S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ሕጊ ሙሴን ጸጋ ክርስቶስን (1ይ ክፋል)

ብዛዕባ ሕጊ ሙሴን ጸጋ ክርስቶስን ኣልዒልና ክንጽሕፍ ከሎና: ሕግን ጸጋን ዝብሃሉ ቓላት፡ ንእዝንና ሓደሽቲ ቓላት ከም ዘይኰኑ ዝተፈልጠ እዩ። እንተ ኰነ ሕግን

ስራሕ ሕግን፡ ጸጋን ሥራሕ ጸጋን ብኸመይ መጹ፡ ከመይሎምከ ይምልከቱና፡ ተንቲንቲና ክንርድኦም ዘይምኽኣልና፡ መምህር ስለ ዝጠፍኤ ድኣምበር፡ ቤተ ክርስቲያን ብዛዕባ ሕግን ጸጋን እኩልን ትርፍን ትምህርቲ ስለ ዘየብላ ኣይኰነን። ብዛዕባ ትምህርቲ ጸጋን ምስጢራተ ቤተ ክርስቲያንን ሕግን ፍልልዩ ናብ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ተመሊስና ክንርኢ፡ ግቡእ ኰይኑ ይረኣየኒ።

ጸጋ ማለት እንታይ ማለት እዩ፧

  1. መዝገበ ቓላት ከም ዝገልጾ፡ ጸጋ ማለት ሕያውነት፡ ምሕረት፡ ሰናይ፡ ብዘይ ልቓሕን ዋጋን ዚወሃብ ህያብ እዩ። ብሓጺሩ ኸኣ ንሰብ ዚኸውን ርእይቶ ኣምላኽ ማለት እዩ (ቲቶ፡ 2፡11 ሉቃ፡ 1፡30)።
  2. ጸጋ ነቲ ሕያውነት ዘይግብኦ ሰብ እዩ ዚወሃብ (ኤፈ፡2፡4-5። ሮሜ 5፡6-8)።
  3. እግዚኣብሔር ብጸጋኡ ገይሩ ኣባና ግብሪ ምድሓን ፈጸመ (ኤፈ፡ 2፡6-8። ጢሞ፡ 1፡9)።
  4. ንጸጋ እግዚኣብሔር ብእምነት ኢና እንቕበሎ (እብ፡4፡16። ኤፈ፡2፡8-9)።
  5. ብሕጊ ወይ ብግብሪ ኢና እንጸድቕ እንተ በልና፡ ተቐበልቲ ጸጋኡ ንምኳን ኣይንበቅዕን ኢና (ገላ. 5፡4-5። ሮሜ 8፡1-2፡ 5፡1፡ 15-17)።
  6. ጸጋ እግዚኣብሔር ንኣመንቲ የደልድሎም (ግብ፡ 20፡32። 2ቄረ. 9፡14፡ 12፡9። 2ጢሞ፡ 2፡1)።
  7. በበይኑ መንፈሳዊ ውህበት ከኣ ይህቦም (ሮሜ 6። ይሁዳ 4) 

ጸጋን ምሥጢራተ ቤተ ክርስቲያንን

ሕጊ ኦሪት ብሙሴ ኣቢሉ ከም ዝመጸ፡ ጸጋ ግና ብጐይታና ኢየሱስ ኣቢሉ ከም ዝመጸ ወንጌላዊ ቅዱስ ዮሃንስ ኣብ ወንጌሉ ቀዳማይ (ዮሃ 1.16-17) ከምዚ ገይሩ ጽሒፉዎ ኣሎ። "ሕጊ ብሙሴ ተዋሂቡ እዩ እሞ፡ ጸጋን ሓቅን ግና ብኢየሱስ ክርስቶስ መጸ። ንሕና ዅላትና ኻብ ምልኣቱ ጸጋ ኣብ ልዕሊ ጸጋ ተቐበልና" ኢሉ ገሊጹልና ኣሎ። ደጊሙ ኣብ ጥቅሲ 14፡ "እቲ ቓል ሥጋ ዀነ፡ ጸጋን ሓቅን መሊእዎ ኸኣ ኣባና ሓደረ። ክብረቱ ድማ ከም ክብሪ ናይቲ ሓደ ወዱ ነቦኡ ርኤና" ኢሉ ወንጌላዊ ዮሃንስ ጸጋና ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ ከም ዝዀነ ገለጸልና። እምብኣርከስ ጸጋ ማለት ክርስቶስ ሰብ ብምዃኑ፡ ንኹላቶም ብእኡ ዝኣመኑ ዘበሉ ብነጻ ዝወሃብ ነጻ ህያብ እግዚኣብሔር ማለት እዩ።

ሓዋርያ ዮሃንስ ደጊሙ "ነቶም እተቐበልዎ ዘበሉ ዅሎም ብስሙ ንዚኣምኑ ግና ውሉድ ኣምላኽ ኪዀኑ መሰል ሃቦም። ንሳቶም ከኣ ካብ ኣምላኽ እምበር፡ ካብ ደም፡ ወይ ካብ ፍቓድ ሥጋ፡ ወይ ካብ ፍቓድ ሰብኣይ ዘይተወልዱ እዮም" ይብል (ዮሃ 1.12-13)። እዚ ማለት መንፈሳውያን እዮም እምበር ደጊምሲ ሥጋውያን ኣይኰኑን ማለቱ እዮም።

እቲ ብሙሴ ዝመጸ ሽዱሽተ ሚኢትን ኣርብዓን ዝኸውን ሕግታት፡ እዚ ግበር እዚ ኸኣ ኣይትግበር ዝብል ሕጊ፡ ማሕበራዊ ኣነባብራ ዝምህርን ዝመርሕን፡ እስራኤል ክፍጽምሞ ዝግድድ ትእዛዝ እዩ ዝነበረ። እስራኤል ሓደ ካብዚ ሕግታት እዚ እንተ ኣፍረሱ ግና፡ ክሳብ ናብ ሞት ዘብጽሕ መቕጻዕቲ ከስዕበሎም ይኽእል ከም ዝነበረ፡ ኦሪት ይነግረና። ንሕጊ ሙሴ ዝሓለዎን ዘኽበሮን ግና ብህይወት ከም ዝነብሩ ይነግረና። እንተዀነ ታሪኽ ከም ዝምስክሮ፡ ንሕጊ ሙሴ ሓልዩ ዘጸደቐ ወይ ካብ ፍርዲ ሞት ዘምለጠ ዋላ ሓደ ከም ዘየለ ተመዝጊቡ ኣሎ። ከመይሲ ሰብ ይትረፍዶ ን640 ዝኸውን ሕግታት ክሕሉስ ንሓንቲ ሕጊ ምሕላዋ እኳ ክንደይ ጋዶ፡ ኣዳምዶ ንሓንቲ ንቑማ ምሕላዋ ኣይሰኣነን፧ ብሰንካዶ ኣይኰነን ሞት ዝተፈርዶ፧ ስለዚ ምሕላው ሕጊ ክሳዕ ክንድዚ ንሰብ መሊኽዎ ዝረኣየ ልዑል እግዚኣብሔር፡ ንሰብ በቲ ብክርስቶስ ወዱ ዝርከብ ጸጋ ኣቢሉ መንግሥቲ እግዚኣብሔር ክወርስ ፈቐደሉ።

ስለዚ ሰብ ዘበለ ንሕጊ ሙሴ ሓደ ብሓደ ክፍጽሞ ስለ ዝተሳእኖ፡ ሕጊ ሙሴ ንሰብ መርገም ኣምጽኣሉ። ሕጊ ስለ ዘየናሕሲ፡ ሰብ ዘበለ ካብ ፍርዲ ሞት ከምልጥ ኣይከኣለን። ስለዚ ድማ እዩ ሓዋርያ ጳውሎስ ኩሉ ሓጥያት ኰይኑ ስለ ዝረኸቦ፡ “ዅሎም ሓጢኦም ክብሪ ኣምላኽ ስኢኖም” ዝበለ (ሮሜ 3፡ 11-12)። ስለዚ ብሕጊ ሙሴ ዋላ ሓደ ክጸድቕ ዝኸኣለ የልቦን። ከመይሲ ሕጊ ንወዲ ሰብ ካብ ሓጢኣቱ ከላቕቖ ዝኽእል ሓይሊ የብሉን። ሕጊ ብምንባሩ ክኣስረና እምበር ካብ ሓጢኣት ከናግፈና ኣይክእልን። ሕጊስ ነቲ ሓጢኣትን ዘይሓጢኣትን ኢልና ክንፈልየሉ ዘይከኣልና ዝነበረ፡ መሊሱ ስለ ዘፍለጠና ተጽዕኖ ድኣ ኰነና እምበር ሓርነት ኣየልበሰናን (ሮሜ 7፡7-12)።

እቲ ብክርስቶስ ዝመጸ ጸጋ ግና፡ ንዝኣመነ ዘበለ ብጸጋ ንሓጢኣቱ ደምሲሱ ምስ እግዚኣብሔር ዘተዓርቕ መንግሥቲ እግዚኣብሔር ዘውርስ ኰይኑ ተረኽበ። እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት ድማ፡ እግዚኣብሔር ነቲ ሓደ ወዱ ነዛ ዓለም እዚኣ ብፈቓዱ ክብጀዋ ስለ ዝለኣኾ እዩ። ስለዚ ድማ እዩ ሓዋርያ ጳውሎስ "ዎ ሞት፡ ኣበይ ኣሎ ብልሕኻ፧ ኣታ ሲኦልከ ኣበይ ኣሎ ዓወትካ፧ ብልሒ ሞት ሓጢኣት እዩ፡ ሓይሊ ሓጢኣት'ውን ሕጊ እዩ" ዝበለ (1ቆረ፡ 15፡55 ሮሜ 5፡21)።

ነብይ ኢሳይያስ’ውን "ሕጻን ወዲ ተወሊዱልና" ኢሉ ዝተነበየ ናይ ምድሓን ጸጋ ብክርስቶስ ከም ዝተዋህበና ኣማዕድዩ ምስ ረኣየ እዩ። "ወዲ ተውሂቡና" ማለት ድማ ናይ ጸጋ ህያብ መርኣያ ማለት እዩ (ኢሳ፡ 9፡6)። እቲ ንዓና ክብል ዝተወልደ ህጻን ድማ ነቲ ብምኽንያት መርገም ሞት ዘምጽኣልና ዝነበረ ሕጊ ካባና ወሲዱ ኣብ ገዛእ ርእሱ ተሰከሞ። እቲ ጽሑፍ ድማ "ነቲ ብሕጋጋት ዚቓወመናን ዚበኣሰናን ዝነበረ ብኢድ እተጻሕፈ ጽሕፈት ዕዳ ደምሲሱ ኸኣ፡  ንእኡ ኣብ መስቀል ሸንኪሩ ኻብ ማእከል ኣርሓቖ" ይብል (2፡14)። ብኢድ እተጻሕፈ ማለቱ ብኢድ እግዚኣብሔር ዘይኰነ ብኢድ ሙሴ እተጻሕፈ ሕጊ ማለቱ እዩ። ኣብ መስቀል ዝተሸንከረ ድማ እቲ ንምኽንያት ውድቀት ዝዀነና ዝነበረ ሥጋ ኣዩ። እዚ ማለት ድሕሪ ደጊም ብምኽንያት ሕጊ ሰብ ኣይመውትን ማለቱ እዩ።

ስለዚ ብሰንኪ ድኽመት ሥጋና ንሕጊ ክንጻወሮ ብዘይ ምኽኣልና ዝሰኣንናዮ ሕይወት ብሞትን ትንሣኤን ክርስቶስ ረኸብናዮ። ብሳላ ብእኡ ኣቢልና ከም ፍቓዱ ብመንፈስ ኣቢልና ምምልላስና፡ ኹሉ ሕግን ትእዛዝን ከም ዝፈጸምና ተቖጽረልና። ስለዚ ነቶም ብኢየሱስ ክርስቶስ ዘሎና ዘበልና ኩነኔ ከም ዘየብልና ተጻሕፈልና (ሮሜ 8፡1-4)። ስለዚ እቲ ኣብ መስቀል ዝተሰቕለ ሰብነት ክርስቶስን ዘፍሰሶ ደም ንምልእቲ ዓለም ስለ ዝተበጀዋ ነባሪ ናይዛ ዓለም እዚኣ ብእምነት ዝቕበሎ ዘበለ፡ ኹሉ ብጸጋኡ ካብ ሓጢኣት ሥርየት ረኸበ። እዚ ማለት ንሞት ብጸጋ ሰዓረ። ጸጋ ማለት ድማ ኩሉ ምስጢረ ቤተ ክርስቲያን የጠቓልል።

ይቅጽል…..

1 ክፋል | 2 ክፋል | 3 ክፋል 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div