S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ትንሣኤከ  ለእለ  ኣመነ ብርሃነከ  ፈኑ  ዲቤነ

እዚ ቃላት` በዓለ-ትንሣኤ ብዝመጸ ቁጽሪ፣ ኣብ ቤተ-ክርስቲያናትና ብጣዕመ ዜማ ተሰንዩ ክበሃል ዝስማዕ ቃል`ዩ። ብርሃንን ሰላምን ቅሳነትን ዘለዎ በዓል ንክኸውን፣ ብምምናይ ወይ ተስፋ ብምግባር ዝበሃል ቃል ምዃኑ ከኣ፣ ከም ርዱእ ክውሰድ ዝከኣል `ዩ። ከመይሲ ካብ ብርሃንን ሰላምን ንላዕሊ፣ ዝምረጽ ካልእ ነገር ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን። ብመሠረቱ`ውን ናይ ጎይታና ምምጻእ፣ ነታ ኣብ ጸልማትን ጽላሎት ሞትን ኣትያ ትርከብ ዝነበረት ዓለም፣ ብርሃን ንምዃን ከም-ዝነበረ ኣብቲ ቅዱስ ጽሑፍ ተነጊሩ ኣሎ። (ሉቃ-1/79)

ስለዚ`ውን ሕጂ ንሕና ከም ሕዝበ-ክርስቲያን፣ ኣብ ዋዜማ በዓለ-ፋሲካ ንርከብ ከም ምህላውና መጠን፣ ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ክንብሎ ዝጸናሕና ኩሉ፣ ሎሚ`ውን ብርሃነከ ፈኑ ዲቤነምባልና ዝተርፍ ኣይኮነን። ከመይሲ እቲ ንነብሮ ዘሎና ሕይወት፣ ካብ ምጽልማቱ ዝተላዕለ ከቢዱና ስለ-ዘሎ፣ ብርሃንካ ለኣኸልና ኢልና ካብ ምምህላል ዝሓይሽ፣ ካልእ ምርጫ ከም-ዘይብልና ስለ-ንፈልጥ ኢና። ግዳስ እዚ ቃል` ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት ኩሉ ክበሃል ጸኒሑ`ዩ። እቲ ብሃረርታን ብናፍቖትን እንጽበዮ ዘሎና ብርሃን ግና፣ ሕጂ `ውን ክመጽእ ኣይከኣለን ዘሎ።

እምበኣር ስለምንታይ ኮን ይኸውን-? ኢልና፣ ነቲ ጉዳይ ወይ ጸገም ምርኣዩ ከድልየና እዩ። ከመይሲ ኣብቲ ካብ 60-ታት ጀሚሩ ክሳብ 90-ታት፣ ኣብ ሃገርና ዝካየድ ዝነበረ ውግእን ሳዕቤናቱን፣ ኣብ ልዕሊ እቲ ውጹዕ ዝኾነ ሕዝብና፣ ብቐጻሊ ከውርዶ ዝጸንሐ  ኣደራዕ፣ ክሳብ ክንደይ ዝኣክል ከቢድ ፈተና ኮይኑዎ ብምጽንሑ ምኽንያት፣ እቲ ውጹዕ ሕዝብና እቲ ጸልማት ለይቲ` ክወግሓሉ ብምምናይ፣ ናብ ቤት-ኣምላኽ ቀሪቡ ዘእወዮ ኣውያት ቀሊል ኣይነበረን። እቲ መዓት` ክውደኣሉ ብምምናይ`ውን፣ ኣብ ቀጻሊ ምህልላን ጸሎትን ተጸሚዱ ምጽንሑ ዝፍለጥ እዩ። እቲ ናይ ሽዕኡ ብምህልላ ዝተሰነየ ኣውያት ከኣ፣ ሰማየ ሰማያት ዓሪጉ ኣብ መንበረ-ፀባዖት ስለ-ዝበጽሐ፣ ብምሕረት` ሕያው ዝኾነ ኣምላኽ፣ ናይ ምሕረት ፀሓይ በሪቓ ንሕና`ውን ከም ሕዝብን ከም ሃገርን መጠን፣ ናይ ነፃነት ኣየር ከነተንፍስ ብምብቃዕና ምኽንያት፣ መዓትናን ጸበባናን ተወዲኡ ብምባል፣ ተመስገን-!! ኢልና ነቲ ሕያው ዝኾነ ኣምላኽ ምምስጋንና ዝፍለጥ እዩ።

ስለዚ`ውን ከምቲ “-ተፈሣህነ ወተሓሠይነ በኩሉ መዋዕሊነ። ወተፈሣህነ ህየንተ መዋዕል ዘኣህመምከነ፣ ወህየንተ ዓመት እንተ ርኢናሃ ለእኪት-” ተባሂሉ ዘሎ። ንሕና`ውን ከም ምሕረት እግዚኣብሔር ዝተገብረልና ሕዝቢ መጠን፣ ናብቲ ቅዱስ ቤቱ ቀሪብና፣ ክብርን ምስጋናን ውዳሴን ግርማን፣ ንመለኮታዊ ክብሩ ከነቕርብ ይግባእ ከም-ዝነበረ፣ ምንም ዘተሓታት ኣይኮነን። ንሕና ከም ሕዝቢ ግና፣ ንኣምላኽን ቤት-ኣምላኽን ግዲ ዘሎና ሕዝቢ ኴንና ክንርከብ ኣይከኣልናን። ነቲ ኩሉ ዝተገብረልና ኣምላኻዊ ረድኤት`ውን፣ ኣብ ግምት ከነእትዎ እንደሊ ኴንና ኣይተረኸብናን። እዚ ኩሉ` ከኣ እቲ ኣብ ባይታ ግልጺ ኮይኑ ዝርአ ዘሎ ሓቂ`ዩ። (መዝ-90/14-15)

እምበኣር ከምቲ ኣብ ላዕሊ ክንሰምዖ ዝጸናሕና ቃል ኣምላኽ ተባሂሉ ዘሎ “-ኣብ ክንዲ ` ንነዊሕ ዓመታት ክበጽሓና ዝጸንሐ ስቓይን መከራን ኩሉ፣ ሕጂ ብዝገበርካልና ግብሪ ምድኃን ተሓጒስና። ኣዚና`ውን ደስ ኢሉና ኣሎ-” ከም ምባል ዘስምዕ ትርጉም እዩ። እወ እቲ ሕያው ዝኾነ ዘለዓለማዊ-ኣምላኽ፣ ጸሎት ሕዝቡ ዘይሰምዕ ኣምላኽ ኣይኮነን። ከመይሲ እቲ ቅዱስ ቃሉ “-ለምኑ ክወሃበኩም፣ ኳሕኩሑ ክረሓወልኩም እዩ። ከመይሲ ዝለመነ ኩሉ ይቕበል፣ ዝደለየ ይረክብ፣ ዝዃሕኲሐ ድማ ይረሓወሉ-” እዩ ዝብል እቲ ቅዱስ-ጽሑፍ። (ማቴ-7/7)

ከመይሲ እቲ ካብ 60-ታት ጀሚሩ፣ ክሳብ 90-ታት ዝነበረ ኩነታት ሃገርና፣ ሰላም ብምርሓቑ ምኽንያት፣ ናይ ጸበባን መከራን ዓመታት ከም-ዝነበረ፣ ከቶ ክርሳዕ ዝኽእል ኣይኮነን። ኣብቲ እዋን` ድማ ንሕና ከም ሕዝቢ፣ ረድኤት ኣምላኽ ንምድላይ “-ስምዓነ ኣምላክነ ወመድኃኒነ፣ -ክርስቶስ-!! እናበልና ማዕጾ ቤት-ኣምላኽ ብቐጻሊ ክንኲሕኲሕ፣ ዘሕለፍናዮ ግዜ ክንደይ` ብዙሕ`ዩ። ከመይሲ ኣብቲ ሽዕኡ እዋን፣ መሬት ከም ኣፍ ዑንቂ ጸቢባ ዝነበረትሉ ግዜ፣ ምሉእ ጠመተ ሕዝብና ኣብቲ ኩሉ ዝኽእል ኣምላኽ ከም-ዝነበረ፣ ዘተሓታት ኣይኮነን።

መልሲ ናይ` ኩሉ ጸሎትን ምህልላን` ከኣ`ዩ፣ ግንቦት 1983 / (1991) ኣብ ሰማያት ሃገርና እታ ናይ ነፃነት ፀሓይ መሊአ ክትበርቕ ዝኸኣለት። ብድሕሪ` ንሕና `ውን ከም ሕዝቢ፣ ናብ ቤት-ኣምላኽ ኣቢልና ጠመተና ክንገብር`ሞ፣ ስለቲ ኩሉ ዝተገብረልና ኣምላኻዊ ጸጋን ምሕረትን፣ “-ንሴብሖ ለእግዚኣብሔር-! ስቡሓ ዘተሰብሓ-” ብምባል፣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ቀሪብና፣ ነቲ ኩሉ ዝኽእል ዘለዓለማዊ-ኣምላኽ ተመስገን ኢልና ክብሪ ንምሃብ፣  መሥዋዕቲ-ምስጋና ከነቕርብ` ዝግባእ ዝነበረ።

ጠመተ ሕዝብና ግና ናብ ከበሮን ጓይላን እምበር፣ ናብ እግዚኣብሔር ኣቢሉ ዝጥምት ኮይኑ ኣይተረኽበን። እንሆ ከኣ እቲ ቅድሚ ልዕሊ 30-ዓመት ኣትሒዙ፣ ዲም ክብል ዝጀመረ ድምፂ-ከበሮ፣ እንሆ ሕጂ`ውን እቲ ጓይላን ዕንደራን` ክቕጽል` ዝርከብ ዘሎ። ከበሮን ጓይላን ግና ንዝኸፍአ ቁጥዓ-ኣምላኽ፣ ተጋሊጽና ከም-እንርከብ ክገብረና እንተ-ዘይኮይኑ፣ ምስ እግዚኣብሔር ከራኽበና ይኽእል` ዝበሃል ኣይኮነን። እዚ` እምበኣር እቲ ዝዓበየ፣ ካብ ምሕረት ኣምላኽ ርሒቕና ከም-እንርከብ ገይሩና ዝርከብ ዘሎ ድኹም ጐንና።

እዚ ከኣ ምስቲ ደቂ-እስራኤል፣ ኣብ ጉዕዞ ከነኣን ዝነበሩሉ ግዜ፣ ኣብ ምድረ-በዳ ሲና ዝፈጸሙዎ ዕልወት ዝመሳሰል` ክበሃል ይከኣል። ከመይሲ ንሳቶም ደቂ-እስራኤል ኣብ ግብጺ ዝወርዶም ዝነበረ ዘስካሕክሕ መከራ ብምርኣይ`ዩ፣ እቲ ሕያው-ኣምላኽ ንሙሴ ብምልኣኽ፣ ካብቲ ንምግላጹ ዘስካሕክሕ ዝነበረ፣ ናይ ግብጻውያን ኣርዑት-ባርነት ነፃ ከውጽኦም ዝኸኣለ። ንሳቶም ግና ነቲ ኩሉ ትእምርትን ተኣምራትን ብምግባር፣ ካብ ባርነት ግብጺ ነፃ ዘውጽኦም ኣምላኽ ሕቖኦም ብምሃብ “- እስራኤል-! ካብ ግብጺ ዘውጽኡኻ  ኣማልኽትኻ፣ እዚኣቶም`ዮም-” ብምባል ኣብ ምስሊ-ጣዖት ክሰግዱን ከምልኹን ከም-ዝተረኽቡ`ዩ፣ ብሉይ-ክዳን ዝነግረሎም።(ዘፀ-32)

እምበኣር ምስ` ታሪኽ` ብምትሕሓዝ፣ እቲ ሕጂ ኣባና እናኾነ ዝርከብ ዘሎ ክርአ ከሎ`ውን፣ ሓደን ተመሳሳልን ኮይኑ ኢና ንረኽቦ። ይሓይሽ` ዝበሃል ነገር`ውን የብሉን። ከመይሲ ማኅበራዊ ሕይወት ሕዝብና ተዘሪጉ፣ ሰብኣዊ-ክብርና`ውን ካብ እንስሳ ንታሕቲ ወሪዱ ኣብ ዝርከበሉ ዘሎ ኣብዚ እዋን`ዚ፣ ረድኤት ኣምላኽ ንምድላይ ደኣ፣ ናብ ቤተ-እግዚኣብሔር ኣቢልና፣ ጠመተ ክንገብር ምተገብአና እምበር፣ ሃገር ደሓን ኣሎ ከም-ዝተባህለ፣ ንልዕሊ 30-ዓመት መመላእታ፣ ከበሮ ሒዝና ክንዘልልን ክንዕንደርን ምርካብናሲ፣ ካብዚ ንላዕሊ ክግለጽ ዝኽእል ውደቀት፣ ወይ ዕብዳን ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን።

የግዳስ ከምዚ ከማና ዝኣመሰለ፣ ኣብ ትሕቲ ከቢድ ዝኾነ፣ ምስቅልቅል ዝበለ ሕይወት ዝርከብ ዘሎ ሕዝቢ “-ያድኅነነ እመዓቱ፣ ይሠውረነ በምሕረቱ፣ በእንተ-ማርያም ወላዲቱ-” ብምባል ደኣ፣ ኣብ ቀጻሊ ምህልላን ጸሎትን ኮይኑ፣ ማዕጾ ቤት-ኣምላኽ ክዂሕኲሕ ምተገብኦ እምበር፣ ከበሮ ሒዙ ኣብ ቀጻሊ ጓይላ እናተረኽበ፣ ክዘልልን ክዕንድርን ይርከብ ኣሎ ተባሂሉ ክንገረሉ፣ ልዕሊ` ክጥቀስ ዝኽእል ሞራላዊ-ወድቀት ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን። እቲ ሕጂ ንሕና ከም ሕዝቢ መጠን፣ እናፈጸምናዮ ንርከብ ዘሎና ዕንወት ከኣ ነዚ` ዝመስል። ኣብዚ ሕጂ ወሪድናዮ ንርከብ ዘሎና ውድቀት፣ ንርከብ ምህላውና`ውን ክንፈልጥ ዝኸኣልና ኣይንመስልን።

እዚ ኩሉ` እናኾነ ከሎ ግና፣ ካልእ እንተ-ተረፈ እቶም ናይ ሃገርና መራሕቲ-ሃይማኖት፣ ናይ ኣየናይ ቤተ-እምነት ምዃኖም ብዘየገድስ፣ ስለምንታይ በቲ እናኾነ ዝርከብ ዘሎ ሃገራዊ-ዕንወት፣ ኣፎም ክኸፍቱ ከም-ዘይደልዩ፣ ከዛርብ ዝግብኦ ኣርእስቲ ምዃኑ ዘጠያይቕ ኣይኮነን ከመይሲ ኩነታት ሕዝብናን ሃገርናን፣ ብቐጻሊ ንከቢድ ሓደጋ ሓደጋ ተቓሊዑ ይርከብ ከም-ዘሎ ፣ባዕሉ እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ህልው ኩነታት፣ ብግልጺ ከረድእ ይኽእል ከም ዘሎ ዘጠያይቕ ኣይኮነን። እሞ እዚ ኩሉ ውድቀት` እናኾነ ከሎ ደኣ፣ እቲ ሕዝቢ`ውን ከበሮ ኣልዒሉ ኣብ ቀጻሊ ጓይላን ዳንኬራን ይርከብ ኣሎ ኣብ ዝበሃለሉ ዘሎ ግዜ፣ ዓገብ በሃልቲ ኮይኖም ክርከቡ ዝግብኦም ደኣ፣ መን ድዮም ክኾኑ ዝግብኦም ዝነበረ-?!

ብዝተረፈ ኣብ ከምዚ ሕጂ ንሕና ንርከቦ ዘሎና ውድቀት፣  እስራኤላውያን `ውን ወዲቖም ይርከቡ ኣብ ዝነበሩሉ ግዜ` ነቢይ-ሆሴዕ “-ሕዝበይ ሰኣን ፍልጠት ጠፍአ-” ዝበለ። እዚ ማለት ድማ  ኣብ መድረኽ ወጺኦም ዓገብ በሃልቲ ኮይኖም ክርከቡ ዝግብኦም ዝነበሩ መንፈሳውያን መራሕቲ ስለ-ዝተሳእኑ`ዩ። እቲ ሕያው-ኣምላኽ ብኣፍ ነቢዩ ኣቢሉ “-ሕዝበይ ሰኣን ፍልጠት ጠፍአ-”  ክሳብ ምባል ዝበጽሐ። እምበኣር ሕዝብና`ውን ተመሳሳሊ ዕጫ` በጺሑዎ ዝርከብ ዘሎ ክበሃል ይከኣል። ከመይሲ ንነዊሕ ዓመታት ዝኣክል መንገዲ ጠፊኡዎ፣ ኣብ ዓወንወን ዝርከብ ዘሎ ሕዝቢ፣ ስለምንታይ ሓላፍነቶም ፈሊጦም ደሃዩ ክገብሩ ዝግብኦም መንፈሳውያን መራሕቲ ክሰኣኑ ይኽእሉ-?

እዚ ኣበሃህላ` ግና ንካቶሊካውያን ኣቦታት ዘካትት ኣይኮነን። ከመይሲ ንሳቶም ነቲ ዘለዎም መንፈሳዊ ሓላፍነት፣ ብምሉእ ብቕዓትን ትብዓትን ክወጹዎ ከም-ዝጸንሑ፣ ሃገር ብሃገሩ ክርእዮ ዝጸንሐ ሓቂ`ዩ። እቲ ኣብ መድረኽ ወጺኦም ክገብሩዎ ዝጸንሑ፣ ትብዓት ዝሓትት ተልእኮ ድማ፣ ክሳብ ክንደይ ዝኣክል ክቡር-ዋጋ ዝሓቶም ኮይኑ ከም-ዝተረኽበ፣ ግልጺ ኮይኑ ክርአ ዝጸንሐ ስለ-ዝኾነ፣ መስክሩለይ ምባል ዘድልዮ ኣይኮነን። የግዳስ እቲ ክፍጸም ዝጸንሐ ትብዓት`ቲ፣ ኣብቲ ጽባሕ ዝጸሓፍ ታሪኽ ብኽብሪ ተሰኒዱ ከም-ዝተርፍ ዘጠራጥር ኣይኮነን። እቶም ካልኦት ቤተ-እምነታት ግና ኣበይ`ዮም ዘለዉ ወይ ኣበይ`ዮም ኣትዮም-? ዘየብል ኣይኮነን። ብዝተረፈ ኣብዚ ሕጂ እዋን እቲ ሕዝቢ፣ መሬት ከም ኣፍ ዑንቂ ጸቢባቶ፣ ዝኾኖ ጠፊኡዎ እግሩ ኣብ ዝመርሖዶ ኣይኮነን ክስደድ ዝርከብ ዘሎ። እዚ ኩሉ` ግና ጽባሕ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ከሕትቶም ከም-ዝኽእል፣ ከመይ ኣቢሎም`ዮም ክዝንግዑዎ ዝኽእሉ-?!

ብዝተረፈ ከምቲ ኣብ ትንቢት-ሆሴዕ ተባሂሉ ዘሎ፣ ሕዝብና ሰኣን ዝምህሮን ዝነግሮን፣ ሰኣን ፍልጠት` ናብ ቀጻሊ ጥፍኣት ኣንቈልቊሉ` ክኸይድ ዝርከብ ዘሎ። ካልእሲ ይትረፍ ኣብቶም መንፈሳውያን ክብረ-በዓላትና` ከይተረፈ፣ ኣብ ክንዲ ብዜማ ቅዳሴን ማህሌትን፣ ብጓይላን ብዳንኬራን ክብዕሉ ካብ እንርእዮም ዓመታት ኮይኑ እዩ። ልዕሊ` ድማ ውድቀትን ጥፍኣትን ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ኣምልኾ-ድኽመት ይርከቡ ኣብ ዝነበሩሉ ግዜ ከኣ እስራኤላውያን “-ኣቱም ዓሌት ኃጥኣን-! በደል ዝመልኣኩም ሕዝቢ፣ ዘርኢ ገበርቲ-እከይ፣ ደቂ-ጥፍኣት ዝኾንኩም ሕዝቢ ወይለኹም-! ንዓይ ንእግዚኣብሔር ኃደግኩምኒ፣ ንዓይ ነቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ዝኾንኩ ነዓቕኩሙኒ። . . . ሃገርኩም ባዲማ ከታማታትኩም ብሓዊ ነዲደን፣ ጓኖት ድማ ንምድርኹም ይዘምቱዎ ኣለዉ ተባሂሉ ከም-ዝተነግሮም ኢና ነንብብ።(ኢሳ-1/4)

እምበኣር ንሕና`ውን ከም ሕዝብን ከም ሃገርን መጠን፣ ኣብዚ ደረጃ` ወዲቕና ንርከብ ምህላውና፣ ዘይንፈልጥ ክንከውን ኣይግባእን። ብኻልእ ኣዘራርባ ካብ ምሕረት እግዚኣብሔር ርሒቕና ንርከብ ዘሎና፣ ሕዝቢ ኴንና ኢና ንርከብ ዘሎና። ካብዚ ዝዓቢ ክንገረና ዝኽእል፣ ንምስምዑ ዝመርር ንምቕባሉ ከኣ ዝኸብድ መርድእ ኣሎ ክንብል ከኣ ኣይንኽእልን። ከመይሲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ክንቀውም ዘኽእለና ናይ እምነት ጽንዓት ዘይብልና ኴንና ንርከብ ምህላውና፣ ገና ሕጂ`ውን ዘይርደኣና ኮይኑ ይርከብ ብምህላዉ እዩ። ብዝተረፈ ከምዚ ከማና ዝኣመሰለ ኃጢኣቱ ዝኸበዶ ሕዝቢ፣ ብዝተጣዕሰ ልቢ ደኣ ኃጢኣተይ ሕደገለይ ብምባል፣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ወዲቑ ይምህለል እምበር፣ ከበሮ ተሓንጊጡ ኣብ ጓይላን ዳንኬራን ክዘልልን ክዕንድርን ኣይነብርን እዩ።

ይኹን እምበር ሕጂ ድማ እንሆ፣ ኣብ ዋዜማ በዓለ-ፋሲካ ኢና ንርከብ ዘሎና። ምስቲ ኩሉ ዘሎና ስቓይን ቃንዛን ግና፣ ስሒቕናን ተሓጒስናን እነብዕሎ በዓል ክኾነልና፣ ይኽእል` ክንብል ኣይንኽእልን። ከምቲ ኣብ መጽሓፈ-መቃብያን “-ኢየሩሳሌም ንሕዝባ ባዕዲ ኮነት፣ ነበርታ ከኣ ሓዲጎማ ከዱ-” ተባሂሉ ዘሎ። ንሕና`ውን ኣብ ቀጻሊ ስደት እንርከብ ዘሎና ሕዝቢ ኢና። ሃገርና`ውን ከም ኢየሩሳሌም “-እቶም ሕዝባ እግሮም ናብ ዝመርሖም ሓዲጎማ ከዱ-እትበሃል ኮይና` ትርከብ ዘላ። እሞ ሕዝባ ብቐጻሊ ሓዲጉዋ  ዝኸይድ ዘሎ ሃገር ሒዝና ደኣ፣ የጸብቐልና ድዩ ከበሮ ተሓንጊጦም ኣብ ቀጻሊ ጓይላን ዳንኬራን ይርከቡ ኣለዉ ክንበሃል-?! ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ንእግዚኣብሔር ዘሕዝን ተግባር እናሃሎናኸ፣ ከመይ ኣቢሉ` ኣውደ-ዓመትና ትርጉም ዘለዎ ክኾነልና ዝኽእል-?! (1-መቃ-1/38)

ሓደ እዋን እቲ ዓላዊ ንጉሥ፣ ማለት ኣክኣብ ኣብ እስራኤል ነጊሡ ዝነበረሉ ዘመን፣ ነቢይ-ኤልያስ ኣብ እምባ-ቀርሜሎስ ተኣኪቦም ንዝነበሩ እስራኤላውያን፣ ኣብ እምነት እግዚኣብሔር ጸኒዖም ደው ክብሉ ብዘይምኽኣሎም፣ ብዝነበሮም ድኽመት ክወቕሶም ከሎ “-ክሳዕ መዓስ ኢኹም ናብ ክልተ ወገን ኣቢልኩም፣ እናሓንከስኩም ትነብሩሓንሳብ ናብ እግዚኣብሔር፣ ሓንሳብ ድማ ናብቲ ጣዖት ኣቢልኩም  ምጥማት ገዲፍኩም፣ ኣብ ሓዲኡ ረጊጽኩም ደው በሉ። ብምባል ከም-ዘሰመዓሎም`እቲ ቅዱስ-ጽሑፍ  ዝዛረብ።(1ነገ-18/21)

እምበኣር እቲ ኣባና ዘሎ ጸገም`ውን፣ ካብዚ ዝረኣናዮ ታሪኽ እስራኤላውያን ዝተፈልየ ኣይኮነን። ከመይሲ ኣባና`ውን ኣብ ሓደ ረጊኡ ደው ክብል ዝኽእል ልቢ` ተሳኢኑ ዘሎ። እቲ ጸሎትና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ንከይበጽሕን፣ መከራ ጸበባና`ውን ንክናዋሕ ምኽንያት ኮይኑ ዝርከብ ዘሎ`ውን፣ እቲ ንእግዚኣብሔርን ከምኡ`ውን ቤተ-እግዚኣብሔርን ሕቖና ሂብና፣ መወዳእታ ኣብ ዘይብሉ ጓይላን ዳንኬራን ጥሒልና ንርከብ ምህላውና እዩ። ስለዚ` እቲ ቅዱስ-ጽሑፍ “-ክትጽልዩ ኢልኩም ኣእዳውኩም ምስ ዘርጋሕኩም፣ ቁሊሕ ኣይብለኩምን እየ። ኣንዊሕኩም እንተ-ጸለኹም`ውን፣ ኣይሰምዓኩምን`የ። ከመይሲ ኣእዳውኩም ደም ብምፍሳስ ረኺሰን እየን። ተነስሑ` ካብ ኃጢኣትኩም `ውን ተሓጸቡ-” ብምባል` እቲ ቅዱስ ጽሑፍ`ውን ዘጠንቅቕ (ኢሳ-1/15-16)

ስለዚ ናይ ኣየናይ ቤተ-እምነት ምዃኖም ብዘየገድስ፣ ንሕዝብና ከም ሕዝቢ ካብ ድቃስ ኃጢኣቱ ነቕኒቖም ዘበራብሩዎ፣ መንፈሳውያን ኣቦታት ኣብ ዝድለየሉ ግዜ ኢና ንርከብ ዘሎና። ከመይሲ ሕዝብና ምስ እግዚኣብሔር ዕርቂ ካብ ምግባር ዝሓይሽ፣ ካልእ ኣማራጺ ክህልዎ ይኽእል` ዝበሃል ኣይኮነን። ከመይሲ እቲ ቅዱስ-ጽሑፍ “-ጸሎት ሕዝበይ ክምልስ ድልዊ ነይረ፣ ንሳቶም ግና ኣይጸለዩን። ክርከበሎም`ውን ድልዊ ነይረ፣ ንሳቶም ግና ኣይደለዩንን። እኔኹ ኢለ ክረድኦም ድልዊ` እንተ-ነብበርኩ፣ ንሳቶም ግና ናባይ ኣይጸለዩን-” ብምባል` እቲ ቅዱስ-ጽሑፍ፣ ብወቐሳ መልክዕ ናብ ሕዝብና ኣመልኪቱ ዝዛረብ ዘሎ (ኢሳ-65/1)

ብዝተረፈ ምስ` ሒዝናዮ ዘሎና ኣርእስቲ ብምትሕሓዝ፣ ከም ኣብነት ኣልዒልና ክንዛረበሉ ዘድሊ ሓደ ጉዳይ ኣሎ። ንሱ ድማ እቲ “-በዓል ደቀ-ንስትዮ-” ብምባል ዝፍለጥ፣ መጋቢት መጸ ተዘኪሩ ዝውዕል በዓል`ዩ። ንመሰልን ክብርን ኣዴታት ዝምልከት ስለ-ዝኾነ`ውን፣ ኣብ ቀንዱ እቲ በዓል ዝኾነ ናይ ዘይምሕጓስ ተቓውሞ ዘለዎ ዋላ ሓደ` ክህሉ ዝኽእል ኣይመስለናን እቲ ነዚ በዓል` ምኽንያት ብምግባር፣ ክግበር ዝርአ ዘሎ ጓይላን ዳንኬራን ግና፣ ቅቡል ኮይኑ ክርከብ ዘየኽእሎ እኹል ምኽንያት ከም ዘሎ፣ ንሕብኣዮ እንተ-ተባህለ`ውን ክሕባእ ዝኽእል ኣይኮነን።

ከመይሲ ጾም-40 ኩሉ ግዜ፣ ኣብ ወርሒ መጋቢት ስለ-ዝጽወም፣ እቲ ሓደ ክፋል ሕዝብና ድማ ክርስቲያን ስለ-ዝኾነ፣ ነቲ ኣብ ጾመ-ሱባኤ ዝርከብ ሕዝቢ ዕንቅፋት ንዘይምዃን፣ ከበሮ ኣልዒልካ ጭራሕ-ምራሕ ምግባር፣ ግቡእ ወይ`ውን ቅቡል ኮይኑ ክርከብ ዘኽእሎ ምኽንያት ኣይነበረን። ነዚ ዝተባህለ ናይ እምነት ክብርታት፣ ኣብ ግምት ከእትዎ ዝደሊ ኣካል ብዘይ-ምርካቡ ግና፣ ብቐጻሊ ብከበሮ ዝተሰነየ ጓይላ ክግበር` ዝርአ ዘሎ። እዚ ግና ሕጊ እግዚኣብሔር ጥሒስካ፣ ክኽየድ ናይ ምድላይ ነጸብራቕ እንተ-ዘይኮይኑ፣ ኣብ ግዜ-ሱባኤ ጾም-ኣርባዓ ፈጺሙ ክግበር ዝግብኦ ኣይነበረን። እዚ ንእግዚኣብሔር ክብሪ ዘይህብ ተግባር` ግና፣ ኣብዚ ዝሓለፈ 30-ዓመታት ክግበር ጸኒሑ`ዩ፣ ሕጂ`ውን ብቐጻሊ ክግበር` ዝርከብ ዘሎ።

ከም ኣጋጣሚ`ውን ኣብዚ ዓመት`ዚ፣ እቲ ጾም-ኣርባዓን ጾም-ሮመዳንን ብሓንሳእ ስለ-ዝተራኸበ፣ ኩሉ እቲ ሕዝቢ ኣስላማዩ ክርስቲያኑ፣ ኣብ ጾምን ጸሎትን ሓቢሩ ክርከብ ክኢሉ ማለት`ዩ። እዚ ኣጋጣሚ` ከኣ፣ ክንደይ` ደስ ዘብል ክስተት እዩ። ስለዚ`ውን ናይ ክልቲኡ ወገን መራሕቲ-ሃይማኖት ኣቦታት፣ እቲ ዝኾነ ምኽንያት እናተፈጠርካ፣ ክግበር ዝርአ ዘሎ ጓይላን ዳንኬራን፣ ትብዕ ኢሎም ኣብ መድረኽ ብምውጻእ፣ ዓገብ በሃልቲ ኮይኖም ክርከቡ፣ እቲ ዘለዎም መንፈሳዊ ሓላፍነት ዘገድዶም ምዃኑ ክፈልጡ ሓላፍነቶም` በሃልቲ ኢና። ማለት እቶም ብሓላፍነት ዝምልከቶም ካህናት ኮኑ እቶም ሸኻት`ውን ከምኡ፣ ነዚ ሓላፍነት` ይዝንግዑዎ`ዮም ክንብል ኣይንኽእልን። ዓገብ በሃልቲ ኮይኖም ክርከቡ ትጽቢት እንተ-ተገብረሎም`ውን ዘይግባእ ኣይነበረን፣ እቲ ንሳቶም ብሓላፍነት ክሕተቱሉ ዝግባእ መጓሰ ግና፣ ዝኣልዮን ክከላኸሉ ዝኽእል ጓስነት ስኢኑ፣ ንሓደጋ ዝተቓልዐ ኮይኑ` ዝርከብ ዘሎ።

እምበኣርከስ ኩነታት ሕዝብናን ሃገርናን፣ ንከቢድ ሓደጋ ዝተቓልዐ ኮይኑ ይርከብ ምህላዉ፣ እቲ ህልው ኩነታት ባዕሉ ይዛረብ` ዘሎ። ብዝተረፈ እስራኤላውያን ኣብቲ ኣብ ባቢሎን ብምርኮ ተታሒዞም ዝነበሩሉ ግዜ፣ እቶም ማረኽቶም መዝሙር-ጽዮን ክዝምሩሎም ሓቲቶም ከም-ዝነበሩ` እቲ ቅዱስ-ጽሑፍ ዝዛረብ። ግዳስ ኣብ ከምቲ  ዝኣመሰለ ኩነታት እናሃለዉ፣ ልቦም`ውን ብሓዘን ቈሲሉ እናሃለወ ከሎ፣ ናይ ሓጎስ መዝሙር ክዝምሩ ክኾነሎም ኣይከኣለን። ንሕና`ውን ሕጂ ብተመሳሳሊ መንገዲ፣ ኣብ ዋዜማ በዓል-ፋሲካ ኢና ንርከብ ዘሎና፣ ቅሳነት ተሰሚዑናን ተሓጒስናን ከነብዕሎ እንኽእል በዓል ክኾነልና ይኽእል` ክንብል ግና ኣይንኽእልን። ከመይሲ ካብ ኣምላኽን ሕጊ-ኣምላኽን ርሒቕና፣ እንርከብ ሕዝቢ ኴንና እናሃሎና፣ ዘይዘራእናዮ ክንዓጽድ እንኽእል ኣይኮናን። ከመይሲ ``-ኣይትጠበሩ ኣምላኽ ኣይዕሾን እዩ። ሰብ ነቲ ባዕሉ ዝዘርኦ` ተመሊሱ ዝዓጽድ-`` ብምባል` ሓዋርያ ጳውሎስ  ኣቐሚጡዎ ዘሎ። (መዝ-137/1-4) (ገላ-6/7)

እምበኣርከስ ከምቲ ኣቐዲምና ዝበልናዮ፣ ኩሎም መንፈሳውያን-መራሕቲ ሃገርና፣ ናይ ኣየናይ ቤተ-እምነት ምዃኖም ብዘየገድስ፣ ሕዝብና ከም ሕዝቢ መጠን፣ ኣብ ከቢድ ምስቅልቅል ዝበለ ሕይወት ይርከብ ከም-ዘሎ፣ ግልጺ ኮይኑ ዝርአ ዘሎ ናይ ኣደባባይ ምስጢር`ዩ። ስለዚ ካብ ከበሮን ጓይላን ርሒቑ፣ ናብ ኣምላኽን ቤተ-ኣምላኽን ኣቢሉ ከም-ዝጥምት ኣብ ምግባር፣ ኩሎም ኣቦታት ኣበርቲዖም ድምጾም ከስምዑ፣ ንጽባሕ ተባሂሉ ተወንዚፉ ክውዕል ክሓድር ዘይግብኦ ከቢድ ሓላፍነት ምዃኑ ተፈሊጡ፣ ``-እግዚኣብሔር ይዛረብ ኣሎ-`` ብምባል፣ እቲ ክበሃል ዝግብኦ ኩሉ ካብ ምባል፣ ክዝንግዑ የብሎም በሃልቲ ኢና።

ይትባረክ እግዚኣብሔር  ኣምላከ ኣበዊነ

ሥቡሕኒ ውእቱ ወልዑልኒ ውእቱ ለዓለም

ሊቀ-ካህናት ተክለ-ማርያም ምህርካ-ጽዮን

ሃገረ-ስብከት ኤውሮጳ 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div