S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

እታ ሕይወት እትህብ ኦም ፈውስናን ጸጋናን ነበረት

“ሎሚ ሎሚ ኣብ ገነት ምሳይ ኣሎኻ” (ሉቃስ 23፡43) ኣብ ገነት፡ ካልእ ካብዛ ኣቐዲምና ዝጠቐስናያ ሞት እተምጽእ ኦም፡ ኣዝያ ዝተፈልየት 

ሕይወት እትህብ ኦም ከም ዝነበረት እዛ ሒዝናያ ዘሎና ጥቅሲ ትዛረብ። ስማ ድማ ኦም ሕይወት ትብሃል ነበረት። እዛ ኦም ሕይወት እዚኣ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ንኣዳምን ሔዋንን መንፈሳዊ ሕይወት ክትኰኖም ኢሉ፡ ኣብ ማእከል ኤደን ዝተኸላ ትብላዕ ኦም ነበረት። ኣዳምን ሔዋንን ድማ ነፍሶም ከይትጠሚ ካብዛ ኦም ሕይወት እዚኣ ኩሉ ግዜ ይበልዑ ስለ ዝነበሩ፡ ብሕይወት ይነብሩ ነበሩ። ካብዛ ኦም ሕይወት ይበልዑ ስለ ዝነበሩ ድማ፡ ኩሉ ግዜ ሕያዋን ዘይሓሙ፡ ዘይሞቱ ኰይኖም ይነብሩ ነበሩ። ንኣዳምን ንሔዋን ንዘለዓለም ብሕይወት ዝነብሩ ዘይሓሙ ዘይሞቱ ገይራ እትሕዞም ዝነበረት ድማ እዛ ብመለኮታዊ ጸጋ እግዚኣብሔር ዝመልኤት ሕይወት እትህብ ኦም ነበረት። ንሳቶም ግና ነዛ ከየቛረጹ ዝበልዕዋ ዝነበሩ ሕይወት እትህብ ኦም ገዲፎም፡ ካብታ ኣይትብልዕዋ ዝተባህሉ  መለኮታዊ ጸጋ እተጥፍእ ኽፉእን ጽቡቕን እተፍልጥ ኦም በልዑ እሞ፡ ብኡ ንብኡ መንፈሳዊ ሞት ሞቱ፡ ዝነበሮም መለኮታዊ ጸጋ ኣጥፍኡ። እዚ ማለት ካብቲ ምስ እግዚኣብሔር ዘራኽቦም ዝነበረ መስመር ሕይወት መለኮታዊ ጸጋ ኣቛረጹ። እዚ ማለት እቲ ናብ እግዚኣብሔር ዘሰጋግር ዝነበረ ድንድል ዝዀነ መለኮታዊ ጸጋ እግዚኣብሔር ፈረሶም እሞ፡ መንፈሳውን ሥጋውን ሞት ሞቱ። ደጊሞም ካብታ ኦም ሕይወት ከይበልዑ እሞ ብዘይ ጸጋ እግዚኣብሔር ብመርገም ሰይጣን ንዘለዓለም ዘይሞቱ ህያዋን  ኰይኖም ከይነብሩ፡ “እግዚኣብሔር ኣምላኽ ድማ እንሆ ኣዳም ከም ሓደ ኻባና፡ ጽቡቕን ክፉእን ዚፈልጥ ኰነ። ሕጂ ኸኣ ንዘለዓለም ሕያው ኮይኑ ኸይነብር ካብ ኦም ሕይወት ወሲዱ ኣይብላዕ በለ”።

እግዚኣብሔር ጽቡቕን ክፉእን ዝፈልጥ ክነሱ ንኣዳምን ሔዋንን ኣብ ገነት ከለዉ ጽቡቕ እምበር ኩፉእ ዝበሃል ዘይፈልጡ ገይሩ ፈጠሮም። ድሕሪ ካብዛ ኩፉእን ጽቡቕን እተፍልጥ ኦም ምብላዖም ግና፡ ኣብ ርእሲ ምፍላጥ ጽቡቕምፍላጥ ኩፉእ ዝብሃል ካልኣይ ባህርይ ብድላዮም ድላይ ሰይጣንን ተወሰኾም። ሰብ ብተፈጥሮኡ ነጻ ባህርይ ዘለዎ ፍጡር እኳ እንተዀነ፡ ክፉእ ዝበሃል ባህርይ ግና ምስኡ ኣይተፈጥረን። ንኹፉእ ብኢደ ወነኑ ምስ ፈለጦ ግና፡ ሰብ ክልተ ባህርያት ዝውንን ኰነ። ማለት እንተደለየ ንጽቡቕ እንተደለየ ድማ ንኹፉእ ዝመርጽ ነጻ ባህርይ ኰነ። እዚ ማለት እንተደለየ ንገሃም እሳት እንተደለየ ንመንግሥተ ሰማያት ዝመርጽ ባህርይ ዘለዎ ኰነ።

ስለዚ እግዚኣብሔር፡ ኣዳም ካብታ ሕይወት እትህብ ኦም መሊሱ ከይበልዕ፡ እሞ ንዘልዓለም ዘይመውት ፍጡር ኰይከነ ከይነብር፡ ክሳብ ብምስትውዓል ምርጭኡ ዝመርጽ፡ ምሕረት ኣምላኽ ከይነፈጐ፡ መለኮታዊ ጸጋ ኣምላኽ እንደገና ዝወሃቦ፡ ካብ ኦም ሕይወት ከይበልዕ ከልከሎ። ናብ ኦም ሕይወት እትወስድ መገዲ ዚሕልዉ፡ ኪሩቤልን ሃልሃል እትብል እተንበልብል ሰይፊን፡ ብሸነኽ ምብራቕ ገነት ኤደን ኣቐመጠ ይብል። ኣዳምን ሔዋንን ድሕሪ ውድቀቶም ካብታ ኦም ሕይወት በሊዖም እንተ ዝነብሩ ግና፡ ንሳቶምን ደቆምን ዘዝሞትና ሥጋና ናብ መሬት ተመሊሱ እናበስበሰ፡ ነፍስና ድማ ኣብ ሲኦል እናተዓቁረ ንድሕነት ተስፋ ዘይብልና ክሳብ መዓልቲ ፍርዲ ምነበርና ነይርና። ፍርዶም ድማ ከምቲ ንድያብሎስን ንመልኣኽቱን ዘለዓለማዊ ጥፍኣት ዝተፈርዶም ምዀነ ነይሩ። ከመይሲ ምስ ሰይጣን ስለ ዝወገኑ። ዳግማይ ምሕረት ዝብሃል ፈጺሞም ኣይምረኸቡን ነይሮም። እግዚኣብሔር ግና፡ ንኣዳም ወዲቑ ጥራይ ዘይኰነ፡ ብውድቀቱ ሓፊሩ፡ ቆጽሊ ኣላጊቡ ሕፍረቱ ክኽውል፡ በደሉ ፈሊጡ ንበደሉ ከማኻኒ ምስ ረኣዮ፡ ደንገጸሉ እሞ፡ እንደገና እንጌራ ሕይወት ኣብሊዑ ከም ዝፍውሶ ኣፍለጦ።ንሱ ርእስኻ ኺጭፍልቕ እዩ፡ ንስኻ ድማ ሸዀናኡ ኽትነክስ ኢኻ ዝብል ሓድሽ ተስፋ ሃቦ (ዘፍ፡ 3 15) ግዜ ምስ ኣኸለ ብገዛእ ሕይወት ወዱ ገይሩ ከም ዝብጀዎ ቓል ኣተወሉ። ክሳብ ጊዜኡ ዝኣክል ግናነታ ዝተፈጥረላ ምድሪ ምእንቲ ኺዓያ፡ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ንኣዳም ካብ ገነት ኤደን ኣውጽኦ። ኣዳምን ሰበይቱን ዝገብርዎ ዝፈልጡ ለባማት ፍጡራት ክነሶም፡ ብሰንኪ ዘይብላዕ ብልዒ ምምናዮም ስለ ዝጠፍኡ፡ ካብ ገነት ተሰጐጉ።

ኣዳም ድሕሪ ሥጋዊ ሞቱ ከይተረፈ፡ ክሳዕ እቲ ተስፋ ዝፍጸም፡ ነቲ ተስፋ ምድሓኑ ኣብ ሲኦል ኰይኑ ተጸበየ። እንተዀነ እዚ ርእሲ ተመን ዝጭፍልቕ መድሓኒ ከመይ ገይሩ እዩ ንኣዳም ከድሕኖ፧ እታ ቀዳመይቲ ንኣዳም ምድሓን እተምጽኣሉ፡ ዘይትብላዕ በሊዑ ስለ ዝሞተ፡ እንደገና ካብታ ቀደም ሕይወት እትህቦ ዝነበረት ኦም ሕይወት ኣብሊዑ ዳግማይ ሕይወት ክህቦ እንተዘይኰይኑ ካልእ ሕይወት ዝህብ ነገር ንኣዳም ኣይተነግሮን። ከመይሲ ኣዳም ዝጠፍኤ ብብልዒ እታ ኣብ ገነት ዝነበረት ኦም ድኣምበር፡ ብኻልእ ኣይነበረን። ሓደ ካብቲ ናይ ምብራቅ ኦርቶዶክስ መዛሙር ከምዚ ይብል፡ ቤት ሊሄም ኤዴን ንኹሉ ፍጡር ተኸፊታ ኣላ እሞ ተቐረቢ፡ ኤፍራታ ተዳለዊ፡ ኦም ሕይወት ዓምቢባ ድንግል ኣብ በዓቲ ተረኺባ፡ ካብ ማህጸና መንፈሳዊት ገነት ተገሊጻ፡ መለኮታዊ ተኽሊ ተተኺላ፡ ከምቲ ኣዳም ዝሞቶ ዘይኰነ፡ ካብ ተኽላ በሊዕና ብህይወት ክንነብር ኢና። ክርስቶስ ተወልደ ነቲ ዝወደቐ ኣረጊትና ኣተስኣልና” ይብል። ስለዚ እቲ ርእሲ ተመን ዝጭፍልቕ ወዲ ኣምላኽ ንባዕሉ፡ እታ ፈውሲ ኣዳም ዝዀነት ኦም ሕይወት ኰይኑ፡ ኣብታ ብገነት እትምሰል ድንግል ማርያም ሓደረ።

ኣብታ ቤት እንጀራ ተባሂላ እትፍለጥ ቤት ሊሔም ድማ ተወልደ። ብኦም ጠፋእና ብኦም ድማ ለማዕና ክበሃልሲ ንባዕሉ፡ ኣብ ኦም ተሰቅለ፡ ኦም ህይወት ድማ ኰነ። ንኣዳም ድማ ነቲ ካብ ጥንቲ ተኸዊልዎ ዝነበረ ምሥጢር ተገልጸሉ። እቲ ንምድሓን ኣዳም ዝመጸ ወዲ ኣምላኽ ድማ  እንጌራ ሕይወት ኣነ እየ። ናባይ ዚመጽእ ኣይጠምን፡ ብኣይ ዚኣምን ከኣ ከቶ ኣይጸምእን እዩ በለ (ዮሃ፡ 635) ደጊሙሥጋይ ዚበልዕ ደመይውን ዚሰቲ ናይ ዘለኣለም ሕይወት ኣላቶ፥ ኣነውን በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ኸተንስኦ እየ ኢሉ ነቲ ተስፋ ኣዳም ፈጸሞ። ኣዳም ድማ እንደገና ብመለኮታዊ ጸጋ ኣምላኽ፡ ካብቲ ሕይወት ዝህብ ሥጋ ወዲ ኣምላኽ በሊዑ ብጸጋ ዝተኸለለ ሓዱሽን ዘይመውትን ንዘለዓለም ዝነብር ሕይወት ረኸበ።ኣቦይ እዝጊ ጸድፊ ይፈጥር እሞ መደያይቦ ድማ ይፈጥር” ከም ዝተባህለ በዚ መደያይቦ እዚ ኣቢልና ኩላትና ዝበላዕናዮን ዝሰተናዮን ዘበልና፡ ናብ ገነት ክንኣቱ ተፈቒዱልና ኣሎ።

 

ደጊምና ካብ ኦም ሕይወት ክንበልዕ ተፈቕደና

ኦም ሕይወት ምንባራ ዝተገልጸ ኣብቲ ኣብ መጀመርታ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ መጽሓፍ ዘፍጥረት እዩ። እንደገና ድማ ኣብ መወዳእታ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ራእይ ዮሃንስ ደጋጊማ ከም ዝተጠቕሰት ነንብብ። እቲ ንሳ እትህቦ መለኮታዊ ጸጋ ድማ ሕይወት ከም ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ መመሊሱ ከምዚ ይብል፡ “እዝኒ ዘለዎ እቲ መንፈስ ቅዱስ ንኣብያተ ክርስቲያን ዚብለን ዘሎ ይስማዕ። ነቲ ዚስዕር ካብታ ኣብ ገነት ኣምላኽ ዘላ ኦም ሕይወት ኪበልዕ መሰል ኽህቦ እየ (ራእይ 2፡7) ድሕሪ ኣዳምን ሔዋንን ዘይብላዕ በሊዖም ምስ ሞቱ፡ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ካብዛ ኦም ሕይወት እዚኣ ደጊምና ከይንበልዕ ከም ዝኸልከለና ተጠቂሱ ኣሎ። እሞ ሕጂ ድኣ እንታይ ስለ ዝተረኽበ እዩ ነቲ ዚስዕር፡ ካብታ ኣብ ገነት ኣምላኽ ዘላ ኦም ሕይወት ኪበልዕ መሰል ኽህቦ እየ ተባሂሉ ዝንገረና ዘሎ፧ እዚ መሰል እዚ እንታይ እዩ፧ መንከ ናብኡ ኣብቅዓና፧ ብርግጽ እዚ መሰል እዚ ዝሃበና ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ስብሓት ይኹን ንስሙ።

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div