S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ዅሉ ኣሚኑ ዝተጠምቀ ዘበለ ብመንፈስ ክሕተም ተገብኦ (10ይ ክፋል)

ብግዜ ኦሪት ቅዱስ ቅብኢ ብዘይ ነቶም ዝተገብኦም እንተዘይ ኰይኑ ንኻልኦት ቅዱስ ሜሮን

ክሕተሙ ኣይተገብኦምን። ከመይሲ መንፈስ ቅዱስ ኣብቶም ዝምልከቶም ጥራይ እንተዘይ ኰይኑ፡ ኣብ ካልኦትኣይወረደን ነበረ። ኣብ ግዜ ሓዱሽ ኪዳን ግና፡ ከምዚ ሓዋርያ ጴጥሮስ ዝብሎ ዘሎ፡ ዅሉ ብስም ክርስቶስኣሚኑ ዝተጠምቀ ዘበለ፡ ብመንፈስ ቅዱስ ክቕባእ ተገብኦ። እዚ ማለት፡ ኣብ ግዜ ኦሪት መንፈስ ቅዱስንዝተወሰነ እዋን ጥራይ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ዝተሓርየ ሰብ ጥራይ ድኣ ይወርድ ነበረ እምበር፡ ኣብ ልዕሊ ኹሉሰብ ኣይወረደን። ወረደ ማለት ሓደረ ማለት ኣይኰነን። ኣብ ሓዱሽ ኪዳን ግና መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልዕሊ ኹሉኣማኒ ሓደረ። ክሳብ ኣብታ ክርስቶስ ዘለዋ ኣብጺሑ፡ ንእግዚኣብሔር ኣቦ ዘወፍየና፡ ምሳና ኣሎ። እምብኣርከስኣመጻኣ መንፈስ ቅዱስ ብሓዊ ይኹን ብሜሮን ወይስ ብኣንብሮተ ኢድ ወይስ ብእስትንፍስ ቅዱሳን፡ እቲቀንዲ ዕላማ እቲ ተጠማቒ ብእምነት ናብኡ ምስ ዝመጽእ ንድሕሪት ከም ዘይብሎ ኢና ንመሃር። ከምዝተሓተምና ከነረጋግጽ ግና፡ በዒንትና ክንርእዮ፡ ብእዝንና ክንሰምዖ ምእንቲ፡ እቲ ንሓዋሩ ቅዱስ ይኹንኩምዝተባህለልና ብሜሮን ኢና ንሕተም።

ብመሰል ጥምቀት ማይን፡ ብመስል ቅብኣ ሜሮንን፡ ብመሰል ሕብስትን ወይንን ኣቢልና ናብ ህይወት ክርስትናምእታውና፡ ኣብ ትምህርቲ ነገረ መለኮትን፡ ትውፊታዊ ትምህርቲ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ሰለስቲኦም፡ሓደ ካብቲ ሓደ ከይተረፍ ኣዝዮም ኣድለይቲ እዮም። ነፍሲ ወከፍ ምሥጢር፡ ናይ ገዛእ ርእሱ ዘገርም ዝዀነትሕዝቶ ጸጋ ስለ ዘለዎ። ከመይሲ ንመንፈሳዊ ምዕብልናን ቀጻልነት ንፍጽምናን ንመንግሥቲ ኣምላኽዝዀውን ህይወት ስለ ዘብቅዑና።

ንድሕነት ካብ ጥንተ ኣብሶ፡ ብዝረኤ ማይ ክንነጽህ ተሰርዓልና።

ንሓድነት ምስ ክርስቶስ፡ ብዝብላዕ ሕብስትን፡ ብዝስተ ወይንን ተሰርዓልና።

ንቕድስና፡ ድማ ብዝልከ ዘይቲ ቅብኢ፡ ተቐቢእና ክንቕደስን ክንሕተምን ተሰርዓልና።

ቅብኣ ሜሮን ብግዜ ብሉይ ንሱ፡ ብግዜ ሓዱሽውን ንሱ እዩ።

ምንም እኳ ግዝረት ብጥምቀት እንተ ተተክኤ፡ ሜሮን ግና ብዝዀነ ካልእ መቐደሲ ኣይተተከኤን። ግዴሜሮን ከምቲ ብብሉይ ኪዳን፡ ብሓዱሽ ኪዳንውን ከምኡ እዩ ዘሎ። ኣቐዲምና መንፈስ ቅዱስ ብኣንብሮተኢድ ሓዋርያት ይወሃብ ከም ዝነበረ ተገንዚብና ኣሎና። ሓዋርያ ዮሃንስን ሓዋርያ ጳውሎስን ድማ፡ ቅብኣ ከምዝነበረ መስኪሮም ኣለዉ። ብድሕሪኦም ድማ፡ ካብ ሓዋርያት ኣትሒዞም ካብ ወለዶ ንወለዶ ሓደ ንሓደእናቀብኦ፡ ክሳብ ሕጂ ዘለዉ ኣቦታት ኣቢሉ፡ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ብቕብኣ ሜሮንን ኣንብሮተ ኢድንይፍጸም።ሜሮንዝብል ቓል ጽርኢ ኰይኑ ትርጉሙ ድማቕብኣትማለት እዩ። ኣብ ኦሪት ሰብ ይኩን ቤተመቕደስ ወይ ንብረት ቤተ መቕደስ ምእንቲ ክቕደስ፡ ብቕዱስ ቅብኢ ይቕባእ ከም ዝነበረ ድሮ ኣንቢብናኣሎና። እቲ ዝተቐብኤ ሰብ ይኹን ንብረት ድማ፡ ንእግዚኣብሔር ዝተፈልየ ቅዱስ ክከውን ከም ዘለዎተጻሒፉ ኣሎ (ዘጽ፡3022-38)


እቲ ኣብ ብሉይ ዝነበረ ቕብኣት፡ ናብ ክርስቶስ ዘነጸረ እዩ ዝነበረ። ብቛንቛ ኣብራይስጢመሲህማለትቅቡእ ማለት ክኸውን ከሎ፡  ብቛንቛ ጽርኢክርስቶስማለት ድማ  ቅቡእማለት እዩ። ስለዚ ዝቐብእመንፈስ ቅዱስ፡ ዝቕባኣ ክርስቶስ ካብ ዀነ፡ ንዓና ብኢድ ካህን ብሜሮን ምስ ተቐባእና፡ ምስ ክርስቶስ ሓደዝገብረና መንፈስ ቅዱስ ባዕሉ እዩ። ከምቲ ንሱ ቅዱስ ዝዀነ ንሕና ድማ ቅዱሳት ንኸውን። ከምቲ ንሱንስራሕ ኣግዚኣብሔር ዝተፈልየ፡ ንሕና ድማ ንእግዚኣብሔር ብህይወትና እንምስክር ህያውያን መሳርሕቲመንፈስ ቅዱስ ክንከውን ተቐባእና። ስለዚ ኸኣ እዩ ምሥጢረ ሜሮን ንሥርዓት ሓዱሽ ኪዳን ዘገልግል ዝረኤንዝልከን ቅዱስ ቅብኣት ዝዀነ። ነዚ ድማ ኢና ጸጋ ኣብ ልዕሊ ጸጋ ተዓደልና እንብሎ ዘሎና።

ኣብ ኦሪት ይወርድ፡ ኣብ ሓዱሽ ግና ይሓድር

እቲ ኣብ ብሉይ ኪዳን ዝፍጸም ዝነበረ ቕብኣት፡ ሰባት ንእግዚኣብሔር ዝተፈልዩን ዝተመርጹን ዝተቐደሱንኣገልገልቲ ክዀኑ ጥራይ ዘይኰነ፡ እቲ ዝቕደስ መንፈስ ኣብ ግዜ ሓዱሽ ኪዳን፡ ብዝያዳ ክዓዝዝ ከም ዝዅነ፡ኣማዕድዩ ዘርኢ ምሳሌነት  እዩ ነይሩ። ምሳሌ ስለ ዝነበረ ድማ ኣብኣቶም ይወርድ ድኣ ነበረ እምበር ከምዚሎሚ ኣባና ዝሓደረ ኣብኣቶም ኣይሓደረን። ስለዚ ቅዱስ ጳውሎስን ቅዱስ ዮሃንስን ቅብኣት ክብሉ ከሎዉ እቲብኦሪት ዝቕድስ ዝነበረ፡ ኣብ ግዜ ሓዱሽ ኪዳን ድማ፡ ንኣመንቲ ክቕድሶም ዝተዋህበ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ንሱከም ዝዀነ እዩ ዘመልክት፡ ሓዋርያ ጳውሎስ ደጊሙግናኸ እቲ ብክርስቶስ ገይሩ ምሳኻትኩም ዘጽንዓናንዝቐብኣናን እቲ ዝሓተመናን ኣብ ልብናውን ዕርቡን መንፈስ ዝሃበናን ኣምላኽ ንሱ እዩእናበለ የረጋግጸልና(2ቆረ፡ 122)   

ሃዋርያዊ ሥልጣን ዘለዎ ካህን ብማይን መንፈስን የጠምቕ

ኢየሱስ መለሰ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለካ ኣሎኹ፡ ካብ ማይን መንፈስን እንተ ዘይተወልደ፡ ኣብ መንግሥቲኣምላኽ ኪኣቱ ዚኽእል የልቦን። ካብ ሥጋ እተወልደ ሥጋ እዩ፡ ካብ መንፈስ እተወልደ ኸኣ መንፈስ እዩ።ካብ ላዕሊ ኽትውለዱ ብግዲ እዩ ስለ ዝበልኩኻ፡ ኣይትገረም። (ዮሃ፡ 35-7) ሰብ ቅድም ናብዛ ዓለም እዚኣከንብሮ ዘኽእሎ፡ ዝረኤን ዝድህሰስ ግዙፍ ህላውነት ክህልዎ ምእንቲ፡ ካብ ብሥጋ ክውለድ ግድን እዩ። እቲሓንሳብ ብሥጋ እተወልደ መዋቲ ሥጋ ግና፡ ምስ ሥግኡ ነባሪት ዝዀነት ነፍሲ ሒዙ እዩ ዝውለድ። ነፍሱንዘለኣለም ክትነብር፡ ስለ ዝተፈጥረት፡ ቅድም ካብ ጥንተ ኣብሶ ንጻንሓራን ክትከውን፡ ካብ ማይ ክትውለድግድን እዩ በለ ጐይታ። እታ ካብ ጥንተ ኣብሶ ነጻን ሓራን ዝዀነት ነፍሲ፡ ናብቲ ቅድም ዝተፈጥረትሉ ቅዱስቦታ ክትምለስ ክትክእል፡ ብመንፈስ ቅዱስ ክትጥመቕ ኣለዋ። ከመይሲ  ካብ ምድሪ ክሳዕ ሰማይ ዝቕድሳንናብ ቅዱስ መንግሥቲ እግዚኣብሔር ክትነብር ዘእትዋ፡ መንፈስ ቅዱስ ብቕብኣ ክሓትማ ግድን እዩ፡ እዩዝብል ዘሎ ጐይታ። ነዚ ተግባር እዚ ዘፈጽም ድማ፡ ሓዋርያዊ ቅብኣ ዘለዎ ካህን ጥራይ እዩ። ኣብ መእተዊጽሑና፡እቲ ቐዳማዩ ቅዱስ እንተ ዀነ፥ እቲ ብሑቝ ከኣ ቅዱስ እዩ። እቲ ሱር ቅዱስ እንተ ዀነ ኸኣ፥ጨንፈርውን ቅዱስ እዩ። ከም ዝተባህለ እቲ ብድልየቱ ዘይኰነ፡ ብድላይ ወለዱ ናብ ዓለም ዝተወልደ ህጻን፡ብድላዩ ዘይኰነ፡ ብሓላፍነትን ድላይን ወለዱ፡ ካልኣይ ክውለድ፡ ኣብ ቤት እግዚኣብሔር ኣምጺኦምብሓዋርያዊ ካህን የጠምቕዎ። ካህን ነቲ ህጻን ድሕሪ ብማይ ምጥማቑ፡ እቲ ዝተጠመቐ ህጻን፡ መንፈስ ቅዱስምእንቲ ክቅበል 36 ግዜ ብሜሮን ይቐብኦ። እዚ ማለት

  • 8 ኣብ ግንባር
  • ኣብ ድሕሪኡ
  • 12 ኣብ የኣዳው
  • 2. ኣብ ኣፍ ልቢ
  • 4 ኣብ ማዕጥቖ
  • 8 ኣብ የእጋር

እቲ ካህን ቀቢኡ ምስ ወድኤ፡ ኣብ ርእሲ እቲ ተጠማቒ ህጻን የእዳዉ ኣንቢሩ፡ በቲ ሰማያዊ በረኸት ተባረኽ፡ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብስሙ ይባርኽካ፡ንጹህ መንበር መንፈስ ኩን እናበለ፡ ናብ ኣፉ፡ ኡፍ ኡፍ ኢሉመንፈስ ቅዱስ ተቐበል ኢሉ፡ ብማይን ብመንፈስ ቅዱስን የጠምቖ (ዮሃ፡ 20: 19-23) ነዚ ድማ ኢዩ ሓዋርያጳውሎስ።ብዋጋ ተዓዲግኩም ኢኹም እሞ፡ ሥጋኹም ቤተ መቕደስ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ፡ ካብ ኣምላኽእተቐበልኩምዎ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ፡ ናይ ርእሱኹምውን ከም ዘይኰነኩምዶ፡ ኣይትፈልጡን ኢኹም፡ስለዚ ብሥጋኹም ንኣምላኽ ኣኽብርዎእናበለ ኣጽኒዑ ዝምዕደና (1ቆረ፡619)

ብሜሮን ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ንቕባእን ንሕተምን

ኣብ መዛዘሚ ጽሑፈይ ክብሎ ዝደሊ፡ ንሕና ኣብ ሓዱሽ ኪዳን ዘሎና፡ በቲእዚ ንውሉድ ወለዶኹም ዘይቲቅዱስ ቅብኢ ይኩነለይዝበሎ እግዚኣብሔር፡ ቅዱስ ዮሃንስወንንስኻትኩምሲ፡ ከምቲ ቕብኣቱ ብዛዕባዅሉ ዚምህረኩም ዘሎ፡ ሓቂውን እዩ፡ ሓሶት ኣይኰነን፡ እሞ ኸምቲ ንሱ ዝመሃረኩም ኴንኩም፡ ኣብኡኽትነብሩ ኢኹም። እምብኣርከስ እቲ ኻብኡ እተቐበልኩምዎ ቕብኣት ኣባኻትኩም ይነብር ኣሎ እሞ፡ ሓደእኳ ኺምህረኩም ኣየድልየኩምን እዩ  (1 ዮሃ 2:27) ዝበሎ፡ ብምሥጢረ ሜሮን ኣቢልና ኢና ብጸጋ መንፈስቅዱስ ንቕባእን ንሕተምን። ኣብ ዘመነ ሓዱሽ ኪዳን፡ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን በቲ እግዚኣብሔር ንሙሴዝኣዘዞ  ሜሮን ከምቲ ሙሴ ዝገበሮ፡ ክሳዕ ሕጂ ሰንሰለታዊ ምትሕሓዝ ዘለዎ፡ ሓዱሽ ምስ ብሉይ እናተመልኤዝጓዓዝ ዘሎ። ብዝረኤን ዝልከን ብሥርዓተ ቅብኣ ሜሮን ኣቢሉ፡ ነቲ ዘይረኤ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ዘውህብቅዱስ ስርዓት እዩ። ሓዋርያ ዮሃንስ፡መንፈስ ጽድቂ ሓዲርዎም ኣሎ እሞ ናብቲ ዅሉ ቅኑዕ ዘበለ ይመርሖምመስቀሎም ተሸኪሞም ክኽተልዎ የብቅዖም። ክሳዕ መወዳእታ ብትዕግስቲ ክጸንዑ ይሕግዞም እናበለይገልጸልና።  እምብኣርከስ መንፈስ ቅዱስ ብቕብኣት ቅዱስ ዘይቲ ኣቢልና፡ ብመንፈስ ቅዱስ ክንሕተም ኣብርእሲ ምግባሩ፡ ብጸጋ ክርስቶስ ክንዓብን ሃይማኖታዊ ፍረ ክንፈርን ዘብቅዓና ንሱ እዩ። እቲ በዚ ቅብኣት እዚብኢድ ሳሙኤል ዝተቐብኤ ንጉሥ ዳዊትውን፡ ንስኻ ኣብ ቅድሚ ገጽ ጸላእተይ መኣዲ ትሰርዓለይ፡ ንርእሰይብዘይቲ ትለኽዮ፡ ጽውኤይ ይጅርብብ ኣሎ ኢሉዶ ኣይመስከረን (መዝ፡ 235) ብዛዕባ ኣየናይ ዘይቲ እዩዝዛረብ ዘሎ፧

ነብይ ኢሳይያስ ነቲ ብዘመን ክርስቶስ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ ክፍጽሞ ዘለዎ ተግባር ብዓይኒትንቢት ምስ ረኣዮ።ኣብ ልዕሊኡ ድማ መንፈስ እግዚኣብሔር፡ መንፈስ ጥበብን ኣእምሮን፡ መንፈስ ምኽርንሓይልን፡ መንፈስ ፍልጠት እግዚኣብሔር ፍርሃቱን ኪዓርፍ እዩኢሉ ከም ዝተነበየ፡ መንፈስ  ክርስቶስብክርስቶስ ኣቢሉ ከም ዝተዋህበና፡ ሓዋርያት መስኪሮሞ ኣሎዉ። (ኢሳ፡ 112) ብቕብኣ ሜሮንን ኣንብሮተኢድን ዝተሓትመ ኣማኒ፡ ኣድላዪ ዝተባህለ ሃብትታት መንፈስ ከም ዝሓድሮ፡ በዚ ኢና ፍትሒ እግዚኣብሔርኣባና ከም ዝተፈጸመ ንፈልጥ። ንምሥጢረ ቤተ ክርስቲያንውን ነስተውዕሎ። ጽቡቕን ዝበለጸን መገዲንምምራጽ ድማ መኽሪ መንፈስ ቅዱስ ንረክብ። ንክፉእ ካባና ከነርሕቆ ሓይሊ ዝዀነና ጽቡቕ ስራሕክንፍጽም ዘብቅዓና ምኳኑ ንርዳእ። ስለዚ ክርስቲያናት ብህያብ መንፈስ ቅዱስ እናተመርሑ፡ ብጽቡቕተግባሮም፡ ንሰማያዊ ኣቦኦም ኣብ ቅድሚ ደቂ ሰባት ከም ዝምስገን ብምግባሮም፡ ክርስቲያናዊ ሕይወቶምብልማድ ሰብ ዘይኰነ፡ ብቅዱስ ልማድን ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስን ከም ዝዀነ እናኣስተውዓሉ ክነብሩይግባእ።

መንፈስ ቅዱስ ኣባና ክሓድር ንእሽቶይ ነገር ኣይኰነን። ከመይሲ ብኣጋጣሚ ዘይኰነስ፡ በቲ ክርስቶስ ከድሕነናኢሉ ዝተቐበሎ ሕማምን ሞትን፡ ዝተረኽበ ዓቢ ጸጋ ስለ ዀነ። ነዚ ዝተዋህበና ብሉጽ ህያብ እንተረሳዕናብርግጽ ውዕለት ፍቅሪ እግዚኣብሔር ረሲዕና ኣሎና ማለት እዩ። ወይ ሓቀኛ መንፈስ ኣባና ኣይሓደረን።እግዚኣብሔርሲ ንሕና ከይፈለጥናዮን ከይሓሰብናዮን ከሎና ንሱ ንገዛእ ወዱ ኣብ ክንዳና ንመስዋእቲ ኣሕሊፉብምሃቡ ፍቕሩ ገለጸልና እዩ። ንሕናኸ መልስና እንታይ ይኹን፧ኣሜንክኸውን ይግባእ።

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div