ኣብ ዕለታዊ ሂወትና ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰብና ሳዕበናቱ ካብ ዘይምግንዛብን ካብ ዘይምርዳእን ወይ ከኣ ካብዘይምግዳስን ካብ ሓልዮት ኣልቦነት ዝተበገሱ ቅሉዕ ቅንኢ፡ ህልኽ፡ ክፋኣት፡ ቅርሕንቲ፡ ኣብ ሕድሕድና ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ኣሕዋትን ኣሓትን ቤተሰብን ብሓፈሻ ኣብ ልዕሊ ደቂ ሃገር ዝተፈላለዩ በደላትን፡ ግፍዕታትን፡ ወዘተ ይፍጸሙ ኢዮም። ንመረዳእታን መምሃርን ዝኸውን እዚ ሲዒቡ ዝቐርብ ኣብነት ብትግሃት ንከታተል።
ኣብ ሃገርና፡ ኣብ ሓደ ዓዲ፡ ክልተ ኣሕዋት ከም ጎረባብቲ ኮይኖም ይነብሩ ነበሩ። ሓዲኦም ብጣዕሚ ሃብታም ሓረስታይ፡ ብዙሕ ንብረትን ጥሪትን ዝውንን ኢዩ። እቲ ሓደ ሓረስታይ ሓዉ ግን፡ ጭው ዝበለ ድኻ ኢዩ። ዝውንኖ ንብረትን ጥሪትን ኣይነበሮን። ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ፡ እቲ ድኻ ናብ ዕዳጋ ጥሪት ክኸይድ ከሎ እቲ ሃብታም ሓዉ ኣብ ሰጋር በቕሊ ተወጢሑ ናብ ገዝኡ ክመጽእ ከሎ ጎፍ ንጎፍ እቲ ሓዉ ኣብ መገዲ ይረኽቦ። እቲ ሃብታም ነቲ ድኻ ሓዉ ናበይ ገጽካ ደኣ ኢኻ ኣንጊህካ ትኸይድ ዘለኻ ኢሉ ብምስትንዓቕ ይሓቶ። እቲ ድኻ ሓዉ ናብ ዕዳጋ ጥሪት ከይደ ዓቕመይ ዝፈቕዶ ኣድጊ ክገዝእ ኢሉ ይምልሰሉ። በቲ ኣድጊ ገይረ ኸኣ ዕንጨቲ አምጺኤ እንዳ ሸጥኩ፡ ከምኡ ውን ነቲ ኣድጊ ንኣገልግሎት እንዳካረኹ ንስድራ ቤተይ ክዕንግል ብምሕሳብ ኢየ ይብሎ። እቲ ሃብታም ሓዉ እሞ ንኽልተና ዝኸውን ንፍርቂ ሓደ ዱልዱል ኣድጊ ዘይንገዝእ ይብሎ። እቲ ድኻ ሓዉ በቲ ዝቐረበሉ ሓሳባት ተሰማሚዑ ብናይ ክልቲኦም ናይ ገንዘብ ወጻኢ ሓደ ወደል ኣድጊ ይገዝኡ። እቲ ድኻ ነቲ ኣድጊ እንዳ ኣካረየ፡ ዕንጨይቲ ካብ በረኻ ዓዶም ኣምጺኡ እንዳሸጠ፡ ገለ ክፋል ንሓዉ ገንዘብ እንዳ ኸፈለ፡ ንቁሩብ ግዜ ስድራ ቤቱ ክኣሊ ድሕሪ ምጽናሕ ዘሕዝን ኩነታት የጋጥሞ። እቲ ሃብታም ሓዉ ፍርቂ ናይቲ ኣድጊ ናተይ (ብጽሒተይ) ስለዝኾነ እቲ ኣድጊ ናባይ ኣምጽኣዮ፡ ኣብ ከብዱ ጭማራ ከእትወሉ እየ ይብሎ። እቲ ድኻ ሓዉ፡ ብስምባደ ከምይ ገርካ ጭማራ ኣብ ከብዱ ተእትወሉ እንተሞተኸ ይብሎ። ይሙት ኣይሙት ኣይግድሰንን ኢዩ፡ እቲ ፍርቂ ኣድጊ ናተይ ምዃኑ ጥራይ ኢዩ ዘገድሰኒ፡ እቲ ብጽሒተይ ከም ድላየይ ክገብሮ ናተይ ጉዳይ ኢዩ ይብሎ። እቲ ድኻ ሓዉ ነቲ ሃብታም ሓዉ ናብ ዳኛ ይኸሶ። ኣብ ቅድሚ ዳኛ እቲ ሃብታም እቲ ፍርቂ ኣድጊ ናተይ ስለ ዝኾነ ከም ድልየተይ ክገብሮ መሰል ኣሎኒ ኢሉ ይከራኸር። እቲ ድኻ ኣብየት ክቡር ዳኛ እዚ ሓወይ ኣብ ከብዲ እዚ ኣድጊ ጭማራ እንተኣእትዩ እቲ ኣድጊ ስለዝመውት ዓገብ በሉለይ ይብል። እቲ ዳኛ ፍርቂ ናይቲ ኣድጊ ናቱ ምዃኑ ክልተኹም ካብ ኣመንኩም እቲ ፍርቂ ናይቲ ኣድጊ ከምድልየቱ ክገብር ይኽእል ኢዩ ኢሉ ይፈርድ። በቲ ፍርዲ መሰረት እቲ ሃብታም ኣብ ከብዲ እቲ ኣድጊ ጭማራ ምስ ኣእተወሉ፡ ወዮ ኣድጊ ብኡ ንብኡ ይመውት። እቲ ድኻ ናብታ ኣቐዲሙ ዝነበራ ሽግርን መከራን ድኽነትን ይኣቱ።
እቲ ድኻ በቲ ዘጋጠሞ ናይ መናባብሮ ጸገም ካብ ዓዱ ወጺኡ ናብ ከተማ ከይዱ ናይ ውዕለት ስራሕ እንዳሰርሔ ስድራ ቤቱ ክናቢ ወሰነ። ገዝኡ ካብ ገዛ ሓዉ ብነጸላ መንደቕ ስለትፍለ ካብ ዓዱ እንተወጸ እታ ገዝኡ ሓዉ ከይጥቀመላ ኢሉ ብሓዊ ከንድዳ እየ ኢሉ ነቲ ሃብታም ሓዉ ይነግሮ። እቲ ሓዉ ከመይ ገርካ ብሓዊ ገዛኻ ተንድዳ እቲ ባርዕ ሓዊ ንገዛይን ንብረተይን ሓዊሱ ከንድዶ ኢዩ ይብሎ። መልሲ ናይቲ ድኻ ሓዉ፡ እቲ ናተይ ጉዳይ ጥራይ ኢዩ ዘገድሰኒ እምበር እቲ ካልእ ንዓይ ዝምልከተኒ ኣይኮነን ኢሉ ይምልሰሉ። ሽዑኡ ክልቲኦም ተኻሲሶም ናብ ዳኛ ይቐርቡ። እቲ ሃብታም እዚ ሰብዚ ገዙኡ ብሓዊ ከንድዶ ስለ ዝወሰነ ብሰበቡ ገዛይን ንብረተይን ስለዝነድድ ዓገብ በለለይ ኢሉ ንዳኛ የመልክት። እቲ ዳኛ ኣብ ናይ ኣድጊ ፍርዲ ጌጋ ከም ዝገበረ ስለዝፈልጥ ኣብዛ እዋን እዚኣ ኣንፈት ፍርዱ ክቕይር ኣይደለየን። ስለዚ እታ ገዛ ናቱ ስለ ዝኾነት ኣብ ልዕሊ ቤቱ ድልየቱ ክፍጽም ይኽእል ኢዩ ኢሉ ንኻልኣይ ጊዜ ዘይቅኑዕ ፍርዲ ይፈርድ። በቲ ፍርዲ መሰረት እቲ ድኻ ነታ ገዝኡ ብሓዊ የንድዳ። በቲ ባርዕ ሓዊ ምኽንያት ድማ ናይቲ ሃብታም ገዛን ንብረትን ተቓጺሉ ነዲዱ ናብ ሓሙኽሽቲ ይልወጥ። እዚ ዝተኻታተልናዮ ኣብነታዊ ታሪኽ ተለኻኺምካ ጥፍኣት ይብሃል።
ኣብ ባህልና፡ ዝሓለፉ ወለድና ከም ዝምስልዎ፡ "ዝገበሩኒ ክገብር ዓዲ ነየጋብር" ከም ዝብሃል፡ ኣብ ቅርሕንቲ ምንባርን ምትህልላኽን፡ ከምኡ ውን ብናይ ትምክሕቲ ድርኺትን ትዕቢትን ንዝኾነ ሰብ ምስትንዓቕን ምጉዳእን ውዒሉ ሓዲሩ ሳዕቤናቱ ከቢድ ዋጋ የኽፍል እዩ። በንጻሩ ግን ብስምዓንን ክሰምዓካን፡ ብልዝብን ብዕርቅን፡ ብስነ-ስርዓትን ብቅኑዕ ኣገባብን፡ ዝፍታሕ ክርክርን ሞገተን፡ ረብሓ እምበር ክሳራ የብሉን።
እዚ ናይ ክልተ ተሃላለኽቲ ኣሕዋት ዘጋጠመ ዘሕዝንን ዘነውርን ተለኻኻሚ ጥፍኣት ኣብ ግምት ብምእታው ንሕና ደቂ ሰባት ካብቲ ኩነታት እንታይ ንመሃር? ካብ ሕሱም ቅንኢ፡ ካብ ቅሉዕ ህልኽ፡ ካብ እከይ ቂም፡ ካብ ዘይቅኑዕ ፍርዲ መን ረብሐ? ንጌጋ ብጌጋ ክትፈትሕ ምፍታን ዝኸፍአን ዝገደደን ጸገም ጥራይ ኢዩ ዘኸትል። ብጀካ ተላኻኺምካ ጥፍኣትን፡ ዕንወትን፡ ጉድኣትን ጥራይ እዩ ዝስዕብ። ካብ ክቱር ጽልኢ ዝገድድ ቅርሕንቲ የለን፡ ካብ ሓሳድ ቅንኢ ዝዓቢ ሕማም የለን፡ ከም ግሁድ ህልኽ ዘቃያይም ክፍኣት የለን፡ ከም ሕሱር ቂም ዘቐንዙ ቁስሊ የለን፡ ከም ዝንቡዕ ፍርዲ ዘነውር ፍሽለት (ገበን) የለን፡ ከም ሕነ ምፍድዳይ ዝኸፍእ ሓጥያት የለን። እዞም ኩሎም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ኣዕነውቲ ተግባራት ኣብ መንጎ እዞም ክልተ ኣሕዋት ብጋህዲ ተራእዮም ኢዮም። ምናልባት ኣብ ኣተሓሳስባና ዘንጊዕና ከይንኸውን ተኻባቢርካ፡ ተፋቒርካ፡ ተረዳዲእካ፡
ተሰማሚዕኻ፡ ተሳኒኻ፡ ተሓባቢርካ፡ ሰናይ ሂወት ክንበር ከምዝከኣል ንዘክር። ከም ፍቓድ ኣምላኽ ኮይኑ ሰላምን፡ ፍቕርን፡ ስኒትን፡ ዘለዎ ሂወት ኣብ ሕብረተ ሰብና ክትከል ናይ ኩላትና ተበግሶን ጻዕርን ይኹን።
ልዑል ኣምላኽ ብምሕረቱን ብረዲኤቱን ወትሩ ይዘክረና።
ዶ/ር ተስፋይ ገብረመድህን
12 መስከረም 2026
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ