S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ዘይብላዕ በሊዕና ሞትና፡ ዝብላዕ በሊዕና ድማ ሕይወት ረኸብና

ብልዒ ከም ዝቐትል ብልዒ ድማ ሕይወት ከም ዝህብ ኩላትና ንፈልጦ ሓቂ እዩ። ከመይሲ እከለ ዝተበላሸወ

መግቢ በሊዑ ሓሚሙ፡ እከለ ድማ መይቱ፡ ዝበሃሉ ዜናታት ደጋጊምና ስለ ንሰምዖ፡ ንእዝንና ሓድሽ ኣይኰነን። ኩላትና ጥዑይ ብልዒ ክንበልዕ እምበር ዘሕምም በሊዕና ከይንሓምም ወይ ዝቐትል ብልዒ በሊዕና ከይንመውት ኣዚና ኢና ንጥንቀቕ። ስለዚ ዘይብላዕ በሊዕና ካብ ንመውት፡ ዝብላዕ በሊዕና ሕይወት ረኺብና ብጥዕና ክንነብር ኢና ንመርጽ። ጉድለት ኣእምሮ ዘለዎ ሰብ እንተዘይኰይኑ፡ ነዚ ዘይፈልጥ ሰብ የልቦን። እቲ መጀመርታ ዝፈጠረና ኣምላኽና ድማ፡ ኩሉ መሬት ዘብቆሎቶ ጽቡቕ ዘበለ  እናበላዕና ክነብር ኢሉ፡ ከም ዝፈጠረና እቲ ጽሑፍ  “እግዚኣብሔር ኣምላኽ ከኣ ብሸነኽ ምብራቕ ኣብ ኤዴን ገነት ተኸለ። ነቲ ዝፈጠሮ ሰብ ድማ ኣብኣ ኣንበሮ። እግዚኣብሔር ኣምላኽ ከኣ ምርኣዩ ዜብህግ፡ ምብላዑ ኸኣ ጥዑም ዝዀነ ዅሉ ዓይነት ኦም ኣብ ምድሪ ኣብቄለ ይብል። ብልዒ ሕይወት ብልዒ ሞት ዘምጽእ ካብ ኮነ፡ ኣብቲ ኹሉ ጽቡቕን ጥዑምን ብልዒ ዝነበሮ ድማ ክልቲኤን እታ ሕይወት እትህብ ኦምን እታ ኽፉእን ጽቡቕን እተፍልጥ ኦምን ከኣ ኣብ ማእከል ገነት ነበራ ይብል (ዘፍ 2 8-9) ዕላማ ጸጋ ምሥጢረ ቁርባን ሕይወት እዩ ማለትና፡ ዋና ዕላማኡ ብላዕ ኣይትብላዕ ድኣሉ እምበር፡ ካልእ ትሕዝቶ የብሉን። ንብላዕ ኣይትብላዕ ከነለሊ እንተዘይከኣልና ግና፡ መወዳእታና ሞት ከም ዝኸውን ኣየዳድን። ብላዕ ኣይትብላዕ እንተ ኣዳደየና ግና ኣይፋሉን ምስሊ እዩ፡ ኣይፋሉን መዘከርታ እዩ፡ ኣይፋሉን ንፍሉያት ሰባት እዩ ወዘተ እናበልና ንገዛእ ርእስና እንተ ኣታለልናያውን ውጽኢቱ ሞት እዩ። እቲ ዝሓሸ ነቲ ብልዓዮ ዝተበሃልካዮ እንጌራ ሕይወት ምብልዑ ግና ብርግጽ ሕይወት እዩ። ከምቲ ውሉድ ንወላዲቱ ዝብላዕ ኣይትኽልእኒ ከይሞተኪ፡ ዘይብላዕ ኣይተብልዕኒ ከይሞተኪ ዝበላ ንሕናውን ካብ ዘይብላዕ በሊዕና ሞት ንመውት፡ ዝብላዕ በሊዕና ብህይወት ምምባር ንምረጽ።

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div