ኣዳም ዝሞተ በቲ ኣብ ኣእምሮኡ ዝተፈጸመ ምእማንን ዘይምእማንን ጥራይ ነይሩ እንተዝኸውን፡ ንሕናውን ብዘይ ግብሪ ኣሚነ ጥራይ ኢልና ምደሓንና ኔርና። እንተዀነ ኣዳም ብግብሪ ካብታ ዘይትብላዕ ኦም ስለዝበልዔ ክሕደቱ ብግብሪ ኣርኣየ። ሕጂ’ውን ሰብ ኣሚነ ክብል እንተድኣ ኰይኑ፡ ካብቲ ህይወት ዝህብ ሥጋ ክርስቶስ እንተዘይበልዐ፡ በቲ ኣብ ኣእምሮኡ ዝፍጸም ምእማን ጥራይ ህይወት ክረክብ እዩ ማለት ኣየስምዕን። ከምኡ ነይሩ እንተዝኸውንሲ ክርስቶስ ሥጋይ ዚበልዕ ደመይ’ውን ዚሰቲ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣላቶ፥ … (ዮሃ፡ 6፡55-56) ኣይምበለን። Read more...
እዚ ሰንበት እዚ (ሰነ 25, 2017)፡ ራብዓይ ሰንበት ኣብዚ ዘሎናዮ ዘመነ ጰራቅሊጦስ እዩ። ሎሚውን ምስቲ በጺሕናዮ ዘሎና ምስ ውህበትን መንፈስ ቅዱስ ብዝተኣሳሰር፡ ጐይታ ዝኣዘዘና፡ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስውን ዝዓበየ መገዲ ኢሉ ዝመሃረና መሰረታዊ ናይ ፍቕሪ መገዲ ክንርኢ ኢና።
ሰላም ዝኽበርኩም አዳለውቲ እዚ መደብ ነዚ መንፈሳዊ መደብኩም ምስ ረኽብክዎ ካብ መጠን ንላዕሊ ደስ ኢሉኒ’ሞ መንፈሳዊ ሰላምታይ ተቕበሉኒ ይብለኩም። ንቐፃሊ ድማ ዘሎኒ ሓበሬታን ርኢቶን ከምዝሰደልኩም ቃል ይአትወልኩም ሰላም ንህዝቢ ኢትዮጵያን ንህዝቢ ኤርትራን!
ዲ/ን ብርሃነ ገ/ሚካኤል ካብ መቐለ-ኢትዮጵያ
“…ብኽፍኣቱ ዝጠዓስን ስለምንታይ ክፉእ ገበርኩ ዝብልን የልቦን፡፡ ንሕና ለባማት ኢና ሕጊ እግዚኣብሔር ድማ ምሳና ኣሎ ይብሉ።…ብምኽሪ ርእሶምን ናይ ህልኽ ልቦምን ይኸዱ። ክንዲ ንቕድሚት ናብ ሰናይ ምድፋእሲ ንድሕሪት ናብ ክፍኣት ተመልሱ።…ንድምጺ እግዚኣብሔር ኣምላኾም ዘይሰምዑ ተግሳጽ ዘይቅበሉ ምዃኖም ንገሮም ኢኻ። ሓቂ ጠፊኣ እያ፡ ብኣኣ ዝዛረብ’ውን ሓደ እኳ የሎን። ኤር 7፡24-28; 8፡4
እዚ ሰንበት እዚ (ሰነ 18, 2017): ሳልሳይ ሰንበት በዓለ ጰራቅሊጦስ እዩ። ሎሚውን ነቲ እንከታተሎ ዘሎና ንመንነትን ስራሕን እቲ መጸናንዕን ወሃቢ ህይወትን ዝዀነ መንፈስ ቅዱስ ዝድህስስ ትምህርቲ ክንቅጽል ኢና።
ሰላም ንዓኻትኩም ይኹን ኣሕዋትን ወለድን። ከመይ ኣለኹም? ኣብ ስራሕኩም እግዚኣብሄር ክሕግዘኩም ናይ ወትሩ ጊዜ ጸሎተይ እዩ። ኣነ ካብ ኣብ ሰሜን ኣሜርካ ትቕመጡ ኣመንቲ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ብሩህ ተስፋ ክጽበ እየ ጸኒሐ። እንሆ ብሩህ ተስፋይ ሓደ ኢሉ ጀሚሩስ ድሮ እኳ ፕሮፈሶር ብክህነት ክቕባእ ሰሚዐ ኣለኹ እሞ ሓጎሰይ ወሰን ስኢነሉ ብሓጎስ ነቢዐ። እሞ ንኹልኹም ኣመንቲ ኦርቶዶክስ እንቋዕ ሓጎሰኩም። ኣምላኽ እምነትና ይባርኽ። ንስኹም ከኣ ኣጆኹም ኣሕዋትን ወለድን እናበልኩ ኣምላኽ ምሳኹም ይኹን።
ሰላም, ቻው።እዚ ካልኣይ ሰንበት በዓለ ጰራቅሊጦስ እዩ። ሎሚውን ነቲ ዝጀመርናዮ ተራን ስራሕን መጸናንዒ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ድሕነትና ዝድህስስ ትምህርቲ ክንቅጽል ኢና።
እዚ ሳምናይ ሰንበት (ሰነ 4, 2017) በዓለ ሓምሳ (ጰራቅሊጦስ)፡ በዓለ ምውራድ መንፈስ ቅዱስ እዩ። በዚ መሰረት ድማ፡ ብዛዕባ እቲ በዚ መዓልቲ እዚ፡ ብፍሉይ መገዲ ኣብ ሰዓብቲ ክርስቶስ ዝወረደ፡ ኣካል ቅድስት ስላሴ ዝዀነ መንፈስ ቅዱስ እንመሃረሉ መዓልቲ እዩ።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ