መበል 12 ዓመታዊ ጉባኤ ብቡራኬን ጸሎትን ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ሓሙስ ንጉሆ ብወግዒ ምስ ተኸፍተ፥ ብዝተፈላለዩ ስብከታት፥ ሰሚናራትን መዝሙራትን ክሳብ ዓርቢ 23 ሓምለ ቀጸለ። ቀዳም 24 ሓምለ ከኣ ሰዓት 8፡00 ቅድሚ ቀትሪ ዝጀመረ ፍሉይ ጸሎት፡ ብዛዕባ 3ይ ፓትርያርክ ኤርትራ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ፡ ስለ ኩሎም ኣገልገልቲ እግዚኣብሔር ንዕዮ ወንጌል ክብሉ ብማእሰርትን ስደትን መከራ መስቀል ዝበጽሖም ዘሎ ኣመንትን ብምዝካር፥ ከምኡውን ብዛዕባ እታ ወትሩ ተስፍኣ ካብ ኢድ ኣምላኽ ጥራይ ዝኾነት ቅድስት ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራን፥ ብዙሕ ህብዚ ዝተሳተፎ ጸሎተ ቅዳሴን ምህለላን ክሳብ ሰዓት 12፡00 ተኻይዱ። ኣብ ዓመታዊ ጉባኤ መንበረ ጵጵስና ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ንምስታፍ ናይ ክብሪ ዕዱም ኮይኖም ካብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ዓዲ እንግሊዝ ዝመጹ መትሮፖሊታን ኣቡነ ሰራፊም ድሕሪ ቅዳሴ ኣብ ዝሃብዎ ልቢ ዝትንክፍ ስብከትን ሓቀኛ ምስክርነትን ‘’ኣነ ንቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ብወረ ዘይኮነስ ብኣካል እየ ዝፈልጦም። ምስ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ብ1995 ኣ.ፈ በዓለ መንፈስ ቅዱስ መዓልቲ ብሓደ ኢና ማዕርግ ጵጵስና ኣብ ግብጺ ተቐቢእና። እቲ ኣብ ልዕሊ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ዝወረደን ገና ዝቕጽል ዘሎ ግፍዕን መከራን ድማ ካባና ሓሊፉ ንኹለን ኦሬንታል ኣብያተ ክርስቲያናት ብሓቂ ዘሕዘነን ዘሻቕል ዘሎ ከቢድ ጉዳይ እዩ። ይኹን እምበር ንቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ግና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዓቢይ ጸጋ ዘውህቦም ፈተና-እምነት ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን ኢሎም።
መትሮፖሊታን ኣቡነ ሰራፊም ቀጺሎም ካብ ወንጌል ዮሓንስ ምዕ 10፡11-21 ’’እቲ ሕያዋይ ጓሳ ሕይወቱ በጃ ኣባጊዑ ኣሕሊፉ ይህብ፥ በቲ ቅኑዕ ኣፍ ደገ ድማ ይኣቱ’’ ዝብል ጠቒሶም፥ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ድማ ብኦርቶዶክሳዊ ሕጊ ቤተ ክርስቲያንን ሓዋርያዊ ቀኖናን ዝተሾሙ ስለ ዝኾኑ፥ ጌጋን ጉድለትንውን ስለ ዘይብሎም፥ ወትሩ ኣብ ልብና ኣለዉ። ንሕና ድማ ሓቅን ሕግን ሒዝና ኣብ ጎድኖም ኣሎና። እቶም ንሓቅን ሕግን ጠሊሞም ብመንግስቲ ተሾይሞም መንበር መራሒኦምን ልብሲ ማዕርግ ኣቦኦም ዝዘመቱን ግና፥ ቅዱስ ወንጌል ‘’እቲ ናብ ደምበ ኣባጊዕ ብኣፍ ደገ ዘይኮነስ ብኻልእ ዝሓኩር ንሱ ሰራቕን ጕሒላን ከም ዝኾነ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ‘’ ኢሉ ስለ ዝገለጸልና፥ ኣብ መጓሰ ህዝቢ ኣምላኽ ከም ዘየለዉ ብሩህ እዩ። ብሕልንኦም ተረቲዖም ድማ ክጠዓሱ ይግብኦም። ንስኻትኩም ግና ኩልኻትኩም ካህናትን ዲያቆናትን ምእመናንን ሓቢርኩም፥ ኣብቲ ዘሎኹሞ ቅኑዕ መገዲ እግዚኣብሔር ክትጸንዑን ክትብርትዑን ይግብኣኩም’’ ዝብል ምኽርን ማዕዳን ሂቦም። ቀጺሎም እተን ኣባጊዕ ካብቲ በዓል ዓስቢ ድምጹ ሰሚዐን ከም ዝሃድማ፥ ንስኻትኩም ድማ ካብዞም ንእምነት ሓቅን ሓዋርያዊ ሕግን ዝረገጹ ሰባት ክትርሕቁ መንፈሳዊ ግዴታኹም ምዃኑ ከዘኻኽር እደሊ ኢሎም።
ብድሕሪ እዚ ሥነ-ሥርዓት ሲመተ ክህነት ብብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ንዲያቆን ፕሮፈሶር ሃብቱ ገብረኣብ ቀሺ ኣትናቴዎስ ብዝብል ስም፡ ብማዕርገ ክህነት ከገልግሉ ቀቢአሞም። ብፁዕ ኣቦና ቀጺሎም ‘’ንህዝቢ ቃል ወንጌል ክትምግብ፥ ንመጓሰ ህዝቢ ኣምላኽ ነቒሕካ ክትሕሉ፥ ንእግዚብሔር ብጽኑዕ እምነት ከተገልግል፥ ኣሰር ሓዋርያት ተኸቲልካ ብቓልን ብግብርን ልኡኽ (ኣምባሳደር) የሱስ ክርስቶስ ኮንካ ክትነብር ቤተ ክርስቲያን ሕድሪ ሃይማኖት ትህበካ ኣላ’’ ክብሉ ድማ መንፈሳዊ ሓላፍነት ኣሰኪሞሞ። ብተወሳኺ ብፁዕ ኣቦና ንኃው ዶክተር ደሳለ ብማዕርገ ዲቁና ባሪኸሞ። ንኣማሓዳሪ ቅዱስ ገብርኤል ቤተ ክርስቲያን ኒው ዮርክ ኣቦና ቀሺ ኣርኣያ ተስፋይ ከኣ ማዕርግ ቁምስና ተዋሂቦም። ኩሎም ምእመናንን ውሉደ ክህነትን ድማ ብልባዊ ታሕጓስ ‘’ይደልዎ!’’ ዝብል ግሩም መዝሙር ምስጋና ንእግዚኣብሔር ኣመስጊኖም።
ጎይታና ኢየሱስ ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ ‘’ኣነ ዘኽታማት ኮንኩም ክትተርፉ ኣይሓድገኩምን እየ’’ ክብል ኣብ ቅዱስ ወንጌል ዮሓ 14፡18፡ ከም ዝገለጸልና፥ ኣብዚ ናይ ፈተና ጊዜ ነቶም ብጽኑዕ እምነት ኣብ ሓቅን ሕግን ቤተ ክርስቲያን ተኸቲሎም ኣብ ጽላል ቅድስና ኣቡነ እንጦንዮስ ዝጎዓዙ ዘለዉ እሙናት ካህናትን ኦርቶዶክሳውያን ህዝበ ክርስቲያንን ዘኽታማት ክኾኑን ብእዋናዊ ፈተና ሰይጣን ክጭነቑን እግዚኣብሔር ስለ ዘይሓደገና፥ ምምሕዳር ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ብመንፈሳዊ ሓይሊ መሊሱ በርቲዑስ፡ እንሆ ኣብ ናይ ሎሚ ዓመት ጉባኤና ብብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስን መትሮፖሊታን ኣቡነ ሰራፊምን ዓመታዊ ጉባኤና ማዕሪጉ ምክያዱ ንተሳተፍቲ በዓልን ንእዝኒ ኩሉ ሰማዒ ዘሐጎሰን ባህ ዘበለን ተኣምራታዊ ስራሕ ኣምላኽ እዩ። ‘’እወ ጥራሽ ዘይጠፋእናስ ሳላ ምሕረት እግዚኣብሔር እዩ’’ ከም ዝበለ ኣቦና ዳዊት እቲ ካብ ኣብ ኢድ ሰብ ኣብ ሕያወይቲ ኢድ ኣምላኽ ምዕቋብ ይሓይሽ ኢሉ ብእምነት ዝጸንዐ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ድሮ ፍረ ሃይማኖቱ ብግብሪ ኣብ መንእሰያት ይኹን ኣብ ምእመናን ክርእዮ ጀሚሩ ኣሎ። ብዝመጸ ፈተና ሰይጣን፥ ቃል እግዚኣብሔር ከም ዘይእሰርን መንፈሳዊ ኣገልግሎት ቤት ኣምላኽ ከኣ ፈጺሙ ከም ዘይቋረጽን፥ ጉዕዞ ቅድስት ቤተ ክርስቲያንውን ብፈተና ውሕጅ ዓለም ተዋሒጡ ከም ዘይተርፍን ዘረገገጸ ዓቢይ ብሥራታዊ ጉባኤ እዩ ነይሩ።
መበል 12 ዓመታዊ ጉባኤ ምእመናን ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ብውዕዉዕ መንፈስ፥ ብልባዊ ፍቕርን ሓባራዊ ሓልዮትን ብሠናይ ምዝዛሙ፥ ነቶም ካብ ምሉእ ኣሜሪካን ካናዳን ፍቕሪ መድኃኔ ዓለም ገዲድዎም፥ ሕድሪ ሃይማኖት፡ ጾር ህዝብናን ሃገርና ኤርትራን ከቢድዎም ክጽልዩን ክልምኑን ዝመጹ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ደቂ ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ዓቢይ ሓጎስን ፍስሓን እዩ ተሰሚዕዎም። ምኽንያቱ ‘’ኣቱም ኩልኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን፥ ናባይ ንዑ ኣነ ኸኣ ከዕርፈኩም እየ’’ ዝብል ጽሑፍ ስለ ዘሎ፡ ፍትሓዊ እግዚኣብሔር ኣምላኽና ካብቲ ንሕና እንሓስቦን እንልምኖን እምብዛ ኣዕዚዙ ክገብር ዝከኣሎ እሙን ኣምላኽ ብምዃኑ፥ ነቲ ኣብ ተዋህዶ ቤተክርስቲያንና ወሪዱ ዘሎ ጾር ፈተናን ጥልመትን ብመለኮታዊ ጥበቡ ብሰላምን ዓወትን ንኽፍጽሞ ኩሉ ኣማኒ ጸሎቱ ናብ እግዚኣብሔር ኣዕሪጉ እዩ። ዘይታኸስ ሕያው ኣምላኽ ከኣ ጊዜኡን ሰዓቱን ምስ ኣኸለ ከም ዝምልሶ ዘየጠራጥር ሓቂ እዩ። ከመይሲ ንእግዚኣብሔር ዝሓዘ ህዝቢ ኩሉ ግዜ ርእሲ እምበር ጭራ ኮይኑ ኣይፈልጥን እዩ። ማቴ 11፡28።
ኣብ መዛዘሚ እቲ ዓመታዊ ጉባኤ ሰንበት 25 ሓምለ 2010 ኣ.ፈ ናይ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ገብርኤል ኒው ዮርክ ክብረ በዓል ስለ ዝነበረ፡ ድሕሪ ጸሎተ-ቅዳሴ ምዝዛሙ፥ ናይ ታቦት ቅዱስ ገብርኤል ዑደት ሰዓት 11፡00 ቅድሚ ቀትሪ ተኻይዱ። ኣቦታት ውሉደ ክህነት ብከበሮን ጸናጽልን፡ ኣዴታት ብዕልልታን ጣቓዒትን መንእሰያት ድማ ጥዑም መዝሙራት እናዘመሩ፥ ነቲ ሓደ ምሉእ ብሎክ ቀጽሪ ቤተ ክርስቲያን ብሊቃነ ጳጳሳት እናተባረኹ ዑደት ተገይሩ። ሰዓት 12፡00 ቀትሪ ድማ ኩሉ እቲ ኣብ ዓመታዊ ጉባኤ ዝቐነየ ምሉእ ህዝቢ ምስ ውሉደ ክህነትን ኣቦታት ጳጳሳትን ሓቢሩ ኣብቲ ዝተዳለወ ዓቢይ ኣዳራሽ ምሳሕ ንግደት ተኻፊሉ። ንሓደስቲ ተሸየምቲ ድማ ብምምሕዳር ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ዝተዳለወሎም መንፈሳዊ ህያባት ብብፁዕ ኣቦና ኣቡነ መቃርዮስ ተዓዲሉ። ንዓመታ ከምዚ እዋን የጽንሓና ጎይታ! ያብጽሓነ ከመ ኣመ ዮም በሰላም! ብዝብል ያሬዳዊ መዝሙር ምስጋና ድማ ኩሉ ሰብ ብፍቕሪ ኣምላኽ እናተሰዓዓመ ነናብ ቦትኡ ብሰላም ተፋንዩ። ከምዚ ዝዓይነቱ ግሩም ናይ በረኸት ጉባኤ ዝሰርዓልናን ብደሓነ ሰላም ዘፈጸመናን ልዑል እግዚኣብሔር ክብርን ምስጋናን ውዳሴን ንዘለዓለም ንስሙ ይኹን። በረኸት ቅዱስ ገብርኤል ምስ ኩልና ይኩን! ኣሜን።
ስእላዊ መግለጺ ጉባኤ 2010 ንምርኣይ ኣብዚ ጠውቕ
ኣምላኽ ሰማይ ከቕንዓልና እዩ እሞ፥ ንሕና ባሮቱ ተንሲእና ክንዓዪ ኢና!!! ነህ 2፡20
ኣዳላዊት መንፈሳዊ ኮሚቴ በዓል ምስ ምምሕዳር ሰባኻ ጉባኤ
ቅዱስ ገብርኤል ቤተ ክርስቲያን ኒው ዮርክ።
26 ሓምለ 2010 ኣ.ፈ (፲፱ ሓምለ ፳፻፪ ዓ.ም.ግ)
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ