S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ርሑስ ትንሣአ

ነበሥር ቅዱስ ብሥራት

ከም ማርያም መግደላዊት፡

ኣይንደንጒ ንሓንቲ ኻልኢት

እወኒ ንሓንቲ ኻልኢት፡

ንኣውጅ ሥዕረትወ ሥዕረት

ናይ ኃይሊ-ሞት ሥዕረት

ብበዂሪ ካብ ምዉታት

ብትንሣአኡወ ኻብ ሞት፥

 

ናይ ማቴዎስ ብሥራት

ናይ ማርቆስ ብሥራት

ናይ ሉቃስ ብሥራት

ናይ ዮሓንስ ብሥራት

ከቶ ዘይዋቃዕ ብሥራት

እንከ ነዘንቱ ብሥራት

ናየግዚእና ሎጎስ ብሥራት

ናይ ትንሣአኡ ብሥራት፥

 

ናይ ወንጌል ብህለት

ብቋንቋ ጽርኢ ብሥራት

ዜና ብመበሠርቲ ብሥራት

ክልተ እንካብ ሓዋርያት

ክልተ እንካብ ኣርድእት

ንሕናውን ነዘንቱ ብሥራት

ኬየባተኽና ናየግዚእ ብሥራት

ብርሃን ዝቀንጠጠ ጸልማት።

 

መስዕ ባሕር ኣዜብ

ምሥራቅ ዲዩ ምዕራብ

ሊባ ሰሜን ደቡብ፡

ትነብሩ ፈቀዶኡ ዶብ

ሓጐስ ይምልኣዮ ኣልባብ

ናይኩም ኅልና ኣልባብ

ስለዩ ትንሣአ ጥበብ

እወኒ ትንሣአ ጥበብ።

 

እኖታት ኸማኡ እነሓጐታት

ኣቦታት ኸማኡ ኣበሓጐታት

ኃውቲኖታት ኸማኡ ኣሞታት

ኣኮታት ኸማኡ ኃወቦታት

ንዕልቲታት ኸማኡ ዘማታት

ደቂ ኣኃት ምስ ኣኅዋት

መታዕብይቲ ኸማኡ ሓኖታት

ካህናት ኸማኡ ዲያቆናት፥

 

መማህራነይ ምስ ጒላማት

ናይ ገዛውትና ኣዴታት

ዘዕበኽናና ብምርቃ በረኸት

መታን ኪንከውን በረኸት

ወግሐ-ጸብሐ በረኸት

ብናይ የሱስ ንብረት

ዘለዓለማዊ ፈልፋሊ ሕይወት

ዘይነጽፍ ፈልፋሊ ሕይወት።

 

ይበልኩመ ኲላትኩመ ደስ

ተድላ ይምላኣና ደስ ደስ

ናይ ሓጐስወ ሓጐስ፡

ንጸልት ምእንቲ ሰላም

ዓድና ኪወርዳ ሰላም

ጐረባብቲ ኺወርደን ሰላም፡

ኪቅንጠጥ እዙ ሕማም

ናይ ኮረና-19 ሕማም።

 

ተሰናድአት

ሰዓት 11:55 ንጋሆ

ሚያዝያ 24 2013

05-02-2021 .

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div