S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ኢየሱስ ሓቅኛ ኦም ሕይወት እዩ

ኣዳም ኣእዳዉ ዘርጊሑ ካብታ ዘይትብላዕ ወሰደ፣ ጐይታ ኣእዳዉ ኣብታ ኦም ተሸንከራ፣ ኣዳም ካብታ ዘይትብላዕ በልዔ እሞ ሞተ፣ ጐይታ ኣብታ ኦም ተሰቕሉ ንኣዳም ህይወት ሃቦ፣ ኣዳም ምስ ሓጥኤ ከይረኤ ተሓብኤ፣ ጐይታ ግና ኩሉ ክርእዮ ናብ ብርሃን ወጸ

ሕጂውን ብዛዕባ ዝብላዕ ብልዒ ኢና ንዛረብ ዘሎና፡ ጐይታ ንደቀ መዛምርቱ ክምህሮም ከሎኣነ ናይ ሓቂ ጉንዲ ወይኒ እየ፡ ተኻሊኡ ኸኣ ኣቦይ እዩ። ነቲ ኣባይ ዘሎ ፍረ ዘይፈሪ ጨንፈር ኵሉ ይቑረጾ፡ ነቲ ፍረ ዚፈሪ ሎ ግና ብዙሕ ምእንቲ ኺፈሪ የጽርዮ። እቲ ጉንዲ ወይኒ ኣነ ኣየ፡ ጨናፍር ከኣ ንስኻትኩም ኢኹም፡ እቲ ኣባይ ዚነብር ኣነውን ኣብኡ፡  እናበለ ንሓዋርያት ከም ዝመሃሮ ኣንቢብናዮ ኣሎና (ዮሃ፡ 151-5)። እንደገና ብዛዕባ እዛ ኦም ወይኒ እዚኣ ክንሓስብ ከሎና ጐይታ እዚ ደመይ እዩ ኢሉ ካብ ፍረወይኒ ሰቲና፡ ካብ ሥጋውን ሳውን መንሳውን ሞትና ክንፍወስ ኢሉ ከም ዝሃበና ነንብብ። ናብ ራእይ ዮሃንስ ተመሊስና እንተ ኣንበብና ድማ  ናብታ ኸተማ ብኣፍ ደጌታት ምእንቲ ኺኣትዉን ኣብታ ኦም ሕይወት መሰል ምእንቲ ኺረኽቡን፡ እቶም ክዳውንቶም ዚሓጽቡ ብጹዓን እዮም ኢሉ ይምህረና  (ራእይ 22 14; ራእይ 22 19))። እዚ ማለት ነታ ድሕሪ ውድቀት ካብኣ ከይንበልዕ መልኣኽ እግዚኣብሔር ዘንበልብል ሰይፊ ሒዙ ዝኸልከለና ኦም ሕይወት፡ እንደገና በቲ ጐይታ ዝብላዕ ኣብሊዑ መሰል ሕይወት ዝሃበና እዩ ዝዛረብ ዘሎ። ኣብ ምድሪ ከሎና ንነፍሳዊ ክዳ ብደም ክርስቶስ ጌርና ሓጺብና፡ ማለት ነቲ መሕጸቢ ነፍሳውን መንፈሳውን ክዳ ዝዀነ፡ ማለት እቲ ስተይዎ ተባሂሉ ዝተዋህበና፡ ካብቲ ኦም ሕይወት ክርስቶስ ዝፈልፈለ ደም እንተዘይኰኑ፡ ካልእ ናብታ ኦም ሕይወት ዘብጽሓና ኣፍደገ ኣበይ ተነግረ፧ ብዘይቶም ኣብቲ ጉንዲ ወይኒ ጸኒዖም፡ ሙዓት ጨናፍር ዝዀኑ፡ ደም ክርስቶስ ሰትዮም ሥጋ ክርስቶስ ዝበልዑ ካብታ ጥንታዊት መግቢ ሕይወትና ዝዀነት ኦም ሕይወት ክበልዑ እንተዘይኰይኑ ንመንከ እዚ መሰል እዚ ተዋህቦ፧ እምብኣር እንደገና ናብታኣብ ወወርሒ እናፈረየት፡ ኣብ ዓመት ዓሠርተው ክልተ ጊዜ ፍረ እትህብ ኦም ሕይወት ነበረት። ቄጽሊ እታ ኦም እቲኣ ኸኣ ንዅሉ ሕዝቢ ይፍውስ ነበረ  (ራእይ 222) ከም ዝበለ።  እዚ ኦም ህይወት እዚ እቲ ጉንዲ ወይኒ ዝኰነ ክርስቶስ ከም ዝዀነ ዝመስከረ ክርስቶስ ባዕሉ እዩ። እቶም ካብታ ኦም ሕይወት እቲኣ ዝተረኽቡ ፍሬ ድማ ሓዋርያት እዮም። እቶም ኣቑጽልቲ ድማ ንሕና ደቂ ሓዋርያት ኢና። እዚ ማለት ንሕና ሰዓብቲ ሓዋርያት ዝዂ ዘበልና ሓዋርያዊት ቤተ ክርስቲያን ተባሂልና ተጸዋዕና። እዛ ሓዋርያዊት ቤተ ክርስቲያን እዚኣ ድማ ንኽልተ ሽሕ ዓመታት ዝኣክል ወግሔ ጸብሔ ቅዳሴ እናሰርዔት፡ ካብታ ምሥጢራዊት ዝዀነት ኦም ሕይወት እናኣብልዔት ትፍውሰና ኣላ። ናብታ ጥንታዊት ገነት ክንበጽሕ ድማ መሰል ትህበና ኣላ። ንዓኣ ክመስላ ዝጋደላ ግናኸ መሰል ዘይብለን ኣለዋዶ፧  እወ ኣለዋ። እሞኸ እዘን ባዕላውያን ሓዋርያት ኢና ዝብላ ንጸጋ ከይዕደል ዝኽልክላ ድእ ከመይ ዝኣመሰላ እየ፧  መልሱ ናባኻ ሓዲገዮ ኣሎኹ እሞ ባዕልኻ ተመራመር። ሕጂ ግና ናብቲ ሊቀካህናት ሕይወትና ዝዀነ ክርስቶትስ ክንሳገር።

ክርስቶስ ፍጹም ሊቀ ካህናት ሕይወት እዩ

ምሥጢረ ቁርባን ማለት ክርስቶስ ነቲ ኣቦና ኣዳም ሕጊ እግዚኣብሔር ኣፍሪሱ፡ ካብታ ዘይትብላዕ ሞት ተምጽኣሉ ኦም ብምብልዑ፡ ነታ ንዕኡ ኢላ ዘይመጸት ሞት ብስሕተቱ ስለ ዝተቐበላ፡ ብነፍስን ብሥጋን ሞት ስለ ዝሞተ፡ ክርስቶስ ንኣዳም ከድሕን ክብል ሥጋኡ ኣብ መስቀል ቆሪሱ፡ ደሙ ኣፍሲሱ፡ ነቲ መፍረስ ሕጊ ዝዀነ ኣዳምን፡ ንዓና ንደቂ መፍረስቲ ሕግን፡ ዘይግብኣና ክነሱ፡ ዝብላዕ ሥግኡ ዝስተ ደሙ ሂቡ፡ ከምቲ ንሱ ዘይመውት ህያው ዝዀነ፡ ንዓና ድማ ዳግማይ ብምሕረቱ ዘይንመውት ህያ ገበረና። እዚ ምሕረት እዚ ግና ተገቢኡና ድዩ? ያእ ኣይፋሉን ብምሕረቱ ድኣ ተዋህበና፡ ነዚ ድማ እዩ ጸጋ ኣብ ልዕሊ ጸጋ ተቐበልና ዝተባህለ።

ክርስቶስ ንሓጢኣትና ክድምስ ማለት ካብ ኣዳማዊ ሓጢኣትናን፡ ካብቲ ብሕጊ ሙሴ ዝመጸ መርገምናን፡ ካብቲ ባዕላትና እንፍጽሞ በደልናን ከድሕነናን፡ ነጻ ክገብረናን ኣብ መስቀል በጃና መስዋእቲ ኰይኑ ብሥጋኡ ብምማቱ፡ ንመዋቲ ሥጋና ምስኡ ኣብ መስቀል ሰቐሎ'ሞ፡ ሓጢኣት ዓለም ድማ ኣወገደ። ነዚ ድማ እዩ መለኮታዊ ጸጋ ኣብ ልዕሊ ጸጋ ዝተባህለ። ንሕና ድማ ብሳላ እቲ ኣብ ክንዳና ዝገበሮ መስዋእቱ: ሕይወት ዘለዓለም ረኸብና። እምብኣርከስ እቲ ሓንሳብ ንሓዋሩ ዝተቖርሰ ቅዱስ ሥጋኡን፡ ዝኸበረ ቅዱስ ደሙን፡ ጸጋ ምድሓ ዘመልክት ዓቢ ክርስቲያናዊ ምሥጢር እዩ። በዚ ምሥጢር እዚ ድማ እዩ ክርስቶስ፡ ፍጹም መሥዋእትን ፍጹም ሊቀ ካህናትን ኰይኑ ንኽልቲኡ ብሓደ ግዜ ምስ ፈጸሞ፡ ሓንሳብ ንሓዋሩ ኣብ ቅድሚኣብዝኣተወ (እብ፡720-28) እዚ ፍጹም ዝዀነ ዓብይ ሊቀ ካህናት እዚ፡ በቲ ኣብ መስቀል ዝተቖረ ሥጋኡን ዝፈሰሰ ደሙን መስዋእቲ ሓጢኣትና ገይሩ፡ንኣብ ብምቕራቡ፡ ንሰብ ብዘየዳግም መገዲ ሓንሳብ ንሓዋሩ ምስ ኣብ ኣታዓረቖ"። ነቲ ክብሪ እግዚኣብሔር ከይንርኢ ዝኽልክለና ዝነበረ መጋረጃ ጽልኢ ኣፍሪሱ ድማ፡ ንዝረሓቀ ኣቕረበ፡ ንዝተሰብረ ዘነነ፡ ንዝደከመ ኣበርተዔ።

ቁርባን ማለት በቲ ሓደ ወገን ንእግዚኣብሔር ዝቐርብ መስዋእቲ ክከውን ከሎ፡ በቲ ኻል ወገን ድማ፡ ንሕና ናብ እግዚኣብሔር እንርበሉን ምስ ክርስቶስ ብሓድነት እንወሃሃደሉን፡ ንሓድሕድና እንቀራረበሉን ንወሃሃደሉን ኩነት እዩ። ተኻፈልቲ መለኰታዊ ጸጋ ክርስቶስ ክንከውን እንኽእለሉ መገዲ ድማ፡ ብጸጋ ምሥጢረ ቁርባን ኣቢልና ኢና። ነቲ እንርእዮን እንቐምሶን እንሰትዮን ሕብስትን ወይንን ብእምነት ናብ ሥጋን ደምን ክርስቶስ ተለዊጡ ክንቅበሎ ከሎና ኢና ምሥጢር ምዃኑ እነስተውዕሎ።

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div