S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

መበል 24-ዓመት መንፈሳዊ-ጉባኤ ስያትል

እዚ ጉባኤ` ሕጂ ዝተጀመረ ሓዲሽ ጉባኤ ኣይኮነን። የግዳስ መቐጸልታ ናይ` ካብ ነዊሕ ዓመታት በብእዋኑ ክካየድ ዝጸንሐ ጉባኤታት`ዩ። ከም-ዝፍለጥ እቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝርከብ ዝነበረ መንበረ-ፓትርያርክ፣ ንክብርን ቅድስናን ቤተ-ክርስቲያን ወኪሉ ክርከብ ዝነበሮ ሓላፍነት፣ ዘይምጥን ኮይኑ ብምርካቡ ምኽንያት፣ ህልውና ቤተ-ክርስቲያን ንሓደጋ ተጋሊጹ ምስ-ተረኽበ፣ ነቲ ሓዋርያዊ-ሰንሰለት ንምዕቃብ ተባሂሉ`ዩ፣ እዚ ጉባኤ` ኣብ መድረኽ ወጺኡ ህልውናኡ ንከረጋግጽ ኣገዳሲ ኮይኑ ዝተረኽበ።

ካብዚ ዝተባህለ እዋናት ኣትሒዙ ድማ፣ ዓመት መጸ ጉባኤታት ክግበር ምጽንሑ ዝፍለጥ`ዩ። ብፍላይ ድማ ካብ 1998 / (2006) ጀሚሩ ኣብ ዘሎ ግዜ፣ እዚ ጉባኤ` ንብዓባያ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ኤርትራ ዝውክል ጉባኤ ኮይኑ ይርከብ ከም ዘሎ፣ ዘይፈልጥ ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን። ከመይሲ እቲ ብፖለቲካ ተደፊኡን ተሳሒቡን ክንቀሳቐስ ዝርከብ ዘሎ፣ ኣብ ኣሥመራ ዝመደበሩ መለካዊ-ሲኖዶስ፣ ከምቲ ኣብ ትንቢተ-ዳንኤል-መኔ መኔ ቴቄል ኡፋርሲን-” ተባሂሉ ዘሎ።

ንሱ እዚ ኣብ ኣሥመራ ዘሎ ሲኖዶስ ድማ፣ ነቲ ዝነበሮ ሓላፍነት ዝምጥን ብቕዓት ዘለዎ ኮይኑ ክርከብ ብዘይ ምኽኣሉ፣ “-ብሚዛን ተመዚንካ ቀሊልካ ተረኺብካ-”  ተባሂሉ፣ ኣብቲ ሽዕኡ እዋን ኣብ ካይሮ ከም-ዝተነግሮ ዝፍለጥ`ዩ። ከመይሲ ተልእኮ ፖለቲካ ንኽፍጽም ተባሂሉ ዝተዋህቦ ኣጀንዳ፣ ኣብ ግብሪ ንኸውዕል ክብል ቀኖና ቤተ-ክርስቲያን ከፍርስ ስለ-ዝተረኽበ፣ እዚ ውሳኔ` ክትወስድ ዘኽእል ሥልጣን የብልካን ተባሂሉ፣ ኣብ ማእከል መጋባእያ ኣብ ካይሮ ተነጊሩዎ እዩ። ሰበይቲ ዝለኣኸቶ ሞት ኣይፈርህን ከም-ዝበሃል ግና፣ ንሱ እዚ ሲኖዶስ` ገጹ ዕትብ ኣቢሉ ንድሕሪት ክምለስ ኣይደለየን። (ዳን-5/25-27)

እምበኣር ካብ` ተባሂሉ ዘሎ ግዜ ንደሓር፣ ንጉዳይ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ክኸውን፣ ብመንበረ-ማርቆስ ኣፍልጦ ዝረኸበ እዚ ሕጂ ንመበል 24 ግዜ ዝእከብ ዘሎ ጉባኤ` ምዃኑ፣ ግልጺ ዝኾነ ሓቂ`ዩ። ከምኡ ስለ-ዝኾነ ድማ`ዩ፣ ብድሕሪ ሕልፈት ቅዱስ-ፓትርያርክ ሺኖዳ 3ይ፣ ንዕ ኦም ንምትካእ ተባሂሉ ኣብ ካይሮ ኣብ ዝተገብረ ምርጫ፣ ንናይ ኤርትራ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ-ክርስቲያን ዝውክል፣ ሕጋዊ ኣካል ኮይኑ ክርከብ ዝኸኣለ። ስለ` እዚ ሕጂ ኣብ ስያትል ክካይድ ዝቐንየ ጉባኤ፣ ንብዓባያ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ኤርትራ፣ ወካሊ ኮይኑ ክቐርብ  ዝኽእል ጉባኤ ደኣምበር፣ ካብ` ብዝወረደ ሚዛን ክጥመት ዝግብኦ ከም-ዘይኮነ ክፍለጥ ይግባእ።

እዚ ናይ ሲያትል ጉባኤ “-ኣይትፍርሁ-! እቲ ምድኃን እግዚኣብሔር ዚገብረልኩም ሎሚ ረኣዩ። እዞም ሎሚ እትርእዩዎም ግብጻውያን ንዘለዓለም ኣይክትርእዩዎምን ኢኹም-”  ዝብል መሪሕ ቃል ሒዙ` ተበጊሱ። ግሩም ዝኾነ መልእኽቲ ዘለዎ ጥቕሲ ብምዃኑ ድማ፣ ኣሜን-!! ብምባል` እቲ ጉባኤ ዝተቐበሎ። ከመይሲ ከምቲ እቶም እስራኤላውያን ዝተመነዩዎ፣ ንሕና`ውን ከም ሕዝቢ ኣብ ቅድሜና ህልውናኦም ክቕጽል ዘይንደልዮም፣ መረርቲ ዝኾኑ ፈርዖናት ኣብ ቅድሜና ከም-ዘለዉ ንፈልጥ ኢና። ስለዚ`ውን “-ንዕኦም ነዞም ሕጂ ትርእዩዎ ዘሎኹም ግብጻውያን፣ ንዘለዓለም ኣይክትርእዩዎምን ኢኹም-” ተባሂሉ ከም-ዝተነግሮም፣ ንሕና`ውን ሕጂ ከምኡ ክኾነልና ኣሜን-!! ዘይንብለሉ ምኽንያት የልቦን። እወ ኣሜን ከምኡ ይኹነልና።( ዘጸ-14-13)

ከመይሲ እቲ ማርክሰ-ሌኒን ዝሠረቱ ሥርዓት፣ ነታ ብቅድስና ዝፍለጥ ታሪኽ ዘለዋ ቤተ-ክርስቲያንና፣ ገና ብንግሆኡ ካብ በረኻ እትው ክብል ከሎ፣ ኣትሒዙ ተጠንጢኑዋ ስለ-ዝርከብ፣ ኣብቲ “-ደጊምሲ  ንዘለዓለም ኣይክትርእዩዎምን ኢኹም-” ተባሂሉ ዘሎ መሪሕ ቃል  ተስፋ ብምግባር፣ ትንሣኤ ቤተ-ክርስቲያን ንምርግጋጽ ሓንሳእን ንሓዋሩን ቈሪጽና ክንለዓል፣ ብቤተ-ክርስቲያን ጻውዒት ይግበረልና ምህላዉ፣ ዘይንፈልጥ ኴንና ክንርከብ፣ ግቡእ ኣይኮነን፣ ቅኑዕ` ክንብል`ውን ኣይንኽእልን። ኣብቲ ዝተኻየደ ሠለስተ መዓልቲ ዝወሰደ ጉባኤ`ውን፣ ንንቕሓት ማኅበረ-ምእመናን ከበራብሩ ዝኽእሉ፣ ነቲ ክንድ` ዝኣክል ሰፊሕ ጉባኤ ይምጥኑ`ዮም ተባሂሉ ዝተኣምነሎም፣ ሓነፅቲ ዝኾኑ ትሕዝቶ ዝነበሮም ስብከታት`ውን ክቐርቡ ተሰሚዖም እዮም። ነዚ ኩሉ` ኣብ ግምት ብምእታው`ውን፣ መድረኽ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ኣብዚ ሕጂ እዋን፣ ብእወንታ ክጥመት ኣብ ዘኽእል ናይ ብቕዓት ብራኸ፣ ይርከብ ምህላዉ ምንም ዘጠያይቕ ኣይኮነን። ከመይሲ እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ህልው ኩነታት፣ ባዕሉ ከረጋግጾ ዝኽእል ግሁድ ዝኾነ ሓቂ እዩ።

ብዝተረፈ እዚ ሕጂ ኣብ ደምበ-ተዋሕዶና ተበጺሑ ዘሎ ብቕዓትን ንቕሓትን፣ እቲ ሕጂ ኣብ ሥልጣን ዘሎ ፖለቲካዊ ሥርዓት፣ ካብ በረኻ ቅድሚ ምእታዉ እንተ-ዝኸውን ነይሩ፣ ቤተ-ክርስቲያንና ከምዚ ሕጂ ኮይናቶ ትርከብ ዘላ፣ እቲ ፖለቲካዊ ኃይሊ ኩኒ ዝበላ እትኸውን ኴይና ኣይምተረኽበትን። ግዳስ ኣብቲ ሽዕኡ እዋን፣ ነቲ ብጉልባብ ሓገዝ ተረቂቑ ክኣቱ ዝኽእል ናይ ፖለቲካ መርዚ፣ ከስተብህለሉ ዝኽእል ውሉደ-ክህነት ነይሩ ስለ-ዘይበሃል፣ ከም ውጽኢት እዚ ኩሉ` ድማ እንሆ፣ እታ ወናኒት ብሉጽ ታሪኽ ዝኾነት ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ፣ እቲ ሥርዓት ዝጻወተላ ናይ ፖለቲካ-ሜዳ ኮይና` ጸኒሓ።

ጉባኤ-ስያትል ግና ነቲ ዝጸንሐ ብእወንታ ክግለጽ ዘይክእል ሥእሊ፣ ክቕይር ዝኽእል ኮይኑ` ተረኺቡ ክበሃል ይከኣል። ከመይሲ እቲ ዝጸንሐ ናይ ትማሊ ስእሊ ተቐይሩ፣  ንመድረኽ 21-ሚእቲ ክፍለ-ዘመን ክምጥን ዝኽእል ውሉደ-ክህነት ሒዝካ፣ ክትቀርብ ምኽኣል ማለት እቲ ለውጢ ንብዙሓት ዘይርድኦም ክኸውን እንተኸኣለ ዘገርም ኣይኮነን። ነቶም ትንሣኤኣ ክርእዩ ብዓይኒ ሕልና ክጥምቱ ዝጸንሑ ደቃ ግና፣ እዚ ፍጻሜ` ብውሑዳት ቃላት ተገሊጹ፣ ይውዳእ` ዝበሃል ዓወት ኣይኮነን።

እቶም ኣብቲ መድረኽ ደሚቖም ክርኣዩ ዝቐነዩ፣ መምህር ሠመረ-ኣብ ወልደ-ገብርኤል፣ ከምኡ`ውን ቀሲስ ተስፋ-ኣለምን፣ ዲያቆን ብርሃነ ሥዩምን (ፕሮፌሶር) እዮም። ኩላቶም`ውን ኣብ ነገረ-መለኮት ትዂረት ብምግባር፣ እቶም ማኅበረ-ምእመናን ኣብ ርድኢት ክበጽሑ ብዝኽእሉሉ ኣቀራርባ፣ መንፈሳዊ ተልእኮኦም ክፍጽሙ ዘካየዱዎ ጻዕሪ፣ እቲ ጉባኤ ዕግበት ረኺቡሉ` ክበሃል ይከኣል። እቲ ኣብቶም ተሳተፍቲ` እቲ ጉባኤ ዝነበሩ ማኅበረ-ምእመናን፣ ክንጸባረቕ ዝስማዕ ዝነበረ ድምፂ`ውን ነዚ` ዝመስል።

ምስ` ብምትሕሓዝ`ውን ንሓፈሻዊ-ጥዕና ብዝምልከት፣ ኣብ ሥነ-ፍልጠታዊ ምኽሪ ዝተመርኮሰ፣ ናብቶም ተጋባእቲ ዝጠመተ መደብ` ነይሩ። ነዚ ብዝምልከት ድማ ክልተ ናይ ሥነ-ጥዕና ምሁራን፣ ተሳተፍቲ ኮይኖም ዝተጸንዐ መደብ ሒዞም ክቐርቡ ክኢሎም ምንባሮም`ዩ። እዞም ክልተ ምሁራን  እዚኣቶም ድማ፣ ማለት ዶክቶር-ኣስቴር ናብ ሕማም ኮላሊት በዓልቲ-ሞያ ሓኪም ክኾና ከለዋ፣ ዲያቆን-ብርሃነ ሥዩም ድማ፣ ናይ ሕማም-ሽኮር ፕሮፌሶር እዮም። በበቲ ዘለዎም ሞያዊ ብቕዓት ከኣ፣ ንኹሉ` ኣብቲ ጉባኤ ተሳታፊ ዝነበረ ሕዝቢ ዝጠቅም፣ ክምስገን ዝግብኦ`ውን ምኽረ-ሓሳብ ክህቡ ክኢሎም።

ንማኅበረ-ምእመናን ብዝምልከት`ውን ከምኡ፣ እቶም ኣንደበተ-ርቱዕ ዝኾኑ ኣቶ ጸጋይ በርሀ፣ ነቲ ዘሎ ሓፋሻዊ ኩነታት ቤተ-ክርስቲያን ኣመልኪቶም፣ ስፍሕ ዝበለ መግለጺ ክህቡ ምኽኣሎም`ዩ። ማለት እቲ ንዕረፍቲ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ-እንጦንዮስ ተኸቲሉ፣ ብወገን ናይ ግብጺ ቤተ-ክርስቲያን ዝስማዕ ዘሎ፣ ብእወንታ ክግለጽ ዘይክእል ምንቅስቓስ፣ ነቲ ዝጽንሐ ዝምድና ብኣሉታ ክጸልዎ ዝኽእል ስለ-ዝኾነ፣ ነገር ከይተበላሸወ ከሎ ናብ ምዕራዩ ዝጠመተ ጻዕሪ ክካየድ፣ ትዂረት ክግበረሉ ዘድሊ ኮይኑ ይርከብ ምህላዉ፣ ዘይንፈልጥ ክንከውን ኣይግባእን-” ዝብል ትሕዝቶ ዝነበሮ መልእቲ`ዮም ኣቶ ጸጋይ ኣመሓላሊፎም።

ብሓፈሻ ከኣ እቲ ዝቐነየ ናይ ስያትል-መድረኽ፣ ከምቲ ኣቐድም ኣቢልና ዝበልናዮ፣ ንኹሉ ከም-ዘሳትፍን ከም-ዘካትትን ኮይኑ ዝተዳለወ ስለ-ዝነበረ፣ ኩሉ እቲ ማኅበረ-ምእመናን ዝዓገበሉ` ነይሩ ክበሃል ይከኣል። ከመይሲ ንኹሉ ኣሜን እናተባህለ ክግበር ዝጸንሐ ጉዕዞ፣ እወንታዊ` ነይሩ ክበሃል ስለ-ዘይከኣል፣ ሓታቲ ኴንካ ምቕራብ ድማ ብግዲኡ፣ ዝድለየሉ እዋን ከም ዘሎ ምፍላጡ ኣገዳሲ እዩ። ነቲ ኩሉ ዝንገረካ ብዘይ ሕቶን ርእይቶን፣ ኣሜን ኢልካ ምቕባል ግና፣ ሳዕቤኑ ውድቀት እንተ-ዘይኮይኑ፣ ናብ ዕቤት ወይ እወንታዊ ለውጢ ከምጽእ፣ ይኽእል` ዝበሃል ኣይኮነን። ኣብቲ ደምበ-ተዋሕዶና ግና፣ እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ልምዲ ወይ ተመክሮ ብዘይ ምጽንሑ ምኽንያት፣ ኣብቲ ካብ 91 ጀሚሩ ክግበር ዝጸንሐ ጉዕዞ ቤተ-ክርስቲያንና፣ ብኣሉታ ክግለጽ ዝኽእል ስምብራት ኣይገደፈልናን ክበሃል ኣይከኣልን።

ከም-ዝፍለጥ ኣብ ግንቦት 1983 / (1991) እቶም ሰብ ፖለቲካ፣ ንቤተ-ክርስቲያንና ኣብ ትሕቲ ምሉእ ምቁጽጻሮም ከእትዉዋ ከለዉ፣ እቲ ናይ ተዋሕዶና ማኅበረ-ምእመናን፣ እናረኣየን እናሰምዐን ዝኾነ ፍጻሜ` ነይሩ። እዚ ኩሉ እናኾነ ከሎ ግና፣ ኣነ ዋና` ብምባል ክሓትት ዝኽእል ሕዝቢ ኣይተረኽበን። ከመይሲ እቲ ዝሓለፈ ናይ ትማሊ ታሪኽና ነዚ` ዝመስል ነይሩ። ሕጂ ግና እንሆ እግዚኣብሔር ይኽበር ይመስገን፣ እቲ ትማሊ ዝጸንሐ ብእወንታ ክግለጽ ዘይክእል ዝነበረ ታሪኽና ተቐይሩ፣ ንናይ 21-ሚእቲ ክፍለ-ዘመን መድረኽ፣ ክገጥም ዘኽእሎ ብቕዓት ዘለዎ ኮይኑ ይርከብ ምህላዉ፣ ካብ ጉባኤ-ስያትል ንላዕሊ ክቐርብ ዝኽእል መረድኢ ኣሎ ክንብል ኣይንኽእልን።

ይኹን እምበር ሕጂ`ውን እንተኾነ፣ ኣብ ጉባኤ-ሲያትል ድኽመት ኣይነበረን ክንብል ንኽእል ኣይመስለናን። ከመይሲ እቲ ንዕረፍቲ ቅዱስ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ተኸቲሉ፣ ብወገን ካይሮ ክግበር ዝርአ ዘሎ ምንቅስቓሳት ኩሉ፣ ሰላምን ቅሳነትን ክህበና ዝኽእል ከም-ዘይኮነ ኣረጋጊጽና እንፈልጦ ሓቂ`ዩ። ከመይሲ እቲ ናይ ግብጺ መራሕቲ ቤተ-ክርስቲያን ሒዞሞ ዘለዉ ኣቕዋም፣ ምስቲ ኣሎ እንብሎ ቀኖናን ፕሮቶኮላዊ-ስምምዕን ተሳንዩ ክኸይድ ዝኽእል ኣይኮነን። እዚ ከኣ ንሕና ከም ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ-ክርስቲያን መጠን፣ “-ኣንጭዋ ትሕለፍ ምእንቲ ሞጎጎ-” ኢልና ክንሓልፎ እንኽእል ከም-ዘይኮነ ዝፍለጥ`ዩ።

ስለዚ`ውን ንሕና ከም ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ኤርትራ መጠን፣ ኣብዚ እዋን` ካብዚ ጉዳይ` ዝዓቢ፣ ካልእ ኣጀንዳ ክህልወና ይኽእል` ክንብል ንኽእል ኣይኮናን። ጉባኤ-ስያትል ከኣ ከም ዋና ኣጀንዳ ሒዙ፣ ንጉባኤ`ውን ኣቕሪቡ ክዝተየሉ ኣብ ምግባር፣ ቀዳምነት ሂቡ ክሠርሓሉ ዝግብኦ ጉዳይ` ነይሩ በሃልቲ ኢና። ብጨረፍታ` ክዝከር ግና ኣይተሰምዐን። ከም ሓቂ ክዝረብ እንተደኣ ኮይኑ ግና፣ ልዕሊ ` ጉዳይ`ዚ፣ ካልእ ቀዳምነት ክወሃቦ ዝግባእ ኣጀንዳ፣ ክህልወና ኣይምተገብ አን። ብዝተረፈ ኣብ ከቢድ ወጥሪ ንርከብ ከም-ምህላውና መጠን፣ ኣሠራርሓና ነጽፍፍ ብምባል ንምትሕስሳብ ደኣ` ንክጽሕፍ ኢለ ተበግሶ ዝገበርኩ እምበር፣ ንወቐሳ ኢለ ይጽሕፍ ከም-ዘሎኹ ዝብል ትርጉም ከይወሃቦ ተስፋ ኣሎኒ።

ብዝተረፈ ኣነ ኣብ ጉባኤ-ሲያትል፣ ከም ሓላፍ መንገዲ ጋሻ ኮይነ ደኣ` ተሳቲፈ እምበር፣ ኣካል` ጉባኤ` ነይረ ክብል ዝኽእል ኣይኮንኩን። ከም ኣካል` ኣብ ሓዋርያዊ-ሰንሰለት ጸኒዑ ዝርከብ ዘሎ፣ ቀኖናዊ መንበር ከም-ምዃነይ መጠን ግና፣ ንእግሪ መንገደይ`ውን እንተኾነ ክሳተፍ ይግበኣኒ` ኢለ ስለ-ዝኣመንኩ፣ በቲ ዝረኣኹዎ ጠቕላላ ኣገልግሎትን፣ ኣጋይሽ ንምቕባል ዝነበረ ሰፊሕ ልግስን ሥነ-ሥርዓትን፣ እቲ ብኣቡነ-ቆሞስ ተኸስተ ገብረ-ሚካኤል ዝምራሕ ቤተ-ክርስቲያን ሥላሴ፣ ክንደይ` ክምስገን ዝግብኦ እዩ።

ሊቀ-ካህናት ተክለ-ማርያም ምህርካ-ጽዮን

ሃገረ-ስብከት ኤውሮጳ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div