S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ዝኽሪ ኣቦና ቅዱስ እንጦንዮስ: ብዶ/ር ተስፋይ ገ/መድህን:

ንኣቦና ቅዱስ እንጦንዮስ ብወግዒ ንዘክሮም:

ነዞም ቅዱስ መራሒ ብግቡእ ነኽብሮም:

 ነዞም ቅዱስ ሃዋርያ ብኽብሪ ነልዕሎም:

ናይ'ዞም ቅዱስ ፈላሲ ነቃልሕ በረኸቶም:

ናይ'ዞም ቅዱስ መምህር ነመስግን ለውሃቶም:

ናይ'ዞም ቅዱስ ኣቦና ነዘንቱ ታሪኾም:

ዝተባረኹ ቅዱስ ፓትሪያርክ መዘና ዘይብሎም::

ካብ ብሩኻት ካህናት ቤተሰብ ተወሊዶም:

ኣብታ ዓባይ ሕምብርቲ ሰናይ ዓዶም:

ጌና ኣብ ሓሙሽተ ዓመት ንኡስ ዕድሜኦም:

ንገዳም ዝተዋህቡ ከም ዕሽር ኮይኖም:

ካብ ዕሸል ዕድሜኦም ጀሚሮም መኒኖም:

ኣብ ገዳም እንድርያስ ዝመንኮሱ እዮም:

ብኣቡነ መንቆርዮስ ኩሉ ነገር ተማሂሮም:

በብእዋኑ ዝተፈላለየ ሓላፍነት ተቐቢሎም:

ንህዝቦምን ሃገሮምን ዘገልገሉ ንሶም:

ንህዝቢ ትሕትና ከውርሱ መንፈስ ቅዱስ ዝዓሰሎም:

መስተንክር እዩ ኩሉ' ቅዱስ ታሪኽ ሂወቶም::

 

ፍትሒ ይንገስ ኢሎም ስለ ዝሞጎቱ:

ቅዋም ይተግበር ኢሎም ስለ ዝመከቱ:

ሕጊ እንዳባ ይከበር ኢሎም ስለ ዝኣመቱ:

ስርዓተ ፍርዲ ይሃሉ ኢሎም ስለ ዝሓተቱ:

መሰል ደቂ ሰባት ይትሓሎ ኢሎም ስለ ዘመልከቱ:

መንፈሳዊ ኣገልግሎቶም ብሓልዮት ስለ ዘካተቱ:

ተጻባኢ ሓይሊ ዓንቀፎም መገዲ ኣምላኽ ዘይፈቱ:

ኣምላኽ ኣክቢሩ ኣንበሮም ኣብቲ ቅዱስ ቤቱ:

ኣምላኽ የውርደልና ካብቲ ዘይውዳእ በረኸቱ::

 

ኣብ ልዕሊ ኣቦና ዝወረደ ግፍዒ ንዘክር ኩሉ:

ክሳብ ዕለተ ዕረፍቶም ብትግሃት ክንዲ ዘገልገሉ:

ኣብ ከተማ ኣብ ገጠር ቤተክርስትያናት ክንዲ ዝተኸሉ:

ህዝቢ ክመሃር መጽሓፍ ቅዱስ ንህዝቢ ክንዲ ዝዓደሉ:

ካብቶም ምእመናን ሰዓብቶም መታን ክግለሉ:

ኣብ ጸባብ ቤት ተዳጎኑ ቢሒም መታን ከይብሉ:

ማእሰርቲ ስቓይ ስርዓተ ፍርዲ ኣምር ዘይብሉ:

16 ዓመት ካብ ሂወቶም ንፍትሒ ዋጋ ዝኸፈሉ:

ካብ ሳዓብቶም ክበጽሖም ንዝደለየ ሰብ ብትሪ ተኸልኪሉ:

ገለ ፈለስቲ'ውን ተኣስሩ ኣብ ቀብሮም ዝወዓሉ:

ኣብ' እዋን' እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ዝብሃሉ ኣበይ ኣበሉ:

ኣበይ ኣተው እቶም ገዚፍ መስቀል ኣብ ክሳዶም ዘንጠልጠሉ:

ጭሕሚ ዘንውሑ ከቢብ ቆቡዕ ምስ ጸሊም ባርኖስ ዝለበሱ እንታይ ደኣ በሉ:

ትም' በሉ እቶም ደድሕሪ' ስርዓት ዘውደኽድኹ ገዳማውያን እንዳመስሉ;

ሸርሒታት ክኣልሙ ተሓብኡ'ምበር ኣበይ ገጾም ከየብሉ:

ስራሕ ኣርመኔ መለለዪ ናይቶም ግቡዛት ጎሓላሉ:

ከምቲ ግብሮም ኣምላኽ ይፍረዶም ይግንሓዮም ባዕሉ::

 

ወይ' ግዜ ቀልጢፉ ይኸይድ ይሓልፍ ከይተፈለጠና:

ንዘክር እቲ ዕለተ መስዋእቲ ናይ'ቶም ቅዱስ ኣቦና:

ክልተ ዓመት ኮይኑ ብዓይነ ስጋ ካብ ዝፍለዩና:

ብሰማያዊ መንፈስ ኣለው ኣቦና ኩሉ ግዜ ምሳና:

ጸጋ በረኸቶም ለውሃቶም ካባና መታን ከይፍለየና:

ብጸሎት ወትሩ ንዘክሮም ብሓባር ኩላትና:

ኣብ ቤተ ክርስትያን ከምኡውን ኣብ ነፍስወከፍ ቤትና:

ብሃረርታ ንጽበ ተስፋ ዘለዎ መራሒ ክመጸና:

ብሓባር ንክልቲኤን ቤተክርስቲያናት ኣብ ሓደ ጠርኒፉ ዝመርሓና:

ኩሉ ዝከኣሎ ኣምላኽ ባዕሉ ይርድኣና::

 

ክብርን ምስጋናን ንልዑል ኣምላኽና:

ራህዋን ሰላምን ንውጹዕ ህዝብና:

ዕድመን ጥዕናን ይውረድ ኣብ ኩላህና:

ንዘልኣለም ይዘከሩ ቅዱስ ኣቦና::

7 ለካቲት 2024

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div