S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ክርስቲያን ንሞትን ትንሣኤን ክርስቶስ ተኻፋሊ ከም ዝዀነ፡ ኣብቲ ዝፍጸም ሥነ ሥርዓት ጥምቀቱ ክመሃሮ ይኽእል። ንተጠማቒ ኣብ ውሽጢ ማይ ምእታው፡ ምስ ጐይታ ምማቱን ምቕባሩን ከም ዝዀነ እቲ ጽሑፍ ከምዚ ይብል ብክርስቶስ ኢየሱስ እተጠመቕና ዘበልና ዂላትና ብሞቱ ኸምእተጠመቕናዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ እምብኣርሲ ኸምቲ ክርስቶስ ብኽብሪ ኣቦኡ ኻብ ምዉታት ዝተንስኤ፥ ከምኡ ኸኣ ንሕና ብሓዳስ ህይወት ምእንቲ

ኽንመላለስ፥ ናብ ሞት ብጥምቀት ምስኡ ተቐበርና” (ሮሜ 63-4) ንተጠማቒ ህጻን ይኹን ዓቢ፡ እቲ ካህን ኣብ ውሽጢ ማይ ሰለስተ ግዜ ኣጥልቕ ኣውጽእ፡ ኣጥልቕ ኣውጽእ ከብሎ ከሎ፡ ማለት ጐይታ ኣብ ውሽጢ መቓብር ሰለስተ መዓልትን ለይትን ምጽንሑ እዩ ዝምህረና ዘሎ። በታ ሳልሰይቲ ግዜ ካብ ማይ ምውጻኡ ድማ፡ ጐይታ በታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ካብ መቓብር ሞትንሳኡ ዘርኢ እዩ። ከምኡውን ክርስቲያናት ከምቲ ክርስቶስ ካብ ሞት ዝተንስኤ ክትንስኡ ምዃኖም የመልክት። ክርስቲያናት ኣቐዲሞም ናይ ነፍሲ ትንሣኤ ብጥምቀት ይረኽቡ። ኣብ መውዳእታ ድማ ነፍሶምን ሥጋኦምን ተዋሃሂዱ ንህያው ናብራ ክርስትና ይትንስኡ። ትንሣኤ ነፍሲ ዝተባህለ ብእምነትን ብጥምቀትን ንረኽቦ ትንሣኤ ልቦና፡ ጸጋ እዩ። ብነፍሲ ገነት ምእታውናውን የመልክት። ሓዋርያ ጳውሎስ ጥምቀት ምስ ሞትን መቓብርን ጐይታ ኣውሃሂዱ ክምህር ከሎ፡ ክርስቲያናት ንጐይታ ብሞቱ ስለ ዝመስልዎ ብትንሣኤኡውን ከም ዝመስልዎ ኣብሪሁ የረድእ (ሮሜ 65) እዚኣቶም ኩላቶም ፈውሲ ነፍሲ ዝዀኑሉ ምኽንያት ግና፡ ንሕና ብኣእምሮና ተቕቢልና፡ ብሕልና መዲብና፡ ብእምነት እንተ ኣተግበርናዮም ድኣምበር፡ ከም ቶማስ፡ ለውጢ ክገብሩ ከለዉ እንተዘይ ረኤኹ፡ ኣይኣምንን ምባል፡ ኣብ ገዛእ ነፍስኻ ዓመጽ ምፍጻም እዩ ዘቑጽር።

ሞትን ትንሣኤን ክርስቶስን ምስ ህይወትና ከመይ ኢሉ ከም ዝዛመድን፡ ከመይ ጌርና ብተግባር ክንገልጾ ከም እንኽእል፡ ካብ ቓል ኣምላኽ ክንመሃሮ ከሎና ብሉጽ ረብሓ የምጽኣልና እምበር ክሳራ የብልናን። እቲ ቅድም ክንፈልጦ ዘሎና ድማ፡ ካብቲ ብሰንኪ ሓጢኣትና ዝመጸ ናይ ሞት ፍርዲ፡ ሓራ ክንከውን ምእንቲ፡ ክርስቶስ ኣብ ክንዳና ኰይኑ፡ ከም ዝሞተ ነእምሮና ክንመሃሮ ከሎና እዩ። ኣእምሮና ምስ ተማህረ ድማ ነቲ ብሥጋ ዘይብጻሕ ብእምነት ይበጽሖ እሞ፡ ብግብሪ ድማ ክንነብረሉ ንሕልን። ሕልናና ድማ ነቲ ብኣእምሮ ዝወሰናዮን የተግብር፡ ሽዑ ከምቲ ሓዋርያ ጳውሎስ እምብኣርሲ ሕጂ ነቶም ብክርስቶስ ኢየሱስ ዘለዉ ዅነኔ  ደጊም የብሎምንከም ዝበለ (ሮሜ 81)  እንተድኣ ኣሚና ብግብሪ ድማ ነቢርናሉ፡ ምስ መድሓኒና ዝበለጸን ዝጠበቐን ሓደንት ክህልወና ግድን እዩ። ምስ ሞትን ትንሳኤን ክርስቶስ ሓደ ምዃና ዘመልክተና፡ ካብ ተግባር ሓጢኣት ምማትና፡ ካብ ኩፉእ ነገር ብሕልና ምፍላይና ምኳኑ፡ ካብ ጽሑፋት ቅዱስ ጳውሎስ ደጊና ንመሃርእቶም ናይ ክርስቶስ  ዘበሉ ኸኣ ነቲ ሥጋኦም ምስናይ ፍትወቱን ትምኒቱን ሰቒሎምዎ እዮም” (ገላ፡524) ከም ዝበለ፡ እቶም ክርስቲያናት ዝተጸውዑ ነቲ ዝኣምዎ ብሕልናን ብተግባር ጥምቀትን ካብ ንሓጢኣት ከም ዝሞቱን፡ ከም ዝተቐብሩን ምስ ዝመሃሩ ጥራይ እዩ። ምስ ክርስቶስ ምማትን ምቕባርን ማለት ንፈቓድ ሥጋናን ንፈቓድ ሰይጣንን ብሕልናና ምውጋእናን ምግዳልናን ካብ ዓለማዊ ደስታ ርእስና ምፍላይን ምዃኑ ናይ ጥምቀት ሓቀኛ ትርጉም ከምዚ ገይሩ የረድአና እምብኣርሲ ንትምኒቱ ኸይትእዘዙ፥ ኣብዚ መዋቲ ሥጋኹም ሓጢኣት ኣይንገስይብል (ሮሜ 612)

ብጥምቀት ምስ ጐይታ ሓደ ከም ዝኰናን ብትንሳኤኡውን ከም ዝሰመርናዮን ሓዋርያ ጳውሎስ ደጊሙ ከምዚ ኢሉ ይምዕደና እቲ ዝሞተ ኻብ ሓጢኣት ሓራ ወጺኡ እዩ እሞ፥ እዚ ደጊም ንሓጢኣት ከይግዛእ፥ እቲ ናይ ሓጢኣት ሥጋ ምእንቲ ኺጠፍእ፥ እቲ ኣረጊት ሰብና ምስኡ ኸም እተሰቕለ፥ፈሊጥና ኣሎና። እቲ ኻብ ምዉታት ዝተንስኤ ክርስቶስ መሊሱ ኸም ዘይመውት፥ ሞትውን ኣብኡ ኸም ዘይመልኽ ፈሊጥና፥ ንሕና ምስ ክርስቶስ ካብ ሞትናስ፥ ምስኡ ድማ ብህይወት ከም እንነብር፥ ንኣምን ኣሎናይብል (ሮሜ 65-9)

እምብኣርከስ ንሕና እቶም ብክርስቶስ ዝተጠመቕና ዘበልና፡ ነቲ ኣረጊት ሰብነትና ማለት ነቲ ባህርያዊ ሰብነትና፡ ናይ ቀደም ሓጥእ ጠባይናን ተግባርን ምስ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ሰቒልና፡ ንሓጢኣት ከም ዝሞተ ሰብ ኰይና፡ ብክርስቶስ ከም ብሓድሽ ብጥምቀት ማይን መንፈስ ቅዱስን ተወሊድና፡ ንሓድሽ ናይ ጸጋ ህይወት ክንነብር ከም ዘሎና ክንመሃር ይግብኣና። ስለዚ ከም ትምህርቲ ሓዋርያ ጳውሎስ ምስ ክርስቶስ ዝበለጸ ናይ መንፈስ ርኽክብ እንተድኣ ኣሎና፡ ነፍሲ ወከፍ ክርስቲያን ብመንፈሱ ከምዚ ይብል ግናኸ ክርስቶስ እዩ ኣባይ ዚነብር ዘሎ እምበር፥ ደጊም ኣነ ኣይኰንኩን ዝነብር ዘሎኹ። እዚ ሕጂ ብሥጋ ዝነብሮ ዘሎኹ ድማ፥ ብእምነት በቲ ዘፍቀረኒ ምእንታይውን ነፍሱ ዘሕለፈለይ ወዲ ኣምላኽ እየ ዝነብር ዘሎኹ (ገላ፡220) ክብል ይግባእ    

ብልግነት ብክርስቶስ ተጀመረ።

ሓደ ሓደ ፍልጠት ዝጸምኡ ሰባት፡ ብዛዕባ እቲ ቤተ ክርስቲያን ዘውትር ክትገብሮ ዝርእዩ፡ ክትምሮ ከላ ግና ብገለ ምኽንያታት ብዙሕ ዘይሰምዑ፡ እዚ ስለምታይ ተገብረ፡ እዚኽ ስለምንታይ ተደግመ እናበሉ ይሓቱ እሞ፡ እቶም ዝሕተቱ ነቲ ሕቶ ክምልስዎ ብዘይ ምኽኣሎም፡ እቲ ተግባር ዘይብቑ ኰይኑ ይስምዖም እሞ፡ ኣብ ዕጹው ማዕጾ ይበጽሑ ወይ ድማ ናብ ካልእ ኣቢሎም መልሲ ክረኽቡ ዕንኪልል ይብሉ። እቲ ዝበልጸ ግና ክሳብ ብቑዕ መምህር ዝርከብ ኣብ ዘለኻዮ ምጽሕ እዩ።

ኣቐዲምና ከም ዝበልናዮ፡ ዝዀነ ቤተ ክርስቲያን እትገብሮ፡ ብምሳሌ ከም ዘኰነ ክንፈልጥ ይግብኣና። ንኣብነት ሓደ ካብቶም ዘወትር ዝሕተቱ ሕቶታት፡ ንምንታይ ብልግነት ዝብል እዩ። ብልግነት ዝተጀመረሉ ኣብ ምላድ ክርስቶስ እዩ። ክርስቶስ ምስ ተወልደ፡ ወለዱ ሒዞሞ ናብ ቤተ መቅደስ ምስ መጹ፡ እቶም ምላድ ክርስቶስ ዝጽበዩ ዝነበሩ ስምኦንን ሃናን ዝበሃሉ ክልተ ሽማግሌታት፡ ኣብ ኣፍደገ ቤተ መቕደስ ነበሩ እሞ፡ እቲ ብኽልተ ወለዲ ተዓጂቡ ናብ ቤተ መቅደስ ዝኣቱ ዝነበረ ህጻን፡ ንሱ እቲ ካብ ጥንቲ ክውለድ ዝጽበይዎ ዝነበሩ ክርስቶስ ምዃኑ፡ መንፈስ ቅዱስ ምስ ነገሮም፡ ክልቲኣቶም በብተራ ንክርስቶስ ከም ዝሓቆፍዎ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ገይሩ ይምስክር። 

 እንሆ ድማ፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ስምኦን ዚብሃል ሰብኣይ ነበረ። እዚ ሰብኣይ እዚ ጻድቕ፥ ንኣምላኽ ዚፈርህ፥ ምጽንናዕ እስራኤልውን ዚጽበ ነበረ፥ መንፈስ ቅዱስ ድማ ነበሮ። ነቲ ቕቡእ እግዚኣብሔር ከይረኣዮ፥ ሞት ከም ዘይርኢ ድማ፥ ብመንፈስ ቅዱስ ተገሊጹሉ ነበረ። ብመንፈስ ኸኣ ናብ ቤተ መቕደስ መጸ።ነቲ ኢየሱስ ሕጻን፥ ወለዱ ኸም ልማድ ሕጊ ኺገብሩሉ ምስ ኣእተውዎ፥ ንሱ ድማ ኣብ ኢዱ ሓቘፎ፥ ንኣምላኽውን ኣመስገነ እሞ፥ ጐይታይ፥ ነቲ ንምብራህ ኣህዛብ ብርሃን፥ ንህዝብኻ እስራኤልውን ክብረት ምእንቲ ኪኸውን፥ ኣብ ቅድሚ ዂሉ ህዝቢ ዘዳሎኻዮ ምድሓንካ ኣዒንተይ ካብ ረኣያስ፥ ሕጂ ኸምቲዘረባኻ ንባርያኻ ብሰላም ተፋንዎ ኢኻ፥ በለ። ዮሴፍን ኣዲኡን ኸኣ በቲ ብዛዕባኡ እተባህለ ነገር ተገረሙ።

ካብ ወገን ኣሴር ድማ፥ ሃና ጓል ፈኑኤል፥ ንሳ ኣዝያ ዝኣረገት ነብዪት ንበርት። ካብ ድንግልናኣ ሒዛ ምስ ሰብኣያ ሾብዓተ ዓመት ገበረት። ንሳ ሰማንያን ኣርባዕተን ዓመት ዝዕድሚኣ መበለት እያ። ካብ ቤተ መቕደስ ከይወጸት፥ ብጾምን ብጸሎትን ለይትን መዓልትን ንኣምላኽ ተገልግል ነበረት። ንሳውን ሽዑ ናብኡመጺኣ ንኣምላኽ ኣመስገነቶ። ነቶም ምድሓን ኢየሩሳሌም ዚጽበዩ ዂሎም ኸኣ ብዛዕባኡ ተዛረበቶም። ከምቲ ሕጊ እግዚኣብሔር ኲሉ ምስ ፈጸሙ ኸኣ፥ ንገሊላ ናብ ናዝሬት ዓዶም ተመልሱይብል። (ሉቃስ 226-39) ካብዚ ዝዓቢ ምሳሌ ኣበይ ኣሎ።

ንህጻናት ቅድም ምጥማቕዶ ወይስ ክሳብ ዝዓዩ ምጽባይ፧

ሓዋርያ ጳውሎስ ነቲ ኣብ መንጐ ኣማኒን ዘይኣማኒን ዝግበር መውስቦ ኣልዒሉ ምስ ጸሓፈ፡ እቶም ይትረፍዶ ካብ ክልተ ክርስቲያናት ዝውለዱ ይትረፍሲ ካብ ሓደ ክርስቲያን ዘለዎ ተወልዱ ህጻናት ቅዱሳት ከም ዝዀኑ ክሕብረና ከሎ፡ ከምዚ ይብል “…እቲ ዘይኣማኒ ሰብኣይ በታ ሰበይቱ ተቐዲሱ እዩ፡ እታ ዘይኣማኒት ሰበይቲውን በቲ ሓው ተቐዲሳ እያ እሞ፡ ከምኡ እንተ ዘይከውንሲ፡ ውሉድኩም ርኹሳት ምዀኑ ነይሮም፡ ሕጂ ግና ቅዱሳት እዮም” (1ቆረ፡ 714) እሞኸ፡ እቶም ካብ ቅዱሳት ቤተ ሰብ ዝውለዱ ቅዱሳት እንተድኣ ኰይኖም፡ ብህጻንነቶም ከይቅደሱ እንታይ ከልከሎም። ብርግጽ ሓደ ሓደ መማህራን ነዚ ጽሑፍ እዚ ዘየንበብዎ ግዲ ዀይኖም፡ ነቲ ኣብ ወንጌል ማርቆስ 1616 ኣንቢቦም ቅድም ሰብ ክኣምን ኣለዎ ድሓር ክጥመቕ ኣለዎ፡ ኢሎም ዝምህሩ ከም ዘለዉ ዝተፈልጠ እዩ። እዚ ግና ነቶም ዘይኣምኑ ድኣ ተጻሕፈ እምበር ነቶም ድሮ ኣብ ክርስትና ዘለዉስ ኣይተጻሕፈን። ከመይሲ ኣቐዲምና ከም ዘንበብናዮ፡ ድሮ እቶም ኣብ ክርስትና ዘለዉስ ቅዱሳት ስለ ዝዀኑ እቶም ዝወለድዎም ድማ ክርስቲያናት እዮም።

ድሕሪ ምጥማቖምከ ኣብ ጐልጐልዶ፧ ወይስ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ምዕባዮም፧

እቲ ዘገርም ቁጽሪ ዘየብሎም ወለዲ ደቆም ክጥመቑ ከም ዘለዎም ኣሚኖም ንደቆም ኣጠሚቖም ክርስቲያናት ይገብርዎም። ብትምህርቲ ክርስትና ግና ኣየዕብይዎምን። ኤረ ገሊኦምሲ ንባዕላቶም ንቤተ ክርስቲያን እናኸዱ ከለዉ፡ ነቶም ኣጠሚቖም ደጊም ክርስቲያናት ኢኹም ዝበልዎም ደቆም፡ ምስኣቶም ሒዘሞም ንቤተ ክርስቲያን ኣይከዱን። ቆልዑ ስለ ዝዀንኩም ኣብ ቤት ጽንሑ፡ ብነኣሽትኹም ቤተ ክርስቲያን እንታይ ክዓብሰልኩም ኢሎም የተራርፍዎም። ምስ ጎቦዙ ድማ፡ ኣብ ሸዊት ዕዴሜኻ ሕጅሽ ትምርዖን ትድርዖን እምበር፡ ሕጂ ናብ ቤተ ክርስቲያን እናበሉ ዘይኰውን ምኽንያታት ይህብዎም። እሞኸድኣ መዓስ ድኣሉ እቲ ዝተጠመቕሉ ክርስትና ግብራዊ ዝኸውን፧ መዓስ ድኣሉኸ ንነፍሱ ክሰርሓላ፧ ውሉዶም ኣብ ጸይቒ እንተወዓሉ ድማ፡ ከመይ ጌርካ እዚ ትገብር ኢሎም ይግረሙ። ብሕቅዶ ንባዕልና ቅዱሳት ኢና፧ ብልማድ ቅድስናዶ ንመላለስ ኣሎና፧ ወይስ ከነጠምቕ ልማድ ስለ ዝጸንሓና ኢና ነጠምቕ ዘሎና፧ እቲ ሕቶ ባዕላትና ንመልሶ።

መንእሰይውን ኣነ ብህጻንነተይ ከሎኹ ስለ ዝተጠመቕኩ፡ እዚ ኹሉ ዝተባህለ ኣይፈልጦን እየ፡ ክብል እኹል ኣይኰነን። ወለድኻ ተመሓላላፊ ሕማም ከይትሓምም ክታበት ስለ ዘኽተቦኻ፡ ንስኻውን ካብ ተመሓላላፊ ሕማም ሥጋ ነጻ ስለ ዀንካ፡ ወለድኻዶ ጌጋ ጌርኩምዶ ትብሎም ወይ ከም ዘኽተብኩምኒ ኣይፈለጥኩን እሞ ክታበት ተመሓላላፊ ሕማም ኣይምልከተንን ክትብሎም ይግብኣካ እዩ፧ ኣብ ክንድኡስ ተማሂርካ ነቲ ዝተመሃርካዮ ኣብ ግብሪ ምውዓሉ ይበልጽ። ኣዳማዊ ወይ ጥንተ ኣብሶ ዝተመሓላለፈ ፍዳ መርገም ስለ ዝዀነ፡ ተመሓላላፊ ሕማም ነፍሲ እዩ። ንህጻናትውን ይምልከቶም ኣዩ። ከምቲ ብግዜ ኦሪት ኪዳን ንምፍጻም ህጻናት ዝግዘሩ ዝነበሩ፡ ኣብ ግዜ ክርስትና ድማ፡ ህጻናት ኪዳን ድሕነት ንምፍጻም፡ ብግዜ ህጻናቶም ክጥመቑ ግድን እዩ። ብድሕሪኡ ድማ ትምህርቲ ክርስትና ክስዕቦም ይግብኦ።

ብሸለልትነት ወለዲ ወይ ካህናት እቲ ህጻን ከይተጠመቐ እንተ ሞተ፡ ብመሰረት ሕጊ ቤተ ክርስቲያን ይቕጽዑ (ፍትሓ ነገስት ዓንቀጽ 3) እቶም ቀዳሞት ክርስቲያናት ብምሉኣት ቤተ ሰብ ማለት ዓበይትን ነኣሽቱን ይጥመቑ ከም ዝነበሩ፡ ታሪኽን መጽሓፍ ቅዱስን ይምስክሩ እዮም (ግብ፡ 1048 1615 1ቆረ፡116) ኣብ ግዜ ኦሪት ኣቲ ኣብ ሞንጐ ኣምላኽን ኣብ ሞንጐ ሰብን ዝነበረ ናይ ኪዳን ምልክት ግዝረት ኣብ ሻሙናይ መዓልቲ ይፍጸም ነበረ (ዘፍ፡ 177-14) እቲ ግዝረት እቲ ስለ ቓል ኪዳን ንምፍጻም ኣብቶም ብዛዕባ ኪዳን ዘይፈልጡ ህጻናት ዝፍጸም ካብ ነበረ፡ ጥምቀት መተካትኣ ግዝረት ንሓድሽ ኪዳን ካብ ኰነ፡ ሎሚ ንህጻናት ንስለ ኺዳን ድሕነት ምፍጻም ምጥማቕ ግቡኡ እዩ። ከመይሲ ግዝረት ምሳሌ ጥምቀት ስለ ዝነበረ (ቆሎሴ 211-12) 

ህጻናት ከይፈለጡ ብሥጋ ከም ዝወለዱ፡ ከይፈለጡ ድማ ብጥምቀት መንፈሳዊ ውልድነት ይረኽቡ። ዘይ ምፍላጥ ንምሥጢረ ጸጋ ኣይክልክሎን። ወረ ገሊኦምሲ ኣብ ውሽጢ ማህጸን ወለዲቶም ከልዉ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ከም ዝተቐበሉ መጻሕፍቲ ይምስክሩ እዮም (ኤር፡ 15 ሉቃ፡ 144) ካብዚ ሓሊፉውን ክርስቶስ ህጻናት ናብኡ ከይመጹ ንዝኸልከሉ ሓዋርያት ሕደግዎም ህጻናት ናባይ ይምጽኡ ከም ዝበለዶ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይዛረብን እዩ (ማቴ፡ 1914) እምብኣርከስ ንህጻናት ብጸጋ ክርስቶስን ፍልጠቱን ክዓብዩ ምግባር ዓቢ ቁም ነገር ኣለዎ። ካብ ንትምህርቲ ክርስቶስ ከይፈለጡ፡ ህላውነት እግዚኣብሔር ከይተረድኡ ዝዓብዩ፡ ህላውነት እግዚኣብሔር ምፍላጥ ማለት፡ ህላውነት ገዛእ ርእሶም ምፍላጥ ስለ ዝዀነ፡ ይርብሑ እምበር ኣይጉድኡን።

ስለዚ ብፍላይ እቶም ብልግነት ዝሕዙ ወለዲ፡ ንመንፈሳውያን ደቆም፡ ብሃይማኖታዊ ትምህርቲ ከዕብይዎም ቓል ኣትዮም ስለ ዝቕበልዎም፡ ሓደራኦም ክፍጽሙ ምእንቲ ነቶም ብመንፈስ ዝወለድዎም ደቆም ብትምህርቲ ሃይማኖት ከዕብይዎም ይግባእ። ከምኡውን ካህናትን ምእመናንን ንህጻናት ብዛዕባ ምሥጢረ ጥምቀትን ቀጻሊ መንፈሳዊ ትምህርትን ክምህሩዎምን ክሕገዙዎምን፡ ካብ ጐይታን ቅዱሳን ሓዋርያትን ዝተረኽብዎ ሓደራ ስለ ዝዀነ ተረዲኦም፡ ሃዋርያዊ ተልእኾኦም ክፍጽሙ ይግባእ።

ብልግነት ዝሕዙ ወለዲ ቅድሚ ብልግነት ምሓዞም ኣቐዲሞም ጸሎተ ሃይማኖትን ጸሎት ኣቦናን፡ ብቓሎም ብግቡእ ከጽንዕዎን ክፈልጡዎን፡ ትርጉም ብግቡእ ክርድእዎን ይግባእ። እንተ ተኻኢሉ ድማ ንምሥጢረ ቤተ ክርስቲያን ክፈልጡ ምሕጋዞም ናይ ካህናት ሓላፍነት እዩ። ስለዚ ድማ እዩ ህጻናት ብትምህርቲ ሃይማኖት ክዓብዩ፡ ብሞራላዊ ብስለት ንክርስቶስ ዝመሰሉ ክዀኑ፡ ቤተ ክርስቲያን ነቶም ብልግነት ዝሓዙ ወለዲ ግቡእ ሓላፍነት ሂባ ሓደራ እትብሎም። ምናልባሽ እቲ ሓደራ ዝህብ ካህን ሓደ ግዜ ጥራይ ተዛሪቡ ይኸውን፡ እንተኰነ እቲ ሓደራ እቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ስለ ዝተዋህበ ነባሪ ሓደራ ምዃኑ ክንርሳዕ ኣይግብእን።

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div