“ብእኡ ዚኣምን ኵሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኺረክብ’ምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ከም’ቲ ሙሴ ኣብ በረኻ ተመን ዝሰቐለ፡ ከምኡ ድማ ወዲ ሰብ ኪስቀል ይግብኦ’ዩ። ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝኣመነ ዅሉ (ሰብ) ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪረክብ’ምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንዲ’ዚ ንዓለም ኣፍቀራ።” ዮሃ 3፡15,16
Retreat Date: June 21- 24, 2024
Youth Retreat Sign-Up | Chaperone Registration
May God bless the youth and the Church as a whole.
ብፁኣን አቦታት ዝመርሕዎ ፈላሚ ውሁድ ዓመታዊ ጉባኤ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ ካብ ሓምለ 11 - 14 (July 11-14) 2024: አብ ቤ/ክ መድኃኔ ዓለም ዋሽንግቶን ዲሲ ኪካየድ እዩ። እዚ ታሪኻውን መንፈሳውን ጉባኤ: መቐጸልታ ናይቲ በብሸነኹ ን25 ወይ ን5 ዓመታትን፡ ኪካየድ ዝጸንሐ ውጺኢታዊ ጉባኤታት ኮይኑ፡ ናብዚ ውህደትን ብራኸን ክንበጽሕ ዝደገፈና እዩ። ድሕሪ ውህደትውን ንቅድሚት ዘሰጉመናን ንሓድነት፡ ትንሣኤን ዕብየትን ናይ ብምልእታ ቤተ ክርስቲያንና ንኽብጻሕ፡ ከምቲ ቅዱስ ጽሑፍ ዝብሎ “ሓጺን ንሓጺን ይስሕሎ፡ ከምኡ ኸኣ ሰብ ንገጽ ብጻዩ ይስሕሎ።” ምሳሌ 27:17 አምላኽ ዘሰከመና ታሪኻዊ ሕድሪ ብብቕዓት ንኽንፍጽም ነንሕድሕድና ንባላላሓሉ ዓብዪ መንፈሳዊ መአዲ እዩ። ስለዚ ውሉደ ክህነትን ንምእመናንና አተባቢዕና ኩላትና ክንሳተፎ ነዘኻኽር። ክልል ሰበኻ ጉባኤታትውን አብ ርእሲ እቲ ዝውሃብ መንፈሳዊ ትምህርትታት፡ ንምምሕዳር ዝምልከት ጉዳያት ብሰፊሑ ኪዝተየሉ ስለዝኾነ፡ ወከልቶም ብምልኣኽ ኪሳተፉ ኣቐዲምና ንሕብር።
ንኣቦና ቅዱስ እንጦንዮስ ብወግዒ ንዘክሮም:
ነዞም ቅዱስ መራሒ ብግቡእ ነኽብሮም:
ነዞም ቅዱስ ሃዋርያ ብኽብሪ ነልዕሎም:
ናይ'ዞም ቅዱስ ፈላሲ ነቃልሕ በረኸቶም:
ናይ'ዞም ቅዱስ መምህር ነመስግን ለውሃቶም:
ናይ'ዞም ቅዱስ ኣቦና ነዘንቱ ታሪኾም:
ዝተባረኹ ቅዱስ ፓትሪያርክ መዘና ዘይብሎም::
እስመ ኣልቦሙ ለኣግብርቲከ ሞት ኣላ ፍልሰት!” ኦ ጎይታ! ንኣገልገልትኻ ምግዓዝ እምበር ሞት የብሎምን፥ ዝብል ናይ ተስፋ ቃል፥ ኣብ ጸሎተ-ፍትሓት (እግዚኣ ሕያዋን) ብመንፈሳውያን ኣቦታትና ተጻሒፉ እንረኽቦ ጸሎት ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ እዩ። በዚ መሠረት: 3ይ ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ሰማዕት እንበለ-ደም፥ ብዙሕ ግፍዕን ማእሰርትን ተዓጊሶም፥ እምነቶም ኣጽኒዖም፥ መንፈሳዊ ገድሎም ወዲኦም፥ ካብ ምድራዊ ሰማያዊ፥ ካብ ጊዚያዊ ዘለዓለማዊ፥ ካብ ሥጋዊ መንፈሳዊ ክብርን ኣኽሊልን መሪጾም ኣብ መበል 96 ዓመት ዕድመኦም፥ ብ9 የካቲት 2022 ዓ/ፈ እዮም ዓሪፎም።
ካብ ዓርቢ 24 ክሳብ ሰንበት 26 ሕዳር 2023 (ሕዳር ፲፬ - ፲፮ ሕዳር ፳፻ ዓ. ም ግእዝ) ንሰለስተ መዓልቲ ዝካየድ ሱባኤ (ጾምን ምህልላን) ክግበር ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ መንበረ-ጵጵስና ኣብ ስደት ንህዝቢ ኤርትራ ኣውጁ ኣሎ። እዚ ብምኽንያት እቲ ኣብ ልዕሊ ሃገርና ዘንጸላሉ ዘሎ ደበና-ኲናትን ወረ-ኲናት እዩ። ናይ ትማሊ ንብዓት ዓይኑ እናዛረየ፥ ዳግማይ ከምዚ ኩነት ክፍጠር ኣዝዩ ዘሻቐል እዩ። “ስለዚ ምሕረት ምእንቲ ክንቅበል፡ ብጊዜ ጸበባውን ንረዲኤትና ዚኸውን ጸጋ ኽንረክብ፡ ብትብዓት ናብ ዝፋን ጸጋ ንቕረብ።” ዕብራውያን 4 - 16።
መድኃኔ-ዓለም ኣምላኽና ሱባኤና ተቐቢሉ ሰላም ይሃበና። ኣሜን።
ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ: ቀኖናዊ መንበረ-ጵጵስና ኣብ ስደት
20 ሕዳር 2023
ምሉእ ትዝሕቶ ኣዋጅ ሱባኤ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ: ቀኖናዊ መንበረ-ጵጵስና ኣብ ስደት
ኣብ 2013 ዓ.ም (ኣብዚ እዋን’ዚ ) ስለ እቶም ኣብ ጻዕዳ ቀላይ ዝሃለቑ ግዳያት ኣብ ዝተገብረ ጸሎተ ፍትሓት ብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ ንህዝቢ ዝመሓላለፍዎ ብንብዓት ዝተሰነየ መጸናንዒ መልእኽቲ - ካብ ቤተ ክርስትያን መድሃኔ ዓለም ኣትላንታ ብቀጥታ ዝተመሓላለፈ መንፈሳዊ ኣገልግሎት።
ብምኽንያት መበል 10 ዓመት ዝኽሪ ናይቶም ኣብ 2013 ዓመት ኣብ ገማግም ደሴት ላምፐዱሳ ህልቂት ዘጋጠሞም ዜጋታትና፡ ንሰንበት 8 ጥቅምቲ 2023፡ ኣብ ኩለን ቤተ ክርስቲያንናትና ብሓባር ጸሎት ፍትሓት ዝካየደሉ ዕለት እዩ። በዚ መሰረት፡ ስለቶም፡
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ