S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ክህነትን ኣሰራርዓ መዓርግ ክህነትን ኣብ ሓድሽ ኪዳን

ተልእኾ ዲያቆን ብግዜ ሓዋርያት
ስራሕ ዲያቆን፡ ንካህን ወይ ንጳጳስ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዝገብርዎ ክህነታዊ ኣገልግሎት ወይ ኣብ ደገ ንሕሙማት ምብጻሕ ካልእ መንፈሳዊ ጉዳያትን ዝገብርዎ ኣገልግሎቶም ምሕጋዝ ክኸውን ከሎ፡ ብዓቢኡ ግን ኣብ ስብከተ ወንጌል ምንቃሕን ምሕጋዝን እዩ።

ዲቁና ኣብታ ቀዳመይቲ ሓዋርያት ዝኣከብዋ ቤተ ክርስቲያን ተጀመረ። እቶም ቀዳሞት ክርስቲያናት ብትምህርቲ ሃዋርያት ዝኣመኑ ዘበሉ ናብራኦም ብሓደ ስለ ዝነበረ፡ ኣብ ምዕዳል መኣዲ ምስሕሓብ ተፈጥረ። “ሽዑ እቶም ዓሰርተዉ ክልተ ንዂሎም ደቀ መዛሙርቲ ኣኪቦም፡ ንሕና ቓል ኣምላኽ ሐዲግናስ ኣብ መኣዲ ኸነገልግል ዚግባእ ኣይኰነን”። ስለዚ ኣቱም ኣሕዋት፡ ካባኻትኩም ብጽቡቕ እተመስከረሎም መንፈስን ጥበብን ዝመልኦም ሾብዓተ ሰብኣይ ሕረዩ፡ ነዚ ጒዳይ እዚ ኸኣ ነመዝዞም፡ ንሕና ግና ጸሎትን ኣገልግሎት እዚ ቓል እዝን ከየብኰርና ንሐዝ፡ በልዎም” እዚ ዘረባ እዚ ንዂሉ እቲ ህዝቢ ባህ ኣበሎ። ነቲ እምነትን መንፈስ ቅዱስን ዝመልኦ ሰብኣይ፡ እስጢፋኖስን ንፊልጶስን ንጶሮኮሮስን ንኒቃኖርን ንጢሞንን ንጰርሜናስን ነቲ ጵሮሴሊት፡ ኒቆላዎስ ብዓል ኣንጾክያን ሐረዩ። ኣብ ቅድሚ ሃዋርያት ከኣ ደው ኣበልዎም፡ እናጸለዩውን ኣእዳዎም ኣንበሩሎም።ቃል ኣምላኽ ድማ ተዘርግሔ፡ ቊጽሪ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ ኣብ የሩሳሌም ኣዝዩ እናበዝሔ ኸደ። ብዙሓት ካብ ካህናትውን ንእምነት ተኣዘዙ። (ግብ፡ 6፡1-14)። ሓዋርያት ከምዚ ገይሮም ንቐዳሞት ዲያቆናት ድሕሪ ምምራጾም፡ ስራሕ ዲያቆናት ተነጸረ።

ስራሕ ዲያቆናት ኣብ መኣዲ ጥራይ ከም ዘይተወሰነ ዘርእየና፡ ካብቶም ሽወዓተ ቀዳሞት ድሕሪ ክርስቶስ ዝተመርጹ ዲያቆናት፡ ዲያቆን እስጢፋኖስ ክሳብ ኣይሁድ ኣብ መጋባእያ ብእምኒ ጨፍጪፎም ዝቐትልዎ ብትብዓት ክርስትና እናሰበኸ ተሰውኤ። እቲ ብኻልኣይ ዝጥቀስ ዲያቆን ፍሊጶስ ድማ ክሳብ ሰማርያ ከይዱ ይሰብኽን የጠምቕን ከም ዝነበረ ነንብብ (ግብ፡ 8) እኳድኣ ነቲ ሥሉብ ኢትዮጵያዊ ከም ዘጠመ እሞ፡ እቲ ስሉብ ኢትዮጵያዊ ናብ ሃገሩ መጺኡ ወንጌል ከም ዘበሰረ ሓያሎ መጻሕፍቲ ሃገርና ይምስክሩ። እዚ ስሉብ ኢትዮጵያዊ እዚ ንወንጌል ብኣፍ ሓዋርያ ዘይኰነ፡ ወይ ብኣፍ ቀሲስ ዘይኰነ ብኣፍ ዲያቆን እዩ ሰሚዕዎ።

ሓዋርያት ዲቁና ዝበሉ ሰባት ሰለስተ መዕቀኒ ከም ዝህልዎም ገበሩ።

  1. ከም በዓል እስጢፋኖስን ፊሊጶስን መንፈስ ቅዱስ ዝሞልኦምን ለባማትን ክኰኑ፡
  2. ብጸሎትን ብኣንብሮተ ኢድ ሓዋርያት ጥራይ ከም ዝወሃቡ፡
  3. ኣብ  ኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያን ሓላፍነት ከም ዝወሃቦም ተገብረ፡

መዕቀኒ

እቲ መምህር ኩላትና ዝዀነ ሓዋርያ ጳውሎስውን፡ ነዚ ብሓዋርያት ዝተተንተነ መዕቀኒ ዲቁና መሊሱ ክኽልሶ ከሎ፡ ኣብታ ቀዳመይቲ መልእኽቲ ጢሞቴዎስ (3፡8-13) ዝጸሓፎ “ዲያቆናትውን ከምኡ፡

  1. ነቲ ምሥጢር እምነት ኣብ ንጹህ ሕሊና ዝሕዙ፡
  2. ረዘንቲ፡
  3. ሰብ ክልተ ልሳን ዘይኰኑ፡
  4. ብዙሕ ወይኒ ንምስታይ ዘየድህቡ፡
  5. ርኹስ ረብሓ ዘይደልዩ፡
  6. መንቕብ ዜብሎም
  7. ደቆምን ኣባይቶምን ኣጸቢቖም ዜስተናብሩ ይኹኑ”
  8.  እቶም ዲያቆናት ኣጸቢቖም ምስ ኣገልገሉ፡ ዓብዪ መዓርግን ብእምነት ኢየሱስ ክርስቶስ ብዙሕ ትብዓት ይረኽቡ እዮም እሞ፡ ኢሉ ከም ዝመዓደና ነንብብ።

ሓሙሽተ ዝተፈላለዩ መዓርጋት ዲቁና ኦረንታል ቤተ ክርስቲያናት

ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ሓሙሽተ መዓርጋት ዲቁና ኣለዉ። እዛ ዲያቆን እትብል ቃል መሰረታ፡ ካብታ “ዲያኮንያ” እትብል፡ መበቆላ ቛንቛ ሶርያክ ወይ ኣረማይስጢ ኮይና፡ ዳሕራይ ግና፡ ቛንቛ ጽርኢ ዓለም ለኻዊ ምስ ኰነ፡ ክርስትና ድማ ብቛንቛ ጽርኢ ክጸሓፍን ክስበኽን ምስ ጀመረ፡ ቛንቛ ጽርኢ መሰለት እምበር፡ መሰረታስ ኣረማይስጢ እያ። ኣባና ምስ መጸት ድማ ዲያቆን ወይ ዛቑናይ ዝብል ስም ሒዛ ኣላ። ትርጉማ ድማ ተሓጋጋዚ ካህን ወይ ጳጳስ ማለት እያ ተስምዕ። እተን ሓሙሽተ መዓርጋት ዲቁና ዝብሃላ ድማ።

1.    (Epsaltos:) ኤፕስቶሎስ፡ መዘምር፡

2.   (Ognostis): ኣናጉሥጢስ፡ ኣንባቢ

3.   (Epideacon)፡ ኤፒ ዲከን፡ ንፍቀ ዲያቆን ተሓጋጋዛይ፡ ኣጻዌ ኆኅት

4.    (Deacon)፡ ዲከን፡ ምሉእ ዲያቆን

5.   (Archdeacon)፡ ኣርኪ ዲከን፡ ሊቀ ዲያቆናት ይብሃል።

Epsaltos ኢፒሳልቶስ፡ ማለት መዘምር፡ ማለት እዩ፡ ቀንዲ ቃል ካብ ኮፕቲክ ዝመጸት ቃል እያ፡ ትርጉማ ዘማራይ ወይ ካብ መዝሙር ዳዊት ዝዝምር ማለት እዩ።

ንመዘምር ኣገልግሎቱን ሓላፍነቱን ወይ መዓርጉን ከም ዝነግረሉ ኣብ ቤተ ክርስቲያን መዝሙር ምስጋና ይዝምር፡ ንካልኦት የዘምር፡ መዝሙር ይምህር። ብዝተኻእለ መጠን ዝተመርጸ ጣዕመ ዜማ ዘስምዕ ጐሮሮ ክህልዎ ይግባእ። እዚ መዓርግ እዚ ድሕረ ባይታኡ ካብ ዘመርቲ ሌዋውያን ዝመጸ ክኸውን ከሎ፡ ኣብታ ኣይሁዳውያን ዝበዝሕዋ ቤተ ክርስቲያን ሓድሽ  ኪዳን ድማ ስለ ዝቐጸለ፡ በታ ቀዳመይቲ ቤተ ክርስቲያን ንነዊሕ ኣዋን ይስርሓሉ ነይሩ። ሎሚ ግና ብዙሕ ኣይርኤን። ኣብ ክንድኡ ብፍላይ ኣባና መዓርግ ዘማራይ ያሬዳዊ ጥዑም ዜማ ስለ ዝፍለ ናብ ሊቀ መዘምራን ክብ ዝበለ መዓርግ ስለ ዝደየበ፡ ካብ ኣብ ግብጻውያን ዘሎ መዓርግ ዘማራይ ኣባና ፍልይ ኢሉ ይርከብ። መዓርጉ ድማ ብጳጳስ ይወሃቦ፡ ክሳብ ምሉእ ዲቁና ዝበጽሕ ግና ጳጳስ ኢዱ ኣየብረሉን። ኣባና ብምክንያት እቲ ኦሪታዊ ኣልባሳትና፡ ዲያቆናት ከምቲ ካህናት ዝለብስዎ ስለ ዝለብሱ፡ ካህናትን ዲያቆናት ዝፍለይሉ ኣለባብሳ ብዙሕ ኣይኰነን እቲ ቀንዲ ካህን መጠምጠምያ ኣሮን ስለ ዚገብር ካብ ዲያቆን ይፍለ። ዲያቆን ግና መጠምጠምያ ኣሮን ኣይገብርን። ግብጻውያን ይኹኑ ካልኦት ግና፡ ድሕረ ባይታ ብሉይ ስለ ዘይጸንሖም፡ ካብ ሓድሽ  ኪዳን ስለ ዝጀመሩ፡ ሓደ ካብ ሓደ ዝፈልዮም ቤተ ክርስቲያን ዝሃበቶም ኣልባሳት ጥራይ እዩ ዘለዎም።

Ognostis፡ ኣናጉስጢስ ማለት ኣንባቢ፡ ቛንቛኡ ጽርኢ ኰይኑ ትርጉሙ ድማ ኣንባቢ ምዕራፍ ማለት ኣዩ: ዕድሜኡ ልዕሊ 18 ክኸውን ይምረጽ። ኣናጉስጢስ ብኽእለት ኣናብባኡ፡ ሰጋእ መጋእ ዘይብል፡ ጽቡቕ ኣፍልጦ መጻሕፍቲ ዘለዎ፡ ክኸውን ይምረጽ። ብስነ ተግባሩን ትሕትናኡን ብፈለጥቱ ዝተመስከረሉ ክኸውን ይግባእ። ኣብ ቤተ ክርስቲያንና ክሳብ ሕጂ ንባቡ ኣብ ግእዝ ጥራይ ተደሪቱ እዩ ጸኒሑ፡ ካብ ሕጂ ንደሓር ግና፡ ህዝብና ናብ ምሉእ ዓለም ካብ ተዘርግሔ፡ እምነቱ ከጽንዕ ክኽእል፡ ኣናጉሥጢስ እንተ ተኻኢሉ ግእዝ፡ ትግርኛ፡ እንግሊዘኛ ወዘተ.. ጽቡቕ ዝፈልጥ ክከውን ይግባእ። ንሱ ንቓል እግዚኣብሔር ብፍላይ ንመልእኽትታት መዓልቲ መዓልቲ እና ኣንበበ ብኣእምሮኡ ከጽንዖ ይግባእ። ኣንባቢ ጽንዓተ እዝንን ዑሮት ዓዒንትን ክህልዎ ኣይግባእን። (ማቴ፡ 16፡24) እቲ ተውሳኺ ስርሑ ድማ፡ ተሰጥዎ ምቅባል [ህዝቢ ምስ ካህን እናተቐባበለ ዝዝምሮ ክፋል ዜማ]፡ ብሓላፊ ቤተ ክርስቲያን ፈቓድ ክወሃቦ ከሎ ድማ ይሰብኽን ይምህርን።

Epideacon፡ ኢፒዲኮን ኣጻዌ ኆኅት፡ ማለት ንፍቀ ዲያቆን፡ ቛንቛኡ ጽርኢ ኰይኑ ትርጉሙ ድማ፡ ተሓጋጋዛይ ዲያቆን ማለት እዩ።

ንመርዓጉ ብህዝቢ ዝተመስከረሉ ዕድሜኡ ልዕሊ ዕስራ ዝዀነ፡ ሓላፍነቱ ድማ ንድያቆን ንምሕጋዝ ስለ ዝዀነ፡ መዓጹን መሳኹትን ቤተ ክርስቲያን ምኽፋትን ምዕጻውን። መጋረጃታትን ምንጻፋትን ምዝርጋሕን ምዕጻፍን፡ ኣቁሑት ቤት መቅደስ ምስትንባር። መብራህቲ ቤተ ክርስቲያን ምብራህን ምጥፋእን ምቅይያር ዘድልዮም ምቕያር። ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዘይኣመንትን ከሓድትን ክመሃሩ ኢሎም ዘይኰኑ ክህውኹ ኢሎም ከይኣትዉ ይሕሉ። ኣብ መንበሪ ቦታታት ቤተ ክርስቲታ ኣንስቲ ብወገን ኣንስቲ ኮፍ ክብላ፡ ሰብኡት ድማ ብወገን ሰብኡት ኮፍ ክብሉ፡ ህጻናት ድማ ኣብ ቦትኦም ኮፍ ክብሉ ኣብ ርእሲ ምግባሩ፡ ኣብ ምርፋቕ ድማ ከምኡ ይገብር። መጻሕፍቲ ቤተ ክርስቲያን ብሥርዓት የቐምጥ። ዕጣን ኣብ ምቅርራብ ይሳተፍ።

Deacon ዲኮን፡ ማለት ቋንቋኡ ግሪኽ ኰይኑ፡ ትርጉሙ ድማ ሓላፍነቱ ምሉእ ዲያቆን ኰይኑ፡ ትርጉሙ ኣገልጋሊ ማለት እዩ። ምሉእ ሓላፍነት ክቅበልን ንሓላፍነቱ ከኽብርን ዕድሜኡ ልዕሊ 25 ክኽውን ይግባእ። ሓላፍነት ምሉእ-ዲያቆን ኣብ ግዜ ቅዳሴ ድሕሪ ካህን ስዒቡ ይምልስ፡ ንህዝቢ ተሰጥዎ ክቕበሉ ይመርሕ። ካልኦት ነገራት ድማ ኣብ ቤተ መቕደስ ይፍጽም። ቅዱስ ቁርባን ኣብ ዝዕደለሉ ጽዋዕ ይሕዝ። ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ጸጥታ ክሕሎ ይገብር። ካህን ኣብ ኣባይቲ መእመናን ክበጽሕ ከሎ ወይ ክበጽሖም ዝግባእ መእመናን ይሕግዞ፡ ጸብጻብ ይሕዝ፡ ብዛዕባ ኩሉ ኣሰራርሓኡ ኣብ መጽሓፍ ዲስቂልያ 35 ተመዝጊቡ ኣሎ።

Archdeacon ኣርኪ ዲከን ማለት ሊቀ ዲያቆናት ቛንቛኡ ጽርኢ ኰይኑ ትርጉሙ ሓለቓ ዲያቆናት ማለት እዩ። ኣርኪ ማለት መራሒ፡ ዲከን ማለት ድማ ኣገልጋሊ ማለት እዩ። ሊቀ ዲያቆናት መራሒ ወይ ሓለቓ ዲያቆናት ማለት እዩ። ኣብ ኣፍደገ መዓርግ ክህነት ስለ ዘሎ፡ ዕድሜኡ ልዕሊ 28 ክኸውን ይምረጽ። ብዝያዳ ግና ብኹልንትንኡ ብማሕበርን፡ ብሓለፍቱን ዝተመስከረሉ ክኸውን ይግባእ። ሊቀ ድያቆን ንኹላቶም እቶም ኣቐዲምና ዝጠቐስናዮም መዓርግ ዲቁና ባዕሉ ዝነበሮም ስለ ዝዀነ፡ ነቶም ሓደሽቲ ነቲ ዝነበሮ መዓርጋት ዝሽየሙ፡ ተንከባኺቡ ክሕዝን ክመርሕን ጽቡቕ ኣርኣያ ክኸውን ይግባእ።

ንመራሕቱ ካህናትን ጳጳሳትን ኢዶምን ግሮምን ዀይኑ ክሕግዝ ይግባእ። ከመይሲ ንባዕሉ ናብቲ ዝዓበየ መዓርግ ክድይብ ዘኽእሎ፡ እቶም ኣብ ቦትኡ ዝትክኡ ከምቲ ንሱ ዘርኣዮም ገይሮም ስለ ዝኽተሉ፡ ንባዕሉ ስለ ክርስቶስ ኢሉ ብተጻዋርነትን ፍርን፡ ሕውነትን፡ ህድኣትን ለውሃትን፡ ምሕረትን ሰላምን ዝመላለስ ክኸውን ይግባእ።

ይቕጽል…

ዶ/ር ሽሞንዲ ኃይለ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div