S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ሎሚ 1 መስከረም 2001 ግእዝ (መስከረም 11, 2008) በዓል ቅዱስ ዮሓንስ እነብዕሎ ካብ ዝሓለፈ ዓመታት ፍልይ ብዝበለ ኣበዓዕላ እዩ። 

ንሕና ከም ህዝበ-ክርስቲያን መጠን ብዛዕባ እቲ ኣብ ልዕሊ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝወረደ መከራ፡ ስቅያት፡ መቕጻዕትን ናይ ሞት ፍርድን ብዝርዝር ክንፈልጦን ከነስተውዕሎ ብሓቂ ጠቓምን ግቡእን እዩ። ኣብ ቅዱስ ወንጌልውን ተጻሒፉ ከም

ህዝቢ ኣክቡ ቅዱስ ጉባኤ ከም ዘሎ ንገሩ! ዩኤል 216

መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ ናይ ሎሚ ዘመን መበል 12 ዓመታዊ ጉባኤ ኣመንቲ ኦርቶዶክስ ብብፁዓን ጳጳሳት፥ ኣቦታት ካህናት፥ ዲያቆናት፥ ምእመናን ህዝበ ክርስቲያንን መንእሰያት ትምህርቲ ሰንበትን ማዕሪጉ ብልዑል ክብርን ብዝተፈላለየ መንፈሳዊ ንጥፈታትን ንኽካየድ ዘድሊ ምድላዋት ይገብር ኣሎ። በዚ መሠረት ነቢይ ኢዩኤል ‘’ህዝቢ ኣክቡ ቅዱስ ጉባኤ ከም ዘሎ ንገሩ’’ (ኢዩ 216) ከም ዝበለ፡ ነዚ ኣብ ቅዱስ ገብርኤል ቤተ ክርስቲያን ኒው-ዮርክ ዝግበር ዓመታዊ ጉባኤን ክብረ በዓል ገብርኤልን ነፍሲ ወከፍ ኦርቶዶክሳዊ ክሳተፎ ዕድመ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ምዃኑ ነዘኻኽር።

ካብ ኣትራኖስ ቤተ ክርስቲያን - From the pulpit of the Church

ወረደ መንፈስ ቅዱስ። ላዕለ ሐዋርያት ከመ ዘእሳት። ወተናገሩ በነገረ ኲሉ በሐውርት። ዓርገ እምኀቤሆሙ ወይቤሎሙ ጰራቅሊጦስሃ እፌኑ ለክሙ። ዘይሄሉ ዘልፈ ምስሌክሙ ኢየኀድገክሙ ዕጓለ ማውታ ትኩኑ። ዘኢይክል ዓለም ነሢኦቶ። ትርጉም “ መንፈስ ቅዱስ ወረደ፡ ከም ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ካብ ሰማይ ደሃይ መጸ፡ ኣብ ልዕሊ ነፍሲ ወከፎም ከኣ ተቐመጠ። ብኵሉ ቋንቋታት ኪዛረቡ ጀመሩ። ንሱ ኺዐርግ ከሎ መንፈስ ቅዱስ ናባኻትኩም ክሰደልኩም እየ፡ እቲ ዝሰዶ መንፈስ ቅዱስ፡ ዘክታማት ክትኮኑ አይሐድገኩምን እየ፡ ዓለም ነቲ መንፈስ ክትቅበሎ አይኮነላን እዩ።”

ሃገር ክበሃል ከሎ ናይ ሓደ ቦታ ጂኦግራፊያዊ ኣቀማምጣኡ፥ ሩባን ኩርባን፥ ጎላጉልን ስንጭሮን  ኣዝርእትን እንስሳታትን ባሕርን ኵነታት ኣየርን ወዘተ

ትምህርቲ ነገረ-መለኮት ቀውዒ 2005 ካብ ዝጅመር ንደሓር፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰመስተር ብዝውሃብ ትምህርትታት እንዳዓሞቐን እንዳሃብተመን ብምምጻእ፡ እቶም

ረቡዕን  ሓሙስን ክካየድ ብዝወዓለ ናይ ግብጺ ኣዕናዊ ግጭት ኣሕዋት፡ ዛጊት ኣብ መላእ እታ ሃገር 525 ሰባት ተቐዚፎም፡ 3,717 ከኣ ቈሲሎም ኣለዉ፡ ክብል ቢቢሲ ሓቢሩ'ሎ። ኣባላት እስላማዊ ሕውነት ከምዝገልጽዎ ግን እቲ ናይ ምዉታት ኣሃዝ ልዕሊ 2000 ከምዝበጽሕ እዩ። ጠንቂ ናይቲ ግጭት እንታይ ከምዝነበረ፡ ቢቢሲ ከምዚ ዝስዕብ ጸብጻብ ኣቕሪቡ'ሎ።

ካብ ኣትራኖስ ቤተ ክርስቲያን - From the pulpit of the Church

በዚ ዕለት እዚ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝዝመር መዝሙርበሰንበት ዐርገ ሐመረ ገሠፀ ባሕረ። ወገሠፆም ለነፋሳት። ወይቤሎሙ ኢትናፍቁ ወኢይምጻእ ኑፋቄ ውስተ ልብክሙ በከመ ፈነወኒ አቡየ አነኒ እፌንወክሙ ውስተ ቤተ አቡየ ብዙኅ ማኅደር ቦቱ፡ ካዕበ እመጽእ ወእነሥአክሙ። ከመ ተሀልዉ ምስሌየ በመንግሥተ አቡየ ዘበሰማያት።ኮይኑ ፡ትርጉሙ ከኣ ፡ብሰንበት ዓረገ ብሓይሊ ንንፋስን ማዕበል ባሕሪ ገንሖ። ስለምንታይከ ትጠራጠሩ ከምዚ ዝብል ሓሳብከ ከመይ ተልዓለ፡ ከምቲ አቦ ንኣይ ዝልአኸኒ፡ ኣነውን ከምኡ እልእከኩም አሎኹ። ኣብ ቤት ኣቦይ ብዙሕ ማሕደር አሎ። ተመሊሰ ኽመጽእ እየ እሞ ናባይ ክወስደኩም እየ። ምሳይ አብ መንግስቲ አቦይ ኣብ ሰማይ ክትህልዉ ኢኹም።

እቲ ኣቐዲሙ ብዕለት 13 ጥሪ 2006 ብሥልጣን ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ኣምላኽ 3 ፓትርያርክ ኤርትራ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ፡ ካብ ሃይማኖት

ፍልሰት መንእሰያት ካብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን፡- ጠንቁን ሳዕቤናቱንዝብል መጽናዕታዊ ሓሳብ ዱብ ኢሉንስ፡ ሓፍ ምባሉ ክሳዕ ዝስእን ከኣ ነዚ ረዚን ሓሳብ ተሰኪመዮ እዘውር ኣለኹ። እቶም ትማል ምሳና ዝነበሩ እሞ፡ ሎሚ ግን ኣብቲ ካልእ ደምበ ግዒዞም ዘለዉ መጠን-ኣልቦ መንእሰያት፡ ምኽንያት መጥፊኢኦም ኮን እንታይ ኔሩ ይኸውን፡ ንሶም ስለዝበደሉ ጥራይ ድዩ፡ ወይስ ንሕናውን በዲልና ኢና ዝብል ወጣሪ ሕቶ ድማ እየ ንነብሰይ ዝሓታ ዘለኹ። እታ ዝወለደት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ክንዲ ንምእካብ እትጽዕርሲ፡ ንምስጓግን ንምብታንን እትተግህ ብሓቂ ካብ ልባ ኾን ትኸውን?! ዝብል ድማ አስዒበ አስተንትን። ብሓቂ ስምዒታዊ ዘይኮነስ ወድዓዊ ገምጋም የድልየና!!

Subcategories

(ትርጉም ቤተ ክርስትያን)

(ብዛዕባ ሃገረ ስብከት)

(ትርጉም ኣገልግሎት)

(ዓምዲ ተሳተፍቲ)

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div