S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ድሕረ ባይታ መዘከርታ ፋሲጋ

ካብተን ኣቐዲምና ዝጠቐስናየን ምዕራፋት ፋሲጋ ኣይሁድ ብኸመይ ይዝከር ከም ዝነበረ ጠቒስና ነርና፡ ሕጂ ግና 

እቲ ምስሊ ቅዱስ ቁርባን ዝነበረ መዘከርታ ከመይ ከም ዝተመስረተ እንተ ኣቕረብናዮ ዝሓይሽ ይመስለኒ። መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ከምዚ ገይሩ ይገልጾ።እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ኣሮንን ኣብ ምድሪ ግብጺ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦም፡ - እዛ ወርሒ እዚኣ ንኣኻትኩም መጀመርታ ኣዋርሕ ትኹን፡ ንሳ መጀመርታ ዓመት ትኹንኩም።  - ንዅሉ ኣኼባ እስራኤል ከምዚ ኢልኩም ተዛረቡ፡ ኣብዛ ወርሒ እዚኣ ብዓስረይቲ መዓልቲ ነፍሲ ወከፍ ንቤት ኣቦ ሓደ ገንሸል፡ ነንቤት ሓደ ገንሸል ይውሰድ። - እቶም ስድራ ቤት ንሓደ ገንሸል ዚውሕዱ እንተ ዀኑ፡ ንሱን እቲ ንቤቱ ዝቐረበ ጐረቤቱን ብቚጽሪ ነፍሳት ሓደ ይውሰድ። ነፍሲ ወከፍ ከም ዚበልዕ መጠን ኣብቲ ገንሸል ቊጸሩ።  - ዓመት ዝገበረ፡ ጐደሎ ዜብሉ ተባዕታይ ገንሸል ይኹነልኩም። ካብ ኣባጊዕ ወይ ካብ ኣጣል ትወስዱ።  - ኣብዛ ወርሒ እዚኣ ኸኣ ክሳዕ መበል ዓሰርተው ኣርባዕተ መዓልቲ ሐልውዎ። ሽዑ ዅሉ እቲ እኩብ ማሕበር እስራኤል ኪመሲ ኸሎ ይሕረዶ።  - ኣብታ ዚብልዓ ቤት ድማ፡ ካብቲ ደሙ ወሲዶም፡ ንኽልቲኡ ቐዋሚ ልዳትን ነቲ ላዕላይ ልዳትን ይልከይዎ።  - ነቲ ስጋኡ ድማ በታ ለይቲ እቲኣ ይብልዕዎ፡ ብሓዊ ጠቢሶም፡ ምስ ቅጫን ምስ መሪር ሓምልን ይብልዕዎ። - ምስናይ ርእሱን ኣእጋሩን ናውቲ ኸብዱን ብሓዊ ይጠበስ እምበር፡ ካብቲ ዝሕላ ዀነ፡ ካብቲ ብማይ ዝበሰለ ኣይትብልዑ።  - ካብኡ ድማ ገለ እኳ ኽሳዕ ንግሆ ኣይተትርፉ። እቲ ኻብኡ ኽሳዕ ንግሆ ዝተረፈ ኸኣ ብሓዊ ኣንድድዎ። - ከምዚ ጌርኩም ድማ ክትበልዕዎ ኢኹም፡ ሓቛቚኹም ተዐጢቕኩም፡ ኣሳእንኩም ኣብ ኣእጋርኩም፡ ኣባትርኩም ከኣ ኣብ ኣእዳውኩም ሒዝኩም፡ ቀልጢፍኩም ብልዕዎ። ንሱ ፋስጋ እግዚኣብሄር እዩ። - በዛ ለይቲ እዚኣ ብምድሪ ግብጺ ኽሐልፍ እየ፡ ካብ ሰብ ክሳዕ እንስሳ፡ ንዅሉ በዂሪ ሃገር ግብጺ ኽወቅዕ እየ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ። - ንምድሪ ግብጺ ምስ ዝወቅዕ ድማ፡ ኣብተን ዘሎኹምወን ኣባይቲ እቲ ደም ምልክት ይኹንኩም፡ ነቲ ደም ርእየ ኽሐልፈኩም እየ። እቲ ዜጥፍእ መዓትውን ኣባኻትኩም ኣይከውንን። - እዛ መዓልቲ እዚኣ ድማ ንመዘከርታ ትኹነልኩም፡ ንእግዚኣብሄር ከኣ ተብዕልዋ። ሕጊ ዘለኣለም ጌርኩም ንውሉድ ወለዶ ኣብዕልዋ (ዘጽ፡ 121-28)

እዚ ጽሑፍ እዚ ንኸይርሳዕ ዓመት ዓመት ዝፍጸም ዝነበረ እኳ እንተዀነ፡ በቲ ቀንዲ ተግባሩን ምስሉን ግና መሰረት ቅዱስ ቁርባን ከም ዝዀነ ድሮ ኣንቢብናኖ ኣሎና። እቲ ዋና ዕላማ ትምህርቱ እታ ቀዳመይቲ ብልዕዎ እታ ካልኣይቲ ድማ ንመዘከርታ ግብርዎ ዝብላ ክልተ ዓበይቲ ትእዛዛት ኢና ንግንዘብ። ብርግጽ እስራኤል ነቲ በጊዕ ፋሲጋ ከምቲ ዝተኣዘዝዎዶ ብግብሪ ይበልዕዎ ነይሮም፧ እወ ብግብሪ ይበልዕዎ ነይሮም። ዓመት መጸትዶኸ እናበልዑ ይዝክርዎ ነይሮም፧ እወ እናበልዑ ይዝክርዎ ነይሮም። እምብኣር ከምቲ ንእስራኤላውያን ነቲ ሥጋ ብግብሪ ክበልዕዎ ነቲ ደም ድማ ኣብ ልዳውቲ ኣባይቶም ክለኽይዎ እሞ ካብ ቀዛፊ መልኣከ ሞት ክድሕኑ ዝኣዘዞም። ጐይታ ድማ ንሓዋርያት ካብ ዘዓለማዊ ጥፍኣት ክድሕኑ ክሳብ ዝምለስ ኩሉ ግዜ ክበልዕዎ ኣዘዞም። በዚ ትእዛዝ እዚ ንዓና ንሰማዕቲ፡ ሕይወት ምስ ትርፉ ክንረክብ ምእንቲ፡ ሥጋ ወዲ ኣምላኽ ክንበልዕ ተጸዋዕና። ነቶም እስራኤላውያ፡ ፍርቅኹም ብልዑ ፍርቅኹም ድማ ጽንሑ፡ ወይ ድማ ዓበይትኹም ጥራይ ይብልዑ፡ ነኣሽቱ ኣይብልዑ ወይ ኣሕሉቕቱኹም ጥራይ ይብልዑ ንስኻትኩም ኣይትብልዑ ኣይተባህሎምን፡ ወይ ሰብኡት ጥራይ ይብልዑ ኣንስቲ ኣይብልዓ ኣይተባህሉን፡ እቲ ዝተባህለስ ኩሉኹም እተገዘርኩምን ምሕረት እትደልዩ ዘበልኩም፡ ብልዑ ድኣ ተባህለ እምበር፡ ሌላል ጉሌላን ኣይተገብረን።

እሞ ሎሚ ድኣ ከመይ ኢሎም እዮም ሓደ ክልተ ሰባት ባዕላዊ ትምህርቲ እናመሃዙ፡ ሓንሳብ ንመዘከርታይ እዩ ዝበለ እምበር ሕይወት ክትረኽቡ ኣይበለን እናበሉ ብኻልእ መገዲ ዝኸዱ። ብርግጽ እዛ መዓልቲ እዚኣ ድማ ንመዘከርታ ትኹነልኩም፡ ንእግዚኣብሄር ከኣ ተብዕልዋ። ሕጊ ዘለኣለም ጌርኩም ንውሉድ ወለዶ ኣብዕልዋኢሉ ክእዝዞም ከሎ፡ ኣብ መንጐ ከምዚ ኣብ ግዜና ተፈጢሮም ዘለዉ ንገዛእ ርእሶም ስሒቶም ንዓና ድማ ከስሕቱና፡ ባዕላዊ ትምህርቲ ዝምህሩ እንተመጹ ከይርስዕዋ ኢሉ ድኣ መዘከርታ ግበርዋ በሎም እምበር፡ ከም ሓወልቲ ወይ መዓልቲ ገንሸል ኢልኩም ነቲ ገንሸል ርኢኹሞ ኪዱ፡ ወይ መራሕትኹም ጥራይ ይብልዕዎስ ኣይበለን።    

ይቅጽል...

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div