S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ክርስቶስ ተንሥኣ እም-ምዉታን በዓቢይ ኃይል ወሥልጣን-!!

ንሕና ከም ኦርቶዶክሳውያን ወይ ከም ክርስቲያን መጠን፣ መስቀልን ታሪኽ መስቀልን ንዓና ሓዲሽ ነገር ኣይኮነን። ከመይሲ እቶም ቀዳሞት ኣቦታትና፣ ካብ ዘመነ-ብሉይ ኣትሒዞም፣ ኣብ እምነት እግዚኣብሔር ሠረት ዝገበረ ኣምልኮ ሒዞም`ዮም እናተጎዓዙ መጺኦም። ስለዚ`ውን መስቀልን ታሪኽ-መስቀልን ንዓና ከም ሕዝቢ፣ ጋሻ ክኾነና ዝኽእል ኣይኮነን።

ከመይሲ ጎይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ-ክርስቶስ ተወሊዱ፣ ወንጌል ክስበኽ`ውን ይጅመር ኣብ ዝነበረሉ ግዜ፣ እቲኅፅዋ-ለህንደኬብምባል ዝፍለጥ፣ ካብዚ ካብ ምድረ-ኣግዓዚ ወይ ምድሪ-ሓበሻ ናብ ኢየሩሳሌም ከይዱ ዝነበረ መኮንን፣ ብኢድ ሓዋርያ-ፊልጶስ ጥምቀተ ክርስትና ከም-ዝተፈጸመሉ፣ እቲ ሰኣሊ ከም-ዝነበረ ታሪኽ ቤተ-ክርስቲያን ዝነግረሉ፣ ወንጌላዊ-ሉቃስ ገሊጹዎ ኣሎ። (ግሓ/8-30-31)

ስለዚ`ውን በዓለ-ፋሲካ ወይ በዓል-ትንሣኤ ንሕዝብና፣ ሓዲሽ-በዓል` ዝበሃል ኣይኮነን። ትንሣኤ ብዝመጸ ቁጽሪ “-ክርስቶስ ተንሥኣ እም-ምዉታን፣ በዓቢይ ኃይል-ወሥልጣን-” ብምባል፣ ናብቲ ጎይታና ዝተቐበሎ መከራ-መስቀል`ውን ብምጥማት “-ትንሣኤከ ለእለ ኣመነ፣ ብርሃነከ ፈኑ ዲቤነ-” እናበለ፣ ብዝለዓለ ደረጃ ክብሪ ብምሃብ ከብዕሎ ጸኒሑ`ዩ። ሕጂ`ውን በዚ መንፈስ እዚ` ከብዕሎ ዝርከብ ዘሎ። ከመይሲ እቲ ክርስትና ንርእሱ፣ ብዘይካ` ኣብ ቀራንዮ ዝተፈጸመ መከራ-መስቀል፣ ትርጉም ክነብሮ ምኸኣለ ኢልካ ዝሕሰብ ኣይኮነን።

ስለዚ` ሓዋርያ-ጳውሎስ`ውን፣ ናብ ሰብ ቆሮንቶስ ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቲ “-እስመ ነገረ-መስቀሉሰ ዕበድ ውእቱ በኀበ-ኅጉላን፣ ወበኀቤነሰ ለእለ ድኅነ ኃይለ-እግዚኣብሔር ውእቱ-” ብምባል፣ ነቲ ብመንገዲ መስቀል ኣቢሉ ኣብ ቀራንዮ ዝተፈጸመ፣ ዓቢይ ናይ ድኅነት ምስጢር ገሊጹዎ ዘሎ። ስለዚ ኢና ንሕና`ውን ከም ደቂ ቤተ-ክርስቲያን መጠን፣  “-መስቀል-ኃይልነ-! መስቀል-ጽንዕነ-! መስቀል-ቤዛነ-! መስቀል መድኃኒተ-ነፍስነ-!” ብምባል፣ ኣብቲ ምእንቲ ድኅነት ደቂ-ሰብ ክብል፣ ኣብ መስቀል ዝተሰቕለ ጎይታ ብዓይኒ ሕሊና ብምጥማት፣ “-ተዘከረነ እግዚኦ በውስተ መንግሥትከ-!” ብምባል፣ ማዕጾ ቤት-ኣምላኽ ክንኩሕኩሕ እንርከብ ዘሎና።(1ቆሮ-1/18)

ብዝተረፈ ቅዱስ-ጳውሎስ “-ቃል መስቀል ነቶም ዝጠፍዑ ዕሽነት`ዩ። ንዓና ነቶም ንድኅን ግና ኃይሊ ኣምላኽ`-” ክብል ከሎ፣ ናብቲ ብመስቀል ኣቢሉ ዝተፈጸመ ግብሪ ድኅነት ብምጥማት` ዝዛረብ ዘሎ። ግዳስ እዚ ትርጉም` ዘይርድኦም፣ ወይ`ውን ክርድኦም ዘይደልዩ ወገናት፣ ምህላዎም ዝፍለጥ እዩ። ጎይታናን መስቀልን ግና፣ ክፈላለዩ ዝኽእሉ ኣይኮኑን። ስለ` ከኣ` እቲ ስሑል ዝኾነ ኣንደበት ከም-ዝነበሮ፣ እቶም ዝጸሓፎም መልእኽታቱ ዝነግሩሉ ሓዋርያ-ጳውሎስ “-ቃል መስቀል ነቶም ዝጠፍኡ ዕሽነት`-” ብዝብል ኃይለ-ቃል ደምዲሙዎ ዘሎ።

ስለዚ`ውን ብዘይ “-መስቀለ-ክርስቶስ-” እቲ ክርስትና ንርእሱ`ውን፣ ትርጉም ክህልዎ ምኸኣለ ኢልካ ዝሕሰብ ኣይምኾነን። ስለ` ከኣ` “-ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ብሙማት ነቲ ጽልኢ ደምሰሶ። ንክልቲኦም ድማ ሓደ ብምግባር፣ ብመስቀሉ ምስ ኣምላኽ ኣተዓረቖም-” ብምባል` እቲ ቅዱስ-ጽሑፍ ገሊጹዎ ዝርከብ። ስለዚ`ውን እቲ ኣብ ትንሣኤ-ለይቲ፣ ንሕና ከም ሕዝቢ መስቀል ክንሳለም እነርእዮ ባህግን ተገዳስነትን`ውን፣ ፍቕሪ ወይ ምስጢር-መስቀል ክሳብ ክንደይ ኣብ ውሽጥና ሰሪጹ ምህላዉ ዘረጋግጽ እዩ። ስለ` እቲ ምእንቲ ኃጢኣትና ክብል፣ ጎይታና ዝተሰከሞ ኣርዑተ-መስቀል፣ ንዓና ኩሉ ነገርና ኮይኑ`ዩ፣ ኣብ ውሽጥና ሰፊሩ ዝርከብ ዘሎ(ኤፌ-2/16)

ይኹን እምበር ኣብዚ ሰዓት`ዚ፣ ብዛዕባ` ኣብ ከቢድ ፈተና፣ ወዲቓ እትርከብ ዘላ ቅድስቲ ቤተ-ክርስቲያንና ክንሓስብ ከሎና፣ እቶም ዓበይቲ እንብሎም ክብረ-በዓላትና፣ ትርጉም ንስእነሎም ከም-ዘሎና፣ ሓቢእና ክንሓብኦ እንኽእል ምስጢር ኣይኮነን። ከመይሲ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር-ፖለቲካ ዝተታሕዘት ቤተ-ክርስቲያን እያ ዘላትና። እዚ ከኣ ከደቅሰና ዝኽእል ኮይኑ ክርከብ ግቡእ ኣይነበረን። ሕዝብና ግና በቲ ኣብ ልዕሊ ቤተ-ክርስቲያን ዝፍጸም ዘሎ ናይ ሕጊ ግህሰታት ኩሉ፣ ግዲ ዘይብሉ ኮይኑ ካብ ዝርከብ ግዚኡ ሓጺር ኣይኮነን።

ከመይሲ ካብዚ ዝሓለፈ 30-ዓመት ጀሚሩ፣ እቲ መድረኽ ቤተ-ክርስቲያን እቶም ሰብ ፖለቲካ፣ ዝዕንድሩሉ ሜዳ ኮይኑ ደኣ` ዝጸንሐ እምበር፣ ከምቲ ክትኮኖ ዝግበኣ ቃል ኣምላኽ ክትነግርን ክትምህርን እትኽእል ነፃ ኮይና ኣይጸነሐትን። ከመይሲ ካብ 1983 / (1991) ክሳብ` ሕጂ ዘሎናዮ ግዜ፣ ሓሙሽተ ፓትርያርክታት መጺኦምን ከይዶምን `ዮም። እታ ቤተ-ክርስቲያን ግና ዋላ ሓደ ካብዚኣቶም፣ ብቀኖናኣ መሠረት መሪጸዮ እየ ክትብሎ እትኽእል ፓትርያርክ ኣይነበራን። የግዳስ ኩላቶም ብናይ ፖለቲካ ሚዛን ተመዚኖም ዝተሾሙ ደኣምበር፣ ቀኖናዊ-መስፈርት ኣማሊኡ ተመሪጹ ተባሂሉ ዝዝረበሉ፣ ዋላ ሓደ ፓትርያርክ` ከም-ዘይነበረን ከም-ዘየሎን፣ ኣረጋጊጽካ ክዝረብ ዝከኣል እዩ።

እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ፣ እዚ ምዃኑ እንተፈልጠ ከሎ ከኣ፣ ነፃ ቤተ-ክርስቲያን ኣላትና ክበሃል ከም-ዘይከኣል፣ ክጠፍኦ ዝኽእል ኣሎ ክንብል ኣይንኽእልን። እንተኾነ ኣብቲ ቅዱስ-ጽሑፍ “-ከይሰምዑ ኣእዛኖም ኣጽመሙ፣ ከይርእዩ`ውን ኣዕይንቶም ዓመቱ-” ተባሂሉ ከም-ዘሎ፣ ንሕና`ውን ከም ሕዝቢ ወይ ከም ማኅበረ-ምእመናን ተዋሕዶ መጠን፣ እዚ ቃንዛ` ቃንዛና ጌርና ክንወስዶ ዝነበረና ሓላፍነት፣ ሸለል ብምባል ርዒምናዮ ክንከይድ ስለ-ዝመረጽና፣ እንሆ እታ ብጸጋ-ጥምቀት ዝወለደትና ቅድስቲ ቤተ-ክርስቲያን፣ ንዝኸፍአ ስቓይን መከራን ተቓሊዓ` ትርከብ ዘላ። (ማቴ-13/15)

እስራኤላውያን ግና፣ ከምዚ ንዓና ገጢሙና ዝርከብ ዘሎ ፈተና፣ ኣጋጢሙዎም ኣብ ዝነበረሉ ግዜ፣ ኃጢኣቶም ተኣሚኖም ደኣ`ዮም ምሕረት ክልምኑ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዝቐረቡ እምበር፣ የማነ ጸጋም ክብሉ ዘባኽኑዎ ግዜ ኣይነበሮምን። “-ንሠለስተ መዓልቲ ዝኣክል ከየቋረጹ ከኣ፣ ብገጾም ኣብ ምድሪ ተደፊኦም፣ እናጾሙን እናበኸዩን ናብቲ ብምሕረት ምሉእ ዝኾነ ኣምላኽ ተማህለሉ-” ብምባል` እቲ ቅዱስ-ጽሑፍ ዝዛረብ። ከመይሲ ከምዚ ከማና ዝኣመሰለ፣ ናይ መዓት-ደመና ተጻዒኑዎ ዝርከብ ሕዝቢ። ምሕረት ኣምላኽ ክረክብ ብምባል ደኣ`ዩ፣ ብጸሎተ-ምህልላ ኣቢሉ ናብ ቅድሚ ኣምላኽ ክወድቕ ዝግብኦ እምበር፣ ምስ ገዛእቲ እዛ ዓለም`ዚኣ ክመሳሰል ክብል፣ ካብቲ ክርስቲያናዊ መስመር ወጺኡ እናሃውተተ ክነብር ኣይምተገብኦን። እቲ ሕጂ ኣባና እናኾነ ዝርከብ ዘሎ ግና፣ ንእግዚኣብሔርን ቤተ-እግዚኣብሔርን ሸለል ብምባል፣ ምስ ገዛእቲ እዛ ዓለም`ዚኣ ተመሳሲልካ ክትከይድ ናይ ምድላይ ኣዝማሚያ` ዝርአ ዘሎ። (1መቃ-13/12)

እዚ ኣከያይዳ` ግና፣ ንዓና ከም ሕዝቢ ንዝኸፍአ መዓት ተጋሊጽና ከም-እንርከብ ክገብረና እንተ-ዘይኮይኑ፣ ንምሕረት ክኾነልና ይኽእል` ዝበሃል ኣይኮነን። ኃጢኣትን ግብሪ ኃጢኣትን ከይተጸየፍካ ከኣ፣ ምሕረት ኣምላኽ ክርከብ ይከኣል` ኣይበሃልን። እስራኤላውያን ግና ንእምነቶም ብዝምልከት፣ ከምዚ ናትና ኣብ ከቢድ ፈተና ወዲቖም ይርከቡ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ “-ኣብ እምነቶም ጸንዑ፣ ዝረኸሰ እንጌራ ከይበልዑ ከኣ ብልቦም ቈረጹ። ዝረኸሰ ብልዒ በሊዖም ካብ ዝረኽሱን፣ ነቲ ቅዱስ ናይ ኣምላኽ ኪዳን ካብ ዘፍርሱን ከኣ፣ ናይ ሞት-ጽዋዕ ክቕበሉ ሓረዩ፣ ብርግጽ`ውን ሞቱ-” ብምባል` እቲ ቅዱስ-ጽሑፍ ዝዛረብ። (1መቃ-1/62-63)

ንሕና ከም ኦርቶዶክሳውያን መጠን ግና፣ ካብ ማሕፀን` ቤተ-ክርስቲያን`ዚኣ፣ ብጸጋ-ጥምቀት ተወሊድና ከነብቅዕ፣ ናይዛ ቅድስቲ ወላዲት እዚኣ፣ ቃንዛን ስቓይን ዝስመዓና ኴንና ግና ኣይንርከብን ዘሎና። ስለዚ ከኣ` ንሳ እታ ብቅድስና ዝፍለጥ ታሪኽ ዘለዋ ዓባይ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስቲያን፣ ካብዚ ዝሓለፈ 30-ዓመታት ኣትሒዛ፣ ፖለቲካ ዝተቘጻጸራ ወይ ሰብ ፖለቲካ ናብ ዝደለዩዎ ኣንፈት ኣቢሎም፣ ጎቲቶም ዝወስዱዋ ተሳሓቢት ኮይና ትርከብ ዘላ። ከም ሳዕቤን` ኩሉ` ድማ፣ እቶም ቅዱስ-ፓትርያርክ ኣቡነ-እንጦንዮስ፣ ኣብ መቚሕ ከም-ዝኣትዉ ክግበር ከሎ፣ ካልእ እንተ-ተረፈ ንክብሪ ቤት-ኣምላኽ ክበሃል`ኳ፣ ኣብ ኣደባባይ ወጺእና ድምፂ ተቓውሞ ከነስምዕ` ዝግባእ ዝነበረ። እዚ ኹሉ` ግና ክግበር ኣይተኻእለን።

እቶም ንሕጊ እግዚኣብሔር ሸለል ብምባል፣ ንጣዖት ክሰግዱን ከምልኹን ብንጉሥ ጸቕጢ ዝተገብረሎም እስራኤላውያን ግና፣ ዋላ` እቲ ሳዕቤን ክሳብ ሞት ክበጽሕ ዝኽእል ምዃኑ`ውን እንተ-ዘይሰሓቱዎ፣ እቲ ክኽተል ዝኽእል ሳዕቤን ብምፍራህ ግና፣ ንትእዛዝ` ንጉሥ ከተግብሩ ፍቓደኛታት ኮይኖም ከም-ዘይተረኽቡ፣ እዚ ዝኽተል ጽሑፍ` ዘረጋግጽ “-ነፍስ-ወከፍ ንእምነት ኣቦታቱ ገዲፉ፣ ንትእዛዝ ንጉሥ ክቕበል ዝደሊ እንተኾነ`ውን፣ ንሕና ግና እቲ እግዚኣብሔር ምስ ኣቦታትና ዝገበሮ ኪዳን ክንሕሉ ኢና። ንሕጉ ኮነ ንትእዛዛቱ ምግዳፍ ካባና የርሕቆ። እምነትና ሓዲግና ከኣ የማነ ጸጋም ኣይንብልን። ንትእዛዝ ንጉሥ ከኣ ኣይንእዘዝን ኢና-” ብምባል`ዮም ንእምነቶም ጽኑዓት ኮይኖም ደው ዝበሉ፣ እዚ ምስ ሞት ገጽ ንገጽ ዝገጠመ ጽንዓት እምነት`ዚ፣ ንዓና ዓቢይ ምሳሌ ኮይኑ` ክርከብ ዝግብኦ ዝነበረ፣ ኣባና ግና ከምኡ ኮይኑ  ኣይተረኽበን። (2መቃ-2/19-22)

ብዝተረፈ እቲ ኣብ ሃገርና ዝርከብ ዘሎ፣ ዉሉደ-ክህነት ኮነ ማኅበረ-ምእመናን፣ ገለ ዘይበለ ወይ ዘይገበረ ተባሂሉ ክሕመ ከም-ዘይክእል፣ እቲ ዘለዎ ጸገም ማንም ክርድኦ ዝኽእል`ዩ። ንሕና እቶም ባሕሪ ተሳጊርና ኣብ ስደት ንርከብ ዘሎና ግና፣ ኩሉ ክንብል ዘኽእለና ምሉእ መሰልን ገፊሕ ዝኾነ መድረኽን ከም-ዘሎና ዝፍለጥ እዩ። እንተደኣ እቲ ቃንዛን ስቓይን ቤተ-ክርስቲያን ዝስመዓና ኮይኑ ከኣ፣ ብዛዕባ` ኣብ ልዕሊ እታ ቅድስቲ ቤተ-ክርስቲያን፣ ብቐጻሊ ክፍጸም ዝርከብ ዘሎ ግህሰተ-ሕጊ፣ ኣብ መድረኽ ወጺእና ከነእዊ ዘይንኽእለሉ ምኽንያት ኣይነበረን። እቲ ማኅበረ-ምእመናን ግና፣ ኣብቲ ሰብ ፖለቲካ ዘዳለዉዎ ጓይላ ኣትዩ ደኣ` ክስዕስዕ ዝርከብ ዘሎ እምበር፣ ቃንዛ ቤተ-ክርስቲያን ዝስምዖ ኮይኑ ዝተራእየሉ ኣጋጣሚ፣ ነይሩ` ክበሃል ኣይከኣልን።     

እቲ ወገን ውሉደ-ክህነት ግና፣ ኩሉ` ክበሃል ዝከኣል` እንተ-ዘይኮነ፣ ገለ ካብቶም ኣብ ሃገረ-ስብከታት ሰሜን-ኣሜሪካን ኤውሮጳን ማእከላይ-ምብራቕን ዝርከቡ፣ ኣብቲ ሓዋርያዊ- ሰንሰለት ጸኒዖም ደው ብምባል፣ ንፓትርያርከነት ኣቡነ-እንጦንዮስ ደጊፎም ክቃለሱ ምጽንሖም ዝፍለጥ`ዩ። ድሕሪ ናይ 16-ዓመት መቑሕን ማእሰርትን ከኣ፣ ንሶም እቶም ኣብ መቚሕ ኮይኖም ክቃለሱ ዝጸንሑ ፓትርያርክ “-ሠናየ ገድለ ተጋደልኩ፣ በድርየኒ ፈጸምኩ፣ ወሃይማኖትየኒ ዓቀብኩ-” ብምባል፣ መንገዲ-ሰማይ ኣቕኒዖም ምኻዶም` ዝፍለጥ። (2ጢሞ-4/6-8)

ፓትርያርክ-እንጦንዮስ መንገዲ-ሰማይ ኣቕኒዖም ስለ-ዝኸዱ ግና፣ እቲ ኣብ ልዕሊ ቤተ-ክርስቲያንና ክፍጸም ዝጸንሐ፣ ስቓይን መከራን ተወዲኡ` ማለት ኣይኮነን። ከመይሲ ሕጂ`ውን እቲ ፖለቲካ`ዩ፣ ነታ ቤተ-ክርስቲያን ምሉእ ብምሉእ ተቘጻጺሩዋ ዝርከብ ዘሎ። እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ክዉንነት እዚ ክሳብ ዝኾነ ከኣ፣ ንሕና እቶም ደቂ` ቤተ-ክርስቲያን`ዚኣ ኢና እንብል ኦርቶዶክሳውያን፣ ውሉደ-ክህነትና ይኹን ማኅበረ-ምእመናን፣ ብዝኾነ ተኣምር`ውን ይኹን ደቂስና ክንሓድር፣ ዘኽእለና ኩነት ኣሎና ክንብል ከም-ዘይንኽእል፣ እቲ ሕጂ ኣብቲ መድረኽ ቤተ-ክርስቲያን፣ ዝርአ ዘሎ ክዉንነት ከረጋግጾ ዝኽእል`ዩ። ከመይሲ ሕጂ`ውን ፓትርያርክ ክሸሙ ዝርከቡ ዘለዉ፣ ባዕላቶም እቶም ሰብ ፖለቲካ ደኣ`ዮም እምበር፣ ንሕና ከም ዋናታት ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ መጠን፣ ኣብቲ ክግበር ዝርከብ ዘሎ ኩሉ፣ ዝሓወስናዮ ኢድ ኣሎና ዝበሃል ኣይኮናን። 

ከመይሲ እቶም ታሪኽ ብኽብሪ ዝዝክሮም፣ ናይ ግብጺ ቤተ-ክርስቲያን ኣቦ ዝነበሩ ፓትርያርክ-ሺኖዳ 3ይ፣ ኣብ ሕቶ ቤተ-ክርስቲያንና ዝጸንሖም ኣቕዋም ግልጽን ንጹርን እዩ። ማለት ነቲ ኣብ ልዕሊ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ፣ ናይ ኤርትራ-ሲኖዶስ ዝወሰዶ ዘይ-ቀኖናዊ-ውሳኔ፣ ብመሠረተ ሓሳቡ ዝነጽግ ኣቕዋም` ጸኒሑዎም። ስለዚ`ውን ሕጋዊ ናይ ኤርትራ ፓትርያርክ፣ ኣቡነ-እንጦንዮስ`ዮም ኣብ ዝብል መርገጽ ጸኒዖም ደው ኢሎም ስለ-ዝጸንሑ፣ ምስቲ ኣብ ኣሥመራ ዘሎ መለካዊ-ሲኖዶስ፣ ርክብ ኣቋሪጾም ከም-ዝጸንሑ` ዝፍለጥ። በዚ ምኽንያት እዚ`ውን፣ እቲ ዝምድና ወይ ርክብ ዳርጋ ተበቲኹ` ጸኒሑ ክበሃል ይከኣል።

በዚ መሠረት እዚ`ውን፣ ነቲ ስግር-ባሕሪ ኮይኑ ኣብቲ ሓዋርያዊ-ሰንሰለት ጸኒዑ ክጎዓዝ ዝጸንሐ መንበረ-ጵጵስና፣ ከም ንኤርትራ ዝውክል ሕጋዊ መንበር ጌሮም ኣፍልጦ ስለ-ዝሃቡዎ፣ ንሱ እዚ መንበረ-ጵጵስና` ከኣ`ዩ፣ ሕጋዊ ወይ ቀኖናዊ መንበር ኮይኑ ክዋሳእ ዝጸንሐ። ድሕሪ ዕረፍቲ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ግና፣ እቶም ናይ ግብጺ ቤተ-ክርስቲያን ኣቦታት፣ ኣብቲ ፓትርያርክ ሺኖዳ ዝገደፉዎ ኣቕዋም፣ ጸኒዖም ደው ዝብሉ ኮይኖም ኣይተረኽቡን። በዚ መሠረት` ድማ ካብቲ ሒዞሞ ዝጸንሑ፣ ቀኖና መሠረት ዝገበረ-ኣቕዋም፣ ተንሸራቲቶም ታሕቲ ብምውራድ፣ ምስቲ ኣብ ኣሥመራ ዘሎ ብሕልፈት ፓትርያርክ-እንጦንዮስ`ውን ተሓታቲ ዝኾነ ሲኖዶስ፣ ሓዲሽ ዝምድና መሥሪቶም ክርከቡ ምኽኣሎም፣ ሓደ ብኣሉታ ከጠምቶም ዝኽእል፣ ታሪኽ`ውን ይቕረ ክብለሉ ዘይክእል፣ ታሪኻዊ ስሕተት ፈጺሞም ይርከቡ ኣለዉ።

ብዝተረፈ ቤተ-ክርስቲያን ምድሪ-ሓበሻ፣ ኣብቲ ዝገበረቶ ነዊሕ ናይ ታሪኽ ጉዕዞ፣ ምስቲ ኣቡነ-ሰላማ ኮኑ ኣቡነ-ሊባኖስ፣ ከምኡ`ውን ተስዓቱ-ቅዱሳን ሮማውያን፣ ኣብ ምድሪ-ሓበሻ ዝፈጸሙዎ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ብምንጽጻር ክርአ ከሎ፣ እቲ ምስ ግብጻውያን ዝጸንሓና ታሪኻዊ-ዝምድናክዱን በኣፈ-ሥላሴኢልካ ክሕለፍ እንተ-ዘይኮይኑ፣ ክሳብ ክንደይ ዝኣክል ልቢ ቀዳሞት-ኣቦታትና ዘሰምበረ፣ ፍጻሜታት ከም ዘሎ፣ ዓምድታት ታሪኽ ዘረጋግጹዎ ሓቂ`ዩ። እዚ ሕጂ ቤተ-ክርስቲያን ምድሪ-ሓበሻ ትርከቦ ዘላ፣ ብእወንታ ክግለጽ ዘይክእል ወይ ታሕቲ ዝወረደ መንነት`ውን፣ እቲ ሓላፍነት ካብ ንግብጻውያን ሓሊፉ፣ ንማንም ካልእ ይምልከቶ` ዝበሃል ኣይኮነን። ክሳብ ዝኣኽሎም`ውን ብዕድል ቤተ-ክርስቲያንና ተጻዊቶም`ዮም ክበሃል ይከኣል።

ሕጂ ድማ ግምጥል ኢሎም፣ እቲ ናይ ኤርትራ ሕጋዊ ወይ ቀኖናዊ-ፓትርያርክ፣ ኣቡነ-እንጦንዮስ`ዮም ብምባል ሒዞሞ ዝጸንሑ ኣቕዋም ገዲፎም፣ ምስቲ ኣብ ኣሥመራ ዘሎ ዘሎ ቀኖና-ዝጠሓሰ ሲኖዶስ፣ ሕግብግብ በሃልቲ ኮይኖም ተረኺቦም ምህላዎም እዩ። እዚ ከርእየና ዝኽእል ድማ፣ ነቲ ኣብ ልዕሊ ቤተ-ክርስቲያን ምድሪ-ሓበሻ፣ ብቐጻሊ ክፍጽሙዎ ዝጸንሑ ተደራራቢ በደል፣ ሕጂ`ውን ነቲ ናይ ትማሊ ቁስልና መሊሶም ክጎድኡዎ ምድላዮም እንተ-ዘይኮይኑ፣ ካልእ ትርጉም ክወሃቦ ዝኽእል መሲሉ ኣይረኣየናን። እቲ ንሳቶም ክርድኡዎ ዘይከኣሉ ግና፣ እቲ ንቕሓተ-ሕሊና ውሉደ-ክህነትና፣ ካብቲ ቀደም ንሳቶም ዝፈልጡዎ፣ ብብዙሕ ዝተቐየረ ምዃኑ ክርድኡዎ ዘይምኽኣሎም ወይ ዘይምድላዮም እዩ።

ይኹን እምበር ንሳቶም እቶም ናይ መንበረ-ማርቆስ ኣቦታት፣ እቲ ብታሪኽ ከሕትት ኣብ ዝኽእል ድኽመት ወዲቖም ክርከቡ ኣገዲዱዎም ዘሎ፣ እቲ ብፖለቲካ ኣቢሉ ክምጽእ ዝኽእል ጸቕጢ ወይ ተጽዕኖ፣ ክጻወሩዎ ብዘይምኽኣሎም ምኽንያት ምዃኑ ከም-ርዱእ ዝውሰድ እዩ። እቲ ቅዱስ-ጽሑፍ ግና “-ኢትፍራህ ምንተኒ በእንተ ዝሃለወከ ትህሕምም-” ከም ዝብል፣ ካባና ንላዕሊ ንሳቶም እቶም ኣብ መንበረ-ማርቆስ ተቐሚጦም ዘለዉ-ኣቦታት፣ ይፈልጥዎ`ዮም ዝብል እምነት ስለ-ዘሎና፣ ንፍቓድን ድሌትን ገዛእቲ እዚ ዓለም` ንምፍጻም ክበሃል፣ ቅድስናን ክብርን ቤተ-ክርስቲያን ኣብ ሓደጋ ክወድቕ፣ ዝፈቅድ ሕልና ክህልወና ቅቡል ኣይኮነን፣ ግቡእ`ውን ኣይኮነን ዝብል ኣቕዋም` ዘሎና። (ራእ-2/9-10) (ኤፌ-6/10-12)   

ብዝኾነ እዚ ኩሉ` ክኸውን ዝኸኣለ፣ ምእንቲ ቤተ-ክርስቲያን ክብል ዋጋ ክኸፍል፣ ፍቓደኛ ዝኾነ ማኅበረ-ምእመናን ስለ-ዝተሳእነ ደኣምበር፣ ቅድስቲ ቤተ-ክርስቲያንና እቲ ፖለቲካ ተቘጻጺሩ ዝደለየ ክገብራ ከሎ፣ ድምፂ ተቓውሞ ከስምዕ ዝኽእል ጥርኑፍ ማኅበረ-ምእመናን፣ ተረኺቡ እንተ-ዝነብር ነይሩ፣ እቲ ኣውደ-ምሕረት ቤተ-ክርስቲያንና፣ ከምዚ ሕጂ ኮይኑዎ ዝርከብ ዘሎ፣ እቶም ሰብ ፖለቲካ ዝጻወቱሉ መድረኽ ኮይኑ ክርከብ ኣይምኸኣለን። ስለዚ`ውን ጠቕላላ ህልውና ቤተ-ክርስቲያን፣ ከምዚ ዝረአናዮ ንከቢድ ሓደጋ ተጋሊጹ ይርከብ እናሃለወ ከሎ፣ እነብዕሎ በዓለ-ፋሲካ ትርጉም ክህልዎ ዝኽእል ኣይኮነን።

ከም-ዝፍለጥ ብዙሓት ገዳማውያን-ኣቦታትናን ካህናትናን፣ ካብዚ ዝሓለፈ ከባቢ 20-ዓመት ኣትሒዞም፣ ብመቚሕ ተታሒዞም ኣብ ሰንሰለት ኣትዮም`ዮም ዝርከቡ ዘለዉ። ዳርጋ ብምሉኡ ክበሃል ብዝኽእል ብዝሒ`ውን፣ እቲ ውሉደ-ክህነትና ተሰካም ጠመንጃ ኮይኑ፣ በረኻ ካብ ዝሰፍር 20-ዓመቱ ኮይኑዎ` ዝርከብ ዘሎ። እዚ ኩሉ ተደሚሩ ክርአ ከሎ ከኣ፣ መጻኢ ዕድል ቤተ-ክርስቲያንና፣ ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ ሓደገኛ መድረኽ፣ በጺሑ ከም-ዘሎ፣ ክስወረና ዝኽእል ኣይኮነን። እሞ እዚ ኹሉ እናኾነ ከሎ ደኣ፣ ልብና ተሓጒሱን ቀሲኑን ከነብዕሎ እንኽእል በዓለ-ትንሣኤ ክህልወና` ይኽእል`-?!

እቶም ኣብ ዘመነ-መቃብያን ዝነበሩ እስራኤላውያን ግና፣ ከምዚ ሕጂ ንዓና ኣጋጢሙና ዘሎ ፈተና ምስ ኣጋጠሞም፣ እቲ ቤት-መቕደስ`ውን ባዲሙን ረኺሱን ምስ-ረኸቡዎ፣ ካብ ብዝሒ ሓዘኖም ዝተላዕለ “-ክዳውንቶም ቀዲዶም ዓው ኢሎም በኸዩ። ሓሙኽሽቲ ነስኒሶም`ውን ኣእወዩ-” ብምባል` እቲ ቅዱስ-ጽሑፍ ዝገልጾ። ከመይሲ ቤት-ኣምላኽ ኣብ ከቢድ-ፈተና ወዲቑ እናሃለወ ከሎ፣ ልብኻ ወዲቑልካን ቅሳነት ተሰሚዑካን፣ ደቂስካ ክሕደር ኣይከኣልን እዩ። ስለዚ ከኣ`ዮም እቶም ቀዳሞት እስራኤላውያን`ውን፣ ረድኤት-ኣምላኽ ንምድላይ ክዳውንቶም ቀዲዶም ከእውዩ ግዲ ዝኾኖም። (1መቃ-3/47)

ብተመሳሳሊ መንገዲ ቤተ-ክርስቲያንና`ውን ኣብዚ እዋን`ዚ፣ ካብቲ ክትኮኖ ዝግብኣ ዝነበረ መንፈሳዊ-መንነት ወጻኢ፣ ምሉእ ብምሉእ መጋበርያ-ፖለቲካ ኮይና` ትርከብ ዘላ። ግዳስ ንሳ እዛ ብጸጋ-ጥምቀት ዝወለደቶም፣ ደቂ ኣለዉዋ እትበሃል ዓባይ ቤተ-ክርስቲያን፣ ከም-ዘይወለደት ኮይና ንክንድ` ዝኣክል፣ ከቢድ ፈተና ተጋሊጻ ትርከብ እናሃለወት፣ ንሕና እቶም ኣብ ጥዑም ድቃስ እንርከብ ደቃ ግና፣ ምስቶም ሰብ-ፖለቲካ መሲልናን ተመሳሲልናን ክንነብር ካብ-ምድላይና ዝተላዕለ፣ ንኣውያታ ግዲ ዘይብልና ኴንና ብምርካብና ምኽንያት፣ እንሆ እቲ ኣብ ልዕሊኣ ብቐጻሊ ዝወረድ ዘሎ መከራን ስቓይን፣ መወዳእታ ዘይብሉ ኮይኑ ክርከብ ምኽኣሉ፣ ብሓላፍነት ተጠየቕቲ እንኸውን ንሕና እቶም ደቂ` ቤተ-ክርስቲያን`ዚኣ ደኣምበር፣ ዝኾነ ካልእ ኣካል ተሓታቲ ኮይኑ ክቐርብ ዝኽእል ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን።

እምበኣር ፋሲካ ኮይኑ “-ክርስቶስ ተንሥኣ እሙታን-” ስለ-ዝተባህለ ጥራይ፣ በዓል ፋሲካ ኣብዒልና ማለት ኣይኮነን። ከመይሲ ቅድስቲ ቤተ-ክርስቲያንና፣ እቲ ፖለቲካ ምሉእ ብምሉእ ተቘጻጺሩዋ እናሃለወ ዝብዕል በዓለ-ፋሲካ፣ ትርጉም ኣለዎ ክበሃል ኣይከኣልን። ከመይሲ እስራኤላውያን ኣብ ባቢሎን ብምርኮ ተታሒዞም ይርከቡ ኣብ ዝነበሩሉ ግዜ፣ መዝሙር-ጽዮን ዘምሩ ተባሂሎም ክሕጎሱ ተለሚኖም ነይሮም`ዮም። ንሳቶም ግና “-ከመይ ጌርና ኢና` ኣብ ምድሪ-ጓና፣ ብምርኮ ተታሒዝና እናሃሎና፣ ንእግዚኣብሔር መዝሙር ምስጋና ክንዝምር-” ከም-ዝበሉ`ዩ፣ እቲ ናይ እግዚኣብሔር ነቢይ ዝኾነ፣ ዳዊት ወዲ-እሴይ ገሊጹዎ ዘሎ (መዝ-137)

እምበኣር ንሕና`ውን ኣብዚ እዋን` ብተመሳሳሊ መንገዲ፣ እቲ ፖለቲካዊ ኃይሊ ተቘጻጺሩዋ ዝርከብ ቤተ-ክርስቲያን እናሃለወትና ከላ፣ ትርጉም ዘለዎ በዓለ-ትንሣኤ ነብዕል ኣሎና ክንብል ከኺደና ዝኽእል ኣይኮነን። በዚ ምኽንያት` እውን ባህ ኢሉናን ተሓጒስናን ከነብዕሎ እንኽእል በዓል-ፋሲካ ክህልወና`ውን ዝኽእል ኣይኮነን። የግዳስ ከምቲ ነህምያ ዝጸለዮ ጸሎት “- እግዚኣብሔር-! ኃያልን ቅኑዕን መሓርን ዝኾንካ ኣምላኽ-! ንስኻ በይንኻ ንጉሥ ኢኻ ለዋህ`ውን ኢኻ። ንስኻ በይንኻ ሂቡ ዘይውድኦ ሃብታምን ፈሳስን ኢኻ። ንስኻ በይንኻ ኃያልን ቅኑዕን ዘለዓለማውን ኣምላኽ ኢኻ። ንሕዝቢ እስራኤል ካብ ኩሉ ክፉእ ዝኾነ ዘድኃንካዮምን፣ ነቦታትና`ውን ዝሓረኻዮምን ዝቐደስካዮምን ንስኻ ኢኻ። ነዚ መሥዋዕቲ` ከኣ ኣብ ክንዲ ኩሎም ሕዝብኻ እስራኤል ተቐበሎ-! ንርስትኻ ድማ ሓልዎ ከምኡ`ውን ቀድሶ-! እቶም ተበቲኖም ዘለዉ ሕዝብና ድማ፣ ኣብ ሓደ ኣክቦም-! ነዞም ባሮት ኴንና ዘሎና ሕዝብኻ ከኣ ሓራ ኣውጽኣና-! ናብዞም ፍጹም ተደርቢናን  ተናዒቕናን ዘሎና ሕዝብኻ`ውን ቁሊሕ በል-! ንስኻ ኣምላኽና ከም-ዝኾንካ ድማ ኣሕዛብ ከም-ዝፈልጡ ግበር። ነዞም ዝጭቁኑና ዘለዉ ጨካናትን ዕቡያትን ድማ ቅጽዓዮም-! ንዓና ንሕዝብኻ ድማ፣ ኣብቲ ቅዱስ ቦታኻ ትኸለና-”  ኣሜን (1 መቃ-1/24-29)

ሊቀ-ካህናት ተክለ-ማርያም ምህርካ-ጽዮን

ሃገረ-ስብከት ኤውሮጳ ጀርመን

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div