S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ምሳሌኣዊ ድሕረ ባይታ ጥምቀት ካብ ብሉይ ኪዳን (8ይ ክፋል)

ንብሉይ ኪዳን ካብ መጀመርታ ክሳብ መወዳእታ፡ መጽሓፍ ብመጽሓፍ፡ ምዕራፍ ብምዕራፍ፡ እንተ ኣንበብናዮ፡ ኵሉ መስትያት ናይ ሓድሽ ኪዳን ከም ዝነበረ ኰይኑ ንረኽቦ። እዚ ድማ ኣዝዩ ዘገርምን ዝጭበጥ መንፈሳዊ ሓቅን  ኰይኑ

ኢና
ንረኽቦ። ነቲ ዅሉ ክርስቶስ ዝገበሮ ሓደ ብሓደ እንተ ተመልከትናዮ፡ ምልእቲ ብሉይ ኪዳን ብዛዕባ ክርስቶስ ዝምስል ድኣምበር፡ ካብ ክርስቶስ ወጻኢ ዋላ ሓንቲ ኣይንርእን። ክርስቶስውን ካብቲ ብዛዕባኡ ዝተባህለ፡ ኣብ ብሉይ  ኪዳን ዘይተጻሕፈ ሓድሽ ነገር ኣየምጽኤን። ኣገባቡ ግና ተቐየረ። ንኣብነት ኣብ ብሉይ ኪዳን ምሳሌ ጥምቀት ክኰነና ዝኽእል ታሪኽ ኣሎ። ንኣብነት እቶም ሸሞንተ ስድራ ቤት ኖህ ብጥምቀት መርከብ ከም ዝደሓኑ፡ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ጽሑፋቱ ምሂሩና ኣሎ (1ጴጥ፡320-21) ሊቓውንቲ ኣቦታት ድማ፡ ትርጕም ናይዚ ትምህርቲ እዚ ኣስፍሕ ኣቢሎም ከረድኡና ከለዉ፡  ኖህ ምስ ቤተሰቡ፡ ምሳሌ ዝተጠምቑ መእመናን ከም ዝዀኑ የመልክቱና። እቶም ናብታ መርከብ ድሕነት ዘይኣተዉ ድማ፡ ምሳሌ ናይቶም ሎሚ ናብ ቤተ ክርስቲያን ዘይኣተዉ ከም ዝዀኑ የመልክቱና። እታ መርከብ ብማይ ምሕላፍ ድማ፡ ምሳሌ ምልእቲ ቤተ ክርስቲያን ብሓድነት ብጥምቀት ማይ ምሕላፋ ከም ዝዀነ ገይሮም የረዱኡና።

ሎሚ ድማ ኣብታ ኣፍደገ ጸጋ ዝዀነት ክርስቶስ ዝሰርሓ መርከብ ብጥምቀት ማይን ብውልድነት መንፈስ ቅዱስን ኣቢሉ ዘይኣቱ ዘበለ ሰብ፡ ኣብ ደገ ከም ዝተርፍን ምድሓን ከም ዘይረክብን ተጻሒፉ ኣሎ (ማር 1616) ሓዋርያ ጳውሎስውን ክልተ ዓበይቲ ምሳሌታት ካብ ብሉይ ኪዳን ወሲዱ ክምህረና ከሎ፡ ቀዳማይ ምሳሌ ግዝረት ክኸውን ከሎ፡ እቲ ካልኣይ ምሳሌ ድማ ኣቐዲምና ከም ዝጠቐስናዮ እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ክወጹ ከለዉ ኣብ ትሕቲ እቲ ዝመርሖም ዝነበረ ደበና ከም ዝነበሩን ከምኡውን ብውሽጢ ባሕሪ ኤርትራ ምሕላፎም ምሳሌ ጥምቀት ከም ዝነበረ ይገልጸልና (ቆሎሴ 211-12 1ቆረ፡101-2) ካብዚ ሓሊፉ ድማ ሶርያዊ ንዕማን  ኣብ ሩባ ዮርዳኖስ ተጠሚቑ ከም ዝደሓነ ተቖጺርሉ ኣሎ (2ነገ፡ 51-6) ብዛዕባ ጥምቀትን ታሪኻዊ ምሳሌኡን፡ ብትንቢትውን ብሰፊሑ ተነጊሩሉ  እዩ (መዝ፡ 113-3 ህዝ፡ 3625 471-12 ተመልከት)

ከም ብሓድሽዶ ተውሊድካ፧ ድሒንካዶ፧ ብመንፈስ ቅዱስ ተጠሚቕካዶ፧

ገለ ክርስቲያናት ክርስቶስ ከድሕነና ክብል ካብ ሰማይ ከም ዝወረደ፡ ከም ዝሞተ፡ ንጽድቅና ድማ ካብ ሙታን ከም ዝተንሥኤ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ስለ ዘንበብዎ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ብዛዕባ ብሓድሽ ምላድን ድሕነትን ደጋጊሙ ስለ ዝዛረብ፡ ምሥጢር ጸጋ ድሕነትን ካልኣይ ልደት ወይ በቲ ንሳቶም ዝብልዎብሓድሽ ምውላድከይተረድኡዎ፡ ንባዕሎም ተዳናጊሮም፡ ነቶም ድሮ ተጠሚቖም ኣብ መርከብ ድሕነት ዘለዉ ክርስቲያናት፡ ከም ዘዳናግርዎም ሓያሎ ካባና ድሮ ፈሊጥናዮ ኣሎና። እንተዀነ እቲ ሓቀኛ ጸጋ ድሕነትን ከም ብሓድሽ ምላድን ከምቲ ንሳቶም ዝብልዎ ሓዲግ ሰማይ ሓዲግ ምድሪ ዝተጠልጠለ ዘይኰነስ፡ ድሕነት ብማይ ከም ዝዅነ፡ ትንቢት ብጭቡጥ ከምዚ ይብልጽሩይ ማይ ክነጽገልኩም እየ እሞ ክትጸርዩ ኢኩም። ካብ ኵሉ ርስሓትኩምን ኵሉም ጣኦታትኩምን ከጽርየኩም እየ። ሓድሽ ልቢ ድማ ክህበኩም፡ ሓድሽ መንፈስ ከኣ ከሕድረልኩም፡ ናይ እምኒ ልቢ ኻብ ሥጋኹም ከውጽእ፡ ናይ ሥጋ ልቢውን ክህበኩም እየይብለና (ህዝ፡3625-26) ጐይታ ባዕሉ ነዚ ዘንበብናዮ ጥቕሲ ንኒቆዲሞስ ብጋህዲ ከብርሃሉ ከሎ ድማ “…ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለካ ኣሎኹ፡ ካብ ማይን መንፈስን እንተ ዘይተወልደ፡ ኣብ መንግሥቲ ኣምላኽ ኪኣቱ ዚኽእል የልቦን።” (ዮሃ፡35) እናበለ ብንጹር መሃሮ። እዞም ትርጕም ድሕነት ዘይተረድኦም ክርስቲያናት፡ ንማይ ዕለት ዕለት ስለ ዝርእይዎ፡ ብምሥጢሩ ድሕነት ከምጽእ ተኽእሎ ከም ዘለዎ ስለ ዘይተረድኦም፡ ሓንሳብ ድሕነት ብንስሓ እዩ፡ ሓንሳብ ብእምነት እዩ፡ ሓንሳብ ድማ ብግብሪ እዩ ዝርከብ እናበሉ ትርጕም ድሕነት ኣጥፍኡ። እንተዅነ ነዚ ሕጂ ንሳቶም ከም ብሓድሽ፡ ሓድሽ ሥርዓት ክሰርዑ ኢሎም ኵለል ዝብሉ፡ ሓዋርያዊት ቤተ ክርስቲያን ምሥጢር ድሕነት ከመይ ከም ዝዀነ ካብ ክርስቶስ ተማሂራ ሰሪዓቶ ስለ ዘላ፡ ዳግም ንድሕነቶም ካብኣ ክመሃሩ ይበልጽ ኢለ እኣምን። እዚ ጥቕስታት እዚ ዘይበርሄ እንተዀይኑ ድማ ካብዚ ንቐጽል።

እቲ ዘይረኤ መንፈሳዊ ጸጋ ብዝረኤ ማይ ጥምቀት ይዕደል።

ኣቐዲምና ጥምቀት ከምቶም ካልኦት ምሥጢራት በቲ ዝረኤ ምልክታትን መንፈሳዊ ኣገልግሎትን ኣቢሉ፡ ነቲ ዘይረኤ ጸጋ ድሕነትን ውልድነት መንፈስ ቅዱስን ኣባልነት ቤተ ክርስቲያን የውህብ ኢልናዶ ኣየለናን። ካህን በቲ ሥርዓተ ጸሎተ ክርስትና ዝፍጸመሉ ግዜ፡ ልብሲ ክህነቱ ለቢሱ፡ ብመስቀል ክርስቶስ ገይሩ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ማይ ምስሊ መስቀል እናሰርሔ፡ ጐይታ ከምቲ ንሩባ ዮርዳኖስ ዝባረኽካዮ፡ ነዚ ማይ እዚ ድማ ብመንፈስካ ቀድሶእናበለ ባሪኹ፡ ነቲ ዝጥመቕ ሰብ ሰለስተ ግዜ ኣብ ማይ እንዳ ኣእተወን ኣውጽኤን ከጠምቖ ከሎ፡ ብቀወምትን ብተጠማቕን ብግልጺ በዒንቲ ሥጋ ክረኤ። በቲ ሓደ ወገን ድማ፡ እታ ዘይትረኤ ብእምነት እትፍጸም ጸጋ ጥምቀት፡ ብስም እግዚኣብሔር ስለ ዝተጸውዔት፡ ነቲ ተጠማቒ፡ ሕድገት ሓጢኣት ተምጽኣሉ (ግብ፡238) እዚ ማለትካልኣይ ልደትወይ ድማ ሓድሽ መንፈሳዊ ውለድነት ተባሂሉ ይጽዋዕ (ዮሃ፡33-5 ቲቶስ 35) ካልኣይ ልደት ማለት ድማድሕነትማለት እዩ (ማር፡ 1616) ድሕነት ማለት ድማቅድስናማለት እዩ (ኤፈ፡ 525-26 ገላ፡ 324-27) ንንጽህና  (ማር፡11-4 ዮሃ፡. 322-25 ግብ. 2216 ቲቶ 3.5)  ንማሕበራውነት ኣብ ኣካላት ክርስቶስ ይጠቅም (1ቄረ. 113 102 ገላ. 327 ሮሜ 63-4 ህዝ 3627) እዚኣቶም ኩላቶም ናይቲ በዒንቲ ዘይረኤ ጸጋ ህያባት እኳ እንተዀኑ፡ ኣብ ኣካላት ሰብ ለውጢ ከምጽኡ ግና ኣይንርእዮምን ኢና። ኣብ ልዕሊ እቲ ዝተጠመቐ ሰብ ግና፡ ዓለማዊ ኣተሓሳስባኡ ክልወጥ ንርኢ ኢና። ሓድሽ ልቦና ይረኽብ። ብመንፈሳዊ ሓይሊ ይሕይል ሓድሽ ዝተቐደስ ቓላት የዘውትር። እዚ ዝዀነሉ ምኽንያትንመንፈስይ ኣብ ውሽጥኹም ከሕድሮ፡ ብትእዛዘይ ከመላልሰኩም፡ ፍርደይ ከሕልወኩምን ከግብረኩምን እየ” (ህዝ፡3627) ኢሉና ስለ ዝነበረ፡ ደድሕሪ ጸጋ ጥምቀት መንፈስ ቅዱስ ስለ ዝስዕብ እዩ። ክርስቶስ ተጠሚቑ ካብ ማይ ምስ ወጸ ድማ ብኡ ብኡ መንፈስ ቅዱስ ኣብኡ ከም ዝዓሰለ ኢና ነንብብ (ማቴ፡316) ብከምዚ ዝኣመሰሉ መገድታት፡ ኣብ ሕይወት ክርስትናና ጭቡጥ ናይ ኣእምሮ ለውጢ ነርኢ። ኣብ ትሕቲ  ጸጋ ከም ዘለና ድማ በዚ ኢና እንፈልጥ። ስለዚ ድማ እዩ ጐይታ ብፍሬኦም ከተለልይዎም ኢኹም ዝበለና (ማቴ፡ 720)

ምናልባሽ ገለ ሓታቲ ማይ ከመይ ገይሩ ድሕነት ሓጢኣትን ሓድሽ ሕይወትን ከምጽእ ይከኣሎ፧ ክብል ይኽእል ይኸውን። መልሱ ግና ብመንፈሳዊ ኣእምሮ ዝምለስ ድኣምበር ብሥጋዊ ዓይኒ ኣይምለስን። ኣዳምን ሔዋንን ነታ ኣይትብልዕዋ ዝተባህሉ ገረብ፡ ከም ኩላተን ኣግራብ ከም ዝነበረት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጻሒፉ ኣሎ። እንተዀነ እቲ ሓጢኣት ዝዀኖም ካብታ ገረብ ምብልዖም ዘይኰነ፡ ትእዛዝ እግዚኣብሔር ምጥሓሶም ከም ዝዀነ ድኣምበር ፍረ ገረብ ሞትን ሕይወትን ነይሩዎ ማለት ኣይኰነን። ብርግጽ ሕጂውን ከይተረፈ ንሥጋና ዝቐትል መርዛም ፍረ ከም ዘሎ ንፈልጥ ኢና። ይኹን እምበር ንሥጋና ድኣ ይቐትል እምበር፡ ንነፍስና ከም ዘይቀትል ንፈልጥ ኢና። እምብኣርከስ እግዚኣብሔር ዝፈጠሮ ዘበለ ኩሉ ጽቡቕ ካብ ኰነ፡ እቲ ንዓና ዝተፈቕደልና ጥራይ እንተበላዕና፡ ብህይወት ክነብር ኢና። እቲ ንጤል ወይ ንበጊዕ ጥራይ ዝተፈጥረ ንጤል ካብ ዘይቀተላ ንዓይ ኣይቀትለንን እዩ ኢልና እንተ በላዕናዮ፡ ብርግጽ ክንመውት ኢና።

እቲ ምሥጢር ዝኸውን ዘሎ፡ ንኹሉ ብብመገዱ ምኻድን ዘይምኻድን እዩ። ጐይታ ነቲ ኣብ ወንጌል ዮሃንስ 19 ተመዝጊቡ ዘሎ ዓይነ ስዉር፡ ነዒንቱ ማይ ለኽዩ ከም ዘሕወዮ፡ ነቲ ኣብ ቓና ዘገሊላ ኣብ ዝንጊሪራት ዝተመልኤ ማይ፡ ብቓሉ ናብ ወይኒ ከም ዝለውጦ ወዘተኣንቢብና ኣሎና። እሞኸ እቲ ዓይነ ስዉር ብዙሕ ግዜ ብማይ ከም ዝተሓጽበ ዝሰሓት ኣይኰነን። ከመይ ዘይሓወየ፧ እቲ ዚንጊሪራት ቅድሚ ጐይታ ማይ ናብ ወይኒ ምልዋጡ፡ ማይ ኣትይዎ ከም ዝፈልጥ ዝተፈልጠ እዩ። ከመይ ድኣ ናብ ወይኒ ዘይተቐየረ፧ እምብኣርከስ እቲ ብሥጋ ዝተፈጸ ዘበለ ኵሉ ተግባር ሥጋ ስለ ዝዀነ፡ ካብ ሥጋዊ ተግባር ሓሊፉ ዝፍጽሞ ነገር የብሉን። እቲ መንፈሳዊ ግና ንሥጋ ዘይኰነ ነእምሮ እዩ ዝንገር፡ ኣእምሮ ብእምነት ንትእዛዝ እንተ ኣተግበሮ፡ ህይወት ኣብ ሥጋን ነፍስን ይመጽእ። ኣእምሮ ትእዛዝ ከይፍጽም እንተ ሓንገደ ግና፡ ኣብ ሥጋን ነፍስን ጥፍኣት ይመጽእ እሞ፡ ክልቲኣቶም ነፍስን ሥጋን ናብ ጥፍኣት ይወርዱ።

ስለዚ  እቶም ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ኰይኖም ሥርዓተ ጥምቀት ዝፍጽሙ ካህናት፡ ነቲ ማይ ኣብ ጻሕሊ ኣዕሪቖም፡ ከምቲ ጐይታ በልዎ ኢሉ ዝኣዘዘና፡ ስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን እናጸውዑ፡ ጸሎት ምስ ኣብጽሑ፡ ሥርዓተ ቅዳሴ ይፍጽሙ፡ ኣብ መወዳእታ ድማኣኃዱ ኣብ ቅዱስ፡ ኣኃዱ ወልድ ቅዱስ፡ ኣኃዱ ውእቱ መንፈስ ቅዱስኢሎም ምስ ባረኽዎ፡ እቲ ማይ ከምታ ብዕለተ ዓርቢ ጐይታ ብጭማራ ምስ ተወግኤ ማይ ህይወት ካብ ጐኑ ዝፍሰሰ፡ ካብ ታራ ማይ ናብ ዝተቐደሰ ማይ ህይወት ተለዊጡ፡ ነቲ ዝጥመቕ ሰብ፡ ካብ ኣዳማዊ ጥፍኣት፡ ድሕነት የምጽኣሉ። በዚ ማይ እዚ ዝተጠመቑ ዘበሉ ክርስቲያናት፡ ካብ ኣዳማዊ ሓጢኣት ሓራ ይዀኑ ማለትና ኢና። ካብ ቅድስት ሥላሴ ድማ መንፈሳዊ ውልድነት ይረኽቡ። ማለት ብመንፈስ ይውለዱ። ካብ ሥጋ ዝተወልደ ሥጋ እዩ፡ ካብ መንፈስ ዝተወልደ ድማ መንፈስ እዩ ከም ዝተባህለ፡ ሓንሳብ ብሥጋ ይውለዱ፡ ካልኣይ ብመንፈስ ይውለዱ። ስለዚ እቶም መንፈሳውያን ክልተ ውልድነት ይውለዱ ሓንቲ ናይ ሥጋ ሞት ጥራይ ድማ ይሞቱ። እቶም ዘይተጠመቑ ግና፡ ሓንሳብ ብሥጋ ይውለዱ፡ እንደገና ብሥጋ ይሞቱ፡ ካልኣይ ብመንፈስ ድማ ይሞቱ፡ ስለዚ ክልተ ግዜ ይሞቱ። (ዮሃ፡ 36) ካብዚ ሥርዓት እዚ እንመሃሮ ትምህርቲ ጥምቀት ምስ ሞት ጐይታ ዝተተሓሓዘን ዘይነጻጸልን ምዃኑን እዩ። ከመይሲ በቲ ኣብ መስቀል ካብ ጐኑ ዝፈሰሰ ማይ ተሓጺብና፡ ካብ ሓጢኣትና ስለ ንጸሪ። በቲ ካብ ጐኑ ዝፈሰሰ ደምን ማይን ድማ  ካብ ባርነት ድያብሎስ ነጻ ንኸውን።

ጸጋ ጥምቀት፡ ሜሮንን ቁርባንን ኣብ ሓደ ግዜ ይፍጸሙ

ጥምቀት፡ ሜሮን፡ ቁርባን፡ ኣብ ሓደ ግዜ ምፍጻሞም ንገለ ሰባት ሕቶ ከም ዝዀኖም ዝተፈልጠ እዩ። እተዀነ መልሱ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ስለ ዘሎ፡ ናብ ካልእ ከይከድና ብሓንትን ምልእትን ጥቕሲ  ጌርና ክንዓጽዎ ጽቡቕ መሲሉ ይረኣኒ። ሓዋርያ ዮሃንስ ባዕሉእቶም ዝምስክሩ ኸኣ መንፈስን ማይን ደምን፡ ሰለስተ እዮም እሞ፡ ሰለስቲኦም ሓደ እዮም።” (1ዮሃ፡58)  ኢሉ ሓንሳብ ንሓዋሩ ስለ ዝዛዘሞ፡ ቤተ ክርቲያን ንጥምቀትን ንሜሮንን ንቁርባንን ሰለስቲኦም ካብ ሓደ ምንጪ ስለ ዝዀኑ፡ ብሓደ ክትፍጽሞም እንተዘይ ኰይኑ ካልእ ኣማራጺ የብላን። በዚ መሰረት ድማ ቤተ ክርስቲያን ቅድም ጥምቀት ተጠምቕ፡ ድሕሪኡ ድማ ሜሮን ትቐብእ፡ ካብኡ ቀጺሉ ድማ ቁርባን ተቑርብ። ክርስቲያናት ድማ ንክርስትናኦም ብተግባር ዘመስክርሉ በዞም ሰለስተ ምሥጢራተ ጸጋ ጥራይ እዮም።

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div