S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

እዚ ቃል ብሥራት`ዚ፣ ቅድሚ 2000-ሽሕ ዓመት ነቶም ከብቶም ሒዞም፣ ኣብ መሮር ዝሓደሩ ጓሶት ቤተ-ልሔም ዝተነግረ ቃል`ዩ። ከመይሲ እቲ ነቢይ-ኢሳይያስ ኣብ ትንቢቱ “-እንሆ ድንግል ክትጠንስ፣ ወዲ`ውን ክትወልድ፣ ስሙ ድማ ኣማኑኤል ኢላ ክትሰምዮ ኢያ-” ብምባል ተነብዩዎ ዝነበረ ትንቢት ምእንቲ ክፍጸም`ዩ፣ እቲ መድኃኒ-ዓለም ዝኾነ፣ ጎይታናን ኣምላኽናን ኢየሱስ-ክርስቶስ ክውለድ ዝኸኣለ። (ኢሳ-7/14)

እቶም ኣብ በረኻ ቤተ-ልሔም ዝሓደሩ ጓሶት ግና፣ ብዛዕባ` ትንቢት` ዝፈልጡዎ ነገር ስለ-ዘይነበሮም፣ ኣዝዮም ፈርሁ` ዝብል እቲ ቅዱስ-ጽሑፍ። ከመይሲ እቲ ዝተነግሮም ኮነ እቲ ዝረኣዩዎ ኩሉ፣ ምርድኡን ምቕባሉን እንተ-ኸበዶም ዘገርም ኣይነበረን። ስለዚ ከኣ`ዮም ኣዚዮም ዝፈርሁ። ነቲ ዝሓደሮም ፍርህን ስምባድን ብምርኣይ ከኣ` እቲ መልኣኽ “-እንሆ ንኹሉ ሕዝቢ ዝኸውን ዓቢይ ሓጎስ አበሥረኩም ኣለኹ` ኣይትፍርሁ። ምኽንያቱ ድማ እቲ መድኃኒ-ዓለም ዝኾነ፣ ክርስቶስ ጎይታ ተወሊዱልኩም ኣሎ-” ዝበሎም። (ሉቃ-2/10-11)

ኣቐዲሙ ነቢይ-ኢሳይያስ`ውን፣ ነዚ ኣብ ቤተ-ልሔም ክዉን ኮይኑ ዝተራእየ ልደት ብዝምልከት “-ሕዝብ ዘይነብር ውስተ ጽልመት ውጽላሎተ-ሞት፣ ብርሃን ዓቢይ ሠረቀ ላዕሌሆሙ-”  ብምባል ተነብዩ ምንባሩ ዝፍለጥ`ዩ። ማለት እቶም ኣብ ጸልማትን ጽላሎት-ሞትን ዝነብሩ ዝነበሩ ሕዝቢ፣ ዓቢይ ብርሃን ወጸሎም-” ብምባል፣ እቲ ትእዛዝ ብምትሕልላፍ፣ ኣብ ገነት ዝተፈጸመ ኃጢኣት፣ ኣባና ኣብ ደቂ-ሰብ ኣኸቲሉዎ መጺኡ ዝነበረ ፍዳ ንምምልካት`ዩ፣ እቶም ኣብ ጸልማትን ጽላሎት ሞትን ዝነበሩ ዝነበሩ ሕዝቢ፣ ብምባል ተገሊጹ ዘሎ። (ኢሳ-9/2)

ብርግጽ ድማ ጎይታና ኢየሱስ-ክርስቶስ፣ ናይ ዓለም ብርሃን`ዩ። ስለዚ ከኣ` ነታ ኣብ ድቕድቕ ጸልማት ኣትያ ዝነበረት ዓለም፣ ናይ ጎይታና ኢየሱስ-ክርስቶስ ልደት፣ ብርሃን ኮይኑዋ ክርከብ ዝኸኣለ። ስለዚ ከኣ` ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ-ክርስቲያንና`ውን፣ በዓል ልደት ጎይታና ኢየሱስ-ክርስቶስ ብዝመጸ ቁጽሪ “-ልደትካ ልደተይ፣ ሞትካ`ውን ሕይወተይ፣ ጎይታይ ናትካ እየ፣ ንስኻ `ውን ናተይ-” እናተባህለ ብቀጻሊ ክዝመር ዝነብር ዘሎ። ብዘይካ` ናይ ቤተ-ልሄም ልደት ከኣ፣ እቲ ዝነበረ ውጽኢት ኃጢኣት ዝኾነ ጸልማት`ውን፣ ክሰዓር ምኸኣለ ኢልካ ክሕሰብ ዝከኣል ኣይነበረን።

እቲ ክርስትና ዝበሃል እምነት`ውን፣ መሠረቱ እዚ ልደት` እዩ። ብዘይካ` ናይ ጎይታና ልደት ከኣ፣ እቲ ሕይወት ዝበሃል ነገር`ውን ንርእሱ፣ ትርጉም ክህልዎ ምኸኣለ ነይሩ ተባሂሉ ዝሕሰብ ኣይምኾነን። ከምኡ እንተ-ዘይከውን ነይሩ እቲ መልኣኽ “-እንሆ ንኹሉ ሕዝቢ ዝኸውን ዓቢይ-ሓጎስ አበሥረኩም ኣሎኹ-! ምኽንያቱ ድማ እቲ መድኃኒ ዝኾነ ክርስቶስ ጎይታ፣ ተወሊዱልኩም ኣሎ-” ዝብል ምስክርነት ካብ ኣፉ ክወጽእ ኣይምተሰምዐን።

ይኹን እምበር ወንጌል ክስበኽ ካብ ዝጀመረሉ እዋን ጀሚርካ ክርአ ከሎ፣ እቲ ናይ ክልተ-ሽሕ ዓመት ጉዕዞ ቀሊል` ዝበሃል ኣይነበረን። ብዙሕ ናይ ሠማዕትነት ዋጋ ዝሓትት ከም-ዝነበረ ዝፍለጥ`ዩ። ብዓቢኡ ጎይታና ኢየሱስ-ክርስቶስ`ውን፣ መከራ-መስቀል ተቐቢሉ ናይ ሞት-ጽዋዕ በጺሑዎ`ዩ። ከመይሲ እቲ ሕሩይ ዝኾነ ሓዋርያ-ጳውሎስ ከም-ዝብሎ “-ግናኸ ንሕና ኃጥኣን ከሎና፣ ክርስቶስ ኣብ ክንዳና ሞይቱ እዩ`ሞ፣ ኣምላኽ እታ ኣባና ዘላቶ ፍቕሪ በዚ የርኢ ኣሎ-” ብምባል` ገሊጹዎ ዘሎ። (ሮሜ-5/8)

ኣብ ምዝርጋሕ ወንጌል ግና፣ እቲ ኣገልግሎት ቀሊል` ዝበሃል ከም-ዘይነበረ`ዩ፣ እቲ ቅዱስ-ጽሑፍ ዝዛረብ። ከመይሲ ንሓዋርያት ኮነ ነቶም ቀዳሞት ክርስቲያን፣ እቲ ኣብ ቅድሚኦም ዝነበረ ፈተና ቀሊል` ዝበሃል ኣይነበረን። እቶም ቀዳሞት ጸረ-ክርስትና ኮይኖም ዝተላዕሉ ከኣ፣ ነገሥታት ሮማ ምንባሮም`ዩ፣ እቲ ታሪኽ ቤተ-ክርስቲያን ኣቐሚጡዎ ዘሎ። ከመይሲ ክርስቲያንን ደቂ ቤተ-ክርስቲያንን፣ ምእንቲ ክርስትና ክብሉ ዘይተቐበሉዎ ናይ መከራ ዓይነት ኣይነበረን።

ነቲ ምእንቲ ፍቕሪ ጎይታና ኢየሱስ-ክርስቶስን፣ እምነት ክርስትናን ዝተኸፍለ ሠማዕትነት ንምጥቃስ ከኣ`ዩ፣ ሓዋርያ-ጳውሎስ ኣብ መልእኽቱ ክጽሕፍ ከሎ “-ምሕረት  ኣይንደልን ብምባል ተሳቕዮም ሞቱ። እቶም ገሊኦም`ውን ብላግጽን ብመግረፍትን፣ ኣብ ልዕሊ እዚ`ውን፣ ብመቑሕን ማእሰርትን ተሳቐዩ። ብዳርባ እምኒ ተቐትሉ-! ብመጋዝ ተቘርጹ-! ተሰይፎም ሞቱ-! ኣጎዛ ኣባጊዕን ዲኖ ኣጣልን ተኸዲኖም ዞሩ። ሰኣኑ ጸበቦም ሓሳረ መከራ ጸገቡ-! ዓለም ንዓታቶም ዘይትበቅዕ ስለ-ዝኾነት ከኣ፣ ኣብ ምድረ-በዳን እምባታትን፣ ኣብ በዓትን ጎዳጉድ-ምድርን ኮለል በሉ-” ብምባል` ገሊጹዎ ዘሎ።

ስለዚ`ውን እታ ኣብ ጉንዲ ክርስቶስ ዝተመሥረተት፣ ዓለም-ለኻዊት ወይ `ውን ኣጽናፋዊት ቤተ-ክርስቲያን። ካብ ጥንቲ ክሳብ ሎሚ፣ ካብ ተጽዕኖን ጸቕጢ ፖለቲካን፣ ነፃ ነይራ ዝበሃለሉ ዓመትን ዘመንን ኣይነበረን። እዚ ሕጂ ኣብ ቤተ-ክርስቲያንና እናተፈጸመ ዝርከብ ዘሎ፣ ክብርን ነፃነትን መሰልን ዝገሃሰ ተግባር`ውን፣ መቐጸልታ ናይቲ ኩሉ ክግበር ዝጸንሐ ግህሰታት ደኣምበር፣ ሕጂ ዝተጀመረ` ዝበሃል ኣይኮነን። ከመይሲ እቲ በብግዚኡን ዘመኑን ክግበር ዝጸንሐ ግፍዕታት`ዩ፣ ሕጂ`ውን ኣብ` ግዜና ክድገም ዝርከብ ዘሎ።

ብዝተረፈ ሕጂ`ውን ኣብ ዋዜማ በዓል፣ ልደተ-ክርስቶስ ንርከብ ከም-ምህላውና መጠን፣ ኣብ ውሽጢ ናይ ሕሊና ተመስጦ መንፈስ፣ ምስቶም ሰብኣ-ሰገል ኴንና ተንበርኪኽና ክንሰግድ፣ ክርስቲያናዊ ሓላፍነት ከም-ዘሎና ንፈልጥ ኢና። ግዳስ ብሰንኪ` ኣብ ልዕሊ ቤተ-ክርስቲያንና፣ ብቐጻሊ ክፍጸም ዝርከብ ዘሎ ናይ ፖለቲካ-ጸቕጢ፣ ንኣምልኾ ዝኸውን ግዜ ኣሎና ክንብል እንኽእል ከም-ዘይኮና፣ ንሕና ጥራይ ዘይኮነ ማኅበረ-ሰብ ዓለም`ውን፣ ኣጸቢቑ ዝፈልጦ ናይ ኣደባባይ ምሥጢር እዩ። እቲ ሕጂ ዘሎ ሓቂ ከምኡ ስለ-ዝኾነ ከኣ`ዩ፣ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ`ውን ክሳብ ሞት ዝበጽሕ ዋጋ ክኸፍሉ ዘገድዶም ኮይኑ  ዝተረኽበ። ኣብዚ ሕጂ እዋን`ውን፣ ኣቦታት ገዳም ደብረ-ቢዘንን፣ ካህናት መካነ-ሕይወት መድኃኔ-ዓለምን፣ ካብ ነዊሕ ዓመታት ኣትሒዞም ኣብ መቑሕ`ዮም ዝርከቡ ዘለዉ። 

ይኹን እምበር ኣብ ከምዚ ሕጂ ንሕና ንርከቦ ዘሎና፣ ማለት ቤት-ኣምላኽ ንከቢድ ሓደጋ ተጋሊጹ ይርከብ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ግና፣ እስራኤላውያን ከምዚ ሕጂ ንሕና ኴንናዮ ንርከብ ዘሎና፣ ኢዶምን እግሮምን ዓጻጺፎም ክቕመጡ ኣይተራእዩን። የግዳስ ካብ ብዝሒ ሓዘኖም ዝተላዕለ “-ጾም ኣወጁ፣ ወጮ ተኸድኑ፣ ኣብ ኣራእሶም ሓሙኽሽቲ ነስነሱ፣ ብጓሂ ድማ ክዳውንቶም ቀደዱ-” ብምባል` እቲ ቅዱስ-ጽሑፍ ዝገልጾ። ካብ ብዝሒ ሓዘኖምን ምረቶምን ዝተላዕለ ድማ፣ “- ጎይታ-! ነዚ መባእ` እንታይና ክንገብሮ-? ናበይከ ክንወስዶ ኢና-? ቤት-መቕደስካ ብኣሕዛብ ተረጊጹን ረኺሱን እዩ-” ብምባል ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቀሪቦም፣ ተመሪሮም ከም-ዘእወዩ እዩ፣ እቲ ቅዱስ-ጽሑፍ ዝዛረብ። (1መቃ-3/47-51)

ንሕና`ውን እምበኣርከስ ከም ሕዝቢ፣ ተሓጒስናን ባህ ኢሉናን እነብዕሎ በዓል-ልደት፣ ኣሎና ክንብል እንኽእል ከም-ዘይኮንና፣ ካብቲ ሕጂ ኣብ ባይታ ዝርአ ዘሎ፣ ህልው ኩነታት ቤተ-ክርስቲያንና ንላዕሊ፣ ክቐርብ ዝኽእል ካልእ መረድኢ ኣሎ ክንብል ኣይንኽእልን። ከመይሲ ገና እቲ ጉዕዞ ነፃነት ኢሉ ክጅመር ከሎ፣ ኣብ 1983 / (1991) እቲ ፖለቲካዊ-ሥርዓት ነቲ ቤተ-እምነት`ውን ምሉእ ብምሉእ ስለ-ዝተቘጻጸሮ፣ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ`ውን እቶም ካድረታት-ፖለቲካ፣ ካብ ዝሓንጸጹላ መሥመር ወጻኢ፣ ሓዋርያዊ ተልእኮኣ ክትፍጽም ተራእያ ዝበሃል ታሪኽ ዘለዋ ኮይና ኣይጸንሐትን። ሕጂ`ውን እቲ ናይ ፖለቲካ-ኣርዑት፣ ካብ ዝባና ክወርድ ስለ-ዘይከኣለ፣ ኣፋ-ተለጒማን ኢዳ-ተኣሲራን ዓይና-ተዓሚታን` ትርከብ ዘላ ክበሃል እንተ-ዘይኮይኑ፣ እቲ ጸልማት ለይቲ ኣብ ምውግሑ` ዝበሃል ተስፋ፣ ዛጊት ኣይተሰምዐን ዘሎ።

ብዝተረፈ እቲ ዝዓበየ ኣብዚ እዋን`ዚ፣ ንናይ መጽሓፍ-ቅዱስ ምሁራን ዘናውጽ ኮይኑ ተረኺቡ ዘሎ ዋና ኣርእስቲ፣ ቤተ-ክርስቲያንና ተዓጢቓ ክትለዓለሉ ዝግበኣ፣ ዋና ጉዳያ` ክኸውን ዝግብኦ ዝነበረ። ከመይሲ እቲ ንፈለግ-ኤፍራጥስ ብዝምልከት፣ ቅድሚ ክልተ-ሽሕ ዓመት ተነጊሩ ዝነበረ ትንቢት፣ ፍጻሜ ዝረኽበሉ ምዕራፍ ከም-ዝበጽሐ`ዮም፣ እቶም ናይ መጽሓፍ-ቅዱስ ምሁራን፣ ብብርቱዕ ከጠንቅቑ ዝስምዑ ዘለዉ። ከመይሲ እቲ ሕዝቢ ናብ ንስሓ ኣቢሉ ጠመተኡ ክገብር፣ ናይ ምንጋር ሓላፍነት ንቤተ-ክርስቲያን እምበር፣ ንማንም ካልእ ይምልከቶ` ዝበሃል  ኣይኮነን። ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ-ክርስቲያንና ግና፣ ወንጌል ኣልዒላ ተልእኮኣ ክትፍጽም፣ ዘፍቅድ መሰል ዘለዋ ኣይኮነትን። ስለዚ`ውን   ኣብዚ እግዚኣብሔር ይዛረብ ኣሎ ኢላ፣ ድምፃ ከተስምዕ ትጽቢት ክግበረሉ ዝግባእ ዝነበረ ሰዓት፣ ኣርዑት ከቢዱዋን መድረኽ ተነፊጉዋን፣ ኣፋ ተሓቲማ ክትርከብ ምግዳዳ፣ ክንደይ` ዘሕዝን እዩ።

ብዝኾነ ግና ብሉይ-ኪዳን ከም-ዝብሎ “-እቲ ሣድሳይ መልኣኽ`ውን ጽዋዑ፣ ኣብቲ ዓቢይ ሩባ-ኤፍራጥስ ኣፍሰሰ። ነቶም ካብ ምብራቕ-ፀሓይ ዝመጹ ነገሥታት ድማ፣ መንገዲ ምእንቲ ክዳለወሎም እቲ ማዩ ነጸፈ። ብድሕር` ዕንቁሩዖብ ዝመስሉ ሠለስተ ርኹሳት-መናፍስቲ፣ ካብ ኣፍ እቲ ገበልን ካብ ኣፍ እቲ ኣራዊትን፣ ካብ ኣፍ እቲ ሓሳዊ-ነቢይን ክወጹ ከለዉ ረአኹ። እዚኣቶም ትእምርቲ ዚገብሩ ናይ ኣጋንንቲ መናፍስቲ እዮም-” ብምባል` ዮሓንስ ወዲ-ዘብዴዎስ ኣብ ራእዩ ገሊጹዎ ዘሎ። እዚ ትንቢት` ክፍጸም ግዚኡ ስለ -ዝኣኸለ ከኣ፣ እቲ ሓደ ካብቶም ኣርባዕተ ንገነት ዘስትዩ ሩባታት ተባሂሉ፣ ስሙ ተጠቒሱ ዝርከብ “-ሩባ-ኤፍራጥስ-” ኣብዚ እዋን` ኣብ ምንጻፍ ወይ ምድራቕ ይርከብ ምህላዉ፣ ዓለም ብኣንክሮ ዝከታተሎ ዘሎ ጉዳይ`ዩ።  (ራእ-ዮሓ-16-12/14)

ነዚ መሠረት ብምግባር ከኣ፣ እቶም ናይ መጽሓፍ-ቅዱስ ምሁራን፣ እዚ ምልክት ` ዋዜማ ናይ ሓደ ዓቢይ መዓት` ብምባል ከጠንቅቑ ከለዉ፣ ብኣንጻር`  ገለ ካብ እምነት እግዚኣብሔር ርሒቖም ዝኸዱ ናይ ሳይንስ ምሁራን ከኣ፣ ምስቶም ብዝገበሩዎ ኃጢኣት ኣብ መዓሙቕ ምድሪ ተኣሲሮም ዝርከቡ ዘለዉ፣ “-ስማዝያ-” ዝሓለቓኦም ዝወደቑ መላእኽቲ ክራኸቡ ብምባል፣ ድሮ ታሕቲ መዓሙቕ ምድሪ ወሪዶም መሬት ብምኹዓት፣ ናብቶም ዝወደቑ መላእኽቲ ከብጽሖም ዝኽእል ኣሰር፣ ረኺቦም ከም-ዘለዉ ዝህቡዎ መግለጺ እናተሰምዐ` ዘሎ። ካብቶም ዝወደቑ መላእኽቲ ክርከብ ብዝኽእል ረቂቕ ጥበብ ድማ፣ ንሰብ ኣብ ኣእምሩኡ ክስኮዓሉ ወይ ክገጥመሉ ብዝኽእል ሓደ ንጥረ-ነገር፣ ህያው ኮይኑ ከም-ዝነብር ወይ ከም-ዘይመውት ምግባሩ ይከኣል` ዝብል፣ ንኣምልኮ-ሰይጣን ዝተገዝአ መንፈስ ዘለዎም `ውን፣ ታሕቲ መዓሙቕ ምድሪ ወሪዶም ጎዳጉድ ኣብ ምዂዓት ይርከቡ ምህላዎም ካብ ዝንገር ውዒሉ ሓዲሩ እዩ። (ሄኖክ-2/-3)

ታሪኽ`ዞም ዝወደቑ መላእኽቲ ከኣ፣ ኣብ መጽሓፈ-ሄኖክ ተገሊጹ ከም-ዝርከብ፣ ማለት  እቲ መጽሓፍ ከም-ዝብሎ፣  ንሳቶም እቶም ዝወደቑ መላእኽቲ፣  ነተን ደቀንስትዮ “-ሥራይን ጥንቈላን መሃሩወን፣ ሱር ምኹዓትን ቈጽሊ ምቕንጣብን ኣርኣዩወን-” በዚ ድማ እቲ ኃጢኣት ኣብቶም ደቂ-ሰብ ከስፋሕፍሕ፣ ምኽንያት ኮይኑ ምርካቡ እዩ። ከም ሳዕቤኑ ድማ እቲ ሕያውን ዘለዓለማውን ዝኾነ ኣምላኽ “-ንኣዛዝኤል ኢዱን እግሩን እሰሮ፣ ናብ ጸልማት ከኣ ደርብዮ። ነታ ኣብ ዱዳኤል ዘላ ምድረ-በዳ ድማ ክፈታ፣ ኣብኡ ኣብቲ ጸልማት ከኣ ኣእትዎ። ጥውይዋይን በላሕትን ብዝኾኑ ኣእማን ድማ ቅበሮ። ጸልማት ክደኖ ኣብኡ ከኣ ንዘለዓለም ይንበር። ብርሃን ከይርኢ`ውን ንገጹ ብጸልማት ሸፍኖ። በታ ዓባይ መዓልቲ ፍርዲ ድማ፣ ናብ ሓዊ ክድርበ እዩ-” ብምባል` እቲ ሕያው ዝኾነ ናይ እግዚኣብሔር ቃል ዝዛረብ። ነዚ ትእዛዝ` ክፍጽም ዝተላእከ ከኣ፣ እቲ ሩፋኤል ዝተባህለ ናይ እግዚኣብሔር መልኣኽ እዩ። (ሄኖክ-3/4-9)

እምበኣር እዞም ናይ ጥፍኣት ልኡካን፣ ወይ ደቂ-ጸልማት ተባሂሎም ዝግለጹ፣  ወገን ሳይንስ ምዃኖም`ውን ዝንገረሎም ምሁራን። ምስዞም ዝወደቑን ኣብ መዓሙቕ ምድሪ`ውን ተኣሲሮም ዝርከቡ ዘለዉን መላእኽቲ፣ ምስኣቶም ርክብ ንምግባር`ዩ፣ ጎዳጉዲ ኣብ ምኹዓት ተጸሚዶም ይርከቡ ምህላዎም፣ ናይ ዓለምና መራኸቢ ብዙኃን  ብስፍሓት ከቃልሕኦ ዝርከባ ዘለዋ። እዚ ግና ቅድሚ 2000-ዓመት ብትንቢት ተነጊሩ ዝጸንሐ ደኣምበር፣ ከምቲ ንሳቶም ዝሓስቡዎ ሱቕ ኢሉ፣ ብኣጋጣሚ ዝኸውን ዘሎ ከም-ዘይኮነ፣ ንዓና ነቶም ደቂ ቤተ-ክርስቲያን ሓዲሽ ነገር ክኾነና ዝኽእል ኣይኮነን።

ከመይሲ እቲ ጎይታና የፍቅሮ ከም-ዝነበረ ዝንገረሉ፣ ዮሓንስ-ሓዋርያ ከም-ዝብሎ “-እቲ ሣድሳይ-መልኣኽ`ውን መለኸቱ ነፍሐ፣። ካብተን ኣርባዕተ-ቀርኒ ካብቲ ኣብ ቅድሚ መልኣኽ  ዘሎ ብወርቂ ዝተሠርሐ-መሠውዒ ከኣ፣ ድምፂ ክወጽእ ከሎ ሰማዕኩ። ነቶም ኣብቲ ዓቢይ ሩባ-ኤፍራጥስ ተኣሲሮም ዝነበሩ፣ ኣርባዕተ-መላእኽቲ ድማ ፍትሓዮም በሎ። እቶም ነዛ ሰዓት እዚኣን፣ መዓልቲ እዚኣን፣ ወርሒ እዚኣን፣ ዓመት እዚኣን ዝተዳለዉ ኣርባዕተ-መላእኽቲ ከኣ፣ ንሢሶ ናይቲ ሕዝቢ ምእንቲ ክቐትሉ ተፈትሑ። ቁጽሪ ናይቶም ሠራዊት ፈረሰኛታት ድማ፣ ክንደይ ከም-ዝኾነ ሰማዕኩ። 200-ሚልዮን ከኣ ነበረ-” ብምባል` ዮሓንስ ኣብ ራእዩ ገሊጹዎ ዘሎ።(ራእ-9/13-16)

ብድሕሪ` ቀጺሉ እቲ ፍቁረ-እግዚእ ዝኾነ ዮሓንስ፣ ከምዚ ዝስዕብ ብምባል` ዝቕጽል “-እቲ ሳድሳይ-መልኣኽ`ውን ጽዋዑ ኣብቲ ዓቢይ ሩባ-ኤፍራጥስ ኣፍሰሶ። ነቶም ካብ ምብራቕ-ፀሓይ ዝመጹ ነገሥታት ድማ፣ መንገዲ ምእንቲ ክዳለወሎም እቲ ማዩ ነጸፈ። ብድሕር` ዕንቁሩዖብ ዝመስሉ ሠለስተ ርኹሳት-መናፍስቲ፣ ካብ ኣፍ እቲ ገበልን፣ ካብ ኣፍ እቲ ኣራዊትን፣ ካብ ኣፍ እቲ ሓሳዊ-ነቢይን ክወጹ ከለዉ ረኣኹ። እዚኣቶም ድማ ትእምርቲ ዝገብሩ፣ ናይ ኣጋንንቲ-መናፍስቲ እዮም። ንሳቶም በታ ዓባይ-መዓልቲ ናይ` ኩሉ ዝኽእል ኣምላኽ፣ ንውግእ ክእክቡዎም ናብ ነገሥታት ኩሉ ዓለም ክኸዱ እዮም-” (ራእ-16/12-14)

እምበኣርከስ ኣብዚ ሰዓት`ዚ፣ እቲ ዓቢይ ሩባ-ኤፍራጥስ ክነጽፍ ወይ ክደርቕ ጀሚሩ፣ ህልውናኡ ከብቅዕ ድማ ናብ መወዳእታ ምዕራፍ ኣቢሉ  ይኸይድ ከም ዘሎ፣ ግልጺ ኮይኑ ዝርአ ዘሎ ሓቂ`ዩ። እቶም ብዛዕባ` ጉዳይ፣ ዘጽንዑ ዘለዉ ምሁራን ይብሉዎ ከም-ዘለዉ ድማ፣ እዚ ኤፍራጥስ ዝተባህለ ታሪኻዊ ሩባ`ዚ፣ ኣብ 2040 ማለት ድሕሪ 17-ዓመት ምዃኑ`ዩ፣ ፈጺሙ ምውሓዙ ከቋርጽ ወይ ህልውንኡ ከብቅዕ ምዃኑ`ዮም፣ ርግጸኛታት ኮይኖም ክዛረቡ ዝስምዑ ዘለዉ። ስለዚ`ውን እቲ ሕጂ ኣብ ዓለምና ዝርአ ዘሎ፣ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ ወይ ነውጺ፣ ኣብ ግምት ብምእታው ክርአ ከሎ፣ እቲ ምስ ሩባ- ኤፍራጥስ ተተሓሒዙ ክንገር ዝጸንሐ ትንቢት፣ ፍጻሜ ክረክብ ኣብቲ መወዳእታ ጫፍ በጺሑ ይርከብ  ምህላዉ፣ ኣሚንካ ንኽትቅበሎ ክልተ ግዜ ንክትሓስብ ዘግብር፣ ዝኾነ ምኽንያት ኣሎ ኣይንልን።

ስለዚ`ውን እዛ ሕጂ ዘሎናያ ዓለም፣ ብሞራላዊ-ውድቀት እትኽሰሰን እትውቀስን ካብ እትኸውን፣ ውዒላን ሓዲራን` ክበሃል ይከኣል። እቲ ብዘመናዊ ናይ ፍልስፍና ዘይቤ ወይ ጥበብ፣ ንዓለም ይመርሕ ኣሎ ተባሂሉ ዝንገረሉ፣ እታ ልዕለ-ኃያላን ዝኾነት ኣሜሪካ`ውን፣ ፊተውራሪ ኮይና ክትመርሖ እትርከብ ዘላ ምዕራባዊ-ዓለም፣ ብመንጽር እምነተ-እግዚኣብሔር ክርአ ከሎ፣ ነዚ ምስ ሩባ- ኤፍራጥስ ተተሓሒዙ ዝንገር ዘሎ ትንቢት፣ ዋና ተሓታቲ ዘይኮነሉ ምኽንያት የልቦን። ከመይሲ ብሞራላዊ-ሕጊ ዘይግዛእ፣ ፋሉል ዝኾነ ወይ ስዲ ዝኸደ-ሕይወት፣ ናብ ዓለም ከም-ዘስፋሕፍሕ ኣብ ምግባር፣ ተዓጢቑ ክሠርሓሉ ካብ ዝጅምር ሓጺር ግዜ ኣይኮነን። ከም ውጽኢቱ ድማ እንሆ እቲ ምዕራብ ዓለም፣ (The new World order) ወይ “-ሓዲሽ ዓለማዊ-ሥርዓት-” ዝብል ፍልስፍና ብምኽታል፣ ንብምሉኡ ፍጥረት ደቂ ሰብ፣ ንከቢድ ናይ ጥፍኣት ሓደጋ ወይ ቁጥዓ-ኣምላኽ፣ ተጋሊጹ ከም-ዝርከብ ገይሩዎ ይርከብ ምህላዉ፣ ግልጺ ኮይኑ ዝርአ ዘሎ`ዩ።

ብዝተረፈ እቲ ጎይታ ዘፍቅሮ ዝነበረ ዮሓንስ፣ ራእዩ ብምቕጻል ከምዚ ዝስዕብ ኢሉ ኣሎ “-እቲ ካልኣይ-ኣራዊት ኩላቶም እቶም ነኣሽቱን ዓበይትን፣ ሃብታማትን ድኻታትን፣ ጭዋታትን ባሮትን፣ ኣብ የማናይ-ኢዶም ወይ ኣብ ግንባሮም፣ ማኅተም ከም-ዝግበረሎም ገበረ። ናይቲ ኣራዊት ስም ወይ ማኅተም ዘይብሉ ከኣ፣ ሓደ` ክዕድግን ክሸይጥን ከም-ዘይክእል ይገብር ነበረ። እምበኣር ጥበብ ኣብዚ` ዘድሊ። ቁጽሪ እቲ ኣራዊት ከኣ ቁጽሪ ሰብ` ዘመልክት እሞ፣ እቲ ኣእምሮ ዘለዎ ይጸብጽቦ። እቲ ቁጽሩ ከኣ “-666 እዩ-”  እምበኣርከስ እዚ ተጠቒሱ ዘሎ ኣሃዝ`ዚ፣ ኣብዚ እዋን` ናይቲ ፀረ-ክርስቶስ ዝኾነ ሰይጣናዊ-መንፈስ ፍሉይ መለለዪ ኮይኑ፣ በቲ ምዕራባዊ-ዓለም`ውን ኣፍልጦን ተቐባልነትን ረኺቡ፣ ነዛ መከራኣ ዘይውዳ-ዓለም ክቈጻጸራ ምንም ዘይተረፎ ኮይኑ` ዝርከብ ዘሎ። ስለዚ`ውን ኣብዚ እዋን`ዚ፣ ኣብቲ ምዕራባዊ-ዓለም ኣነ ናይ ሰይጣን ወገን` ምባል፣ ምንም ዘየሕፍር ኣብ ዝኾነሉ ግዜ` ዓለምና ትርከብ ዘላ።(ራእ-13/16-18)

ንኣብነት ኣብዚ ሕጂ ዘሎናዮ እዋን፣ እቲ ዋንጫ-ዓለም ብምባል ዝፍለ ውድድር ኩዕሶ-እግሪ። ኣብ ማእከላይ-ምብራቕ ቀጠር ኣብ ዝተባህለት ሃገር፣ ክካየድ ምቕናዩ ዝፍለጥ`ዩ። እቶም ቀስተ-ደመና ከም ፍሉይ ምልክቶም ገይሮም ዝጥቀሙ ግብረ-ሶዶማውያን ድማ፣ ነቲ ውድድር ኩዕሶ እግሪ-ዓለም ከም ኣጋጣሚ ብምጥቃም፣ እቲ ጽዩፍን ነውራምን ዝኾነ መንነቶም፣ በቲ ኅብረተ-ሰብ ዓለም ኣፍልጦ ከም-ዝረክብ ንምግባር፣ ክገብሩዎ ዝቐነዩ ፈተነ ምንባሩ፣ ብመንገዲ መራኸቢ ብዙኃን-ዓለም ክቃላሕ ቀንዩ`ዩ። መንግሥቲ-ቀጠር ግና ንኸምዚ ዝኣመሰለ ሕሱርን ጽዩፍን ተግባር፣ ዝጻወር ትዕግስቲ የብለይን ዝብል ኣቕዋም ስለ-ዝሓዘ፣ እቲ ሕሱርን ፍንፉንን ዝኾነ ሰይጣናዊ መደብ፣ ከቢድ ተቓውሞ ኣጋጢሙዎ ክፈሽል` ዝተራእየ ግዳስ መንግሥቲ-ቀጠር በቲ  ዝወሰዶ ተባዕ ስጉምቲ፣ በተን ናይ ምዕራብ ኤውሮጳ ሃገራት፣ ከቢድ ተቓውሞ` እንተጋጠሞ፣ ካብቲ ዝሓዞ ኣቕዋም ግና ንቕንቕ ዝብል ኮይኑ ኣይተረኽበን። ስለዚ`ውን ንተጽዕኖ ምዕራባዊ-ዓለም ዝምብርከኽ ኮይኑ ክርከብ ብዘይ ምኽኣሉ፣ ታሪኽ እናተዛረበሉ ክነብር ዘለዎ ዓቢይ-ተግባር` ፈጺሙ እሞ፣ ክንደይ` እናኣመስገኖ ዝነብር ዓቢይ ስጉምቲ` ወሲዱ ክበሃል ይከኣል።

እምበኣር እቲ “-ሩባ-ኤፍራጥስ-” ይነጽፍ ወይ ይደርቕ ኣሎ ምባል፣ ከም ሓደ ተራ ነገር ብንባብ ጥራይ፣ ትንክፍ ኣቢልካዮ ክሕለፍ ዝግብኦ ኣይኮነን። የግዳስ ዘመሓላልፎ ሓደ ከቢድ መልእኽቲ ምህላዉ ክፍለጥ ይግባእ። ከመይሲ እቲ ቅዱስ-ጽሑፍ ነዚ ፍጻሜ`ዚ፣ ከም ዋዜማ ናይ ሓደ ዓቢይ መዓት ገይሩ` ኣቐሚጡዎ ዘሎ። ስለዚ`ውን ኤፍራጥስ ክነጽፍ ጀሚሩ ማለት፣ ናይቲ ክመጽእ ዘለዎ ዘይተርፍ መዓት፣ ከም ሓደ ናይ መጠንቀቕታ ደወል ጌርካ` ክውሰድ ዘለዎ እምበር፣ ካብዚ ሓሊፉ ዝኸይድ ካልእ ዘየሎ ትርጉም ብምፍጣር፣ ነፍስና ከነተዓሻሹ ዘኽእልና ዝኾነ ምኽንያት ኣሎ ክንብል ኣይንኽእልን።

ብዝተረፈ እታ ብናይ` ግዜ` ናይ መጽሓፍ-ቅዱስ ምሁራን፣ ዘመናዊት-ባቢሎን ተባሂላ እትግለጽ፣ ኣሜሪካ ብምባል`ውን እትፍለጥ ሃገር። ኣብዚ እዋን` ንመውስቦ ግብረ-ሶዶማውያን፣ ሕጋዊ ኣፍልጦ ከም-ዝሃበት፣ ኣዋጅ ኢላ ዘፍለጠት ሃገር ክትከውን ከላ፣ እተን ኩሉ ግዜ እግሪ እግራ ተኸቲለን ዝኸዳ፣ ምዕራባውያን ብምባል ዝፍለጣ ሃገራት ኤውሮጳ`ውን፣ ኣብዚ ዝተባህለ ናይ ርኽሰት መኣዲ፣ ብሓባር ኢደን መሊሰን ይርከባ ምህላወን ዝፍለጥ`ዩ። ካብዚ ሓሊፈን`ውን ካልኦት ናይ 3-ዓለም ሃገራት፣ ኣብዚ ዝተባህለ ግብረ-ሶዶማዊ ርኽሰት፣ ምስኣተን ሓቢረን ከም-ዝርከባ ንምግባር፣ ብቐጻሊ ክገብርኦ ዝርከባ ጸቕጢ ምህላዉ`ውን፣ ግልጺ ኮይኑ ዝርአ ዘሎ ናይ ኣደባባይ ምስጢር`ዩ።

እምበኣር ዓለምና ኣብዚ እዋን`ዚ፣ ንኸምዚ ኣብ ራእየ-ዮሓንስ ተነጊሩ ዘሎ ትንቢት ከተአንግድ፣ ኣብቲ መወዳእታ ጫፍ በጺሓ እትርከብ ዘላ ዓለም`ያ። ንሕና ከም ሕዝቢ መጠን ከኣ፣ ካብ ዝኾነ ግዜ ንላዕሊ ብመንገዲ-ንስሓ ተመሊስና፣ ናብ እግዚኣብሔር ኣቢልና ካብ ምጥማት፣ ካልእ ዝኾነ ኣማራጺ ኣሎና ክንብል ኣይንኽእልን። ከመይሲ “-በተን መዓልታት እቲኣተን፣ ሰባት ንሞት ክደልዩዋ እዮም፣ ግናኸ ኣይክረኽቡዋን እዮም። ነቲ ሞት`ውን ክምነዩዎ እዮም፣ እቲ ሞት ግና ካብኣቶም ክሃድም እዩ-” ብምባል` እቲ ቅዱስ-ጽሑፍ ዘጠንቅቕ ዘሎ። ካብዚ ንላዕሊ ክንገረና ዝኽእል፣ ካልእ ናይ መጠንቀቕታ ደወል ከኣ፣ ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን። (ራእ-9/6)

እምበኣር እቲ ምስ ሩባ-ኤፍራጥስ ብምትሕሓዝ፣ ቅድሚ ክልተ-ሺሕ ዓመት ዮሓንስ ዝረኣዮ ራእይ፣ ግዚኡ ከም-ዝኸኣለ ግልጺ ኮይኑ` ዝርአ ዘሎ። ከመይሲ እቲ ግብረ-ሶዶም ዝበሃል ርኽሰት፣ ሕጋዊ ኣፍልጦ ረኺቡ ተመሳሳሊ ፆታ ዘለዎም ክምርዓዉ፣ ኣብ ዝፍቀደሉ ናይ ጥፍኣት ዋዜማ` ዓለምና ትርከብ ዘላ። እቲ 666 ዝተባህለ ሰይጣናዊ ቁጽሪ`ውን፣ ብኹሉን ኣብ ኩሉን ክርናዓት ዓለም፣ ከስፋሕፍሕ` ዝርከብ ዘሎ። ዓለምና ድማ በዚ ሰይጣናዊ-ማዕበል` እናተናወጸት ` ትርከብ ዘላ። እቲ ናይ ሩባ-ኤፍራጥስ ምድራቕ`ውን፣ እቲ ትንቢት ክፍጸም ኣብ ዋዜማ ንርከብ ምህላውና` ዘመልክት ዘሎ። እምበኣር እቲ ቅዱስ ጽሑፍ “-እንሆ ከም ሰራቒ እመጽእ ኣሎኹ። ጥራዩ ምእንቲ ከይከይድ ኃፍረቱ`ውን ሰብ ከይርእዮ፣ እቲ ዝነቅሕ ክዳኑ`ውን ቀሪቡ ዝጸንሕ ብፁዕ`-” እዩ ዝብል። እምበኣር ከነርክበሉ ንኽእል ኢና ብምባል፣ ነቲ ብንስሓ ክንምለሰሉ ዝግበኣና ዝነበረ ዕድል፣ ከይተጠቐምናሉ  ከይሓልፍ እሞ፣ ኣብቲ መምለሲ ዘይብሉ ናይ መወዳእታ ጥፍኣት ከይንወድቕ`ዩ፣ እቲ ቅዱስ-ጽሑፍ ዘጠንቅቕ ዘሎ። (ራእ-16/15)

ብዝተረፈ ብዛዕባ` ጽዩፍ ዝኾነ ግብረ-ሶዶም ክለዓል ከሎ፣ ንሕና ከም ሕዝቢ መጠን፣ ምስ ከምዚ ዝኣመሰለ ነውሪ፣ ምትሕሓዝ ዘለዎ ወይ ዝፋለጥ ታሪኽ ዝጸንሓና ሕዝቢ ኣይኮናን። ኣብቲ ዝሓለፈ ዘመነ-ቃልሲ ዝበሃል ዓመታት`ውን፣ ክልቲኦም ውድባት ብማዕረ ኣበርቲዖም ክቃለሱዎ ምጽንሖም፣ ብብዙሕ ክዝረብ ይስማዕ`ዩ። ኣብቲ ብድሕሪ ነፃነት ዝቐጸለ ዓመታት ግና፣ ኣብዚ ዝተባህለ ጉዳይ ዝነኣድ ኣተሓሕዛ ክርአ ጸኒሑ` ክንብል ኣይንኽእልን። ከመይሲ ጋዜጣ-ሰቲት ኣብ 30 ጥቅምቲ 1993 / (13 ጥቅምቲ 2000) ኣብ ዝዘርግሖ ኅታሙ “-ሓደ ዓያያይ-ፊልም ዝኾነ እንግሊዛዊ ግብረ-ሶዶማዊ ብምዃኑ ምኽንያት፣ ብደቀንስትዮ ኮነ ብደቂ-ተባዕትዮ ብማዕረ ዝፍቶ ክኸውን ክኢሉ-” ብምባል፣ ነዚ ታሪኽ` ንንባብ ከም-ዘብቅዖ ዝፍለጥ እዩ።

ኣብዚ ክፍለጥ ዝግብኦ ሓደ ጉዳይ ኣሎ። ማለት እተን ብሕታውያን ጋዜጣታት፣ ብምኒስትሪ ዜና ተነፍዩ ይተኃተም ዘይተባህለ ጽሑፋት፣ ክዝግሓ ይፍቀደን ከም-ዘይነበረ ዝፍለጥ`ዩ። እቲ ብበዓል ናይዝጊ-ክፍሉን ዓሊ-ዓብዱን፣ ዝምራሕ ዝነበረ ሚኒስትሪ ዜና ግና፣ ብዛዕባ ሞራላዊ-ክብሪ ናይታ ሃገር ክጭነቕ ዝደሊ ኣይነበረን። ስለ-ዝኾነ ድማ` ነቲ ትውልዲ ክምርዝ ዝኽእል ዜና`ቲ፣ ብዘይ ዝኾነ መምዘንን መዐቀንን፣ ከም-ዘለዎ ፈንዩ ንንባብ ከብቅዖ ዝተራእየ። እቲ ልሣን ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ከም-ዝነበረ ዝፍለጥ ጋዜጣ ፍኖተ-ብርሃን ግና፣ ኣብቲ ሽዕኡ እዋን  “-ናይ ሥነ-ምግባር ውድቀት-” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝጸሓፎ ርእሰ-ኣንቀጽ፣ ተሪር ተቓውሞ ኣስሚዑ ከም-ዝነበረ ዝፍለጥ`ዩ።

ይኹን እምበር ኣብዚ ሕጂ ዘሎናዮ እዋን፣ እቲ  ኣምልኾ 666 ከምኡ`ውን ግብረ-ሶዶም ብምባል ዝፍለጡ ሰይጣናዊ-ርኽሰታት፣ ብሰፊሕ ተቐባልነት ረኺቦም ንዓለምና`ውን፣ ከቢድ ፈተና ኮይኖማ ይርከቡ ኣብ ዘለዉሉ ግዜ፣ ሞራላዊ-ክብሪ ሕዝብናኸ-? ኣብ ከመይ ዝበለ ደረጃ ኮን` ዝርከብ ዘሎ-? ብምባል ክቐርብ ንዝኽእል ሕቶ፣ ከምዚ` ዝመስል ንምባል ዘኽእል፣ እኹል ሓበሬታ ኣሎና ክንብል ንኽእል ኣይኮናን። ግዳስ እተን ሃይማኖታውያን-ትካላት ሃገርና፣ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ፖለቲካ ተታሒዘን ይርከባ ክሳብ ዝሃለዋ፣ እወንታዊ ዝኾነ መልሲ ክርከብ፣ ይከኣል` ኢልካ ትጽቢት ክግበረሉ ዝከኣል ኣይኮነን። ስለዚ ንሕና`ውን ከም-ሕዝቢ፣ ካብቲ ንዓለምና ኣንጸላልዩዋ ዝርከብ ዘሎ ናይ መዓት ደመና፣ ነፃ ኢና ክንብል ዘኽእለና ውሕስነት ዘሎና ክሳብ ዘይኮንና፣ ቅሳነት ተሰሚዑና ደቂስና ክንሓድር እንኽእል ኣይኮናን።

ከመይሲ ኣብቲ ናይ ዮሓንስ-ራእይ ተመልኪቱ ከም ዘሎ “-ነቶም ኣብ ግምባሮም ማኅተም ኣምላኽ ዘይብሎም ሰባት ጥራይ ደኣምበር፣ ኣብ ምድሪ ንዘሎስ ንሳዕሪ ወይ`ውን ነእዋም ኣይትጒድኣዮም-” ብምባል` ተቐሚጡ ዘሎ። ስለዚ ንሕና`ውን ኣካል ኅብረተ-ሰብ ዓለም ከም-ምዃና መጠን፣ እቲ ምስ ሩባ-ኤፍራጥስ ተተሓሒዙ ዝንገር ዘሎ ትንቢት፣ ኣይምልከተናን` ክንብል ንኽእል ሕዝቢ ኣይኮናን። ስለዚ `ውን ሕዝብና ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ ግዜ ይርከብ ከምዘሎ ፈሊጡ፣ ካብ ድቃሱ ምእንቲ ክበራበር፣ ደወል ደዊልካ` ክንገሮ ዝግባእ ዝነበረ። እተን ቤት-እምነታትና ወይ ሃይማኖታዊ ትካላትና ግና፣ ድምፀን ከስምዓ ከም-ዘይክእላ ኮይነን፣ በቲ ናይ ፖለቲካ ደመና ተዓፊነን ይርከባ ስለ-ዘለዋ፣ እግዚኣብሔር ይዛረብ ኣሎ ኢለን መልእኽቲ ከመሓላልፋ፣ ዘፍቅድ መሰል ዘለወን ኮይነን ክርከባ ብዘይ-ምኽኣለን፣ ንሕና ከም ሕዝቢ መጠን ንከቢድ መዓት ተጋሊጽና ከም-እንርከብ፣ ገይሩና ይርከብ ኣሎ ክበሃል` ዝከኣል። (ራእ-9/4)

እምበኣር እቲ ጎይታ ዘፍቅሮ ዝነበረ ዮሓንስ ኣብ ራእዩ፣ “-ስሙ ኣብቲ መጽሓፍ-ሕይወት ተጻሒፉ ዘይተረኽበ ዘበለ ኩሉ፣ ናብቲ ቀላይ-ሓዊ ተደርበየ-” ብምባል` ጽሒፉ ዘሎ። ግዳስ ስምና ኣብቲ መጽሓፍ-ሕይወት ተጻሒፉ ንኽርከብ፣ ከም ዕጫ-ሎተሪ ብዕድል ክበጽሓና እንጽበዮ ኣይኮነን። የግዳስ ብዝገበርናዮ ኩሉ ተጣዒስና፣ ብመንገዲ ንስሓ`ውን ኣቢልና፣ ምስ እግዚኣብሔርን ሰብን ዕርቂ ክንገብር ምስ እንኽእል እዩ። ብዝተረፈ ንሕና ከም ሕዝቢ መጠን፣ ብብዙሕ ፈተና ዝሓለፍና ሕዝቢ ስለ-ዝኾንና፣ ካባና ንላዕሊ ምሕረት ኣምላኽ ዝናፈቐ፣ ካልእ ሕዝቢ ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን። ስለዚ`ውን እቲ መፍቀር ሰብ ዝኾነ ጎይታናን ኣምላኽናን “-ኣልፋን ኦሜጋን ኣነ እየ። ንዝጸምአ ካብ ዓይኒ ማይ-ሕይወት ክሰቲ፣ ብኸምኡ ክህቦ እየ። እቲ ዝስዕር ነዚ ክወርሶ እዩ። ኣነ ኣምላኹ ክኾኖ፣ ንሱ`ውን ሕዝበይ ክኾነኒ እዩ-” ኢሉ ዘተኣምምን ቃል ሂቡና ስለ-ዘሎ፣ ካብቲ ዓይኒ ማይ-ሕይወት ክንሰቲ ብቑዓት ኴንና ክንርከብ ጸግኡ ይሃበና። -!!!

ይትባረክ እግዚኣብሔር ኣምላከ ኣበዊነ

ሥቡሕኒ ውእቱ ውልዑልኒ ውእቱ ለዓለም

ሊቀ-ካህናት ተክለ-ማርያም ምህርካ-ጽዮን

ሃገረ-ስብከት ኤውሮጳ ጀርመን

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div