S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

እቲ ዘገርም ቁጽሪ ዘየብሎም ተቓወምቲ ትውፊት ኢና ዝብሉ ምዕራባውያን፥ ዝጠቕስዎ ጥቅሲ፥ ነቲ ሓዋርያ ጳውሎስ ንደቂ ቆረንቶስ ክጽሕፈሎም ከሎ ኣሕዋተየ፥ ንጥቕሚ እቲ ሓደ፥ ንጒድኣት እቲ ኻልእ ኢልኩም ከይትንፍሑ፥

ክንየው እቲ ጽሑፍ ከይትሐስቡ፥ ብኣና ምእንቲ ኽትምህሩ፥ እዚ ብዛዕባኹም ኣብ ርእሰይን ኣብኣጵሎስን መሲለዮ ኣሎኹ (1 ቆረ፡ 46) እናበለ ዝጸሓፈሎም ኣልዒሎም ንሕናውን ከምቲ ንደቂ ቆረንቶስ ዝተባህለሎም “Sola Scriptura” ሥልጣን ጽሑፍ ጥራይ ኢና ንቕበል እምበር፥ ካልእ ኣይንቕበልን ዝብል ሥነ መጕት እዮም ዝጥቀሙ። ይኹን እምበር ሓዋርያ ጳውሎስ ንደቂ ቆረንጦስ ክንየው እቲ ጽሑፍ ከይትሓስቡ ኢሉ ክጽሕፈሎም ከሎ፥ ብዛዕባ እቲ ኣብ መልእኽቱ ዝበሎም ድኣሉ ዝዛረብ ዘሎ እምበር፥ ብዛዕባ ምሉእ ወንጌል ኣይተዛረበን። ከምኡ እንተ ዀይኑ ግና፥ እታ መልእኽቲ ንባዕላ ካብቲ ኣቕዲሙ ዝተጻሕፈ ብሉይ ኪዳን ወጻኢት ስለ ዝዀነት ቅብልቲ ኣይኰነትን። ወረ ሓድሽ ኪዳንውን ኣይተጻሕፈን እሞ፥ ቦትኡ ኣበይ ክኸውን እዩ። ብድሕሪ እታ ደብዳቤ እቲኣ ካልእ ሓዋርያ መጺእዎም እንተ ዝኸውንከ፥ ጽሑፍ ኣይኰንካን ሰብ ኢኻ ኢሎም ክነጽግዎ ማለት ድዩ፧ ወይስ ብጽሑፍካ ጥራይ ድኣ ተዛረበና ሥልጣን ጽሑፍ ጥራይ ኢና ንቕበል ክብልዎ ድዮም፧ ሓዋርያ ጳውሎስ ንደቂ ቆረንጦስ ዝብሎም ዘሎስ፥ ብዛዕባ እቲ ኣብ ውሽጦም ዝነበረ ኣነ ይዓቢ፥ ኣነ እባ ይበጽ እናበሉ በቲ ናይ ቀደም ኣረሜናዊ ኣተሓሳስባኦም ስሱዕ ሥጋዊ ባህሪያቶም ስለ ዝሓሰቡ ድኣ፥ ክንዮው እቲ ዝጸሓፍናልኩም መንፈሳዊ ሓሳብ ከይትሓስቡ ድኣ በሎም እምበር፥ ብዛዕባ ክሉ ትውፊታትሲ ኣይበሎምን።

ድሕሪ መልእኽቲ ቆረንጦስ፥ ኩላቶም ጽሑፋት ኣብ ሓደ መጽሓፍ ምጥርናፎም፥ ስሳን ሽዱሽቲኦም ጥራይ ኢና ንቕበል እምበር፥ ካልእ ቤተ ክርስቲያናዊ ትውፊት ኣይንቅበልን በሉ። ኣብዚ ብዓቢኡ ዝስሕትዎ ዘለዉ ግን፥ መጽሓፍ ቅዱስ ንባዕሉ መጽሓፍ ቤተ ክርስቲያን ከም ዝዀነ ምርዖም እዩ። ቤተ ክርስቲያን ንመጽሓፍ ቅዱስ ብመሪሕነት መንፈስ ቅዱስ፥ ኣብቲ ናይ ሰለስተ ሚኢቲ ዓመታት መከራኣ፥ ተጻረርትን ልኡኻት ሰይጣንን ገፈል ከየእትዉሉ ሓልያን ጋሪዳን ተኸላኺላን ዓቒራቶ ድሕሪ ምጽናሓ፥ ሕጅስ ግዜኡ እዩ ዝበለቶ ሰዓት ምስ ኣኸለ፥ ነቶም ኣብ ውሽጣ ዓቒራቶም ዝነበረት ቅዱሳት መጻሕፍቲ ኣኪባ፥ እዞም ስሳን ስዱሽተን መጻሕፍቲ ትውፊት ሙሴን ነብያትን ሓዋርያትን፥ መንፈስ ቅዱስ ዝነፈሶም፥ ኢድ ሰብ ድማ ዘይሓለፎም መጻሕፍቲ ኦሪትን ሓዲስን እዮም ኢላ፥ ኣብ ሓደ ጠርኒፋ ቅዱስ ትውፊት እግዚኣብሔር ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን ኢላ፥ ኣብ ሓደ ጠርኒፋ ዝሃበትና ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኣያ። ነዚ ምስክርና ድማ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን እዩ። ብፍላይ ድማ ብፕሮተስታንት ዝተጻሕፈ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ነዚ ከምዚ ዝስዕብ ገይሩ ኣጸቢቑ የብርሆ።

367 .. ነዞም ሎሚ ብሓደ መጽሓፍ ቅዱስ ኢልና እንጽውዖም ዘሎና ስሳን ሽዱሽተን መጻሕፍቲ፥ፓትሪያርክ ኣትናቴዎስ በዓል ኣለክሳንደርያ፥ ከምዚ ኣብ ታሕቲ ኣቅሪብናዮ ዘሎና ብቅደም ተኸተል ሰሪዑ፥ ሓደ መጽሓፍ ገይሩ ንቤተ ክርስቲያን ከም ዘበርከተላ ታሪኽ ይምህረና። ብፍላይ ድማ እቲ ኣብ ሰሜን ኣፍሪቓ ሂፖ (ሊብያ) 393 .. ዝነበረ ሲነዶስ ነዞም ቅዱሳት መጻሕፍቲ እዚኣቶም ድሕሪ ናይ ሰለስተ ዓመት መርመራን ክርክርን፥ እዞም ቅዱሳት መጻሕፍቲ እዚኣቶም፥ እቶም ኣብ ኦሪት ዘለዉ ብሙሴን ብነብያትን ዝቐረቡ፥ ትውፊት እግዚኣብሔር ኣቦ ከምዝዀኑ፥ እቶም ኣብ ሓድሽ ኪዳን ዘለዉ ድማ፥ ብሓዋርያት ዝተዋህቡ ትውፊት ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ምዃኖም ድሕሪ ብመሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ምርግጋጾም፥ ብሓደመጽሓፍ ቅዱስተባሂሎም ክሕተሙ 397 .. እቲ ኣብ ካርትጅ ዝነበረ ቀንዲ ሲነዶስ ቤተ ክርስቲያን ፈቕደ። ክሳብ ሕጂ ድማ እንሆ ብጽቡቕን ጽፉፍን መገዲ ንዓለም የገልግላ ኣሎ። እሞ እዞም ቅዱሳት ኣቦታት እዚኣቶም ዝፈጸምዎ ቅዱስ ተግባር ንገሊኡ ተቐቢልና ንገሊኡ ድማ ንእበዮዶ፧ ኣንባቢ ፍረድ።

እሞኸድኣ እዞም ሕጂ ንመጽሓፍ ቅዱስ ብሥልጣና ኣብ ሓደ ጠርነፍና ክብሉ ንእሽቶይ ዝተረፈቶም፥ ነቲ መኣዛን ላህመትን ቤተ ክርስቲያን ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ተቐቢሎም ከብቅዑ፥ ነታ ንመጽሓፍ ቅዱስ ዘፍረየት ቤተ ክርስቲያን ኣየዴናን ክብልዋ፥ መንፈስ ቅዱስ ምሳና እምበር ምሳኺ ኣይኰነን ክብልዋፍርቂ ጎንኽን እዝጊሄር ይምሓርክንከም ዝተባህለ፥ እቲ ፍርቒ ጎና ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱሳ ጥራይ ተቐቢሎም ንሓዋርያዊ ንትውፊታ ኣይንቕበልን ክኣብይዋ ኣይግድን፥ ከመይሲላም ፍርቂ ጎና ኣይትሰብሕንከም ዝተባህለ፥ ትውፊትን መጽሓፍ ቅዱስን ክልቲኦም ካብ ሓደ ምንጪ ስለ ዝዀኑ፥ ንኽልቲኦም ምቕባል ወይ ድማ ንኽልቲኡም ዘይምቕባል። ተዘይኰነ ፍርቒ ተቐቢካ ይኣኽለኒ ማለትሲ ፍርቒ ጽድቒ ምድላይ እዩ ዘስምዕ።

ሳዕሪ ይነቅጽ፥ ዕምባባ ይቕምስል፥ ቃል ኣምላኽና ግና ንዘለኣለም ይነብር። (ኢሰ፡ 408)  ከም ዝበለ ኢሰያስ ነቲ ዘይቅምስል ቓል እግዚኣብሔር፥ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ጋሪዳን ተኻላኺላን ዘጽንሓቶም፥ ቀኖና ሓድሽ ኪዳን ከምዚ ገይራ እያ ዝሰርዓቶም።

ኣርባዕተ ወንጌላት ታሪኽ ጎይታና ኢየሱስ ዘዘንትዉ እዮም ተባሂሎም ተጸውዑ።

  1. ወንጌል ማቴዎስ
  2. ወንጌል ማርቆስ
  3. ወንጌል ሉቃስ
  4. ወንጌል ዮሃንስ

ግብረ ሓዋርያት መጽሓፍ ታሪኽ መንፈስ ቅዱስን ሓዋርያትን ተባሂሉ ተጸውዔ።

  1. ግብረ ሓዋርያት

እዚኣቶም ብሓዋርያ ጳውሎስ ንቤተ ክርስቲያን ዝተጻሕፉ ጳውሎሳውያን ተባሂሎም ተጸውዑ።

  1. ሮሜ
  2. ቀዳማይን ካልኣይን ቆረንቶስ
  3. ገላትያ
  4. ኤፈሶን
  5. ፍሊጲ
  6. ቆሌሴ
  7. ቀዳማይን ካልኣይን ተሰሎንቄ

እዚኣቶም ድማ ንውልቀ ሰባት ዝተጻሕፉ ጳውሎሳውያን እዮም።

  1. ቀዳማይን ካልኣይን ጢሞቴዎስ
  2. ቲቶስ
  3. ፍሊሞን

እዚኣቶም ድማ ዘይጳውሎሳውያን ተባሂሎም ተጸውዑ

  1. እብራውያን
  2. ያዕቆብ
  3. ቀዳማይን ካልኣይን ጰጥሮስ
  4. ቀዳማይ: ካልኣይን ሳልሳይ ዮሃንስ
  5. ይሁዳ

እዛ መጽሓፍ እዚኣ ድማ መዛዘሚ ኹሉ ጽሑፋት ተባሂላ ኣብ መዛዘሚ ኣንበርዋ።

  1. ራእይ ዮሃንስ

                            መዛዘሚ

ትውፊት ካብ ጥንቲ ብጥቅምቲ ብቓልን ጽሑፍን ከመይ ገይሩ ከም ዝነበረ ካብ ብነዊሑ ብሓጺሩ ካብ ብገፊሑ ድማ ብጸቢቡ ኣመልኪትና ኣሎና። ስለዚ ትውፊት ኣብ መንፈሳዊ ኣምልኾና ክህሉ ግድን እዩ። ትውፊት ዘየብሉ ቤተ ክርስቲያን እየ ዝብል እንተድኣ ሃልዩ፥ መጽሓፍ ቅዱስ ንባዕሉ ካብ ትውፊት ቤተ ክርስቲያን ምዃኑ ስለ ዝሰሓተ፥ ብተናጸል ናይ ገዛእ ርእሱ ካልእ ትውፊት ከም ዘቕዉም ክፈልጥ ይግብኦ። ከምኡ ክገብር ክብል ድማ ንገዛእ ርእሱን መጓሴኡን ኣብ ዓቢ መፈንጠራ ዽያብሎስ ከም ዝኣቱ ዘጠራጥር ኣይኰነ። ንሕጂ እዚኣቶም እቲኣቶም ኢልና ስሞም ክንጽውዕ እኳ እንተዘይ ደሌና፥ ብዙሓት ጽሑፍ ጥራይ ኢና ንቕበል sola scriptura ዝበሉ መገዲ ስሒቶም ዝጠፍኡ ቁጽሪ ዘየብሎም ከም ዘለዉ ስለ ንፈልጥ ኢና እምበር ካብ የእምሮና ዝመሃዝናዮ ኣይኰነን። ብርግጽ ሓንቲ ኢድ ንበይና ከም ዘይተጣቕዕ እቶም ትውፊት ኣይንደልን መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ ይኣኽለና ዝብሉስ፥ ብሓንቲ ኢድና ጥራይ ከነጣቕዕ ንኽእል ኢና ዝብሉ ዘልዉ እዮም ዝመስሉ። ብሓንቲ ኢድ ከጣቓዕ ስለ ዘይትኽእል ድማ፥ ድምጺ ዘየብልካ ድኣ ትተርፍ እምበር ብርግጽ ድምጺ ክትገብር ክእለት የብልካን።

ፍቑራት ኣሕዋተይ ነቲ ኣልቦ ዘይሰኣኖ ኣምላኽ ኣብ ጸቢብ ኣእምሮና ኣእቲና ኣይንሕጸሮ፥ እዚ እዩ ቅቡል እዚ እባ ዘይቅቡል እናበልና ንእግዚኣብሔር ብጥበብ ሰብ እናኸድና ንሥልጣኑ ወሲድና ኣብ ጁባና ከነእትዎ እንተፈተና፥ ዊዒልና ሓዲርና እንስነፍ ንሕና ኢና እምበር፥ ቅዱስ ትውፊት ኣይዀነ ወይስ ቅዱስ ጽሑፍ። ስለዚ ካብ ብመኽሪ ሰብሲ ብመኽሪ እግዚኣብሔር ምኻድ ይበልጽ።

ክንውክውሶም ዝግብኣና መጻሕፍቲ

  • ዘመናዊ መዝገበ ቓላት ትግርኛ ብተኺኤ ተስፋይ እተዳለወ፥ ብኣዳለውቲ ሕድሪ 1999 እተሓትመ።
  • ትምህርተ ሃይማኖትና ክርስቲያናዊ ሕይወት፥ ብሊቀ ጉባኤ ኣባ ኣበራ በቀለ በኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን 1996 . እተሓትመ።
  • G. Florovsky, Bible, Church, Tradition: An Eastern Orthodox View, Belmont, Mass., 1972.
  • V. Lossky, "Tradition and Traditions", In The Image and Likeness of God, ed. J.H. Erickson and T.E. Bird, Crestwood, N.Y., 1974, pp. 141-168.
  • J. Meyendorff, "The Meaning of Tradition," in Living Tradition, pp. 13-26.
  • G.S. Bebis, "The Concept of Tradition in the Fathers of the Church," Greek Orthodox Theological Review, Spring 1970, Vol. XV, No. 1, pp. 22-55.
  • C. Scouteris, "Paradosis: The Orthodox Understanding of Tradition," Sobornost-

1ይ ክፋል | 2ይ ክፋል | 3ይ ክፋል | 4ይ ክፋል | 5ይ ክፋል | 6ይ ክፋል | 7ይ ክፋል | 8ይ ክፋል |

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div