S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ኣገልግሎት ክህነት ካብ ሰማይ ረኸብናዮ

ሥልጣነ ክህነት ንኽልተ ኣገልግሎት ተዋህበ:

ንእግዚኣብሔር፡ ከምቲ መላእኽቲ ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ እናበሉ ለይትን መዓልትን ዘገልግልዎ፡ ከምኡ ከነገልግሎ ተጸዋዕና። ንሰብ፡ህዝበይ ሰኣን ፍልጠት ይጠፍእከም ዝተባህለ፡ ካህን ኣብ ክንዲ ክርስቶስ ኰይኑ ንሰብ ምስ ኣምላኽ ተዓረቑ ክብል ብኣምላኽ ተሰርዐ።

ኣገልግሎት ንሰብ ማለት ሰብ ንእምላኹ ዘፋልጦ ስኢኑ መገዲ ስሒቱ ምስ ኣምላኹ ከይብኣስ፡ ኣብ መንጐ ኣምላኽን ሰብን ኰይኑ ከተዓርቕ ክህነት ተዋህቦ። እቲ ንእግዚኣብሔር ዝግበር ኣገልግሎት ግና ከምቲ ካህናተ ሰማይ ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ እናበሉ ከየባተኹ ዘገልግልዎ፡ ካህናተ ምድሪ ድማ፡ ከየባተኹ ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ እግዚኣብሔር ሓያል እናበሉ ንቅድስናኡ ከገልግሉ ተሰርዑ። ነዚ ብቐዳምነት ዝተዋህበና ምሳሌ፡ እቶም ኣርባዕተ እንስሳን እቶም ዕስራን ኣርባዕን ካህናተ ሰማይ ኪሩቤላትን ሱራፌላትን እዮም። ነዚ ቅዱስ ዮሃንስ ክነግረና ከሎ፡እቶም ኣርባዕተ እንስሳ ድማለይትን መዓልትን ከየቋረጹ፡ እቲ ዝነበረን ዘሎን ዚመጽእን ኲሉ ዚከኣሎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ቅዱስ፡ ቅዱስ፡ ቅዱስ እዩ፡ ይብሉ። እቶም እንስሳ ነቲ ኣብ ዝፋን እተቐመጠ፡ ንዘለኣለመ ኣለም ህያው ኰይኑ ዚነብር፡ ክብርን ስብሓትን ምስጋናን ኪህብዎ ኸለዉ፡ እቶም ዕስራን ኣርባዕተን ሽማግሌታት ኣብ ቅድሚ ነቲ ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎ ፍግም ኢሎም፡ ጐይታናን ኣምላኽናን፡ ንብዘሎ ንስኻ ፈጢርካዮ፡ ስለ ፍቓድካውን ኰይኑን ተፈጢሩን እዩ እሞ፡ ንስኻ ኽብርን ስብሓትን ስልጣንን ንምውሳድ ብቑዕ ኢኻ፡ እናበሉ፡ ነቲ ንዘለኣለም ኣለም ህያው ኰይኑ ዚነብር እናሰገዱ ኣኽሊላቶም ናብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ይድርብዩ ኣለዉኢሉ ይነግረና(ራእ፡ 48-12) ብርግጽ ንሕናውን ክንዲ መላእክቲ ሰማይ ዝኣክል ንጽህናን ቅድስናን እኳ እንተዘየብልና፡ ኣብቲ ቤት ኣምላኽ ዝተሰምየ ዘበለ ኹሉ ብዓቅምና ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ እግዚኣብሔር ሓያል ኣምላኽና እናበልና ከነመስግኖ ኣርኣያ ተዋህበና። ከምኡውን ነብይ ኢሰያስበታ ንጉስ ኡዝያ ዝሞተላ ዓመት ኣነ፡ እግዚኣብሄር ኣብ በሪኽን ልዕል ዝበለን ዝፋን ተቐሚጡ ኸሎ፡ ርኤኽዎ፡ ዘፈራት ልብሱ ኸኣ ነቲ መቕደስ መሊእዎ ነበረ። ኣብ ልዕሊኡ ድማ ሱራፌል ቈይሞም ነበሩ፡ ነፍሲ ወከፎም ሹድሽተ ኽንፊ ኣለዎ፡ በቲ ኽልተ ንገጹ ይኸድኖ፡ በቲ ኽልተ ድማ ነእጋሩ ይኸድኖ፡ በቲ ኽልተውን ይነፍር ነበረ። እቲ ሓደ ኸኣ፡ ቅዱስ፡ ቅዱስ፡ ቅዱስ እዩ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ ኲላ ምድሪ ብኽብሩ መሊኣ ኣላ፡ ኢሉ ኣድሀየ። ብድምጺ እቶም ዘድህዩ እቲ መሰረት ልዳውቲ ኣንቀጥቀጠ፡ እታ ቤትውን ትኪ መልአት። ሽዑ ድማ፡ ከናፍረይ ዝርኹስ ሰብ እየ፡ ኣብ ማእከል እቲ ኸናፍሩ ዝርኹስ ህዝቢ ኸኣ እነብር ኣሎኹ እሞ፡ ወይለይ፡ ኣዒንተይ ንንጉስ፡ እግዚኣብሔር ጐይታ ሰራዊት፡ ርእየን እየን እሞ፡ ጠፋእኩ፡ በልኩ። ካብቶም ሱራፌል ሓደ ድማ፡ ጓህሪ ኻብቲ መሰውኢ ብጒጤት ወሲዱ፡ ኣብ አዱ ሒዙ ናባይ ነፈረ። ብእኡ ኸኣ ኣፈይ ተንከየ እሞ፡ እንሆ፡ እዚ ንኸናፍርካ ተንከዮ፡ ኣበሳኻ ረሐቐልካ፡ ሓጢኣትካውን ጸረየልካ፡ በለ ቤተ ክርስቲያንውን ነዚ ዝተዋህባ ቅዱስ ኣርኣያ ተኸቲላ፡ ሥጋን ደምን ጐይታ ኣብ ትሰርዓሉ ግዜ ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ እናበለት ከተመስግን ትነብር ኣላ። ክሳብ ጐይታ ዝምለስ ድማ ምስጋናኣ ኣየቋርጽን (ኢሳ፡ 6110)

ቀዳማይ ክህነትን መስዋእቱን

ኣመሰራርታ ክህነትን መስዋእቲ ብሉይ ኪዳንን

ክህነት እንተዘይነብር መስዋእቲ ዝብሃል ኣይምነበረን። መስዋእቲ እንተዘይነብር ድሕነት ዝብሃል ኣይምተረኽበን። ነቲ ናብ ድሕነት ዘብጽሕ መስዋእቲ ዝስዋእ ፍሉይ ልኡኽ እንተዘየለ ድማ ኣገባብ ኣማላድነት ምስ ተሳሕተ እሞ፡ ሰብ ንዘለኣለም ሓቀኛ ሥርዓተ ኣምልኾ መጥፈአ። ስለዚ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ብጥበቡ ፍሉያት ሰባት መስዋእቲ ዝስውኡ ኣብ ቅድሜኡ ዝቐርቡ ካህናት ብዝብል መጸዊዒ ዝሓዙ ንዕኡ መዘዘ። መስዋእቲ ስለዘሎ ድማ፡ ንሰብ ምስ እግዚኣብሔር መተዓረቒ ተረኽበ። ካብ ኣምላኽ ዝተላእከ ዝስውእ ካህን እንተዘየለ ግና፡ ንሰብ ምስ ልዑል እግዚኣብሔር መን መተዓርቖ፧

እቲ ዝቐርብ መስዋእቲ ንባዕሉ፡ ቅድም፡ ማለት ቅድሚ መስዋእቲ ብክህነት ምጅማሩ፡ ከምቲ ቃኤልን ኣቤልን ዝገብርዎ ዝነበሩ፡ ሰብ ባዕሉ ናብ እግዚኣብሔር ቀሪቡ፡ መስዋእቲ ገዛእ ርእሱ የቕርብን ይስውእን ነበረ። እንተዀነ ንሱውን ከምቲ ቃኤል ዝገበሮ ኣብ ክንዲ ደም ኣፍሲሱ መስዋእቲ ዘቕርብሲ፡ ነቲ መግቢ ሰብ ዝኾነ ደም ዘይብሉ መስዋእቲ እኽሊ ብምቕራቡ ምስ እግዚኣብሔር ዝተባእሰ፡ ሰብ ትርጉም ዘይብሉ መስዋእቲ እናቕረበ፡ ምስ እግዚኣብሔር እናተባእሰ ምነበረ ነይሩ። ስለዚ መስዋእቲ ቃኤል ጐደሎ ኰይኑ ተረኽበ እሞ፡ ካልእ ዝሓሸ ኣማላዲ ተደልየ (ዘፍ. 43-4) ደሓር ግና ከምቲ ኖህን ኣብርሃምን ዝገበርዎ፡ ካብታ ስድራ ቤት ዝዓበየ ኣቦ ስለ ዝነበረ፡ ኣቦ ስለ ገዛእ ርእሱን ስለ ስድራ ቤቱን መስዋእቲ ምትዕራቕ ምስዋእ ተጀመረ (ዘፍ.820  127  1318)

እዛመስዋእቲእትብል ቓል ንመጀመርታ ጊዜ ኣብ ዘፍጥረት 4.4 ኢና ንረኽባ። እቲ መሰረታዊ ዝብል ሓሳባ ግና ኣብ ዘፍ፡ 321 ተገሊጹ ኣሎ። ቅድሚ ሙሴ መስዋእቲ ምስውኡ፡ እቶም ቀዳሞት ኣቦታት ንእግዚኣብሔር መስዋእቲ ይስውኡ ከም ዝነበሩ ድሮ ኣንቢብናዮ ኣሎና።

ኣብ ሕጊ ኦሪት ማለት ኣብ ሥርዓተ እስራኤል ግና፡ እቲ ብኢድ እግዚኣብሔር ኣብ ጽላት ተጻሒፉ ዝተዋህበ ቓል እግዚኣብሔር (ሬማ) ኣብ ማእከሎም ክነብር ምስ ተዋህቦም፡ ንዕኡ መቐመጢ ዝዀኖ ታቦት ድማ ተዋህቦ። ኣብ መኽደን እቲ ታቦት ድማ ንሰብ ምስ ኣምላኽ ዘተዓርቕ ዝፋን እግዚኣብሔር ብኽልተ ኪሩቤላት ዝተኸበ ነበሮ። ኣብዚ ዝፋን እዚ ኣትዩ ንሰብ ምስ እግዚኣብሔር ዘተዓርቕ ፍሉያት ሰባት፡ ብዘይ ንዕኡ ንኻልእ ዘየገልግሉ፡ ካልእ ዕዮ ምድሪ ከይተረፈ ዘይዓዩ፡ ኣብ ቅድሜኡ ጥራይ ዘገልግሉ ፍሉያት ሰባት ኣብ ውትህድርና ሃገር ዘየገልግሉ ንዝፋን ምትዕራቕ ዘገልግሉ ተሰርዑ። እዚኣቶም ድማ ካብ ዓሌት ኣሮን ዝተወልዱ ጥራይ ኰይኖም፡ ንባዕሎም ተቐዲሶም ክዳን ተኽህኖ ተኸዲኖም፡ ኣብ ቅድሚ ዝፋኑ ቀሪቦም መስዋእቲ ኼቕርቡ ተፈቕደሎም እምበር ኹሉ ነናቱ ክስውእ ኣይተፈቕደን (ዘሁ፡ 310) እቲ ንእግዚኣብሔር ዝቐርብ መስዋእቲ፡ ብቑዕን ዘይብቑዕን ዝምርምሩ እቶም ካህናት ነበሩ።

እቲ ንመስዋእቲ ዝቐርብ ካብ እንስሳን ካብ እኽልን ካብ ፈሳስን እዩ ዚቐርብ ዝነበረ። ካብ እንስሳ እንተዀነ ኸኣ፡ ካብ መንቅብ ዘይብሎም ንጹሃት እንስሳታትን ኣዕዋፍን ብህዝቢ ቀሪቡ ብካህናት ይስዋእ ነበረ። ካብ እኽሊ እንተ ኰይኑ ኸኣ ንጹህ ክርዳድ ዘይብሉ ብህዝቢ ቀሪቡ ንካህናት መግቢ ይኸውን ነበረ። (ዘፍ. 820 ዘሌ. 2217-25) እግዚኣብሔር ንደቂ እስራኤል ኪስውእዎ ዝኣዘዞም መስዋእትታት ሓሙሽተ ዓይነት ነበሩ። ንሳቶም ከኣ፡ ዚሓርር መስዋእቲ፡  መስዋእቲ እኽሊ፡ መስዋእቲ ሰላም፡ መስዋእቲ ኃጢኣት፡ መስዋእቲ በደል ይበሃሉ ነበሩ (ዘሌ. 15)

እቲ ሥርዓተ ኣቀራርባ መስዋእቲ፡ ካብ እንስሳ ምስ ዚኸውን። እቲ እንስሳ ንጹህን መንቅብ ዘይብሉን ክኸውን ነበሮ (ዘጽ. 125 ዘሌ. 2224-25 1ጳጥ. 118-19)

እቲ መስዋእቲ ዜቕርብ ሰብ፡ ኢዱ ኣብ ልዕሊ እቲ ዚስዋእ መስዋእቲ የንብር እሞ (ዘሌ. 14) ከምዚ ብምግባር ከኣ ንገዛእ ርእሱ ምስቲ እንስሳ ሓደ ይገብራ ኸም ዘሎ ብምሳሌ ይገልጽ። እቲ ዚስዋእ ኣንስሳ ኸኣ ሓጢኣቱ ይስከመሉ ነበረ (ዘሌ. 1621 ኢሳ. 536 1ጰጥ. 224)

ዓስቢ ኃጢኣት ሞት ስለ ዝዀነ፡ እቲ ዚስውእ ሰብ ነቲ እንስሳ ኣብ ክንዲ ህይወቱ ክብጀወሉ ይሓርዶ ነበረ (ሮሜ 622-23 እብ. 928)

እቲ ካህን ድማ እቲ ዝስውእ ሰብ ምሕረት ክረክብ ምእንቲ ንደም እቲ እንስሳ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር የቕርቦ ነበረ (ዘሌ. 15  1711 እብ. 912)

እቲ ካህን፡ ካብቲ እንስሳ ዝወጸ ካብ በብዓይነቱ ክፍልታት ሥጋ ወሲዱ መስዋእቲ የሕርር ነበረ። እዚ ኸኣ ምሳሌ እቲ ንኣገልግሎት ኣግዚኣብሔር ዚውፈ ዘሎ ሰዋኢ ይከውን (ዘፍ. 821 ሮሜ 121 2ቄረ፡ 214-16 ኤፈ፡ 52)

እንሓንሳብ ድማ እቲ ካህን ካብቲ እቲ ሰዋኢ ዘሕርሮ ሥጋ ወሲዱ፡ ኣብ ጥቓ መሰውኢ ዀይኑ ይበልዕ። እዚ ኸኣ ብመሰረት እቲ መስዋእቲ፡ እቲ ካህን ምስ እግዚኣብሔር ሕብረት ከም ዘለዎ የርኢ ነበረ (1ቄረ. 1014-22 ይሁዳ 12) እዚ ኹሉ ግና ናብ ክርስቶስን ናብ መስቀሉን ዘማዕዱ ነበረ። ብዛዕባ እዚ ዝምልከት ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ኣስፊሕና ክንዛረበሉ ኢና።

ፍሉያት ኣማለድቲ

ሕጊ ምስ ተዋህበ ኣሮንን ደቁን ኣብ እስራኤል ካህናት ኪዀኑ ተመርጹ (ዘጽ፡ 281) ብጀካ ስድራ ቤት ኣሮን እቶም ካልኦት ዓሌት ሌዊ ኣብ መቕደስ እኳ የገልግሉ እንተ ነበሩ፡ መስዋእቲ ከቕርቡ ኣይተፈቅደሎምን። (ዘሁ፡ 35-10) ሓደ ሓደ ጊዜ ግና ካብ ደቂ ኣሮን ዘይኰኑ ካልኦት ሰባትውን፡ ከም ብዓል ጊዴዎን፡ እግዚኣብሔር ርእሱ እንተ ድኣ ገሊጹሉም መስዋእቲ ይስውኡ ከም ዝነበሩ ነንብብ (ምሳ፡ 618-26 1316) ከምኡውን ካህናት እግዚኣብሔር ምስ ጠፍኡ፡ ኤልያስ ባዕሉ መስዋእቲ ከም ዝሰውኤ ነንብብ (1ነገ፡ 1830) ካብ ደቂ ኣሮን ጕድለት ዘለዎ ሰብኣይ እንተ ተረኽበ፡ ብክህነት ከገልግል ኣይፍቀደሉን ነበረ (ዘሌ፡ 2116-24) ኣሮንን ደቁን ኪሽየሙ ኸለዉ፡ ንምልክት ፍሉይነቶም፡ ብበዓይነቱ ዘንጸባርቕ ኣልባሳት ይለብሱ ነበሩ፡ ንምልክት ቅድስናኦም ድማ ብዘይቲ (ሜሮን) ይቕብኡ ነበሩ (ዘጽ፡ 2840 ዘሌ፡ 8) በቲ ጊዜ እቲ ስራሕ እቶም ቅዱሳት ካህናት፡ ቅድስናኦም ከይረክስ፡ ኣብ መቕደስ ከገልግሉ ጥራይ እምበር ካልእ ኣገልግሎት ከየገልግሉ ወይ ክይዓዩ ኩልኩላት ነበሩ (ዘህ፡ 1640 185) ንህዝቢ ሕጊ እግዚኣብሔር ክሕልዉ ክምህሩ (2ዜና. 13 ህዝ. 726) ብኡሪምን ብቱሚምን ጌይሮም ፍቓድ እግዚኣብሔር ክጥይቁ (ዘጽ፡2830 እዝ፡263) ንተላጋቢ ሕማማት ዘለዎም ሰባት ክፍውሱ ተሰርዑ (ዘሌ፡ 131-3) እቲ ዝዓበየ ስርሖም ግና ኣገልግሎት ቤተ መቕደስ ነበረ። ንኣገልግሎት ቤተ መቕደስ ኣብ ሰለስተ ኽንከፍሎ ንኽእል፡

መዓልታዊ ኣገልግሎት፦ ንጕሆን ምሸትን ዚሓርር መስዋእቲ ምስዋእን፡ ነቲ ኣብ ቅድስቲ ዝነበረ ቀንዴል ምብራህን ዕጣን ምዕጣንን ከምኡ ኸኣ፡ ነቲ በብዓይነቱ ምእመናን ዘምጽእዎ መስዋእቲ ምቕራብን ነበረ (. 2938-39  3017-8)

ሰሙናዊ ኣገልግሎት፦ ሰንበተ - ሰንበት በብሽዱሽተ ኣብ ክልተ መስርዕ ኣብ ሰደቓ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር እንጌራ ምንባር (ዘሌ. 245-9)

ዓመታዊ ኣገልግሎት ብመዓልቲ ዕርቂ ዚግበር ፍሉይ ኣገልግሎት (.16)

እዚ ኹሉ ድማ ኣብ ቅድስቲ ይፍጸም ነበረ፡ ማለት ኣብታ ቀዳመይቲ ቦታ ብኽንየው እቲ ኻልኣይ መጋረጃ ግና ኣብቲ ድንኳን፡ ቅድስተ ቅዱሳን፡ እትብሀል ነበረት። ኣብኣ ጽንሃ ወርቅን ብዂሉ ወገኑ ብወርቂ እተለበጠ ታቦት ኪዳንን ነበረ እሞ፡ ንሱ ነተን ማና ዝሐዘት ፍዮ ወርቅን ዝጠጥዐት ዘንጊ ኣሮንን ጽላት ኪዳንን ዚሕዝ ነበረ፡ ኣብ ልዕሊኡ ድማ ነቲ መንበር ጸጋ ዜጽልለሉ ናይ ክብሪ ኪሩቤል ነበሩ። (እብ 9:3-5) ስለዚ ድማ ሓዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ ቀዳማይ ኦሪታዊ ቤተ መቕደስ ክዛረብ ከሎ፡ ደጊም ነቲ ቐዳማይ ኪዳን ድማ ንኣገልግሎት እግዚኣብሄር ንምድራዊ መቕደስን ሕጋጋት ነይርዎ። ድንኳን ተተኺሉ ነበረ እሞ፡ ኣብታ ቕድም እትርከብ፡ ቅድስቲ፡ እትብሀል ክፍሊ ቐንዴል ሰደቓን እንጌራታት ምርኣይን ነበራ እናበለ ይምህረና (እብ 9:1-2)

እዚ ብሓጺር ኣብ ብሉይ ኪዳን ዝረኤናዮ ሥርዓተ መስዋእቲ፡ ክሳብ ክርስቶስ ዝመጽእ ኰይኑ ናብቲ ብክርስቶስ ዝተፈጸመ መዋእቲ ሓድሽ  ኪዳን ዝጠመተ ነበረ። ብኽብሪ ድማ ይስራዕ ነበረ። እሞ እቲ ጽላሎት ዝዀነ መስዋእቲ ክሳብ ክንድዚ ዝኣኽል ሥርዓትን ክብርን ካብ ነበሮ፡ እቲ ሓቀኛ ኣብ ሓድሽ  ኪዳን ዝፍጸም ዘሎ መስዋእቲ ድኣ ክንደየናይ ካብኡ ንላዕሉ ኣጸቢቑ ዘይከብር። ኣብቶም ቀዳሞት ካህናት መንፈስ ቅዱስ ኣይሓደረን። ኣብዞም ኣገልገልቲ ሓድሽ  ኪዳን ዝዀኑ ካህናት ግና፡ መንፈስ ቅዱስ ሓደሮም። እሞ እቶም መንፈስ ቅዱስ ዘይሓደሮም ኣገልገልቲ፡ ክሳዕ ክንድዚ ክብሪ ካብ ተዋህቦም፡ እቶም መንፈስ ቅዱስ ዝሓደሮም ግዳ ክሳዕ ክንደይ ክብሪ ዘይግብኦም። እቶም ቀዳሞት መስዋእቲ እንስሳን ካልእ ፍረ ምድርን ይስውኡ ነበሩ። እዞም ኣብ ሓድሽ  ኪዳን ዝስውኡ ካህናት ግና ነቲ ዘይሓልፍ ሥጋን ደምን ክስውኡ ተፈቕደሎም። እምብኣር እቶም ቀዳሞት ፍሉያት ኣማለድቲ መስዋእቲ እንስሳ ከቕርቡ፡ ክሳዕ ክንዲቲ ዝኣክል ጥንቓቐን ፍሉይነትን  ክገብሩ ካብ ተሓቱ፡ እዞም ብፈቓድ መንፈስ ቅዱስ ነቲ ኣዝዩ ዝኸበረ ደምን ሥጋን ወዲ ኣምላኽ ከቕርቡ ዝግብኦም ፍሉያት ኣማለድቲ ግዳ፡ ከመይ ኢሉ ብሓደ ኢዶም ሥጋ ምራኽ ብሓደ ኢዶም ድማ ሥጋ ወዲ ኣምላኽ ክሰርሑ ይግባእ፧ እቲ ሓቅስ ብብዙሕ ጥንቓቐ ዝመላላለሱ ንመንፈስ ቅዱስ ዝምእዘዝዙ ክኾኑ ድኣ ይግባእ።

ሥርዓተ ክህነት ደቂ ሌዊ

ብርግጽ ቀዳማይ ካህን ደቂ እስራኤል ሙሴ ባዕሉ እዩ ዝነበረ። ንኽብሪ እግዚኣብሔር ድማ መስዋእቲ የዕርግ ነበረ። ደቂ እስራኤል ንኣምላኾም ክብድሉ ከለዉ ድማ፡ ኣብ ሞንጐ ደቂ እስራኤልን እግዚኣብሔርን ኰይኑ የማልድ ነበረ። ዳሕራይ ግና እግዚኣብሔር ንኣገልግሎት ኪዳኑ ክብል፡ ንክህነት ነባርን ቀጻልን ክገብሮ ስለ ዝደለየ፡ ብኢድ ሙሴ ገይሩ ንደቂ ሌዊ ካህናት ክዀኑ ቀብኦም። ብፍላይ ድማ ነቲ ካብ ዘርኢ ሌዊ ዝዀነ ኣሮን ካብ ኣሕዋቱ ፈልዩ፡ ንሱን ደቁን ካህናት እግዚኣብሔር ክዀኑ ልብሰ ክህነት ኣልቢሱ ብሜሮን ቀቢኡ ቀደሶም።

ሥራሕ ሊቃነ ካህናት

እቲ ምስሊ ክርስቶስ ኰይኑ ዝሽየም ዝነበረ ሊቀ ካህናት፡ ሸውዓት ክፍጽሞም ዝተዋህብዎ ስራሕ ነበሩዎ፡ ንሳቶም ድማ እዚም ዝስዕቡ እዮም።

1) ንምትዕራቕ ሓጢኣት ዝኸውን መስዋእቲ ከቕርብ (ለዋ፡ 16)

2) ዕጣን ክዓጥን (ለዋ፡ 16:12,13)

3) ንእከይ ከውግዝ (ለዋ፡ 13:2)

4) ንህዝቢ ፍቓድ እግዚኣብሔር ኽእውጅ (ዘሁ፡ 27:21)

5) ንዝተመሳቀሉ ጉዳያት ክፈትሕን ክውስንን (ዘዳ፡ 17:8-12 19:17 21:5)

6) ንስም እስራኤላውያን ኣብ መንኩቡን ኣፍ ልቡን ገይሩ ክውክል (ዘጽ፡ 28:9-29)

7) ንህዝቢ ብስም እግዚኣብሔር ክምርቕ (ዘህ፡ 6:23-26, ዘዳ፡ 21:5)

እዚ ሎሚ ኣብ ምድሪ ዘሎ ኣገልግሎት ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ እዚ ሽውዓተ ኣገልግሎት እዚ ዝተተሓሓዘ እዩ።

1) ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ስለ ሓጢኣትና ዕርቂ ገበረ (እብ፡ 7:25)

2) ንእከይ ገንሖ (2 ጢሞ 4:1)

3) ናይ ኣምላኽ ንኣምላኽ ናይ ቄሳር ንቔሳር ኢሉ ዝተመሳቐለ ፈላለየ፡ (ማቴ፡ 2221)

4) ብቓላቱ ገይሩ ፍቓድ እግዚኣብሔ ኣወጀ (እብ፡ 1:2)

5) ንመገድናን ሕልናንን ፈረደ (እብ 4:13)

6) ንህዝቡ ወከለ (እብ፡ 9:24)

7) ኣብ ሓጺር ግዜ ምስ መጸ ድማ ንህዝቡ ብናይ ዘለኣለም በረኸት ገይሩ ክባርኾም እዩ። (እብ፡ 9:28)

እዚ መዓርግ እዚ ቅድም ንኣሮን ድሕሪኡ ከኣ ነቶም ቀንዲ ዘርኢ ኣሮን ዝዀኑ ጥራይ ተዋህበ። ቅድም ሽመት ሊቀ ካህናት ክሳዕ ጊዜ ሞት ዚውሃብ ሽመት ነበረ። ድሓር ግና እቶም በብእዋኑ ዝመጹ ዝነበሩ ባዕዳውያን ነገሥታት እስራኤል፡ ብፈቃድ እግዚኣብሔር ዘይኰነ ብፈቃዶም፡ ከም ድላዮም ሊቃነ ካህናት ክሾሙን ክስዕሩን ከም ዝጀመሩ ነንብብ። ብኢደ ወነኖም ኣብቲ ንሳቶም ዘይሰርዕዎ ሥርዓት እግዚኣብሔር የእዳዎም የእትዮም ክሕምዝቁዎ ምስ ጀመሩ ድማ፡ እግዚኣብሔር ንደቂ እስራኤል ምዝራብ ኣቋረጸ። እግዚኣብሔር ምዝራብ ስለ ዘቋረጸ ድማ ንጥፍኣቶም ኣቀላጠፈሎም እምበር ኣይቀነሰሎምን። ንኣብነት ኣብ ጊዜ ክርስቶስ እኳ እንተረኤና፡ ሃናን ቀያፋን ዝተባህሉ ብመንግሥቲ ሮሜ እተሾሙ ሊቃነ ካህናት ከም ዝነበሩ ነንብብ (1ነገ፡226 ሉቃ፡ 32) ብዝዀነ እቲ ሊቀ ካህናት ዝለብሶ ዝነበረ ኣልባሳት ብጥበብ ብልሓተኛ እተሰርሔ ነበረ። ንሱ ኸኣ፡ ኡሪምን ቱሙምን እተሰዅዖ ሳንቓ ኣፍ ልቢ፡ ናይ ኤፎድ ቀምሽ፡ ዓንጥዓንጠራይ ቀምሽ፡ መጠምጠምያ፡ንግዚኣብሔር እተቐደሰዚብል እተቐርጾ ወርቂ ኣኽሊልን ቅናትን ከም ዝነበሮ ነንብቦ (ዘጽ፡ 28 1-39)

ንስኻ ኸኣ ንሓውካ ኣሮን፡ ደቁ ድማ ምስኡ፡ ኣሮንን ደቂ ኣሮን ከኣ፡ ናዳብን ኣቢሁን ኣልኣዛርን ኢታማርን፡ ካህናት ኪዀኑኒ፡ ካብ ማእከል ደቂ እስራኤል ናባኻ ኣቕርቦም። ንኣሮን ሓውካ ድማ ንኽብርን ንጌጽን ዚኸውን ቅዱሳት ኣልባስ ግበረሉ። ንስኻ ድማ ነቶም መንፈስ ጥበብ ዝመላእክዎም፡ ብልቦም ፈላጣት ዝዀኑ ዂሎም ንኣሮን፡ ካህነይ ንምዃን ኪቕደስ፡ ኣልባስ ኪገብሩሉ ንገሮም” (ዘጽ፡ 281-3)

እቲ ዚገብርዎ ኣልባስ ከኣ እዚ እዩ፡ ሳንቃ ኣፍ ልብን ኤፎድን ቀሚሽ ላዕልን ዓንጥዓንጦራይ ቀሚሽ ታሕትን መጠምጠምያን ቅናትን፡ እሞ ካህነይ ኪኸውንሲ፡ ንሳቶም ወርቅን ሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን ልሕጺ እንጣጢዕን ወሲዶም፡ ንሓውካ ኣሮንን ንደቁን ቅዱስ ኣልባስ ይግበሩሎም” (ዘጽ፡284-5)

ምሳሌ

1) ወርቂ፡ ክብሪ ክርስቶስ፡

2) ሰማያዊ፡ ቅድስና ክርስቶስ፡

3) ሓምራይ፡ ንግሥነት ክርስቶስ፡

4) ጽሩይ ቀይሕ፡ መስዋእቲ ክርስቶስ ይምስሉ ነበሩ።

ሙሴ ከኣ ንኣሮንን ንደቁን ኣምጺኡ ምልክት ገበረሎም

1) ምልክት ንጽህናኡ፡ብማይ ሓጸቦ፡

2) ምልክት ክብረቱ፡ ንኣሮን ቀሚሽ ኣልበሶ፡

3) ምልክት ሓይሊ መንፈስ ከርኢ፡ ቅናት ኣቐነቶ፡

4) ምልክት ንግሥነቱ፡ ካፓ ኣልበሶም፡

5) ምልክት ክህነት፡ ኣብ ልዕሊኡ ኤፎድ ገበረሉ፡

6) ንኣምላኽ ከም ዝተፈለየ ክፈልጥ ኣብ መጠምጥሚያኡ ንኣምላኽ ዝተፈልየ ዝብል ጸሓፈሉ፡

7) መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልዕሌኡ ከም ዘሎ ክፍልጥ ድማ ኣብ ርእሱ ቅድው ዘይቲ ኣፍሰሰሉ፡ ብኣኡ ገይሩውን ይቀደስ (ዘጽ፡281-43) እዚ ዝቕድስ ዘይቲ እዚ እቲ ሕጂ ሜሮን እንብሎ ዘሎና እዩ። ንሱ ድማ በቲ ዝርአ ጌርካ ነቲ ዘይርአ መንፈስ ቅዱስ መውሃቢ እዩ።

ኣሮን ኪሽየም ከሎ፡ ሙሴ ንኣሮን ኣልባሳት ኬልብሶን ብዘይቲ ገይሩ ኪቐብኦን ተኣዘዘ (ዘጽ፡291-9) እቲ ሊቀ ካህናት ከኣ ቤተ መቕደስ ዜመሓድርን ንካህናት ዚቈጻጸር በዓል መዚ ነበረ (1ሳሙ፡ 312-13 2ነገ፡ 127 224) ብተወሳኺ ሊቀ ካህናት ሊቀ መንበር ባይቶ ኰይኑ የገልግል ከም ዝነበረ ድማ ነንብብ (ማቴ፡ 2657-65) ኣቲ ሊቀ ካህናት ብመዓልቲ ዕርቂ (ያም ኩፑር) ፍሉይ መስዋእቲ ደም ሒዙ ንህዝቢ ምስ እግዚኣብሔር ከተዓርቕ ናብ ቅድስተ ቅዱሳት ኣትዩ ኣብ መኽደን መተዓረቂ (መኽደን ታቦት) ደም ይነጽግ ነበረ (ዘለ፡ 16) ሕጂ ግና ክርስቶስ ሓንሳብ ንሓዋሩ ዝተሾመ ሊቀ ካህናት ስለ ዝዀነ፡ ሓንሳብ ርእሱ ሰዊኡ ናብታ ሰማያዊት መቕደስ ኣተወልና (እብ፡ 91-28 1012-21)

ሥራሕ ካህናት ደቂ ሌዊ

ካህናት ሕጊ ኦሪት ንህዝቢ የስተምህሩ፡ ይባርኹ፡ መሥዋእቲ የዕሩጉ፡ ቤተ- መቅደስ ይዓጥኑ ከምኡውን ዳኛታት ኰይኖም ንሕዝቢ ይፈርዱ ነበሩ።

ሥራሕ ሌዋውያን

ሌዋውያን ኣብ ሥርዓተ ኣምልኾ ብፍላይ ኣብ መሥዋእቲ ምቕራብ ንካህናት ይሕግዙ፡ መዛሙር ይዝምሩ፡ ቤተ - መቕደስ ይሕልዉ ነበሩ። ድንኳን ምርኻብ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ክጐዕዝ ከሎ ድማ ድንኳን ምትካልን ምንቃልን ስርሖም ነበረ።

መነባብሮ ደቂ ሌዊ

ደቂ ሌዊ ከምቶም ካላኦት ነገድ መሬት ኣይተኸፍሉን፡ ኣብ ፈቐዶ ዓድን ከተማን ኣብ ማእከል ካልኦት ነገድ ፋሕ ኢሎም ኪነብሩ ካብ ነገድ እስራኤል ነፍስ ወከፍ ሥድራ ካብ ዝረኸብዎ እኽሊ ጥራይ ኣብ ዓመት ዕሽር ይኸፍሉዎም ካብ ዝተሠውኤ ድማ ይካፈሉ ነበሩ። ሓንሳብ ንእግዚኣብሔር ሰለ ዝተቐደሱ ድማ ኣብ ውትህድርና ኣየገልግሉን።

 

/ ሽሞንዲ ኃይለ

ይቕጽል

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div