S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

መለኮታዊ ጸጋ ምሥጢራተ ቤተ ክርስቲያን እዩ (5ይ ክፋል)

ቐዲምና ብዛዕባ ፍልልይ ሕግን ጸጋን ኣሕጽር ኣቢልና ተመልኪትና ኣሎና፡ ካብዚ ንደሓር ድማ፡ ጸጋ ምስ ምሥጢረ ቤተ ክርስቲያን ዘለዎ ርክብ ብታሪኽን ብምሳሌን ከመይ ከም ዝዀነ ብኸምዚ ዝስዕብ ክንምልከቶ ኢና። ጸጋ

እግዚኣብሔር ማለት እቲ ንምልእቲ ዓለም ከድሕን ክብል፡ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ዘፍሰሶ ደሙ ጥራይ ከም ዝዀነ ቤተክርስቲያን ትኣምን። እዚ ሓደ ግዜ ንሓዋሩ ዝፈሰሰ ደም ንምልእቲ ዓለም ድሕነት ዘምጽኤ ጸጋ፡ ንኩሉ ህዝቢ ዓለም ዝፈሰሰ እኳ እንተዀነ፡ መዕደሊ ቦታን ዓዳሊ ካህንን፡ ተዓዳሊ ኣማንን ዝራኸብሉ እንተ ዘየብሉ፡ ደምን ሥጋን ክርስቶስ ፈሲሲ እዩ እሞ ብእምነት ንቀበሎ ኢልካ፡ ኢድካ ኣጣሚርካ እንተ ረኤኻዮ፡ እቲ ጸጋ እንብሎ ዘሎና ጸጋ ኣይኰነን። ወይ ድማ ኣብ ሓደ ቤት ተኣኪብካ ከሎኻ እቲ ሓደ ሥጋን ደምን በሊዑ፡ ነፍሱ ከርዊ ከሎ፡ እቲ ሓደ ግና ብናይ ገዛእ ርእሱ ምኽንያት ወይ ዋሕዲ ፍልጠት ወይ ብዝንቡዕ ኣመሃህራ መማህራኑ ነፍሱ እንተ ኣጥመየ፡ ጸጋ ንዕኡ ኣይንታዩን እዩ። ጸጋ ከምቲ ኣዳምን ሔዋንን ብግብሪ ካብታ ኣብ ገነት ዝነበረት ገረብ ብዓዳሊ ተመን ንጥፍኣቶም ብግብሪ ዝበሉዑላ፡ እሞ ብምርኣዮም ዘይኰነ ብምብሎዖም ወይ ብተግባሮም ሞት ዝሞቱላ፡ ደምን ሥጋን ክርስቶስ ድማ፡ ብግብሪ ዝዕደለሉ ኣብታ ክርስቶስ ዝሰረታ ማሕበር፡ ንስኻትኩም ዝኣሰርኩምዎ እሱር፡ ንስኻትኩም ዝፈታሕኩምዎ ፍቱሕ ዝተባህለላ ቤተክርስቲያን እዩ ዝዕደል። እቶም ብግብሪ ዝካፈልዎ ድማ ከምቲ ካብታ ዘይትብላዕ በሊዖም ምስ ሞት ሓደ ዝዀኑ፡ ካብ ሥጋን ደምን ክርስቶስ በሊዖም ድማ ምስ ክርስቶስ ሓደ ይዀኑ። እንተዘይኰነ ጸጋ ኣብ ዝዀነ፡ ንዝዀነ ወይ ብዝኰነ ኣይዕደልን። ስለዚ ድማ ቤተ ክርስቲያን መዕደል ጸጋ ስለ ዝዀነት፡ ጸጋ ክረክብ ዝደለየ ዘበለ፡ ኣሚኑ ናብታ መዕደል ጸጋ ዝዀነት ቤተ ክርስቲያን ክመጽእ ግድን ዝዀኖ። ጸጋ ነቶም ምስ ክርስቶስ ሓደ ከም ዝዀኑ ዝኣመኑን ዝተዳለዉን ዘበሉ ጥራይ፡ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ብሕብረት መንፈስ ቅዱስ ብዓዳሊ ካህን ይዕደል። እምብኣርከስ እቶም ምሥጢራተ ቤተ ክርስቲያን ዝተባህሉ፡ ናይ ክርስቶስ ጸጋታት እንብሎም ዘሎና ብኢድ ልብሰ ክህነት ዝለበሱ ካህናትን ዲያቆናትን፡

1.ብዓይኒ ዝረኤ፡

2.ብእዝኒ ዝስማዕ፡

3.ብኣፍንጫ ዝሽተት

4.ብኣፍ ዝቕመስ፡ ዝተቐደሱ ምልክታት መስርሕ ጸጋ ክዀኑ ከለዉ፡ በቲ ዘይርኤ ምሥጢሮም ድማ ብቓል እግዚኣብሔርን ብጸሎትን ኣቢሎም ብሕብረት መንፈስ ቅዱስ፡ ንኣመንቲ ይወሃቡ። በዚ ምኽንያት ድማ እያ ቤተክርስቲያን ግምጃ ቤት ጸጋ ተባሂላ እትጽዋዕ። ምኽንያቱ በቲ ዝረኤ ምሥጢራት ኣቢሉ፡ ነቲ ዘይረኤ ጸጋ እግዚኣብሔር ብመሰረት ቓል ኪዳኑ ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ሓልያን ሒዛቶን ኣላ ጥራይ ዘይኰነ፡ ትዕድሎውንዘላ።

ንክርስቶስ ምእማንናን ምቕባልናን ዝረጋገጽ፡ ብጸጋኡ ከም እንድሕን  እንፈልጥ ንምሥጢራተ ቤተ ክርስቲያን ብምቕባልናን ተግባራዊ ምግባርናን ምፍጻምናን ጥራይ ከም ዝዀነ እንተ ኣመ ጥራይ እዩ። እንተ ዘይኰነ ከምቲ ሓንቲ መኽሊት ዝተቐበለ ሰብኣይ፡ ከይትጠፍኣኒ ኢሉ መሬት ፍሒሩ ዝቐበራ፡ ንገዛእ ርእስኻ ብምኽንያት ካብ ምሥጢራት ቤተ ክርስቲያን ፈሊኻ፡ እግዚኣብሔር ይፈልጥ ኢልካ ብግልኻን፡ ብርእይቶኻን ጥራይ ተመሪሕካ፡ ከድሕነኒ እዩ፡ ካልእ ነገር ኣየድልየንን እዩ ኢልካ፡ ነቲ ቤተ ክርስቲያን እተመሓላልፎ ጸጋ እንተስ ብምንዓቕ፡ እንተስ ብሸለልትነት፡ እንተስ ብዘይ ምስትውዓል ነቲ ብወንጌል ዝተኣዘዘ ናይ ጸጋ ምሥጢራት ከይፈጸምካ ምትራፍ፡ ነቲ ደም ክርስቶስ ዝተኸፍለሉ ጸጋ ምንእኣስ ስለ ዝዀነ፡ ንሓድሽ ኪዳን ከም ዘፍረስካዮ ተቖጺሩ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር መቕጻዕቲ ከስዕብ ይኽእል እዩ። ብግዜ ወንጌል ነቶም ናይ መንፈስ ቅዱስ ዝተቓወሙ ኣይሁዳውያን ከመይ ዝበለ ዝዓበየ ቅጽዓት ከም ዘኸተለሎም ከመልክተና ከሎ፡እቲ ንሕጊ ሙሴ ዘፍረሰ ብቓል ክልተ ወይስ ሰለስተ ምስክር እዩ ብዘይ ድንጋጽ ዚመውት። ንወዲ ኣምላኽ ዝረገጸ፥ ነቲ እተቐደሰሉ ደም ኪዳን ዘርከሰ፥ ንመንፈስ ጸጋውን ዝጸረፈ ግዳ ኽንደይ ዝገደደ ቕጽዓት ዘይግብኦ ይመስለኩም፧ ንሕናስ ነቲ፥ ምፍዳይ ሕነ ናተይ እዩ፥ ኣነ ሕነ ኽፈዲ እየ፥ ዝበለ፥ ደጊሙ ኸኣ፥ እግዚኣብሔር ንህዝቡ ኺፈርዶ እዩ፥ ዝበለ፥ ንፈልጦ ኢና። ኣብ ኢድ ህያው ኣምላኽ ምውዳቕ ዜሰክሕ እዩ  ኣይበለን (እብ፡1028-31)

ምሥጢራተ ቤተ ክርስቲያን ብታሪኽን ብምሳሌን

ምሥጢራተ ቤተ ክርስቲያን ብመን ኣቢሉ ተዋህበ፧ መንከ መስረቶ፧ ታሪኹን ምሳሌነቱንከ ከመይ እዩ፧ ዝብሉ ሕቶታት ኣሕጽር ኣቢልና ክንምልሶ ክንፍትን ኢና። ንደቂ እስራኤል ብሙሴ ኣቢሉ መስዋእቲ ቁርባንን ሕጊ ኦሪትን ሥርዓትን ጸሎተ ኣምልኾን ዝተዋህቦም፡ ነቲ ዳሕራይ ብክርስቶስ ኣቢሉ ንህዝበ ክርስቲያን ዝተዋህበ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ምሳሌኡ እዩ ዝነበረ። ናይ ሓድሽ ኪዳን መስዋእቲ ቁርባንን ዝተፈላለዩ ምሥጢራት ቤተ ክርስቲያንን ሕግን ሥርዓትን ኣገባቡ ከይተረፈ ምስኡ ብክርስቶስን ብሓዋርያትን ተዋሂቡ እዩ። መብዛሕትኡ ምሥጢራተ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ምጅማርን ምውዳእ ስራሕ ክርስቶስን ከም ዝተመስረተ መጽሓፍ ቅዱስ ይዛረብ። ስለዚ ንምስጢራተ ቤተ ክርስቲያን መስራቲኡ ክርስቶስ ባዕሉ ንሓዋርት ከም ዝመሃሮምን ዘርኣዮምን፡ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያንን ትውፊት ሓዋርያትን ደጋጊሙ የረድኡና። ንምድሓናን ምቕዳስናን ንክርስቲያናዊ ህይወት መሰረት ዝዀነ ክርስቶስን ጸጋ መንፈስ ቅዱስን ንኹሎም መእመናን ዝዕደል፡ በዞም ኣብ ታሕቲ መዝጊብናዮም ዘሎና ሸውዓተ ምሥጢራተ ቤተ ክርስቲያን ኣቢሉ እዩ። ንሳቶም ድማ፡

  1. ምሥጢረ ጥምቀት = ኣካላት ኣብ ማይ ብምጥላቕ፡ ንምስሊ ምቕባርን ምትንሳእን ክርስቶስ ይምስል
  2. ምሥጢረ ሜሮን    = ኣብ ኣካላት ዝቕባእ ቅብኢ፡ ንምስሊ መንፈስ ቅዱስ ይምስል
  3. ምሥጢረ ቁርባን   = ብኣፍ ይቕመስ፡ ንሱ ድማ ክርስቶስ ዝብላዕ ኣብሊዑ ከም ዘሕወየና ይምስል
  4. ምሥጢረ ክህነት   = ኣብ ክንዲ ክርስቶስ ኰይኑ ዘማልድ ልኡኽ (ካህን) ንክርስቶስ ይምስል
  5. ምሥጢረ ተኽሊል = ብቓል ዝስማዕ፡ ንሓድነት ቤተ ክርስቲያንን ክርስቶስን ይምስል
  6. ምሥጢረ ንስሓ     = ብልብኻ ኣሚንካ፡ ብቓልካ ኣስሚዕካ ዝወሃብ ናይ ጣዕሳን ይቕረታን ልማኖን
  7. ምሥጢረ ቀንዴል = ንሕሙማት ኣብ ኣካላት ዝቕባእ ቅዱስ ተባሂሎም ይጽውዑ።

እቶም ናይ መጀመርታ ሰለስተ ምሥጢራት፡ ኩሉ ብክርስትና ዝኣመነን ኣብ ክርስቲያናዊ ቤተ ሰብ ዝተወልደን ኣቐዲሙ ዝቕበሎም ክኰኑ ከለዉ፡ ንዓኣቶም ዘይምቕባል ድማ ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ጸጋን በረኸትን ከሊኡ ንዘለዓለም ናብ ገሃንም ክድርቢ ይከኣል እዩ። ምኽንያቱ ንዓኣቶም ንምሥጢረ ሥጋዌ ዘይምቅባል ማለት፡ ጐይታ ሰብ ኰይኑ ተወሊዱ ተጠሚቑ ሓሚሙ ከም ዝሞተ፡ ካብ ምዉታት ተፈልዩ ከም ዝተንሥኤ ምኽሓድ ስለ ዝዀነ። ንወንጌል ኣሚኖም ተነሲሖም ዝተጠምቁን ሥጋን ደምን ክርስቶስ ዝተቐበሉን ግና ፍጹም ድሕነት ኣለዎም። ከመይሲ ወዲ ሰብ፡ኣብ ገነት ኤደን ከሎ፡ ዘይብላዕ በሊዑ ካብ ሞተ፡ ሥጋን ደምን ክርስቶስ በሊዑን ሰትዩን ድማ፡ ህይወት ከም ዝረክብ ስለዝኣመነ እዩ (ማር፡ 115 1616)

ኣዳም ዝሞተ በቲ ኣብ ኣእምሮኡ ዝተፈጸመ ምእማንን ዘይምእማንን ጥራይ ነይሩ እንተዝኸውን፡ ንሕናውን ብዘይ ግብሪ ኣሚነ ወይ ክሒደ ጥራይ ኢልና ምደሓ ወይ ምጠፋእና ኔርና። እንተዀነ ኣዳም ብግብሪ ካብታ ዘይትብላዕ ኦም ስለዝበልዔ ክሕደቱ ብግብሪ ኣርኣየ። ሕጂውን ሰብ ኣሚነ ክብል እንተድኣ ኰይኑ፡ ካብቲ ህይወት ዝህብ ሥጋ ክርስቶስ እንተ ዘይበልዐ፡ በቲ ኣብ ኣእምሮኡ ዝፍጸም ምእማንን ምኽሓድን ጥራይ ህይወት ክረክብ እዩ ማለት ኣየስምዕን። ከምኡነይሩ እንተዝኸውንሲ ክርስቶስ ሥጋይ ዚበልዕ ደመይውን ዚሰቲ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣላቶ፥ ኣነውን በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ኸተንስኦ እየ። ሥጋይ ብልዒ ሓቂ እዩ እሞ፥ ደመይ ኸኣ መስተ ሓቂ እዩ። እቲ ሥጋይ ዚበልዕ ደመይውን ዚሰቲ ኣባይ ይነብር፥ ኣነውን ኣብኡ (ዮሃ፡ 655-56) ኣይምበለን።

ብዶር. ሽሞንዲ ሃይለ 
ይቕጽል

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div