S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

እቲ ቀዳማይ መስዋእቲ ነቲ ዳሕረዋይ ጽላሎቱ ነበረ

እቲ ቀዳማይ መስዋእቲ ነቲ ዳሕረዋይ ጽላሎቱ ነበረ
ኣብታ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነበረት ሰሎሞን ዝሰርሓ ቤት መቕድስ፡ ክሳብ ሰብዓ ዓመተ ምሕረት ብኢድ ሮማውያን እትፈርስ፡ ኣይሁድ ኣብኣ መስዋእቲ ደም እንስሳ ይሰውኡ ከም ዝነበሩ ታሪኽ ይነግር። ካብ ምፍራሳ ንደሓር ግና ክሳብ ሕጂ መስዋእቲ እንስሳታት ዝበሃል ኣብኣ ከም ዘይተሰውኤ

ባዕላትና ንምስክሮ ዘሎና ሓቂ እዩ። ከመይሲ እቲ መፈጸምታ ኹሉ መስዋእቲ ብሉይ ኪዳን ዝዀነ ዓብይ መስዋእቲ ሓድሽ  ኪዳን ክርስቶስ ባዕሉ ስለ ዝዛዘሞ። ደጊሙ ኣብኣ ኰነ ኣብ ካልእ ዝስዋእ መስዋኣቲ እንስሳ የልቦን። ክርስቶስ ህይወቱ ሓንሳብ ንሓዋሩ ኣብ መስቀል ስለ ዝሰውኤ፡ እቲ ዅሉ ዕለት ዕለት ዝፍጸም ዝነበረ መስዋእቲ እንስሳ ድማ ብመስዋእቲ ክርስቶስ ሓንሳብ ንሓዋሩ ተዛዘመ (ዮሃ. 1፡29። እብ. 7፡27፡ 9፡13፡ 10፡2-14)። ከመይሲ እቲ ኣብ ብሉይ ኪዳን ዝፍጸም ዝነበረ መስዋእቲ እንስሳታት፡ ምሳሌ ናይቲ ኣብ ሓድሽ  ኪዳን ዝተሰውኤ መስዋእቲ ክርስቶስ ጽላሎቱ ስለ ዝነበረ ብመስዋኣቲ ክርስቶስ ኣብቅዔ (ቄረ. 2፡16-17። እብ. 8፡1-7)። ክርስቶስ እቲ እተሰውኤ ሓቀኛ ገንሸል ፋሲጋ ስለ ዝኰነ ድማ (1ቄረ. 5፡6-8)፡ ብደሙ ካብ ዓለማዊ ጥፍኣት ክንድሕን ተገብኣና (ሮሜ 5፡9። 1ጰጥ. 1፡18-19። 1ዮሃ፡ 1፡7)።  ከምኡ ኸኣ እቲ ንሓጢኣት ብዙሓት ኬርሕቕ ኢሉ ሓንሳእ እተሰውኤ ክርስቶስ ንምድሓን እቶም ዚጽበይዎ ኻልኣይ ጊዜ ብዘይ ሓጢኣት ኪግለጽ እዩ (እብ 9:28) እቲ ቀዳማይ መስዋእቲ ብካህናት ኦሪት ይፍጸም ነበረ። ክህነቶም ድማ ብወለዶ ዝመጸ ካብ ኣሮን ነበረ። ንመስዋእቲ ሓድሽ ኪዳን ዘቅርቡ ድማ እቶም ክህነቶም ካብ ክርስቶስ ብጸጋ ዝዀነ ነቲ ሓንሳብ ኣብ መስቀል ዝተሰውኤ መስዋእቲ ደምን ሥጋን ክርስቶስ ነቶም ዝተቐበልዎ ዘበሉ ብስሙ ዝኣመኑ ውሉድ ኣምላኽ ዝዀኑ ዕለት ዕለት ከቅርቡ ተጸውዑ።

ሥልጣነ ክህነት ንሕሩያት ጥራይ ይወሃብ

መዓርገ ክህነት “ከም ኣሮን፡ ብኣምላኽ እተጸውዔ ደኣ እምበር፡ ነዚ ኽብሪ እዚ ሓደ እኳ ባዕሉ ኣይወስዶን እዩ” (እብ፡5፡4) ከም ዝበለ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሥልጣን ክህነት ንኹሉ ኣይወሃብን። ወይ ሓደ ባዕላዊ ክህነት ደልዩ ብወለንታኡ ተንሲኡ፡ ካህን እየ ካህን በሉኒ ወይ ሽም ቀይሩ ፓስቶር በሉኒ ስለ ዝበለ፡ ካህን ልዑል ኣምላኽ ወይ ካህን-ጸጋ እዩ ማለት ኣይኰነን። (ድሮም ነዚ ኣብ ዝሓለፈ ተመልኪትናዮ ኣሎና። እቲ ኣብቲ ሰብ እቲ ኰይኑ ካህን በሉኒ ፓስተር በሉኒ ዝብል ዘሎ መንፈስ ካበይ ከም ዝመጸ ከነለልዮ ይግባእ) ካብ ኣሮን ብሥጋ ዘይተወልደ ዘበለ ክህነት ስለ ዝደለየ ክህነት ከም ዘይረኸብ፡ ኣብ ግዜ ጸጋ ድማ ካብ ሓዋርያዊ መንፈስ ቅብኣ ዘይተቐብኤ ካህን ከም ዘይከውን ክርስቶስ ንሓዋርያት ምሉእ ሥልጣን ከም ዝሃቦም ኣንቢብና ኣሎና። ኣቐዲምና ቀዳመይቲ መልእኽቲ ጰጥሮስ ምዕራፍ 2፡9-10፡ እንተ ረኤና “ንስኻትኩም ግና ደግነት እቲ ኻብ ጸልማት ናብቲ ዜገርም ብርሃን ዝጸውዓኩም ምእንቲ ኽትነግሩ፡ ሕሩይ ወለዶ፡ ናይ መንግስቲ ኽህነት፡ ቅዱስ ህዝቢ፡ ጥሪት ኣምላኽ ዝዀነ ህዝቢ ኢኹም። ንስኻትኩም ቀደም ህዝቢ ዘይነበርኩም፡ ሕጂ ግና ህዝቢ ኣምላኽ ኢኹም፡ ዘይተመሓርኩም ዝነበርኩም፡ ሕጂ ምሑራት ኢኹም።”ተባሂሉ ዝተጻሕፈሎም፡ ነቶም ብክርስቶስ ክርስቲያናት ዝተባህሉ፡ ካብ ህዝቢ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ካብ ኣህዛብ ድማ ዝተዓደጉ፡ ብቅብኣ ሜሮን ተቐቢኦም መንፈስ ቅዱስ ዝሓደሮም ክርስቲያናት ንክህነት ዝተጸውዑ እዮም። እዞም ናይ መንግሥቲ ክህነት ዝተባህሉ ክርስቲያናት፡ ምስቶም ዝኣምኑ ዘበሉ ኣሕዋቶም ካህናትን መማህራንን ኰይኖም፡ ብዛዕባ ጸጋን ምሕረት እግዚኣብሔርን፡ ክዛረቡን ክምስክሩን፡ ክቕብኡ ከለዉ፡ ንመእመናን ድማ ስም እግዚኣብሔር እናመስከሩ ብጽቡቕ ኣርኣያኦምን ተግባሮምን ምሳሌ ክዀኑዎምን ድኣምበር ኩሉ ኣማኒ ካህን እዩ ማለት ኣይኰነን። ከምኡ እንተዝኸውን ኰይኑ ክርስትና ሥርዓት ኣልቦ ምዀነ፡ መራሕን ተመራሕን ድማ ኣይምሃለዎን። ወይ ድማ ከምቲ ማሕበራት ተሓድሶ (ፕሮተስታንት) ክሳብ ሕጂ ብዘይቀይዲ ስለ ዝተጓዕዙ ውጽኢት ጉዕዞኦም ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ሚኢቲ ዓመታት ናብ ልዕሊ 30,000 ማሕበራት ዝተበታተኑ፡ ጌና ድማ ዝብተኑ ዘለዉ፡ ቀይዲ በተኽ ዝዀነ እምነት ምስ ተባህለ። እምነት ምዃኑ ተሪፉ መሬት ዘይረግጽ ኣብ ኣየር ዘሎ ፖለቲካ ኰይኑ፡ መጻወቲ ዘንቀደ ምኰነ ነይሩ። እሞኸ እቶም ጽድቂ ደልዮም ኣብዘን ጉጅለታት እዚኣቶም ኰይኖም ኣምላኽ ኣምላኽ ዝብሉ ድኣ ከመይ ገይሩ፡ ክሳዕ ክንድዚ ምብትታን ይኸውን፧

መልሱ “ፍቁራተይ፡ ብዙሓት ነብያት ሓሶት ናብ ዓለም ወጺኦም አለዉ እሞ፡ እቶም መናፍስቲ ኻብ ኣምላኽ እንተ ዀይኖም መርምሩ እምበር፡ ንመንፈስ ዘበለ ዂሉ ኣይትእመንዎ” ከም ዝተባህለ (1ዮሃ፡ 4፡1) መናፍስቲ ድኣ ኣጋገይዎም ኣምበር ፈትዩ ዝጋገ የልቦን።

ብግዜ ኦሪትውን ከምዚ ዝኣመሰለ ቓል ንእስራኤል ተነጊሩዎም ነይሩ እዩ፡ “ንስኻትኩም ድማ መንግስቲ ኻህናትን ቅዱስ ህዝብን ክትኰኑኒ ኢኹም። እቲ ንደቂ እስራኤል እትዛረቦም ነገር እዚ እዩ” (ዘጽ፡ 19፡6) እሞኸድኣ ኩላቶም ደቂ እስራኤል ከም ኣሮን ሊቀ ካህናት ኰይኖም ኣብ ቤተ መቕደስ ኣትዮም ዕጣን ይዓጥኑ ነይሮም ማለት ድዩ፧ እዚ’ሞ ዘይመስል እዩ። ይትረፍዶ መስዋእቲ ከቕርቡ ወይ ዕጣን ክዓጥኑስ ደፊሩ ናብ ቤተ መቕደስ ዝኣተወ’ኳ፡ ብሞት እዩ ዝቅጻዕ ዝነበረ። ንኣብነት ኣብቶም ንምሳሌ ክንጠቅሶም እንኽእል እቶም ክህነት ብሓይሊ ክወስዱ ዝፈተኑ ክልተ ደቂ ቆራሕ ዳታንን ኣቢራምን ከምኡውን ንጉሥ ዑዝያን ተኸተልቶምን ምስ ቤተ ሰቦም ብመዓት እግዚኣብሔርዶ ኣይጠፍኡን (ዘህ፡ 16፡ 2ዜና 26፡16-21)።

እግዚኣብሔር ነቶም ዝመረጾም ጥራይ ሥልጣነ ክህነት ከም ዝህብ ከመልክተና ከሎ፡ ካብ ማእከል እተን ዓሰርተው ክልተ ነገድ እስራኤል ዝተኣከባ ኣባትር፡ በትሪ ኣሮንዶ ለሚዓን ዓንቢባን ከም ተፍሪ ኵይናዶ ኣይተረኽበትን፧ ነቶም ኣብ ልዕሊ ክህነት ዝብድሉን ዝዕምጹን ምልክት ክትከውን ድማ ንበትሪ ኣሮን ኣብ ውሽጢ ቤተ መቕደስ ክትቅመጥ፡ እግዚኣብሔር ከምዚ ኢሉዶ ኣይኣዘዞምን፧ “እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ ንደቂ ዓመጻ፡ ምእንቲ ኸይሞቱ፡ ነቲ ናባይ ምጒርምራሞም መወዳእታ ኽትገብር፡ ትእምርቲ ኽትኰኖም፡ ንበትሪ ኣሮን፡ ኣብኡ ኽትሕሎ፡ ናብ ቅድሚ ምስክር ምለሳ፡ በሎ” (ዘህ፡ 17፡1-11)።

ኣብ ሓድሽ  ኪዳንውን ሥልጣነ ክህነት ነቶም ብኢድ ሓዋርያዊ ኣቦነት ኣቢሎም ዝተመርጹ ጥራይ ድኣ ይወሃብ እምበር፡ ንኹላቶም ኣመንቲ ደቂ ተባዕትዮ ይኹኑ ደቂ ኣነስትዮ ኣይወሃብን። ከምኡ ነይሩ እንተ ዝኸውን ድኣ ስለምንታይ ክርስቶስ ካብ ማእከል እቶም ኩላቶም ዝስዕብዎ ዝነበሩ ዓሰርተው ክልተ ሓዋርያት ክዀኑ ንበይኖም ሥልጣን ሃቦም። ስለምንታይከ ነቶም ሰብዓ ኣብ ክንዲ ኣርድእቲ ሓዋርያት ዘይበሎም፧ ስለምንታይከ ነተን ዝስዕብኦ ዝነበራ ኣንስቲ ሓዋርያት ኢኽን ዘይበለን፧ ወይስ ኣርድእቲ ኢኽን ዘይብለን፧ ምስ እዚ ኹሉስ ሓዋርያ ጳውሎስ እኳ ሓዋርያነቱ ክርስቶስን ሓዋርያትን ስለ ዘጽደቑሉ ድኣምበር ብገዛእ ርእሱ ሓዋርያ እየ ስለ ዝበለ ሓዋርያ ኣይኰነን። ስለምንታይከ ሓዋርያ ጳውሎስ ንሓደ ሰብ ቅድሚ ሽመተ ክህነት ምሃቡ፡ ብኣነባብራኡን ጠባዩን ብግቡእ ክምርመር ከም ዝግብኦ መምርሒ ዝሃበ፧ (1ጢሞ፡ 3፡ 1-13። ቲቶስ 1፡6-9)። እሞኸድኣ ብዝዅነ ምኽንያት ተሃዊኹ የእዳዉ ኣንቢሩ ካህናት ከይቀብእ ንጢሞቴዎስ ከም ዘጠንቀቖዶ ኣየንበብናን፧ (1ጢሞ፡ 5፡22)።

እዛ ጥንታዊትን ሓዋርያዊትን ቤተ ክርስቲያና ድማ እዚ ጥንታዊ ሥርዓት እዚ፡ ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስን ትውፊት ሓዋርያትን ኣቦታትን ክሳብ ሕጂ ብተግባር ትሰርሓሉ ኣላ።

መዓርግ ክህነት ደልዩ ዝመጽእ ዘበለ፡ ቅድሚ ሓዋርያዊ ቅብኣ ምቕባእ ብዛዕባ ምሥጢራተ ጸጋ ኣጸቢቑ ክፈልጥ ከም ዘለዎ፡ ብፍላይ ድማ ንሕጊ እግዚኣብሔርን ሥርዓተ ቤተ ክርስቲያን ፈሊጡ ዘፍልጥ፡ ኩሉ ግዜ ንገዛእ ርእሱ ዝምርምር፡ ካብ ትዕቢትን ዝረሓቀ፡ ንህዝቢ ብግቡእ ዝምህርን ዝምዕድን ከም ዝዀነ ኣረጋጊጻ ትቐብእ። ምስ እዚ ኹሉ ድማ ንመጻሕፍቲ ብሉይን ሓድሽን ብግቡእ ተንቲኑ ዝፈልጥ፡ ነገረ መለኮት ከም ዝተማህረ ተረጋግጽ። ብፍላይ ብጽቡቕ ኣነባብራኡ በቶም ዝፈልጥዎ ዝተመስከረሉ እንተዀነ፡ ንሥልጣነ ክህነት ብቑዕ ትገብሮ። እተዘይኰነ ክእለት ትምህርቱ ዘይብቑዕ፡ ጠባዩ ዘይእሩም ክነሱ፡ ንመጋበርያ ጥቕሙ ክብል ክህነት ብግዲ ይወሃበኒ ዝብል፡ ንገዛእ ርእሱን ንወሃቢኡን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ዘውቅስ፡ ኣብ ቅድሚ ሰብ ድማ ዘነወር ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ከም ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ኣብ ክንዲ ሃናጺ ቤተ ክርስቲያን ዝኸውን፡ ኣፍራሲ ቤተ ክርስቲያንን ፈጣር ሽግራትን ይኸውን። ኣብ ክንዲ ፈታሕ ሽግር ዝኸውን ፈጣር ሽግር ይኸውን። ኣብ ክንዲ ተማእዛዛይ ኣባይ ይኽውን። ኣብ ክንዲ ዘስምር ጡሙርን ስሙሩን ይብትን። ኣብ ክንዲ መሳርሒ እግዚኣብሔር ዝኸውን መሳርሒ ሰይጣን ይኸውን። ሓቀኛ ካህን ብኣምላኽ ዝተጸውዔ ግና ብእምነቱ ዝጸንዕ፡ ብተግባሩ ዝምህር ስለ ዝዀነ ኣብቶም ዘይኣመንትን መናፍቓንን ከይተረፈ ክብሪ ስለ ዘለዎ፡ ንቤተ ክርስቲያን ይሃንጽ፡ ንጸረ ቤተ ክርስቲያን ድማ የልዝብ እምበር ኣየነውርን። 

ይቕጽል…

ዶ/ር ሽሞንዲ ኃይለ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div