S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ሓድሽ ኪዳንከ ብዛዕባ ትውፊት እንታይ ይብል (2ይ ክፋል)

ኢየሱስ ዝገበሮ ግብሪ ድማ ብዙሕ ካልእ ኣሎ። ኵሉ በብሓደ ተጽሒፉ እንተዚኸውንሲ፥ ነቲ እተጻሕፈ መጻሕፍቲ ዅላ እዛ ዓለም እኳ ኣይምኣኸለቶን ይመስለኒበለ። ብሉይ ኪዳን ዝተጻሕፈሉ ቛንቛ እብራይስጢ ከም ዝነበረ፥ ኩላትና ንሰማማዓሉ ሓቂ እዩ፥

ሓድሽ ኪዳን ግና ዓለም ድሮ ብቛንቛ ግሪኽ ትዛረብ ስለ ዝነበረት፥ ብኮይን ዝተባህለ ቛንቛ ግሪክ ከም ዝተጻሕፈ ድማ ኩላትና ንሰማማዓሉ ሓቂ ኣዩ። እምብኣርከስ ኣብ ሓድሽ ኪዳን፥ ኣብቲ ቀንዲ ብግሪኽ እተጻሕፈ ነዛ ብቛንቛ ግእዝ ትውፊት እትብል ቓል እንታይ ከም ዝብላ ደጊምና እንተ ረኤና፥ (PARADOSIS) “ፓራዶሲስእዩ ዝብላ ኢልና ኣሎና። ኣብቲ ቀዳማይ ጽሑፍ ትግርኛ መጽሓፍ ቅዱስ ግና፥ ኣብ ክንዲትውፊትዝብል፥ ሓንሳብ ልማድ፥ ሓንሳብ ሥርዓት፥ ሓንሳብ ትምህርቲ ሓንሳብ ቓል ዝብል ትርጉም ሒዛ ንረኽባ። ኣብዚ ሓድሽ መጽሓፍ ቅዱስ ትግርኛ ግና ኣብ ገሊኡ ትውፊት ኢሉ ተርጕሙዋ ኣሎ። ግእዝ ግናትውፊትኢሉ ተርጕምዋ ኣሎ። እዛ ፓራዶሲስ ወይ ትውፊት እትብል ቓል ኣብቲ ቀንዲ ብግሪኽ ዝተጻሕፈ መጽሓፍ ቅዱስ፥ ብውሕዱ ዓሰርተው ሰለስተ ግዜ ተጠቂሳ ኣላ። ንሳተን ድማ  ኣብ ወንጌል ማቴዎስ 3; ማርቆስ 5; 1ቆረንቶስ 1; ገላትያ 1; ቆሌሴ 1; 2 ተስሎንቄ 2 ትውፊት ሓድሽ ኪዳን ድማ ካብ ሓዋርያት ወይ ካብ ኣቦታት ብቓልን ብግብርን ካብ ወለዶ ንወለዶ ንዘመናት ክመሓላለፍ ዝጸንሔ ፍሉይ ምስጢር ዘለዎ ክቡርን ቅዱስን ውርሻ ማለት እዩ። ትውፊት ክንብል ከሎና ብቓልን ብጽሑፍን ብግብርን ዝውረስ ውርሻ ስለ ዝዀነ፥ ኩሉ ብመገዲ እግዚኣብሔር ክነብር እየ ዝብል ክርስቲያን ክወርሶ ግድን እዩ። ቀዳሞት ኣቦታትናናይ ጽሑፍ ተወራሲ ናይ ቓል በራሲከም ዝበልዎ፥ ቅዱሳት ሓዋርያት ነቲ ካብ ጎይታ ዝተቐበልዎ ትውፊት፥ ነቶም ብድሕሪኦም ዝመጹ ወለዶታት፥ ሰይጣን ተታናኺሉ ከየብርሶ ኢሎም፥ ነቲ ካብ ጎይታ ዝሰምዕዎ: ዝረኣይዎን ብግብሪ ዝተመኮርዎን ትውፊቶም፥ ንገለ ካብኡ ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት፥ ኣብ መጽሓፍ ጽሒፎም ከም ዘመሓላለፍዎ ኩላትና ንምስክሮ ሓቂ እዩ።

መንፈስ ቅዱስ ክጸሓፍ ዝደለዮ ዘበለ፥ ሓዋርያት ኣብ መጽሓፍ ጽሒፎም ሂቦምናስ ሎሚ መጽሓፍ ቅዱስ እናበልና ንጥቀመሉ ኣሎና። ነቶም ዝተረፈ ትውፊት ግና መንፈስ ቅዱስ ከም ዝሃበና፥ ብልማድ ኣብ ኣብያተ ክርስቲያናትና ዕለት ዕለት ንጥቀመሎም ኣሎና። ስለዚ ድማ እያ ቤተ ክርስቲያን ነቲ ሓንሳብ ንሓዋሩ ካብ ሓዋርያት ዝወረሰቶ ትውፊት ብተግባር ስለ ዝለመደቶ፥ ናይ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ትምህርቱን ተኣምራቱን ሰብኣውነቱን ሞቱን ትንሳኤኡን ዕርገቱን ዳግም ምምላሱን ብዛዕባ እታ እትመጽእ መንግሥትን ከየባተኸት ክትምህር ትነብር ዘላ። ሓዋርያት ናይ ዓይኒ ምስክር ኰይኖም፥ ነቶም ኩላቶም ብስብከቶምን ትምህርቶምን ዘእመንዎም ዘበሉ፥ ብዛዕባ ጥምቀቱን ቁርባኑን ናይ ኣምልኾ ጸሎቱን ኣምልኾታዊ ሥርዓቱን ጽቡቕ ሥነ ምግባሩን ወዘተምእንቲ ክንፈልጦ ኢሎም፥ ብቓል ጥራይ ዘይዀነ ብግብሪውን ኣላሚዶምና እዮም። እዚ ድማ ካብ ትውፊት ሓዋርያት ዝተረኽበ ልማድ ሓዋርያት ተባሂሉ ይጽዋዕ። በዚ ምኽንያት ቤተ ክርስቲያና ሓዋርያዊት ተባሂላ ትጽዋዕ ኣላ።

ይኹን እምበር፥ ካብታ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንደቀ መዛሙርቱ ብትውፊት ክምህሮም ዝጀመረላ ግዜ ክሳዕ ሞት ናይ ሓዋርያት ዝቐርብ ግዜ እቲ ኹሉ ጎይታ ብቓል ዝመሃሮም ዘበለ ሓዋርያት ብቓልን ብግብርን ድኣ የማሓላልፍዎ ነበሩ እምበር፥ ኣብ ጽሑፍሲ ኣይነበረን። ዳሕራይ፥ ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ግናናይ ጽሑፍ ተወራሲ ናይ ቓል በራሲከም ዝብሃል፥ ንሓያሎ ሰዓብቶም ክምህርዎምን ከረድእዎምን ክብሉ፥ ዛንታ ሕይወት ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ቤተ ክርስቲያኑን ብኸፊል ኣብ ጽሑፍ ከስፍርዎ ጀመሩ። ንሳቶም ድማ እዞም ሎሚ ሓድሽ ኪዳን ኢልና እነንብቦምን እንመሃረሎምን ዘሎና መጻሕፍቲ እዮም።

ኣብ ላዕሊ ከም ዝጠቐስናዮ፥ ካብቲ ኹሉ ጎይታን ሓዋርያትን ዝሃብዎ ትውፊት፥ ንገለ ክፋል ጥራይ ማለት መንፈስ ቅዱስ ክጸሓፍ ዝደለዮ ዘበለ፥ ኣብ መጽሓፍ ተጻሕፈ። ብዝተረፈ ኩሉ ኣብ መጽሓፍ ከም ዘይሰፈረ፥ እቲ ኹሉ ግዜ ኣብ ኣፍልቢ ጎይታ ዝጽጋዕ ዝነበረ ወዲ መዝሙር፥ ሓዋርያ ዮሃንስ ከምዚ ይብል።

ኢየሱስ ድማ ኣብዚ መጽሓፍ እዚ ዘይተጻሕፈ ኻልእ ብዙሕ ተኣምራት ኣብ ቅድሚ ደቀ መዛሙርቱ ገበረ።” (ዮሃ 2030) ኢሉ ኣብ ርእሲ ምምስካሩ፥ መሊሱ ድማኢየሱስ ዝገበሮ ግብሪ ድማ ብዙሕ ካልእ ኣሎ። ኵሉ በብሓደ ተጽሒፉ እንተ ዚኸውንሲ፥ ነቲ እተጻሕፈ መጻሕፍቲ ዅላ እዛ ዓለም እኳ ኣይምኣኸለቶን ይመስለኒበለ (ዮሃ 2125)

ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብቲ ሰለስተ ዓመትን ፈረቓን ዝኣክል ንህዝብን ንሓዋርያትን እናመሃረ ብቓልን ብግብርን ዘርኣዮ ሰናይ ተግባራቱ፥ ኣብ ኣርባዕተ ወንጌላት ጥራይ ተጻሒፉ ተወዲኡ እዩ ኢልና እንተ ሓሲብና፥ ኣጸቢቕና ክንጋገ ኢና። ከመይሲ ሓዋርያ ዮሃንስ ኣብ ወንጌሉ ኢየሱስ ዝገበሮ ኣብዚ ዘይተጻሕፈ ብዙሕ ኣሎ ኢሉ ኣብ ርእሲ ምምስካሩ፥ ተመሊሱ ድማ፥ ኢየሱስ ዝገበሮ ግብሪ፥ ኩሉ በብሓደ ተጻሒፉ እንተ ዝኸውንሲ መጻሕፍቲ እዛ ዓለም እዚኣ እኳ ኣይምኣከሎን ኢሉ ስለ ዝመስከረ። ከመይሲ ሰለስተ ዓመትን ፈረቓን ኣዝዩ ነዊሕ ስለ ዝዀነ።

እምብኣርከስ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ዘይተጻሕፈ ዘበለ፥ ሓዋርያት ብቓልን ብግብርን ቀጥታ ካብ ጎይታ ዝተማሃርዎን ዝተላመድዎን ዘበለ ነቶም ድሕሪኦም ዝመጹ ከም ዘውረስዎም ጥርጥር የልቦን። ከመይሲ እቶም ወረስቲ ንባዕላቶም፥ እቲ ዝወረስዎ ድኣሎም ክነግሩን ክገብሩን ዝኽእሉ እምበር፥ ካልእ ምስ ተመኹሮኦም ዘይሳማማዕ ከቕርቡስ ኣይከኣሎምን። ተዘይዀነ ትውፊቶም ቀደም ዓንዩ ምተረፈ ነይሩ።

ሓዋርያት ንባዕላቶም ቅድም መጽሓፍ ከይጸሓፉ ክሳብ ሳላሳ ዓመት ነቲ ኣብ ልቦም ዝነበረ ትውፊት ጥራይ ይምህሩ ከም ዝነበሩ፥ ታሪኽ ዝምስክሮ ሓቂ እዩ። እሞኸ ኣብዚ ሳላሳ ዓመታት እዘን ኣብ ግብረ ሓዋርያትን መልእኽቶምን ዘለዋ ጥራይ እዮም ምሂሮም ማለት ድዩ፧ እዚኣተንሲ ናይ ሓደ ወርሒ ስራሕ ጥራይ ክኰና ይኽእላ እየን። እቲ ሓቂ ግና እቲ ንሳቶም ዝገበርዎስ ናይ ሳላሳ ናይ ኣርብዓ ዓመታት ተመኵሩ ከም ውቕያኖስ ቀዲሕካ ዘይውዳእ ፍቱን ሓቂ እዩ።

እስከ ንበል ምስ ጎይታ ዝነበሩ ሓዋርያት ሓደ ይሁዳ ገዲፋካ፥ ዓሰርተው ሓደ ከም ዝነበሩ ንፈልጥ። እሞኸ ብዘይ እቶም ክልተ ሰለስተ ማለት ሓዋርያ ዮሃንስን ማቴዎስን ጵጥሮስንሲ፥ እቶም ካልኦት ዝበልዎ ስለ ዘይተጻሕፈ ኣይቅብሉን እዩ ማለት ድዩ፧ ኣይፋሉን ኣብተን ንሳቶም ዝተሰውኡለንን ዝተኸልወንን ዘበላ ቤተ ክርስቲያናትሲ ትውፊቶም ህያው ኰይኑ ክነብር ግድን እዩ።

 

ቤተ ክርስቲያን ኣብ መጽሓፍ ካብ ዘይተጻሕፉ ገለ ትውፊታትን ገለ ቅዱስ ልማዳታትን ብምዝውታራ፥ ኣብ ክንዲ ትስዓብ ክትውቀስዶ ይግብኣ እዩ፧ ኣይፋልን ክትነኣድ እባድኣ ይግብኣ። ሎሚ ኣርኪዮሎጂስት ገለ ካብቲ ብግዜ ክርስቶስን ሓዋርያትን ዝተገብረ ገለ ምልኽት እንተ ተረኽበ ኢሎም፥ ዘይተኣደነ ጻዕርታት ክገብሩ ይውዕሉ ኣለዉ። ቤተ ክርስቲያን ግና ሳላ እቲ ሃብታም መሪሕነት መንፈስ ቅዱስ፥ ኩሉ ዘድልያ ዘበለ ዝተጻሕፈን ዘይተጻሕፈን ኣብ ኢዳ ኣለዋ። እሞኸ ነዚ ቅዱስ ትውፊት እዚ፥ ንሕናኸ ንደርብዮዶ ወይስ ከምቶም ቅድሜና ዝነበሩ ዝዓቀብዎ ንዓቅቦ፧ ኣይፋልናን ኣብ ኢድካ ዘሎ ወርቒ ዳርካ ሓጺን ከም ዝብሃል፥ ነቲ መሬት ከይኰዓትና ዝረኸብናዮ ክቡርን ቅዱስን ትውፊት፥ ንደቂ ደቅና ከነውርሶምሲ ኣኽቢርና ድኣ ንሓዞን ንዕቆሮን።

ይቕጽል
(1 ክፋል)

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div