S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

እቶም ካልኦት ውህበታት-መንፈስ ቅዱስ

ኣብ ርእሲ እዚ ኣብ ማእከል ኣመንቲ ቤተ ክርስቲያን ዝተፈላለየ ውህበታት መንፈስ ቅዱስ ከም ዘሎ፡ ሓዋርያ ጳውሎስ ከምዚ እናበለ ይምህረና “እምብኣርከ ንስኻትኩም ስጋ ክርስቶስ ኢኹም፡ ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ በብኽፍሉ ኣካላቱ ኢኹም። ኣምላኽ ድማ ኣብ ማሕበር ቅድም ሃዋርያት፡

ካልኣይ ነብያት፡ ሳልሳይ መምህራን፡ ደሓር ገበርቲ ሓይልታት፡ ደሓር ውህበት ምፍዋስ፡ ምርዳእ ድኹማት፡ ምምራሕ፡ በበይኑ ቛንቋታት ሰርዐ። ኲላቶምዶ ሃዋርያት እዮም፧ ኲላቶምዶ ነብያት እዮም፧ ኲላቶምዶ መምህራን እዮም፧ ኲላቶምዶኸ ገበርቲ ተኣምራት እዮም፧ ኲላቶምዶ ውህበት ምፍዋስ ኣለዎም፧ ኲላቶምዶ ቛንቋታት ይዛረቡ እዮም፧ ኲላቶምዶኸ ይትርጒሙ እዮም፧ - ነተን ዚዓበያ ውህበታት ደኣ ጽዓቱ። ሕጂ ኸኣ ዝበለጸ መገዲ ኽሕብረኩም እየ” (2ቆሮ፡ 12፡27-31) በለ።

እቲ ዘገርም ሓደ ሓደ ጉጉያት መጽሓፍ ቅዱስ ኣሕዋት ጥራይ ድኣሉ ዝበለ እምበር መማህራን ተባሂልኩም ኣይትጸውዑ ዝብሉ ኣይተሳእኑን። ከምኡ እንተድኣ ኰይኑ ድኣ እሞ እዚ መማህራን ሰርዐ ዝብል ዘሎ ቃል ድኣ እንታይ እዩ ዝብል ዘሎ። መማህራን ነብያት ሓዋርያት ሰርዐ ማለት እንታይ ማለት እዩ፧

ንመእመናን ከገልግልሉ ንካህናት ዝተዋህበ ጸጋ ዓብዪ እዩ

ሥነ ሥርዓት ምሥጢረ ክህነት ክፍጸም ከሎ፡ በዒንቲ ዝረኤ ኣገባብን ብእዝኒ ዝስማዕ ቓላትን፡ ብኣንብሮተ ኢድ ዝበጽሕ ጸሎትን እናተጸምበለ ብኤጵስቆጶስ ይፍጸም። ኣብቲ ዝግበር ሥርዓተ ጾሎት ኤጵስቆጶስን መእመናን ንመንፈስ ቅዱስ ስለ ዝዕድምዎ፡ መንፈስ ቅዱስ ነቲ ዝግበር ጽምብል ይሰምሮ። ከመይሲ እቲ ዘይረኤ መንፈስ ክሳብ መወዳእታ ዓለም ምሳና ክጸንሕን ክቕድሰናን ስለ ዝተዋህበና። እቲ ካህን ሓላፍነቱ ክፍጽም ክኽእል ምእንቲ፡ ማለት ንምእመናን ብብቕዓት ከገልግል ክኽእል፡ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ይቕበል። ስለዚ ድማ እዩ ሓዋርያ ጳውሎስ “ንሕና ግና፡ እቲ ብኣምላኽ እተዋህበና ምእንቲ ኽንፈልጥሲ፡ ነቲ ኻብ ኣምላኽ ዚኸውን መንፈስ እምበር፡ መንፈስ ዓለም ኣይተቐበልናን ዝበለ (1ቆሮ፡ 2፡12)።

እንደገና ብዛዕባ እቲ ብኣንብሮተ ኢድ ዝወሃብ መዓርገ ክህነት ዝጸሓፎ እንተ ተመልከትና፡ ነቲ ብቓል ትንቢትን ብምንባር ኢድ መራሕቲ ቤተ ክርስቲያንን ዝተዋህበካ ጸጋ ሸለል ኣይትበሎ”(2 ጢሞ፡ 1፡6) “በዚ ምኽንያት እዚ ነቲ ብምንባር ኢደይ ኣባኻ ዘሎ ውህበት ኣምላኽ ከተሓድሶ አዘክረካ ኣሎኹ” (1 ጢሞ፡ 4፡14) እናበለ ንጢሞቴዎስ ክምዕዶ ከሎ ነንብብ። ህያብ ክህነት ካብ እግዚኣብሔር ዝተዋህበ ዘይረኤ ጸጋ ክኸውን ከሎ፡ ክብረቱ እናዘከርካ ድማ ኩሉ ግዜ ብጸሎትን ምህልላን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር እናቐረብካ ዝሕደስ እዩ። እዚ ምሕዳስ ዝብል ዘሎ፡ ሓዊ መንፈስ ቅዱስ ኣይተጥፍኡ ከም ዝተባህለ፡ እቲ ካህን ኩሉ ግዜ ጌግኡ እናኣረመን እናተነስሔን ኣብ ቅድሚ ህዝብን ኣምላኽን ክመላለስ ኣለዎ ማለቱ እዩ።

ነቲ ዝሽየም ካህን በዚ ምሥጢር እዚ ኣቢሉ ንክርስቶስ ዝውክለሉ ከምቶም ሰብዓ ኣርድእቲ ሥልጣን ሒዙ፡ ነተን ሰለስተ ምግባራት ክፍጽም ዘኽእሎ ብኢድ ኤጵስቆብስ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ይወሃቦ። ከም ክርስቶስ: ነብይን ካህንን ንጉሥን ኰይኑ ንቤተ ክርስቲያን ከገልግል ጸጋ ተዋህቦ። ከም ነብይ ወንጌል ይምህር፡ ከም ካህን ኣብ ቅድሚ ሰብን ክርስቶስ ቆይሙ ኃጢኣት የሕድግ፡ ከም ንጉሥ ነተን ኣብ ኢዱ ዝተዋህቦኦ ኣባጊዕ ክጓስን ከነባብርን ከመሓድርን ሥልጣን ተዋህቦ። ስለዚ ካህን ንክርስቶስ ዘምስሎ፡ እቲ ዓቢ ህያብ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ከም ዝዀነ ንኣምን።

ሥርዓተ ክህነት፡ መሕለዊ ረብሓ ካህናት ዝመስሎም እንተ ኣለዉ ድማ ተጋጊዮም። ከመይሲ እግዚኣብሔር ሰባት ክድሕኑ ክደሊ ከሎ፡ ብሰባት ኣቢሉ እዩ ዝሰርሕ። ብጊዜ ጥንቲ እግዚኣብሔር ብነቢያት ኣቢሉ ፈቓዱ ይፍጽም ትንቢቱ ይገልጽ፡ ትእዛዛቱ ድማ የሕልዎ ነበረ። ኣብ ዳሕረዋይ ዘመን ክርስቶስ ሰብ ኰይኑ ምስ ተገልጸ ድማ፡ ስለ ድሕነት ሰባት ክብል፡ ባዕሉ ካህን፡ ባዕሉ መስዋእቲ ገይሩ ንዓለም ኣድሓና። ስርሑ ፈጺሙ ድማ ናብ ሰማያዊ ቦትኡ ተመልሰ። ነዚ ጡዑም ብሥራታዊ ዜና ምድሓን እዚ፡ ናብ ህዝቢ ዘብጽሕዎ፡ መልእኽተኛታት ክህልዉዎ ግድን እዩ። ከመይሲ ብዘይ መልእኽተኛ ኣብ መዓላኡ ዝበጽሕ መልእኽቲ የልቦን። ስለዚ ድማ እዩ ክርስቶስ ንወንጌል ጥዑም ዜና ብሓዋርያትን በቶም ሰብዓን ሸውዓተ ድያቆናትን ኪዱ ኣብ ኩሉ ኣብጽሕዎ ኢሉ ዝለኣኾ። ሓዋርያ ማለት መልእኽተኛ ወይ ልኡኽ ወይ ድማ ጥዑም መልእኽቲ ከብጽሕ ዝጓዓዝ ማለት እዩ። ኣርድእቲ ማለት ድማ ተሓጋገዝቲ ማለት እዩ።

ክህነት ዝደሊ ብኣምላኽ ዝተጸውዐ ክኸውን ኣለዎ።

ጽውዓ ክህነት ክቡር ጸዋዒት እዩ እንተዀነ ሎሚ ኣብ ግዜና ከይተጸውዑ ኣብየት፡ ከይተላእኩ ናበይ ዝብሉ ቁጽሪ የብሎምን። ንባዕሉ ንመንፈስ ቅዱስ እንታይ ከመይ ከም ዝዀነ ከይፈለጥዎ፡ ንሱውን ከይፈለጦም፡ ካብ ባህጊ ልቦም ተበጊሶም፡ መንፈስ ቅዱስ ተዛሪቡኒ፡ መንፈስ ቅዱስ ልኢኹኒ ዝብሉ ቁጽሪ የብሎምን። ብሓቂ ድዩ ኢልካ እንተ ተዓዘብካዮም ድማ ኣፎምን ግብሮምን ዘይሳነ ኰይኑ ትረኽቦ። ብርግጽ ጽቡቅ ምምናይ ጽቡቅ እዩ፡ እንተዀነ ጫማኻ ማዕረ እግርኻ ከም ዝተባህለ፡ ከምቲ ኣቦታት “ከይተጸዋዕካ ኣቤት ከተለኣኽካ ወዴት” ኢሎም ዝምስልዎ፡ ከይተጸዋዕካ ተጸዊዔ፡ ከይተለኣኽካ ተላኢኸ ክትብል ከሎኻ ንሰብን ንመንፈስ ቅዱስን ከተታልል ትፍትን ከም ዘሎኻ ፍለጥ። ብዓቢኡ ድማ ንገዛእ ርእስኻ ኢኻ ተታልላ ዘሎኻ። ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ስሕተት ክንጥንቀቅ ይግብኣና። ኣየናይ ሓዋርያ (ጳጳስ) ቀብኣካ፧ ኣየናይ መንፈስ ሓደረካ፧ ኢልካ እንተ ሓተትካ መልሱ፡ “ሓደ ከማይ ዝኣመሰለ ቀብኣኒ፡ እቲ ኣብኡ ዘሎ መንፈስ ልኣኸኒ” ካብ ምባል ሓሊፉ ካልእ ዝብሎ የብሉን። ምኽንያቱ ካብቲ ዘይተፈልጠ መንፈስ ስለ ዝነቐለ። “..ብዙሓት ነብያት ሓሶት ናብ ዓለም ወጺኦም አለዉ እሞ፡ እቶም መናፍስቲ ኻብ ኣምላኽ እንተ ዀይኖም መርምሩ..” ዝተባህለ (1ዮሃ፡ 4፡1)። “ብዙሓት ነብያት ሓሶት ኪትንስኡ፡ ንብዙሓትውን ኬስሕቱ እዮም” (ማቴ፡ 24፡11)፡ ማለት ብስም ክርስቶስ ክሳብ ዓበይቲ ትእምርትን ተኣምራትን ክገብሩ እዮም፡ ግናኸ ኣይትገረም፡ ከመይሲ “ከምዚኣቶም ዝበሉ ሰባት ከኣ ሃዋርያት ሓሶት፡ ዚጥብሩ ዓየይቲ፡ ርእሶም ንሃዋርያት ክርስቶስ ዜምስሉ እዮም። ሰይጣን እኳ ንርእሱ ንመልኣኽ ብርሃን የምስል እዩ እሞ፡ እዚ ኣየገርምን እዩ። ስለዚ ኸኣ እቶም ኣገልገልቱ ንርእሶም ነገልገልቲ ጽድቂ እንተ ኣምሰሉ፡ ዓብዪ ነገር ኣይኰነን፡ መወዳእታኦም ግና ከም ግብሮም ኪኸውን እዩ”  (2ቆሮ፡ 11፡13-15)።

ዝኽህን ከም ኣሮን፡ ብኣምላኽ እተጸውዔ ደኣ እምበር፡ ነዚ ኽብሪ እዚ ሓደ እኳ ባዕሉ ኣይወስዶን እዩ ከም ዝተባህለ፡ ክርስቶስ እኳ ንስኻ ወደይ ኢኻ፡ ኣነ ሎሚ ወለድኩኻ ኢሉ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ እስራኤል ኣቦ ስለ ዝመስከረሉን ዝቐብኦን፡ ዳዊት ድማ ብትንቢት ኣቐዲሙ “እግዚኣብሄር፡ ንስኻ ኸም ሥርዓት መልከጼዴቅ ንዘለኣለም ካህን ኢኻ፡ ኢሉ መሐለ ኣይጠስን ከኣ ኢሉ ስለ ዝተነበየሉ ሙሴ ከምዚ ኸማይ ክትንስእ እዩ ስለ ዝበለሉ፡ ወዘተ.. ድኣምበር፡ ክርስቶስ ባዕሉ ሊቀ ኻህናት ምእንቲ ኪኸውን ኢሉ፡ ርእሱ ኣየልዓለን (መዝ፡ 110፡4 እብ፡ 5:4-6)።

ጳውሎስ’ውን ክርስቶስ ባዕሉ ምስ ጸውዖ፡ ጸውዓኣኡ ርግጽ ከም ዝዀነ ቤተ ክርስቲያን ስለ ዝፈለጠቶ ድኣ ሓዋርያ ቤተ ክርስቲያን ኰነ እምበር፡ ባዕሉ ክርስቶስ ተዛሪቡኒ ስለ ዝበለ ኣይዀነን (ገላ፡ 1:15-16። ግብ፡13:2-3)። ሓዋርያትን እቶም ሰብዓን ክርስቶስ ጸዊዑ ስለ ዝለኣኾም ድኣምበር ባዕላቶም ይግብኣና ኢሎም ከይተጸውዑ ኣቤት ከይተላእኹ ናበይ ኣይበሉን። እቶም ሸውዓተ ዲያቆናት ካብ ህዝቢ ዝተሓርዩ፡ ሓዋርያት ስለ ዝቐብእዎም ድኣምበር ባዕላቶም ኣይተቐብኡን። 

ክህነት ክቕበል ዝደሊ ሰብ፡ ኣቐዲሙ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝተጠመቐን ብሜሮን ዝተቐብኤን ቅዱስ ቁርባን ዝተቐበለን ክኸውን ግድን እዩ። ድሕርዚ ንግብረ ዲቁና ብቑዕን ዘይብቑዕን ምዃኑ፡ ብመምህራኑ ክምስከረሉ ይግባእ። ኣብ ጸርፍን መፈንጠራ ድያብሎስን ምእንቲ ኸይወድቕ ከኣ፡ ካብቶም ብወጻኢ ዘለዉ ጽቡቕ ምስክር ኪህልዎ ይግባእ። ጸውዓ ብዝተፈላለየ መገዲ ክኸውን ይኽእል እዩ።

  1. ሙሴ ብእግዚኣብሔር ተጸውዔ
  2. ንኣሮን እግዚኣብሔር በቲ ጽዉዕ ሙሴ ገይሩ ጸውዖ፡
  3. ንደቂ ኣሮን በቲ ጽዉዕ ኣሮን ገይሩ ጸውዖም፡
  4. ንሓዋርያትን ኣርድትን ባዕሉ ክርስቶስ ጸውዖም፡
  5. ንሽውዓተ ዲያቆናት ብምስክርነት ማሕበርን ብኢድ ጽዉዓት ሓዋርያትን ኣቢሉ ጸውዖም፡
  6. ንጳውሎስን ባርናባስን ብኢድ ሓዋርያት ገይሩ ጸውዖም (ግብ፡ 13:2, 3)   
  7. ንጢሞቶዎስን ሲላስን ብኢድ ጽዉዕ ጳውሎስ ገይሩ ጸውዖም፡

ንክህነት ዝተጸውዐ ሰብ፡ ድሕሪ ብዲቑና ምቕብኡ ከይተረፈ፡ ትምኒት ዘይኰነ ጽውዓ ከም ዘለዎ እንተ ኣመነ፡ ተመርዕዩ ክህነት ክቕበል ወይ መኒኑ ከም ጳውሎስን ዮሃንስን ብምኩስና ከገልግል ከም ዝደሊ ከረጋግጽ ኣለዎ። ልዕሊ ኹሉ ግና፡ ምስክርነት መማህራኑን መእመናንን፡ ብውሽጡ ድማ ንሱን ኣምላኹን ዝፈልጥዎ፡ ናብ መዓርግ ክህነት ብመንፈስ ቅዱስ ከም ዝተጸውዐ ከረጋግጽ ይግባእ። ብኸመይ እዩ ዘረጋግጽ፧ ብዘይካ እዚ ዝበልናዮ ናብ መዓርግ ክህነት ክድይብ

  1. ኣቐዲሙ ደገፍ በዓልቲ ቤቱ የድልዮ።
  2. ደገፍ መማህራኑ የድልዮ።
  3. ደገፍ መራሕቲ ቤተ ክርስቲያን የድልዮ።

እዚ ሰለስቲኡ ዘይብሉ ንክህነት ተጸዊዔ ኪብል ዚኽእል ሓደ’ኳ የልቦን። ሓደ ሰብ ጸዋዕታኡ ብሓቂ ካብ ኣምላኽ ምዃኑ ዝምርምሩ ካብ በዓልቲ ቤቱ ጀሚርካ፡ ካህናቱ ክሳዕ ጳጳሳቱ ዘለዉ እዮም። ከመይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንሓዋርያቱ “ኣነ ሓሬኹኹም እምበር፡ ንስኻትኩም ኣይሓሬኹምንን። ክትከዱን ፍረ ኽትፈርዩን ፍሬኹምውን ነባሪ ኪኸውን፡ ነቦ ብስመይ ዝለመንኩምዎ ዘበለ ምእንቲ ኺህበኩም፡ ነዚ መደብኩኹም” ከም ዝበሎም ኢና ነንብብ እምበር፡ ባዕልኻትኩም መጺኹም ሽመት ተቐበሉ ኣይበለን (ዮሃ፡ 15፡16) ስለዚ ሎሚ ንኽርስቶስ ወኪሎም ዲያቆናትን ካህናትን ዝሓርዩ ጳጳሳት እዮም። እዞም ጳጳሳት እዚኣቶም ድማ፡ ሓዋርያ ጳውሎስ “ኣብ ኃጢኣት ካልኦት ከይትኣቱ ንሓደ’ኳ ብታህዋኽ ብኣንብሮ ኢድ መዓርግ ኣይትሃብ” ኢሉ ንጢሞቴዎስ ከም ዘጠንቀቖ፡ እዚ ማዕዳ እዚ ንዓኣቶም’ውን ከም ዝዀነ ኣስተውዒሎም መዓርግ ኣብ ምሃብ ብቡዙሕ ጥንቓቐ እዮም ዝገብርዎ (1 ጢሞ፡5፡9)። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እዮም ጳጳሳት መዓርግ ዲቁናን ክህነትን ኺህቡ ከለዉ፡ ነቶም ናብ መዓርግ ዘቕርቡ ካህናት፡ እዚ እተቕርቡዎ ዘሎኹምሲ ንመዓርግ ብቑዕ ዲዩ፧ ኢሎም ምስ ሓተቱዎም፡ መማህራኑ ድማ እወ ምስ በሉ፡ ነቲ ተመሃራይ በቲ ዝተዳለዎ መሕለፍን መትረፍን ፈተና ገይሮም ዝፍትንዎ። ንክህነት ዝሕረ ተመሃራይ ከማልኦም ዘለዎም ነገራት።

  1. ምስ ሓጢኣት ዝተባተኸ
  2. ምግባረ ሰናይ ዝፈልጥ  
  3. ፍትሕን ሰላምን ክነግሥ ዝጽዕር
  4. ምልኣት ኣእምሮ ዘለዎ ዘይተጸለለ
  5. ምሉእ ኣካላት ዘለዎ ዘይጐደለ
  6. መንፈሳውን ኣካዳሚያውን ዝተማህረ
  7. ብሞራላዊ ሕይወቱ ዝበሰለ ክኸውን ይምረጽ። 

ካህን ፍጹም ብዘይ ምዃኑ ንህያብ ጸጋ ኣይክልክሎን

ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ቆይሙ፡ ንምሥጢረተ ቤተ ክርስቲያን እናተኸታተለ፡ መንፈሳዊ ኣገልግሎት ዝፍጽም ካህን ጥራይ ከም ዝዀነ ተማሂርና ኣሎና። እንተ ዀነ ሓደ ሓደ ካህናት ብመነባብሮኦም ፍጹማት ብዘይምዃኖም ገለ ጌጋታትን ባህ ዘየብልን ከም ዝርከቦም ዝተፈልጠ እዩ፡ እሞኸ ብሰንኪ ግዝያዊ መነባብሮኦም ኣብ ኣፈጻጽማ ምሥጢራትን ኣብ ኣወሃህባ ጸጋን ተጽዕኖ ክነብሮም’ዶ ይኽእል፧ ንዝብል ሕቶ፡ መልሱ ከምዚ እዩ፡ ብምኽንያት ካህናት ፍጹማት ዘይምዃኖም፡ ዝተላዕለ ናይ እግዚኣብሔር ጸጋ ንመእመናን ከይወሃብ ዝኽልክል ነገር የብሉን። ምኽንያቱ እቲ ንመእመናን ዝወሃብ ዘይረኤ ጸጋ ብሥልጣን መንፈስ ቅዱስ ስለ ዝውሃብ። ነቶም ኣብ መንበረ ሙሴ ዝተቐመጡ ፈሪሳውያን ዝምህርዎ ዝነበሩ ትምህርቲ፡ ህዝቢ ክቕበሎ ጐይታ ፍቐደ። እንተዀነ ህዝቢ ግብሮም ከይገብር ኣጠንቀቖም። እምብኣር እዚ ምሳሌ እዚ፡ ነዚ ዝጠቕስናዮ ዘይፍጹምነት ካህናት ጽቡቕ ምሳሌ እዩ (ማቴ፡ 23፡1-3)። ሓረስታይ ንዘርኢ ኣብ ምድሪ ይዘርኦ፡ ባዕሉ ግና ኣየብቁሎን። ካህን ድማ ከም ሓረስታይ ኰይኑ ነቲ ቓል ኣብ ልቢ ሰብ ይዘርኦ፡ ኣብ ውሽጢ ልቢ ሰብ ዘሕድሮ ግን እግዚኣብሔር ባዕሉ እዩ።

ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ ሓዋርያ ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ይምህር፡ “ኣነ ተኸልኩ ኣጵሎስ ኣስተየ፥ ኣምላኽ ግና ኣብቈለ። እምብኣርሲ እቲ ዜብቊል ኣምላኽ ደኣ እዩ እምበር፥ እቲ ዚተክል ወይስ እቲ ዜስቲ ዚዓብሱ የብሎምን” (1ቆረ፡3፡6-7)። ስለዚ ምእመናን ነዚ ፈሊጦምን ተረዲኦምን፡ ብሰንኪ ድኽመት ካህናት ምኽንያት፡ ካብ ምሥጢራተ ቤተ ክርስቲያን ምስታፍ፡ ሸለል ክብሉ ወይ ክዕንቀፉ ኣይግብኦምን። እኳ ድኣ ብዘይ ተጕላባ ምሉእ እምነት ሒዞም ብቁኑዕ ልቦና ኰይኖም፡ ኩላቶም መእመናን ምስ ደቆምን ቤተ ሰቦምን ኰይኖም፡ ነቲ እግዚኣብሔር ብምሕረቱ ዘዳለወሎም ጸጋ መንፈስ ቅዱስ፡ ብምስጋና ክቕበሉ ቤተ ክርስቲያን ሓደራ እያ ትብሎም።

እምበኣር ንምስጢራተ ቤተ ክርስቲያን ምቕባልን ዘይምቕባልን ወሰንቲ ልቢ እቶም ብእምነት ብንሥሓ ናብ እግዚኣብሔር ዝመጹ መእመናን ድኣ እምበር፡ ናይቲ ዘቐብል ዘሎ ካህን ብኹሉንትናኡ ፍጹም ዘይምዃኑ፡ ንህያብ ጸጋ እግዚኣብሔር ከም ዘይክልክሎ ንእመን ድኣ። ከመይሲ እቲ ብክርስቶስ ዝመጸና ጸጋ፡ መግለጺ ቁጥዓን ፍርድን እግዚኣብሔር ዘይኰነስ፡ መሳርሒ ምሕረቱን ይቕረታኡን ኰይኑ መድኃኒት ሓጢኣትና ክከውን፡ ነታ ካብ በደልና ዝተላዕለ ዝቘሰለትን ዝሓመመትን ነፍስና ፈውሲ ዝዀና ሓቀኛ መድኃኒት ስለ ዝዀነ እዩ። ስለዚ ምንም እኳ እቲ ካህን  መጋቢ ቓል እግዚኣብሔር እንተዀነ (ቲቶ 1፡7) ድሕነትና ግና ኣብ ልዕሊ ካህን ዝተመስረተ ዘይኰነስ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ዘድሕን ጸጋ እግዚኣብሔር ዝተመስረተ እዩ። 

ይቕጽል…
ዶ/ር ሽሞንዲ ኃይለ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div