S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ሥርዓተ ክህነት ኦሪት ብሓድሽ ሥርዓተ ክህነት ተለዊጡ'ዩ

እቲ ኣብ ትሕቲ ገማልኤል ኰይኑ ሕጊ ኦሪት ብግቡእ ዝተማህረ ሳኦል ዝተባህለ ራባይ፡ ዳሕራይ ሓዋርያ ጳውሎስ ዝተባህለእቲ ቀዳማይ ሥርዓት እኹል ነይሩ እንተ ዝኸውን፡ እቲ ዳሕረዋይ ድኣ ንምንታይ ኣድለየ (እብ፡711) ክብል ሕቶ ዘቕረበሉ ምኽንያት፡ ቅድም በቲ ኣብ ትሕቲ ገማልኤል ኰይኑ ክመሃር ከሎ ኣድላይነት ሕጊ እምበር ኣድላይነት ጸጋ ኣይተራእዮን። ኣድላይነት ሕጊ ደረት ከም ዝነበሮ ኣብ ጸጋ ኰይኑ ምስ ረኣዮ ግና፡ እቲ ቀዳማይ ሥርዓት ንምልእቲ ዓለም ዘይኰነስ ንድሩት ዓሌት ጥራይ ከም ዝመጸ ምስ ኣስተውዓለ፡ እኹል ኣይነበረን ጥራይ ዘይኰነ፡

እግዚኣብሔር ክሳብ ጸጋ ዝመጽእ ግዚያዊ ገይሩ ከም ዝሰርዖ ምስ ኣስተውዓለእምብኣርስኸ ብቤተ ኽህነት ሌዋውያን ፍጻሜ እንተ ዚኸውንሲ፡ እቲ ህዝቢ ብእኡ ሕጊ ተሐጊጉሉ ነይሩ እዩ እሞ፡ ከም መዓርግ ኣሮን ዘይብሃል ካልእ ካህን ከም መዓርግ መልከጼዴቅ ዝዀነ ኺትንስእ ደኣ ንምንታይ መድለየ ነይሩ፧ማለት ክህነት ካብ ዚልወጥ፡ ምልዋጥ ሕጊውን ብግዲ ኪኸውን እዩኢሉ ሥርዓተ ክህነት ከም ዝተለውጠ ድኣ ተዛረበ እምምበር ሥርዓተ ክህነት ከም ዝተረፈስ ኣይተዛረበን (እብ፡78-12) ክርስቶስ ከም መልከጼዴቅ ካህን ኰይነ ድኣ በለ እምበር፡ መስዋእቲ ብመልከጼዴቅ ተዛዘመ ወይ ክህነት ብመልከጼዴቅ ተዛዘመስ ኣይበለን። ክርስቶስ ግና ንሓጢኣት እስራኤል ጥራይ ዘይኰነ፡ ንዅሉ ኃጢኣት ምልእቲ ዓለም ዚኣክል መስዋእቲ ስለ ዘቕረበ፡ ነቲ ግዚያዊ ዝነበረ ክህነት ኣሮን ናብ ዘይሓልፍ ዘለኣለማዊ ዝዀነ ክህነት ለወጦ (እብ. 711-28) ክህነት ኣሮን ኣብ ምድራዊት ቤተ መቕደስ ኰይኑ ነቲ ኣብ እምኒ ዝተጻሕፈ ቃል (ሬማ) የገልግል ነበረ። ክህነት ክርስቶስ ግና እቲ ቓል (ሎጐስ) ባዕሉ እዩ እሞ፡ ንዕዮ ክህነት ኣብ ምድራዊት መቕደስ ዘይኰነ፡ ኣብታ ሰማያዊት መቕደስ ኣቖሞ። ክህነት ኣሮን ኣብታ ምድራዊት ቤተ መቕደስ ስለ ዝነበረ በብግዜኡ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ዝኸውን ደም እንስሳታት ሒዙ ኣብ ቅድስተ ቅዱሳን ይኣቱ ነበረ። ክህነት ክርስቶስ ግና ብደም እንስሳታት ዘይኰነ፡ ደም ገዛእ ርእሱ ሒዙ ሓንሳብ ንሓዋሩ ኣብታ ሰማያዊት ቤተ መቕደስ ኣተወ (እብ.911-12) ስለዚ ሕጂ ምእንቲ ኃጢኣት ደቂ ሰብ ተባሂሉ ዝስዋእ እንስሳ የልቦን። ንሕድገት ሓጢኣት ኢሉ እንስሳ ዝስውእ ካህንውን የለን። ክህነት ካብ ግዚያዊ ናብ ዘለኣለማዊ ካብ ተቐየረ፡ ሕጊ መስዋእቲ ድማ ካብ ግዚያዊ ናብ ዘለኣለማዊ ክቕየር ግዲ እዩ። ስለዚ እቲ ሕጂ ዘሎ መስዋእቲ፡ እቲ ግዚያዊ ዘይኰነ እቲ ንኹሉ ግዜ ዝኸውን ሓንሳብ ኣብ ቀራንዮ ዝተሰውኤ መስዋእቲ፡ ኩሉ ግዜ እናበላዕካን እናሰተኻን እትነብር ዘለኣለማዊት ኦም ህይወት ኰነ።እግዚኣብሔር ኣቦኡ መንግስትን ካህናትን ክንኰኖ ዝገበረና፡ ክብርን ስልጣንን ንዘለኣለም ኣለም ንእኡ ይኹን። ኣሜን” (ራእ. 15-6) ብደም ድቤላታትን ምራኹትን ዘይኰነስ፡ ብደም ርእሱ ናይ ዘለኣለም ምድሓን ረኺቡ ሓደ ጊዜ ናብቲ መቕደስ ኣተወ። ስለዚ ደም ድቤላታትን ኣረውሕን ሓመዂስቲ ኣርሕን ኣብቶም ዝረኸሱ ተነጺጉ ንምጽራይ ስጋ ዚቕድስ ካብ ኰነስ፡ ደም ክርስቶስ ብናይ ዘለኣለም መንፈስ ገይሩ ርእሱ ብዘይ ጽያፍ ንኣምላኽ ዘቕረበ ግዳ፡ ንስኻትኩም ንህያው ኣምላኽ ከተገልግሉ ኽንደይ ኣዝዩ ንሕሊናኹም ካብ ምዉት ግብሪ ዘየንጽሆ፧ (እብ 9:12-14) ክርስቶስ ግና ናይቲ ድሮ መጺኡ ዘሎ ሠናይ ነገር ሊቀ ካህናት ኮይኑ መጸ። ኣብቲ ብኢድ ሰብ ዘይተገብረ፡ ካብዚ ፍጥረት እዚ ዘይኰነ ብሉጽን ፍጹምን ድንኳን ከኣ ኣተወ (እብ 9:11) እዚ ማለት እቲ ቀዳማይ ብሙሴ ዝተዋህበ ተሳዕረ፡ እቲ ዳሕረዋይ ብክርስቶስ ዝመጸ ተተኽለ።

ንእግዚኣብሄር ኣቦኡ መንግስትን ካህናትን ክንኰኖ ዝገበረና፡

ቅዱስ ጽሑፍእግዚኣብሔር ኣቦኡ ድማ መንግስቱ ካህናት ክንኰኖ ዝገበረና፡ ክብርን ሥልጣንን ንዘለዓለም ዓለም ንእኡ ይኹኖ። ኣሜንካብ በለ ብርግጽ ንሕና ኣመንቲ ካህናትን ነገሥታትን ኢና (1ጰጥ፡ 29 ራእ፡ 15-6) ብርግጽ ንሕና ኣመንቲ ካህናት ክንከውን ብክርስቶስ ዝተጸዋዕናሉ መገዲ ከመይ ዝበለ ክህነት እዩ፧ በቲ ሓደ ወገን ክህነት ተለወጠ ኢሉ፡ መሊሱ ድማ ንሓዋርያት ሕሩያት ኢሉ፡ መሊሱ ድማ ዲያቆናት ኤጵስቆጶሳት እናበለ ይፈላልየና፧ እወ ብርግጽ ምሥጢሩ እንተዘይተረድኣና፡ ንፊደል ከም ዘለዎ እንተ ኣንበብናዮ፡ ከም ዘለዎ ድማ እንተ ተርጐምናዮ፡ እቲ ቓል ኣብ ክንዲ ዝጠቕመና፡ ሰኣን መምህር ይጐድና።

እቲ ቃልካህናት ክንኰኖ ዝገበረናዝብል ዘሎ ክንርዳእ ክንክእል ናብቲ ክህነት ዝነበሮ ድንኳን ሙሴ ክንምለስ ግድን እዩ። እቲ ድንኳን ሙሴ ክልተ ክፍልን ቀጽርን ነበሮ፡ እቲ ኣብ ውሽጢ ዝነበረ ክፍሊ፡ ቅድስተ ቅዱሳን ይብሃል፡ ናብ ቅድስተ ቅዱሳን ዝኣቱ ድማ፡ እቲ ሊቀ ካህናት ጥራይ ነበረ። ናብታ ቅድሜኣ ዝነበረት ክፍሊ ቅድስቲ ተባሂላ እትጽዋዕ ዝኣትዉ ግና፡ እቶም ንኣገልግሎት ዝኣትዉ ካህናት ጥራይ ነበሩ። እዞም ካህናት እዚኣቶም ኣብኣ ኾይኖም ነቲ ንካህናት ጥራይ ዝግባእ ሕብስተ ቁርባን ይበልዑን የመስግኑን፡ ይዓጥኑን ነበሩ። እዛ ቦታ እዚኣ ንዓኣቶም ጥራይ ስለ ዝተፈልየት፡ ዝኾነ ሰብ ክኣቱ ኣይተፈቐደሉን ነበረ።

እቶም መስዋእቲ ክስውኡ ዝመጹ ዘበሉ እስራኤላውያን ግና ኣብታ ቀዳመይቲ ቀጽሪ ተባሂላ ዘላ ቦታ ኰይኖም ድኣ ይስውኡ ነበሩ እምበር፡ ናብ ውሽጢ ክኣትዉ ፈጺሞም ኣይፍቀዶምን ነበረ።

ክርስቶስ ኣብ መስቀል ምስ ሞተ ግና፡ ማለትመጋረጃ ሰብነቱምስ ተቐደ፡ ልክዕ እቲ ኣብ ቅድስቲ ዝነበረ ካህናት ጥራይ ዝኣትዉሉን ዝቕድስሉን ቅዱስ ቦታ ጥራይ ዘይኰነ፡ እቲ ኣብ ቅድስተ ቅዱሳን ዝነበረ ሊቀ ካህናት ጥራይ ዝኣትወሉ ዝነበረ መጋረጃ ኣብ ክልተ ተተርብዔ እሞ፡ ደጊም ኣብ መንጐ ኣገልጋልን ተገልጋልን ዝፈሊ መጋረጃ ተቐንጠጠ። ድሕሪ እዚ ኩላቶም ኣመንቲ ኣብቲ ንካህናት ጥራይ ዝተሓዝኤ ቅድስቲ ዝተባህለ ቦታ ኰይኖም መስዋእቲ ሕብስቲ ቁርባን ክበልዑ ተፈቅደሎም እሞ ካህናት ኰኑ። (ኣብ ቤተ ክርስቲያን ሓድሽ  ኪዳን ምስ ኣተኻ ኣስተብል፡ እቲ ቅዱስ ቁርባን እንካፈለሉ፡ ንሱ እዩ ቅድስቲ ዝብሃል፡ ኣብ ኦሪት ናብኡ ክትኣቱ ኣይፍቀደካን ነበረ) ነዚ ምሥጢር እዚ ምስ ገለጸልና ድማ እዩ ክርስቶስ ንስኻትኩም ኩሉኹም ኣሕዋት ኢኹም ዝበለና። ስለዚ ድማ እዮም ሓዋርያት ክጽሕፉ ከለዉ ፍቑራት ኣሕዋትና፡ ቅዱሳት ኣሕዋትና እናበሉ ዝጽሕፉ። ከመይሲ ኣብቲ ንካህናት ጥራይ ዝግባእ ምእታውና ጥራይ ዘይኰነ፡ ኣብኡ ኣቲና እቲ ንኻህናት ጥራይ ዝግባእ ቅዱስ እንጌራ (ቅዱስ ቁርባን) ክንካፈል ስለ ዝበቓዓና። ድሮ ተቐደስና። እምብኣርከስ ካህናተ ኦሪት ኣብ ቅድስቲ ኰይኖም ቅዱስ ነገር ብምብልዖምን ምግልጋሎም ቅዱሳት ካብ ተባህሉ፡ እቶም ኣብ ሓድሽ  ኪዳን ዘለዉ ኣመንቲውን ኣብ ቅድስቲ ኰይኖም ምስ ካህናት ካብቲ ዝተቐደሰ ሥጋን ደምን ካብ ተኻፈሉ (ወሰዱ) ቅዱሳት እዮም። ነዚ መሰል እዚኸ መን ክግህሶ ይከኣሎ፧ ዋላ ሓደ። ግናኸ ኣቐባልን ተቐባልን ከም ዘሎ ኣይትረስዕ።

እሞ ከመይ ኢሉ ድኣ መጽሓፈ ቅዱስ፡ክህነትኣገልጋሊ ሓድሽ  ኪዳን ዝዀነ ዲያቆንን ኤጵስቆጶስን እናበለ ፈልዩ ዝዛረብ፧ ክህነት ኣመንትን ኣገልገልትን ኣበይ እዩ ዘሎ ደረቶም፧ እወ ደረት ኣገልገልቲ ሓድሽ  ኪዳንን (ካህናትን) ኣብ መንጐ ኣመንትን ዘሎ ደረት፡  ክንፈልጥ ንቐጽል።

ክህነት ካብ ዚልወጥ፡ ምልዋጥ ሕጊውን ብግዲ ኪኸውን እዩ

ገሊኦም ዝመስሎም ኣየናይ ሓሊፉ ኣየናይ ተሪፉ ከይተረድኦም ብድፍኑብሉይ ተሪፉ ሓድሽ  ተጻሒፉ እዩ እሞ ክህነት ድማ ምስ መስዋእቲ ጤለ በጊዕ ብሉይ ኪዳን ሓሊፉ እዩ፡ ደጊም ኣገልገልቲ ሓድሽ  ኪዳን ዝስውእዎ መስዋእቲ የብሎምን እሞ፡ ካህናት ኣየድሉዩናን እዮም። ኣሕዋት ጥራይ ድኣ ይበሃሉኢሎም ንዕቁብ ዝኣፋ ይዛዝሙ። ነቲ ሓንሳብ ንሓዋሩ ዝተሰውአ ወግሐ ጸብሐ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ደጋጊሙ ዝቐርብ ዘሎ መስዋእቲ ክርስቶስ መን ክፍጽሞ ከም ዘለዎ ንድሕሪት ምልስ ኢሎም ክሓስቡ ኣይደልዩን። ብርግጽ መስዋእቲ ብሉይ ኪዳን ምስ ሕጋዊ ክህነቱ ተለዊጡ እዩ። ተለዊጡ ክንብል ከሎና ግና፡ ሥርዓተ መስዋእትን ሥርዓተ ክህነትን ብፍላይ ብሓድሽ  መስዋእትን ብሓድሽ  ክህነትን ንዝበለጸ ዘይሓልፍ ዘይልወጥ ክህነትን መስዋእትን ድኣ ተሰጋገረ እምበር፡ ክህነትን መስዋእትን ተሪፉ ማለትሲ ኣየስምዕን። እቲ ጽሑፍውን ብዛዕባ እዚ ክዛረብ ከሎክህነት ካብ ዚልወጥ፡ ምልዋጥ ሕጊውን ብግዲ ኪኸውን እዩ ድኣ በለ እምበር ተሪፉስ ኣይበለን (እብ፡ 712) ምስኡ ቀጺሉ ድማ ምልዋጥ ሕጊ ብግዲ ማለት ሕጊ ክህነት ተሓዲሱ ኣገባብ ተለዊጡ ክቐርብ ግድን ኰነ። ክርስቶስ ድማ ከምኡ ገበረ። ደጊሙ ሥርዓት ኦሪት ንድሕነት ዘይበቅዕ ስለ ዝዀነ ክርስቶስነቲ ካልኣይ ሥርዓት ምእንቲ ኬቕውም ነቲ ቀዳማይ ኣፍረሶይብል እቲ ጽሑፍ (እብ፡ 109) ማለት ሥርዓተ ኣምልኾ ኦሪት ኣፍሪሱ፡ ናቱ ሓድሽ  ሥርዓት ክህነታዊ ኣምልኾ ኣቖመ። ነቲ ንሕና ክንርእዮ ወይስ ክንኣትዎ ዘይተፈቕደልና ብድሕሪ መጋረጃ ተኸዊሉ ዝነበረ ሥርዓት ኦሪት ከም ዘፍረሶ፡ ኩሉ ሰብ ክርእዮ ምእንቲ፡ ኣብታ ኣብ መስቀል ዝተሰቕለላ ሰዓት፡መጋረጃ ቤተ መቕደስ ካብ ማእከሉ ተተርተረይብል (ሉቃ፡ 2345) እዚ ማለት ሕልፈት እቲ ናብ ድሕነት ከብጽሓና ዘይከኣለ ድሕሪ መጋረጃ ዝነበረ መሥዋእቲ ኦሪት ከርእየና ምእንቲ፡ ነቲ ሕቡእ ናብ ብርሃን ኣውጽኦ። እቲ ዝረአ ብርሃን ድማ ክርስቶስ ባዕሉ ኰነንዓይ ዝረኣየ ነቦ ረኣየከም ዝበለ፡ ኩላትና ምኽንያት ምእንቲ ክንስእን፡ ነቲ ድሕሪ መጋረጃ ዝነበረ ኣምላኽ፡ ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ኩላትና ረኤናዮ። ድሕሪ እዚ ንኣምላኽ ኣይረኤናዮን ክንብል ንኽእል፧

ሓዋርያ ጳውሎስ ደጊሙ ክህነት ከም ዝተለወጠ እምበር ከም ዘይተረፈ ከረድኣና ከሎእቲኣቶምሲ ኸይነብሩ ብሞት ስለ እተኸልከሉ፡ ብዙሓት ካህናት ነበሩ። እዚ ግና [ኢየሱስ] ንዘለኣለም ዚነብር ስለ ዝዀነስ፡ ዘይሓልፍ ክህነት ኣለዎ ብምባሉ ክህነት ኣሮን ግዚያዊ ከም ዝነበረ፡ ክህነት ክርስቶስ ግና ዘለዓለማዊ ከም ዝኰነ ኣብርሃልና (እብ 723-24) ዓርኪ ዘይብሉ መርዓዊ የልቦን እሞ፡ ንሱ ሊቀ ካህናት ኰነ፡ ኣገልገልቱ ድማ ካህናቱ ኰኑ። እምበኣር ክህነት ሓድሽ  ኪዳንሲ ክሳብ ሰማይ ዝበጽሕ ዘለዓለማዊ ሥልጣን ድኣ እምበር፡ ከም ክህነት ኣሮን ብሞት ኣይተወድአን። ብኣሰራርሓኡ ድማ፡ እዚ ካልኣይ ክህነት ካብቲ ቀዳማይ ክህነት፡ ኣጸቢቑ ይፈለ። ብኸመይ ከም ዝፈላለ ድማ ኣብ ዝቕጽል ምዕራፍት እናፈላለና ክንርእዮ ክንፍትን ኢና።

እቲ ኣቐዲሙ ንመጽሓፍ ቅዱስ 13 ክፍለ ዘመን ካብ ላቲን ናብ እንግሊዘኛ ዝተርጐመ ጃን ወይክሊፍ ዝተባህለ እንግሊዛዊ፡ ብዝኸፈቶ መገዲ፡ በዓል ማርቲን ሉተር ጀርመናዊ፡ ህይዲራች ዘወንጌሊ ስዊዘርላንዳዊ፡ ጃን ካልቪን ፈረንሳዊ፡ ጃን ወስሊ ተኸታሊ ካልቪንን፡ ካልኦትንዝተጋገይዎ ዓበይቲ ጌጋታት፡ ነቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንርእሱ ኣብ ክንዲ ካህን ኢሉ ዝጽውዓ፡ ብናይ ትሕትና መጸውዒ ወዲ ሰብ ብዝብል ስም ብምጽውዑ፡ ንሓዋርያቱውን ልእኻት እምበር ካህናት ኢሉ ዘይምጽውዑ ብምግራም ነቲ ኣሕዋት ኢኹም ዝበሎ ቃላት ብጥምሩ ወሲዶም ንክህነት ቦታ ኣይህብዎን። ክህነት ወይ መስዋእቲ ዝብሉ ቓላት ናብ ኦሪት ዝመልሶም መሲሉ ስለ ዝተራእዮም ኩሉ ኣማኒ ካህን እዩ ኢሎም ሥርዓተ ክህነት ብዘይመገዱ ስለ ዝተርጐምዎ ንክህነት መልከጼዴቅውን ቦታ ኣይሃብዎን እሞ፡ ንባዕላቶም መእሰሪ ዘይብሉ ማእዶ ኰይኖም ተረፉ።

ክርስቶስ ንገዛእ ርእሱ ወዲ ሰብ ኢሉ ዝጸውዓ ምኽንያት ወዲ ኣዳም ከም ዝዀነ ከርኢ ድኣምበር ክርስቶስ ክህነት የብሉን ማለት ኣየስምዕን። ክርስቶስ ንደቀ መዛሙርቱ ሓዋርያት ማለቱ፡ ልኡኻት ወይ ጥዑም ዜና ሒዞም ካብ ቦታ ናብ ቦታ ዘበጻጽሑ ማለቱ ድኣ እምበር፡ ካብ ክህነቱ ኣይከሃኑን ማለት ኣይኰነን። ካህናተ ኦሪት ብዘይ ኣብታ ዝተዋህበቶም ኣገልግሎት ቤተ-መቕደስ-ሰሎሞን፡ ንህዝበ እስራኤል እንተዘይኰይኑ፡ ናብ ዓለም ዝበጽሕ ጥዑም ዜና ኣይነበሮምን። ንምልእቲ ዓለም ዝዕድም ጥዑም ዜና ስለ ዘይነበሮም ድማ ሓዋርያት ኣይተባህሉን። ንሓዋርያቱን ደቀ መዛምርቱን ኣሕዋት ምባሉ ድማ፡ ንባዕሉ ሓዎም ስለ ዝዀነ፡ ኩላቶም ድማ ንድሕነት ምውራስ መንግሥቲ ኣምላኽ ዝተዳለዉ፡ ንዘለዓለም ብሓደ ክነብሩ ስለ ዝመደቡ፡ ኣሕዋት ተባህሉ እምበር፡ ክህነት የብልኩምንሲ ኣይበሎምን። ወይ መራሕን ተመራሕን የብልኩምንውን ኣይበሎምን። ንሳቶም ካህናት እንተዘይኰይኖም ክርስቶስውን ሊቀ ካህናት ኣይኰነን። ሊቅነቱ ኣብ ልዕሊ መን፧ ልኡኻት ማለቱ ከም ካህናት ኦሪት ኣብ ሓንቲ ቦታ ጥራይ ኣገልግሎት ዝህቡ ዘይኰንስ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ኩሉን ብኹሉን ስለ ዝዀነ፡ ናብ ምልእቲ ዓለም ዝለኣኹን ኣብ ዝኣተውዎ መስዋእቲ ክሰርዑ ዝኽእሉ ገይሩ ከም ዝሰርዖም ክሕብር ስለ ዝደለየ እዩ። ኣሕዋት ማለቱ፡ ከም ካህናት ብሉይ ኪዳን ትሕትና ዘይብሎም ኪዀኑ ኣይደለዮምን። በተሓሳስባኦም ኰነ በነባብራኦም ኣብ ሕብረተሰብ ከም ካህናት ኦሪት ብትዕቢት ተወጢሮም ብሰብ ክቡራት መሲሎም ኪረኣዩ ኣይደለዮምን። ስርሖም ኣገልግሎትን መሥዋእትን ከም ዝዀነ፡ ብቓሉን ብኣብነቱን ገይሩ ድኣ መሃሮም። እናመሃሩ ክነሶም እኳ መምህራን ኣይትበሃሉ ድኣ በሎም (ማቴ፡238) እቲ ዝገብርዎ ዝነበሩ ግና፡ ንህዝቢ ብዛዕባ ክርስቶስ ምምሃር ነበረ። ንዝምህር መምህር፡ ንተመሃራይ ድማ ተመሃራይ ኢልና ድኣ ንጽውዖ እምበር፡ ተመሃራይን መምህርን ከይፈለና እንተ ገደፍናዮ፡ እንታይ ኢልካ ክትጽውዖም ይከኣለካ፧ እሞ መማራን ኣይትብሃሉ ማለቱስ ክገብርዎ ዝለኣኾም ምምህርና ከም ዝዀነኸ ጠፊኡዎ ድዩ፧ ከምኡ እንተድኣ ኰይኑስ እቲ ሓዋርያ ጳውሎስ መማህራንን ነብያትንሰርዐ ኢሉ ዝጸሓፎ እንታይ ክበሃል እዩ፧ ብዛዕባ እዝስ ኣብ ካልእ ምስኡ ዝተኣሳሰር ኣርእስቲ ክንዛረበሉ ኢና።

እምብኣርከስ እቶም ኣብቲ ቀዳማይ ክህነት ዝነበሩ ብወለዶን ብዓሌትን ንሓደ ብክህነት ህዝቢ ከገልግሉ ዝተዋህቦም ሥልጣን ነበረ እሞ ሓድሽ  ክህነት ምስ መጸ ክህነቶምን መስዋእቶምን ኣብ ምድሪ ተረፈ። እዞም ካብ ክርስቶስ ሥልጣን ዝተዋህቦም ሓደሽቲ ካህናት ግና ብመጸዋዕታ ድኣ ተዋህቦም እምበር ብዘርእን ብዓሌትን ኣይተዋህቦምን እሞ ክህነቶምን መስዋእቶምን ክሳብ ሰማይ በጽሐ።

/ ሽሞንዲ ኃይለ

ይቕጽል

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div