኤርትራ ርእያ ሃደመት። ፈለግ ዮርዳኖስ ንድሕሪት ተመልሰት,,,” ኢሉ ተነብዩ ነበረ። (ህዝ፡ 3625 መዝ፡1143) እዚ ማለት እቲ እስራኤል ኣብ ባሕሪ ኤርትራን ሩባ ዮርዳኖስን ዝገበርዎ ምስቲ ዘለዓለማዊ ጥምቀት ዘውህብ ኣማናዊ ጥምቀት ክመዛዘን ከሎ ፈጺሙ ዘይወዳደር ከም ዝዀነ ከመልተና ስለ ዝደለየ እዩ።

6.ነብይ ሚክያስውን ብዓይኒ ትንቢት፡ ንጐይታ ኣብ ሩባ ዮርዳኖስ ክጥመቕ ምስ ረኣዮ፡ ንኣበሳና ኣብ ትሕቲ እግሩ ይረግጾ፡ ንኹሉ ሓጢኣቶም ናብ መዓሙቕ ባሕሪ [ዮርዳኖስ] ይድርብዮ ኢሉ ተነበየ። (ሚክ፡718-19) እቲ ቀዳማይ ጥምቀት ናብ ተስፋ ዘመልክት እዩ ዝነበረ፡ እዚ ጥምቀት እዚ ግና፡ ነቲኣዳም ገብሩ ለድያብሎስ ሔዋን ኣመቱ ለድያብሎስዝብል ጥንታዊ ናይ ባርነት ምስጢር ኣዳምን ሔዋንን ምስ ዲያብሎስ ዝኣተዉዎ ኪዳን ንዘለዓለም ዝድምስስ ጥምቀት ጐይታ ጥራይ ከም ዝዀነ ከመልክት ስለ ዝደለየ እዩ። (ህዝ፡478-9)

7.እምብኣርከስ እቲ ኣብ ብሉይ ኪዳን ዝነበረ ዝተፈላለየ መልክዕ ዝነበሮ ኣሰራርሓ ምስሊ ጥምቀት እዚ ክኸውን ከሎ፡ ኩላቶም ግና ናብቲ ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ዝተፈጸመ ኣማናዊ ጥምቀት እዮም ዘመልክቱ ዝነበሩ።

Posted on 1/22/2010

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div