S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ክህነትን ኣሰራርዓ መዓርግ ክህነትን መለኮታዊ ጻዋዒትን

ምሥጢረ ክህነት
ክህነትን ኣሰራርዓ መዓርግ ክህነትን መለኮታዊ ጻዋዒትን:

ስለዚ ንሕና ኣብ ክንዲ ክርስቶስ ልኡኻት ኢና እሞ ኣምላኽ ብኣና ገይሩ ይምዕድ ኣሎ። ንሕና ብእኡ ጽድቂ ኣምላኽ ምእንቲ ኽንከውን፡ ነቲ ኃጢኣት ዘይፈለጠ ኣብ ክንዳና ኃጢኣት ገበሮ። ምስ ኣምላኽ ተዓረቑ፡ እናበልና ኣብ ክንዲ ክርስቶስ ኴንና ንልምነኩም ኣሎና(2ቆሮ፡ 518-21)

መእተዊ

ክህነትን ኣሰራርዓ መዓርግ ክህነትን መለኮታዊ ጻዊዒትን፡ ብድላይን ብወለንታን ሰብ ዘይኰነ፡ ብምሥጢራዊ ጸጋ ካብ ኣምላኽ ዝተዋህበ ሓቂ እዩ። እዚ ሓቂ እዚ ድማ እቲ ደቂ ሰባት ክድሕኑሉ ኢሉ ኣምላኽ ቀደም ዘዳለዎ መገዲ ከም ዝኰነ ክዛረብ ከሎ ብሓቂ እቲ ምስጢር ኣምላኽ ዓብዪ እዩ፡ ንሱ እቲ ብስጋ እተገልጸ፡ ብመንፈስ ጸደቐ፡ ንመላእኽቲ ተራእየ፡ ኣብ ኣህዛብ ተሰብከ፡ ኣብ ዓለም ተኣምነ፡ ናብ ክብሪ ዓረገ (1 ጢሞ፡ 31-16) ዝተባህለሉ ክርስቶስ ሓቀኛ ካህን ሓደ ንሱ በይኑ ከም ዝዀነ ዘርኢ እዩ። ንሱ ነቲ ናብ ምልኣት ድሕነት ከብጽሓና ዘይከኣለ ብሕጊ እምበር ብጸጋ ዘይመጸ ክህነት ብሉይ ኪዳን፡ ብክህነት ሓድሽ  ኪዳን ተክኦ እሞ፡ ብክህነት መልከጼዴቅ ዝመጽእ ንክህነቱ ብተግባር ዘርኢ ሓድሽ  ሊቀ ካህናት ጸጋ ተባህለ። ነቶም ካብ ማእከል ደቂ ሰባት ዝሓረዮም ካብ ክህነቱ ክህነት ለቢሶም ክለኣኽዎ ዝሓረዮም ድማ ወንጌል ክሰብኩ፡ ንዝኣመኑ ብማይ ከጠምቑ፡ ብሜሮን ክቐብኡ፡ ቅዱስ ቁርባን ሰሪዖም ከቑሩቡ ዕዮ ጸጋ ክዓዩ ኢሉ ካህናት ዝብል ስም ኣልቢሱ ለኣኾም።

ከምቲ ጽሑፍ እቲ ቀዳማይ መንቅብ እንተዘይህልዎ እቲ ዳሕረዋይ ኣይምመጸን ዝበሎ፡ እቲ ቀዳማይ ክህነታዊ መስዋእቲ ኣብ ጊዜ ብሉይ ኪዳን ዝነበረ፡ ክህነት ደቂ ሌዊ ተባሂሉ ዝጥቀስ፡ ብሕጊ ዝተደረተ ንሓደ ሌት ጥራይ ዘገልግል ስለ ዝነበረ ፍጹምነት ኣይነበሮን። ንሰብ ድማ ናብ ፍጹምነት ኣየብጽሖን። እቶም ዘገልግሉ ካህናት እኳ ንባዕላቶም ዘንጽሆም ሊቀ ካህናት ጸጋ ደለዩ።

እምብኣርከስ እቲ ብሙሴ ዝተዋህበ ብሉይ ሥርዓተ ክህነት፡ በቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝመጸ ሓድሽ ሥርዓተ ክህነት ተተክአ እሞ፡ እቲ ኣብ ብሉይ ኪዳን ዝነበረ ኣመሳራርታ ሥርዓተ ክህነት፡ በቲ ትኸል ንቐል ዝብል ኣዋጅ ምሥጢረ ክህነት፡ ኣረጊት ብግብሪ ዝብል ተነቅለ፡ ኣብ ቦትኡ ሓድሽ  ብጸጋ ዝብል ተተኽለ።

ኣብቲ ቀዳማይ ካብ ሓደ ዘርኢ ዝነቑሉ ካህናት ነበሩ፡ ሕጂ ግና ሥልጣነ ክህነት ነቶም ብክርስቶስ ዝተሓርዩን ብመንፈስ ቅዱስ ዝተቐብኡን ጥራይ ተዋህበ። እዞም ካህናት እዚኣቶም ድማ ከምቶም ቀዳሞት ብዘርኦም ዘይኰኑ ብእምነቶም ክሳዕ መወዳእታ እሙናት ኣገልገልቲ ጸጋ ክዀኑ ብክርስቶስ ተሓርዩ፡ ብመንፈስ ቅዱስ ተቐብኡ። ንሽመቶም መፈላለዪ ዝኰኖም መጸውዒ ድማ ብምስሊ እቲ ቀዳማይ ኪዳን፡ ንዓኣቶም ክምስል ኣቐዲሙ ዝነበረ ሥርዓተ ክህነት፡ ሰለስተ ዓበይቲ መዓርጋት ካህናት ተዋህቦም። ኣዞም መዓርጋት እዚኣቶም ግና ንፍሉይ ጻውዒት ሥልጣነ ክህነት ድኣ ተመዘዙ እምበር፡ ንሃብቲ ውህበታት ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ደረትዎ ማለት ኣየስምዕን። ከመይሲ ሥልጣነ ክህነት ጥራይ ዘይኰነ ንመእመናን’ውን ካልኦት ውህበታት ስለ ዝወሃቡ። ውህበት መዓርግ ክህነት፡ ኣይሁድ ኰኑ ኻልኦት ብመለክዒ ገዛእ ርእሶን ገይሮም ስለ ዝልክዕዎ፡ ከመይሉ ቆመ እናበሉ መልሲ ክረኽቡ ኰለል እናበሉ ይነብሩ ኣለዎ። እቲ ጽሑፍ ግና "እግዚኣብሔር ከምዚ ይብል ኣሎ፦ ሓሳባተይ ከም ሓሳባትኩም ኣይኮነን፥ መገድታትኩም ከኣ ኻብ መገድታተይ ፍሉይ እዩ፥ ከምቲ ሰማይ ካብ ምድሪ ልዕል ዚብል፥ መገድታተይ ካብ መገድታትኩም፥ ሓሳባተይ ካብ ሓሳባትኩም ልዕል ዝበለ እዩ። (ኢሳ፡558-9) ከም ዝበለ ረሲዖም፡ ንኣሰራርዓ ሥርዓተ ክህነት ክፈልጡ ክብሉ ጸሓይ ከም ዝዓርቦም ዝተፈልጠ እዩ። እቲ ዝሓሸን ዝበለጸን ግና፡ ካብ ብመገድታትና ጌርና ንፍልጠት እግዚኣብሔር ክንድርቶ ኰለል ንብል፡ ብፍልጠት እግዚኣብሔር ጌርና ንመገድታቱ ክንፈልጦ እንተ ንፍትን ኣዝዩ ዝበለጸ ምኾነ።

ተልእኾ ዲያቆናትን ካህናት ኤጵስቆጶሳትን ብግዜ ሓዋርያት ከም ዝቖመ ዝገልጸልና መጽሓፍ ቅዱስ ባዕሉ እዩ። እንተ ምስፍሑን ምግፍሑን ዝወስን ግና ዕቤት ቤተ ክርስቲያን እዩ። ንኣብነት ኣብ ምብራቓውያን (ኦሪየንታል) ቤተ ክርስቲያናት ሓሙሽተ ዝተፈላለዩ መዓርጋት ዲቁና ቤተ ክርስቲያን ኣለዉ። ሥርዓት ክህነት ድማ ክሳብ ሰለስተ ዝበጽሑ ኣለዉ። ምእመናንውን ኣብ ክህነት ዘበርክትዎ ተኻፋልነት ኣለዎም ብፍላይ ድማ ንመስዋእትን ግዜ መስዋእትን ዘበርክትዎ ዓቢ ግደ ኣለዎም።

እዚ ክንብል ከሎና ግና ሥርዓት ኣምልኾ ድኣ ሓደን ብሓደን ይኹን እምበር ኣኣብ ሃገርና ነናይ ገዛእ ርእስና ምስ ኣምልኾን ትውፊት ቤተ ክርስቲያን ዘይጻረር ኣገባብት ክህነት ኣለዉና። ካብታ ኣብ ዓለም ዘላ ቤተ ክርስቲያን ውጽእ ኢልና እሞ ብዛዕባ ጸጋን ምሥጢረ ክህነትን ኣብ መሬት ኣግኣዚት ካብ ኣተኣታትውኡ ጀሚርና ንመልከት። ድሕረ ባይታ ክህነት ኣብ መሬት ኣግኣዚት እንታይ ነበረ፡ ከመይ ኢሉኸ ካብ ናይቶም ካልኦት ቤተ ክርስቲያናት ይፍለ፧ ስለምንታይ፧  ክህነት ኣብ መሬት ኣግኣዚት መዓስ ተጀመረ፧ እናልበና ብሓተታ ክንምልሶ ክንፍትን ኢና። ድሕሪ እዚ ድማ ንምሥጢረ ክህነት መዛዘሚ ክንገብረሉ ግድን እዩ።

ይቅጽል...

/ ሽሞንዲ ኃይለ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div