S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ኣብዚ ሰንበት ሓምለ 30, 2017 ዝተነበልና ቃል ቅዱስ ወንጌል ነቲ ጐይታና ዝነገሮ ምስላ ዘራኢ ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣዝዩ መሃሪ ዝዀነ ምስላ ማእከል ዝገበረ እዩ። እዚ ምስላ እዚ ብዘይ ጥርጥር ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ሰፊሩ ካብ ዘሎ ትምህርትታት ብህብቡነቱ (ተፈላጥነቱ) ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ካብ ዝስርዑ ትምህርትታት ሓደ እዩ።

እዚ ዝዀነሉ ድማ፡ ብመጀመርታ ሰብ ብባህሪኡ ካብ ትረኻ ብዙሕ ዝሕዝን ዝምሃርን ክኸውን ከሎ እቲ ካልኣይን ዝዓበየን ምኽንያት ድማ ጐይታ ብምስላ ኣፉ ዝከፈተላ ናይ መጀመርያ ምስላ እያ። ብተወሳኺ ምስላ ምሂሩ ምስ ወድአ፡ ነቲ ምስላ ቃል ብቓሉ ክትርጉሞ ዝረኣናዮ ናይ መጀመርያ ምስላውን እዩ። ጐይታ ነዚ ትምህርቲ ክህብ ከሎ ኣብ ገምገም ባሕሪ ተቐሚጡ ነበረ። መነባብሮ ናይ ብዙሓት ሰባት ምስቲ ባሕሪ ዝተተሓሓዘ ስለ ዝነበረ፡ ጐይታ ናብ ገምገም ባሕሪ ምኻድ የዘውትር ነበረ (ሉቃ 51 ማር 418) እቲ ህዝቢ ከም ኣመሉ ናብቲ ንሱ ዘለዎ መጺኡ ተኣከበ። ኣብ ማእከሎም ኰይኑ ኪምህር ስለ ዘጸግሞ ንጃልባ ከም መድረኽ ተጠቂሙ ኺምህር ጀመረ። ኣብ ጃልባ ዀይኑ ምስባኽ ናይ መጀመርያኡ ኣይነበረን (ማቴ 132 ማር 39 ማር 41 ሉቃ 53)

ኣብ ጃልባ ተቐሚጡ ድማ በዛ ኣብ ዘመናት ዝኽራን ኣገዳስነታት ከይሃሰሰ ዝነብር ዘሎ ዓባይ ምስላ ጌሩ ክምህሮም ጀመረ። እቲ ምስላ ሰለስተ መሰረታውያን ባእታታት ዝቖመ እዩ፥ ዘራኢ፡ ዘርኢ፡ ግራውቲ። እቲ ዘራኢ ተባሂሉ ዘሎ ንሱ ብዕሉ እቲ ወዲ ሰብ ዝዀነ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። እቲ ዘርኢ ድማ እቲ ቃል መንግስቲ ተባሂሉ ዘሎ ቃል ቅዱስ ወንጌል እዩ። እቲ ግራውቲ ድማ በብናቱ ንመንነት ሰባት ዝውክል መግለጺ እዩ። ኣብቲ ዝሃቦ ምስላ፡ ሰባት ብመንጽር ቃል ኣምላኽ ኪረኣዩ እንከለው ኣብ ኣርባዕተ ዓበይቲ ክፍልታት ከም ዝኽፈሉ ገለጸ። ነፍሲ ወከፍ ክፍሊ ኣጀማምራን ኣፈጻጽማን ናይቲ ሰብ ዘመልክት እዩ። እቲ ዘራኢ ክዘርእ ከሎ፡ ነቲ እኽሊ ዝወድቐሉ ዓይነት ናይ ምድሪ ኣይመርጸሉን እዩ። እቶም ክፍልታት ከኣ ከምዞም ዝስዕቡ እዮም።

1. ጥቓ መገዲ ዘሎ መሬት፥ እዚ መሬት እዚ ምሳሌ ናይቲ ንቃል ኣምላኽ ዝሰምዕ ግናኸ ዘየስተውዕል ሰብ እዩ። ዘየስተውዕለሉ ምኽንያት ድማ እቲ ብኣዕዋፍ ተመሲሉ ዘሎ ዲያብሎስ ነቲ ቃል ስለ ዝምንጥሎ እዩ። እዚ ማለት፡ ቃል ኣምልኽ ኣብ ዝንገረሉ ወይ ዝንብበሉ ግዜ ብዝተፈላለየ ሓሳባት ኣቃልቦና ከም ዝውሰድ ብምግባር፡ ብኵሉ ኣስተንትኖን ተመስጦን ነቲ ቃል ኣምላኽ ከይንሰምዕን ከይንቕበሎን ብምትዕንቓፍ እዩ። ኣብ ጥቓ መገዲ ዘሎ መሬት ብባህርዩ ብዙሕ ምንቅስቓስ ናይ ሰባት ዝረኣየሉ ቦታ እዩ። ካብዚ ዝተላዕለ ድማ ህድኣት ዘይብሉ ቦታ ከም ምዃኑ መጠን ንምስትንታን ኣይጥዕምን እዩ። ብተወሳኪ ካብ ብዝሒ ናይ ዝረግጽዎ ሰባት ዝተላዕለ እቲ መሬቱ ዝተሰገደ ስለዝኸውን ነቲ ኣብኡ ዝወደቐ ዘርኢ ዝቐብረሉ ሓመድ ስለ ዘይብሉ፡ እቲ ዘርኢ ኣዕዋፍ መጺኤን ክሳብ ዝወስድኦ ኣብ ላዕሊ እዩ ዝጸንሕ። ስለዚ ጸገም ናይዚ ከምዚ ዝበለ ሰብ ኣብቲ ምስ ኣምላኽን ቃሉን ዘሎና ዝምድና ኣብቲ ናይ መጀመርያን መሰረታውን ዝዀነን ናይ ምስትውዓል ነገር እዩ ዘሎ። ብምስትውዓል ዘይሰማዕናዮን ዘየንበብናዮን ቃል ኣምላኽ ኣብ ልብና ናይ ምብቛል፡ ሱር ሰዲዱ ናይ ምዕባይ ይኹን ናይ ምፍራይ ተስፋ ከም ዘይብሉ ፈሊጥና ንምስትውዓል ከነጥርያ ይግብኣና።

2. ከውሒ ዘለዎ መሬት፡ኣብ ልዕሊ እቲ ከውሒ ቅሩብ (ረቂቕ) ሓመድ ኣለዎ። ማይ ክሃርም ከሎ ንውሽጢ ክዘሩቕ ስለ ዘይክእል እቲ ሓመድ ቐልጢፉ እዩ ማይ ዝጸግብ ቐልጢፉ ከኣ የብቁል። ብኣንጻሩ ጸሓይ ክትወጽእ ከላ ከኣ ኣብ ቀረባ ስለ ዘሎ ቀልጢፉ ሃፊፉ ይውዳእ እሞ ቀልጢፉ ከኣ ይሓርር። ስለዚ ዝሓሽ ውጽኢት ክርከብ እንተዀይኑ፡ እቲ ከውሒ ክእለ ኣለዎ። እዚ ከኣ ምሳሌ ናይቲ ቀልጢፉ ብሓጎስ ዚቕበልን ግናኸ ቀልጢፉ ዝኽሕድ ሰብ ምሳሌ እዩ። እቲ ከውሒ ብሓመድ ስለ ዝተኸድነ ንምርኣዩ ኣሽጋሪ እዩ። እቲ ከውሒ ነቲ ማይ ንውሽጢ ንኸይኣቱ ይኽልክሎ፡ ነቲ ዘርኢ እውን ኣዕሚቑ ሱር ከይሰድድ ይገብሮ። ስለዚ ቃልን መንፈስን ናይ ኣምላኽ ናብ ልብና ከይሰርጽን ሱር ከይሰድድን ዝኽልክል ባህርያት ከይህልዉና ክንጥንቀቕ የድሊ። ከውሒ ናይ ተሪር ልቢ ምሳሌ እዩ። እግዚኣብሄር ድማ ነቲ ናይ እምኒ ልቢ ኣውጺኡ ናይ ስጋ ልቢ ክልውጥ ይኽእል እዩ (ኢሳ 52 ህዝ 1119-20 ህዝ 3626) እቲ ነዚ ክርስትያን እዚ ዝዕንቀፎ ዘሎ መከራ እዩ። መከራ ንክርስትያን ብዝያዳ ንሰላም ዝኸውን ፍረ ጽድቂ ኬፍሪ እዩ ዝገብሮ (እብ 1211) ስለዚ እዮም ከኣ እቶም ኣመንቲ ንመከራ ብሓጐስ ዚቕበልዎ (ግብ 541 2ቈረ 610 ቆሎ 124 ያእ 12 1ጴጥ 16 1ጴጥ 413,16 2ቈረ 74 ፊሊ 217 1ተሰ 16) ስለዚ እዞም ዝዕንቀፉ ዘለው እቲ ዜሐጒስ መልክዕ ናይ ክርስትና ደኣ እምበር እቲ መሪር ገጽታ ናቱ ግን ዘይደልይዎ እዮም። ናይ ከምዚኦም ሰባት ኣብነት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ምርካብ ይከኣል እዩ (2ጢሞ 115-16 2ጢሞ 410) እዚኣቶም ይበቑሉ ግናኸ ከይዓበዩ ይጠፍኡ።

3. እሾኽ ዘለዎ መሬት፦ (ኤር 43) ነዚ መሬት እዚ ነቲ ዘርኢ የብቁሎን የዕብዮን፡ ግናኸ ፍረ ኣይፈርን። እቲ እሾኽ ናይ ሓልዮት ሓዳር፡ ምዕሻዉ ሃብቲ፡ ጓሂ ዓለምን ጣዕሚ ንብረትን ምሳሌ እዩ። እዚ ሰብ እዚ ኣብ ሓደጋ ዘሎ ሰብ እዩ። ምኽንያቱ ኣብ ናይ ምጽራይ ደረጃ ክሳዕ ዝበጽሕ ዓብዩ እዩ። እዚ ምዕባይ እዚ ከኣ ይጥብሮ እሞ ጐዲሉ ከም ዘሎ ኣይርዳእን እዩ። እቲ እሾኽ ማዕረ እቲ እኽሊ ይዓቢ ከም ዘሎ እሞ ይሓንቆ ከም ዘሎ ኣየስተዉዕልን። ኣብ መወዳእታ መዓልቲ ቀዉዒ ተርክቦ። እዚ ባህርይ እዚ ንሃብታማት ጥራይ ኣይኰነን ዝሓቁፍ። ድኻታት እውን ብዝያዳ ይፍተንሉ እዮም። እቲ ሃብቲ ኣብ ኢዶም እኳ እንተዘይኣተወ ኣብ ኣእምሮኦም ንዘሎ፡ ንእኡ ክመጣጠሩ ክብሉ ካብ እምነት ይዝምብሉ። ከምኡ እውን ኣብ ኢዶም ክረኽብዎ ብዘይምኽኣሎም ብጓሂ ዓለም ይሳቐዩ። ጓሂ ዓለም ድማ ሞት ጥራይ እዩ ዘምጽእ (2ቈረ 710) ብሃብቲ ምኽንያት ዝዕንቀፉ ብዙሓት ከም ዘለዉ ቃል ኣምላኽ ይነግረና እዩ (1ጢሞ 69-10,17-20 ያእ 51-6 ማቴ 1916-26)

4. ጽቡቕ መሬት፦ እዚ ጽቡቕ መሬት እቶም ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስናዮም ሰለስተ ኣበራት ዜብሉ እዩ። ዝረግጾ፡ ዝልቕሞ፡ ሱር ከይሰደድ ዝኽልኸሎ ወይ እውን ዝሓንቆ የብሉን። ነቲ ዝሰምዖ ዂሉ የስተውዕሎ፡ ነቲ ዘስተውዓሎ ቃል ከኣ ኣብ ህይወቱ ሱር ሰዲዱ ክዓቢ ይፈቕደሉ። ነቲ ቃል ክሓንቁ ካብ ዝኽእሉ ነገራት ንርእሱ ኣጽርዩ ብትዕግስቲ ናብ ፍረ ዚበቅዕ እዩ። እቲ ፍረ ከኣ ኣብቲ ናይ ምጽራይ መጠን ይምርኮስ። ጐይታ ነቲ ዝፈሪ ጨንፈር ኣዝዩ ምእንቲ ክፈሪ የጽርዮ እዩ (ዮሃ 151-2) እቲ ፍረ ካብ 30 ክሳብ 100 ክበጽሕ ይኽእል። ስለዚ እቲ ዝያዳ ክፈሪ ዝደሊ ሰብ ዝያዳ ክጸሪ የድልዮ። እቲ ፍሬና ከኣ ናብ ምልኣት ኪበጽሕ ይግባእ (መዝ 9213-14 ህዝ 4712 ማቴ 38 ዮሃ 1224 ዮሃ 1516 ሮሜ 74)

መደብ ኣምላኽ ንዓና ክንከይድን ነባሪ ዝዀነ ፍረን ክንፈሪ እዩ (ዮሃ 1516) እቲ ፍረ እቲ ድማ እቲ ንኣምላኽ እንመስለሉ ብፍረ መንፈስ ቅዱስ ዝጽዋዕ ኣምላኻዊ ባህርያት እዩ። እዚ ባህርያት እዚ ኣባና ክግለጽ እንተ ዀይኑ እቲ ነዚ ፍረ ዘምጽእ መንፈስ ቅዱስ ኣባና ክሓድር የድሊ። እቲ ንሱ ዝሓድረሉ ቦታ ድማ መቕደስ ልብና እዩ። እዚ ድማ፡ ነቲ መንፈስን ህይወትን ዝዀነ ቃል መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ብምስማዕን ብምቕባልን እዩ (ዮሃ 6:63 ሮሜ 1017 ገላ 3:2) ካብቲ ቀዳምይ ዓይነት ግራት ንምንጋፍ ኣቃልቦና ኣብቲ ዝበሃል ምንባር ወሳኒ እዩ። ነዚ ድማ እዩ ጐይታ ክንጽሊ ከለና ቤትና ክንዓጹ ዝመሃረና። እዚ ዝበሎ ድማ፡ ካብ ኩሉ ከጓናድበና ዝኽእ ነገር ተሓሊና ብኵሉ ኣቃልቦን ተመስጦን ክንሰምዖን ክንቕበሎን ከም ዘሎና ንምምልካት እዩ። በቓልቦ ዝሰማዕካዮ ክቦቕል ባህርያዊ እዩ። እቲ ዝበቖለ ክዓቢ ግና ሱር ዝሰደሉ ቦታ ክረክብ ናይ ግድን እዩ። ካብቲ ከውሒ ዝዀነ ዘይኣምልን ልቢ እንናገፍ ድማ፡ ንቓል ኣምላኽ ከም ቃል ኣምላኽ ብምእማን እዩ። ንሓደ እትኣምነሉ ነገር ዋጋ ክትከፍለሉ ስለ ዘየጸግም፡ ምእንቲ እቲ ቃል መከራ እንተ መጸ ብሓጐስ ደው ክንብል ኣይክከብደናን እዩ። ጸላኢ ኣብቲ ክልተ ፈተናታቱ ማለት፡ ነቲ ቃል ብምስትዏል ከም ዘይንሰምዖ ብምግናርን መከራ/ስደት ብምልኣኽን ከሰናኽለና እንተ ዘይክኢሉ ዝቅርበልና ዝሓየለ መሰናኽል እቲ ካብ ዓለምን ስጋን ዝነቐለ ፈተና እዩ። ፍትወት ስጋ፡ ምዕሻው ሃብቲ ወዘተ ዝኣመሰሉ ፈተናታት ብምቅራብ ኣብ መንፈሳዊ ህይወትና ፍረ ዘለዎ ናብራ ከም ዘይርከበና ንምግባር ይፍትን።

 

እቲ ነዚ ኩሉ ፈተናታት ሰጊሩ ዝከደ ሰብ እቲ ብምስትውዓል ዝሰምዕ፡ ነቲ ዝሰመዖ ቃል ድማ ኣብ ቅኑዕን ጹቕን ልቢ ዝዓቝሮ ሰብ እዩ። ንቓል ኣምላኽ ከም ቃል ኣምላኽ ዝኣምን ብስጋውን ዓለማውን ነገራት ዘይታለል ቅኑዕን ጽቡቕን ልቢ ኣለዎ። መከራ እንተ መጸ ድማ ክሳብ እቲ ኣብ ልቡ ተዘሪኡ ዘሎ ዝቦቐለ፡ ቦቒሉ ድማ ዝዓበየ ቃል ኣብ ፍረ ዝበጽሕ ዝዕገስ እምበር ቦትኡ ዘይገድፍ ሰብ እዩ። ስለዚ ሎሚ በቲ መሰረታዊ ዝዀነ ናይ ምስትውዓል ነገር ንጀምር። ኣንበሳ ጓዚሙስ መን እዩ ዘይፈርህ፡ ከም ዝተባህለ ነቲ ንጉሳዊ ዝዀነ ቃል ኣምላኽ ብፍርሃትን ብምስትውዓልን ንሰምዖ ከም ዘለና ክነርጋግጽ ይግብኣና። እቲ ልብካ ሂብካ እትሰምዖ ኩሉ ኣብ ኣተሓሳስባኻን ባህርያትካን ለውጢ ከምጽእ ባህርያዊ እዩ። እቲ ኣብ ልብና ክቦቝል ዝጀመረ ቃል ኣምልኽ ሱር ሰዲዱ ክዓቢ፡ ዋዒ ሓዊ እንተ ኣጋጠመውን ናብ ተጻዊርዎ ብህይወት ክቕጽለሉ ዝኽእለሉ ኵነታት ክበጽሕ፡ ተሪር ናይ ዘይምእማን ባህርይ ካባና ክእለ ኣለዎ። ሓደ ካብቲ ንልብና ዘትርር ነገራት ተደጋጋሚ ናይ ሓጢኣት ተመኽሮ እዩ። ከይተነሳሕናሉ ዝሓልፍ ሓጢኣታት ተደራሪቡ ንልብና ናብ (ናይ ምእማን) ህዋሳቱ ዘጥፍኣ እምኒ ዝልውጥ ሓደገና ተርእዮ እዩ (እብ 3: 12-13) እቲ ካልእ ክህልወና ዘለዎ ድማ ትዕግስቲ እዩ። ንሓደ ዝተዘርአ ዘርኢ በሓደ መዓልቲ ፍረ ከም ዘይትጽበየሉ፡ ከምኡምውን እቲ ኣምላኽ ካባና ዝደልዮ ፍረ ኣብ ምርካብ ትዕግስቲ ወሳኒት እያ (ያእ 57-11 መክ 10:4) እቶም ዝዕገሱ ክፈርዩ ንነፍሶምውን ከጥርዩዋ እዮም (ሉቃ 21:19) ነቶም በዚ ከምዚ ዝበለ መገዲ ንቃሉ ሰሚዕም ብምፍራይ ዘክበርዎ ሰባት፡ ጐይታ ድማ ኣቦይን ኣደይን ንሳቶም እዮም ኢሉ የኽብሮም (ሉቃ 821 ዮሃ 158)

 

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ኤርትራ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ

ዕለት፥     ሰንበት ሓምለ 30, 2017     ሓምለ 23, 2009 (ግእዝ)

ናይቲ መዓልቲ ስብከት

መዝ 1478

ዘይገለብቦ ለሰማይ ብደመና። ወያስተዴሉ ክረምት ለምድር። ዘያብቍል ሣዕረ ወስተ ኣድባር።

ነቲ ንሰማያት ብደበና ዜጐልብብ፣ ንምድሪ ዝናም ዜዳሉ፣ ናብ ኣኽራን ሳዕሪ ዜብቊል፣

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ንባብ

ኣንባቢ

1 ቈረ 1533-51

ዲያቆን

ወንጌል  ሉቃ 81-22

ያእ 516-ፍጻሜ

ንፍቀ ዲያቆን

ቅዳሴ ዘኤጲፋንዮስ። (ዓብይ)

ግሃ 2711-21

ንፍቀ ካህን

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div