S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ብመሠረቱ ክርአ ከሎ፣ ቈልዑት ክልተ ዓይነት ወለዲ`ዮም ዘለዉዎም። ቀዳሞት እቶም ብኣካለ-ሥጋ ዝወልዱዎም ወለዲ ክኾኑ ከለዉ። ካብዚ ብምቕጻል ብኻልኣይ ደረጃ እትመጽእ ድማ፣ እታ ብጸጋ-ጥምቀት እትወልዶም ቅድስቲ ቤተ-ክርስቲያን`ያ። ንኣተዓባብያኦም ብዝምልከት ድማ ክልቲኦም-ወለዲ ነናቶም ሓላፍነት ክህልዎም ግድን`ዩ። እዞም ዝተባህሉ ክልተ ወለዲ፣ ዘለዎም ሓላፍነት ብዝግባእ ክሠርሑሉ እንተ-ዘይክኢሎም ግና፣ ኣብ መጻኢ ሕይወት እቶም ቈልዑ፣ ዝኾነ ጸገም ከጋጥም ከም-ዝኽእል፣ ከም-ርዱእ ዝውሰድ እዩ።

ስለዚ`ውን ወለዲ ደቆም ብክርስቲያዊ ሥነ-ምግባር፣ ተሓኒፆም ከም-ዝዓብዩ ኣብ ምግባር፣ ኩሉ ዓይነት ጻዕሪ ምግባር ንዓታቶም ዝምልከት ሓላፍነት ክኸውን ከሎ፣ ብዝበለጸ ድማ ናብታ ኣብ 40 ወይ 80-መዓልቲ፣ ብጸጋ-ጥምቀት ዝወለደቶም ቅድስቲ ቤተ-ክርስቲያን ከቕርቡዎም፣ ንዓታቶም ዝምልከት ሓላፍነት ምዃኑ ክፍለጥ ይግባእ። እዞም ዝተባህሉ ክልተ ዓይነት ወለዲ፣ ተቐራሪቦምን ተረዳዲኦምን ክሠርሑ እንተ-ዘይክኢሎም ግና፣ ብክርስቲያናዊ ሥነ-ምግባር ዝተሓንፀ ትውልዲ ክመጽእ ኢልካ፣ ትጽቢት ክግበር ፈጺሙ ዝሕሰብ ኣይኮነን።

እዚ ጸገም` ግና ኣባና ኣብ ኦርቶዶክሳውያን ከምዘሎ፣ ሓቢእና ክንሓብኦ እንኽእል ኣይኮነን። ከመይሲ ደቅና ደቂ ቤተ-ክርስቲያን ኮይኖም ክዓብዩ ዝነበሮም መሰል፣ ረኺቦሞ`ዮም ክበሃል ከም-ዘይከኣል ኣረጋጊጽካ ክዝረብ ዝከኣል ሓቂ`ዩ። የግዳስ ንሳቶም እቶም ደቅናን ቤተ-ክርስቲያንን፣ ክልተ ማዕዶ ንማዕዶ ዝጠማመቱ ኮይኖም፣ ኣብ ክልተ ጫፍ`ውን ዝሰፈሩ ኮይኖም`ዮም፣ እቲ ጉዕዞ መጺኦሞ ክበሃል ይከኣል። ብተወሳኺ`ውን ንድሕሪት ምልስ ኢልና፣ ኣብቲ ዝሓለፈ ነዊሕ ናይ ታሪኽና ጉዕዞ እንተረአናዮ፣ ንመንእሰያት ዘሳትፍ መድረኽ ኣብ ቤተ-ክርስቲያን ነይሩ ዝብል ታሪኽ ክንረክብ ኣይንኽእልን ኢና።

ምናልባት እዚ ከመይ ኢሉ` ክኸውን ዝኸኣለ-? ብምባል ክቐርብ ንዝኽእል ሕቶ፣ ብዙሓት ደቂ ቤተ-ክርስቲያን ዝተፈላለየ መልሲ ክህልዎም ከም-ዝኽእል ርዱእ`ዩ። ግዳስ እታ ጥንታዊት ናይ ምድሪ-ሓበሻ ቤተ-ክርስቲያን፣ ገና ብንግሆኡኢላ ጉዕዞ ክትጅምር ከላ፣ ብዘይተሓስበን ዘይተጸንዐን መንገዲ፣ ኣብ ኢድ ግብጻውያን` ከም-እትወድቕ ኮይና። ስለዚ`ውን ግብጻውያን ብዝሓንጸጹላ መስመር እትጎዓዝ ደኣምበር፣ ዕድላ ክትውስን ዘኽእላ መሰል ሃልዩዋ፣ ባዕላ ቤታ ከተማሓድር ዘኽእል መሰል ዝነበራ ኣይኮነትን። እዚ ከኣ` ካብቲ ክትገብሮ ዝግበኣ ዝነበረ ሓዋርያዊ-ኣገልግሎት ቀይዱ ብምሓዝ፣ ኣብዚ ሕጂ ትርከቦ ዘላ ዝተሓተ ደረጃ፣ ደው ኢላ ከም-እትርከብ ገይሩዋ ዝርከብ ዘሎ።

ከመይሲ እቶም ብቅድስና ዝፍለጥ ታሪኽ ዝነበሮም፣ ቀዳማይ ሓዋርያ ሕዝቢ-ሓበሻ ምዃኖም `ውን ዝንገረሎም፣ ኣቡነ-ሰላማ ከሳቴ-ብርሃን ወይ ፍሬሚናጦስ። ነታ ኣብ 330 / ዝመሥረቱዋ ቤተ-ክርስቲያን፣ መሠረታ ኣጣጢሖም ከም-ዘቘሙዋ ዝፍለጥ`ዩ። ብድሕሪኦም ቀጺሉ ክመጽእ ንዝኽእል ግዜ ኣብ ግምት ብምእታው`ውን፣ ኣቡነ-እንበረም ንዝተባህሉ ወዲ-ሃገር፣ ናይ ኤጲስቆጶስነት መዓርግ ብምሃብ፣ ንሓላፍነትን ሓዋርያዊ-ኣግልግሎትን ድልው ከም-ዝገበሩዎም ዓምድታት ታሪኽ ዝህቡዎ መረጋገጺ ኣሎ።

ኣብቲ ኣቡነ-ሰላማን ኣቡነ-እንበረምን ድሕሪ ምሕላፎም ዝቐጸለ እዋናት ግና፣ ብኸመይ ምዃኑ ብዘይፍለጥ ምኽንያት፣ ቤተ-ክርስቲያን ሕዝቢ-ሓበሻ፣ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ግብጻውያን ከም-ዝኣተወት ወይ ከም-ዝወደቐት ኢና ንርኢ። እቲ ነዚ ንምግባር ከም-ምኽንያት ዝጥቀስ ከኣ፣ ጉባኤ-ንቅያ ከም-ዘሕለፎ ውሳኔ ብዘምስል ረቂቕ-ተንኮል “-ኢትዮጵያውያን ወይ ሓበሻ፣ ካብ ምሁራቶም`ውን እንተኾኑ፣ ጳጳስ ክሾሙ የብሎምን-” ብምባል ዝፈጠሩዎ ተንኮል ምዃኑ` እቲ ክሥረሓሉ ዝጸንሐ ታሪኽ ዝዛረብ። እዚ ኩሉ ተንኮል` ከኣ`ዩ፣ ንቤተ-ክርስቲያንና ካብቲ ክትበጽሖ ዝግብኣ ዝነበረ ዕቤት ዓጊቱ፣ ኣብዚ ሕጂ ወዲቓቶ ትርከብ ዘላ፣ ብእወንታ ክግለጽ ዘይክእል ዘሕዝን ደረጃ፣ ወሪዳ ከም-እትርከብ ገይሩዋ ዝርከብ ዘሎ።

ንድሕሪት ተመሊስና ታሪኽና እንተፈተሽናዮ፣ ግልጺ ኮይኑ ዝርአ ሓደ ነገር ኣሎ። ንሱ ድማ እቶም ካብ ስግር-ባሕሪ በብግዚኡን ዘመኑን ዝመጹ ዝነበሩ ኣቦታት፣ ኣባ-ዮሓኒ ኮኑ ኣቡነ-ሊባኖስ፣ ካብኡ ብምቕጻል`ውን ተስዓቱ-ቅዱሳን፣ ነቲ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ሃገርና ኣብ ምስፍሕፋሕ ዝሕግዝ፣ ዝገደፉዎ ነናቶም ዝኽሪ ወይ ኣሰር ምህላዉ ዝፍለጥ`ዩ። እቶም በብግዚኡን ዘመኑን ዝመጹ ዝነበሩ ግብጻውያን ጳጳሳት ግና፣ ካልእሲ ይትረፍ ሓንቲ መጽሓፍ` ጽሒፎም ዝበሃል ታሪኽ ክንረክብ ኣይንኽእልን ኢና።

ካልእሲ ይትረፍ እቲ ኣዚዩ ዘገርም ክበሃል ዝኽእል፣ እቶም በብግዚኡን ዘመኑን ናብዚ ምድሪ-ሓበሻ ተላኢኾም ዝመጹ ዝነበሩ ግብጻውያን-ጳጳሳት፣ ሓንቲ`ውን ትኹን ካብ ቋንቋታት ሕዝቢ-ሓበሻ፣ ክዛረቡ ዝኽእሉ ዘይ-ምንባሮም እዩ። ቋንቋኡ ንዘይፈልጡዎ ሕዝቢ ደኣ ከመይ ኣቢሎም`ዮም፣ ክመርሑዎን ከገልግሉዎን ዝኽእሉ-? ኣቦታትና ካልእ ኣማራጺ ከይደልዩ ድማ፣ ጉባኤ-ንቅያ ከም-ዝወሰኖ ብዘምስል ረቂቕ ተንኮል “-ኢትዮጵያውያን ወይ ሕዝቢ-ሓበሻ፣ ካብቶም ምሁራቶም`ውን እንተኾኑ፣ ጳጳሳት ከይሾሙ ጉባኤ-ንቅያ ወሲኑ`-” ክሳብ ምባል ዝበጽሕ ርሕቀት`ዮም ተጓዒዞም። ከም ሳዕቤን` ኩሉ` ከኣ` ሕጂ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስቲያንና፣ ነዚ ብምዕባሌ ዝፍለጥ ስልጡን ግዜ፣ ዝምጥን ቁመና ዘይብላ ኮይና ትርከብ ዘላ።

ስለዚ`ውን ኣብቲ ዝሓለፈ ዘመናት ኩሉ፣ ዓውደ-ምሕረት ቤተ-ክርስቲያንና፣ ንመንእሰያት  ዘየሳትፍ መድረኽ ኮይኑ ክርከብ እንተ-ዘይከኣለ፣ ከገርም ዘይክእል ስለዚ`ዩ። ከመይሲ ብቋንቋ ክረዳድኡዎ ዘይክእሉ ጳጳሳት እንተደኣ-ኮይኖም እቶም ዝመጹዎ ዝነበሩ፣ መን ሚሂሩዎን መን ነጊሩዎን ደኣ`-? ክርስቲያናዊ ኣተዓባብያ ክርከብ ዝኽእል-? እዚ ንሓላፍነትካ ብቑዕ ኴንካ ክትርከብ ዘይምኽኣል ዘኸተሎ ሳዕቤን ከኣ`ዩ፣ ቤተ-ክርስቲያንን መንእሰያት ደቃን ዘይፋለጡ ኮይኖም ክርከቡ፣ ኣገዲዱዎም ዝርከብ ዘሎ። በዚ ድማ ቤተ-ክርስቲያንና፣ “-ምውላድ እምበር ምዕባይ ዘይትኽእል-” ተባሂላ፣  ብዓይኒ ማዕዶ ክትሕመየሉን ክትንቀፈሉ ጸኒሓ`ያ።

ይኹን እምበር ቤተ-ክርስቲያን ምድሪ-ሓበሻ፣ ካብቲ ተጻዒኑዋ ዝጸንሐ ናይ ግብጻውያን ኣርዑት ነፃ ብምውጻእ፣ ኣብ 1951 / (1959) ኣቡነ-ባስልዮስ ብፁዕ ወቅዱስ ተባሂሎም፣ ኣብ ታሪኽ ቤተ-ክርስቲያን ምድሪ-ሓበሻ፣ 1-ፓትርያርክ ኮይኖም በትረ-ሥልጣን ክጭብጡ ምኽኣሎም ዝፍለጥ`ዩ። እዚ ኩሉ` ክኸውን ዝኸኣለ ከኣ፣ ድሕሪ 1700 ዓመት ምዃኑ`ዩ። ኣብዚ ነዊሕ ዝኾነ ናይ ታሪኽ ጉዕዞ` ከኣ፣ ብቐሊል ክጽገን ይኽእል` ዘይበሃል፣ ክንደይ ሃጓፋት ክፍጠር ከም-ዝኽእል፣ ማንም ክርድኦ ዝኽእል`ዩ። ናይ` ኩሉ` እኩብ ድምር ውጽኢት ከኣ`ዩ፣ ሕጂ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስቲያንና፣ ነዚ ሕጂ ትርከቦ ዘላ ናይ 21-ሚእቲ ክፍለ-ዘመን መድረኽ፣ እትምጥን ኮይና ክትርከብ ጸገም ኮይኑዋ ዝርከብ ዘሎ።

እዛ ኣቡነ-ሰላማ ከሣቴ-ብርሃን ዝመሥረቱዋ ቤተ-ክርስቲያን እዚኣ፣ ኣብ 1983 /(1991) ንነፃነት ኤርትራ ተኸቲሉ ምፍልላይ ክመጽእ ዘገድድ ኮይኑ ስለ-ዝተረኽበ፣ ካብዚ ዝተባህለ እዋን ንደሓር ኣብ መንጎአን፣ ገገዛኻ ፈሊኻ ዝግበር ዝምድና እምበር፣ ሓድነት ኣለወን ክበሃል ኣይከኣልን። ስለዚ ብዛዕባ` ኣብ ስግር መረብ ዘሎ፣ መንፈሳዊ ንጥፈታት ርጡብ ሓበሬታ ስለ-ዘይብልና፣ ዝኾነ ነገር ክንብል ኣይንኽእልን። ክሳብ ሠለስተ ዝበጽሕ መንፈሳዊ-ኮለጃት ከም-ዘሎ ግና ይንገር እዩ። ኣብዚ ኣባና ግና ብኣንጻሩ` እቲ ዘሎ ኩነታት። ማለት ንቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ብዝምልከት፣ ክንገር ዝኽእል ጥዑም ዜና ከም-ዘየሎ፣ ኩሉ ዝፈልጦ ግዳም ዝወጸ ናይ ኣደባባይ ምስጢር እዩ። ከመይሲ እቲ ናይ ፖለቲካ-ኃይሊ፣ ምሉእ ብምሉእ ዝተቘጻጸራ ቤተ-ክርስቲያን` ዘላትና።

ይኹን እምበር ንሕና ከም ኦርቶዶክሳውያን መጠን፣ ኣብቲ ኣብ ቤተ-ክርስቲያን ኣሎ ዝበሃል ጸገማት ብምትኳር፣ ፍታሕ ኣብ ምንዳይ ኣቢልና ጠመተ ክንገብር፣ ኦርቶዶክሳዊ ሓላፍነት ከም-ዘሎና፣ ክንዝንግዖ ንኽእል ኣይኮነን። ግዳስ ቤተ-ክርስቲያንና` ብቐንዳ፣ ከምቲ እተባህለ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር-ፖለቲካ፣ ተታሒዛ ትርከብ ኣላ ዝበሃል`ውን እንተኾነ፣ ንሕና እዞም ኣብ ስደት እንርከብ ዘሎና ግና፣ ዝኾነ ነገር ንኸይንገብር ክኽልክለና ዝኽእል ሓጹር፣ ኣሎ` ክንብል ኣይንኽእልን። ስለዚ`ውን እቶም ነኣሽቱ ደቅና፣ ደቂ ቤተ-ክርስቲያን ኮይኖም ንኽዓብዩ ዘለዎም መሰል፣ ብዕቱብ ክጥመት ዘለዎ ኣርእስቲ ምዃኑ፣ ብኹሉ ክፍለጥ ዘለዎ ዋናን መሠረታውን ጉዳይ` በሃልቲ ኢና።

ከመይሲ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ብመጠኑ ተተንኪፉ ዘሎ፣ ንኣተዓባብያ ቈልዑት ብዝምልከት፣ ኣብቲ ዝሓለፈ ዘመናት ኩሉ ቤተ-ክርስቲያን ከተተግብሮ ስለ-ዘይከኣለት፣ “-ምውላድ እምበር ምዕባይ ዘይትኽእል-” ተባሂላ ክትንቀፈሉ ምጽንሓ ዝፍለጥ`ዩ። ብርግጽ ድማ ቤተ-ክርስቲያንና፣ ነቲ ተካኢ ወይ መንእሰይ-ትውልዲ፣ ኣብ ግምት ዘእተወ ንጥፈታት ከተካይድ ጸኒሓ`ያ፣ ዝብል ታሪኽ ኣሎና ክበሃል ከም-ዘይከኣል ዝፍለጥ እዩ። ስለዚ`ውን ኣብቲ ዝሓለፈ ኦርቶዶክሳዊ ታሪኽና ኩሉ፣ ንመንእሰያት ኣብ ግምት ዘእተወ መድረኽ ብዘይ ምጽንሑ ምኽንያት፣  ብቐሊል ክጽገን ዘይከኣል ሃጓፍ ገዲፉልና ሓሊፉ` ክበሃል ይከኣል።

ርግጽ` እቲ ኣብ 1939 / (1947) ዝጀመረ፣ ናይ ማኅበር መንእሰይ ፈለገ-ሕይወት ምንቅስቓስ፣ ሕጂ 70-ዓመት ኮይኑዎ ይርከብ ኣሎ። ግዳስ እዚ ምንቅስቓሳት` ዝኣልዮን ዝመርሖን ማእከልነት ስለ-ዘይረኸበ፣ ብፍንው` ክንቀሳቐስ ጸኒሑ ክበሃል ይከኣል። ሕጂ `ውን እንተኾነ ብዕቱብ ተታሒዙ ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን። ኣብቲ ዝሓለፈ 30-ዓመት ግና፣ ብደረጃ መንበረ-ፓትርያርክ ብማእከልነት ከም-ዝምራሕ ንምግባር፣ እቲ ሓላፍነት ንቀሲስ ገብረ-መድኅን ገብረ-ጊዮርጊስ ተዋሂቡ ከም-ዝነበረ ዝፍለጥ`ዩ። እዚ ማእከል` ግና ብዓይኒ`ቶም ሰብ ፖለቲካ ዝፍቶ ኮይኑ ስለ-ዘይተረኽበ፣ እንሆ እቶም ርሑቕ ዝጠመተ ራእይ ዝነበሮም ቀሲስ ገብረ-መድኅን ገብረ-ጊዮርጊስ፣ ኣብ መቚሕ ካብ ዝኣትዉ`ኳ፣ እንሆ 20-ዓመት ኣቢሉ ኮይኑዎም ይርከብ ኣሎ።

ይኹን እምበር እቲ ደምበ-ተዋሕዶና፣ ነዚ ዝበሃል ዘሎ ሕቶ መልሲ ክረኽበሉ ክሳብ ዘይከኣለ፣ እቲ ዝግበር ጻዕርታት ኩሉ፣ ቤተ-ክርስቲያን ክትረብሓሉ ትኽእል` ክበሃል ዝከኣል ኣይኮነን። ስለዚ`ውን ኣብዚ እዋን`ዚ፣ ካብዚ ኣርእስቲ` ዝዓቢ ካልእ ኣገዳሲ ዝኾነ ጉዳይ ክህልወና ስለ-ዘይክእል፣ ሓደ ርእሱ ዝኸኣለ ዓቢይ ናይ ምሁራን-ኮሚቴ ከም-ዝቐውም ብምግባር፣ መሠረታዊ ለውጢ ወይ ፍታሕ ከምጽእ ኣብ ዝኽእል መጽናዕቲ ኣቢልና ክንጥምት፣ ንጽባሕ ዘይበሃል ዋና ኣርእስቲ ኮይኑ` ዝርከብ ዘሎ። ነዚ ዝተባህለ ሕቶ መልሲ ክንረክብ ክሳብ ዘይከኣልና ከኣ፣ ሕቶ` መንእሰይ ትውልድና መልሲ ተረኺቡዎ` ብምባል ክንቀስን ንኽእል ኣይኮናን።

እቲ ዋና-ነገር ደቅና እናተመሃሩዎ፣ ክዓብዩ ዘለዎም መጻሕፍቲ ምድላው እዩ። ብዛዕባ` ግና ብዙሕ ከተሓሳስበና ዝኽእል ዘሎ ኣይመስልን። ከመይሲ ንሳቶም እቶም ብስም ... ጥርናፈ ፈጢሮም፣ ክንቀሳቐሱ  ዝርከቡ ዘለዉ ኦርቶዶክሳውያን ዝኾኑ ደቅና፣ ኣብ 2013 / (2021) ምንጩ ካብ ግብጻዊት ቤተ-ክርስቲያን ዝኾነ፣ ተርጒሞም ዝዘርግሑዎ 6-መጻሕፍቲ ምህላዉ ዝፍለጥ`ዩ። ንሳቶም እዞም መንእሰያት እዚኣቶም`ውን፣ በቲ ነቲ መጻሕፍቲ  ንምትርጓም፣ ዝገበሩዎን ዘርኣዩዎን ተወፋይነት ኩሉ፣ ክንደይ` ክምስገኑ ዝግብኦም እዩ። ስለዚ`ውን ኣብቲ ቤተ-ክርስቲያንና ሰብ ትደለየሉ ዘላ ሰዓት፣ ሰብ ኮይኖም ተረኺቦም እዮም` ንሕና`ውን ከየመስገንናዮም ክንሓልፍ ኣይንኽእልን። ነዚ ኩሉ` ብማእከልነት ዝመርሑዎ ከኣ፣ እቶም ንዕቤት ቤተ-ክርስቲያን ብዘለዎም ቅንኣት ዝፍለጡ፣ ቀሺ-ዮናስ ወልደ-ሩፋኤል ምዃኖም` ዝፍለጥ። ስለዚ`ውን ነዞም ኣብዚ ዝተገብረ ዕዉት ተልእኮ` ዝተሳተፉ ኩሎም፣ ብኽብሪ ዝተሰነየ ኣፍልጦ ክወሃቦም፣ ግቡእን ቅኑዕን` ዝብል እምነት ክህልወናስ ግድን`ዩ።

ብዝተረፈ ቤት ትምህርቲ ሰንበት፣ መሠረቱ ጠጢሑ ከም-ዝቕመጥ ብምግባር፣ ደቅና ደቂ ቤተ-ክርስቲያን ኮይኖም ከም-ዝዓብዩ ኣብ ምግባር፣ ቀዋሚ ዝኾነ ጥጡሕ መሠረት ክቕመጥ ክሳብ ዘይተኻእለ፣ እቲ ፈቐዶኡ ብፍንው ክግበር ዝርከብ ዘሎ፣ ናይ ትምሀርቲ-ሰንበት ንጥፈታት፣ ውጽኢታዊ ኮይኑ ክርከብ ክሕሰብ ዝኽእል ኣይኮነን። ስለዚ`ውን እቲ መደብ ዕዉት ኮይኑ ንኽርከብ፣ ብሓላፍነት ክመርሖ ዝኽእል ሓደ ድልዱል ዝኾነ ማእከል፣ ክንፈጥር ክንክእል ኣሎና። እቲ ናብ ዓወት ከብጽሓና ዝኽእል መሥመር ከኣ እዚ ጥራይ`ዩ። ብዝተረፈ ደቅና ብኸመይ ይዕበዩ-? ንዝብል ሕቶ፣ ርጡብ ዝኾነ መልሲ ክርከበሉ ከይተኻእለ ዝግበር ጻዕርታት ኩሉ፣ ማይ ሓቚንካ ጠስሚ ከም-ምጽባይ ጥራይ` ክኸውን።

ብዝተረፈ እቲ ኣብ ጉዕዞ-ኣገልግሎትና ኣጋጢሙ ዝጸንሐ ሓጎጽጎጽ`ውን፣ ነቲ ሕያው ኣምላኽ ክብሪ ይብጽሓዮ፣ ደጊምሲ ዕርቅን ሰላምን ኮይኑ` ተባሂሉ ብኣዋጅ ተነጊሩና ስለ-ዘሎ፣ እቲ ሕጂ ክፍጠር ዝኽእል ናይ ሓባር ማእከልነት፣ ነዚ ናይ ትምህርቲ ሰንበት ሕቶ፣ ብዕቱብ ክጥምቶ ይኽእል` ዝብል ተስፋ ክህልወናስ ግድን`ዩ። ብዝተረፈ እቲ በዘፈቀደ ወይ ብፍንው ክግበር ዝጸንሐ ኣገባብ ኣሠራርሓ፣ ኣብ ዓወት ከብጽሓና ዘይክእል ምዃኑ ተፈሊጡ፣ ዝጸንሐ ድኽመታትና ብምእራም ናብ ሓደ ከሥርሓና ዝኽእል ሓድሽ ተበግሶ ኣቢልና ክንጥምት፣ ካልእ ኣማራጺ ዘይብሉ ምዃኑ ክንርዳእ፣ እቲ ህልው ኩነታት ቤተ-ክርስቲያንና የገድደና` ዘሎ።

ስለ-ዝኾነ`ውን እቲ ኣብ ኣተሓሕዛ ትምህርቲ-ሰንበት፣ ኣብ ቤተ-ክርስቲያንና ዝጸንሓን ዘሎን ሱር ዝሰደደ ድኽመታት ኩሉ፣ ብዙሕ ዋጋ ዘኽፍለና ኮይኑ ከም-ዝተረኽበ፣ ካብዚ ሕጂ ቤተ-ክርስቲያንና ትርከቦ ዘላ፣ ብእወንታ ዘይግለጽ ድሑር ደረጃ ንላዕሊ፣ ክቐርብ ዝኽእል ካልእ ተወሳኺ መረዳእታ፣ ኣሎ ክንብል ኣይንኽእልን። ብዝተረፈ ደቅና ብኸመይ ይዕበዩ-? ንዝብል ሕቶ መልሲ ዘይብልና ኴንናኸ፣ ክሳብ መዓስ ኢና ክንጎዓዝ ንኽእል-? እምበኣር ነዚ ኩሉ` መልሲ ክንረክብ ከይከኣልና፣ ነዚ ዘሎናዮ ግዜ ዝምጥን ኣገልግሎት ንፍጽም ኣሎና ክንብል ኣይንኽእልን ኢና።

እምበኣር መንእሰያት ደቅና ክዓብዩ ዝኽእሉሉ መድረኽ ክንፈጥር ከይከኣልና፣ ኣገልግሎትና ምሉእን ፍጹምን` ክንብል ንኽእል ኣይኮናን። ከመይሲ ውድድር ኣብ ዝበዝሖ ግዜ ኢና ንነብር ዘሎና። ነዚ ዘሎናዮ ግዜ ዝምጥን ንውድድር`ውን ዘብቅዕ ትሕዝቶ፣ ዘይብልና ኴንና እንተደኣ ተረኺብና ግና፣ እቲ ሳዕቤኑ እንታይ ክኸውን ከም-ዝኽእል፣ ክጠፍኣና ዝኽእል ኣይኮነን። ከመይሲ ነቲ መንእሰይ ትውልድና፣ ንወራር መናፍቓን ኣሕሊፍና ከም-ዝሃብናዮ` ክቑጸር። እቲ ቅዱስ-ጽሑፍ`ውን “-ወንጌል እንተ-ሰበኽኩ ዝምከሓሉ የብለይን፣ ምኽንያቱ ክሰብኽ ምዙዝ እየ፣ እንተ-ዘይሰበኽኩ ግና ወይለይ-” ብምባል` ኣቐሚጡዎ ዘሎ። ስለዚ እቲ ኣብ ኣገልግሎትና ዝጸንሐ ድኽመታት ብምእራም፣ ደቅና ክዓብዩሉ ዝኽእሉ መድረኽ ከነጣጥሕ፣ ግዜ ዘይህብ ሕቶ ምዃኑ` ዝንገረና ዘሎ`ሞ፣ እቲ ሕያው ኣምላኽ ዝሰምዕ እዝንን ዘስተውዕል ኣእምሮን ይዓድለና። (1ቆሮ-9/16)

ሊቀ-ካህናት ተክለ-ማርያም ምህርካ-ጽዮን

ሃገረ-ስብከት ኤውሮጳ ጀርመን

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div