S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

እንቋዕ ካብ ዘመነ-ማቴዎስ ናብ ዘመነ-ማርቆስ ብሰላም ኣብጽሓና!

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን።

ፍቁራን ማሕበረ ምእመናንን ምእመናትን ሕዝበ ክርስቲያን፣ እንቋዕ ናብ ጥንታዊ ሓድሽ ዓመት ቤተ ክርስቲያን፡ በዅሪ ዕለትን ወርሕን ዓውደ ዓመት ግእዝ ኣብጽሓኩም።

ወትባርክ ኣክሊለ ዓመተ ምሕረትከ” ኣኽሊል ዓመት ብምሕረትካ ትባርኽወይ ከኣንዓመት ብምሕረትካ ትኽልላመዝሙር 64(65)12

እዚ ኣብ ርእሰ ዓውደ ዓመት ዝስበኽ፡ መዝሙር ነቢይን ንጉስን ዳዊት፡ናብ ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ብሓልዮቱ፡ብሰናይ ድሌቱን ብዓሚቝ ፍቕሩን፡ኣብ ዘመነ ስጋዌኡ ዝፈጸሞ ግብሪ ድሕነት ይመርሕ።ነ ብምስትንታን ድማ ኢዩ ዓመተ ምሕረት ዝበሃል።

ኣብ ዘመነ ብሉይ ኪዳን፡ ብነቢይ ኢሳይያስ፦ ብሕርይቲ መዓልቲ ሰማዕኩኻ፡ብመዓልቲ ምድሓን ረዳእኩኻተባሂሉ ዝተነግረ ትንቢት፡ ኢሳ-498

ኣብ ዘመነ ሓድሽ ኪዳን፡ቅዱስ ሓዋርያ ጳውሎስ፦ እንሆ እታ ሕርይቲ መዓልቲ ሕጂ ኢያ፡ እታ መዓልቲ ምድሓን ከኣ ሎሚ ኢያብምባል ይገልጾ።2 ቆሮ-62

ትርጉምን ምስጢርን ሕርይቲ መዓልቲ ፡መዓልቲ ምድሓን ማለት እምበኣር፡ እዚ እነኽብሮ ዘሎና በዓል ርእሰ ዓውደ ዓመት ዓመተ ምሕረት ምዃኑ የረድእ። ብዘመን ኖህ ማይ ኣይሂ ማለት ዕልቕልቕ ማይ ምስ ኮነ፡ምኢትን ሓምሳን መዓልቲ ኣብ ቀላይ ጸምበለል ክትብል ዝጸንሐት መርከብ ኖህ፡ብኣቈጻጽራ መጽሕፍ ቅዱስ ኣብ ሻብዓይ ወርሒ፡ ቅንያት ወይ ወርሓት ክፋል መስከረም-ጥቅምቲ ብግእዝ፡ኣብ እምባ ኣራራት ዓረፈት፣ብባሕቲ ናይ ቀዳመይቲ ወርሒ ኸኣ እቲ ማይ ነጸፈ።  ዘፍ-84-13

እቶም ብሓጢኣት ተበላሽዮም ዝነበሩ ሕዝቢ፡ምኢትን ዕስራን ዓመት፡ ኖህ ብቓልን ብግብርን ሰቢኹሎም፡እግዚኣብሔር ንንስሓ ብትዕግስቲ ተጸብይዎም፡ምስማዕን ምእዛዝን ምስ ኣበዩ፡ኵሎም ብማይ ኣይሂ ተደምሰሱ፣እቲ ከም ፍቓድ እግዚኣብሔር ዝመላለስ ዝነበረ ጻድቕ ኖህ ግና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሞገስ ስለ ዝረኸበ፡ሻምናይ  ርእሱብመርከብ ደሓነ። ዘፍ-61-12711-241ጴጥ-320

ኣምላኽ ብሓጢኣት ደቂ ሰብ ዝተበላሸወትን ብዓመጻኦም ዝረኸሰትን ዓለም ብማይ ኣይሂ ኣጽርዩ፡ከም ብሓድሽ ሒደት ነፍሳት ከም ዝባዝሑ ስለ ዝገበረ፡ዓመተ ኖህ ብልደተ ሓዳስ ዓለም ብዓመተ ንጽሕና ዓለም፡ኖህ ከኣ ብዳግማይ ኣቦ ኵሉ ወለዶታት ይፍለጥ።ኖህ ድማ ብዛዕባ ዝነገርዎ ዘይርአ ነገር ምስ ኣመነ ፈርሐ።

ንስድራኡ ከድሕን ከኣ መርከብ ሰርሐ፣ ድማ ንዓለም ኰነና፣ ብእምነትውን ወራሲ ጽድቂ ኮነ።ዕብ 117

ቀዳመይቲ ዓለምውን ኣይነሓፋን፣ እኳ ደኣ ናብ ናይ ሓጥኣን ዓለም ማይ ኣይሂ ኣውረደ፣ ሰባኺ ጽድቂ ዝኾነ ኖህ ግና፡ሻምናይ ርእሱ ጥራሕ ኣድሓኖ 2ጴጥ25

መርከብ ኖህ፡ ቶም ኣብ ውሽጣ ዝነበሩ ነፍሳት፡ካብ ብሓጢኣት ዝተበላሸወ ብላይ ዓለም ናብቲ ብማይ ኣይሂ ዝተሓጽበ ሓድሽ ዓለም ከም ዘሰጋገረቶም፡ቤተ ክርስቲያን ድማ ብጥምቀት ካብ ሓላፊ ዓለም ናብ ዘየሓልፍ ዘለዓለማዊ መንግስተ ሰማያትን ሓድሽ ሕይወትን እተሰጋግር ኮይና ብመርከብ ትምሰል።

ኣብ መርከብ ሒደት ማለት ሾመንተ ነፍሳት፡ብማይ ደሓና፣ ማይ ናይ ሕጂ ዘድሕነኩም ጥምቀት ምልክት ኢዩይብል ቅዱስ ሓዋርያ ጴጥሮስ።1ጴጥ-320-21

ካብ ዝርከብ ትምህርቲ ቀዳማይ ነገር፡እግዚኣብሔር ንወዲ ሰብ ዕድመ ዝህቦ፡ከም ፍቓዱ ንኽመላለስን ዝበደሎ ብንስሓ ንኽኽሕስን፡ብትዕግስቲ ዝጽበዮ ምዃኑ ኢዩ። ግናኸ ትዕግስቱ ክሳብ መኣስ ከም ዝጸንሕ ስለ ዘይፍለጥ፡ብጊዜኡ ምንሳሕ የድሊ።

እዚ ርእሰ ዓውደ ዓመት ብስሙ ዝጽዋዕ ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቕውን፡-

መንግስተ ሰማያት ቀሪባ ኣላ እሞ ተነስሑእናበለን ንንስሓ ብማይ እናኣጥመቐን ኢዩ ተልእኮኡ ጀሚሩ። ማቴ-31-2።ማር-14-5።ሉቃ-33

ካልእ ድማ፡እስራኤላውያን ኣብ ግብጺ ካብ ዝነበርዎ ባርነት ናጻ ወጺኦም፡ናብ ምድሪ ርስቲ ዝተመልሱሉ ንምዝካርን ብበርቅን ነጐዳን ተሰንዩ ዝተዋህበ ሕጊ ኦሪት ንምሕላውን፡ ብኣቈጻጽራኦም ኣብ ሻብዓይ ወርሒ ሃይማኖታዊ ዓውደ ኣዋርሕ፡ኣብ መጀመርታ ወርሒ ሕዝባዊ ሓድሽ ዓመት፡ብግእዝ ከኣ ወርሓት መፋርቕ መስከረም-ጥቅምቲ፡በዓል መለኸት ከኽብሩ ተኣዘዙ። ኣብ መጽሕፍ ኦሪት ከም ዝተጻሕፈ፡

ኣብ ሻብዓይ መጀመርታ መዓልቲ(ባሕቲ)፡ዕረፍቲ፡ ብድምጺ መለኸት ከኣ መዘከርታን ቅዱስ ኣኼባን ግበሩ ዘሌ-2323

ኣብ መዓልቲ ሓጐስኩም፡ ኣብ ዓውደ ዓመትኩምን ኣብ ባሕቲ ኣዋርሕኩምን መለኸት ንፍሑ፣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ከኣ ንመዘከርታ ክኾነልኩም ኢዩይብል።ዘሁ-1010

ኣብ መዝሙር ዳዊትውን፦ ብባሕቲ ፍልጥቲ በዓልና መለኸት ንፍሑዝብል ጥቕሲ ኣሎ። መዝ-80(81)2-3

እዚ ስርዓት ኣብ ዘመነ ብሉይ ኪዳን እስራኤላውያን ክፍጽምዎ ዝተኣዘዘ ነበረ።ኣብ ዘመነ ሓድሽ ኪዳን ግና፡ብነፍሲ እስራኤላውያን ዝኾኑ ሕዝበ ክርስቲያን፡ዘኽብርዎም በዓላት ናቶም መንፈሳዊ ስነ ስርዓት ኣለዎም። ደሃይ መለኸት ክብሪ መንግስቲ እግዚኣብሔርን ኣዋጅ ሓድሽ ዓመተ ምሕረትን የመልክት።ኣምላኽ ብዕልልታ፡  እግዚኣብሔር ብደሃይ መለኸት ዓረገይብል ቅዱስ ዳዊት።መዝ-46(47)5

እቲ ብነቢይ ኢሳይያስ፡- ”ጐደና እግዚኣብሔር ጽረጉ፡

መገድታቱውን ኣቕንዑ፡

ስንጭሮ ዘበለ ልዕል ይበል፡

እምባን ኵርባን ትሕት ይበል፡

ጥውይዋይ ዝኾነ ኵሉ ይቕናዕ፡

ድንጉር ይተኻኸል፡

ስጋ ዝለበሰ ኵሉ ምድሓን ኣምላኽ ከርኢ ኢዩ

ዝብል ኣዋጅ ነጋሪ ዝተጸውዐ ኣብ ሓድሽ ዓመት ዝዝከር ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቕ ብግብሪ ይገልጾ።ኢሳ-403-5።ማቴ-33።ማር-12-4።ሉቃ-31-6።ዮሓ-123

ቅዱስ ዮሓንስ ገና ከይተወልደ ከሎ፡ንታሕጓስን ባህታን ከም ዝኸውን፡ብልደቱ ብዙሓት ከም ዝሕጐሱ፡ወዘተ- - -ቅዱስ ገብርኤል መልኣኽ ንኣቦኡ ዘካርያስ ገሊጹሉ ነበረ።ሉቃ-114

ምስ ተወልደውን ኣዝማድን ጐረባብትን ኤልሳቤጥ ኣዲኡ ምሳኣ ተሓጐሱ።ሉቃ-157-58

ናይ ቅዱስ ዮሓንስ ታሕጓስ ግና፡

ንብዙሓት ካብ ሕዝቢ እስራኤል ናብ ኣምላኾም ክመልሶም፡

ብቑዕ ሕዝቢ ንእግዚኣብሔር ከዳሉ፡ሉቃ-116-17

ሕዝቢ ሕድገት ሓጢኣቶም ዝረኽቡሉ ናይ ድሕነት ፍልጠት ክህብ፡ሉቃ-177

እምበር፡ ንባዕሉስ እቲ ንልቢ ሰብ የሐጕሶ ዝተባህለ ወይኒውን ኣይሰተየን። መዝ103(104)14።ሉቃ-115

እኳ ደኣ ናብራ ብሕትውና እናነበረ፡ ኣብ ክንዲ ልሙጽ ክዳን ሃሪ፡ብጸጕሪ ገመል ዝተኣልመ ሓርፋፍ ክዳን ተኸዲኑ፡ ኣብ ክንዲ ምግቢ ጥልላት ቈጽሊ መሮርን መዓር በረኻን ተመጊቡ ኢዩ፡ካብተን ኣብ በረኻ ፋሕ ኢለን ዝነበራ ገዛውቲ ጀሚሩ ክሳብ ከባቢ ዮርዳኖስ ኣዋጅ መንግስተ ሰማያት ኣዊጁ።

ድማ፡እቲ እምባን ኵርባን ሓዂሩ፡ሽንጭሮን ሩባን ተሳጊሩ፡ክሳብ ጫፍ ዓለም ተመጣጢሩ፡ዝሓስብ ልቢ(ኣእምሮ) ደቂ ሰብ፡ እምነት ክርስቶስ ክቕበልን ብመገዲ እግዚኣብሔር ክመላለስን ቅኑዕ ጐደና ንስሓ ጸሪጉ፡ካብ ብዘላ ሃገር ይሁዳን ኢየሩሳሌምን ንዝመጹ ናይ ንስሓ ጥምቀት ኣጥመቐ። ማቴ-31-6

ንስሓ ብጾምን ብጸሎትን ፡ብትሕትናን ብስግደትን፡ ከም ዝኾነ ኸኣ፡ብቓልን ብግብርን ይምህረና። ጽሑፍ ደሃዮም ናብ ኵሉ ምድሪ ወጸ፡ቃሎምውን ክሳብ ወሰን ዓለም በጽሐከም ዝብል፡ሮሜ 1018 ቤተ ክርስቲያን፡ካብ ሓዋርያት ጀሚራ እትምህሮ ወንጌል፡ኣብ ምሉእ ዓለም ስለ ዘቃልሕ፡ብኣዋጅ ደሃይ መለኸት ዘይኮነስ፡ብስብከተ ወንጌል ኢያ ደሃያ እተስምዕን ንሕዝባ ናብ ንስሓ እትጽውዕን።

ስለ ኣብ ክንዲ ደሃይ መለኸት፡መግለጺ ሓድሽ ዓመት ስጋዊ ኣቈጻጽራ፡ብትምህርቲ ወንጌል ኣቢልና፡ምጅማር መወዳእታ ዘይብሉ ዘለዓለማውነት መንፈሳዊ ኣቈጻጽራ ንርዳእ።

ቅዱስ ጳውሎስ፡-

ሕጂ ድማ ብክርስቶስ ዘሎ ኵሉ፡ንሱ ሓድሽ ፍጥረት ኢዩ፣ እቲ ናይ ቀድም ሕሊፉ፡እንሆ ኵሉ ሓድሽ ኮይኑ ኣሎ2 ቆሮ-517

ከም ውን፦ ጐይታ ባዕሉ ብብርቱዕ ቃል ትእዛዝንብድምጺ ሊቀ መላእኽትን ብመለኸት ኣምላኽን ካብ ሰማይ ክወርድ ኢዩ፣ እቶም ብክርስቶስ ኣሚኖም ዝሞቱ ኸኣ ቅድም ክትንስኡ ኢዮምከም ዝበሎ፡1ተሰ-416

ናብ ድሕሪ ሞት ዘሎ ሓድሽ ሕይወትን ኣብ መወድእታ እዚ ዓለም ዝመጽእ ዘየሓልፍ ዘለዓለማውነትን ነስተንትን።ሓድሽ ዓመት ከኣ ኢዩ ዘዘኻኽረና።

መንፈስ በዓል ሓድሽ ዓመት ከም ኣብ ትንቢት ኢሳይያስ፦ መንፈስ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ኣብ ልዕለይ ኢዩ፣ ንድኻታት ብስራት፡ ንስቡራት ልቢ ክጽግን፡ ንዝተማረኹ ናጽነት፡ ንእሱራት ምፍታሕ፡ ክሰብኽ እግዚኣብሔር ቀቢኡኒ ኢዩሞ፡ እግዚኣብሔር ንሕዝቡ ዘድሕነላ ዓመት ጸጋ፡ ሕርይቲ ኢለ ክሰምያ፡ ንጸላእቱ ዝብቀለላ ዓመት ከም ዝመጸት ክእውጅ፡ ንዅሎም ሕዙናት ከጸናንዕ፡ ለኣኸኒዝተባህለ፡ኢሳ-611-2

ክፍጸመልና ቅዱስ ፍቓድ እግዚኣብሔር ክኸውን ንጽሊ።

 

ደቂቀ እንጦንዮስ ዘክርስቶስ

መስከረም ፳፻፲፬ / ግእዝ (11 መስከረም 2021 )

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div