S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ኣብ መንግሥተ ሠማያት መን ይዓቢ? (2ይ ክፋል)

ምኽንያት ፈተና

1.“ካብዞም ብኣይ ዚኣምኑ ንኣሽቱ ንሓደ ዜስሕት

ሕጻናት ብባህርያቶም ኣመንቲ ስለ ዝዀኑ፡ ዓበይቲ ዝበልዎም ብዘይ ውልውል እዮም ዝኣምንዎ። በቲ ሓደ ወገን እንተ ረኤናዮ ድማ፡ ካብቶም ኣብ ሓጥያት ዝነብሩ ሰባት፡ ደጊም ዓለም ይኣኽለኒ ኢሎም ብንስሓ ናብ ቤተ ክርስቲያን ክምለሱ ከለዉ፡ ንመንፈሳዊ ትምህርቲ ሕጻናት ስለ ዝዀኑ፡ እቲ እቶም መራሕቶም ዝብልዎም ዘበለ ቀልጢፎም እዮም ዝኣምንዎ። እቲ ዝምህር ድማ በቲ ዝተዋህቦ ስልጣን ብግቡእ እንተ መሃሮም ግቡኣት ውሉድ ኰይኖም ይርከቡ። ጠማዚዙ እንተ መሃሮም ግና፡ ንሳቶም ድማ ዝተጠማዘዘ ትምህርቲ ስሕተት ስለ ዝተማህሩ፡ ከምቲ እቲ መሃሪኦም ንመንግሥቲ ኣምላኽ ዘይወርሳ ንሳቶምውን ኣይወርስዋን። በዚ ምኽንያት ድማ፡ በዚ ዘሎናዮ እዋን፡ ሰባት ኣብ ፈቐዶ ቦታታት እናኸዱ፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ከም ድልየቶም ጠማዚዞም፡ ናብ ገዛእ ርእሶም ትምህርቲ ምሂዞም፡ ነቶም ብዛዕባ እምነቶም ገለ ኣፍልጦ ዘይጸንሖም ገርሄኛታት፡ ከምቲ ሰራሕ መሬት ንሓደ ዕትሮ ከምቲ ዝደለዮ ገይሩ ዝሰርሖ የስርሕዎም እሞ፡ እታ ፈታኒት ሰዓት ምስ መጸት፡ ደው ዘብል ሓይሊ የብሎምን እሞ፡ ከም ሓሰር ክነዱ ግድን እዩ። ኣንታ መምህር ትምህርትካ ካብ ብሥልጣን መንፈስ ገዛእ ርእስካ ምሂርካ፡ መዓልቲ ፈተና ምስ መጸ፡ ፍሬካ ዝነድድ ሳዕሪ ካብ ዝኸውንሲ፡ ዘይምምሃር ይሕሸካ። ኣንታ ብሥልጣን መንፈስ ቅዱስን ብሥልጣን እታ ዝተላእኸት ቤተ ክርስቲያንን እትምህር ኣብ ሓይሉ ጽናዕ እሞ፡ ነቲ ዝዘራእካዮ ትሓፍሰላ ሰዓት ምስ መጸት ክትከሓስ ኢኻ እሞ ንኹሉ ብትሕትና ቀጽሎ።  

ሕጻናትውን ከምኡ ዘዕብይዎም ዓበይቲ ወይ ዝምህርዎም መማህራኖም ቁኑዓት እንተ ዀይኖም፡ በቲ ሓቀኛ መገዲ ይመርሕዎም እሞ፡ ካብ ሓቂ ዝተወልዱ ይኰኑ። በቲ ዘይቁኑዕ መገዲ እንተ መርሕዎም ግና፡ ከምቲ ንዝጎበጠት ገረብ ትኽ ከተብላ ኢልካ እንተፈተንካያ እትስበር፡ ንሳቶም ድማ ጐቢጦም ይዓብዩ እሞ፡ ትኽ ከተብሎም እንተ ደለኻ ድማ ይስበሩ። ስለዚ ድማ እዩ ሕሱም ረጋማይምስ መዕበይካ ጥፋእኢሉ ዝረግም። እቲ ብጽቡቕ ተዀስኵሱ ዝዓበየ ግና ፍረኤ ጽቡቕ ስለ ዝኸነ ይምረቕ እምበር ኣይርገምን።

ንሕጻናት መዕበይቶምን መማህራኖምን ኣብ ምዕባይ ሕጻናት ወሳኒ ግደ ኣለዎም፡ በዚ ምኽንያት ወለዲ ወይ መማህራን፡ ኣቐዲሞም ንገዛእ ርእሶም ትኽ ከብሉ ይግብኦም። እንተዘይኰነ፡ መገዱ ዝሰሓተ ወላዲ ወይ መምህር፡ መገዶም ዝሰሓቱ ዜጋታት እዩ ዘዕቢ። ነዚ ድማ እዩ ጐይታ ካብዞም ነኣሽቱ ንሓደ ዘስሕት ወይለኡ ዝብል ዘሎ።

እዚ ማለት ንናኣሽቱ ክፍኣት ንኽገብሩ ምፍታኖም ወይ ከኣ ምምራሖም ማለት ኣይኰነን። ወላዲ ንምድሓን ደቆም ሸለል ምስ ዝብሉዎ፡ ብኣረኣእያኦምን ብምስትንዓቖምን ብምብጫዎምን፡ ንናኣሽቱ ናብ ክፍኣት ኬስሕትዎም ይኽእሉ። እዚ ወለዲ ጥራይ ዝገብርዎውን ኣይኰነን። ግናኸ፡ መምህራንን መራሕትን ኰታ ኵሉ ሰብውን ዝገብሮ እዩ።

ንሕጻን እተስሕተሉ ካልእ መገዲ ድማ፡ ካብ ኣፍና ብዝወጽእ ብሁልን ዘይብሁልን እናተዛረብና እንመርሖም እዩ። ኪሕስዉን ዘስክር መስተ ኪሰትዩን ኬትክኹን ኣብ ሃይማኖት ጥርጥር ኬሕድሩን፡ ንመራሕቲ ሃይማኖት ኬናእሱን ኬባጭዉን ከነስሕቶም ንኽእል ኢና።

2.“መጥሓን ኣድጊ ኣብ ክሳዱ ተኣሲሩ ኣብ ዓሚቕ ባሕሪ ኺጥሕል ምሔሾ

(እዚ መጥሓን ኣድጊ ተባሂሉ ዘሎ፡ ቀዳሞት ሰባት በእዱግ እናሰሓቡ ዝጥቀሙሉ ዝነበሩ መጥሓኒ እዩ። ክብደቱ ድማ ብውሕዱ ክሳዕ ሓሙሽተ ኩንታል ዝምዘን እዩ) ሰብ ክንድዚ ዝኣክል እምኒ ኣብ ክሳዱ ተኣሲሩ ናብ ባሕሪ ክድርበ ክትርእዮ ኣዝዩ ዘጉሂ እዩ። ምኽንያቱ፡ እቲ እምኒ ናብ ማዕሙቕ ስለ ዘስጥመካ፡ ንዕኡ ፈንጺግካ ካብኡ ክትወጽእ ፈጺምካ ዓቕሚ ዝበሃል የብልካን።

ጐይታ እቲ ቀንዲ እዚ ዝበለሉ ምኽንያት፡ ኣብ ልዕሊ ሕጻናት እንፍጽሞ ጌጋታት፡ ኣዝዩ ከቢድ ከም ዝዀነን ብቐሊል ከም ዘይፍታሕን እዩ ዝምህረና ዘሎ። ምኽንያቱ ኣብ ልዕሊ እቲ ዘይተማህረ ህጻን፡ ናብ ናይ ዘለዓለም ጥፍኣት ዘምርሕ መገዲ ስሕተት ስለ እንሃንጽ። ብሰሪ መሪሕነትና ድማ ሕይወት መንግሥተ ሠማያት ስለ ዘስኣናዮ፡ ፍርዱ ከቢድ ከም ዝዀነ እዩ ዘጠንቅቐና ዘሎ።

እዚ ግና፡ ነቶም ብሥጋዊ ትውልዲ ዝወለድናዎም ሕጻናት ጥራይ ኣይኰነን ዝዛረብ ዘሎ። ከምኡውን ንሓደ ሰብ ብንስሓ ንሓቂ ክስዕባ ኢሉ መገዲ ክርስቶስ ክመሃር ኢሉ ዝመጸ ሰብ፡ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኰንካ ወይ መራሒ ተባሂልካ ወይ ምእመን ተባሂልካ፡ ነቲ ይፈልጥ እዩ ኢሉ ካባኻ ክመሃር ዝደሊ ሰብ፡ ሕማቕ ኣርኣያ ብምኳን፡ ኣብ ክንዲ ናብ ጽድቂ ናብ ገሃንም። ኣብ ክንዲ ናብ ፍቕሪ ናብ ጽልኢ። ኣብ ክንዲ ናብ ሰላም ናብ ህወከትን ሻራን ምፍልላይን ምምራሕ። እዚ እቲ ዝኸፍኤ ሓጢኣት እዩ ዝብለና ዘሎ። እዚ ማለት ንብረት እንተዘይ ሰረቕካ፡ ልቢ ሰብ ከም ዝሰረቕካ ኣይትረስዕ። ንሰብ ብኣካል እንተዘይ ቀተልካ፡ መገዱ ኣስሒትካ፡ ናብ ናይ ዘለኣለም ጥፍኣት ከም ዘንከራሩ ስለ ዝገበርካ፡ ደሙ ኣብ ልዕሌካ ከም ዘሎ ኣይትረስዕ። ካብ ደም ተመሃራይ ሓራ ክትከውንሲ፡ ብግብዝና ኣይትንበር። ተዘይኰነ፡ ካብ ንሓደ ሰብ ናብ ዘለኣለም ጥፍኣት መሪሕካ፡ ንነፍሱ እትቐትልሲ፡ ንገዛእ ርእስኻ መጥሓን ኣድጊ ተሽኪምካ ሽሕ ሞት ሙማት ይሕሸካ

3.“ወይለኣ ንዓለም ብሰሪ መዔንቀፊ

ኣብ ዓለም ካብ ወለዶ ንወለዶ ኩሉ ግዜ እና ተሓደስን መልክዑ እናለዋወጥን ዝመጽእ ብዙሕ መዔንቀፍን ፈተናታትን ነይሩን ኣሎን። ብዘይ ዕንቅፋት ዝሓለፈ ወለዶ የልቦን። ንፈተናን ዕንቅፋትን ሰጊሮም ዝተዓወቱ ድማ ቁጽሪ የብሎምን። ኣብዛ ሓጥእ ዓለም እዚኣ ክሳዕ ዘሎና፡ ሰዓብቲ ክርስቶስ ከይተፈተኑ ኪሓልፉ ኣይክእሉን እዮም። ስለዚ ድማ እዩ ጎይታነቲ ብሰሩ ስሕተት ዚመጽእ ሰብ ወይለኡዝበለ።

ንኻልኦት ናብ ሓጥያት ምምራሕ እቲ ዝኸፍኤ ሓጥያት እዩ። እቲ ከም ዝገብር ከኣ ብግሁድ ስራሕ ሰይጣን ይዓዪ ኣሎ እምበር፡ ስራሕ ክርስቶስ ኣይሰርሕን። እዚ ማለት ገለ ሰባት ሓቀኛ ናይ ልቢ መንፈሳዊ ለውጢ ዘየብሎም ወይ ንመገዲ ክርስቶስ ክነብሩ ዘይ መደቡ ክነሶም፡ ኣብታ ናብ መንግሥተ ሠማያት እትወስድ ጸባብ መገዲ ጽድቂ ይዀኑዎም። እዚኣቶም ዓንቀፍቲ እዮም እሞ ወይልኦም። እሾኽ ቤተ እግዚኣብሔር ስለ ዝዀኑ፡ ቤት እግዚኣብሔርውን ስለ ዘርክሱ፡ ጐይታ ድማ ንኸምዚኣቶም ዝኣመሰሉ መሻርኽቲ ሰይጣን ስለ ዘይዀነወይለኣ ንዓለም ብሰሪ መዔንቀፊዝበለ።  

4.“ኢድካ ወይ እግርኻ እንተ ኣስሓተትካ፡ ካባኻ ቆሪጽካ ደርብያ።

ወዲ ሰብ እታ ዝለዓለት ትሕዝቱኡ ነፍሱ እያ። ነፍሱ ንዘለዓለም ከም እትነብር ኣብ ዝተፈላለየ ምዕራፋት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ተማሂርናዮ ኣሎና። እታ ደድሕሪ ነፍስና ዝዓበየት ትሕዝቶና ድማ፡ ሥጋና እያ። ሥጋ ድማ ካብ ሓመድ ምድሪ ስለ ዝዀነት፡ ቀልጢፋ ትኣርግ፡ ትመውት፡ ትብስብስ፡ ናብ ሓመድ ድማ ትልወጥ። እንተዀነ ንሕና ሰብ ሥጋ ዝለበስና ከም ምዃና መጠን፡ መብዛሕትኡ ግዜ ነታ ዘለዓለማዊት ረሲዕና በታ ግዜያዊ ተደሊልና፡ ኣንጻር እታ ሰማያዊ ንፍጽም። ሽዑ ኣብ ግዜ ሞት እታ ምድራዊ ስራሓ ስለ ዝፈጸመት፡ ናብ ሓመድ ትምለስ። እታ ዘለዓለማዊት ዝዀነት ነፍስና ግና፡ በቲ ሥጋ ዝገበረቶ ድለላ ተታሊላ ስለ ዝጸንሔት፡ መወዳእታኣ ናብ ዘለዓለማዊ ጥፍኣት ይኸውን።እዚ ስለ ንፈለጥና ድማ ኢና ሰብ ምስ ሞተና፡ ኣምሪርና ንበኪ። ግናኸ ጌና ድማ ዘይንመሃር።

ካባና፡ መን እዩ ንኢዱ ወይ ንእግሩ ዘይፈትዋ፡ ኩላትና ሓንካሳ ወይ ቆራይ ክንከውን ፈጺምና ኣይንደልን። እንተዀነ ጐደሎ ኣካል ክንከውን ዘይንደሊ ኰይና፡ ክሳዕ ክንድዚ ዝኣክል ድማ ብጉድለትና ንጉሂ ኰይና፡ መንግሥተ ሠማያት ብሰንኪ እቲ ግዝያዊ ዝዀነ ብኣካላትና ዝፍጸም ኣበሳ፡ ማለት ዝሙት፡ ስኽራን፡ ስርቂ፡ ቅትለት ወዘተ…. እንተ ከሰርናያስ ክሳዕ ክንድይ ዝኣክል ክሳራ ኢና ንኸስር ዘሎና። ከመይሲ መንግሥተ ሠማያት፡ ኢድ ወይ እግሪ ከፊልካ ኣይኰነትን እትእቶ። እንታይ ድኣ እታ ንወዲ ሰብ፡ ዝዓበየት እንኮ ንብረት ዝለላቶ ሕይወት ከፊልካ እያ እትእቶ። ስለዚ ንኻልኦት ከይተስሕት ምጥንቓቅ ዘኰነ፡ ንነፍስኻውን በቲ ብሥጋኻ ዝፍጸም ስሕተት ከይትጠፍእ ሓልዋ።     

5.ንናኣሽቱ ዝወሃብ ሠማያዊ ሓልዮት፡ካብዚኦም ናኣሽቱ ንሓደ እኳ ኰይትንዕቁ ተጠንቀቑ’”

ክርስቶስ ንዝወለድናዮም ሕጻናትን፡ ነቶም ካብ መንፈስ ዝተወልዱ ማለት ብንስሓ ናብ ክርስቶስ፡ ትምህርቱ ክመሃሩ ናብ ቤተ ክርስቲያን ዝመጹን ክሳዕ ክንድዚ ካብ ተገደሰሎም፡ መላእኽቲ ኸኣ ብጥንቃቔ ዝሕልዉዎም ካብ ኰኑ፡ እታ ካብ ክርስቶስ ኣብ ምድሪ ምሉእ ውክልና ዝተቐበለት ቤተ ክርስቲያን ድኣ፡ ነዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ ወገናት፡ ክሳዕ ክንደይ ክትግደሰሎምን ክትጽዕረሎምን ዘይግብኣ።

እምብኣርከስ፡ እታ ሓደ እኳ ከይጠፍእ እትግደስ ቤተ ክርስቲያን፡ ብኹሉ እተባረኸት ቤተ ክርስቲያን እያ። ምኽንያቱ ኣመንታ ንትምህርታን ንእምነታን ብቐሊል ክርድእዎን ክፈልጥዎም ክቕበልዎን ዝኽእሉሉ መገድን ማእለይትን ሓልዮትን ክኸፍሉኒ እዮም ከይበልት ትገብርን ትጽዕርን።

ብግብሮም ዘይኰነ ብሕይወት ኣመንታ ስለ እትግደስ ድማ፡ ንስኻ ዓቢ ኢኻ ንሥኻ ንእሽቶይ ኢኻ፡ ንስኻ ኣይናትናን ኢኻ ከይበለት፡ ንሓደ እኳ ከይነዓቐት፡ ወንጌል ጥዑም ዜና ናብ ኩሉ ክበጽሕ ትጽዕር። ሰብ ከመይ ጌሩ መንግሥተ ሠማያት ከም ዝኣቱ ድማ ክትሓልም ትነብር። ኣካል ቤተ ክርስቲያን ዲኻ፧ ሕልምኻ እንታይ እዩ፧ ባዕልኻ መልሶ። 

ምስላ ዝጠፍኤት በጊዕ

1.“ወዲ ሰብ ንዝጠፍኤ ኬድሕን መጺኡ ኣሎ።

ንኹሎም ዝጠፍኡ ክብል ከሎ፡ ንኹላቶም ካብ ኣዳም እተወልዱ ዘበሉ፡ ካብ ሓጥኣን ስለ ዝተወልዱ፡ ዓሌቶም ብዘየገድስ፡ ክርስቶስ ከድሕኖም መጸ። ሰብ ብሰንኪ ኣዳምን ሔዋንን፡ ካብ ቤት እቲ ሠማያዊ ኣቦኡ ዝጠፍኤ እዩ።

በየነይቲ መገዲ ኣቢሉ፡ ናብታ ሠማያዊ ገነት ከም ዝምለስ ከኣ ኣይፈልጥን እዩ። ከም ኢሉ መገዲ ጠፊኡዎ ኰለል እናበለ ከሎ፡ ድማ ድንገትን ሞትን ቀረባኡ እዩ። ግናኸ ንገዛእ ርእሱ ካብ ከም ዝበለ ጭንቀት ብኽእለቱ ኪወጽእ ኣይክእልን እዩ። እንተ ዀነ ንኣምላኽ ስብሓትን ክብርን ይኹኖ፡ በቲ ሓደን ካልእ መተካእታ ዘየብሉን፡ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ ኣቢልና፡ ካብ መገዲ ጥፍኣት ክንምለስ፡ ክርስቶስ ሓቀኛ መገዲ ሕይወት ኰነልና። በዚ ምኽንያት ድማ ቤተ ክርስቲያን ዓመት ዓመትክርስቶስ ተንስኣ እሙታን፡ በዓብይ ኃይል ወሥልጣን፡ ኣሠሮ ለሰይጣን፡ ኣግኣዞ ለኣዳም፡ ሠላም፡ እምይእዜሰ፡ ኰነ፡ ፍስሓ ወሰላምእናበለት ክትምስክር ትነብር ኣላ።

2.“ሚኢቲ ኣባጊዕ ዘለዋኦ ሰብኣይ፡ ካብኤን ሓንቲ ኣንተ ጠፍኤቶ ነተን ተስዓን ትሽዓተን ሕዲጉዶ ነታ ዝጠፍኤት ኪደሊ ናብ ኣኽራን ኣይከይድን፧

እዛ ጥፍእቲ በጊዕ እዚኣ፡ ካብ መጓሰ ናብቲ ፈቓር ጓሳ ዝጠፍኤት ናይ ሓጥእ ሰብ ነፍሲ ምሳሌ እያ። እዚ ሕያዋይ ጓሳ እዚ ንኹለን ኣባጊዑ፡ በብስመን ይፈልጠን። ሓንቲ እንተ ጠፍኤት ከኣ ይፈልጥ እዩ። ከምቲ ቅዱስ ሉቃስ ዝጸሓፎ ኣብ ወንጌል ጥዑም ዜና እነንብቦ፡ ክሳዕ ዚረኽባ ኸኣ ብዙሕ ድንገትን ጭንቀትን ዘለዎ ኣጻድፍ እናኸደ ይደልያ። እዚ ማለት፡ ጐይታ ነተን ጥፉኣት ኣባጊዑ ማለት ኣዳም ኬድሕን ኢሉ፡ ንተሰዓን ትሸዓተን ነገደ መላእኽቲ ገዲፉ፡ ነታ ዝጠፍኤት ክጽውዓ፡ ኩሉ ግዜ ኢዱ ምስ ዘርግሔ እዩ

1.“እንተ ረኸባ ድማ ብኣኣ ኣዝዩ ከም ዚሕጎስ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ።

እዛ በጊዕ እዚኣ ካብተን ካልኦት ኣባጊዕ ዝበለጸ ዋጋ ስለ ዘለዋ ኣይኰነትን። ምድሓና ግና፡ ዓይኒ ማያት ናይ ሓጐስ ይኽፍት። እቲ ፈቓር ጓሳ ነታ በጊዑ ስለ ዝረኽባ በይኑ ኰይኑ ጥራይ ኣይኰነን ዝሕጐስ፡ ምስኡ ኪሕጐሱ ኢሉ ብዙሓት ይጽውዕ

ብምድሓን ናይ ሓደ ሰብ፡ ሠማያት ብሓጐስ ይመልእ። ሓደ ሓጥእ ሰብ ካብቲ ዝነበሮ ደረት ዘይብሉ ጽላሎት ሞት፡ ናብ ዓይኒ ዘይረኣየቶ፡ እዝኒ ዘይሰምዓቶ፡ ኣብ ልቢ ሰብውን ዘይኣተወ ዘለዓለማዊ በረዀት ብክርስቶስ በቲ ናይ ምድሓን ኣፍደገ፡ ክኣቱ ስለ ዝዀነ፡ ኣዝዩ ዓቢ ሓጎስ ዘስዕብ እዩ። ስለዚ ድማ ኢና መሓኔ ዓለም ኢልና እንጽውዖ።

4.“ከምኡ ድማ ካብዞም ነኣሽቱ ሓደ ኪጠፍእ፡ ፍቓድ እቲ ኣብ ሠማያት ዘሎ ኣቦኹም ኣይኰነን።

ስብሓት ይኹን ንኣምላኽ። ኣምላኽሲ ሕብርና ወይ ዓሌትና ከመይ ከም ዝዀነ ብዘየገድስ፡ ኩሉ ሰብ ዘበለ ኪድሕን እዩ ድልየቱ። ከመይሲ ኣምላኽ ብፍቕሩን ብሓልየቱን በቲ ንምድሓን ሰባት፡ ብቑዕ ዝዀነ ደም ወዲ ኣምላኽ ጌሩ፡ ነቶም ብፍታው ዝመጻና ንወጻኢ ኣይድርብየናን እዩ።

ስለዚ እቶም ዝጠፍኡስ፡ ብፈቓዶም ነቲ ሓይሊ ምድሓን ስለ ዝነዓቕዎ ጥራይ ድኣ እምበር ብምትሕብባርና ክኸውን ኣይግባእን። እቲ መለኮታዊ ፍቕሪ ንምድሓኖም ኪገብሮ ዝኽእል ዘበለ ኹሉ ባዕላቶም እንተ ነጺጐሞዎ፡ ወይስ ከምቲ ህዝበይ ሰኣን ፍልጠት ይጠፍእ ዝተባህለ፡ ሰኣን ፍልጠቶም እንተ ጠፍኡ ደሞም ኣብ ርእሶም እምበር፡ ኣብ ዝእሲ ሓደ እካ ክኸውን ኣይግባእን። ኹሉም ዝጠፍኡ ዘበሉስ፡ ባዕላቶም ንነፍሶም፡ ንሞት ስለ ዝወፈይዋ፡ ደሞም ኣብ ገዛእ ርእሶም እዩ።

  1. ብሓቂ እዚ ዘንበብካዮ ተረዲእካዮ እንተድኣ ኰንካ ክሓተካ።
  2. እቶም ኣብ መንግሥተ ሠማያት መን ይዓቢ ኢሎም ዝተኻራኸሩ በዓል መን ነበሩ፧
  3. ጐይታ ንሓዋርያት ብዛዕባ ክርክሮም እንታይ በሎም፧
  4. ንሕጻናት ከመይ ጌርና ኢና ነስሕቶም፧
  5. እታ ዝጠፍኤት በጊዕ ምሳሌ ናይ መን ነበረት፧
  6. እቶም ክብረት ገዛእ ርእሶም ዝደልዩ ስለምንታይ መንግሥተ ሠማያት ዘይኣትዉ፧
  7. ነቶም ዝጠፍኡ መን እዩ ዘጋግዮም፧
  8. እዚ ዘረባ እዚ ኣበየነይቲ ቦታ ተዘርበ

ዶር ሽሞንዲ ኃይለ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div