S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ጸብጻብ ጲላጦስ ብዛዕባ ኢየሱስ ክርስቶስ (2ይ ክፋልን መወዳእታን)

ንምቕታል ናዝራዊ ዝተገብረ ጫውጫውታ

እቲ ዓቢይ በዓል ኣይሁድ ይመጽእ ነበረ። ቀንዲ ኣተሓሳስባኦም ድማ፡ ንገዛእ ርእሶም ካብ ሕዝቢ ረብሓ ክረብሑን ክብ ክብሉን ክብሉ፡ ከም ኵል-ጊዜ ዝገብሩዎ በዓል ፋሢካ በጽሔት። እታ ከተማ ድማ፡ ብመዕገርገርቲ ዝዀኑ ሰባት መሊኣ ነበረት። ንምቕታል እቲ ናዝሬታዊ ድማ ጫውጫው በለት። ሓደ ካብ ልኡኻተይ ከም ዝሓበረኒ፡ ካብ መዝገብ ቤተ-መቕደስ ገንዘብ ወሲዶም ንሓያሎ ዝሠርሑሎም መማለዲ ከም ዝሃቡ ገለጸለይ። እቲ ሓደጋ ድማ፡ ይደፍእ ነበረ። ንሓደ ሮማዊ ሓለቓ ሚኢቲውን ኣጋፍዕዎ። ካብ ሶርያ ሓደ ሚኢቲ ዝዀኑ ፈረሰኛታት ክለኣኹለይ ጽሒፈ ክነሰይ፡ ኣይሰደዱለይን። ኣብ ዝሸፈተት ከተማ ድማ፡ ኣነን ገለ ጥሮተኛታት ወተሃደራትን ጥራይ ነበርና። ነቲ ዝነበረ ማዕበል ክንጽመሞ እንተዘይ ኰይኑ፡ ክንገትኦ ሓይሊ ኣይነበረናን። ካብ ቤት ፍርዲ ንላዕሊ ዘፍርሕ ነገር ዘየልቦ ክነሱ፡ እቶም በቶም ድኹማት መራሕቶም ተጠቢሮም ዝኣመኑ ሓመድ ሓፋሽ ዝዀኑ፡ ርቡጻት ሕዝቢ፡ ንኢየሱስ ሓዝዎ። ምስኡ ድማስቐሎ” “ስቐሎእናበሉ ይጭርሑ ነበሩ።

በዚ ጊዜ እዚ ሠለስተ ጕጅለ ብሓደ ሓቢሮም ኣንጻር ኢየሱስ ተላዕሉ። ንሳቶም ድማ ሄሮዶሳውያን፣ ሰዱቓውያንን ፈሪሳውያንን ይበሃሉ። ንሳቶም ነዚ ኪገብሩ ኸሎዉ ኽልተ ዕላማ ነበሮም።

  1. ቀዳማይ፡ ነዚ ናዝሬታዊ ስለ ዝጸልእዎ።
  2. ካልኣይ፡ ጽልኢ ኣርዑት ሮማውያን ስለ ዝነበሮም።

ብመጀመርታ ክመጾም ከሎኹ ሰሌዳ ስእሊ ቄሳር ሒዘ፡ ናብ ቕድስቲ ከተማ ብምእታወይ ጌጋ ስለ ዝገበርኩ፡ ክሳዕ ሎሚ ይቕረ ኣይበሉለይን። ካልእ ምኽኒያት መቐየሚ ዝዀኖም ከኣ፡ ሓደ ጊዜ፡ ገለ ገንዘብ ካብ መዝገብ ቤት መቕደስ ንህዝባዊ ጉዳይ ክውዕል ሓሳብ ስለ ዘቕረብኩ ኢዩ። ነዚ ሓሳብ እዚ ኣላገጽሉ። ፈሪሳውያን ብዛዕባ መንግሥቲ ገለ እኳ ኣይግድሶምን ኢዩ። ንሳቶም ደይ መደይ ኢሎም ጸላእቲ ኢየሱስ ኢዮም። ነቲ እዚ ናዝሬታዊ ንሠለስተ ዓመት ዚኣክል ዝሃቦ ትምህርቲ ወይ ዝርርብ ብዓብዪ ምረት ረኣይዎ። ፈሪሳውያን ፈራሃትን ድኹማትን ስለ ዝዀኑ፡ ንሄሮዶሳውያንን ሰዱቓውያንን ኣለዓዒሎም ብኣታቶም ሠርሑን ተሓገዙን። ብዘይካ እዞም ሠለስተ ጋንታታት እዚቶም፡ ምስ ናዕበኛን ሃዋኽን ንጥቕሚ ገዛእ ድሌቱ ዚገብር ሕዝቢ፡ ኪቃለስ ኔሩኒ።

ኢየ ናብ ቅድሚ ሊቀ ካህናት ቀሪቡ ድሮ ንሞት ተዀኒኑ ነበረ። በዛ እዋን እዚኣ፡ ቀያፋ እቲ ሊቀ ኻህናት፡ ነቲ ኣሲርዎ ዝነበረ ኢየሱስ፡ ንሞት ኰኒነ ምእንቲ ከቐትሎ ኢሉ፡ ብትሕትና ናባይ ሰደዶ። ነቲ ግብሩ ከጽድቐሉ ድማ ደለየኒ።

ንቀያፋ ከም ኢለ መለስኩሉ፡ ኢየሱስ ገሊላዊ ካብ ኰነ፡ ጉዳዩ ንሄሮዶስ ኢዩ ዚምልከቶ እምበር ነዓይ ኰነን ኢለ፡ ናብ ሄሮዶስ ሰደድክዎ። ሄሮዶስ ኻዓ፡ ኣነ ዝኽእሎ ነገር ኣይኰነን፡ ዝያዳ ነዓኻ ዘራኢ ጉዳይ ኢዩ ኢሉ፡ ናባይ መለሶ። ኣደራሸይ ደቒቕ ናብ ደቒቕ ብቝጽሪ ዘይብሎም ርቡጻትን ሃወኽትን ዝዀኑ ሰባት፡ ዓቕላ ክሳዕ ዝጸባ መልኤት። መመሊሶም እናበዝሔ ከዱ። ከተማ ኢየሩሳሌም ድማ በቶም ካብ ኣኽራናት ናዝሬትን ኵላ ይሁዳን  ግምጥል ኢሎም ዝመጹ መልኤት፡ ከተማ ብህዝቢ ተኸድነት።

በዓልቲ ቤተይ ካብቶም ጎልል ዝብሃሉ ዓሌት፡ ነቲ ኪዀውን ዘሎዎ ነገራት ርእዮም ክነግሩ ዚኽእሉ ሕዝቢ እያ። እናነብዔት፡ ኣብ እግረይ ወዲቓ፡ ተጠንቀቕ! ተጠንቀቕ! ነዚ ቅዱስ ሰብኣይ ከይትትንክፎ ንፁህ ኢዩ። ትማሊ ብሕልሚ ተራእዩኒ፡ ኣብ ልዕሊ ማያት በኽናፍ ንፋስ ይመላለስ ነበረ። ንዓሳታትን ንማዕበላት ባሕሪን ተዛረቦም፡ ኩላቶም ኻዓ፡ ተኣዘዝዎ። ጲላጦስ፡ ንምኽሪ ሰበይትኻ እንተ ዘይሰማዕካ፡ ክፉእ ይጽበየካ ከም ዘሎ ፍለጥ። መርገም ባይቶ ሮማውያንን ቁጥዓ ቄሳርን ብርግጽ ናባኻ ኪወርድ ኢዩ፡ በለትኒ።

በዚ ጊዜ ብብዝሒ ሕዝብን ክብደቱን፡ እቲ ላዕለዋይ ደርቢ ዓጠጥ ይብል ነበረ። እቲ ናዝሬታዊ ምሳይ ነበረ። ሽዑ ቀልጢፈ ናብ ቤት ፍርዲ ኣቶኹ እሞ፡ ብብርቱዕ ደሃይ ነቲ ሕዝቢ፡ እንታይ ኢኹም ደሊኹም፧ እንተበልኩዎም፡ ሞት እቲ ናዝሬታዊ ኢሎም መለሱለይ። እንታይ ገበን ጌይሩ፧ ኢለ መሊሰ ሓተትኩ። ንሳቶም ኻዓ፡ ንሱ ተጻሪፉ፡ ቤተ-መቕደስ ክትፈርስ እያ ኢሉ ተነበዩ፡ ንገዛእ ርእሱ ድማ ወዲ ኣምላኽ ገበረ፡ ከምኡውን፡ እቲ መሲሕ፡ ንጉሥ ኣይሁድ ኣነ ኢየ፡ ይብል። ሽዑ ኣነ፡ ፍትሒ ሮማውያን ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ክሲ ብሞት ኣይቀጽዕን ኢዩ፡ እንተ በልክዎም፡ ነቲ ኣዳራሽ ካብ መሠረቱ ክሳዕ ዘንደቕድቕ፡ ብቝጠዓ ተናዲዶም፡ ስቐሎ! ስቐሎ! ኢሎም ጨርሑ።

ምስ ኵሉ ታዕታዕን ዕግርግርን እቲ ሕዝቢ፡ ኣብ ማእከሎም፡ ህዱእ ኴይኑ እተራእየኒ እቲ ናዝሬታዊ ጥራይ ነበረ። ካብዞም ጨካናት ሰጐጕቱ ከድሕኖ ብብዙሕ መገዲ ፈቲነ ኬብቅዕ፡ ፍረ ዜብለይ ምስ ተረፍኩ፡ ምናልባት ንሕይወቱስ ባዕሉ ኬናግፋ ይኽእል ይኸውን ኢለ፡ ሓንቲ ሓሳብ ኣቕረብኩሎም።

ኣብ ናታቶም ልማዳዊ በዓላት ሓደ እሱር ክፈትሓሎም ሥርዓት ስለ ዝነበሮም፡ ንኢየሱስ ናፃ ኪሰድዎ ምስ ሓተትኩዎም፡ ምንም ኣይከውንኒ፡ኢየስስ ኪስቀል ይግባኦ ኢዩበሉ። ሽዑ ከም ኢለ ተዛረብክዎም፡ እዚ እትወስድዎ ዘሎኹም ስጉምቲ ከም ሕጊኹም ኣይኰነን። ፈራዲ ቅድሚ ንበደለኛ ፍርዲ ምብያኑ፡ ምሉእ መዓልቲ ብጾም ከሕልፎ ይግባኦ፡ ኢኹም እትብሉ። ሕጂ ግና፡ ቅድም ፍርዲ ይዋሃብ ትብሉ ኣሎኹም። ነዚ፡ እቶም ዓበይቲ መራሕቲ ድማ፡ ክሠምርዎ ይግባእ። ከምኡውን እቲ ናቶም ሹም ኣሕዋት ክኽትመሉ ግድነት ክኸውን ከሎ፡ እቲ በደለኛ በታ እተፈርደላ መዓልቲ ኣይቕተልን ኢዩ፡ በልኩ። ሽዑ እቶም ዓበይቲ መራሕቲ በቲ ኵሉ ነገር ውሳኔ፡ ኺገብሩ ተገደዱ። ከም ልማድ ሕጎም ድማ፡ ሓደ ሰብኣይ ሰንደቕ ዓላማ ዝሓዘ፡ ኣብ ኣፍ ደገ ደው ኢሉ ነበረ። ሓደ ካልኣይ ኻዓ፡ ፈረስ ተወጢሑ፡ ቀቅድሚ እቲ በደለኛ እናኸደ፡ ስሙን ገበኑን ዚነግር ወይ ዝእውጅ ገበሩ። ከም ኪዀውን ከሎ፡ እቲ በደለኛ ክፍረድ ክኸይድ ከሎ፡ መጎስ ምእንቲ ኪረክብ፡ ሠለስተ ጊዜ ንድሕሬት ግልጽ ግልጽ ክብል መሰል ነበሮ። በዚ እንተ ፈተንኩውን ምዃን ኣበየኒ። መመሊሶምስቐሎ! ስቐሎ ኢሎም ደኣ ጨርሑ።

ብድሕርዚ፡ ነዓኣቶም ዘዕግቦም መሲሉኒ ንኢየሱስ ኪገርፎዎ ትእዛዝ ሃብኩ፡ እዚ ግና መሊሱ ኣናደዶም። ብድሕሪ ኣብ ቅድሚ ዅላቶም ሸሓኒ ወሲደ ኣእዳውይ ተሓጸብኹ። ከም ምግባረይ ኻዓ፡   ብናተይ ፍርዲ፡ ኢየሱስ ናዝሬታዊ ንፁህ እምበር፡ ናብ ሞት ዜብጽሕ ገበን ከም ዘይረኸብኩሉ ንምምሥካር ነበረ፡ እዚ ኵሉ ንኸንቱ ኰነ። እዞም ምግዱራት እዚኣቶም፡ ዚምነይዎ ዝነበሩ ሕይወት ንምጥፋእ ጥራይ ነበረ። ቅድሚ እዚ እዋንዚ፡ እዚ ህዝቢ ክንድ ዝኣክል ብርቱዕ ቍጥዓን ህውከትን ክገብር ተመልኪተ ኣሎኹ። እንተዀነ ግን፡ ከም ናይ ሎሚ ከቶ ተራእዩ ኣይፈልጥን። ኵላ ህውከት ኣብ ኢየሩሳሌም ተኣኪባ ነበረት። እቲ ህዝቢ፡ ከም ዚናወጽ ማዕበል ካብ ቤተ-መንግሥቲ ክሳዕ ከረን ጽዮን ይውጭጭን ይጭርሕን ነበረ። ከምዝስ ከቶ ኰይኑ ኣይፈልጥን።

ብድሕሪ እዚ ኻዓ፡ ኢየሩሳሌም ነቲ ንፁሕ ክትቀትል ተሰብሲባ ወጸት እሞ ንበይነይ ኰንኩ። ጸልማት እውን ኣጉልበበኒ። እቶም ናተይ ሓለውቲ፡ መዝነት ሥርሖም ኪገብሩ ምስ ህዝቢ ከዱ እሞ፡ ንውልቀይ ተረፍኩ። ሽዑ እታ እትሽበር ዝነበረት ልበይ፡ እዚ ኪዀውን እትርእዮ ዘሎኻ ታሪኽ፡ ካብ ኣማልክቲ እምበር ካብ ሰብ ኣይኰነን፡ በለትኒ። ካብ ጐልጎታ ንፋስ ተሰኪሙ ዘምጽኦ ደሃይ፡ ቃንዛ እቲ መዋቲ፡ እዝኒ ሰሚዕዎ ከቶ ዘይፈልጥ ድምጺ፡ ተሰምዔ። ድቕድቕ ጸልማት ኣብ ልዕሊ እታ ቤተ መቕደስ ሰፈነ። ነታ ከተማውን፡ ከም ነጸላ ኣጐልበባ። እቲ ምልክት ወይ ትእምርቲ ኣብ ሰማይ ኰነ ኣብ ምድሪ፡ ኣዝዩ ዘሰንብድ ስለ ዝነበረ፡ ዲዮኒቀስ እተባህለ ከም በለ፡ወይ እቲ ፈጣሪ ይስቀ ኣሎ፡ ወይ ድማ ዓለም ትስቀ ኣላ እዚ ኣዝዩ ዜፍርህ ነገር ኣብ ልዕሊ ፍጥረት ኣናዀነ ከሎ፤ ኣብ ታሕተዋይ ወገን ምስሪ ኣዝዩ ብርቱዕ ምንቕጥቃጥ ምድሪ ዀነ። እዚ ንኣይሁድ ኣዝዩ ኣፍርሆም። ባልታስያ እተብህለ ሽማግለ ኣይሁዳዊ በዓል ኣንጾክያ፡ ኣዝዩ ምሁር ሰብኣይ ሞይቱ ተረኽበ። ኣማውታኡ ግና ካብ ምድናቕ ኪኸውን ወይ ካብ ጓሂ ኣይተፈልጠን። ንሱስ፡ ትኽ-ትንፋስ ዓርኪ እቲ ናዝሬታዊ ኢዩ ኔሩ። ኣጋ ምሸት ክኸውን ከሎ ባርኖስ ለቢሰ ብኸተማ ኣቢለ፡ ናብታ ናብ ጐልጎታ ተእቱ ኣፍ ደገ ኸድኩ። እቲ መሥዋዕቲ ድማ ድሮ ተፈጺሙ ነበረ።

እቲ መሥዋዕቲ ተፈጸመ።

ኣብ ኣጋ እታ ቀዳመይቲ ሰዓት፡ መንጠሊናይ ካብ ሕቘይ ደርብየ፡ ናብ ኣፍ ደገ እታ ከተማ ናብ ጐልጐታ ኣቢሉ ዝወስድ መገዲ ኸድኩ። እቲ መሥዋዕቲ ድሮ ተፈጺሙስ፡ እቶም እኩባት ሕዝቢ፡ እናኣዕዘምዘሙ ነናብ ኣባይቶም ይምለሱ ነበሩ። ኣብ ገጾም ድማ፡ ምልክት ቀቢጸ ተስፋ ዝዀነ፡ ጓህን ጣዕሳን ይረኤ ነበረ። ካብ ዘስተውዓልኩዎ ድማ፡ ልቦም ከም ዝሰንበደን ብጌጋኦም ከም ዝሰብረን ገጾም ይምስክረሎም ነበረ። ካልእ፡ ሓደ ሮማዊ ብጻየይ ኣብኡ ዝነበረ ከይተረፈ፡ ልቡ ብሓዘን ተመሊኡ፡ ነቲ ሒዙዎ ዝነበረ ሰንደቕ ዓላማና ጠቕሊልዎ ብጥቓይ ክሓልፍ ከሎ፡ ረኤኹዎ። ካብቶም ዝሓልፉ ዝነበሩ ወተሃደራት ኣይሁድውን ከይተረፉ፡ ብሰሚዔዮ ዘይፈልጥ ቃላት እናኣጕረምሮሙ ክሓልፉ ረኤኹዎም። ካልኦትውን፡ ገለ ሰብኡትን ኣንስትን በቲ ዝረኣይዎ ተኣምራት ደንጽይዎም፡ ዘይተኣደነ ጣዕሳ ኣብ ገጾም ይረኤ ነበረ።

መርገም ኣብ ልዕሊ ኣይሁድ

ብዓብዪ ጓህን ሓዘንን ድማ ናብ መንበር ፍርዲ ተመለስኩ። ኣብ መተሓላላፊ መሳልል ዘሎዎ ድማ፡ ጌና ዘይነቐጸ ደም እቲ ናዝሬታዊ ነበረ። ኣብ መወዳእታ ኻዓ፡ ሓደ ነዊሕ ቁመቱ ዓብዪ ሰብኣይ፡ ኣብ ቅድመይ ወዲቑ መሪር ብኽያት በኸየ። ደድሕሪኡውን፡ ብዙሓት ሮማውያን ብንብዓት ዝተሓጽቡ ረኤኹ። በቲ ምረት ብኽያቱን ሓዘኑን ድማ፡ ልበይ ካብ ሠፈራ ቶግ ቢላ ኪትወጽእ ደሌት እሞ፡ ክልቴና ከም ኣጋይሽ መሪር ብኽያት ቤኼና። ከም ዝኣመሰለ ሕዙን ልቢ፣ መሪር ብኽያትን ስቡር መንፈስን፡ ኣብ ምሉእ ዕምረይ ተሰሚዑኒ ኣይፈልጥን።


እቶም ዝኸሓድዎን ዝሸጥዎን፡ እቶም ኣንጻሩ ዝመሥከሩን፡ እቶም ስቐሎ! ስቐሎ! ደሙ ኣባናን ኣብ ደቅናን፡ ደቂ ደቅናን ይኹን ኢሎም፡ መርገም ኣብ ልዕሌኦም ክወርድ ክጭርሑ ዝወዓሉ ፈራሓት ግና፡ በቲ ዝዀነ ከይተጣዕሱ፡ ስምዒቶም ረሲኑ ጌና ኣስናኖም ይሕርቅሙሉ ነበሩ። ብርግጽ ከም ዝበሉኒ እንተድኣ ዀይኑ፡ ኢየሱስ ካብ ምዉታት ክትሥእ ኢየ ኢሉ ከም ዝማሃረ፡ እንተድኣ ተንሢኡ ድማ፡ ነዞም ኵሉ ኩፉእ ዝገበሩዎ እኩያት ሰባት ሕነ ከም ዝፈድዮም ጥርጣሬ የብለይኒ። ብድሕሪዚ፡ ነፍሰይ ክፈልጥ ምስ ጀመርኩ፡ ነዚ ዓብዪ ሰብኣይኣቦይ!” ንስኻ መን ኢኻ፧ ድሌትካ እንታይ ኢዩ፧ ኢለ ተወከስኩዎ።

ፍቓድ፡ ኢየሱስ ናዝራዊ ንኪቕበር

ንሱ ድማኣነ ዮሴፍ በዓል ኣርማትያስ ኢየበለኒ።ዝከኣለካ እንተድኣ ዀይኑስ፡ ንኢየሱስ ናዝሬታዊ ድሕሪ ኣብራኹ ምዕጻፈን፡  ክቐብሮ ክትህበኒ ክልምነካ ኢየ ዝመጻእኩ፡በለኒ። ወሲድካ ክትቀብሮ ፈቒደልካ ኣሎኹ፡ ምሳኻውን መኒሌስ ገለ ወተሃደራት ሒዙ ክኸይድ ምእንቲ ኪሕግዘካ ኣዚዘዮ ኣሎኹ ኢለ ኣፋነኹዎ።


ድሕሪ ቁሩብ መዓልታት መቓብሩ ጥርሑ ኴኑ ተረኽበ። ደቀ መዛሙርቱ ድማ፡ ኣብ ብዘላ ሃገር ኢየሱስ ከም ዝበሎ፡ ካብ መቓብር ተንሢኡ፡ እናበሉ ክእውጁ ጀመሩ። እዚ ካብ ስቕለቱ ንላዕሊ፡ ብዙሕ ኣድናቆት ኣሕደረ። ሓቅነቱ ኬረጋግጽ ግና ኣይከኣልኩን። ይዅን እምበር በዚ ጉዳይ እዚ፡ ገለ ምርምር ከይገበርኩ ስቕ ኣይበልኩን። ነዚ ድማ፡ ከም ሄሮዶስ ዝገበሮ፡ ባዕልኻ ምእንቲ ክትዕዘቦ ቁኑዕ እንተ ኣለኹ ንክትምርምሮ ምእንቲ ክጽሕፈልካ ጽቡቕ ኰይኑ ተሰምዓኒ።

የሴፍ ንኢየሱስ ኣብ ገዝእ መቓብሩ ቀበሮ። ክትሥእ እዩ ኢሉ ሓሲቡ ድዩ፡ ወይስ ደንግጺሉ ከርጋግጽ ኣይከኣልኩን። ድሕሪ እታ ዝቐበረላ ምሸት፡ ሓንቲ መዓልቲ ጸኒሑ፡ ሓደ ካብ ካህናት ናብ ቤተ-መንግሥቲ መጺኡ፡ደቀ መዛሙርቲ ኢየሱስ ሬሳኡ ካብ መቓብር ሰሪቖም፡ ከም ዝበሎ፡ ካብ መቓብሩ ተንሢኡ ኢሎም፡ ሰብ ኬታልሉ ይሓስቡ ኣሎዉ እሞ፡ መቓብሩ ሓልወልናበሉኒ። ኣነ ድማ፡ ንማልኩስ ሓለቓ ወተሃደራት ቤተ-መንግሥቲ፡ ገለ ወተሃድራት ኣይሁዳውያን ሒዙ ከይዱ፡ ኣብ ከባቢ እቲ መቓብር ከም ኣድላይነቱ ክሕልዉ ኣዘዝኩዎ። ከም መግበርየይ ድማ፡ ሓደ ነገር እንተ ዀነ ኣብ ክንዲ ንሮማውያን ዝውንጅሉና ሓድሕዶም መታን ክወናጀሉ ኢለ ኢየ።

እቲ መቓብር ጥርሑ ከም ዝተረኽበ ምስ ፈለጥኩ ግና፡ ኣብ ውሽጠይ ተሰሚዑኑ ዘይፈልጥ ከም ኢዩ ክብሎ ዘይክእል ዓብዪ ሻቓሎት ሓደረኒ። ንማልኩስ ኵነታቱ ኪፈልጥ ኢለ ሓተትኩዎ፡ ንሱ ድማ፡ ነቲ በን ኢሻማ ዝተባህለ ሓለቓ ምኢቲ ምስ ሚኢቲ ወተሃደራቱ፡ ነቲ መቓብር ከቢቦሞዎ ይሓድሩ ከም ዝነበሩ ነገረኒ። ንሱ ከም ዝበለኒ፡ በን ኢሻማን፡ እቶም ምኢቲ ወተሃደራትን በቲ ዝዀነ ከይተገርሁ ኣብ ዓቢ ተጠንቀቕ ከም ዝነበሩ፡ ሓበረኒ። በዚ ክዓርፍ ስለ ዘይከኣልኩ፡ ነቲ ኢሻማ ዝብሃል ሰብኣይ ብገለ ስለ ዝብጽሓኒ፡ ብቕልጡፍ ክመጸኒ ጸዋዕኩዎ። ንሱ ከም ዝበሊኒ ድማ፡ በታ ራብዓይቲ ሰዓት ወጋሕታ፡ ኣብ ውሽጢ እቲ መቓብር ሓደ ጽቡቝ ዝዀነ ድሙቕ መብራሕቲ ርኤኹ እሞ፡ ቅድም እተን ኣንስቲ ከም ልማዶም ደዀን ንሬሳ ኢየሱስ ክቐብኣ ደሌን መጺኤን ይዀና ኢሉ ሓሰብኩ። ከምኡ እንተድኣ ጌሬን ኴይነን ከመይ ጌረን ነዚ ዅሉ ወተሃደር ሓሊፈንኦ፡ ኢሉ እና ሓሰብኩ ከለኹ፡ እንሆ ኣብ ብሙሉኡ እቲ መቓብራት ብኣዝዩ ድሙቝ ዝዀነ ብርሃን መልኤ። ካብኡ ቍጽሪ ዘየብሎም መይቶም ዝነበሩ ካብ መቓብሮም ተንሢኦም ረኣኹዎሞ። ኵላቶም ድማ ብፍስሓ የመሥግኑ ነበሩ። ኣብኡ ድማ፡ ኣብ ዕድመይ ምሉእ ሰሚዔዮ ዘይፈልጥ ሕልሚ ዝጥዕም መኅሌት፡ ካብ ላዕልን ከባቢኡን ክዝመር ሰማዕኩ። ጠፈራት ብምሉኡ ድማ ብድምጺ መኅሌት፡ክብሪ ንኣምላኽዝብል ዝመልኤ ይመስል ነበረ። ኣብ ጊዜ እዚ፡ መሬት ትዘውርን ትጥሕልን ከም ዘላን ኴኑ ተሰምዕኒ እሞ፡ በቲ ዝረኣኹዎ ርእሰይ ስለ ዝዞረኒ፡  ብእጋረይ ጠጠው ክብል ኣይከኣለን። ኣሕለልየ ድማ፡ ናብ ምድሪ ወደቕኩ። ብድሕሪዚ፡ መሬት ኣብ ትሕተይ ትሕምብስ ዘላ ኴኑ ተሰምዓኒ እሞ፡ ኵሉ ሃለዋተይ ካባይ በነነ። ብዛዕባ እቲ ኵሉ ዝዀነ ድማ፡ ክዝክር ኣይከኣልኩን፡ በለኒ። ብድሕዚ ብዛዕባ እቲ መብራህቲ፡ ጸሓይ ብምሥራቕ ክትወጽእ ስለ ዝረኤኻያ ኢኻ ትኸውን ኢለ፡ ደጋጊመ ሓተትኩዎ። ንሱ ግና እወ ኣነውን፡ ኣቐዲሙ ከምኡዶ ይዀውን ኢሉ ሓሲበ ነይረ፡ እንተዀነ፡ ድሕሪ እቲ ኵሉ መቓብር ምኽፋቱ፡ መሊሱ ከም ዝጸልመተ ዘከርኩ። እቲ ሃለዋትካ ዘጥፋኣካስ ካብ ድቓስካ ብሃንደበት ስለ ዝተንሣእካ ዳኣ ከይኰውን፧ ኢለ ሓተትኩዎ። ንሱ ከም ዝበለኒ ግና፡ ኣብ ሥራሕ እንተድኣ ደቂስካ ደኣ፡ መቕጻዕቱ ሞት እኮ ኢዩ፡ በለኒ። በታ ለይቲ እቲኣ ድቃስ ዝባሃል ከም ዘይደቀሰን፡ ነቒሑ ከም ዝነበረን፡ ንገለ ካብቶም ወተሃደራት ኣብ እዋን እቲኣ፡ ክድቅሱ ኣፍቂዱሎም ከም ዝነበረ ገለጸለይ። መሊሰ፡ እቲ ራእይ ክሳዕ ክንደይ ዝኣክል ከም ዝቐጸለ ሓተትኩዎ። ብርግጽ ክዝክር ኣይክእልን፡ ብግምተይ ግና ንሓደ ሰዓት ኣቢሉ ይኸውን፡ በለኒ። ከም ኵሉ ብርሃን መዓልቲ  ይመስል ከም ዝነበረ ድማ፡ ይገልጽ። ድሕሪ ሃለዋትካ ምፍላጥካ፡ ናብ ውሽጢ መቓብር ኣቲኻዶ፧ ኢለ ትኩዎ። ፈሪሔ ስለ ዝነበርኩስ ኣይኣቶኹን በለኒ።

ካልኦት ቅያሮም ምስ መጹ ግና፡ ናብ መደበሮም ከም ዝኸዱ ነገረኒ። እንደገና ገለ ካህናት መጺኦም ሓቲቶምኻ፧ ኢለ ምስ ሓተትኩዎ ኻዓ፤ እወ መጺኦም ኔሮም፡ እንተዀነ፡ ንሳቶም፡ዝዀነ ምንቅጥቃጥ መሬት ከምዝነበረ፡ ንሕና ድማ ደቂስና ከሎና፡ ደቀ-መዛምርቱ መጺኦም ንሬሳ ኢየሱስ ሰሪቖምዎ በል እሞ፡ ንሕና ድማ፡ ዕዳኻ፡ ገንዘብ ክንህበካ ኢና ከም ዝበልዎ ሓበረኒ።፡ ንሱ ግና፡ ደቀ መዛሙርቲ ኢየሱስ ከም ዘይረኣየ፡ ክሳብ ካልኦት መጺኦም፡ እቲ ሬሳ ከም ዝኸደ ዝነግርዎ ድማ፡ ዝፈለጦ ከም ዘይነበሮ፡ ገለጸለይ።

ብድሕሪ እዚ እቶም ካህናት፡ ብዛዕባ እቲ ዝዀነ ዘበለ፡ ሓድሕዶም እንታይ ይበሃሃሉ ከም ዝነበሩ ሓተትኩዎ። ገሊኦም ኢየሱስ ሰብ ኣይነበረን፡ ካብ ደቂ ሰባትውን ኣይኰነን፡ ወረ ገሊኦምሲ፡ ወዲ ማርያም ኣይነበረን ይብሉ ነበሩ። እዝስ፡ እቲ ካብ ድንግል፡ ኣብ ቤት ሊሔም ኪውለድ ዝተባህለሞ፡ ቅድሚ ኣብራሃምን ሎጥን ብዙሕ ጊዜ ኣብ ምድሪ ዝነበረ ኢዩ ይብሉ ነበሩ፡ በለኒ።

ንዓይ ከም ዝመስለኒ፡ኣብ ኢድ ካይላ ዘሎ ጭቃ እምበር፡ ካልእ የልቦን ከም ዝተባህለ፤ ክለሳ ሓሳብ ኣይሁድ ሓቂ እንተድኣ ዀይኑ፡ እቲ ኣብ ሕይወት እዚ ሰብኣይ እዚ ዝተፈጸመ፡ ኵላቶም ጸላእትን ፈተውትን ኣብ ሓደ ስምምዕ ስለ ዝበጽሑ፡ እዚ መዛዘሚ እዚ ቁኑዕ ኢዩ፡ ኢየ ዝብል። ከም ደቀ- መዛሙርቱ ዝበልዎ ድማ፡ ንማዕበል ገኒሑ ካብ ኣህድኦ፡ ንማይ ናብ ወይኒ፡ ንሕማም ናብ ጥዕና ካብ ለወጦ፡ ንዓሳ ጸዊዑ ካብ ኣፉ ብሩር ሰልዲ ካብ ኣውጽኤ፡ ንሞት ናብ ሕይወት ዘይልውጠሉ እንታይ ምኽንያት ኣሎዎ። ወረ ኣይሁድ ከም ዝብልዎስ፡ ብዙሕ ነገራት ድማ ጌሩ ኔሩ እዩ። እቲ ዘገርም ግና፡ ጽቡቝ ብምግባሩ ኣይሁድ ጸላእቱ ኰኑ። ብዝዀነ ገበን ኣይተኸሰን፡ ሕጊ ብምጥሓስውን ኣይተኣስረን። ዝዀነ ጌጋውን ፍጹም ኣይተረኽቦን። እዞም ሓቅታት እዚኣቶም ድማ፡ ብፈተውቱ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብጸላእቱ ከይተረፈ፡ ኣብ ቅድሚ ኣሽሓት ሰባት ዝምሥከሩ እዮም። ስለ ኣነውን፡ ከም ማንሊስ ኣብ ጥቓ መስቀል ዀይኑ ዝበሎ፡ ክብል ቁሩብ ስለ ዝዀንኩብሓቂ ብሓቂ እዚ ወዲ ኣምላኽ ኢዩ ኔሩእብል ኣሎኹ።

ሃጸይ ጢባርዮስ፡ እቲ ኣነ በጺሔዮ ዘሎኹ ሓቂ፡ ኵሉ ነጥብታት ብምሉኡ ክግለጸልካ ምእንቲ መዝጊበዮ ኣሎኹ። ንስኻ ብግቡእ ተረዲኡካ ኣብ ልዕሊ ኵሉ ጸብጻበይ ክትፈርድ ክትክእል ምእንቲ ኢለ ኢየ ዝጸሓፍኩልካ። እንተዀነ፡ ከም ዝሰምዖ ዘሎኹ፡ ኣንቲፓተር፡ በዚ ጉዳይ እዚ፡ ብዛዕባይ ብዙሕ ከም ዝተዛረበ ሰሚዔ ኣሎኹ። ኣነ ግና፡ ንኽብርነትካ ብምሉእ ተኣማንነት ዘገልግል ሰናይውን ዝምነየልካ፡ ኢየ።

ኣነ ትሑት ተኣዛዚኻ, ጳንጢዮስ ጲላጦስ

እዚ ምስክርነት (ጽሑፍ) እዚ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ሕይወቱን ትምህርቱን ስቕለቱን ትንሣኤኡን ዝድግፍ ጽሑፍ ኢዩ።

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div