S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3
ኩሉ ነናቱ መዕቀኒ ከም ዘለዎ፡ ሓዋርያዊት ቤተ ክርስቲያን ድማ፡ ናይ ገዛእ ርእሳ መስርሕ ጸጋ ዝዀነ መዕቀኒ ኣለዋ። ሰይጣን ግና ነዚ ቅዱስ መዕቀኒ ጸጋ እዚ፡ ካብ ጥንቲ ኣትሒዙ ክበታትን ዘይገብሮ ጻዕርታት የልቦን። እንተዀነ ቤተ ክርስቲያን ንጻዕርታት ሰይጣን ብጸጋ መንፈስ ቅዱስ እናተመርሔት ንሓይሊ ሰይጣን እናበናጠሰት ንቕድሚት ድኣ ትስጉም ኣላ እምበር፡ ጠጠው ከብላ ዝኸኣለ ሓይሊ የልቦን። ንኣብነት ካብቶም ንቤተ ክርስቲያን ሓይላን ቅልጽማን ዝዀኑ ብሸውዓተ ምሥጢራት ዝፍለጡ፡ ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ተሰርዑ፡ ንኹሉ ሰብ ብነጻ ዝተዓደሉ ጸጋታታ፡ መልህቖም ኣብ መንፈስ ቅዱስ ስለ ዝገተሩ ብበብዓነቱ ዝዀነ ፈተናታት ሰይጣን ከህስሶም እኳ እንተፈነ፡ እዞም ሸውዓተ ምሥጢራት እዚኣቶም ንኽልተ ሽሕ ዓመታት ዝኣኽል ነቕ ኣይበሉን።

ከመይሲ ሥጋዊ ህይወትና ልደትን ዕቤትን ካልኦት ነገራትን ከም ዘለዉዎ፡ መንፈሳዊ ሕይወትና ድማ ከምኡ ልደትን ዕቤትን ኣለዉዎ። በዚ መሰረት ሓደ ሰብ መንፈሳዊ ልደት ዝረክብ ብእምነትን ብምሥጢረ ጥምቀትን ከም ዝኰነ ስለ ዝተረዳእና እዩ። ካብኡ ቀጺሎም ድማ፡ ንመንፈሳዊ ልደት ክርስቲያን ዘዕብዩ፡ ምሥጢረ ሜሮንን ምሥጢረ ቁርባንን ቅደም ተኸተል ክረክብ ይግባእ። ንሳቶም ድማ ንመንፈሳዊ ልደት ክርስቲያን ናብ ፍጽምና የብጽሕዎ። ስለዚ እቲ እዞም ሰለስተ ቀዳሞት ምሥጢራት ዘምጽኡልና ሓድሽ ክርስቲያናዊ ህይወት፡ምሥጢራዊ ዕብየት ጸጋ ይብሃሉ ነዚኣቶም ድማ በብሓደ ከፋፊልና ክንርእዮም ክንፍትን ኢና።

እቶም ብካልኣይ ደረጃ ተመዲቦም ዘለዉ ድማ፡ እቶም ንኣገልግሎትን ሓድነትን ቤተ ክርስቲያን ዝጠቕሙና ምሥጢራዊ ጸጋ ዘውህቡና፡ ማለት ምሥጢረ ክህነትን ምሥጢረ ተኽሊልን ብኻልኣይ ደረጃ ክንርእዮም ኢና። እቶም ብሳልሳይ ደረጃ እንርእዮም ድማ፡ ሰብ ስለዝዀንና፡ ንዝተፈላለዩ ሕማማት ነፍስን ሥጋን ቅሉዓት ኢና። ነፍስና ብሓጢኣት ኣብ ዝተታሕዘትሉ እዋን፡ ፈውሲ ነፍስና ዝዀነና ምሥጢረ ንስሓ እዩ። እቲ ብኻልኣይ ደረጃ ተሰሪዑ ዘሎ ድማ፡ ሥጋና ብዴዌ ኣብ እተታሓዘትሉ ግዜ፡ ፈውሲ ሥጋና ክኸውን ተዳልዩልና ዘሎ ምሥጢረ ቀንዴል እዩ። እምበኣርከስ ሸውዓተ ጸጋታት ቤተ ክርስቲያን በዚ ዝገለጽናዮ መደባት ቅደም ተኸተል፡ ካብ ብብዙሑ ብውሕዱ ከምዚ ዝስዕብ ጌርና ክንገልጽ ክንፍትን ኢና።

ጸጋ ጥምቀት

ጥምቀት፡ ብዙሕ እዩ ዓይነቱ። ንኣብነት ጥምቀት ማይ፡ ጥምቀት መንፈስ ቅዱስ፡ ጥምቀት ስቓይ እናተባህሉ ከከም ኩነታቶም ከም ዝጽውዑ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ተማሂርናዮ ኣሎና (ሉቃ. 316 1250) ሓደ ካብዞም ክርስቲያናዊ ጥምቀታት እዚኣቶም፡ ጥምቀት ማይ እንተ ረኤና፡ ነዞም ዚስዕቡ ሓሳባት ይጠመር።

  1. ንድሕነት
  2. ንንጽህና  (ማር፡11-4 ዮሃ፡. 322-25 ግብ. 2216 ቲቶ. 35)
  3. ንምሕዳስ ህይወት (ማር. 148 1ጰጥ. 318-22)
  4. ንማሕበራውነት ኣብ ኣካላት ክርስቶስ (1ቄረ. 113 102 ገላ. 327 ሮሜ 63-4)
  5. ንቕድስና የጠቓልል።

ጥምቀት ብሉይ ኪዳን ንድሕነት፡ ብኖህ፡ ብኣብርሃም፡ ብሙሴ፡ መስትያት ንሓድሽ ኪዳን ኵይኑ ከም ዝነበረ ነንብብ፡ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ድማ፡ ንብሉይ ኪዳን ክትርጉም፡ ቀቅድሚ ክርስቶስ ጥምቀት ብማይ ንንስሓ ዝጀመረ ዮሃንስ ወዲ ዘካርያስ ነበረ። በቲ ዝገብሮ ዝነበረ ተግባር ድማ ዮሃንስ መጥምቕ ተባህለ። ጥምቀት ዮሃንስ ግና ነቲ ድሕሪኡ ዝመጽእ ዝነበረ ጥምቀት ክርስቶስ ዝእምት፡ ናብ ንስሓ ዘብጽሕ ድኣምበር፡ ናብ ጸጋ ድሕነትን ናብ ንጽህናን ናብ ምሕዳስ ህይወትን ናብ ኣካልነት ክርስቶስን ናብ ቅድስናን ዘብጽሕ ኣይነበረን (ማቴ. 311-12) እቲ ብክርስቶስ ዝተፈጸመ ጥምቀት ክርስቲያናት ግና፡ ናብቲ ብክርስቶስ ዝተፈጸመ ኵሉ ተግባር ጽድቂ ኣብጽሓና ጥራይ ዘይኰነ፡ ብዘይ ኣፈላላይ ኣይሁዳውያን ወይስ ጽርኣውያን፡ ባሮት ወይስ ጭዋታት እንተ ዀንና፡ ንሕና ዅላትና ሓደ ሥጋ ምእንቲ ኽንከውንሲ፡ ብሓደ መንፈስ ተጠሚቕና ኢና እሞ፡ ሓደ መንፈስ ሰቴና  ክንብል ኣብቅዓና (ሮሜ 63-4 1ቁረ. 1213) ከም ዝበለ ሓዋርያ ጳውሎስ። ንኹልና ብሓደ መንፈስ፡ ናብ ድሕነት ሓድሽ ህይወትን ቅድስናን ብማይ ገይሩ ዘጽርየና ክርስቶስ ተገልጸ። ብመዓልቲ በዓል ሓምሳ ድማ እዚ ብሥም ቅዱስቲ ሥላሴ ዝተጸምዔ ማይ ምእንቲ ክቅድስ፡ መንፈስ ቅዱስ፡ ኣብ ልዕሊ ቤተ ክርስቲያን ወረደ እሞ ብእኡ ተቐደስና (ግብ. 15 21-4)

 

ጸጋ ምሥጢረ ጥምቀት ኣይድገምን

ጥምቀት ማለት ነቲ ካብ ኣዳም ዝወረስናዮ ሓጢኣትን ንሕና ዝፈጸምናዮ በደልን ኩሉ ደምሲሱ ካብ መንፈስ ቅዱስ እንደገና ክንውለድ ዝገብረና ናይ መጀመርታ ጸጋ እዩ። እዚ ዝፍጸም ድማ እቲ ሓዋርያዊ ቅብኣተ ክህነት ዘለዎ ካህን ብመሰረት ጸሎት ክርስትና፡ ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ኢሉ፡ ኣብ ማይ ኣእትዩ ምስ ዘውጽኣና እዩ (ሮሜ 6፡1-11)።

 

ኣቐዲምና ከም ዝገለጽናዮ፡ ካብ ኩላቶም መንፈሳውያን ምሥጢራት ዝቕድም ምሥጢረ ጥምቀት እዩ። ምኽንያቱ ሰብ ናብ ውልድነት ሥጋን መንፈስን ክኣቱ ምእንቲ፡ ከምቲ ቅድም ካብ ወለዱ ኣብ ማህጸን ተቐቢሩ፡ ብሥጋ ተወሊዱ ናብ ህላውነት ዝመጸ፡ ናብ መንፈሳዊ ውልድነት ክኣቱ ድማ ኣብ ማይ ተቐቢሩ፡ ንሓድሽ መንፈሳዊ ልደት ክትንስእ ግድን እዩ። ብርግጽ ንሥጋዊ ልደት፡ በዒንትና ስለ ንርእዮ፡ ኩላትና ብህይወት ዘሎና ምስክር ኢና። ብመንፈስ ዝፍጸም ልደት ግና፡ መንፈስ ቅዱስ ጥራይ እዩ ምስክሩ። ነዚ ዓቢ ምስክር ዝዀነና፡ እቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ ጐይታ ሥጋ ብምልባሱ፡ ኣብ ማህጸን ድንግል ተቐቢሩ፡ በዘይ ኣዳምዊ ኣበሳ ክነሱ፡ ኩሉ ጽድቂ ምእንቲ ክፍጽም ብኢድ ዮሃንስ መጥምቕ ኣብ ማይ ተቐብረ። ካብዚ ዝዓቢ መርኣያ ጥምቀት ድማ የልቦን። መንፈስ ቅዱስ ድማ ብኡ ብኡ ክምስክረሉ ኢሉ፡ ኩሉ ሰብ እናረኣየ ኣብ መንኩቡ ብኣምሳል ርግቢ ከም ዝተቐመጠ፡ ኣንቢብና ኣሎና። እግዚኣብሔር ኣቦ ድማ፡ ዘፍቅሮ ወደይ ከም ዝበለ ኣንቢብና ኣሎና። እምብኣርከስ ካብዚ ዝዓቢ ምስክርነት ካልእ የልቦን።

 

ሓደ ካብ ወለዱ ብሥጋ ዝተወልደ ሰብ፡ ንመንፈሳዊ ውልድነት ብመገዱ እንተፈጸሞ፡ ቅድም ብጥምቀት ውሉድ እግዚኣብሔር ይኸውን ብድሕሪኡ ምስቶም ከምኡ ንመንፈሳዊ ውልድነት፡ ካብ መንፈስ ቅዱስ ዝተወልዱ ዝተኣከቡላ መርከብ ኣትዩ ንመንግሥተ ሰማያት ገጹ ይስጉም። እዛ መርከብ እዚኣ ድማ ቤተ ክርስቲያን ተባሂላ ትጽዋዕ። ከምቲ ሥጋዊ ልደት ሓደ ግዜ፡ ግዝረት ሓደ ግዜ፡ መርከብ ኖህ ሓደ ግዜ፡ ምስጋር ባሕሪ ኤርትራ ሓደ ግዜ ጥራይ ዝኰነ፡ ከምኡ ድማ መንፈሳዊ ልደት ሓደ ግዜ ጥራይ እዩ። ከመይሲ ክርስቶስ ሓደ ግዜ ጥራይ ድኣ ተጠምቀ እምበር ደጋጊሙ ኣይተጠምቀን። ስለዚ ድማ ምሥጢረ ጥምቀት፡ ሓደ ግዜ ጥራይ ድኣ ይፍጸም እምበር፡ ፈጺሙ ኣይደጋገምን (ሮሜ 6፡1-11)። ሓዋርያ ጳውሎስ’ውን ደጊሙ ሓንቲ ጥምቀት፡ ሓንቲ እምነት ጥራይ ከም ዘላ ጽሒፉልና ኣሎ (ኤፈ፡4፡5)። መስራቲ ጥምቀት ድማ ጐይታ ባዕሉ እዩ። ከመይሲ ጎይታ ባዕሉ ብኢድ ዮሃንስ ኣብ ሩባ ዮርዳኖስ ብተግባር ከም ዝተጠመቐ፡ ንሕና ድማ ንድሕነትና ከምኡ ክንገብር ባዕሉ ሚሂሩና ኣሎ። ሰብ ካብ ማይን ካብ መንፈስ ቅዱስን እንተ ዘይተወልደ መንግሥተ ሰማይ ከም ዘይኣቱ ጐይታ ሓንሳብ ንሓዋሩ ሓጊጉዎ እዩ (ዮሃ፡ 3፡5)። ስለዚ ድማ እዩ ጐይታ ንሓዋርያት ናብ ምልእቲ ዓለም ከይዶም፡ ቅድም ክምህሩ፡ ነቶም ብምህሮኦም ዘእመኑዎም ዘበሉ ድማ፡ ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጠመቑ፡ ደቀ መዛምርቲ ክገብሮዎም፡ ብዘየዳግም ሓንሳብ ንሓዋሩ ዝኣዘዞም (ማቴ፡ 28፡18-19)።

ዶ/ር ሽሞንዲ ሃይለ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div