S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ጥምቀት

ጥምቀት፡ ብዙሕ ዓይነት መልክዕ እኳ እንተ ሃለዎ፡ ጥምቀት ኣብ መንጎ እግዚኣብሔርን ሰብን ብእምነት ዝእቶ ኪዳን እዩ። ኣብ ብሉይ ኪዳን ዝተዋህበና ጥምቀት፡ ብማይ ምሕጻብ፡ ብደመና ምሕላፍ፡

ብመርከብ ምስጋር፡ ግዝረት ዕልቦ ሥጋ ዝኣመሰለ እዩ ዝነበረ። እዚ ግና ምልክት ኪዳን ኣብ መንጐ ኣብርሃምን ዘርኡን፡ እንተላይ እቶም ብፍታዎም ናብ ዘርኢ ኣብርሃም ዝኣተዉ፡ ናብ ምድራዊት ከንኣን ዘእቱ ድኣሉ ዝነበረ እምበር፡ ከምቲ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ተዋሂቡና ዘሎ፡ ንህዝብን ኣህዛብን መደምሰሲ ኣዳማዊ ሓጢኣትን መውሃቢ ሓድሽ ልደት ንጽድቕን፡ መእተዊ ናብ ሓዳስ ኢየሩሳሌምን ዝኸውን ኣይነበረን። ናይ መከራ ጥምቀት’ውን ኣይነበረን። ጥምቀት ሓድሽ ኪዳን ብማይን ብቓል እግዚኣብሔርን እዩ ዝፍጸም። ብዛዕባ ጥምቀት እዚ ክኸውን ከሎ፡ ጥምቀት ብድንገት ዝተጀመረ ኣይኰነን። እንታይ ድኣ፡ ከምቶም ካልኦት ምሥጢራት ንደቂ ሰባት ካብ ዘለዓለማዊ ጥፍኣት ናብ ዘለዓለማዊ ሕይወት ከሰጋጉሩና ዝተዋህቡና ምሥጢራዊ ኪዳን እዩ። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ ብግብሪ ብማይ ተጠሚቑ፡ ንሕና’ውን ከምቲ ንሱ ዝገበሮ ክንገብር ብቓሉ ኣዚዙናን ሰሪዑልናን ናይ ድሕነትና ምሥጢር ሒዙ ከም ዘሎ ምሂሩናን እዩ። ጥምቀት ዘድለየና ቐንዲ ምኽንያት ከኣ፡ እቲ ናይ መጀመርታ ሰብ፡ ኣቦና ኣዳም ትእዛዝ ፈጣሪኡ ስለ ዘፍረሰ፡ ንገዛእ ርእሱ ኣብ ትሕቲ መርገምን ሞትን ኵነኔን ኣእትዩ፡ ነቲ ኣብ ልዕሌኡ ዝወረደ መርገምን ሞትን ኵነኔን ድማ ኣብ ደቁን፡ ኣብ ደቂ ደቁን ተመሓላለፈ እሞ፡ ኵሉ ካብ ዘርኢ ኣዳም ዝተወልደ ዘበለ፡ ካብ ማይን ካብ መንፈስ ቅዱስን እንተ ዘይተወልደ፡ ናብ መንግሥቲ እግዚኣብሔር ኪኣቱ ከም ዘይክእል ኰነ። እዚ ማለት እቲ ዘይተጠምቀ ካብቲ ካብ ኣዳም ዝወረሶ ባርያ ሓጢኣት ሓራ ክኸውን ኣይከኣለን። ስለዚ ድማ እዩ ዝኣመነን እተጠምቀን ኪድሕን፡ እቲ ዘይኣመነ ግና ኪዅነን እዩ ተባሂሉ ዝተጻሕፈ። (ማር፡ 16፡16) (ሮሜ 5፡12-20 ቲቶስ 3፡4-5)  

ምሳሌ ጥምቀት ኣብ ብሉይ ኪዳን

  1. ሓዋርያ ጰጥሮስ ብዛዕባ እታ ቀዳማይቲ ጥምቀት ብግዜ ኖህ ዝተፈጸመት ክዛረብ ከሎ። “ትዕግስቲ ኣምላኽ ብመዓልትታት ኖህ ምስ ተጸበየት፡ እታ መርከብ ክትስራሕ ከላ፡ ብእኣ ሒደት፡ ማለት ሾሞንተ ነፍሲ፡ ብማይ ዝደሓናላ፡ ነቶም ቀደም ዘይኣመኑ ሰበኸሎም። እቲ ማይ ድማ ሕጂ ብተምሳሉ፡ ማለት ጥምቀት፡ የድሕነኩም ኣሎ፡ እዚ ኸኣ ብትንሳኤ ኢየሱስ ክርስቶስ ልማኖ ሰናይ ሕሊና ናብ ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ምሕጻብ ርስሓት ሥጋ ኣይኰነን” ኣናበለ ነቲ ብግዜ ኖህ ንገሊኦም ንድሕነት ንገሊኦም ድማ ንጥፍኣት ዝነበረ ማይ፡ ከመይ ገይሩ ንኣማናዊ ጥምቀት ከም ዝመስሎ ይሕብረና። (ዘፍ፡ 6፡17 1ጴጥ፡ 3፡20-21) እዚ ጥምቀት እዚ ካብታ ቀዳመይቲ እክይቲ ናይ ሓጥያት ዓለም፡ ናብታ ካልኣይቲ ሓዳስ ዓለም ዘሰጋግር እዩ ዝነበረ።
  2. ሓዋርያ ጳውሎስ’ውን፡ ብዛዕባ እቲ ደቂ እስራኤል ብኢድ ሙሴ፡ ኣብ ባሕሪ ኤርትራ እተጠመቕዎ ናይ ድሕነት ጥምቀት ክዛረብ ከሎ፡ “ኣሕዋተየ፡ ኵላቶም ኣቦታትና ትሕቲ ደበና ኸም ዝነበሩ፡ ኲላቶም’ውን ባሕሪ ኸም እተሳገሩ፡ ዘይትፈልጡ ኽትኰኑ ኣይፈቱን እየ። ኲላቶም ድማ ብደበናንን ብባሕርን ናብ ሙሴ ተጠምቁ። ኢሉ ነቲ እስራኤል ንባሕሪ ኤርትራ ስንጢቖም ዝሓለፍዎ ጥምቀት፡ ንደቂ እስራኤ ድሕነት፡ ንደቂ ግብጺ ግና ሞት ከም ዝነበረ ምስ ኣማናዊ ጥምቀት ኣዛሚዱ ይነግረና። (ዘጽ፡ 21፡14-22 1ቆረ፡10፡1-2) እዚ ጥምቀት እዚ ካብ ምድሪ ባርነት፡ ናብ ምድሪ ሓርነት ዘሰጋግር እዩ ዝነበረ።
  3. እቲ ብባህርያቱ ካብ ህዝቢ ኣምላኽ ዘይነበረ ንዕማን ሶርያዊ ከይተረፈ ካብ ቤት እግዚኣብሔር ምሕረት ክረኽብ ኢሉ ምስ መጸ፡ ኣብ ሩባ ዮርዳኖስ ብማይ ተጠሚቑ ካብ ለምጹ ከም ዝሓወየ መጽሓፍ ቅዱስ ይዛረብ። (2ነገ፡ 5፡1-16) እዚ ጥምቀት እዚ ድማ ካብ ድንቁርና፡ ናብ ፍልጠት ሓቂ ዘብጽሕ ጥምቀት እዩ ዝነበረ።
  4. እቲ ካብዞም ዝረኤናዮም ጥምቀታት ብማይ ፍልይ ዝበለ፡ ካልእ ተርእዮ ዝሓዘ ኪዳን ግዝረት እዩ። ግዝረት ሓደ መልክዕ ናይ ጥምቀት ኣብ ብሉይ ኪዳን ስለ ዝነበረ ጥራይ ዘይኰነ፡ ኩሉ ኣብ ማሕበር እግዚኣብሔር ዝኣቱ ዘበለ ክግዘር ግድን ነበሮ። እዚ ግዝረት እዚ ድማ፡ ምስሊ ናይቲ ዝመጽእ ብማይ ዝግበር ኣማናዊ ጥምቀት ከም ዝነበረ ሓዋርያ ጳውሎስ “ንስኻትኩም ድማ ብግዝረት ክርስቶስ ነቲ ናይ ሥጋ ሰብነት ቀንጢጥኩም ብኢድ ብዘይኰነት ግዝረት ብእኡ ተገዘርኩም። ብጥምቀትውን ምስኡ ተቐበርኩም፡ ብግብሪ እቲ ኻብ ምዉታት ዘተንስኦ ኣምላኽ ድማ ምስኡ ተንሳእኩም” እናበለ የረድኣና። (ዘፍ፡ 17፡9-29 ፊሊጲ 3፡3 ቄሎሴ 2፡11-12) እዚ ማለት፡ በቲ ኣብ ሥጋ ዝፍጸም ግዝረት፡ ኩሉ ግዜ ኣብ ኣካልካ ዘይርሳዕ ኪዳን ከመልክት ከሎ፡ በቲ ሓደ ወገን ድማ፡ ኣካልካ ንሞት ቆሪጽካ ምሃብ፡ እቲ ዝተረፈ ኣካልካ ድማ ንህይወት ከም ዝነብር መርኣያ ነበረ።
  5. እቲ ብሓድሽ ኪዳን ክፍጸም ዝመጽእ ዝነበረ ሓድሽ ጥምቀት ግና፡ ከምቲ ኣብ ብሉይ ኪዳን ዝነበረ ምስሊ ጥራይ ዘይኰነ፡ ሕይወት ዘውህብ ጥምቀት እዩ። እቲ ንጉሥን ነብይን ዝነበረ ዳዊት፡ ነቲ ጐይታ ሕይወት ኣብ ሩባ ዮርዳኖስ ከም ዝጥመቕ ኣማዕድዩ ብዓይኒ ትንቢት ምስ ረኣዮ፡ “ባሕሪ ኤርትራ ርእያ ሃደመት። ፈለግ ዮርዳኖስ ንድሕሪት ተመልሰት,,,” ኢሉ ተነብዩ ነበረ። (ህዝ፡ 36፡25 መዝ፡114፡3) እዚ ማለት እቲ እስራኤል ኣብ ባሕሪ ኤርትራን ሩባ ዮርዳኖስን ዝገበርዎ ምስቲ ዘለዓለማዊ ጥምቀት ዘውህብ ኣማናዊ ጥምቀት ክመዛዘን ከሎ ፈጺሙ ዘይወዳደር ከም ዝዀነ ከመልተና ስለ ዝደለየ እዩ።
  6. ነብይ ሚክያስ’ውን ብዓይኒ ትንቢት፡ ንጐይታ ኣብ ሩባ ዮርዳኖስ ክጥመቕ ምስ ረኣዮ፡ “ንኣበሳና ኣብ ትሕቲ እግሩ ይረግጾ፡ ንኹሉ ሓጢኣቶም ናብ መዓሙቕ ባሕሪ [ዮርዳኖስ] ይድርብዮ” ኢሉ ተነበየ። (ሚክ፡7፡18-19) እቲ ቀዳማይ ጥምቀት ናብ ተስፋ ዘመልክት እዩ ዝነበረ፡ እዚ ጥምቀት እዚ ግና፡ ነቲ “ኣዳም ገብሩ ለድያብሎስ ሔዋን ኣመቱ ለድያብሎስ” ዝብል ጥንታዊ ናይ ባርነት ምስጢር ኣዳምን ሔዋንን ምስ ዲያብሎስ ዝኣተዉዎ ኪዳን ንዘለዓለም ዝድምስስ ጥምቀት ጐይታ ጥራይ ከም ዝዀነ ከመልክት ስለ ዝደለየ እዩ። (ህዝ፡47፡8-9)
  7. እምብኣርከስ እቲ ኣብ ብሉይ ኪዳን ዝነበረ ዝተፈላለየ መልክዕ ዝነበሮ ኣሰራርሓ ምስሊ ጥምቀት እዚ ክኸውን ከሎ፡ ኩላቶም ግና ናብቲ ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ዝተፈጸመ ኣማናዊ ጥምቀት እዮም ዘመልክቱ ዝነበሩ።

መሰጋገሪ ጥምቀት ዮሃንስ

ቅዱስ ዮሃንስ ወዲ ዘካርያስ፡ ናይ ንስሓ ጥምቀት ንሕድገት ሓጢኣት ከጠምቕ ድኣ ተላእኸ እምበር፡ መንፈስ ቅዱስ ዘውህብ ናብ ሓድሽ ህይወት ዘእቱ ኣማናዊ ጥምቀት ከጠምቕ ኣይተላእከን። ናይ ንስሓ ጥምቀት ንሕድገት ሓጢኣት ማለት ድማ፡ ካብቲ ኣብ ብሉይ ኪዳን ዝነበረ ኪዳናዊ ጥምቀት ናብታ ናብ ሓድሽ ኪዳን እተብጽሕ ጥምቀት፡ ናይ ምድላው ጥምቀት ከም ዝነበረት፡ ቅዱስ ዮሃንስ ባዕሉ “ኣነስ ንንስሓ ብማይ ኤጥምቐኩም ኣሎኹ፡ እቲ ድሕረይ ዚመጽእ ግና ካባይ ይሕይል እዩ፡ ኣነስ ኣሳእኑ ኽጸውር እኳ ኣይበቅዕን። ንሱ ብመንፈስ ቅዱስን ብሓውን ኬጥምቐኩም እዩ”። ኢሉ መስከረ (ማቴ፡ 3፡1-11 ሉቃስ 3፡3 ዮሃ፡ 4፡2)።

ኣማናዊ ጥምቀት

ሰብ በቲ ንብልሒ ሞት ኣብ ኢዱ ዝሓዘ ሰይጣን፡ ኣብ ገነት ኤደን ካብ ዝተወግኣሉ እዋን ጀሚሩ፡ ክሳብ ክርስቶስ ንሞት ስዒሩ ዝትንስእ፡ ካብ ሓጢኣት ነጻ ኰይኑ ኣይፈልጥን። ብድሕሪ እቲ ኣብ ገነት ኤደን ሕማቕ ኣወዳድቓ ዝወደቐሉ ሰዓት፡ ካብ ዘርኢ ኣዳምን ሔዋንን ዝተወልደ ዘበለ፡ ከምቲ ሓዋርያ ጳውሎስ “ኩሎም ሓጢኦም ክብሪ ኣምላኽ ስኢኖም” ዝበሎ፡ ሰብ ካብታ ኣብ ማህጸን ዝተደኰነላ እዋን ብሓጢኣት ተመሊኹ ስለ ዝነብር፡ ካብ ኢድ መላኺኡ ዝዀነ ሓጢኣት ሓራ ዝገብሮ፡ እቲ ብጥምቀት ዘለዓለማዊ ድሕነት ዝኣወጀ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ በይኑ እዩ። (ኢሳ 14፡12-20 ህዝ፡ 28፡14-19 ራእ፡12፡8-9 ዮሃ፡8፡44-45 ዘፍ፡3፡4-5

ብመጀመርያ ንሰብ፡ ንምድሪ ክገዝእ ሥልጣን ክወሃቦ ኰሎ፡ ንፍጥረት ጥራይ ዘይኰነ ንሓጢኣት’ውን ክገዝኦ ተዋሂብዎ እዩ። (ዘፍ፡ 4፡7) እንተ ዀነ ኣዳም ነቲ ኣብ ኣፍ ደገ ልቡ ዝቃጸዎ ዝነበረ ሓጢኣት በቲ ዝተዋህቦ ሥልጣን ዝመልኮ ብእኡ ተሳዕረ። ክሳዕ ክርስቶስ ዝመጽእ ድማ፡ ባርያ ሓጢኣት ኰይኑ ይነብር ነበረ (ሮሜ 6፡16)።

ስለዚ ካብ ሓጢኣት ነጻ እንኸውን፡ እቲ ቀደም ኣብ ልዕሊ ሓጢኣት ዝነበረና ምልኪ ምስ ዚምለሰና እዩ (ሮሜ 5፡16)። ስለዚ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ፍጹም ሰብን ፍጹም ኣምላኽን ኰይኑ ሓጢኣትና ናብ ማዕሙቕ ባሕሪ ክድርቢ ተጋህደ። ቅድሚ እቲ ካልኣይ ኣዳም ምምጽኡ ግና፡ ሰባት ካብ ሓጢኣቶም ሕድገት ኪረኽቡ ክብሉ፡ ንነፍሲ ወከፍ ሓጢኣት መስዋእቲ ኬቕርቡ ይግደዱ ነበሩ። እቲ መስዋእቲ እቲ ግና፡ ካብቲ ግዝያዊ ሓጢኣት ጥራይ ድኣ እምበር፡ ካብቲ ናይ ጥንተ-ኣብሶ ወይ ኣዳማዊ ሓጢኣቶም ከድሕኖም ኣይክእልን ነበረ። ተመሊሶም ሓጢኣት ንኸይገብሩ ሓይሊ ዚህቦም መስዋእቲ’ውን ኣይነበረን (እብ 10፡11)። ሰባት ነቲ ዚፈልጥዎ እሞ ዝብህግዎ ሰናይ ግብሪ ምግባር እናተሳእኖም ምግዱር ዝዀነ ሥጋዊ ሕይወት የሕልፉ ነበሩ (ሮሜ 7፡22-24) ስለዚ ድማ እዮም ድሕሪ ሞት ከይተረፈ ብዓል ኣዳም ኣብርሃም፡ ይስሓቅ፡ ያዕቆብ ወዘተ…. ክሳብ ክርስቶስ ዝመጽእ ኣብ ሲኦል ዝነበሩ።

ስለዚ እቲ ቐዳማይ ኣዳም ምግባሩ ዝሰኣኖ፡ እቲ ካልኣይ ኣዳም ፈጸሞ። በቲ ቀዳማይ ኣዳም ሓይሊ ሓጢኣት ኣብ ኵሉ ሰብ ከም ዝመልኽ፡ በቲ ካልኣይ ኣዳም ሓይሊ ጽድቂ ኣባና መለኸ። ስለዚ ክርስቶስ ብኹሉ ዘመንና ካብ ኣዳማዊ ሓጢኣት ሓራ ምእንቲ ክንኽውን፡ ብጥምቀት ኣቢሉ ሕድገት ሓጢኣት ኪህበና ጥራይ ዘይኰነስ፡ ካብ ኩሉ ሓይሊ ሓጢኣት ሓራ ከውጽኣና ኢሉ እዩ ዝመጸ። (ሮሜ 15፡20)

እቲ ናይ ዮሃንስን ናይ ኢየሱስን ጥምቀት መሰረታዊ ፍልልይ ከኣ ኣብዚ ዝተሰረተ እዩ። ዮሃንስ ባዕሉ ከም ዝበሎ፡ “እቲ ድሕረይ ዚመጽእ ካባይ ይሕይል እዩ’ሞ ብመንፈስ ቅዱስ ከጠምቐኩም እዩ” ኢሉ ኣብ ልዕሊ ኹሉ ሓጢኣት ሓይሊ ዚህብ ጥምቀት ጐይታ ምኳኑ ሓቢሩና ኣሎ (ማቴ 3፡11-16)። ናይ ዮሃንስ ጥምቀት ንሕድገት ሓጢኣት ጥራይ እዩ ዝወሃብ ዝነበረ (ማር፡1፡4፡ ሉቃ፡3፡3)። ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ጥምቀት ግና፡ ሕድገት ሓጢኣት የምጽእ ጥራይ ዘይኰነ፡ ኣብ ልዕሊ ሓጢኣት ሓይሊ (ምልኪ) ይህበና። በዚ ኸኣ እንተ ፈተና ጻድቕ ናብራ ኽንነብር ንኽእል ኢና። (ማቴ፡ 28፡19-20 ዮሃ፡3፡1-8 ማር፡1፡9-11 ሉቃስ 3፡21) እዚ ማለት ነቲ ኣዳማዊ ሓጢኣት ብዝዀነ መገዲ ካብ ሕይወትና ከነልግሶ ፍጹም ሓይሊ ኣይነበረናን። ክርስቶስ ግና ብጥምቀቱ ካብ ኣዳማዊ ሓጢኣት ሓራ ገበረና። ካብ ኣዳማዊ ሓጢኣት ድኣ ሓራ ዀና እምበር፡ ካብቲ ፈቲና እንገብሮ ሓጢኣትሲ ተሓተቲ ኢና። ስለዚ ክንሳሕ ግድን እዩ።

ናይ መከራ ጥምቀት

ሳልሳይ ጥምቀት ከኣ ናይ መከራ (ስቓይ) ጥምቀት እዩ። ጐይታ ሓንሳእ ብዮሃንስ ተጠሚቑ ከብቅዕ “ዝጥመቓ ጥምቀት ኣላትኒ ክሳዕ ትፍጸም’ሲ ከመይከ ዘይጸበኒ” ኢሉ ነበረ። እዚ ከኣ ነቲ ክቕበሎ ኢሉ ካብ ሰማይ ዘምጽኦ ምኽንያት፡ መከራ መስቀልን ሞቱን ስቕያቱን እዩ ዝሕብሮም ዝነበረ። እዛ ጥምቀት እዚኣ ጐይታ ዝጥመቓ ጥምቀት ጥራይ ዘይኰነትስ፡ ኩላቶም ብእኡ ዝኣመኑ ኣብ የማን ጐይታ ኪቕመጡ ዝደልዩ ዝጥመቕዋ ናይ መከራ ጥምቀት እያ። ስለዚ ኸኣ እዩ ንደቂ ዘብዴዎስ ኣብ የማን ጐይታ ክቕመጡስ፡ ነዛ ጥምቀት ኣዚኣ ክጥመቕዋ ምዃኖም ዝተነግሮም። ከምቲ ንደቂ ዘብዴዎስ ናይ መከራ ጥምቀት ክጥመቑ ቅሩባት ክዀኑ ዝተነግሮም፡ ንመብዛሕትና ነዛ ካልኣይቲ ጥምቀት ክንጥመቓ ግድን እዩ። መልክዕ እቲ ቀዳማይ ጥምቀት ብማይ ሓደ ዝዓይነቱ ክከውን ከሎ፡ እታ ናይ መከራ ጥምቀት ግና ስለ ስም ክርስቶስ ዝርከብ መከራ ስለ ዝዀነት፡ እቲ እንቕበሎ ሓሳረ መከራ በብዓይነቱ እዩ። ናይ ገለ ስለ ስም ክርስቶስ መስጐግቲ ክኸውን ከሎ፡ ናይ ገለ ድማ ማእሰርቲ፡ ናይ ገለ ብበብዓይነቱ ዝወሃብ ጸለመ ክኸውን ከሎ፡ ናይ ገለ ድማ ክሳድካ ንሴፍ ክኸውን ይኽእል። እዚ ኹሉ ድማ ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ስለ ዝተጠመቕካ ጥራይ ዘኰነስ ንስሙ ስለ ዝሓለኻዮ ድማ እዩ። (ሉቃ፡ 12፡50 ማር፡ 10፡38 1ጴጥ፡ 4፡12 2፡19-21

ምሥጢረ ጥምቀት

  • ትርጉም ምሥጢረ ጥምቀት
  • ኣድላይነት ጥምቀት ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን
  • ኣብ ትንቢት ዝተነግረ ጥምቀት
  • ጥምቀት ኣብ እዋን ሕጻንነትን ኣብ እዋን ዕቤትን
  • ጥምቀት ሓንሳብ ጥራይ ድኣ ይወሃብ እምበር ኣይደጋገምን

ምሥጢር ዝተባህለሉ ምኽንያት፡ እቲ ዝንገር ቓል እግዚኣብሔር ምስቲ ዝረኤ ማይ፡ ብባርኾት ልኡኽ ቤተ ክርስቲያን (ካህን) ሰለስቲኦም ብሓደ ኣብ ልዕሊ እቲ ዝጥመቕ ምስ ሓበሩ፡ መንፈስ ቅዱስ ነቲ ጥምቀት ህያው ይገብሮ፡ ከመይሲ እቲ ካህን ንመንፈስ ቅዱስ ክወርድ ስለ ዝዕድሞ። “ብክርስቶስ ኢየሱስ እተጠመቕና ዘበልና ዂላትና ብሞቱ ኸም እተጠመቕናዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ እምብኣርሲ ኸምቲ ክርስቶስ ብኽብሪ ኣቦኡ ኻብ ምዉታት ዝተንስኤ፡ ከምኡ ኸኣ ንሕና ብሓዳስ ህይወት ምእንቲ ኽንመላለስ፡ ናብ ሞት ብጥምቀት ምስኡ ተቐበርና። ሞትና ንሞቱ መሲሉ ሕቡራቱ እንተ ዀንናስ፡ ከምኡ ኸኣ ብትንሳኤኡ ኽንሓብሮ ኢና። እቲ ዝሞተ ኻብ ሓጢኣት ሓራ ወጺኡ እዩ እሞ፡ እዚ ደጊም ንሓጢኣት ከይግዛእ፡ እቲ ናይ ሓጢኣት ሥጋ ምእንቲ ኺጠፍእ፡ እቲ ኣረጊት ሰብና ምስኡ ኸም እተሰቕለ፡ ፈሊጥና ኣሎና” ይብል (ሮሜ 6፡3-7)። ካብዚ ጥቕሲ እዚ ከም ንርድኦ ጥምቀት ምስ ክርስቶስ ሙማትን ምትንሳእን ወይ ምስ ክርስቶስ ብሞት ምሕባር ዝብል ምስጢር ዝሓዘ ከም ዝዀነን ከምኡ’ውን ካብ ሓጢኣትን ካብ ናይ ሓጢኣት ሥጋ ሓራ ወጺእና ንክርስቶስ እንመስለሉ ወይ ምስ ክርስቶስ ዜሕብረና ከም ዝዀነ እዩ ዝምህረና። ንሓጢኣት ቀቢርና፡ ንሕይወት ስለ ዝተንሳእና መሰል ውልድነት ንረክብ ማለት እዩ። (2ቆሮ፡ 1፡21-22)

እቲ ብትንቢት ዝተነግረ ተፈጸመ

ብመጀመርታ ብትንቢት “ጽሩይ ማይ ክነጽገልኩም እየ እሞ ኽትጸርዩ ኢኹም። ካብ ኩሉ ርኽሰትኩምን ካብ ኩሉ ጣኦታትኩምን ከጽርየኩም እየ። ሓድሽ ልቢ ኽህበኩም ሓድሽ መንፈስ ከኣ ኽሕድረልኩም፡ ናይ እምኒ (ዘይእዘዝ) ልቢ ኻብ ሥጋኹም ከውጽእ ናይ ሥጋ (እዙዝ) ልቢ’ውን ክህበኩም እየ። ንመንፈስይ ኣብ ውሽጥኩም ከሕድሮ ብትእዛዛተይ ከመላልሰኩም ፍርደይ ከሕልወኩምን ከግብረኩምን እየ” (ኤር፡ 24፡7 መዝ፡51፡7-10 ኤር፡ 31፡33-34 ህዝ፡ 36፡25-27) ዚብል ነበረ። ኣስዒቡ’ውን “መሊሱ ይርሕርሓልና፡ ንኣበሳና ኣብ ትሕቲ እግሩ ይረግጾ። ኹሉ ሓጢኣቶም ናብ መዓሙቕ ባሕሪ (ዮርዳኖስ) ትድርብዮ” ዝብል ትንቢት ነበረ። (ሚክ፡7፡18-19)።

ምእንት’ዚ ከምቲ ቓሉ መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ እቲ ቓል (ሎጐስ) ሰብ ኰነ (ዮሃ፡1፡14)። መርገም ንምድምሳስ ከኣ ብኣካል ሥጋ ኣብ ፈለግ ዮርዳኖስ ደው ኢሉ ኪጥመቕ ከሎ ነቲ ማይ ቀደሶ። ነቲ ኣብ ትሕቲ ማይ ዝነበረ “ኣዳም ገብሩ ለዲያብሎስ ሄዋን ኣመቱ ለዲያብሎስ” ዝብል ዝነበረ መርገም ባርነት ከኣ፡ ኣብ ሩባ ዮርዳኖስ ደው ኢሉ ብምጥማቑ ደምሰሶ። ሽዑ ሰማይ ተኽፍተ። መንፈስ ኣምላኽ ከም ርግቢ ወሪዱ ኣብ ርእሱ ዓለበ። “እንሆ ብእኡ ዝተሓጐስኩ ፍትዊ ወደይ እዚ እዩ” በለ (ማቴ፡3፡16-17 ማር፡1፡9-11 ሉቃ፡ 3፡21-22) በለ። ካብዚ እንርድኦ ከምቲ ኣብ ርእሲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝዓለበ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ርእሲ እቲ ኣማኒ ከምዚዓለብን ካብ መርገም ሓጢኣት ሓራ ኸም ዚገብርን ዕርቡን ከም ዝዀነ ርግጽ እዩ (2ቆሮ፡1፡21፡-22)። “ሰማይ ተኸፊቱ” ክብል ከሎ እቲ ኣብ ሞንጐ ሰብን ኣምላኽን ኰይኑ ጋሪዱ ከልኪልዎ ዝነበረ መርገም ተደምሰሰ። ምሥጢር ሥላሴነት ተጋህደ። ሰብን ኣምላኽን ብክርስቶስ ተዓርቀ ማለቱ ነበረ።

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ቅድሚ ምዕራጉ ንደቀ መዛሙርቱ ካብቲ ዝሃቦም ናይ መወዳእታን ዝዓበየን ትእዛዛቱ ሓደ ጥምቀት ብስም ሥላሴ ነበረ። “ስለዚ ኺዱ ንኹሎም ኣህዛብ ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም ዝኣዘዝኩኹም ኩሉ ክሕልዉ ኸኣ እናመሃርኩም ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም እንሆ ድማ ኣነ ክሳዕ መወዳእታ ዓለም ዅሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ” ኢሉ ኣዘዞም። (ማቴ፡ 28፡1-20)። ስለዚ ኣብ ዘመን ሓድሽ ኪዳን ጥምቀት ኣድላይን ኣገዳስን ዝዀነሉ ምኽንያት፡ ምሥጢር ድሕነት ደቂ ኣዳም ስለ ዝዀነ እዩ። ከመይሲ ካብቲ ጐይታ ኣብ መዛዘሚ ምድራዊ ሕይወቱ ብዘየወላውል መገዲ ዝሃቦ ትእዛዛቱ ዋና ጥምቀት ከም ዝነበረ ኣጸቢቕና ክንፈልጥ ተነግረና። ከምኡ’ውን ጥምቀት ነዞም ዝስዕቡ ዓበይቲ ነገራት ህይወት ስለ ዝፍጽም ኣድላይነቱ መሊስና ክንርኢ ኢና።

ጥምቀት ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ጥራይ ይወሃብ

ከምቲ ኣቐዲምና ዝረኤናዮ ብሥም ሥላሴ ጥምቀት፡ ካብቲ ብዘርኢ ዝመጸ ኣዳማዊ ጥንተ ተኣብሶ ወይ ባህርያዊ ሓጢኣት ከም ዘንጽሃና ኣንቢብናዮ ኣሎና። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ዝጸንሓና ኣብ ኦሪት ዝነበረ ጥምቀትን፡ ብዮሃንስ ዝተዋህበና ናይ ንስሓ ጥምቀትን ግና ኣብ ኪዳናዊ ምእዛዝ እግዚኣብሔር ድኣ የእትወና ነበረ እምበር፡ ብሥም ሥላሴ ስለ ዘይነበረ ምሉእ ድሕነት ዘውህብ ከም ዘይነበረ፡ ኣብዞም ጥቅስታት እዚኣቶም ኣንቢብናዮ ኣሎና (ማቴ፡3፡1-12 ማር፡1፡1-8 ሉቃ፡3፡1-17 ዮሃ፡1፡6-8, 19-28 ግብ፡19፡4)። እዚ ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ዝውሃብ ጥምቀት ግና፡ ካብቲ ቀዳማይ ፍልይ ዝበለ እዩ። ንሱ ድማ ካብቲ ብባህሪ ወይ ተፈጥሮ ዝመጸ ወይ ብዘርኢ ዝመጽእ ዝመሓላለፍ ኣዳማዊ ሓጢኣት ስለ ዘንጽሃና እዩ። እቲ ቀንዲ ምስጢር ኣብቲ ስም እዩ ተጠቓሊሉ ዘሎ።

ኣብ መልእኽቲ ሮሜ ከም እነንብቦ፡ ኣብ ዓለም ኣብ ኩሎም ደቂ ሰባት ሓጢኣትን ሞትን ካብ ኣዳም ጀሚሩ ዋላ ኣብቶም ሓጢኣት የብሎምን በደል ኣይገበሩን እንብሎም ከም በዓል ኣቤል ኣብርሃም፡ ይስሓቅ፡ ያእቆብ እንብሎም ከይተረፈ ካብ ኣበሳ ሓራ ከም ዘይነበሩ ንርዳእ (ሮሜ 5፡12-15)። ከምኡ’ውን ሓዋርያ ጳውሎስ ኣብ መልእኽቱ “ብባህሪና ደቂ ቁጥዓ ነበርና” ይብል (ኤፈ፡ 2፡3)። ሰብ ከም ኣብኡ ኣዳም ሓጢኣተኛ ካብ ባህሪኡ ዝመጸእ መርገምን ቁጥዓን ዘለዎ ምዃኑ እዩ ዝነግረና። ነዚ ድማ ሓዋርያ ጳውሎስ ነቲ ናይ ሓጢኣት ሥጋ ኣረጊት ሰብነት ብዝብል ቓላት ገሊጽዎ ኣሎ (ሮሜ 6፡6-7)። ስለዚ ጥምቀት ብሥም ሥላሴ ካብዚ ከምዚ ዝኣመስለ ሓጢኣትኛ ፍጥረት ድሒንና ወይ ነጺህና፡ ብሓድሽ ሕይወት ክንመላለስ እንኽእለሉ ምሥጢር እዩ። ሓዋርያ ጴጥሮስ ብግዴኡ ነዚ ኣረጊት ሰብና ክገልጾ ከሎ፡ “ሰናይ ሕልና ኣብ ኣምላኽ እዩ እምበር ምሕጻብ ርስሓት ሥጋ ኣይኰነን” ይብል (1ጰጥ፡3፡21)።

እንተዀነ እዚ ሓዋርያ እዚ፡ ኣብ ክንዲ ከምቲ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝኣዘዘና ጥምቀት ብስም ሥላሴ ተጠመቑ ዝብለና፡ “ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ ንሕድገት ሓጢኣት ይጠመቕ” ይብል (ግብ፡ 4፡2፡38)። ቁጽሪ ዘየብሎም ሰባት ነዛ ጥቅሲ እዚኣ ነጺሎም ብምውሳድ፡ ሓዋርያ ጴጥሮስ ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ ክንጥመቕ ኣዚዙልና እዩ እሞ፡ ንስም ሥላሴ ክንእዘዞ ግድን ኣይኰነን ዝብሉ ኣብ ግዜና ዝተላዕሉ ሓደሽቲ መማህራን ከም ዘለዉ ዝተፈልጠ ሓቂ እዩ። እቲ ንሳቶም ዘየስተውዓልዎ ነገራት ግና፡ እቲ ኣብ ቆሎሴ 2፡9 ተጻሒፉ ዘሎ ዘይምንባቦም እዩ። እቲ ጽሑፍ ድማ ከምዚ ይብል፡ “..ኣብ ሰብነት ክርስቶስ መለኮት ብምልኣቱ ሓዲሩ ኣሎ” ክብል ከሎ ኣቦን መንፈስ ቅዱስን ኣብኡ ኣለዉ እዩ ዝብል ዘሎ። ስለዚ ጥምቀት ሕድገት ሓጢኣት ብስም ሥላሴ ክንጥመቕ ይግባኣና።

ብመንፈስ ምላድን እቲ ካልኣይ ብጥምቀት እንረኽቦ ጸጋ ድማ ብመንፈስ ምላድ ወይ ከኣ ናይ መንፈስ ቅዱስ ኣባና ምሕዳሩ እዩ። ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ንኒቆዲሞስ ክዛረቦ ከሎ፡ “ካብ ላዕሊ እንተ ዘይተወልደ፡ ንመንግሥቲ ኣምላኽ ኪርእያ ዚኽእል ከም ዜልቦ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለካ ኣሎኹ፡ ኢሉ መለሰሉ። ኒቆዲሞስ ኸኣ፡ ንሰብከ ምስ ኣረገ፡ ኪውለድ ከመይ ኢሉ ይከኣሎ፧ መሊሱ ናብ ከርሲ ኣዲኡ ኣትዩስ ኪውለድዶ ይከኣሎ እዩ፧ በሎ። ኢየሱስ መለሰ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለካ ኣሎኹ፡ ካብ ማይን መንፈስን እንተ ዘይተወልደ፡ ኣብ መንግሥቲ ኣምላኽ ኪኣቱ ዚኽእል የልቦን። ካብ ሥጋ እተወልደ ሥጋ እዩ፡ ካብ መንፈስ እተወልደ ኸኣ መንፈስ እዩ። ካብ ላዕሊ ኽትውለዱ ብግዲ እዩ ስለ ዝበልኩኻ፡ ኣይትገረም በሎ”  (ዮሃ፡ 3፡5-6)። ስለዚ ሰብ ሓድሽ ሕይወት ክረክብ፡ ካብ ማይን መንፍስን ኪውለድ ኣለዎ። ስለዚ ውሉድ ኣምላኽ ምኳንና መሰል ክንረክብሲ እቲ እግዚኣብሔር ዝደልዮ ጸጋ ጥምቀት በቲ ንሱ ዝኣዘዘና መግዲ ጌርና ከንወስዶ ይግብኣና። ንሱ ድማ በቲ ንቤተ ክርስቲያን ብዘየማትእ መገዲ ዝተዋህባ ስልጣን ክንወስዶ ግቡእ እዩ። ተዘይኰነ ስም ሥላሴ ዘየብሉ ጥምቀት፡ ካብ ምሕጻብ ርስሓት ንላዕሊ ምዃን ሓሊፉ ንጽድቒ ዝኸውን ትርጉም የብሉን።

ስም እግዚኣብሔር-ኣብ ምጽዋዕ ማለት፡ ምስ እግዚኣብሔር ተዓረቕና። ስም ጐይታ ምጽዋዕ ማለት ንዓኻ መሰልና። ስም መንፈስ ቅዱስ ምጽዋዕ ማለት፡ ብኣኻ ተቐደስና ማለት እዩ። ስለዚ ድማ እያ ቤተ ክርስቲያን ክንጥመቕ ከሎና፡ ምስ እግዚኣብሔር ተዓረቕካ ኢላ ኣብ ቅድሚ ኹሉ ሰብ እትእውጀልና። ምስ ክርስቶስ ሓድነት ረኸብካ ኢላ ተቑርበና። ምስ መንፈስ ቅዱስ ሓድነት ረኸብካ ኢላ ሜሮን ትቐብኣና። 

ጥምቀት ኣብ እዋን ሕጻንነትን ኣብ እዋን ዕቤትን

ንሕጻናት ዝግበር ጥምቀት ወይ ኣብ ግዜ ሕጻንነት ዚውሰድ ጥምቀት ግቡእ ድዩ፧ ኢልና ብሕቶ ክንጅምር ዝደለኹሉ ምኽንያት፡ ሓያሎ መማህራን መጽሓፍ ቅዱስ ዝኣመነን እተጠምቀን ኪድሕን፡ እቲ ዘይኣመነ ግና ኪዅነን እዩ። ዝብል ኣብ ማርቆስ 16፡16 ተጻሒፉ ስለ ዘሎስ ዝዀነ ዝጥመቕ ሰብ ቅድም ክኣምን ኣለዎ፡ ድሕሪኡ ድማ ክጥመቕ ኣለዎ ኢሎም ይምህሩ። ንኣባላቶም ድማ ክሳብ ዓቅሚ ኣዳም ዝዀኑ ከይተጠመቑ ጸኒሖም፡ ባዕላቶም ኣሚኖም ክጥመቑ ይምህርዎም። ብርግጽ ኣብ ጉዳዮም ኣትየ ክዛረብ አይግብኣንን፡ ንምሳሌ ድኣ ኣልዓልኩዎም እምበር።

እስራኤል ኣብ ባሕሪ ኤርትራን ርባ ዮርዳኖስን ክሳገሩ ከለዉ፡ ነኣሽቱ ክሳብ እትኣምኑ ኣብ ግብጺ ጽንሑ ወይ ዮርዳኖስ ከይትሳገሩ ክንዮው ዮርዳኖስ ጽንሑ፡ ዓበይቲ ጥራይ ድኣ ስገሩ ኣይተባህሉን። እቲ ሽዑ ዝተገብረ፡ ኹላቶም ዓበይትን ነኣሽቱን ድኣ ተጠሚቖም ሰገሩ ይብለና። እቲ ተስፋ ንኹሉ ድኣ ተዋህበ እምበር፡ እከለ ሕለፍ እከለ ትረፍ ዝብል ተስፋ የልቦን። ነቲ ተስፋ ተፈጻምነት ከም ዝረክብ ዝገብሮ ግና ንስኻ ባዕልኻ ኢኻ እምበር። ሕጽረት ተስፋ እግዚኣብሔር ኣይኰነን። ስለዚ ድማ እዮም እቶም ዝኸሓዱ ኣብ በረኻ ዝጠፍኡ።

ጥምቀት ብማይ፡ ብመሰረቱ መተካእታ ግዝረት ከም ዝዀነ ኣንቢብና ኣሎና። ግዝረት ድማ፡ ቅድም ነቶም ኣብ ቤት ኣብርሃም ዝነበሩ ዓበይቲ ክግዘሩ ተኣዘዘ። ደሓር ድማ ነቶም ኣብ ቤት ኣብርሃም ዝተወልዱ ዘበሉ ኣብ ሻሙናይ መዓልቶም ክግዘሩ ተገብረ። ብርግጽ እቲ ዝግዘር ህጻን ብዛዕባ እቲ ንኣብርሃም ዝተዋህበ ኪዳን ኣፍልጦ የብሉን። ግናኸ ኣብ ቤት ኪዳን ስለ ዝተወልደ፡ በቲ ንኣብረሃም ዝተዋህበ በረኸት ስለ ዝተባረኽ ተገዚሩ፡ ውሉድ ኣብርሃም ይብሃል። ሙሴ ንባዕሉ እኳ ንውሉዱ ምግዛር ስለ ዝረስዔስ፡ እቲ ኣብ ቤት ኪዳን ኣብርሃም ዝተወልደ ወዱ፡ በረኸት ኣብርሃም ስለ ዘይረኸበ፡ ቁጥዓ እግዚኣብሔር ኣብ ልዕሊ ሙሴ ነዲዱስ፡ ወዱ ኣብ ኣፍደገ ሞት በጺሑ ከም ዝነበረ ነንብብ። እዚ ቆልዓ እዚዶ ነቲ ኪዳን ኣብርሃም ይፈልጦ ነይሩ እዩ፧ ቁጥዓ እግዚኣብሔር ኣብኡ ዝነደደ፧ ያእ ኣይፋሉን፡ ሙሴ ግቡኡ ስለ ዘይፈጸመ እባድኣ።

እምብኣርከስ ኣብ ምጅማር ሓድሽ ኪዳን’ውን፡ እቶም ጥምቀት ንሓድሽ ሕይወት ዝተነግረሎም፡ ኩላቶም ዓቕሚ ኣዳም ዝበጽሑ ስለ ዝነበሩ፡ ምእንቲ ክጥመቑ ናብ ከርሲ ኣዲኦም ኣትዮም ክጥመቑ ኣየድለዮምን። ንሳቶምሲ ከምቲ ብዘመን ኣብርሃም፡ ንኣብርሃም ኪዳን ክወሃቦ ከሎ ዓቕሚ ኣዳም በጺሖም ዝነበሩ፡ ባዕላቶም ኣሚኖም፡ ነታ ምድራዊት ኢየሩሳሌም ክወርሱ ኪዳን ዝተዋህቦም፡ እቶም ሓድሽ ኪዳን ክእወጅ ከሎ፡ ዓቕሚ ኣዳም በጺሖም ዝነበሩ ኣረሜን ስለ ዝነበሩ ድማ፡ ነቲ ናብ ሓዳሽ ኢየሩሳሌም ዘእቱ ኪዳን ክቕበሉ፡ ዓቕሚ ኣዳም ዝዀኑ ዘበሉ፡ ኣሚኖም ክጥመቑ ግድን ነበረ። እቶም ካብ ደቂ ክርስቲያን ዝተወልዱ ዘበሉ ግና፡ ከምቲ ንደቂ ኣብርሃም ብህጻንነቶም ክግዘሩ ትእዛዝ ዝተዋህቦም፡ ደቂ ቅዱሳን ድማ ውሉዶም ስለ ዝዀኑ፡ ካብ ኣዳማዊ ሓጢኣት ሓራ ክዀኑ ብህጻንነቶም ክጥመቑ ግድን እዩ። ስለዚ ድማ እዩ እቲ ጽሑፍ “ከምቲ ንስኻትኩም ቅዱሳት፡ ደቅኹም ድማ ቅዱሳት ዝበለ”።

ጥምቀት ንኹሉ ከም ዝውሃብ።

መጽሓፍ ቅዱስና ጥምቀት ንኹሉ ብዘይ ኣፈላላይ ዕድመ ኪውሃብ ከም ዘለዎ፡ ካብቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝሃቦ ትእዛዝ ነንብብ። ከምዚ ድማ ይብል፡ “ስለዚ ኺዱ ንኹሎም ኣህዛብ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም፡ ዝኣዘዝኩኹም ኵሉ ኽሕልዉ ኸኣ እናመሃርኩም፡ ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም። ድኣ በለ እምበር ዓበይትን ነኣሽቱን እናፈላለኹም ኣጠሙቑስ ኣይበለን (ማቴ፡ 28፡19-20)። ከመይሲ ካብዞም ኣህዛብ ተባሂሎም ዚጽውዑ ዘለዉ፡ ሓደ ክፋል ሕጻናት እዮም። ነዚ መሰረት ብምግባር ንሕጻናት ክጥመቑ ምክንያት ወይ መረዳእታ ዝኰነና ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ንጠቕስ። ቤተ ክርስቲያን ኣብ ገዛእ ርእሳ ስርዓት ክትሰርዕ ምሉእ ሥልጣን ከም ዘለዋ መጠን፡ ነቲ ኣብ ዘሌዋውያን ሰበይቲ ወዲ እንተወለደት ኣብ ኣርብዓ መዓልቲ ትንጻህ። ጓል እንተወሊዳ ድማ ኣብ ሰማንያ መዓልታ ትንጻህ ዝብል ቅዱስ ጽሑፍ ወሲዳ፡ ንሥርዓተ ንጽህና ሰበይቲ ናብ ቤተ ክርስቲያን ትኣትወሉ ዕለታትን፡ ዕለተ ጥምቀትን ነዚ ቅዱስ ጽሑፍ እዚ ተመርኲሳ ሥርዓት ከም ዝሰርዔት፡ ነዚ ሥርዓት እዚ ድማ ካብታ ጐይታ ሥልጣን ዝሃባ ክሳብ ሕጂ ትጥቀመሉ ኣላ። ነቲ ኣብ ዘሌዋውያን ዘሎ ምጥቓም ማለት ናብ ሕጊ ሙሴ ወይ ሕጊ መርገም ምምላስ ማለት ኣይኰነን። ነዝስ ካልእ መዓልቲ ኣልዒልና ክንዛረበሉ ኢና።

1. ሥርዓት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን፡ ኣብ ሕጻናት ዘለዋ ሥርዓተ ጥምቀት፡ ወዲ ኣብ 40 መዓልቱ ጓል ድማ ኣብ ሰማንያ መዓልታ፡ ብመሰረት ዘሌዋውያን 12፡1-7 ኩፋሌ 4፡8 ተጠምቕ። (ግብ፡ 10፡33 ግብ፡ 16፡11-15 ግብ፡ 16፡22-34)

  1. ካብ ማይን መንፈስን እንተ ዘይተወልደ ኣብ መንግሥቲ ኣምላኽ ኪኣቱ ዚኽእል የልቦን (ዮሃ፡ 3፡5) ስለ ዚብል እዞም ህጻናት’ውን ኣብ መንግሥቲ ኣምላኽ መታን ኪኣትዉ እዚ መሰል ውልድነት እዚ የድልዮም እዩ።
  2. እቲ ተስፋ ንዓኻትኩምን ንደቁኹምን ነቶም ኣብ ርሑቕ ዘለው ኹሎም እግዚኣብሔር ኣምላኽና ዝጸውዖም ዘበሉ እዩ ዝተዋህበ እሞ…. ኢሉ ሓዋርያ ጴጥሮስ ይምህረና (ግብ፡2፡3-8) ብርግጽ እዚ ዓቢ ጸጋ እዚ ንደቁኩም ስለ ዝብል እዞም ሕጻናት እዚኣቶም ናይዚ ዓቢ ተስፋ እዚ ተማቐልቲ እዮም።
  3. ከምዚ ሕጂ ህጻናት ከይጥመቑ ኢሎም ገለ መማህራን ንህጻናት ዝኽልክሉዎም ዘለዉ፡ ብግዜ ጐይታ’ውን፡ ደቆም ብኢድ ጐይታ ክባረኹሎም ኢሎም፡ ናብኡ ዘምጽእዎም ዝነበሩ ወለዲ፡ ደቀ መዛምርቲ ምስ ረኣይዎም ናብ ጎይታ ከይቀርቡ ከልከልዎም። ጎይታ ግና ኣይተሓጎሰሎምን። “ሕደግዎም ናባይ ይምጽኡ” ድኣ በሎም እምበር፡ ናባይ ክመጹ ኣይግብኦምንሲ ኣይበለን። ወረ መሊሱ ድማ “መንግሥተ ሰማያት ንኸምዚኣቶም ዝኣመሰሉ እያ እሞ ኣይትኸልክልዎም” ኢሉ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ ዝመሃሮ ቓል፡ ነቶም ንሕጻናት ዝኽልክሉ ዝነበሩ ሰባት ዝሃቦ ናይ ተግሳጽን ትእዛዝን ቓል ንሕና’ውን ኣብዚ ዘመንና ከምኡ ንኸይንገብር ክንጥንቀቕ ይግብኣና። (ማር፡10፡13-16) 
  4. ከምቲ ኣብ ቓል እግዚኣብሔር እነንብቦ፡ እቲ ብብሉይ ኪዳን ዝነበረ ብኢድ ሰብ ዚፍጸም ናይ ግዝረት ሥርዓት፡ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ብኢድ ብዘይኰነት ግዝረት ማለት ብጥምቀት ተተኺኡ እዩ። ኣብርሃም ንኺዳን-ግዝረት ብእምነት ኪቕበል ኸሎ ወዲ ሚኢቲ ዓመት ነበረ። ካልኦት ኣብ ዝተፈልየ ዕድመ ዝነበሩ ተባዕትዮ ኣብ ገዝኡ ነይሮም። ኣብቲ ዝነበርዎ ዕድመ ኸኣ ተገዚሮም። ኣብርሃም ኣብ ዝነበረሉ ዕድመ ዘይኰነ ኣብ ቤቱ ዝተወልደ ዅሉ ኣብ ሻሙናይ መዓልቱ ኪፍጽሞ ዝግባእ ኪዳን ኰነ። ክርስቶስ ድማ ንግዝረት ኣብ ሻሙናይ መዓልቱ ፈጸሞ። እዚ ብእምነት ኣብ ዕልቦ ሥጋ ዚፍጸም ኪዳን እቶም ቆልዑ ኣይፈልጥዎን እዮም ነይሮም። እግዚኣብሔር ከኣ እዚ ኣይጠፍኦን። ስለዚ ኣብርሃም ኣብ ርእሱ ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ደቁ’ውን እቲ ኪዳን ናይ ምሕላው ሓላፍነት ነበሮ። ስለዚ ኸኣ እዩ ሙሴ ነቲ ኪዳን ኣብ ውላዱ ስለ ዘይሓለዎ ቝጥዓ እግዚኣብሔር ኣብኡ ዝነደደ (ዘጽ፡ 4፡24-26)። ጥምቀት ከኣ ንግዝረት ዝተክአ ኪዳናዊ ሥርዓት ስለ ዝዀነ፡ እዚ ሓቂ እዚ፡ ኣባናን ኣብ ደቅናን ኪትግበር ግድን እዩ።
  5. እቶም ቀዳሞት ጥምቅት ዘጠምቑ ዝነበሩ ሓዋርያት ዓበይቲ ካብ ናኣሽቱ ኸይፈለዩ ንኹሎም ብጐይታ ዝኣመኑን ካብኦም ዝተወልዱን ብሓባር የጠምቕዎም ብምንባሮም በዞም ዚስዕቡ ጥቕስታት ክንመሃር ንኽእል።
    1. ሊድያ ምስ ኩሎም ስድራ ቤታ (ግብ፡ 16፡15)
    2. ሓላዊ ቤት ማእሰርቲ ምስ ስድራ ቤቱ (ግብ፡16፡33)
    3. ክርስጶስ ምስ ስድርኡን ሰብ ቆሮንጦስን (ግብ፡ 18፡8)
    4. ስድራ ቤት እስጢፋኖስ (1 ቆሮ፡ 1፡16) 
  6. "ንቆልዓ እታ ክኽደላ ዝግባእ መገዲ ኣላምዶ እሞ ምስ ኣረገ ካብኣ ኣይከግልስን እዩ” (ምሳሌ 22፡6) መገዲ ድሕነት ካብ ግዜ ሕጻንነት ዝጅመር ምኳኑ ካብዚ ጥቕሲ እዚ ብንጹር ንርዳእ
  7. ሓደ ሰብ ዘይኣማኒ ዝነበረ ኣብቲ ዘለዎ ዕድመ ኰይኑ ብጐይታ ኢየሱስ ምስ ዝኣምን፡ ኣብታ ዘለዋ እዩ ዝጥመቕ። ከመይሲ እቲ ስሉብ ኢትዮጵያዊ ኣብ ዝነበራ ዕድመ እዩ ዝተጠመቐ።

2. ኣማናዊ ጥምቀት ዝጠልቦ ግዴታ ግና፡ ካብቲ ብባህሪኻ ዘይነበርካሉ፡ ናብ ሓድሽ ሕይወት ትኣቱ ስለ ዘለኻ። 

  • ቅድም ብጐይታ ክትኣምን ግድን እዩ።
  • ሓድነት ሥሉስነት ክትኣምን ክትፈልን ግድን እዩ
  • ቕድሚ ጥምቀት ክትንሳሕ ይግብኣካ፡ ድሕሪኡ ትጥመቕ። (ግብ፡ 2፡38)
  • ንምጥማቕ ዝተወሰነ ደረጃን ዕድመን የብሉን (ማር፡ 16፡16)

8. ብዓበይቶም ዝተጠምቑ

  • ስሉብ ኢትዮጵያዊ (ግብ፡ 9)
  • ቆርኔሎዎስ (ግብ፡ 10፡48)
  • ኣብ ኤፈሶን ዝነበሩ ደቀ መዛምርቲ (ግብ፡19፡5)
  • ሳኦል፡ ሓዋርያ ጳሎስ (ግብ፡9፡18) ንምጥቃስ ይኣክል።
  • ጥምቀት ሓንሳብ ጥራይ እዩ ዝፍጸም

ብዛዕባዚ ዝምልከት መጻሕፍቲ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ገናጺልና እንተ ተመከትና ኣስፊሑ እዩ ዝገልጾ። ብፍላይ ሓዋርያ ጳውሎስ ናብ ሰብ ኤፈሶን ኣብ ዝጸሓፎ መልእክቱ፡ ጥምቀት ሓንሳብ ጥራይ ወይ ሓደ ግዜ ጥራይ ከም ዝግበር፡ ከመልክተና ከሎ “ሓደ ጐይታ ሓንቲ እምነት ሓንቲ ጥምቀት” ከም ዝዀነት፡ ከም ዘይደጋገምን የረድኣና (ኤፈ፡4፡5)።

ብዛዕባ ምልኣት መንፈስ ቅዱስ ምስ እንርእዮ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብተደጋጋሚ መንፈስ ቅዱስ መልኦ ወይ መልኣ ወይ መልኦም ዝብል ቓል ነንብብ ኢና። ነገር ግን ብዛዕባ ጥምቀት ሓንሳብ ጥራይ ከም እተጠምቑ ድኣ እምበር መመሊሶም ወይ ክልተ ሰለስተ ግዜ ከም እተጠምቑ ዘመልክት ጽሑፍ ኣይንረክብን ኢና። እዚ ድማ ዘረድኣና ከምቲ ሓዋርያ ጳውሎስ ዝጠቕሶ ጥምቀት ሓንሳእ ጥራይ ዝፍጸም ስለ ዝዀነ እዩ። እዚ ድማ ምስቲ ጐይታ ዝሞቶ ሞት ዝተተሓሓዘ እዩ።

ክርስቶስ ስለ ሓጢኣትና ሓንሳእ ግናኸ ንሓዋሩ ከም ዝሞተ ከምኡ ኸኣ ንሕና ብጥምቀቱ ሓንሳእ ንኹሉ ግዜ ንሓጢኣት ንመውት። ሞትና ንሞቱ እንተ መሲሉ ኸኣ ብትንሳኤኡ ንሓብሮ ኢና። ክርስቶስ ከም ብሓድሽ ስለ ሓጢኣት ስለ ዘይመውት ንሕና ኸኣ ስለ ሓጢኣት ካልኣይ ክንጥመቕ (ካልኣይ ክንመውት) ኣይከኣለናን እዩ። እቲ ብጥምቀት ንሓጢኣት እንሞቶ ሞት፡ ነቲ ናይ ክርስቶስ ዘይድገም ሞት ምምላሱ ጥራይ ክንጥንቀቕ የድልየና። እቲ ጽሑፍ፡ “ክርስቶስ ድማ፡ ናብ ኣምላኽ ምእንቲ ኼቕርበና ኢሉ፡ ንሱ እቲ ጻድቕ ስለቶም ዓመጽቲ ሓንሳእ ስለ ሓጢኣት ሞተ፡ ብሥጋ ሞተ፡ ብመንፈስ ግና ህያው ኰነ” (1ጰጥ፡ 3፡18)። “ብክርስቶስ ኢየሱስ እተጠመቕና ዘበልና ዂላትና ብሞቱ ኸም እተጠመቕናዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ እምብኣርሲ ኸምቲ ክርስቶስ ብኽብሪ ኣቦኡ ኻብ ምዉታት ዝተንስኤ፡ ከምኡ ኸኣ ንሕና ብሓዳስ ህይወት ምእንቲ ኽንመላለስ፡ ናብ ሞት ብጥምቀት ምስኡ ተቐበርና።” (ሮሜ 6፡3-4) ከም ዝበለ ጽሑፍ፡ ጥምቀት ሓደን ዘየማትእን ዋና ትእዛዝ ንድሕነትና ከም ዝዀነ ኣሚንና ክንቅበሎ ግድን እዩ።

Posted on 1-17-2012

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div