S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ርሑስ በዓለ መስቀል

ርሑስ በዓለ መስቀል

ፈቐዶኡ፡ ሊባ ምዕራብ

መስዕ ባሕር ደቡብ

ምሥራቕ ሰሜን ኣዜብ

ዘሎኹም ናተይ ሕዝቢ፡

ሓደራትኩመ ናተይ ሕዝቢ

መዓላትኩመ ናተይ ሕዝቢ

መስተርሆ ይኹንኩም መግቢ፥

እንቋዓነይ ኣብጽሓኩም ንመስቀለ

ሕንቋዓነይ ኣብጽሓኩም ንመስቀለ

እወ ቅዱስ በዓል መስቀለ

ዕጸ-መስቀል ኣማኑኤለ፡

ወሃቢ-ሕይወት መስቀለ

ንጊጉይ ዚመልስ ዜመቕለለ

መስቀለወ ዜጥፍእ ሸቀልቐለ፥

መስቀል ኣብ ልዳት

መስቀል ኣብ ኣፈቤት

መስቀል ኣብ ምድሪቤት

ግርማዩ ግርማ እምነት

ወሃቢ ሰላም ቅሳነት

ወሃቢ ፍሰሓ ሓሴት

ፍቕሪ፡ ዝኽሪ ስቕለት

ኣቱም እተልብሱ ኅስረት

ዜይብልኩም ሒንዳ ሃይማኖት፥

መኣዝ ኮይኑ ምጥዓውነት

ምስላም ትእምርተ-እምነት

መግለጺዩ መግለጺ ሃይማኖት

ዜዘኻኽረኒ ናየሱሰይ ስቕለት

ኬንጽህ ናተይ ኃጢኣት

ትስዕምዶ ስእሊ ወለድኻ

ኪትገልጽ ፍቕሪ ወለድኻ

ኃው እታይ ድኣ ጐነፈካ

ምስዓም መስቀል ፈጣሪኻ

መድኃኒ፡ የሱስ ጐይታኻ

ኪትስዕም ጽያፍ ዝስምዓካ

ኪትስዕም ጽያፍ ዝስምዓካ

ኣይነበብካንዶ ደም ክውሕዘ

ኣይነበብካንዶ ማይ ክውሕዘ

ካብ መድኃኒና ኪውሕዘ፡

ተሰቒሉ ከሎ ዝውሓዘ

ነዙይ ኬይትርኢ ዜዐንዝዘ

ነዙይ ኬይተስተውዕል ዜፍዝዘ

ኣይውረድ ልቢኻዶ ተገርዘ፥

ስግደተይዩ ስግደትጸጋ

ስምብራት ኣይትግደፈሉ ኣርጋ

ኣይትመናጭቶ ከም ስጋ፡

ምጥዓውነት ኣይንታየይን ብኣጋ

ክነግረካ ኣይንታየይንዩ ብኣጋ

ስግደተ-ኣምልኾይ የብሉን ዳርጋ

ስግደተ-ኣምልኾይ የብሉን ዳርጋ

ንመስቀል ክስዕም ኪሰጋግደ

የዘኻኽረኒ ኬይከውን ይሁዳ

ኬይከውን ካልኣይ ይሁዳ

ንጐይታ ዝሸጠ ይሁዳ

ኣስቆርታዊ ጠላም ይሁዳ

ንሱዩቱ ሓቁ ኰርዒዳ

ኣይትቑርመማ ልገባ ኰርዒዳ፥

ንመስቀል ክሰግደ ኪሰዓዕመ

የዘኻኽረኒ ብኃጢኣት ኬይሓምመ

ኬይለዋወስ ደጊመ ኬይሓምመ፡

የዘኻኽረኒ ሔዋን ኣዳመ

የዘኻኽረኒ ዳግማይ ኣዳመ

ጐይታይ መስቀል ዝተሸከመ፥

ንኣይ ቢሉወ ዝተሸከመመ

ኣኽራናት ጐላጕል ኪለብሰ

ዕንባባ መስቀለ ኪለብሰ

ኣብናይ ቀደም ኪምለሰ

ሃገርና ሰላም ኪትለብሰ

ኣኅዋት ብክርስቶስ ንተሓደሰ

ኪንጽዋዕ ሓዋርያት የሱሰ፥

' ምእንታና ስጋ ዝለበሰ

'ተጸወርክዎ ነይብሉ ክብደት

ኃይሊ ኢዩ ናቱ ሕመረት

ፈውሲውነ ናቱ ሕመረት

መድኃኒት እወ መድኃኒት

ከመቅጽበት እወ መድኃኒት

ንቀዳሚት ዜይኮነ ንካልኢት

' ሓዋራዊ መድኃኒት፥

ንልቢ ኣይገበሮ መሃርሃሪ

ኃው ኣይትእጐደሉ ጓህሪ

ነውሪዩ ኣመና ነውሪ

ይሕሸካ ክርስቶሳዊ ፍቕሪ

ስለዝኾነ ዘለዓለማዊ ፍቕሪ

ብመስቀል ዝገለጾ ፍቕሪ

ብመስቀል ዝገለጾ ፍቕሪ

ንኣይ ንኣኻን ኬጽሪ

ደጊመ ደጋጊመ ርሑሰ

ደጊመ ደጋጊመ ርሑሰ

ንሃገርውነ ኣኸዛ ራሕሲ

ንሃገርውነ ኣኸዛ ራሕሲ

ንዓለምውነ ራኅዋ ራሕሲ

ብመስቀል ዝመጽእ ራሕሲ

ይኹንኩም ራኅዋ ራሕሲ።

 

አኮቴት

 

ኣስተውዕሎ።

ሊባ = Southeast

መስዕ = Northeast

ባሕር = Northwest

ኣዜብ = Southwest

ሕንቋዕ = እንቋዕ እሰይ

ምጥዓውነት = Idolatry

ተገርዘ = ብምህማል (ስኣን ኣቃልቦ) ናቱ መሲልዎ ተጸንበረ

ስግደተ-ጸጋ = Proskynesis

ስግደተ-ኣምልኾ = Lateria

መሃርሃሪ = bar for instance for a door

 

ስብሐት ለእግዚአብሔር ዘሎቱ ስብሐት ወክብር ለዓለመ ዓለም አሜን ወአሜን ለይኩን ለይኩን።

 

ሰላም እግዚኣብሔርን ጽላል ኣዴና ኪዳነ ምሕረትን ምሳኻትኩም ይኹን እናበልኩ ልባዊ ሰላምታይ ኣቕርበልኩም።

ወልደ ጻዕዳ-እምባ ገዳም ስላሴ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div