ኣብዚ ናይዚ ዕለተ ሰንበት ንባብ ወንጌል፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ሂቡና ዘሎ መጠንቀቕታ ኻብዚ ናይ ግብዝነት ኣበሳ ርእስና ብንጽህና ኽንሕልው እዩ። ግብዝነት ማለት ኣምሰሉ ምዃን፡ ውሽጥኻን ደጌኻን ነንበይኑ ዀይኑ ድርብ መንነት ምሓዝ፡ ዕላማኻን ተግባርካን ዝተፈላለየ ምዃን ማለት እዩ። ጐይታና ብዛዕባ ኽብደት ናይዚ ኣበሳ ኣብቲ ናይ መጀመርታ ናይ ከረን ስብከቱ ኺምህሮ ምድላዩ፡ ንዕቱብነት ናይቲ መልእኽቱ ዜመልክተና እዩ። ኣብዚ ጥራይ ዘይኰነ ኣብ ካልእ ኣጋጣሚታትውን ደጋጊሙ ካብ ግብዝነት ኪሕለዉ ንደቀ መዛሙርቱን ነቲ ህዝብን ይዛረቦም ነበረ።
እዚ ዝስዕብ ዓንቀጻት ንመንግሥቲ ኤርትራ ብናይ ጽልእን ቂምን ኣረኣእያ ገምጊሙ ብናይ ገበን ሚዛን ዝፈርድ ሓሳባት ኣይኮነን። ከምኡውን ነቲ መንግሥቲ
ኣብ ሃገርና፡ ኣብ ምድሪ ሓበሻ (ኤርትራን ኢትዮጵያን)፡ ኣብዚ ዘሎናዮ ቕንያት እቲ ኣብ ወቕቲ ክራማት ተዘሪኡ ናብ ፍረ ዝበቕዐ በብዓይነቱ እኽልታት ዚእከበሉ ናይ ቀውዒ ወርሓት እዩ። ስለዚ ድማ ሊቃውንቲ ቤተ ክርስትያን፡ ኣብዚ ዕለት እዚ፡ “ጸገየ ወይን፡ ወፈርየ ሮማን” እናበሉ መዝሙር ሰንበት ሰንበት ብምዝማር ነቲ ብፍርያት ምድሪ ዝባረኸና እግዚኣብሄር ኬመስግንዎ ይስምንዑ።
ሎሚ እንተንሕተት፡ እከለ፡ ኣብቲ ቀዳማይ ክፍለ ዘመን ንጐይታና ኢየሱስ ክሰቅልዎ ከለዉ ንይሁዳን፥ ሊቃነ ካህናትን፥ጲላጦስን… ምሓበርካዮምን ስቐልዎ’ዶ ምበልካ ወይስ ኣይፋለይን ትብል? ናይ መብዛሕትና መልሲ በዚ ሎሚ እንፈልጦ ዋእ!
ማእከላይ ንባብ መልእኽቲ ወንጌል ናይዚ መዓልቲዚ: ካብ ህይወትና ጭንቀት ከነወግድ እዩ ዚእዝዘናን ዚምዕደናን። እቲ ጭንቀት ኣብ ምግብን መስተን ክዳንን ኣተኵሩ እኳ እንተ ተጻሕፈ፡ ኣብኡ ጥራይ ዚድረት ግን ኣይኰነን። ኣብኡ ጥራሕ እንተ ደረትናዮ፡ ነቶም ብዛዕባ ዚምገብዎን ዚኽደንዎን ዝዀነ ይኹን ጸገም ዘይብሎም ሰባት እዚ መልእኽቲ እዚ ኣይምልከቶምን እዩ ማለትና እዩ። ጭንቀት ግን ደረጃ ቝጠባ ኸይፈለየ ንዅሉ ዚምልከት ኵነተ ኣእምሮ እዩ። ነቲ ስኡን ድኽነቱ ኼጨንቖ ኸሎ ነቲ ርኹብ ድማ ሃብቱ የጨንቖ።
እቲ ብዅሉ ነገር ኣርኣያና ምእንቲ ኪኸውን፡ ካብ ሰማያት ወሪዱ፡ ካብ ቅድስቲ ድንግል ተወሊዱ ስጋና ለቢሱ ኣብ ማእክከልና ዝተመላለሰ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ፡ ነዚ ኸም ኣርእስትና ሒዝናዮ ዘሎና ህያው ቃል እተዛረበ። እቲ ነዚ ቓል እዚ ዝተዛረበሉ ኣጋጣሚ ድማ፡ ኣብቶም ብህዝቢ ኣይሁድ ኣዝዮም ጽዩፋት ዝነበሩ ሳምራውያን፡ ብሓንቲ ኣመንዝራ ኽትስመይ እትኽእል ሽዱሽተ ኣሰብኡት እተመርዓወት ሰበይቲ ገይሩ ዕዉት ናይ ወንጌል ስራሕ ዝሰረሓሉ መዓልቲ እዩ።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ