S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ነታኽልቲ ወይኒ ዜበላሽዋ ኰራኩር ወኻሩ ኣጻዊድኩም ሓዙልና

ስብከትን ምንባባት ወንጌልን
ዕለት:- ሕዳር 1ይ ሰንበት
(ዘመነ ጽጌ፤ ካብ መስከረም ፳፮ - ሕዳር ፭ ግእዝ)
 
ያሬዳዊ መዝሙር፡- ፀገየ ወይን ወፈረየ ሮማን ወፈረዩ ኩሉ ዕፀመ ገዳም (ወይኒ ዓንቢቡ ሮማን ዕንባባ በረኻንን ከኣ ፈርዩ)
ምንባባት ወንጌል
1ይ ዲያቆን:- ሮሜ  11፣13 - 25----------(Deacon) Romans11፣13 - 25
2ይ ዲያቆን:- ራእይ 12፣ 13-18------------(Sub deacon) Revelation 12፣ 13-18
2ይ ካህን:-  ግብ  11፡1-12------------------(Assistant Priest)  Acts 11፡1-12
1ይ ካህን:- ማቴ  21፡33-46------------------(Priest) Matthew 21፡33-46
መዝሙር ዳዊት ግእዝ፡- ዐፀደ ወይን ኣፍለስከ እምግብጽ፤ ሰደድከ ኣህዛብ ወተከልከ ኪያሃ፤ ወጼህከ ፍኖተ ቅድሜሃ።መዝ 79፡8
መዝሙር ዳዊት ትግርኛ:- ጉንዲ ወይኒ ካብ ግብጺ ኣውጻእካ፡ ኣህዛብ ሰጒግካውን ተኸልካያ።” መዝ 80፡8
Psalms:- Thou hast brought a vine out of Egypt: thou hast cast out the heathen, and planted it.” Psalms 80፡8
ቅዳሴ፡- ቅ. ማርያም

ነታኽልቲ ወይኒ ዜበላሽዋ ር ወኻሩ ኣጻዊድኩም ሓዙልና

(ኣስግሩ ለነ ቆናጽለ ንዑሳነ እለ ያማስኑ ዐፀደ ወይንነ) መሃ 2፡15

ተኽሊ ወይኒ ኣብ ክረምቲ ዝቕምስል ኣብ ሓጋይ ዝዕንብብ፡ ፍሉይ ክንክንን ሓለዋን ዘድልዮ ኦም እዩ። ቀጥ ኢሉ ንኽቀውም ተወሳኺ ደገፍ ይግበረሉ፡ ወኻሩ ካልኦት ኣዕነውቲ እንስሳን ከይኣትውዎ ድማ ይቕጸር፡ ብቐጻሊ ዘማዕድዉ ሓለውቲ ድማ ይስርዓሉ (ኢሳ 1፡8፣ 5፡1-2፣ ማር 12፡1፣ ሕዝ 17፡6)። ዝበለጸ ፍረ ኪህብ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ኪቕምቀምን (ዘሌ 25L13፣ ዮሃ 15፡2) ወኻሩ ቀዳሞት ጠንቂ ምብኻን ስለዝኾና ድማ፡ ኣብቶም ቀዳሞት ሓረስቶት ብወጽመድ ተታሒዘን ከምዝቕተላ ይግበር ኔሩ።

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብተደጋጋሚ ከምዝተገልጸ፡ ተኽሊ ወይኒ ናይ ቤተ-እስራኤል ወይ ድማ ቤተክርስትያን ምሳሌ ኪኸውን ከሎ፤ እቲ ቐጽሪ ናይ እግዚኣብሔር ሓለዋን ረድኤትን፡ እቶም ሓረስቶት እቶም ኣብ አእዋኑ ንቤተ-እስራኤል ከገልግሉ ዚምደቡ መንፈሳውያንን ስጋውያንን መራሕቲ፡ እተን ወኻሩ ድማ ሰብ ካብ ኣምላኹ ንኽርሕቕ ምኽንያት ዝኾኑ ሓሰውቲ መማህራን እዮም። ኣብዚ ናይ ዕለቱ ወንጌል ዝተነበበልና፡ እቶም ክልተ ግዜ ዝተላእኩ እሞ ዝተቐትሉ ልኡኻት፡ ምሳሌ ናይቶም ዓበይትን ንኡሳንን ነብያት ተባሂሎም ዝፍለጡ ኪኾኑ ከሎዉ፡ እቲ ዋና ተኽሊ ወይኒ ኣብ መጨረሻ ዝለኣኾሞ እቶም እኩያት ሓረስቶት ድማ ካብቲ ግራት ኣውጺኦም ዝቐተልዎ ከኣ ምሳሌ ናይቲ ኣብ ምስቀል ቀራንዮ ዕርቓኑ ኣውጺኦም ንሞት ዝፈረድዎ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ።  

ብተወሳኺ ኣብ ሉቃስ (20፡9-18) ኣንተኣምበብና ብዝያዳ ይበርህ። እቶም ብመገስ ምስ ዋና ተኽሊ ወይኒ ውዕል ዝኣተዉ ክሳብ ክንደይ ዓመጽቲ ምንባሮም፡ ንግብሪ ናይቶም ሓሰውቲ መማህራን ኃይማኖት ገላጺ እዩ። ምእመናን ንኣምላኽ እንተፈለጥዎን እንተተገዝእዎን ክብረቶም ዚጎድል ኮይኑ ዝስምዖም ነቲ ፍረ ባዕሎም ምእንቲ ኪበልዑን ነቲ እንኮ ውሉድ (ወራሲ) ቀቲሎም ባዕሎም ምእንቲ ኪወርሱን ኣብ ርእሲ ኣምላኽን ምእመናን ዝዕምጹ መራሕቲ ሃይማኖት ይመስሉ። ከምኡውን ኣብ ትንቢት ኢሳያስ ተገሊጹ ከምዘሎ (5፡1-5) እቲ ተኽሊ ወይኒ ዚኣክል ክንክንን ሓለዋን ተጌሩሉ ከብቕዕ፡ ኣብ ክንዲ ምቁር፡ መጺጽ ፍረ ከምዘፍረየ ይሕብር። ክርስቶስ ነቲ ዝመረረን ዝዓርዓረን ከምእንደገና ሓድሽ ህይወት ዝህብ ጉንዲ ወይኒ ንሱ ምዃኑ፡ ቤተክርስትያን ድማ ጨንፈር ምዃና ምሂሩና እዩ (ዮሓ 15፡1-15)።

ካብዚ እንታይ ንምሃር? ኣብ ዘመንና እንተተዓዚብናውን ክንደይ ዝኣኽሉ ምእመናን እዮም ሰኣን ብቑዓት ጓሶትን መራሕትን መኺኖም ዝተረፉ? ንእግዚኣብሔርን ቤተክርስትያንን ዘሐጉስ ናይ ምእመናን መንፈሳዊ ፍረ ምእንቲ ኪበዝሕ ካብ ዓመጽቲ፡ ሓሰውትን፡ ብወኻሩ ዝምሰሉ፡ መማህራን ምእንቲ ክንሕሎ፡ ኣምላኽ ቅኑዓት ጓሶት ኪህበና ከምቲ ንጉስ ሰሎሞን ዝለመኖ ክንጽሊ ይግባእ። ከምኡውን ኣብቲ ጉንዲ ወይኒ፡ ክርስቶስ፡ ክንጸንዕ ዘወትር ንቑሓትን ጸለይትን ኪንከውን ይግባኣና። ኣምላኽ ይደግፈና! ኣሜን።

ትርጉም፡ ክፍሊ ስነ-ጽሑፍ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ፤ ን/ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣመሪካ። ብፍቓድ ደራሲ መም. ልዑለቃል ኣካሉ።

posted October 4, 2008 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div