S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ትርጉም ቁርባን ዝብል ቃል

ኣቐዲምና ትርጉሙ ከም ዝጠቐስናዮ፡ ቁርባን ዝብል ቃል መሰረቱ ቋንቋ እብራይስጢ ኰይኑ ቀንዲ ትርጉሙ ድማህያብማለት እዩ። እዚ ማለት ነቲ ብዘመን ኦሪት ሰብ ንእግዚኣብሔር ካብ ፍርያቶም ህያብ ዘቕርብሉ

ዝነበሩ ዘመልክት እዩ። እዚ ማለት ድማ ስለቲ ኣብ ምድሪ ኣብቒልካ ዝሃብካና ነመስግነካ ኣሎና ኢሎም ተግባራዊ መልሲ ከም ዝነበረ እዩ ዘመልክት። እዚ ሕጂ እነቕርቦ ዘሎና ቁርባን ግና፡ ካብቲ እግዚኣብሔር ባዕሉ ብዝተፈላለየ ኩነት ንምልእቲ ዓለም ዝሃቦ ህያብ፡ ሥጋን ደምን ወዱ እዩ። ወዱ ድማ እቲ ንምድሓን ዓለም ኢሉ ሓሙስ ምሸት፡ ብጸሎቱ ነቲ ካብ መሬት ዝተረኽበ ንሕብስትን ወይንን ሓንሳብ ንሓዋሩ ናብ ሥጋኡን ደሙን ዝለወጦ ሕብስትን ወይንን ሎሚውን ብጸሎተ ቅዳሴ ብሥልጣን መንፈስ ቅዱስ፡ ናብ ሓድሽ ዝተሰውኤ ሥጋን ደምን ጐይታ እናተቐየረ ስለ ዝወሃበና፡ ንሕና ድማ ብዓቕምናይኣምን ይኣምን ይኣምንኢልና ንቕበሎ እሞ፡ ንኣምላኽ ብሓባር ተመስገን ንብሎ። እቲ ምስጋና እዚ ድማ ቅዳሴ ተባሂሉ ይጽዋዕ። እዚ ብሥልጣን መንፈስ ቅዱስ በቕራብነት ካህን ዝወሃበና ቱኩስ መስዋእቲ እዚ ድማ፡ ቅዱስ ቁርባን ይበሃል። ቅዱስ ቁርባን፡ እግዚኣብሔር ዝሃበና ህያብ ክነሱ ንሕና ድማ ብንስሓ ሕልናና ሓጺብና ንቕበሎ ኣሎና። እዚ መስዋእቲ ሓጢኣትና ኰይኑ ካብ እግዚኣብሔር ዝተዋህበና ህያብ ወዱ ምስ በላዕናን ሰቴናን፡ ንሕና ድማ መሊስና ስለ ምሕረትካ ተመስገን እናበልና፡ ምሥጋና ናብኡ ነቕርበሉ ምሥጢር ሓድሽ ኪዳን ድማ እዚ እዩ።

ተጠራጠርቲ ሥጋን ደምን ክርስቶስ ምስልን መዘከርታን እዩ ይብሉ

ተጠራጠርቲ እቲ ዝረኤ ሕብስትን ወይንን ምስሊ ወይ መዘከርታ ድኣሉ እምበር ከመይ ገይሩ ብጸሎተ ቅዳሴ ናብ ሓድሽ ዝተሰውኤ ደምን ሥጋን ክቕየር ይኽእል፧ እናበሉ ክሳብ ሕጂ ክጠራጠሩ ይነብሩ ኣለዉ። ብርግጽ ኣይሁዳውያንውን ተመሳሳሊ ሕቶ ነይርዎም እዩ። ሕቶኦም ድማ፡ እዝስ ከመይ ገይሩ ሥጋኡ ክንበልዕ ይከኣሎ፧ ኢሎም ከም ዝተጨነቑ ነንብብ። ብዙሓት ኣብ ግዜና ዘለዉ ክርስቲያናት ኢና ዝብሉ ከይተረፈ እምነት ስለ ዝወሓዶም፡ ምሳሌ ስለ ዝዀነ ንመዘከርታይ ግበርዎ ድኣሉ ዝበለ እምበር፡ ሓቀኛ ደምን ሥጋን ኣይኰነን ኢሎም ዝኽሕዱ ቁጽሪ የብሎምን።  እቲ ጽሑፍ ግና ኣዝዩ ንጹር እዩ ከምዚ ድማ ይብል።

እንጌራ ሕይወት ኣነ እየ። ኣቦታትኩም ኣብ በረኻ ማና በልዑ እሞ ሞቱ። ካብኡ ዚበልዕ ዘበለ ምእንቲ ኸይመውት፥ ካብ ሰማይ ዝወረደ እንጌራ እዚ እዩ።  እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ እንጌራ ሕይወት ኣነ እየ። ካብዚ እንጌራ እዚ ዝበልዔ ዘበለ ንዘለኣለም ኪነብር እዩ። እዚ ኣነ ምእንቲ ሕይወት ዓለም ዝህቦ እንጌራ ኸኣ ሥጋይ እዩበለ። እዚ ጐይታ ዝዛረበሉ ዘሎ እንጌራ ሕይወት፡ ሓቀኛ ሕይወት ዝህብ እንጌራ ሕይወት ዘይነበረ ነይሩ እንተ ዝኸውንሲ ከመይ ጌርና ድኣልና ናብ ሕይወት ዘለዓለም ክንበቅዕ፧ ብግብርናዶ፧ ወይስ ብሓይልና፧ ወይስ ብፍልጠትና፧ ኣዳምን ሔዋንን ኣብ ገነት ኤደን ዝብላዕ ገዲፎም፡ ዘይብላዕ ስለ ዝበልዑ፡ ሞት ተገብኦም። መዘከርታ እያ እሞ ንዘክራ ጥራይ ኢሎም እንተ ዝነብሩስ ምሞቱ ነይሮም፧ ኣይፋሎምን ኣይምሞቱን። ከመይሲ እቲ ትእዛዝ ከይትዝክርዋ ዘይኰነ ከይትበልዑ እዩ ዝነበረ። እምብኣር ብልዒ ካብ ቀተለ ሕጂውን ብልዒ እዩ ሕይወት ዝህብ እምበር ተዝካርሲ ኣይኰነን። ሰይጣናዊ ትምህርቲ ዝተኸተሉ ሓሰውቲ መማህራን ዘመን ግና፡ ካብ ምትላል ሰይጣን ዘይሰንፍ ዝረቐቐ ትምህርቶም ሒዞም፡ ንሰብ ኣብ ጸልማት ክነብር ተዝካር እዩ እናበሉ ንገዛእ ርእሶም ተታሊሎም ከተላሉ ይነብሩ ኣለዉ።

ጐይታ ኣነ እንጌራ ሕይወት እየ ካብ በለኸ ከመይ ንጐይታ ንጠራጠሮ፧ ላም ፍርቂ ጐድና ኣይትሰብሕን ከም ዝተባህለ፡ እምነት እንተዀይኑ ኵሉ ጐይታ ዝበሎ ንእመኖ ወይ ድማ ንኵሉ ንክሓዶ።

እቶም ክመጻደቑ እምበር ክመሃሩ ዘይመረጹ ኣይሁድ፥ እዝስ፥ ሥጋኡ ኽንበልዕ፥ ከመይ ገይሩ ኺህበና ይኸኣሎ፧ ኢሎም ንሓድሕዶም ተኻትዑ። ኢየሱስ በሎም፥ ሥጋ ወዲ ሰብ እንተ ዘይበላዕኩም፥ ደሙውን እንተ ዘይሰቴኸምሲ፥ ሕይወት ከም ዜብልኩም፥ ብሓቂ፥ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። ሥጋይ ዚበልዕ ደመይውን ዚሰቲ ናይ ዘለኣለም ሕይወት ኣላቶ፥ ኣነውን በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ኸተንስኦ እየ። ሥጋይ ብልዒ ሓቂ እዩ እሞ፥ ደመይ ኸኣ መስተ ሓቂ እዩ። እቲ ሥጋይ ዚበልዕ ደመይውን ዚሰቲ ኣባይ ይነብር፥ ኣነውን ኣብኡ። ህያው ኣቦ ኸም ዝለኣኸኒ እሞ ኣነ ስለ ኣቦ ብሕይወት ከም ዘሎኹ፥ ከምኡ ኸኣ እቲ ዚበልዓኒ ስለይ ብሕይወት ኪነብር እዩ። እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ እንጌራ እዚ እዩ፥ ከምቲ ኣቦታትኩም ዝበልዕዎ ማና እሞ ዝሞቱ ኣይኰነን። ነዚ እንጌራ እዚ ዚበልዕሲ ንዘለኣለም ብሕይወት ኪነብር እዩ” (ዮሃ፡ 6.48-58) እዚ ጐይታ ዝዛረበሉ ዘሎ እንጌራ ኣየናይ እዩ፧ እቲ ንኣይሁድ ሥጋይን ደመይን ዝብሎም ዘሎ፡ እቲ ኣብ ሰብነቱ ዝነበረ ሥጋን ደምን ድዩ፧ ያእ ኣይፋሉን ንሱ ድኣ ሓንሳብ ንሓዋሩ ካብ ምዉታት ተንሢኡ ንሠማይ ዓሪጉ እንድዩ፡ ንሱ ዝዛረበሉ ዘሎስ እቲ ኣብ ማእከል ሓዋርያት ተቐሚጡኪበልዑ ኸለዉ፥ ኢየሱስ እንጌራ ኣልዓለ፥ ባሪኹ ቈሪሱ፥ ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ሃቦም፥ እዚ ሥጋይ እዩ፥ ውሰዱ፥ ብልዑ፥ በሎም። ጽዋእ ኣልዒሉ ኣመስገኑ ድማ፥ ከምዚ እናበለ ሃቦም፥ እዚ ምእንቲ ብዙሓት ንሕድገት ሓጢኣት ዚፈስስ ዘሎ ናይ ሓድሽ ኪዳን ደመይ እዩ እሞ፥ ካብዚ ዅሉኹም ስተዩ። ድሕሪ ሕጂ ኽሳዕ እታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ መንግሥቲ ኣቦይ ምሳኻትኩም ሓድሽ ክሳዕ ዝሰትዮ፥ ካብዚ ፍረ ወይኒ እዚ ከቶ ኸም ዘይሰቲ፥ እብለኩም ኣሎኹ ክብል ከም ዝመሃሮም ነንብብ (ማቴ፡ 26.26-29) እምብኣር እቲ ደምን ሥጋን ዝበሃል ዘሎስ እቲ ዝቐደሶን ዝባረኾን ሕብስትን ወይንን ስሙ ጸዊዕና፡ ብሥልጣን መንፈስ ቅዱስ ከም ዝልወጥ ክንኣምን ግድን እዩ። ንኣምላኽዶ ዝሰኣኖ ኣሎ እዩ፧ ከመይ ኢሉ ኢልካ ኣይትገረም። እንተዘይኰነስ እንታይ ድኣሉ ግደ መንፈስ ቅዱስ፧ ወይስ ንህላውነቱዶ ንጠራጠሮ ኢና፧ እምብኣርከስ እቲ ጐይታ ሓቂ እዩ ዝበሎ፡ ንሕናውን ሓቂ ኢልና ክንቅበሎ ግድን እዩ። ሥግኡን ደሙን ብሥልጣን መንፈስ ቅዱስ ዘይቅየር እንተድኣ ኰይኑ ግና፡ ድሕነት ኣይተፈጸመን። ክንጽሊ ከሎና ድማ ንነፍስና ኢና ንጽሊ ዘሎና እምበር፡ ካልእ ዝሰምዓና የልቦን። ኵሉ ዕሽነት እዩ። ክርስቶስ ከኣ ንኸንቱ ሞተ። እምብኣርከስ እቲ ሓቅስ ከምኡ ኣይኰነን፡ እቲ ሓቂ እቲ ኵሉ ክርስቶስ ዝበሎ እዩ። እንተዘይኰነስ እምነትና ብላሽ ምዀነት።

ስለዚ ድማ እዩ ኣብ ጸሎተ ቅዳሴ፡ እቲ ዝቕድስ ካህን ንደም ጐይታ ኣብ ቅድሜኡ ምስ ኣንበሮ እግዚኣብሔር ኣምላዀይ፡ ንዓኻ ደስ ዘብለካ መስዋእቲ ወድኻ እነሆ። ስለ ሓጢኣተይ መይቱ እዩ እሞ መሓረኒ። እቲ ስለይ ክብል ኣብ ቀራንዮ ዝፈሰሰ ንጹህ ዝዀነ ደም መሲሕ እንሆ ይጽውዕ ኣሎ። እዚ ዝዛረበኒ ዘሎ ደም ንሓጢኣት ባርያኻ ይስረየለይ ኢሉ ነቲ በጅኡ ዝፈሰሰ መስዋእቲ ወዲ እግዚኣብሔር፡ መሊሱ ንእግዚኣብሔር ዘቕርብ (ቅዳሴ ሓዋርያት ቁጽሪ 105106) ተመልከት። መሊሱ ድማ ነቲ መስዋእቲ ደምን ሥጋን ጐይታ ብእምነት ዝቕበሎ ዘሎ ኣማኒ ብመንፈስ ቅዱስ ክቕደስ ንመንፈስ ቅዱስ ይዕድም። እቲ ንደምን ሥጋን ጐይታ ህያው ክገብርን ክቕድሰናን ብበዓላት ሓምሳ ዝወረደ መንፈስ፡ ንእግዚኣብሔርኣብ ብዘዕግብ መገዲ ገይሩ ናብ ሽዑ ዝተሓርደ ሓድሽ ደምን ሥጋን ገይሩ ይልውጦ። ከምኡ ዘይነበረ ነይሩ እንተ ዝኸውን፡ ኣብቲ ኹሉ ጐይታ ንሰለስተ ዓመትን ፈረቓን ምስ ሓዋርያት ዝሰርዖ ዘበለ መኣዲ፡ እዚ ሥጋይ እዩ፡ እዚ ደመይ እዩ፡ ብልዑ ስተዩ እናበለ ወገሔ ጸብሔ ምኣዘዞም ነይሩ። ጐይታ ግና ከምኡ ኣይገበረን፡ በታ ፍልይቲ መዓልቲ ደሙ ዘፍሰሰላ ሥጋኡ ዝቑረሰላ ዕለት፡ ንደቀ መዛሙርቱ፡ እዚ ፍሉይ ትእዛዝ እዚ ኣዘዞም።  ስለዚ ድማ ሓዋርያ ዮሃንስ ቓል ወዲ ኣምላኽ ሓቂ ምኳኑ ክምስክረልና ከሎሕጊ ብሙሴ ተውሂቡ እዩ እሞ፥ ጸጋን ሓቅን ግና ብኢየሱስ ክርስቶስ መጸ። እምብኣርከ ንሕና ዂላትና ኻብ ምልኣቱ ጸጋ ኣብ ልዕሊ ጸጋ ተቐበልና ኢሉ ዝጸሓፈ። ከምቲ ሓዋርያት ተኣኪቦም ብፍልይቲ ዕለት ማለት መዓልቲ ጐይታ፡ ሥጋኡን ደሙን ዝበልዑ፡ ንሕና ድማ ኣብ ቓል ኣምላኽን ብሓዋርያዊ ትውፊትን ተሰሪዕና፡ ብመሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ንበልዕን ንሰትን ኣሎና እምበር ኣይንጠራጠርን (ዮሃ፡ 1.16-17) ብልዒ ጥራይ ነይሩ እንተ ዝኸውን፡ እቶም ከይተገብኦም ማለት ከይተነስሑ ደምን ሥጋን ዝወሰዱ ደቂ ቆረንጦስ ኣይምሓመሙን ነይሮም። ሓቂ ስለ ዝዀነ ግና፡ በደል ስለ ዝተቖጽረሎም፡ ሓመሙ። ንሕና ግና ሓቅነቱ ብእምነት ስለ ዘረጋገጽና፡ ፍግም ኢልና ሰጊድና ንቕበሎ ኣሎና፡ እምበር ኣይንጠራጠሮን ሽዑ ዝተሰውኤ ዉዑይ ደምን ሥጋን ከም ዝዀነ ስለ ዝኣመና ድማ ሕይወት እምበር ምስሊ ወይ መዘከርታ ኣይንብሎን።

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div