S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ሓድሽ መቓልሕ ብሉይ ኪዳን(6ይ ክፋል መለኮታዊ ጸጋ)

ብክርስቶስ ዝረኸብናዮ መንፈሳዊ ነጻነት፡ ብዝረኤን ብዝድህሰስን፡ ብዝስማዕን ብዝቕመስን ምሥጢራተ ቤተ ክርስቲያን ኣቢሎ መዋቲ ህይወት፡ ንዝተቐበሎ ዘበለ ህይወት ዘውህብ እዩ። ታሪኹን ምሳሌኡን ድማ፡ ኣብ ውሽጢ መጻሕፍቲ ኦሪት ኢና ንረኽቦ። ነዚ ድማ ምስ መጻሕፍቲ ሓድሽ ኪዳንን ትውፊት ቤተ ክርስቲያንን እናኣነጻጸርና፡ ክንመሃሮ ክንፍትን ኢና። እስራኤላውያን ኣብ ባርነት ኣብ ግብጺ ከለዉ ካብ ሰይፊ መልኣከ ሞትን መከራኡን ክድሕኑ ምእንቲ፡ ኣብ ልዳት ቤቶም ደም ገንሸል ፈሲካ፡  ክለኽዩ ከም ዝተኣዘዙ፡ ብሉይ ኪዳን ይዛረብ። እቲ ደም ገንሸል እቲ ድማ፡ ንሓቀኛ ደም ክርስቶስ ዝምስል ነበረ። እቲ ደም ገንሸል እቲ ግዝያዊ ነበረ። ማለት እቲ ናይ ሓቂ ገንሸል ፋሲካ ክሳዕ ዝመጽእ። ነቶም ኣሚኖም ደም ገንሸል ፍሲካ ዝገበሩ እስራኤላውያን ድማ እቲ ብማእከል ግብጺ ዝሓለፈ መልኣኽ እግዚኣብሔር ኣይቀዘፎምን። ነቶም ብሰንኪ ዘይምእማኖም ወይ ብኻልእ ምኽንያቶም ደም ገንሸል ኣብ ልዳቶም ዘይለኸዩ እስራኤላውያን ግና፡ ምልክት ስለ ዘይረኣየሎም ክቐዝፎም ግድን እዩ። ሕጂ’ውን ነቶም ኣሚኖም ብግብሪ ንደም እቲ ገንሸል ፈሲካ ዝዀነ ክርስቶስ ዘይበልዑን ዘይሰትዮን ምልክት ሓድነት ምስ ክርስቶስ ስለ ዘየብሎም፡ መንፈስ ቅዱስ ስለ ዘይቅድሶም፡ መንግስቲ ኣምላኽ በየናይ ማሕተም ክኣትዉ። እምነት በይና ንመንግስተ ሰማያት ከተእቱ እተኽል ነይራ እንተ ትኸውንሲ፡ በልዓም’ውን ይኣምን ነይሩ፡ ወረ ሰይጣንን ኣጋንንቱን ልዕሊ እምነት ኣብ ቅድሜኡ ይርዕዱን ይንቀጥቀጡን እዮም። እሞ ብእምነቶም ክጸድቑ ድዮም፧ እዚ እሞ ዘይመስል እዩ። ኣብርሃም ድማ እታ እምነቱ ንጽድቒ ተቖጽረትሉ ስለ ዝበለ ናይ ኣብርሃም እምነት በይና ጥራይ ኣይነበረት፡ ምስኣ ድማ ካብ ኡር ናብ ከንኣን ስለ ዝተጓዕዘ፡ ግብሪ ነይራታ እያ።


ንሕና ብሓድሽ ህይወት ክንነብር ብመንፈስ ቅዱስ ዝተጸዋዕና፡ በቲ ኣብ መስቀል ዝፈሰሰ ደም ክርስቶስ ካብ ሞትን መከራን ካብ ምርኮ ዲያብሎስን ነጻን ሓራን ከም ዝገበረና ኣሚንና፡ ብደሙ መንፈሳዊ ሓርነት ከም ዘልበሰና ኣሚንና ድኣ ንከተሎ። “ገንሸል ፋስጋና፥ ማለት ክርስቶስ፥ ተሰዊኡ እዩ እሞ፥ ከምቲ ዘይምጹጻት ዝዀንኩም፥ ሓድሽ ብሑቝ ምእንቲ ኽትኰኑ፥ ነቲ ኣረጊት ማይ ብሑቝ ኣጽሪኹም ኣውጽእዎ” (1ቆረ፡5፡7)። ሎሚ ጸጋ ድሕነትን ነጻነትን ከም እንረኽቦ እነረጋግጸሉ መገዲ፡  በቲ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ዕለት ዕለት ዝስዋእ ደምን ሥጋን ክርስቶስ፡ ብእምነት እናሰማዕና እናረኤና ብፈቓድና ናብ ህይወትና ምእንቲ ክንኣቱ ክንቅበሎ  ጥራይ እዩ ምርጫና።


እቶም ብሳላ ደም ገንሸል ፋሲካ ካብ ሰይፊ መልኣከ ሞት ዝደሓኑ እስራኤላውያን፡ ኩላቶም ብጥምቀት ባሕሪ ኤርትራ ብተኣምራት ከም ዝሰገሩን፡ ብፍጹም ዝዀነ ተኣምራት ካብ ባርነት ግብጺ ሓርነት ከም ዝኣወጁን፡ ፍጹም ዝዀነ ሓድሽ ናብራ ከም ዝመስረቱን፡ ክርስቲያናት ድማ፡ ብምሥጢረ ጥምቀት ኣቢሎም ካብ ኣረጊት ሰቦም ማለት ካብ ባርነት ሓጢኣት፡ ከም ብሓድሽ ብጥምቀት ተወሊዶም፡ ብቕዱስ ቁርባን ፍጹማት ሓደሽቲ ኣካላት ክርስቶስ ከም ዝኾኑ ዘረድኣና ታሪኽን ምሳሌን ደቂ እስራኤል እዩ። ሓዋርያ ጳውሎስ’ውን ጥምቀት ካብቲ ዓበይቲ ምሳሌና ምዃኑ ክገልጸልና ከሎ “ኣሕዋተየ፥ ኵላቶም ኣቦታትና ትሕቲ ደበና ኸም ዝነበሩ፥ ኲላቶምውን ባሕሪ ኸም እተሳገሩ፥ ዘይትፈልጡ ኽትኰኑ ኣይፈቱን እየ። ኲላቶም ድማ ብደበናን ብባሕርን ናብ ሙሴ ተጠምቁ።  ኲላቶም’ውን እቲ ሓደ መንፈሳዊ ምግቢ በልዑ፥ ኲላቶምውን እቲ ሓደ መንፈሳዊ መስተ ሰተዩ። ካብቲ ዚስዕቦም ዝነበረ መንፈሳዊ ኸውሒ ሰትዮም እዮም እሞ፥ እቲ ኸውሒ እቲ ኸም ክርስቶስ እዩ” (1ቆረ፡10-1-4) ስለዚ ህዝቢ እስራኤል ንሙሴ ዝተሓባበሩዎ ብጥምቀት ኣብ ባሕሪ ኤርትራ፡ ማና ካብ ሰማይ፡ ማይ ህይወት ካብ ከውሒ ካብ ኰነ፡ ህዝቢ ክርስቲያን ድማ ንክርስቶስ ዝሓብርዎ ብጥምቀት ምስኡ ተቐቢሮም ንድሕነቶም ብምትንሳእ፡ ሥግኡ ብምብላዕ ምስኡ ሓድነቶም፡ ደሙ ብምስታዮም ድማ ህይወቶም ከም ዝዀነ ምስ ዝፈልጡ እዩ።


እምብኣርከስ ብባሕሪን ብደመናን ተመሲሉ ዘሎ፡ ንምሥጢረ ጥምቅት ካብ መስለ፡ ማና ድማ ምስሊ ምሥጢር ሥጋ እዩ፡ እቲ ካብ ከውሒ ዝወጸ ማይ ተመሲሉ ዘሎ ድማ ብምሥጢር እቲ ህይወት ዝህብ ደሙ እዩ። ንጥምቀትን ንሥግኡን ንደሙን ብምክፋል ምሥጢር ከም ዝዀነ ክኣምኑን ክነብሩሉን ይግባእ። ኩሉ ክርስቲያን እየ ዝብል፡ በዞም ሰለስተ ምሥጢራት ዘይነብር እንተድኣ ኰይኑ፡ ምስ ክርስቶስ ሕብረትን ሓድነትን ድሕነትን የብሉን።


እቲ ኣብ ደብረሲና ብመለኸትን ብሓውን ተዓጂቡ፡ ንእኩባት እስራኤል ዝተኣወጀ ሕጊ ኦሪት፡ ንቤት እስራኤል መምርሕን መመሓደርን ህይወቶም ከም ዝነበረ፡ ንሱ ንክርስቲያናት ምሳሌ ናይቲ ኣብ ኢየሩሳሌም ኣብ ጽርሃ ጽዮን ብልሳነ እሳት ኣብ በዓለ-ሓምሳ ዝወረደ መንፈስ ቅዱስ ነበረ። ክርስቶስ ንቤተ ክርስቲያን ናብቲ ዘፍርሕ እምባ ሲናይ ዘይኰነስ፡ ብጸግኡን ብሕጊ ፍቅሩን፡ ናብታ ኣኣላፋት መላእክቲ ዝተኣክቡላ ማሕበር፡ ናብታ ከተማ እግዚኣብሔር ዝዀነት ሰማያዊት ኢየሩሳሌም መረሓና። በቲ ዕርቡን ጸጋ መንፈስ ቅዱሱ ኣቢሉ ኣብ መሬት ከሎና ዝቐብኣና፡ ናብቲ ንሱ ዘለዎ፡ ክንበጽሕ ተዓደምና። ከመይሲ እቲ ብበዓለ-ሓምሳ ዝተሰደልና ጸጋ መንፈስ ቅዱስ፡ ሎሚ’ውን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ንዝጥመቑ ብሜሮን ንዝወሃብ ናብ ክርስትና ዘእቱ ዝቕድስ ሓድሽ ህይወት ከም ዝኰነ ንኣምን (ዘጽ 19፡20, ግብ፡2፡1-47 8፡14-17 19፡1-7, እብ፡12፡18-29)።


እስራኤላውያን ናብታ ናይ ተስፋ ሃገሮም ክሳብ ዝበጽሑ፡ ኣብ በረኻ ኣብ ድንኳን እናተቐመጡ ንኣርብዓ ዓመታት ዝኣክል፡ ካብ ቦታ ናብ ቦታ እናተዘዋውሩ፡ ካብ ሰማይ ዝወርድ ማና እናተመገቡ ከም ዝነበሩ፡ ከምኡ ድማ ክርስቲያናት ከምቲ በረኻን ድንኳንን ዝተመሰለ፡ ኣብ ሥጋዊ ድንኳኖም ኰይኖም፡ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ክሳብ ዘለዉ፡ ነቲ ካብ ሰማይ ዝወረደ ሓቀኛ መግቢ ህይወቶም ዝዀነ ደምን ሥጋን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ እናተመገቡ ክነብሩ እዮም ዝተዓደሙ (2ቆረ፡ 5፡1-9 ዮሃ፡ 6፡48-51)። ስለዚ ድማ እዩ ንምሥጢረ ቁርባን ንቓል እግዚኣብሔርን ነፍስና ከይትጠሚ በብግዜኡ ክንምገቦ ዝግብኣና።


እስራኤል ኣብ ሲናይ ከለዉ፡ ክሳብ ናብታ ሓቀኛ ቤቶም ዝዀነት ከንኣን ዝበጽሑ፡ ብዓንዲ ደመና እናተመርሑ፡ ብዘይ ቀዋሚ ቤት ነርብዓ ዓመታት ዝኣክል፡ ካብ ቦታ ናብ ቦታ እናተመላለሱ ከም ዝነበሩ፡ ምሳሌ ክርስቲያናት እዮም። ክርስቲያናት ኣብዛ ዓለም እዚኣ፡ ከም ኣጋይሽን ሓለፍቲ መገድን ተኻረይቲ ቤትን ኰይኖም ዝነብርሉ ምኽንያት፡ እታ ናይ ሓቂ ሃገሮም እታ ትመጽእ ገነት ወይ መንግሥቲ ሰማይ ስለ ዝዀነት እያ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ናብራ ማለት ሽግር ዝመልኦ ናብራ ክነብሩ ከለዉ ንዘጋጥሞም መከራ ተጻዊሮም፡ ብትዕግሥቲ ናብታ ናይ ዘለዓለም ዝዀነት ናይ ተስፋ ቤቶም ብሰላም ክሓልፉን ክበቕዑ ዘኽእሎም፡ ብክርስቶስ ዝተረኽበ ጽድቒ፡ ብምሥጢረ ቤተ ክርስቲያን ስለ ዝዀነ፡ ካብ ግዜ ልደቶም ብሥጋ ጀሚሮም፡ ክሳዕ ግዜ ሞቶም፡ ንመንፈሳዊ ህይወቶም ዘድልዮም፡ ኩሎም ክርስቲያናት ንምሥጢራት ቤተ ክርስቲያን ክቕበልዎ ግዴታ እዩ። ንውሉድነት እግዚኣብሔርን ብጥምቀት ኣቢሉ ንኣባልነት ቤተ ክርስቲያን ዘየኽብር ክርስቲያን ግና፡ ብሰሪ ዕልወቱ፡ ነቲ ዕለት ዕለት ዘድልዮ መንፈሳዊ መግቢ ንህይወቱ ስለ ዝነፍጋ፡ ብድኻም ዝኣክል ኣሕለልዩ ኣብ መገዲ ወዲቑ ይተርፍ እሞ፡ ናብታ ናይ ተስፋ ሃገር ከይበጽሔ ብነፍሱ መይቱ ይተርፍ።


ካህን ፍጹም ብዘይ ምኳኑ ንህያብ ጸጋ ኣይክልክሎን

ነቲ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ቆይሙ፡ ንምሥጢራተ ቤተ ክርስቲያን እናተኸተለ፡ መንፈሳዊ ኣገልግሎት ዝፍጸም ካህን ጥራይ ከም ዝዀነ ተማሂርና ኣሎና። እንተዀነ ብመነባብሮኦም ፍጹማት ዘይኰኑ ካህናት ክርከቡ ከም ዝኽእሉ ዝተፈልጠ እዩ። እሞኸ ብሰንኪ ግዝያዊ መነባብሮኦም ኣብ ኣፈጻጽማ ምሥጢራትን ኣብ ኣወሃህባ ጸጋን ተጽዕኖ ክነብሮም’ዶ ይኽእል፧ ንዝብል ሕቶ፡ መልሱ ከምዚ እዩ፡ ካህናት ፍጹማት ብዘይምዃኖም ዝተላዕለ ምኽንያት፡ ናይ እግዚኣብሔር ጸጋ ንምእመናን ከይወሃብ ዝኽልክል ነገር የብሉን። ምኽንያቱ እቲ ንምእመናን ዝወሃብ ዘይረኤ ጸጋ ብሥልጣን መንፈስ ቅዱስ ስለ ዝውሃብ። ነቶም ኣብ መንበረ ሙሴ ዝተቐመጡ ፈሪሳውያን ዝምህርዎ ዝነበሩ ትምህርቲ፡ ህዝቢ ክቕበሎ ጐይታ ፍቐደ። እንተዀነ ህዝቢ ናዕቢ ከይገብር ኣጠንቀቖም። እምብኣር እዚ ምሳሌ እዚ፡ ነዚ ዝጠቐስናዮ ዘይፍጹምነት ካህናት ጽቡቕ ምሳሌ እዩ (ማቴ፡ 23፡1-3)። ሓረስታይ ነቲ ዘርኢ ኣብ ምድሪ ይዘርኦ፡ ባዕሉ ግና ኣየብቁሎን። ካህን ድማ ከም ሓረስታይ ኰይኑ ነቲ ቓል ኣብ ልቢ ሰብ ይዘርኦ፡ ኣብ ውሽጢ ልቢ ሰብ ዘሕድሮ ግን እግዚኣብሔር ባዕሉ እዩ።


ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ ሓዋርያ ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ይምህር፡ “ኣነ ተኸልኩ ኣጵሎስ ኣስተየ፥ ኣምላኽ ግና ኣብቈለ። እምብኣርሲ እቲ ዜብቊል ኣምላኽ ደኣ እዩ እምበር፥ እቲ ዚተክል ወይስ እቲ ዜስቲ ዚዓብሱ የብሎምን” (1ቆረ፡3፡6-7)። ስለዚ ምእመናን ነዚ ፈሊጦምን ተረዲኦምን፡ ብሰንኪ ድኽመት ካህናት ምኽንያት፡ ኣብ ምሥጢራተ ቤተ ክርስቲያን ካብ ምስታፍ ሸለል ክብሉ ወይ ክዕንቀፉ ኣይግባእን። እኳ ድኣ ብዘይ ተጕላባ ምሉእ እምነት ሒዞም ብቕኑዕ ልቦና ኰይኖም፡ ኩላቶም ምእመናን ምስ ደቆምን ቤተ ሰቦምን ኰይኖም ነቲ እግዚኣብሔር ብምሕረቱ ዘዳለወሎም ጸጋ መንፈስ ቅዱስ፡ ብምስጋና ክቕበሉ ቤተ ክርስቲያን ሓደራ እያ ትብሎም።


እምበኣር ንምስጢራተ ቤተ ክርስቲያን ምቕባልን ዘይምቕባልን ወሰንቲ ልቢ እቶም ብእምነትን ብንሥሓን ናብ እግዚኣብሔር ዝመጹ መእመናን ድኣ እምበር፡ ናይቲ ዘቐብል ዘሎ ካህን ብኹሉንትናኡ ፍጹም ዘይምኳኑ ንህያብ ጸጋ እግዚኣብሔር ከም ዘይክልክሎ ንእመን ድኣ። ከመይሲ እቲ ብክርስቶስ ዝመጸና ጸጋ፡ መግለጺ ቁጥዓን ፍርድን እግዚኣብሔር ዘይኰነስ፡ መሳርሒ ምሕረቱን ይቕረታኡን ኰይኑ መድሃኒት ሓጢኣትና ክከውን፡ ነታ ካብ በደልና ዝተላዕለ ዝቆሰለትን ዝሓመመትን ነፍስና ፈውሲ ዝዀና ሓቀኛ መድሓኒት ስለ ዝዀነ እዩ። ስለዚ ምንም እኳ እቲ ካህን  መጋቢ ቓል እግዚኣብሔር እንተዀነ (ቲቶ 1፡7) ድሕነትና ግና ኣብ ልዕሊ ካህን ዝተመስረተ ዘይኰነስ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ዘድሕን ጸጋ እግዚኣብሔር ዝተመስረተ እዩ።

ብዶር. ሽሞንዲ ሃይለ 
ይቕጽል

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div