S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ካልእ ምስላ ድማ ከምዚ ኢሉ መለሰሎም፡ መንግስተ ሰማያት ኣብ ግራቱ ጽቡቕ ዘርኢ ዝዘርኤ ሰብ እያ እትመስል።” (ማቴ 1324)

ኣብዚ ናይ ሎሚ ሰንበት ነሓሰ 6, 2017 ዝተነበል ምንባባት፡ ምስቲ ዝሓለፈ ሰንበት ዝጀመርናዮ ናይ ክራማት ስብከት ዝተኣሳሰር ዀይኑ ንዘርእን ዘራእትን ተጠቒሙ መጽሓፍ ቅዱስ ዘመሓላልፈልና መንፈሳዊ ሓቅታት እንምልኸተሉ እዩ ክኽውን።

ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት፡ ነቲ ምስላ ዘራኣይ ተባሂሉ ዝፍለጥ ምስላ ኣልዒልና ከም ዝተመሃርና ዝዝኸር እዩ። ንምንነት እቲ ዘራኣይን፡ ዘርእን ግራትን ምስኡ ተተሓሒዞም ተዋሂቦ ዝነበሩ ባህርያውያን ነገራት ከም እኒ ጸሓይ፡ እሾኽ፡ ኣስፊሕና ተማሂርና ኔርና። ናይ ሎሚ ትምህርትና ድማ ካብቲ ጐይታ ኣስዒቡ ዝመሃሮ ምስላ ስርናይን ክርዳድን እዩ ክከውን።

እዚ ምስላ እዚ ድማ ከምቶም ኻልኦት ምስላታት ንመንግስቲ ኣምላኽ ዝምልከት ምስላ እዩ። ኣሰራርሓ ናይታ መንግስቲ ኣምላክ ድማ ይገልጸልና። ማለት መንግስተ ሰማያት ኣብቲ ጽቡቕን ክፉእን ዘርኢ ዘለዋ ኣተሓሕዛ እዩ ዝገልጽ። ጐይታ ባዕሉ ተርጒምዎ ከም ዘሎ፡ እቲ ጽቡቕ ዘርኢ ዝዘርእ፡ ወዲ ሰብ ማለት ጐይታ ባዕሉ እዩ። እታ ግራት ከኣ ዓለም እያ። እቶም ጽቡቕ ዘርኢ ወይ ከኣ ስርናይ ተብሂሎም ዘለዉ ደቂ መንግስቲ ወይ ከኣ ኣመንቲ እዮም። እቶም ክርዳድ ከኣ ደቂ እቲ ክፉእ (ድያብሎስ) ዝዀኑ ዓንቀፍትን ዓመጽትን ሰባት እዮም። እቲ ክርዳድ ዝዘርእ ጸላኢ ከኣ ድያብሎስ እዩ። እቲ ቀዉዒ ከኣ መወዳእታ ዓለም እዩ። እቶም ግዙኣትን እቶም ዓጻዶን ድማ መላእኽቲ እዮም።

ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ኣብታ ግራት ተባሂላ ዘላ ዓለም፡ ጽቡቅ ዘርኢ ዝዀኑ ሰባት ገዲፉ ከም ዝኸደ የመልኽት። እዚ ድማ ነቲ ጐይታ ባዕሉ ሳላ እቲ ዝነገርክኹም ቃል ድሮ ንጹሃት ኢኹም ብምባል፡ ብዝነጽሑን ዝተቐደሱን ሰባት (ዘርኢ) ዝቖመት ቤተ ክርስትያን ከም ዝገደፈ ዘመልኽት ሓቂ እዩ (ዮሃ 153) እንተ ኹነ እዞም ሰባት ደቂሶም ከለዉ፡ ጸላኢ ኣብ ማእከል እቲ ምሩጽ ዘርኢ ስርናይ (ዝተዘርኦ ቦታ) ክርዳድ ዝዀኑ ሰባት ከም ዘእተወሎም እዩ ዝምህር ዘሎ። ድሕሪ እዚ ፍጻሜ እዚ ድማ፡ ቤተ ክርስትያን ብዝተሓዋወሰ ዘርኢ ብዘለዎም ሰባት ከም እትመልእ ዓቢ መጠንቐቕታ ሃበ። ኣብቲ መጀመርታ ኩሉ ብቕሊ፡ ስርንዩ ይኹን ክርዳዱ ተመሳሳልነት ስለ ዝነበሮ፡ እቶም ኣገልገልቲ ዝተዛረብሉ ነገር ኣይነበረን። ምስ ዓበየ ግና፡ እቶም ኣዝርእቲ መንነቶም ከፍልጡ ምስ ጀመሩ፡ እቶም ኣገልገልቲ ብዙእ ተገረሙም ጐሃዩን። ንጐይታኦም ድማ ክንኣልዮምዶ ትደሊ ኢካ ኢሎም ሓተትዎ።

ኣብ ጠንቕን፡ ምኽንያትን ናይቲ ዘጋጠመ ሽግር ክንምርምር እንተ ፈቲንና፡ እቲ ነገር ኣብታእቶም ሰባት ደቂሶም ከለዉኣብ ትብል ሓሳብ ተንጠልጢሉ ከም ዘሎ ኢና እንምልኸቶ። ምድቓስ ናይቶም ሰባት፡ ነቲ ጸላኢ ኣብቲ ግራት ክርዳድ ንኽዘርእ ዕደል ሃቦ። እዚ ድቃስ እዚ ናይ ድቃስ ስጋ ጉዳይ ኣይዀነን። የግዳስ ብዛዕባ መንፈሳዊ ምድቓስ - ብጸሎት ዘይምንቃሕ - እዩ ዝዛራብ ዘሎ። ነቲ ጸላኢ ክፉእ ስርሑ ክገብር ዕድል ዝሃቦ፡ ናይቶም ሰባት  ዘይምንቓሕ ካብ ዀነ፡ ብመንፈስ ነቒሓ ዘይትጽሊ ቤተ ክርስትያንን ዘይጽሊ ኣማንን፡ ሰይጣን ከም ዝደለየ ዝዕንድረልይ ኩነታት እዮም ዝፈጥርሉ። ሰራቒ ብጀካ ክሰርቕ ክሓርድ ንኻልእ ኣይመጽእን እዩ። በዓል ቤት ድማ ነታ ሰራቒ ዝመጸላ ግዜ እንተ ዝፈልጣ፡ ነቂሑ ቤቱ ምሓለወ እሞ ንቤቱ ካብ ምብዝባዝ መድሓና። ንኣገዳስነት ብጸሎት ምንቓሕ ጐይታናብ ፈተና ከይትኣትዉስ ንቕሑን ጸልዩን። መንፈስ ተዳልዩ አሎ፡ ስጋ ግና ድኹም እዩ።ብምባል ምሂሩና እዩ (ማቴ 2641) ዲያብሎስ እቲ መጻርርትና ዝውሕጦ ደልዩ ከም ዝጓዝም ኣንበሳ ኩሉ ሳዕ ኣብ ዙርያና ኰይኑ ከም ዝቓጾ መጽሓፍ ቅዱስ ይምይረና እዩ። ነዚ ድማ እዩ ነቒሕና ክንቓወሞ ዝምዕደና ከምዚ እናበለ፥ድያብሎስ፡ እቲ መጻርርትኹም፡ ዚውሕጦ ደልዩ ኸም ዝጓዝም ኣንበሳ ዀይኑ ይዘውር ኣሎ እሞ፡ ተጠንቀቑ፡ ንቕሑ።” (1ጴጥ 58) ብመንፈስ ነቒሕና ብጸሎት ንጸላኢና ከይንቓወሞ ዝገብሩና ነገራት ግን እንታይ እዮም፧ እቲ ቅንዲ ምኽንያት፡ እቲ ጸላኢ ከስዕቦ ዝኽእል ዕንወት ብግቡእ ዘይርድእና እዩ። ጐይታ፡ እቲ ከኣሊ ዅሉ ባዕሉውን እንተ ዀነ ዲያብሎስ ከምጽኦ ዝኽእል ዕንወት ኣቃሊሉ ርኢዎ ኣይፈልጥን እዩ። ካብዚ ክፉእ ዝኹነ ጽላኢ ድማ ክንጥንቐቕን ክንቓወሞን ከም ዘለና ከይመሃረና ኣይኸደን። ጐይታ፡ ዕላማ ምምጻእ ናይ ዲያብሎስ ክገልጽ ከሎሰራቒ፡ ብጀካ ኺሰርቕን ኪሐርድን ኬጥፍእን ኢሉ ኣይመጽእን እዩ። ኣነ ግና ህይወት ምስ ተረፉ ምእንቲ ኺረክባ እየ ዝመጻእኩ።ይብል (ዮሃ 1010) ናይ ምወዳእታ ዕላማ ጸላኢና፡ ሓሪዱ ክቐትላና ምዃኑ ብንጹር እንተ ተረዲኡና፡ ሓደ እዃድሌቱ ይግበረኒኢሉ ኢዱ ኣጣሚሩ ዝድቕስ ኣይክህሉን እዩ። እቲ ካልኣይ ምኽንያት ድማ፡ ኣመጻጽኣን ውዲትን ሰይጣንን ዘይምፍላጥ ኣዩ። ከምቲ ቅዱስ ሓዋርያ ጳውሎስ ዝበሎግናኸ ሰይጣን ከይብለጸልና፡ ውዲቱ ኣይንስሕቶን ኢና…” ጸላኢ ከይብለጸልካ ምእንታን ውዲቱ ዘይትስሕቶ ሰብ ምዃን የድሊ (2 ቈረ 210) ኣብ ምስላ ኣበውኣናፍራ ቆቓሕ ዘይፈልሲ ኣይሃዳናይንከም ዝበሃል እዩ። ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ዝተመሃርናዮ፡ እቲ ምሩጽ ዘርኢ ዝገብረና፡ እቲ መሰረታዊ ዘርኢ እቲ ካብ ኣፍ ኣምላኽ ዝወጽእ ቃል ኣምላኽ እዩ። በዚ መንጽር ድማ እቲ ክርዳድ ክገብረና ዝኽእል ቃል እቲ ካብ ኣእምሮ ዲያብሎስ ዝቦቁል ሓሳባት እዩ። ናይዚ ግሁድ ኣብነት ድማ እቲ ኣብ ማእከል እቶም ሕሩያት ሓዋርያት ዘጋጠመ ቦኽሪ ኽርዳድ እዩ። ይሁዳ ኣስቆረታዊ ከም ኩላቶም ነቲ ጐይታ ዝሃቦም ናይ ሓዋርያነት ሕርየት ዝተቐበለ ሰብ እዩ ዝነበረ። ሰይጣን ነታ ናይ ፍትወት ገንዘብ ናይ ድካም ቐዳዱ ተጠቒሙ ንጐይትኡ ክሸጦ ሓሳብ ኣእተወሉ። እዛ ንሓሳብ ንምእታን ጥራይ እትኣኽል ዝነበረት ቐዳድ፡ ንሰይጣን ብቐንዱ ክሳብ ዝኣትወላ ገፈሐት። መወዳእትኡ ድማ እንታይ ከም ዝዀነ ንፈልጦ ታሪኽ እዩ (ዮሃ 132, 27) ስለዚ እቲ እቲ ቕልስ መንፈሳዊ፡ ኣብ ደረጃ ሓሳብ ድማ ዝፍጸም ምዃኑ ተረዲእና፡ ንኣእምሮና ዝገዝኦ ዘሎ ሓሳባት ክነስተብህ ይግብኣና። ነዚ ድማ እዩ ቃል ኣምላኽ ብምሕዳስ ሓሳብና ክንውለጥ እምበር ነዛ ዓለም ክንመስላ ከም ዘይብልና ዝምዕደና (ሮሜ 121-3) ስለዚ ምስ ፍልጠት ኣምላኽ ዝጻላእ ኩሉ ሓሳባት ክነፍርስን፡ ኵሉ ኣእምሮውን ንምእዛዝ ክርስቶስ ክንማርኾ እንተ ክኢልና ጥራይ ኢና ምሩጽ ዘርእነትና ዓቂብና ክንነብር እንኽእል።ኣጽዋር ውግእና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንምፍራስ ጽኑዕ ዕርድታት ብርቱዕ እዩ እምበር፡ ስጋዊ ኣይኰነን፡ ብእኡ ኸኣ ሓሳባትን ምስ ፍልጠት ኣምላኽ ንዚጻላእ ልዕል ዝበለ ነገር ኵሉን እናፍረስና፡ ኵሉ ኣእምሮውን ንምእዛዝ ክርስቶስ ንማርኸሉ ኢና።” (2ቈረ 104-5) መገድታት ጸላኢና ረቂቕ ስለዝዀነ ድማ በቲ መዓሙቕ ኣምላኽ እኳ ከይተረፈ ክምርምር ዝኽእል መንፈስ ኣምላኽ፡ ክንምራሕ ከድልየና ናይ ግድን እዩ (ማቴ 41 ገላ 516,25 ሮሜ 812-13)

ኣብዚ እንርእዮ ዘለና ምስላ ካልእ እንመሃሮ ሓቂ፡ ኣብ መንጎ እቶም ግዙኣትን እቲ ዘራኢ ብዓል መሬትን ዓብይ ናይ ኣረኣእያን ኣተሓሳስባን ፍልልይ ከም ዘሎ እንርኢ ምዃንና እዩ። በቲ ጸላኢ ዘስዓቦ ዕንወት፡ እቲ ብዓል ግራት ካብቶም ግዙኣት ንላዕሊ በቲ ክርዳድ ከም ዝጉሂ ግሉጽ እዩ። እንተዀነ ነቲ ክርዳድ ክኣልይ ዘይተሃወኸ፡ ነቲ ጽቡቕ ዘርኢ ንኸይልክም ኢሉ እዩ። እቶም ግዙኣት ነቲ ክርዳድ ጥራይ ክርእዩ ከለዉ፡ እቲ ዘራኢ ግን ነቲ ክርዳድ ብመንጽር እቲ ጽቡቕ ዘርኢ እዩ ዝርእዮ ዝነበረ። እዚ ማለት ድማ፡ ነቲ ክርዳድ ዝኣልዮ፡ ምእንቲ እቲ ስርናይ ኢሉ እዩ። ስለዚ፡ ስለቲ ስርናይ ክብል ኣብ ኣተኣላልያ ናይቲ ክርዳድ ይጥንቀቕ። እቶም ግዙኣት ግን ኣረኣእኦም ከምዚ ኣይነበረን። ጐይታ ስለ እቶም ናቱ ክብል፡ ነቶም ዘይናቱ ብምሕረት ይጽበዮም። ንኹሎም ብሓደ ጸሓይ የብርቐሎም። ስለቶም ጻድቃን ክብል መዓልታት መከራ የሕጽር፡ ምእንቲ ጻድቃን ንሓጥኣን ይባርኽ (ዘፍ 3027 ዘፍ 395 ምሳ 167) እዚ ግን ኣምላኽ ንሓጢኣት ሸለል ኢልዎ ማለት ኣይኰነን። ኣምላኽ ንፍርዱ ዘደንጉየሉ ምኽንያድ ድማ፡ ኩሉ ሰብ ብንስሓ ናብኡ ክምለስ ኢሉ ንጥቕምና እዩ (2ጴጥ 39) ምስ እዚ ምስላ ዝመሳሰል ጐይታ ዝመሃሮ መግለጺ መንግስቲ ኣምላኽ ድማ ናይታ ኵሉ ዓይነት ዓሳታት ዝገፈፈት መርበብ መግለጺ እዩ። እቲ ቁም ነገር ኣብታ መርበብ ምእታውካ ዘይኩነስ ጥዑይ ዓሳ ምዃን ስለ ዝኩነ፡ ኣብ ዙርያ ቤተ ክርስትያት ምህላውና ከይዐሸወና፡ ብእምነት ምህላውናን ዘይምህላውናን ርእስና ምምርማር ናይ ነፍሲ ወከፍና ግደ እዩ (ማቴ 13:47-49, 2ቈረ 13:5) እቲ ምልኣት ዘበን ምስ መጽአ ማለት ትዕግስቲ ኣምላኽን፡ ጽድቂ ጻድቃንን ሓጢኣት ሓጥኣንን ምስ መልአ ግና ሽዑ ኣምላኽ ግብሩ ክገብር እዩ። ሽዑ ስርናይን ክርዳድን ክፍለ እዩ (ማቴ 544-45 ማቴ 2422)

እዚ ዂሉ ኣብ ላዕሊ ዝበልናዮ ነገር ጐይታ ብዓለምን ሰብን መሲልዎ ኣሎ። ከምቲ እንፈልጦ ቤተ ክርስትያን ንኣመንቲ ዓለሞም እያ። ስለዚ ንሕና ኣገልገልቲ እቲ ኣብ ክርስቶስ ዝነበረ ሓሳብ ኣባና ሃልዩ፡ ኣብ ማሕበር ኣምላኽ ከምቲ ናቱ ጌርና ክንዓዪ ይግብኣና። ኣብ ማሕበር ኣምላኽ ገለ ክፉእ እንድሕር ተራእዩና፡ ነቲ ነገር ቀዉዑ ክሳዕ ዝበጽሕ ክንዕገስ ይግብኣና። ስርናይን ክርዳድን ኣብ ቀዉዒ ከይበጽሔ ከሎ እቲ ቆጽሉ (ጮማ ብቕሊ) ኣዝዩ እዩ ዝመሳሰል። ስለዚ ብጌጋ ስርናይ ከይትምሕው፡ እቲ ክርዳድ ባዕሉ ርእሱ ክሳዕ ዘግህድ ምጽባይ ዝበለጸ ብልሓት እዩ። ምጽኣት ጐይታ ወይ ከኣ መወዳእታ ዓለም ክሳዕ ዝኸውን ንጸበ ማለት ዘይኮነስ፡ ነቲ ነገር ቀውዑ ክሳዕ ዝበጽሕ፡ ማለት ነቲ እኩይ ካብቲ ቅኑዕ ኣነጺርና ክንፈሊ ምስ ከኣልና እንተገበርናዮ ጽቡቕ እዩ። ምኽንያቱ እቲ ኣብ ፍረ ዝበጸሐ ስርናይ ኣብ ምእራይ፡ ክርዳድ እንተተለከመ እኳ ብጹሕ ስርናይ እዩ እሞ ኣይጉዳእን እዩ።

እዚ ኣብ ማሕበር ኣምላኽ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ህይወት ነፍሲ ወከፍ ሰብውን ክንትግብሮ እንኽእል እዩ። ምኽንያቱ እታ ማሕበር ንርእሳ ብኣካላት ሓደ ሰብ እያ እትምሰል። ስለዚ ካብ ሓደ ሰብ ሕማቕ ባህርይ ክንኣሊ ክንደሊ ከሎና፡ ነቲ ሰናይ ባህርይ ከይነጥፍእ ክንጥንቀቕ ይግብኣና። ስለዚ እቲ እከይ ክፍለየሉ ዚኽእል ናይ ገዛእ ርእሱ ቀዉዒ ክሳዕ ዝበጽሕ ምጥንቃቕ የድሊ።

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ኤርትራ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ

ዕለት፥             ሰንበት ነሓሰ 6, 2017     ሓምለ 30, 2009 (ግእዝ) 

ናይቲ መዓልቲ ስብከት

መዝ 6510

ኣርወዮ ለትለሚሃ። ወኣሥምሮ ለማዕረራ። ወበነጠብጣብከ ትበቍል ተፈሢሓ።

ንነግሕታታ ተስትዮ፣ ንድንኵላታ ትምድምዶ፣ ብዝናም ተለምልማ፣ ንብቝላ

ትባርዀ።

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ንባብ

ኣንባቢ

እብ 67-ፍጻሜ

ዲያቆን

ወንጌል  ማቴ 131-31

1ጴጥ 38-15

ንፍቀ ዲያቆን

ቅዳሴ ዘእግዚእነ (ንኣኵተከ)

ግሃ 148-19

ንፍቀ ካህን

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div