S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

“ወዲ ሰብ ጐይታ ሰንበት እዩ፡ ከኣ በሎም” (ሉቃ 6፡5)።

እዚ ሰንበት እዚ (ነሓሰ 13 2017) ከም መቐጸልታ ናይቲ ምስ ኽራማት፡ ዘርእን ዘራእትን ዝተኣሳሰር ምንባባት ዝወሃበሉ መዓልቲ እዩ። ካብቲ ብመዓልቲ ሰንበት ደቀ መዛሙርቲ ኢየሱስ ብሰንበት ናብ ግራት ዘራእቲ ኣትዮም እናመሓዉ ክበልዑ ምስ ረኣይዎም እቶም ናይ ሕጊ ምሁራት ዝበሃሉ ፈርሳውያን ንዘልዓልዎ ተቓውሞ ብጐይታ ዝተዋህቦም መልሲ፡ ዝተወስደ እዩ።

ጐይታ ሃዋርያት ኢሉ ንዝሓረዮም ደቀ መዛሙርቱ ሓርዩ ምስ ወድአ፡ ምስ ደቀ መዛምርቱ ብዝሩእ ግራውቲ ይሓልፍ ነበረ። ደቀ መዛምርቱ ጠምዮም ብምንባሮም ካብቲ ሰዊት ክምሕውን ክበልዑን ጀመሩ። እታ መዓልቲ ድማ ሰንበት ነበረት። ብሕጊ ሙሴ፡ ብመዓልቲ ሰንበት ነዊሕ መገዲ ምኻድ ኣይፍቀድን እዩ። ክትከዶ እትኽእል ርሕቀት ናይ መገዲ፡ ብፈሪሳውያን ተወሲኑ ነበረ።መገዲ ሰንበትኢሎም ከኣ ይሰምይዎ ነበሩ (ግብ 112) ከምኡ ኸኣ ዝዀነ ስራሕ ምስራሕ ዋላ እውን መግብኻ ምስራሕ ኣይፍቀድን ነበረ። በዚ መዓልቲ፡ እቶም ደቐ መዛሙርቲ ካብቲ ሰዊት እናመሓዉ ክበልዑ ምስ ረኣይዎም እቶም ፈሪሳውያን ክቓወምዎም ጀመሩ። እቲ ጸገም ካብ ናይ ካልእ ሰብ ግራት ብዘይ ፍቓድ ዋና ግራት ምቕንጣቦም ኣይነበረን፡ ምኽንያቱ እቲ ኣብ ግራት ናይ እማትካ ምምሓው ሓጢኣት ኣይነበረን (ዘዳ 2324-25) እቲ ዘውቅሶም ዘሎ እቲ ዝገብርዎ ዘለዉ ነገር ብሰንበት ምንባሩ እዩ። ሰንበት ማለትምኽልካልወይምቁራጽማለት እዩ። ክትገብሮ ዘይፍቀደልካ ወይ ክትቆርጾ ዘለካ ነገር ከም ዘሎ ይሕብር። ጐይታ ከኣ ንሰንበት ዝምልከት ብዙሕ ሕጊ ሂቡ ነበረ (ዘፍ 23 ዘጸ 208-11 ዘጸ 3112-17) እዛ ሰሙናዊት ሰንበት ጽላሎት ናይታ ደሓር ክንኣትዋ ዘሎና ዘለኣለማዊት ሰንበት እያ (እብ 49-10) ኣብዛ ናይ ምድሪ ሰንበት ካብ ስጋዊ ጾርን ዕዮን ነጻ ምእንቲ ክንከውን ዝተኸልከልናዮም ነገራት ከም ዘለው፡ ከምኡ ከኣ ናብታ ሰማያዊት ሰንበት ኣቲና መታን ከነዕርፍ ክንክልከለሎም ዚግብኣና ነገራት ከም ዘለው ቃል ኣምላኽ ይሕብረና።

ጐይታ ነዚ ግብዝ ሕቶኦም ኣብ ንምምላስ ነቲኣቦናእዩ ዝብልዎ ዳዊት እዩ ጠቒስሎም። ዳዊት ዝብላዕ ምስ ሰኣነ፡ ካብቲ ብዘይካ ካህን ካልእ ክበልዖ ዘይፍቀድ መግቢ (እንጌራ ምርኣይ) በልዔ (1ሳሙ 211-6) እዚ ንሓጢኣት ዘይተቖጽረሉ፡ ዳዊት ኣብ ዕለታዊ ናብርኡ ከም ልቢ ኣምላኽ ኰይኑ ይመላለስ ስለ ዝነበረ፡ ብምኽንያት እቲ ቅዱስ ህይወቱ፡ ነቲ ቅዱስ መግቢ ንምብላዕ ተፈቕደሉ። ካብቶም ነቲ እንጌራ ምርኣይ ከዳልውን ክበልዑን ዝተፈቕደሎም ካህናት ንላዕሊ ዝተቐደሰ ህይወት እንተሃልይዎ፡ ይትረፍ ከምኣቶም ካብኣቶም ንላዕሊ ናይ ምብላዕ መሰል ክህልዎ እኳ ይከኣል እዩ (ዘጸ 2530 ዘሌ 245-9) ከምኡውን ካህናት ናይ ሰንበት ሕጊ ኣብ ህዝቢ ናይ ምሕላው ሓላፍነት ዘለዎም ንሳቶም እኳ እንተዀኑ፡ ንሳቶም ንሰንበት ኣብ ቤተ መቕደስ ይስዕርዋ ነበሩ። ዝዀነ ሰብ ብመዓልቲ ሰንበት በጊዕ ይኹን ካልእ እንስሳ ሓሪዱ ክበልዕ ኣይፍቀደሉን እዩ። እንተዀነ ንመስዋእቲ ዝኸውን እንስሳ ናብቲ ቤት መቕደስ እንተ ኣምጺኡ ግና እቶም ካህናት ሓሪዶም መስዋእቲ ይውፍይዎ፡ ካብቲ መስዋእቲ ከኣ ይበልዑ እዮም (ዘሁ 289-10) ስለዚ ካህናት ንሰንበት ኣብ ቤት መቕደስ የፍርስዎ ክነሶም ሓጢኣት ኣይኰኖምን እዩ። ስለዚ ብመሰረቱ እቲ ሓጢኣት ሓሪድካ ብምብላዕ ዘይኮነስ፡ እቲ እንገብሮ ግብሪ ምስ ኣምላኽ ዘይተተሓሓዘን መንፈሳውነት ዜብሉን ምዃኑ እዩ። ከምኡ እውን ንሰብ ብሰንበት ይገዝርዎ። ኣብ ጊዜ ግዝረት ዝፍጸም መስዋእቲ ዂሉ ከኣ ይፍጽሙ፡ እንተዀነ ሓጢኣት ኣይኰኖምን እዩ (ዮሃ 722-24) ጐይታ ድማ ካብ ቤት መቕደስ ይዓቢ። ስለዚ ነቶም ኣብታ ናይ ድንኳን መቕደስ ንሰንበት ዝስዓሩ ሓጢኣት ካብ ዘይኮኖም፡ ኣብቲ ካብ መቕደስ ዚዓቢ ክርስቶስ ኰይኖም ንሰንበት ዝስዕርዋ ፈጺሙ ሓጢኣት ኣይኰኖምን እዩ። ጐይታ ካብ ሰንበት ይዓቢ። ስለዚ ከኣ ጐይታ ሰንበት እዩ። ጐይታ ካብ ኲሎም ሰባት፡ ነገራትን ስርዓታትን ንላዕሊ ይዓብይ እዩ (ማቴ 1241-42 ፊሊ 29-10 ኢሳ 814 ህዝ 1116 መዝ 275 እብ 81-7 እብ 96-14) ንፈሪሳውያን ዝጐድኦም ዘሎ ነቲ ኣብ መንጎ ምሕረትን መስዋእትን ዘሎ ዝምድና ስለ ዘይፈልጥዎ እዮም። ኣምላኽ ካብ ንመስዋእቲ ንምሕረት እዩ ዝፈቱ። ፈሪሳውያን ግና ካብ ንምሕረት ንመስዋእቲ ይፈትው። ክልቲኦም ኣይተራኸቡን መስዋእቲ ምእንቲ ምሕረት ኢልካ ትውፍዮ። ምሕረት ግን ምእንቲ መስዋእቲ ኣይውፈን እዩ። ናይ መስዋእቲ ስርዓት ምስ ሓጢኣት እዩ ተኣታትዩ። ምሕረት ግን ቅድሚ ምፍጣር ዓለም ነይሩ። ከምቲ ጐይታ ነቒፍዎም ዘሎ፡ በቲ ኣብ ሕጊ ዘሎ ኣውራ ነገር (ምሕረት፡ ፍርዲ፡ እምነት፡ ወዘተ) ዘይተገደሱ ብዛዕባ እቲ ካልኣዊ (ቀንዲ ዘይኰነ) ነገር ከም እኒ ዕሽር መባእ ወዘተ ይግደሱ (ማቴ 2223) እዚ ምስጢር እዚ ተረዲእዎም እንተዝኸውን ነይሩ፡ ካብ ምፍራድ ምምሓር ምቐለሎም (ሆሴ 66 ሚክ 66-8 ማቴ 913)

ድሕሪ እዚ ናይ ዝሩእ ግራት ምጕት፡ ብኻልእ ሰንበት ጐይታ ኣብ ቤት ጸሎት ገጹ ነበረ። ፈርሳውያን ድማ ኣብኡ ኣብ ቤት ጸሎት ከኣ ንሰንበት ዝስዕራ እንተዀይኑ ክርእዩ ይዕዘቡ ነበሩ። ኣብ ቤት ጸሎት ምፍዋስ ዘድልዮም ብዙሓት ነበሩ። ካብኣቶም ርኡይ ሕማም ዝነበሮ ሓደ ኢዱ ዝነቐጸት ሰብኣይ ነበረ። ብሰንበት ምፍዋስ ዚግባእ እንተዀይኑ ምስ ሓተትዎ፡ ብግቡእ መልሲ ረትዖም። ካብኣቶም በጊዕ ናብ ጉድጓድ እንተወደቐቶ፡ ሰንበት ስለ ዝኾነ ከየልዓላ ዝተርፍ ኣይነበረን። እንተዀነ ብመንፈሳዊ ዓይኒ እተን ንኽጓስይወን ዝተዋህበኦም ኣባጊዕ እቲ ህዝቢ ነበረ (ኤር 506-17 ህዝ 346) ኣብቲ ስጋዊ መነባብርኦም ነተን ኣባጊዕ ስለ ርእሶም ኢሎም የልዕልወን ከም ዝነበሩ፡ ጐይታ ነተን መንፈሳውያን ኣባጊዕ (ነፍሳት) ብሰንበት ጽቡቕ ክገብረለን ግቡእ እዩ። ምኽንያቱ ካብ በጊዕ ሰብ ይዓቢ። ኣብ ዓይኒ ፈሪሳውያን ግን ከምኡ ኣይነበረን። ጐይታ ከኣ ጐይታ ሰንበት ጐይታ ነፍሳት ምዃኑ ከግህድ፡ ንሕማም ናይቲ ሰብኣይ ገኒሑ ኣሕወዮ። ኣብ ቅድሚኦም እሞ ከኣ ኣብ ቤት ጸሎት ኣብ ቅድሚ እቲ እኩብ ህዝቢ ንሰንበት ብፈውሲ ስዒርዎም ምስ ረኣዩ ፈሪሳዉያን ክጸርዎ ኣይከኣሉን። ንምጥፍኡ ከኣ ምኽሪ መኸሩ። ጐይታ ከኣ ዂሉ ዝፈልጥን ኣብ ዂሉ ዝርከብን ጐይታ ስለዝኾነ፡ ነቲ ንሱ ኣብ ዝይብሉ ቦታ ኰይኖም ዝመኸርዎ ሕቡእ ምኽሮም ፈለጦ። ዝተሓዘሉ ጊዜ ስለ ዘይኣኸለ ከኣ ካብቲ ቦታ ኣግለሰ። ጐይታ ንዂሉ ነገር ብምዱብ ጊዜኡ ስለ ዝፍጽሞ ጥራይ እዩ ርሒቑ እምበር ካብ ሰብ  ዚሃድም፡ ሰብ ከኣ ዝሕይሎ ኣምላኽ ኣይኰነን።

ካብዚ ክልተ ኣጋጣሚታት እንመሃሮ ሓቅታት ብዙሕ እዩ። እቲ ናይ መጀመርያ ሓቂ፡ እቲ ጽሑፍ ሕጊ ቃልኣዊን መንፈሳውን ትርጉም ከም ዘለዎ ኢና ንርኢ። ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣብቲ ናይ ከረን ስብከቱ ኣቐድም ኣቢሉ ነቲ ኣብ ዓሰርተ ትእዛዛት ዝነበረ ነጥብታት ካብቲ ቃልኣዊ (literal) ትርጉሙ ሓሊፉ ዝሓዘሎ መንፈሳዊ ትርጉሙ ዝሃበሉ እዋን፡ ሕጂውን ነታ ንመዓልቲ ሰንበት ክትቅድሳ ዘኽር እትብል ትእዛዝ መንፈሳዊ ትሕዝቶኣ ዘብርሃሉ ኣጋጣሚ እዩ ኔሩ። እቲ መንፈሳዊ ትርጉሙ ድማ ካብ ክፉእ ምሕላው ማለት ምዃኑ እምበር ገለ ንጥፈት ዘይምግባር ዘይምዃኑ ኣብርሃሎም። ሰንበት ኣምላኽ ዘዕረፈላ፡ ሰብ ድማ ክነብረላ ዝጀመረላ ቀዳመይቲ መዓልቲ እያ። ሰብ ኣብ መዓልቲ ዕረፍቲ ክነብር እዩ ተፈጢሩ። ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ናይ ዕረፍቲ ናብራ ብዘይ ምእዛዝ ምስ ኣባኸኖ ግና ኣብ ጻዕርን መከራን ፍዳን ክነብር ጀመረ። ኣምላኽ ድማ ብሕጊ ሙሴ ኣቢሉ፡ ነቲ ኣምላኽ ገና ክኣትዋ ኣዳልይሉ ዘሎ ዘለኣለማዊት ሰንበት (ንሳ ድማ መንግስቲ ኣምላኽ) ዘማዕድወላ ነታ ጽላሎት ዝዀነት ሰንበት ዝዝክረሉ ትእዛዝ ተዋህቦ። እዛ ብሙሴ ዝተዋህበት ትእዛዝ ትንቢት እያ ዝነበረት፡ ንህዝቢ  ኣምላኽ ገና ክኣትዋ ዘለዎ ሓንቲ ሰንበት ተሪፋትሉ ከም ዘላ እተዘኻኽር ትንቢት። እቲ ጽሑፍ ከምዚ ይብል፥እምብኣርሲ እቲ ኣብ ዕረፍቱ ዝኣተወስ፡ ከምቲ ኣምላኽ ካብ ግብሩ ዝዓረፈ፡ ንሱውን ካብ ግብሩ ዓሪፉ አሎ እሞ፡ ንህዝቢ ኣምላኽ ዕረፍቲ ሰንበት ተሪፋቶም ኣላ።” (እብ 49-10) ዕላማ ናይዛ ብሙሴ ዝተሃበት ሰንበት ናብታ ናይ ሓቂ ሰንበት ምብጻሕ እዩ ዝነበረ። ንፈሪሳውያን፡ ህይወት ብእአን ትረኽቡ እናመሰለኹምሲ ትምርምርዎን ኣለኹም፡ ንሳተን ግና ብዛዕባይ እየን ዝዛረባ ከም ዝበሎም፡ እቲ ጽሑፍ ብምልኡ ናብ ክርስቶስ እዩ ዘመልክት። ኣቦ ካብ ሰማይ ንዕኡ ክሰምዕዎ፡ ነብያትን ቅዱሳንንውን ኣብ ምድሪ እቲ ሓጢኣት ዓለም ኣርሒቑ ዘዕርፍ ናይ ሓቂ ሰንበት ምዃኑ መስኸሩ። እቲ ሓቂ ምስ መጸ ግና እቲ ጽላሎት ነቲ ሓቂ ቦታ ክለቅቕ ናይ ግድነት እዩ። እታ ቀሪባ ኣላ ዝተባህለላ መንግስቲ ብናቱ ምህላው ኣብ ማእከሎም ከም ዝተጋህደት ክገልጽ፡ ጐይታ ንፈርሳውያን ከምዚ በሎም፥ፈሪሳውያን፥ መንግስቲ ኣምላኽ ምኣዝ ትመጽእ፧ ኢሎም ምስ ሓተትዎ ኸኣ፡ ንሱ፥ መንግስቲ ኣምላኽ እንሃ፡ ኣብ ውሽጥኹም ኣላ እሞ፡ መንግስቲ ኣምላኽሲ ብምትሕልላው ኣይትመጽእን እያ፡ እንሃ ኣብዚ ወይስ ኣብቲ ዚብላውን የልቦን፡ ኢሉ መለሰሎም።” (ሉቃ 1720-21)

ጐይታናን ኢየሱስ እምበኣር፡ እቲ ንዓና ዝተሓርየ ጐይታ ናይታ ናይ ጽላሎት ሰንበት ዝዀነ ዘለኣለማዊ ናይ ዕረፍትና ሰንበት እዩ። ነዚ ሓቂ ሓዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ስብኸቱ፡እምበኣርስኸ ሓጢኣትኩም ምእንቲ ኺድምስሰልኩም፡ ካብ ገጽ እግዚኣብሄር ከኣ ዘመን ዕረፍቲ ምእንቲ ኺመጻልኩም፡ ነቲ ቕድም ንኣኻትኩም እተሐርየ ክርስቶስ ከኣ ምእንቲ ኺሰደልኩምሲ፡ ተነስሑን ተመለሱን።ብምባል ኣብሪህዎ ኣሎ (ግብ 319-20) እቲ ተሪፉልና ኣሎ ዝተባህለ ዕረፍቲ ሰንበት ብምስዳድ እቲ ንዓና ዝተሓርየ ክርስቶስ ከም ዝመጽእ ገለጸ። ናብዚ ናይ ሓቂ ሰንበት እንኣትወሉ መገድ ድማ ብምምላስን ብምንሳሕን ምዃኑ ብዘየማትእ መገዲ ኣብርሀ። ስለዚ ሎሚ ንርእስና ክንሓታ ዝግብኣና ሕቶ፡ ነቲ ሕግን፡ ነብያትን፡ ሃዋርያትን ዘመልኸትዎ ጐይታ ሰንበት ዝዀነ ክርስቶስ ኣለልየዮ ኣለኹዶ፧ ነቲ ንሱ ዝህቦ ዕረፍቲከ ረኪበዮ ኣለኹዶ ዝብል ክኽውን እዩ ዘለዎ። ንሱ ንዝደኸሙን ጾር ዝኸበዶምን ከዕርፍ እዩ ዝመጸ።ኣቱም ኵልኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን፡ ኣነ ኸዕርፈኩም ናባይ ንዑ። ኣነ ለዋህ እየ፡ ልበይውን ትሑት፡ ኣርዑተይ ፈኵሽ፡ ጾረይውን ቀሊል እዩ እሞ፡ ኣርዑተይ ጹሩ ኻባይውን ተመሃሩ፡ ንነፍስኹም ከኣ ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም።” (ማቴ 11:29-30) ስለዚ ነቲ ዝጠብቀናን ዝኸብደናን ሓጢኣት ካባን ብንስሓ ኣርሒቕና፡ ብዕረፍቲ ክንነብር ነቲ ቀሊልን ዘይከቢድን ዝዀነ ናይ ፍቅሪ ትእዛዙ ነልዕል (እብ 121 1 ዮሃ 5:3)

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ኤርትራ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ

ዕለት፥   ሰንበት ነሓሰ 13, 2017      ነሓሰ 13, 2009 (ግእዝ)

 

ናይቲ መዓልቲ ስብከት

መዝ 19:3-4

ኣልቦ ነገር ውኣልቦ ነቢብ ዘኢተሰምዐ ቃሎሙ።  ውስተ ኵሉ ምድር ወፅኣ ነገሮሙ። ወእስከ ኣጽናፍ ዓለም በጽሐ ነቢቦሙ።

ዘረባ የልቦን፣ ምዝርራብ የልቦን፣ድምጾምውን ኣይስማዕን እዩ።ገመዶም ናብ ኵላ ምድሪ፣ ቃላቶም ድማ ክሳዕ ወሰን ዓለም ይወጽእ አሎ

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ንባብ

ኣንባቢ

2ጢሞ 41-ፍጻሜ

ዲያቆን

ወንጌል  ማቴ 61-20

2ጴጥ 112-19

ንፍቀ ዲያቆን

ቅዳሴ ዘሓዋርያት (ዘበደኃሪ)

ግሃ 2310-ፍጻሜ

ንፍቀ ካህን

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div