S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

እቲ ትጽቢት ዝግበረሉ ተስፋ ዘመነ-ዮሓንስ ወንጌላዊ 2016 ዓ/ም

ከም ልማድ ዝኾነ ሰብ ወይ ሕዝቢ፣ ሓዲሽ-ዓመት ክመጽእ ከሎ፣ ኮይኑ ክርእዮ ዝደሊ ብዓይኒ-ተስፋ`ውን ዝጥምቶ፣ ብዙሕ ጽቡቕ ሕልምታት ክህሉ ከም-ዝኽእል፣ ከም-ርዱእ ዝውሰድ እዩ። እቲ ቅዱስ-መጽሓፍ ግና፣ “-ወለዶ ይሓልፍ ወለዶ ከኣ ይመጽእ፣ ምድሪ ግና ከይተለወጠት ንሓዋሩ` ትነብር-ብምባል` ገሊጹዎ ዝርከብ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ድማ “-ኣብ ዓለም ሓዲሽ ነገር የልቦን-” ብምባል`ዩ፣ እቲ ጠቢብ  ዝኾነ ሰሎሞን ወዲ-ዳዊት ዝድምድም። (መክ-1/4)

እምበኣር ትምኒት ደቂ-ሰብ`ኳ፣ ከምዚ ዝተባህለ ብዙሕ እንተኾነ፣ ትምኒት ንበይኑ ግና ከምጽኦ ወይ ክልውጦ ዝኽእል ነገር የልቦን። ጽቡቕ ነገር ክመጽእ ዝኽእል፣ እቲ ሰብ ዝበሃል ፍጡር፣ ተግባራቱ ክእርም ወይ ኣተሓሳስብኡ ክቕይር እንተኸኣለ ጥራይ`ዩ። ስለ-ዝሓለምካ ወይ ዝተመነኻ ጥራይ ግና፣ ክፍጠር ዝኽእል ተኣምር የልቦን። ከመይሲ ሕልሚ ኮነ ሓሳብ፣ ክጭበጥ ዝኽእል ብዘይ-ምዃኑ፣ ዝኾነ ውጽኢት ከምጽእ ይኽእል ` ተባሂሉ፣ ተስፋ ክንበሮ ዝከኣል ኣይኮነን።

ስለ-ዝኾነ`ውን ዝኾነ ሰብ ካብቲ ዝደቀሶ ተበራቢሩ፣ ኣተሓሳስባኡ ከተኻኽል ወይ ክቕይር ከይከኣለ፣ ከምቲ ዝተባህለ ብትምኒት ጥራይ፣ ክመጽእ ዝኽእል ለውጢ ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን። ብመንጽር እዚ ኣበሃህላ` ክርአ ከሎ፣ ሓደ ዓመት ተወዲኡ ብካልእ ዓመት ተተኪኡ ክመጽእ ከሎ፣ ናይ ሓጎስን-! ሰላምን-! ቅሳነትን ዓመት-! ይግበረልና ብምባል፣ ኣብ ነንሓድሕድና ትምኒትን ተስፋን ምግልላጽ፣ ዝጸንሐ ባህልናን ልማድናን እዩ። ከምቲ ዝበልናዮ ግና ናይ ልማድ ዘረባ ኮይኑ ደኣ`ዩ፣ ክበሃል ዝስማዕ እምበር፣ እቲ ብትምኒትና ክኸውን እንደልዮ ሠናይ ዘበለ ኩሉ፣ ብግብሪ ክንሠርሓሉ እንተደኣ ዘይክኢልና፣ ብትምኒት ጥራይ ክመጽእ ዝኽእል ለውጢ ወይ ተኣምር ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን።

እምበኣር እንሆ ሕጂ`ውን ዘመነ-ሉቃስ ፈጺምና፣ ኣብ ዋዜማ ዘመነ-ዮሓንስ ወንጌላዊ ኢና ንርከብ ዘሎና። ንሕና ከም ሕዝብን ከም ሃገርን መጠን ግና፣ ኣብ ልዕሌና ተጻዒኑ ዘሎ ናይ ፖለቲካ ኣርዑት፣ ክሳብ ክንደይ ከቢዱና ምህላዉ ንፈልጥ ኢና። እዚ ንልዕሊ 30-ዓመት ተሰኪምናዮ ንርከብ ዘሎና ኣርዑት` ግና “-ርሑስ በዓል ሓዲሽ-ዓመት ይግበረልና-” ብምባል፣ ክንለዋወጦ ብእንኽእል ናይ ጽቡቕ ትምኒት ቃላት ጥራይ፣ ክቕየር  ይኽእል` ዝበሃል ኣይኮነን። ስለዚ እቶም ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ክንገብር ዝግበኣና፣ ንሕና እቶም ደቂ-ሰብ እንበሃል ደኣምበር፣ ግዜስ ኩሉ ግዜ ንሱ`ዩ፣ ክኸይድን ክመጽእን ዝነብር እንተ-ዘይኮይኑ፣ ክቕየር ዘኽእሎ ባህርያት ዘለዎ`ውን ኣይኮነን።

ንኣብነት ሃገርና ምስ ሕግን ሥርዓትን ዘይትፋለጥ ሃገር ካብ እትኸውን፣ እቲ እዋን ብግዜ ክልካዕ ከሎ፣ ውሑድ` ዝበሃል ዓመታት ኣይኮነን። ከም ሳዕቤን` እውን ንሕና ከም ሕዝቢ፣ ንኽንነብር ዘኽእለና ሕጋዊ ውሕስነት ስለ-ዝተሳእነ፣ ሕዝብና እግሩ ናብ ስደት ኣቢሉ ካብ ዘምርሕ ውሑድ ዓመታት ኣይኮነን። ከምኡ`ውን ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ፣ ኣካል እዛ ሃገር`ዚኣ ከም-ምዃና መጠን፣ ካብቲ ብፖለቲካ ኣቢሉ ክመጽእ ዝኽእል ተጽዕኖ ወይ ጸቕጢ፣ ነፃ ኮይና ክትርከብ ብዘይ ምኽኣላ ምኽንያት፣ ጥዒሙዋን ቀሲናን ትርከብ ኣላ ኢልካ፣ ክትግለጽ እትኽእል ኣይኮነትን። ነዚ ኩሉ` ክንቅይሮ ዝግብኣና ዝነበረ ግና፣ ንሕና እቶም ሕዝቢ እንበሃል እምበር፣ እቲ ግዜስ ኩሉ ግዜ ንሱ`ዩ፣ ክቕይሮ ዝኽእል ነገር የልቦን።

ንኣብነት እስራኤላውያን ከምዚ ሕጂ፣ ንዓና ኣጋጢሙና ዝርከብ ዘሎ ከቢድ ፈተና፣ ኣጋጢሙዎም ኣብ ዝነበረሉ ግዜ፣ እቲ ግዜ ባዕሉ ይፍትሓዮ ወይ ይቐይሮ ኢሎም፣ ኢዶምን እግሮምን ዓጻጺፎም ኣይተቐመጡን። ከመይሲ እቲ ኣብ ልዕሊ ሃገሮምን እምነቶምን ዝተፈጸመ ወራር፣ ተጻዊሮሞ ክኸዱ ዝደልዩ ኮይኖም ከም-ዘይተረኽቡ እቲ ቅዱስ-ጽሑፍ ዝዛረብ። ስለዚ`ውን እቲ ናይ መጽሓፈ-መቃብያን ጸሓፊ፣ ነቲ ሽዕኡ ኣጋጢሙ ዝነበረ ፍጻሜኢየሩሳሌም ንሕዝባ ባዕዲ ኮነት፣ ነበርታ ከኣ ሓዲጎማ ከዱብምባል` ገሊጹዎ ዝርከብ  (1መቃ-1/38

ከምዚ ሕጂ ንሕና ዓድናን ርስትናን ንድሕሪት ገዲፍና፣ እግርና ናብ ዝመርሓና ኣቢልና ንገብሮ ዘሎና ስደት ማለት`ዩ። እስራኤላውያን ግና ምንም` ንስደት ከይዶም እንተ-ተባህለ፣ ካብ መንጎ` ሕዝቢ ሓደ ግና፣ ማለት እቲ ማታትያስ ዝተባህለ ሽማግለ እስራኤላዊ፣ ነዚ ኩሉ` ተቐቢሉዎ ወይ ተጻዊሩዎ ክኸይድ ዝደሊ ኣይነበረን። የግዳስ ንሱ እዚ ሽማግለ ሰብኣይ` “-ሽሕ` ኩሉ ሕዝቢ ንትእዛዝ-ንጉሥ እንተ-ተቐበለ፣ እምነት ኣቦታቱ`ውን እንተ-ሓደገ፣ ኣነን ደቀይን ኣኅዋተይን ግና፣ ነቲ ኣምላኽ ምስ ኣቦታትና ዝገበሮ ኪዳን ክንሕሉ ኢና። ንሕጉ ኮነ ትእዛዛቱ ምግዳፍ ከኣ ካባና የርሕቆ። ንሕና እምነትና ሓዲግና የማነ ጸጋም ኣይንብልን ኢና። ንቃላት ንጉሥ`ውን ኣይንእዘዝን ኢና-” ከም-ዝበለ` እቲ መጽሓፍ ገሊጹዎ ዝርከብ። (1መቃ-2-19)

በዚ ምኽንያት` ድማ፣ እቶም ሓሙሽተ ደቂ` ሰብኣይ`ዚ፣ ምእንቲ ቅድስናን ክብርን ቤት-ኣምላኽን፣ ድኅነት ሕዝቦምን ሃገሮምን ክብሉ፣ ንትእዛዝ` ንጉሥ ኣይንቕበልን ብምባል፣ እምቢ ኢሎም ከም-ዝተላዕ`ዩ፣ እቲ ናይ ብሉይ-ኪዳን ጸሓፊ-ዝነግረሎም። እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ውሳኔ ግና፣ ክሓቶ ዝኽእል ናቱ ዋጋ ከም-ዝህልዎ ዝፍለጥ`ዩ። ከመይሲ እቶም ንሕጊ ኣኽብሮት ኣለዎም ዘይበሃሉ ኃያላት፣ በቲ ንዓታቶም ክርድኦም ዝኽእል ቋንቋ፣ ክትዓግቶም ወይ ክትምልሰሎም እንተደኣ ዘይክኢልካ፣ እቲ መሠረት-ሰላም ንርእሱ ክረጋገጽ ይኽእል` ኢልካ፣ ክሕሰብ ዝከኣል`ውን ኣይኮነን።

ንኣብነት እቶም ኣብ ግዜ ብሉይ-ኪዳን ዝነበሩ እስራኤላውያን፣ እቲ እምነቶም ንሓደጋ ተጋሊጹ ምስ-ረኣዩዎ፣ ነዚ ዓመጻን ግህሰትን` ተጻዊሮሞ ክኸዱ ዝደልዩ ኮይኖም ኣይተረኽቡን። የግዳስ “-ንሕና እምነትና ሓዲግና የማነ ጸጋም ኣይነላግስን ኢና። ንቃላት ንጉሥ ከኣ ኣይንእዘዝን ኢና-”  ብምባል፣ እቲ ክኽፈል ዝግብኦ መሥዋዕቲ፣ ክሳብ ሕይወትካ ኣሕሊፍካ ምሃብ ዝበጽሕ ምዃኑ` ዝፍለጥ እንተነበረ፣ ንሳቶም ግና ነቲ ከኸትለሎም ዝኽእል፣ ክሳብ ሞት ዝበጽሕ ፈተና`ውን ፈሪሆም፣ ንድሕሪት ክምለሱ ዝደልዩ ኮይኖም ኣይተረኽቡን። የግዳስ ካብ ብዝሒ ሓዘኖም ዝተላዕለ “-ክዳውንቶም ቀደዱ፣ ወጮ ተኸድኑ፣ ኣምሪሮም ከኣ በኸዩ እዩ ዝብል እቲ ቅዱስ ጽሑፍ (1መቃ-2/14)

ብመንጽር` ኣብ ላዕሊ ተባሂሉ ዘሎ ታሪኽ`ዚ፣ ንሕና ከም ሕዝቢ መጠን ናባና ናብ ነፍስና ጠሚትና ክንዛረብ እንተደኣ ኴንና፣ ብእወንታ ከጠምተና ዘይክእል መንነት ሒዝና ንጎዓዝ ከም-ዘሎና፣ ክጠፍኣና ዝኽእል ኣይኮነን። ከመይሲ ሕዝብና ጥዒሙዎን ቀሲኑን ይነብር ኣሎ ክንብል ከም-ዘይንኽእል፣ ንሕና እቶም ዋናታት ጥራይ ዘይኮና፣ ማኅበረ-ሰብ ዓለም`ውን ዝፈልጦ ኣብ ቃልዕ ዝወጸ ሓቂ`ዩ። ብዓባያ እታ ቤት-ኣምላኽ  ዝኾነት ቤተ-ክርስቲያን`ውን፣ ኣካል እዛ ሃገር ከም-ምዃና መጠን፣ ካብ ትቐውም ማለት ካብ 1983 / (1991) ጀሚራ፣ ኣብ ትሕቲ ከቢድ ናይ ፖለቲካ-ተጽዕኖ ወይ ጸቕጢ ትርከብ ምህላዋ፣ ዘይፈልጥ ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን።

ግዳስ ንሕና ከም ሕዝቢ መጠን፣ ብዛዕባ` ኣብ ልዕሊ ቤተ-ክርስቲያንና ዝፍጸም ዘሎ ኩሉ፣ ዝበልናዮን ዝገበርናዮን ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን። የግዳስ ኩሉ ከም-ዘይምልከተና ኴንና፣ ርዒምናዮን ተቐቢልናዮን ደኣ ኢና ንኸይድ ዘሎና እምበር፣ ምእንቲ ቅድስና ቤት-ኣምላኽ ኢልና`ኳ፣ ናይ ተቓውሞ ድምፂ ከነስምዕ ትብዓት ረኺብና ኢና፣ እንበሃል ሕዝቢ ኴንና ክንርከብ ኣይከኣልናን። ከም እኩብ ድምር ናይ` ኩሉ` ከኣ፣ ኣብዚ ሕጂ ዘሎ እዋን ቤተ-ክርስቲያንና፣ ከም ሓንቲ ትካል እቲ ሥርዓት ኮይና ምሉእ ብምሉእ`ውን፣ ፖለቲካ ዝተቛጻጸራ ኮይና ደኣ` ትርከብ ዘላ እምበር፣ ነፃ ዝኾነት ቤተ-ክርስቲያን ኣላትና ክንብል ከም-ዘይንኽእል፣ ሓቢእና ክንሓብኦ እንኽእል ምስጢር ኣይኮነን።

ብዝተረፈ እቶም ንጽቡቕ ኮነ ንሕማቕ መመሰሊ እንገብሮም እስራኤላውያን፣ ኣብ ከምዚ ሕጂ ንሕና እንርከበሉ ዘሎና፣ ጽንኩር ዝኾነ ፈተና ኣጋጢሙዎም ይርከቡ ኣብ ዝነበሩሉ ግዜ “- ጎይታ-! ነዚ መባእ` እንታይ ኢና ክንገብሮ-? ናበይከ ክንወስዶ ኢና-? ቤት-መቕደስካ ብኣሕዛብ ተረጊጹን ረኺሱን`-” ብምባል፣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር-ኣምላኽ፣ ቃንዛ ብዘሰነዮ እህህታ ንንስሓ ከም-ዝቐረቡ ኢና ንርኢ። ከመይሲ እቲ ፍታሕ ክርከብ ዝኽእል፣ ስምዓነ-! ኣምላክነ ወመድኃኒነ-! ብምባል፣ ናብ እግዚኣብሔር ኣቢልካ ብምጥማት፣ ወይ ማዕጾ ቤት-ኣምላኽ ብምዂሕኳሕ ደኣምበር፣ ካብ` ወጻኢ ክኽየድ ዝድለ መንገዲ ኩሉስ፣ ምሕረት ኣምላኽ ከውህበና ዝኽእል ኣይኮነን። (1መቃ-3/50-51)

ብመንጽር እዚ ዝረአናዮ ታሪኽ፣ ናብ ነፍስና ጠሚትና ክንዛረብ እንተደኣ ኴንና ድማ፣  ንሕና ከም ሕዝቢ መጠን፣ ህልዊ ኩነትታትና ወይ እቲ ጸገምና፣ እንታይን ከመይን ከም-ዝኾነ፣ ክንፈልጥ ዝኸኣልና መሲልና ኣይንርአን ዘሎና። ከመይሲ እታ ብቅድስና ዝፍለጥ ታሪኽ ዘለዋ ቤተ-ክርስቲያንና፣ ካብቲ ዝግብኣ ክብሪ ወሪዳ፣ ኣጀንዳ-ፖለቲካ እተተግብር ትካል እቲ ሥርዓት ኮይና ትርከብ ኣብ ዘላትሉ ግዜ፣ ንሕና ከም ሕዝቢ መጠን፣ እቲ ብቅድስና ዝፍለጥ ታሪኻ ዓቂባ ከም-እትርከብ ኣብ ምግባር፣ ዝገበርናዮ ኣስተዋጽኦ ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን። እዚ ከኣ እቲ ካብ ምሕረት ኣምላኽ፣ ርሒቕና ከም-እንርከብ ገይሩና ዝርከብ ዘሎ፣ ብእወንታ ዘይግለጽ ድኽመትናን ሕመቕናን እዩ።

ብኣንጻሩ እራኤላውያን ግና፣ ከምዚ ሕጂ ንዓና ኣጋጢሙና ዝርከብ ዘሎ ፈተና ምስ ኣጋጠሞም “-ጾም ኣወጁ፣ ወጮ ተኸድኑ፣ ኣብ ኣራእሶም ሓሙኽሽቲ ነስነሱ፣ ክዳውንቶም ከኣ ቀደዱ-” ብምባል` እቲ ቅዱስ-ጽሑፍ ገሊጹዎ ዝርከብ። ንሕና ከም ንሕና መጠን ግና ብኣንጻሩ፣ መወዳእታ ኣለዎ ኣብ ዘይበሃል ጓይላን ዳንኬራን ጥሒልና ኢና ክንዕንድር ንርከብ ዘሎና። እምበኣር እቲ ጸገምና መወዳእታ ተሳኢኑዎ ዝርከብ ዘሎ`ውን፣ ካብቲ ኣጽኒዕና ክንሕዞ ዝግበኣና ዝነበረ ክርስቲያናዊ-መሥመር ወጻኢ፣ መኣዝንና ኣጥፊእና መወዳእታ ኣብ ዘይብሉ ኮለል ሃውቲትና፣ ንርከብ ስለ ዘሎና እዩ (1መቃ-3/47)

ብዝተረፈ እቲ ፖለቲካ ናብ ዝደለዮ መኣዝን ኣቢሉ፣ ጎቲቱ ዝወስዳ ቤተ-ክርስቲያን ክሳብ ዘላትና፣ ከመይ ኣቢልካ እዩ` ቀሲንካ ክሕደር ዝከኣል-? ከም ውጽኢት እዚ ኩሉ` ድማ፣ እቲ ውሉደ-ክህነትና ዑቕባን መጸግዕን ክኾኖ ዝኽእል ደገፍ ሕዝቢ ስለ-ዝሰኣነ፣ መስቀሉ ኣውሪዱ ብኣስገዳድ ብረት ከም-ዝዓጥቕ ካብ ዝግበር፣ ደጊምሲ ነዊሕ ዓመታት ኮይኑዎ` ዝርከብ ዘሎ፣ እቲ ካብ ብዝሒ ፍርሃቱ ዝኣክል ሱቕ መሪጹ ዘሎ ሕዝብና ከኣ፣ ከም ዘይረኣየን ዘይሰምዐን ኮይኑ፣ ትንፋሱ ሓቢኡ ክነብር` ምርጭኡ ገይሩ ዝርከብ ዘሎ። ከም ሳዕቤን` ኩሉ` ድማ፣ እታ ብቅድስና ዝፍለጥ ታሪኽ ዘለዋ ቤተ-ክርስቲያን፣ ንህልውናኣ ኣብ ዘስግእ ናይ መወዳእታ ጫፍ ረጊጻ` ትርከብ ዘላ።

ነዚ ኩሉ` ግና ንሕና ከም ሕዝቢ፣ ክሳብ መዓስ ኢና ተጻዊርናዮ ክንከይድ እንኽእል-? እቶም ኣብ ዘመነ-ብሉይ ዝነብሩ ዝነበሩ ቀዳሞት እስራኤላውያን ግና፣ ከምዚ ሕጂ  ንዓና ኣጋጢሙና ዝርከብ ዘሎ፣ ንህልውና ቤት-ኣምላኽ ዝፈታተን፣ ከቢድ-ፈተና ኣጋጢሙዎም ኣብ ዝነበረሉ ግዜ “- ጎይታ-! ነዚ መባእ` እንታይ ኢና ክንገብሮ-? ናበይከ ክንወስዶ ኢና-? ቤት-መቕደስካ ብኣሕዛብ ተረጊጹን ረኺሱን`ዩ። ካህናትካ ድማ ይዋረዱ ኣለዉ-” ብምባል`ዮም፣ ወጮ ተኸዲኖምን ክዳውንቶም ቀዲዶምን፣ ኣብ ኣራእሶም`ውን ሓሙኽሽቲ ነስኒሶምን፣ ኣብ ቅድሚ-ኣምላኽ ብጾምን ጸሎትን ንንስሓ ክቐርቡ ዝኸኣሉ (1መቃ-3/51)

እምበኣር ንሕና`ውን ሕጂ ካብዚ ዝተፈልየ፣ ካልእ ምርጫ ክህልወና ይኽእል` ክንብል ኣይንኽእልን። ስለዚ`ውን ካብቲ ኣብ ውሽጥና ኣትዩ ዝርከብ ዘሎ ፍርህን፣ ተነጺፍናዮ ንድቅስ ዘሎና ሕመቕን ተገላጊልና፣ ነቲ ተጻዒኑና ዝርከብ ዘሎ ናይ ፖለቲካ ኣርዑት፣ ካብ ክሳድና ኣውጺእና ክንድርብዮ ቈሪጽና ክንለዓል ክሳብ ዘይከኣልና፣ እዚ ሒዙና ዝርከብ ዘሎ ጸልማት-ለይቲ ክወግሕ ይኽእል` ኢልካ፣ ትጽቢት ክግበረሉ ክሕሰብ`ውን ዝከኣል ኣይኮነን። ከመይሲ እቲ ኣዚዩ ጽኑዕ ከም-ዝነበረ ዝንገረሉ፣ ዕርዲ-ኢያሪኮ እኮ ብቀሊል ክፈርስ ዝኽእል ኣይነበረን። እቲ ሕዝቢ ታቦተ-ኪዳን ኣምሪሑ ደፊኡ ምስ-ኣተወ ግና፣ እቲ መንደቕ ደው ክብል ዘኽእሎ ጽንዓት ክረክብ ኣይከኣለን። ነዚ ዓቢይ ዝኾነ ሩባ-ዮርዳኖስ ሰጊሮም ምስ ሓለፉ ከኣ`ዮም፣ እስራኤላውያን ነታ ምድሪ ተስፋ ዝኾነት ከነዓን፣ ብዓቢይ-ዓወትን ዕልልታን ክኣትዉዋ ዝኸኣሉ። (ኢያ-6)

እምበኣር ግልጺ ኮይኑ ክርአ ከም-ዝኽእል፣ ምስጢር ስዕረት ወይ ዓወት ኢያሪኮ፣ ብዝሒ ሠራዊት ኣይነበረን፣ ብልጫ ኣጽዋር`ውን ኣይነበረን። የግዳስ ኣእጋር`ቶም ታቦተ-ኪዳን ጸይሮም ዝነበሩ ካህናት፣ ሩባ-ዮርዳኖስ ጥምዕ ምስ ኣበላ፣ እቲ ሩባ ምውሓዙ ኣቋሪጹ ደው ከም-ዝበለ`ዩ፣ እቲ ቅዱስ-ጽሑፍ ዝዛረብ። ስለዚ`ውን ምንጪ ዓወቶም ኮይኑ ዝተረኽበ፣ ባዕሉ እቲ ሕያው-ኣምላኽ ደኣምበር፣ ካልእ ንኽስዕሩ ዘኽእሎም ብልጫ ነይሩዎም` ዝበሃሉ ኣይነበሩን። እቲ ናይ ዓወቶም  ምስጢር ኮይኑ ዝተረኽበ ግና፣ እቲ መለኮታዊ-ኃይሊ ዘለዎ ኪዳን-ኣምላኽ እዩ።  (ኢያ-3/14-17)

ንሕና`ውን እምበኣርከስ ካብዚ ዝተባህለ ዝወጸ፣ ካልእ ኣማራጺ ክህልወና ዝኽእል ኣይኮነን። እቲ እንኮ ንጸገምና ፍታሕ ክኸውን ዝኽእል ዝነበረ፣ እቲ ካብ እግዚኣብሔር ዝርከብ ሰማያዊ ረድኤት ጥራይ`ዩ። እቲ ኣባና ጸገም ኮይኑና ዝርከብ ዘሎ ግና፣ ካብ እግዚኣብሔር ርሒቕና ብምኻድ፣ ሃውቲትና ንርከብ ምህላውና እዩ። ከመይሲ እቲ ብከበሮን ጓይላን ዳንኬራን ኣቢልካ ክኽየድ ዝድለ መንገዲ፣ ናብ ምሕረት ኣምላኽ ከብጽሓና ዝኽእል ኣይኮነን፣ ወይ ምስ እግዚኣብሔር ከራኽበና ዝኽእል መሥመር ከም-ዘይኮነ፣ ሓዋርያ-ጳውሎስ ብግልጺ ተዛሪቡ ኣሎ። (ሮሜ-13/13)

ስለዚ`ውን ኣብዚ እዋን`ዚ፣ ቤተ-ክርስቲያንና ኣብ ትሕቲ ከቢድ ናይ ፖለቲካ ኣርዑት፣ ተቘሪና ትርከብ ኣብ ዘላትሉ ግዜ፣ ምሉእ ውሉደ-ክህነትና`ውን ከምኡ፣ ተሰካም ጠብ-መንጃ ኮይኑ፣ መወዳእታ ኣለዎ` ኣብ ዘይበሃል ኮለል ኣትዩ፣ ይርከብ ኣብ ዘለወሉ ግዜ፣ ከምኡ`ውን ብዙሓት መነኮሳትን ካህናትን፣ ንልዕሊ 20-ዓመት ተሞቚሖም ይርከቡ እናሃለዉ፣ ኣውደ-ዓመትና ትርጉም ዘለዎ ክኾነልና ዝኽእል ኣይኮነን። እስራኤላውያን ከምዚ ሕጂ ንዓና ኣጋጢሙና ዘሎ ጸበባ ምስ ኣጋጠሞም`ዮም “-ኣብ ሩባታት-ባቢሎም ከሎና ንጽዮን ምስ ዘከርና በኼና። ንሳቶም እቶም ዝማረኹና`ውን፣ ሓደ መዝሙር ክንዝምረሎም ለመኑና። ግዳስ ከመይ ኣቢልና ኢና`ሞ፣ መዝሙር ምስጋና ኣብ ምድሪ ጓና ክንዝምር-?” ከም-ዝበሉ ኢና ንርኢ። (መዝ-137/1-4)

ብዝተረፈ ከበሮን ጓይላን ዝጠቅም ነገር እንተ-ዝሕልዎ ነይሩ፣ ሕዝብና ካብዚ ዝሓለፈ 30-ዓመት ኣትሒዙ፣ ውሽጡ ሓሪሩ እናሃለወ ከሎ፣ ኣጣቕዕ ስለ-ዝተባህለ ጥራይ፣ ብዘይ ምቁራጽ ክዘልልን ክዕንድርን` ጸኒሑ። እቲ ከበሮ ኣልዒልካ ክግበር ዝጸንሐ ጓይላን ዳንኬራን ግና፣ መከራን ጸበባን ሕዝብና ከናውሕ እንተ-ዘይኮይኑ፣ ዛጊት ፍታሕ ሒዙ ክመጽእ ዝኽእል ኮይኑ ኣይተረኽበን። የግዳስ ካብ ምሕረት ኣምላኽ ኣርሒቑና  ይርከብ ምህላዉ፣ ርግእ ኢልና ከነስተብህለሉ` ዝግባእ ዝነበረ። ኣብ ከምኡ ዝበለ ምስትውዓል ወይ ርድኢት ክንበጽሕ ብዘይ ምኽኣልና ግና፣ እንሆ መእሰር ከም-ዘይብሉ ማእዶ ኴንና ኢና፣ መወዳእታ ኣብ ዘይብሉ ኮለል ኣቲና ንርከብ ኣሎና።

ስለዚ`ውን ሓዲሽ-ዓመት ብዝመጸ ቁጽሪ፣ ብእንለዋወጦ ጽቡቕ ቃላት ጥራይ ዝልወጥ ነገር የልቦን። የግዳስ ክንልወጥ ዝግበኣና ንሕና ኢና። ንኹሉ ነገር`ውንይኣክልምባል ክንክእል ኣሎና። ብዝተረፈ ከምቲ ብቐጻሊ ክንብሎ ዝጸናሕና፣ ሎሚ`ውን- ጎይታ-! ነዚ መባእ` እንታይ ኢና ክንገብሮ-? ናበይከ ክንወስዶ ኢና-? ቤት-መቕደስካ ብኣሕዛብ ተረጊጹን ረኺሱን`ዩ። ሕዝብኻ ድማ ስለ-ዝተዋረዱ ይበኽዩ ኣለዉ-ብምባል ጥራይ ኢና ማዕጾ ቤት-ኣምላኽ ክንኩሕኲሕ ዝግበኣና።

ወስብሓት ለእግዚኣብሔር

/ ተክለ-ማርያም ምህርካ-ጽዮን

ሃገረ-ስብከት ኤውሮጳ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div