ከም ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያንና ብኣቈጻጽራ ግእዝ ካብ “ኖላዊ” ዕለት ታሕሳስ 21 ክሳዕ ታሕሳስ 27 ዘሎ ቕንያት፡ “ኖላዊ” ተባሂሉ’ዩ ዝጽዋዕ። “ኖላዊ” ድማ ናይ ግእዝ ቃል ኰይኑ፡ ትርጕሙ “ጓሳ” ማለት’ዩ። ስለ’ዚ ኸኣ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ መዝሙርን ምስባክን ኣርባዕቲኡ ንባባት ሓድሽ ኪዳንን ብምሉኡ ጓሳ-ጠቀስ ትሕዝቶ ዘለዎ’ዩ። እቲ “ኖላዊ (ጓሳ)” ዚበሃለሉ ዘሎ ድማ ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ’ዩ። እዚ ቕንያት’ዚ እቲ ንጓሳና ዝዀነ መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተወልደሉ ቕንያት’ዩ።
ንሕና ከም ህዝበ-ክርስቲያን መጠን ብዛዕባ እቲ ኣብ ልዕሊ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝወረደ መከራ፡ ስቅያት፡ መቕጻዕትን ናይ ሞት ፍርድን ብዝርዝር ክንፈልጦን ከነስተውዕሎ ብሓቂ ጠቓምን ግቡእን እዩ። ኣብ ቅዱስ ወንጌልውን ተጻሒፉ ከም
“ከም ብመዓልቲ ብቕንዕና ንመላለስ፡ ብጓይላን መስተን ኣይኰነን፡ ብምንዝርናን ዕብዳንን ኣይኰነን፡ ብባእስን ቅንኣትን ኣይኰነን። ንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ደኣ ልበስዎ’ምበር፡ ነቲ ሓልዮት ስጋስ መለዓዓል ትምኒት ኣይትግበርዎ።” ሮሜ 13፡13,14።
ብዕለት የካቲት 10/2005 (3 የካቲት 1997) ምምሕዳር ንኡስ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ጳጳስ ክምደቡልና፡ ክሳዕ ዝምደብ ድማ፡ ኣብ ትሕቲ ቅዱስ ፓትርያርክ ኮይኑ ክካየድ፡ ብደብዳቤ ምጽሓፍና ዝዝከር እዩ።
ሃገር ክበሃል ከሎ ናይ ሓደ ቦታ ጂኦግራፊያዊ ኣቀማምጣኡ፥ ሩባን ኩርባን፥ ጎላጉልን ስንጭሮን ኣዝርእትን እንስሳታትን ባሕርን ኵነታት ኣየርን ወዘተ…
ገዳም ጼዴንያ ካብ ርእሰ ከተማ ሶርያ፡ ደማስቆ 20 ማይልስ ንወገን ሰሜን ኣብ ዘሎ እምባታት ተደኩኑ ዘሎ ጥንታዊ ገዳም እዩ፡፡ ካብ ነዊሕ ዓመታት መንበረ ፓትርያርክ ኣንጾክያ ዝኾነ ገዳም ፡ ብብዙሕ ጥንታዊ ታሪኹ ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ርክብ ዘለዎ ቅዱስ ስፍራ እዩ። ብዙሓት ሊቃውንቲ ቤተክርስትያን ከም ዝገልጽዎ፡ እዚ ገዳም’ዚ ብድሕሪ ቅዱስ ስፍራ ኢየሩሳሌም ብሃይማኖታዊ ኣገዳስነቱ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ይሰርዕዎ፡፡ ካብ ኩሉ ኩርንዓት ዓለምና በብዓመቱ ብርክት ዝበሉ ነጋድያን እምነቶም ከሐድሱ፡ ካብ’ቲ ገዳም በረኸት ክካፈሉ፡ ክፍወሱ ናብዚ ገዳም ይጓዓዙ፡፡
“ኣምላኽ ብዙሕ ሳዕን ብብዙሕ መገድን ቀደም ነቦታትና ብነብያት ገይሩ ምስ ተዛረቦም፡ ኣብ’ዘን ዳሕሮት መዓልትታት ንኣና በቲ ወራስ ኵሉ ዝገበሮ፡ ብእኡ’ውን ዓለም ዝፈጠረ ወዱ ገይሩ ተዛረበና።” እብ 1፡1,2።
(ትርጉም ቤተ ክርስትያን)
(ብዛዕባ ሃገረ ስብከት)
(ትርጉም ኣገልግሎት)
(ዓምዲ ተሳተፍቲ)
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ