“ስለ ስሙ ኣብ ኵሎም ኣህዛብ ምእዛዝ እምነት ክንተክል ብእኡ ጸጋን ሃዋርያነትን ተቐበልና።” ሮሜ 1፡5። እዚ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ኣርእስትና፡ ካብ’ቲ ነዚ ዕለት’ዚ ዝተመደበ ናይ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ መልእኽቲ ዝተወስደ’ዩ። ኣብ’ዚ ጥቕሲ’ዚ ቅዱስ ጳውሎስ ብዛዕባ ተልእኾ ሃዋርያነቱን፡ ብዛዕባ’ቲ ተልእኾኡ ንምፍጻም ኪሕግዞ ዝተዋህቦ ሓይሊ ጸጋን’ዩ ዚገልጽ ዘሎ። ጐይታ ኣብ’ዛ ዓለም’ዚኣ እምነት ኪተክል’ዩ ዝመጸ። ናይ ምድሪ ተልእኾኡ ፈጺሙ ናብ ሰማይ ዚምለሰሉ ጊዜ ምስ ኣኸለ ድማ፡ ንሃዋርያቱ እዚ ተልእኾ’ዚ ሂብዎም ከደ። ካብ’ቲ ዘመን’ቲ ጀሚሩ እቶም ኣብ መንበር-ሃዋርያት ዝተቐመጡ ዅላቶም ኣገልገልቲ ቤተ ክርስቲያን ነዚ ተልእኾ’ዚ’ዮም ዚርከቡ። ነቲ ማዕርግ ናይ ኣገልግሎት ተቐቢሉ ኼብቅዕ፡ እምነት ጥራሕ ዘይኰነ ምእዛዝ እምነት ኣብ ምትካል ዘይተዓወተ ኣገልጋልን መራሕን ናይ ቤተ ክርስቲያን ድማ ነቲ ናይ ኣምላኽ ተልእኾን ዕላማን ዚዕንቅፍ “ኣገልጋሊ”’ዩ ዚኸውን።
ነፍሲ ወከፍ ምእመን’ውን ነታ ዝተቐበላን ዘላቶን እምነት ኪእዘዛ ዓብዪ ሓላፍነት ኣለዎ። “ንእምነትካ ኣይተኣዘዝካያን” ማለት’ኮ፡ “የብሉን” ንኸይትበሃል ኢኻ ስማዊ እምነት ሒዝካ ዘለኻ’ምበር፡ ብመሰረቱ እምነት የብልካን ማለት’ዩ። ዘይትኵስ ብረት፡ ዘይቈርጽ ሰይፊ ኻብ ምዕጣቕ፡ ነዚ ዅሉ ደርቢኻ፡ ተራ በትሪ ኣልዒልካ ምኻድዶ ኣይሓይሽን፧ ዘይትእዘዛ እምነት ምውናን ድማ ካብ ጥበራ ዚሓልፍ ዝዀነ ዓይነት ረብሓ የብሉን።
ምእዛዝ እምነት እንታይ ማለት’ዩ፧ እቲ ኽንእዘዞ ዚግብኣና ኣካል፡ እግዚአብሔር’ዩ። ንእግዚአብሔር እንእዘዞ ኸኣ ነቲ ዝሃበና ትእዛዝ ብምፍጻም ወይ ብምትግባር’ዩ። ንእግዚአብሔር ብመገዲ ትእዛዛቱ ጌርና ንኽንእዘዞ ኸኣ ናይ ግድን ክንኣምኖ የድልየና። ንዘይኣመንካዮን ንዘይኣመንካሉን ኣምላኽ ክትእዘዞ ዚከኣል ኣይኰነን። ንኣናን ንኣምላኽናን ድንድል (ቢንቶ) ዀይና እተራኽበና ኸኣ እምነትና’ያ። ነቲ ዘይርአ ኣምላኽ ክንርእዮን ክንርድኦን፡ ነቲ ዝኣዘዞን ዘተስፈዎን ኵሉ ኸኣ፡ ርጉጽን ቅቡልን ጌርና ኽንስዕቦን ክንእዘዞን እተኽእለና እምነትና’ያ። ተኣዝዞና ኣብ እምነትና’ምበር ኣብ ኣምላኽ ኣይኰነን ዚምርኰስ። ምእዛዝና ኣብ ኣምላኽ ዚምርኰስ እንተ ዚኸውን፡ ኣምላኽ ፈጺሙ ዘይልወጥ ስለ ዝዀነ ምእዛዝና ድማ ኵሉ ጊዜ ምሉእን ዘየቋርጽን ምዀነ ነይሩ። ምእዛዝና ግን ኣብ እምነትና ስለ ዚምርኰስ፡ ምስ ክብታን ለጠቕታን (ጕድለትን ምልኣትን) ናይ እምነትና፡ ብማዕረ ክብ ኪብልን ለጠቕ ኪብልን ይነብር። ስለ’ዚ ተኣዝዞና እንታይ ከም ዚመስል ከነረጋግጽ እንተ ደሊና፡ ንእምነትና ኽንመዝንን ክንምርምርን ይግብኣና። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ንሰብ ቈረንቶስ፡
“ኣብ እምነት ምህላውኩምን ዘይምህላውኩምን ምእንቲ ኽትግንዘቡ ንገዛእ ርእስኹም መርምሩ፡ ከምኡ’ውን ፈትኑ። ጨሪስኩም ኣብ ምርመራ ወዲቕኩም (disqualified ኴንኩም) እንተ ዘይኴንኩምሲ፡ ክርስቶስ ኣባኻትኩም ከም ዘሎ ኸተስተውዕሉ ኢኹም። ንሕና ግና ኣብ ምርመራ ኸም ዘይወደቕና ኽትፈልጡ ተስፋ እገብር ኣለኹ።” ዝበሎ ቓል፡ ንሕና’ውን ኣብ ህይወትና ኽንጥቀመሉ ይግብኣና’ዩ (2ቈረ 13፡5-7 ካ.ት)። ኣብ ምርመራ ናይ እምነት ውዱቓት ኴንና እንርከብ፡ ንገዛእ እምነትና ዘይንእዘዝ ኴንና ምስ እንርከብ’ዩ። ንእምነቱ ዘይእዘዛ ሰብ፡ ብርግጽ ውዱቕ ሰብ’ዩ።
ናይ እምነት ትእዛዝ እንታይ’ዩ፧ እቲ ዝኣመንናዮ ኣምላኽ ዝኣዘዘና ዅሉ ትእዛዛት፡ ናይ እምነት ትእዛዛት’ዩ። ንኣምላኽ ብዓይኑ ዝረኣዮ ሓደ’ኳ የልቦን። ነቲ ዝሃበና ትእዛዛት ኪዛረቦ ወይ ኪጽሕፎ ኸሎ ኣይረኣናዮን። ነቲ ትእዛዛት ከም ናይ ኣምላኽ ትእዛዛት ጌርና ብርጉጽነት ክንቅበሎ ዚገብረና ደኣ እንታይ’ዩ፧ እታ ኣብ ልብና ዝሓደረት እምነት’ያ። እታ እምነትና፡ “እዚ ዚንገረካ ዘሎ ቓል፡ ናይ ኣምላኽ ትእዛዛት’ዩ’ሞ፡ ግበሮ፡ ተኣዘዞ” እንተ ኢላትና ጥራሕ ኢና ኽንእዘዞ እንኽእል። ናብ ሰብ ተሰሎንቄ ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቱ፡ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፦
“ምእንቲ’ዚ’ውን ነቲ ብኣና እተሰብከ ቓል ኣምላኽ ምስ ተቐበልኩምዎ’ሞ ንሱ ኣባኻትኩም እትኣምኑ ዘለኹም ዚዓይዪ ዘሎ፡ ከም’ቲ ብሓቂ ዀይንዎ ዘሎ ቓል ኣምላኽ’ምበር፡ ከም ቃል ሰብ ስለ ዘይተቐበልኩምዎ፡ ንሕና ኸየብኰርና ንኣምላኽ ነመስግኖ ኣለና።” ብምባል ነቲ ንሱ ዝሰበኾ ቓል፡ ብእምነት ከም ናይ ኣምላኽ ቃል ገይሮም ስለ ዝተቐበልዎ፡ ኣባታቶም ይዓይዪ ኸም ዝነበረ ገለጸሎም (1ተሰ 2፡13)። ንእምነቶም እንተ ዘይእዘዝዋ’ሞ፡ ነቲ ዝተሰብከሎም ቃል ከም ናይ ሰብ ቃል ጥራሕ እንተ ዚርእይዎ ግን፡ እቲ ቓል ኣባታቶም ኣይምዓየየን ኣይመፍረየን ከኣ። ቅዱስ ጳውሎስ፡ ነቲ ናይ ኣምላኽ ቃል፡ “ቃል-እምነት” ኢሉ ሰምይዎ ኣሎ። ሃዋርያ ቕዱስ ጳውሎስ፡ ነቲ ናይ ሊቀ-ነብያት ሙሴ ቓል ብምጥቃስ’ዩ ነዚ ሓሳብ’ዚ ብኸም’ዚ ዚስዕብ ገሊጽዎ ዘሎ።
“እዚ ኣነ (ሙሴ) ሎሚ ዝእዝዘካ ዘለኹ ትእዛዛት፡ ንኣኻ ኣዝዩ ዜሸግርን ካባኻ ዝረሓቐን ኣይኰነን’ሞ፡ <ናብ ሰማይ ዚድይበልናን ዜምጽኣልናን፡ ክንገብሮ ኸኣ ዜስምዓና መን’ዩ፧> ኸይትብል፡ ኣብ ሰማይ ኣይኰነን። “ባሕሪ ዚሳገረልናን ዜምጽኣልናን ክንገብሮ ኸኣ ዜስምዓና መን’ዩ፧” ከይትብል ድማ፡ ኣብ ስግር ባሕሪ ኣይኰነን። እቲ ቓል፡ ምእንቲ ኽትገብሮስ (ክትእዘዞስ)፡ ኣብ ኣፍካን ኣብ ልብኻን ኣዝዩ ቐረባኻ’ዩ።” ዘዳ 30፡11-14
ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ትንቢታዊ ቓል ምስ ክርስቶስ ኣዛሚዱ ብምትርጓም፡ ንዕምቈት ምስጢሩ ብኸም’ዚ ዚስዕብ ገለጸልና። “እቲ ኻብ እምነት ዚመጽእ ጽድቂ ግና ከም’ዚ ይብል፡ “ብልብኻ፡ <መን ናብ ሰማይ ኪድይብ’ዩ፧’ ኣይትበል”፦ እዚ ማለት ንክርስቶስ ኬውርዶ፦ ወይስ “ናብ መዓሙቕሲ መን ኪወርድ’ዩ፧' (ኣይትበል)፡' - እዚ ማለት ንክርስቶስ ካብ ምዉታት ኬውጽኦ። እንታይ ደኣ ይብል፧ <እቲ ቓል ኣብ ኣፍካን ኣብ ልብኻን ጥቓኻ’ዩ>፡ እዚ ማለት እቲ ንሕና እንሰብኮ ቃል-እምነት’ዩ።” ሮሜ 10፡6-8።
እቲ ኻብ ኣምላኽ ዝወጸ ቓል፡ “ቃል-እምነት” ስለ ዝተባህለ’ዩ፡ እቲ ንኣምላኽ እነርእዮ ምእዛዝ ከኣ “ምእዛዝ እምነት” ዚበሃል። ነቲ ኸይረኣናዮ እንኣምኖን እነፍቅሮን ኣምላኽ እንእዘዞ፡ ነታ ኣብ ልብና ዘላ እምነት ብምእዛዝን ብግብሪ ኸም እትርአ ብምግባርን’ዩ። ጐይታና ጀማርን ደምዳምን ናይ እምነትና ምዃኑ ዝተነግረና ኸኣ ብእኡ ምኽንያት’ዩ። በታ ኣባና ዝተኸላ እምነት ናብ ተኣዝዞ ስለ ዜእተወና ጀማር እምነትና ይኸውን። ክሳዕ ዕለተ ሞትና ብእምነት ከም ንእዘዝ ብምግባር ከኣ ደምዳሚ እምነትና ይኸውን።
“እዚ ኸይረኣኹምዎ እተፍቅርዎ፡ ሕጂ’ውን ከይረኣኹምዎ ብእኡ እትኣምኑ ዘለኹም፡ ነቲ መደምደምታ እምነትኩም፡ ንሱ ድማ ምድሓን ነፍሳትኩም፡ ምስ ረኸብኩምዎ፡ ብዘይንገርን ክቡርን ሓጐስ ክትሕጐሱ ኢኹም።” 1ጴጥ 1፡8,9።
“ናብ’ቲ ሕፍረት ንዒቑ፡ ስለ’ቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ሓጐስ ኢሉ መስቀል እተዓገሰን ኣብ የማን ኣምላኽ እተቐመጠን ጀማርን ደምዳምን እምነትና ኢየሱስ ንጠምት።” እብ 12፡2።
እቶም ከይረኣዩ ዚኣምኑ “ብጹኣን” ዚበሃሉሉ ምኽንያት፡ ንእምነቶም እናሰዓቡን እናተኣዘዙን ናብ’ቲ ጀማርን ደምዳምን ናይ እምነቶም ዝዀነ ኢየሱስ ብዓወት ስለ ዚበጽሑ’ዩ። ሃዋርያ ቶማስ ከይረኣየን ከይዳህሰሰን ከም ዘይኣምን ብምዝራቡ ንእምነቱ ዘይእዘዝ ምዃኑ ስለ ዘረጋገጸ፡ ጐይታና “ኣማኒ ምበር ዘይኣማኒ ኣይትኹን” ብምባል ድኻሙ ኣርኣዮ (ዮሃ 20፡24-29)። ምእዛዝ እምነት ኪተኽል ጸጋን ስልጣንን ናይ ሃዋርያነት ዝተቐበለ ሰብ ንርእሱ ምእማንን ንእምነቱ ምእዛዝን እንተ ስኢኑ ኸቢድ ጸገም’ዩ። እምበኣር እምነትን ምእዛዝን ፈጺመን ኪፈላለያ ዘይክእላ መንፈሳውያን ባህርያት ምዃነን ወርትግ ክንዝክረንን፡ ኣብ ህይወትናን ኣገልግሎትናን ብማዕረ ኸነዕብየንን ይግብኣና (ሮሜ 16፡24,25)። ጐይታ ኣብ’ታ ምስጢረ ቍርባን ዝሰርዓላ ምሸት ምስ ደቀ መዛሙርቱ ዀይኑ ኣብ ዝጸለዮ ጸሎት፦
“ስለ’ቶም ብቓሎም ብኣይ ዚኣምኑ ድማ’ምበር፡ ስለ’ዚ’ኣቶም ጥራይ ኣይኰንኩን ዝልምን ዘለኹ።” ብምባል፡ እቶም ምስኡ ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቱ፡ ካብ’ቶም ብቓሎም ጥራሕ ብእኡ ዚኣምኑ ሰባት ዝተፈልዩ ግብራውያን ኣመንቲ ምዃኖም ኣረጋጊጹልና’ዩ (ዮሃ 17፡20)። ካብ’ቲ ኣብ ወንጌል ዝተተረኸልና ህይወቶም ከም እንርእዮ ድማ ናይ ብሓቂ ግብራውያን ኣመንቲ’ዮም ዝነበሩ። ንክርስቶስ ከም መድሓኒኦም ተቐቢሎም ምስ ኣመንዎ፡ ጐይታና ሓደ እዋን ብሃንደበት፡ “ስዓቡኒ” ኢሉ ጸውዖም’ሞ “ቈልዓ ሰበይተይን ዋኒነይን” ከይበሉ፡ ንዅሉ ራሕሪሖም ስዒቦምዎ ደድሕሪኡ ኸዱ።
“ስምኦንን እንድርያስ ሓዉን ገፈፍቲ ዓሳ ነበሩ’ሞ፡ መርበቦም ናብ ባሕሪ ኺድርብዩ ረኣየ። ኢየሱስ’ውን <ኣነ ድማ ገፈፍቲ ሰብ ክገብረኩም’የ፡ ንዑ ስዓቡኒ>፡ በሎም። ብኡንብኡ መርበቦም ሓዲጎም ሰዓብዎ። ካብኡ ሓሊፉ ኽልተ ኻልኦት ኣሕዋት፡ ያእቆብ ወዲ ዘብዴዎስን ዮሃንስ ሓዉን፡ ምስ ዘብዴዎስ ኣቦኦም፡ መርበቦም ኣብ ጃልባ ኼዐርዩ ረኣየ’ሞ ጸውዖም። ንሳቶም ከኣ ነታ ጃልባን ነቦኦምን ሓዲጎም ብኡንብኡ ሰዓብዎ።” ማቴ 4፡18-22።
ምእዛዝ እምነት ይብሉኻ ከም’ዚ’ዩ። እዞም ሰባት’ዚኣቶም ብጐይታ ኺሕረዩ ዜብቅዖም ባህርይን ህይወትን ዝነበሮም ሰባት’ዮም። ብዛዕባ’ታ ዝፈረየቶም ስድራ ዀነ ብዛዕባ’ታ ዝፈረይዋ ስድራ ልዑል ሓላፍነት ዚስምዖም ሰባት’ዮም። ብዛዕባ ስድራ ቤታዊ ድሕረ ባይታኦም ዝርዝር ሓበሬታ ኣብ ወንጌል ኪሰፍር ስለ ዘይተደልየ’ምበር፡ ጾር ስድራ ዝነበሮም ሓላፍነታውያን ሰባት ምንባሮም ዘየጠራጥር’ዩ። እንተ ወሓደ ሃዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ፡ ብምኽንያት ሓማቱ፡ በዓል ሓዳር ከም ዝነበረ ተገሊጹልና’ዩ (ማቴ 8፡14,15)። ኪስዕብዎ ኺሓትቶም ከሎ፡ ኬቕርብዎ ዚኽእሉ ብዙሕ ምኽንያት ነይሩ’ዩ። እንተ ወሓደ “ሓዳረይ ኣነባቢረ፡ ዋኒነይን ንብረተይን ወጋጊነ፡ ንስድራይ ዚድግፍ ሓልፋይ ረኺበ ኽስዕበካ፡ ጊዜ ሃበኒ” ኺብሉ ምኸኣሉ ነይሮም። ግን ኣይወዓልዎን፡ ካብ ስድራ ቤታዊ ሓላፍነቶምን ስድራኦምን ንላዕሊ ንጐይታኦምን ንእምነቶምን ኣዕብዮም ስለ ዝረኣዩን ዘኽበሩን፡ “ብኡንብኡ” ደኣ ሰዓብዎ።
ብኣንጻሩ ካብ ንቓል ጐይታኦምን እምነቶምን ንላዕሊ ንስድራ ቤቶም ኣዕብዮም ዚርእዩ ኻልኦት ሰባት ግን ኣይተሳእኑን። “ንሓደ ኻልእ ድማ፡ “ሰዓበኒ”፡ በሎ፡ ንሱ ኸኣ፡ “ጐይታይ ቅድም ከይደ ነቦይ ክቐብሮ ፍቐደለይ”፡ በሎ፡ ኢየሱስ ድማ፡ “ምዉታት ንምዉታቶም ይቕበሩ ሕደጎም፡ ንስኻ ግና ኪድ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንገር” በሎ። ሓደ ኻልእ ድማ፡ “ጐይታይ፡ ክስዕበካ’የ፡ ግናኸ ቅድም ካብ ስድራ ቤተይ ክሰናበት ፍቐደለይ”፡ በሎ። ኢየሱስ ግና፡ <ዕርፊ ብኢዱ ሒዙ ንድሕሪት ዚርእይ፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣይበቅዕን’ዩ>፡ በሎ።” ሉቃ 9፡59-62።
እታ ንዅላቶም ዝቐረበት ትእዛዝ ወይ ዕድመ፡ ሓንትን “ስዓበኒ” እትብልን’ያ። እቶም ምእዛዝ ዝቐዳምነቶም ንምትግባራ ኺፈጥኑ ኸለዉ፡ እቶም ካልእ ቀዳምነታት ዝሰርዑ ግን ንምእዛዝ ኪድንጕዩ ኺፈቕደሎም ነቲ ምእዛዝ ዜፍቅርን ዜኽብርን ጐይታ ለመንዎ። ጐይታ ድማ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይበቕዑ ኣረድኦም። እምበኣር ይትረፍ ብመሰረቱ ንእምነትካ ኸይተኣዘዝካ ኽትነብር፡ ንኽትእዘዝ ምድንጓይን ቀዳምነት ዘይምሃብን’ኳ ብቕዓት ዜስእን ሓደገኛ ምርጫ ምዃኑ ኸነስተውዕል ይግባእ።
ንምእዛዝ እምነት ዚገልጹ ኻልኦት ኣብነታት ኣለዉናዶ፧ እልቢ ዘይብሎም ብዙሓት’ኳ እንተ ዀኑ፡ ነዞም ዚስዕቡ ወከልቲ ኣብነታት ምጥቃስ ይኣክል’ዩ። ኣብ ዕለታዊ ማሕበራዊ ህይወትና እምነትና ኽንገልጸሎምን ምእዛዝና ኸነርእየሎምን ዚግብኣና ሓያሎ ፍጻመታት’ዮም ዜጋጥሙና። ሃዋርያ ቅዱስ ያእቆብ፡ ነዚ ተኽእሎ’ዚ ብስእላውን መጎታውን መልክዕ ገሊጽዎ ኣሎ።
“ኣሕዋተየ፡ ሓደ ሰብ፡ “እምነት ኣላትኒ” እንተበለ፡ ግብሪ (ምእዛዝ እምነት) ግና ካብ ዘይህልዎ፡ እንታይ ይጠቕሞ፧ እዛ እምነት’ዚኣዶ ኸተድሕኖ ትኽእል’ያ፧ ሓው ወይስ ሓብቲ እንተ ዓረቑ፡ ናይ ዕለት መግቢ’ውን እንተ ሰኣኑ’ሞ፡ ንስጋኦም ዜድልይ ከይሃብኩምዎምሲ፡ ሓደ ኻባኻትኩም፡ “ብሰላም ኪዱ፡ ሙቑ፡ ጽገቡ” እንተ በሎም እንታይ ይጠቅም፧ ከምኡ ኸኣ እምነት ግብሪ (ምእዛዝ) እንተ ዘይብላስ፡ ንርእሳ ምውትቲ’ያ። ግናኸ ሓደ ሰብ፡ “ንስኻ እምነት ኣላትካ፡ ኣነ ኸኣ ግብሪ ኣሎኒ” ይብል ይኸውን። እምበኣርሲ እምነትካ ብዘይ ግብሪ ኣርእየኒ፡ ኣነ’ውን ብግብረይ ገይረ እምነተይ ከርእየካ’የ።” ያእ 2፡14-18።
እቲ ብዘይ ግብሪ እምነቱ ኼርእይ ዝመረጸ ሰብ፡ ዝኸበደን ዝኸፍአን ዘየዐውትን ምርጫ ኸም ዘልዓለ፡ ከቶ ዘየጠራጥር’ዩ። ምኽንያቱ ኣፋዊ (ቃላዊ) መግለጺ እንተ ዘይኰይኑ ኻልእ ኪጥቀመሉ ዚኽእል ጥበብ የብሉን። እቲ ኣፋዊ መግለጺ እምነት ድማ ብዝሕን ዓይነትን ናይ ቃላት ካብ ምልውዋጥ ንላዕሊ ኺገብሮ ዚኽእል የብሉን። እቲ ብግብሩ እምነቱ ናይ ምግላጽ ምርጫ ዘልዓለ ሰብ ግን፡ ኣብ ሓንቲ መዓልቲ ጥራሕ እምነቱ ኼርእየሉ ዚኽእል ማእለያ ዘይብሉ ግብራዊ ዕድላት ኣለዎ።
ቀዳማይ ኣብነትና፡ ትዕግስቲ ዚጠልብ ኵነታት ኪኽሰት ከሎ ዚፍጠር ናይ ምእዛዝ ዕድላት’ዩ። ኣብ’ቲ መዓልታዊ ማሕበራዊ ህይወትና፡ ማእለያ ዘይብሎም ትዕግስቲ ኽንገብርን ክንለማመድን ዚዕድሙና ዕድላት (መድረኻት) የጋጥሙና’ዮም። እታ ኣብ ክርስቶስ ዘላትና እምነት ድማ፡ ትዕግስቲ ኸነዘውትር እትእዝዝ፡ ትዕግስቲ ብብቕዓት ኪገልጻ ዚኽእል እምነት’ያ። ስለ’ዚ ንነፍሲ ወከፍ ፈታኒ ዅነታት ብትዕግስቲ ክርስቶስ ክንሓልፎ ኸለና ንእምነትና ንእዘዛን ንገልጻን ኣለና ማለት’ዩ። እታ ንቅዱሳት ጽሑፋት መሰረት ዝገበረት እምነትና፡ ንነፍስና ብትዕግስትና ኸም እነጥርያ፡ እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዚዕገስ ጥራሕ ኸም ዚድሕን እናነገረትና፡ ብዘጋጠመና ዅሉ ዅነታት ከም ቤንዚን ብቚጥዓ ኽንቃጸል፡ ክንበኣስ፡ ክንካሰስ፡ ክንተሃላለኽ እንተ መሪጽና፡ እታ እምነትና ስማዊትን ኣፋዊትን ምዃና፡ ንኽንእዘዛ ዘይኰነስ ንኽንግህሳን ንኸነቃልላን ጥራሕ ኣብ ውሽጥና ኸም ዘሕደርናያ ብግብሪ ነረጋግጽ ኣለና ማለት’ዩ።
ካልኣይ ኣብነትና ድማ ብምኽንያት እምነትና ብመከራ ኽንሓልፍ ዚጠልብ ኵነታት ኪኽሰት ከሎ ዚፍጠር ናይ ምእዛዝ ዕድላት’ዩ። ዚበዝሕ ጊዜ፡ እምነት ኣብ ከም’ዚ ዘበለ ዅነታት’ያ እትጥለም።፡ እዚ ድማ ዋላ ኣብ ምርኡያት ሃዋርያት ከይተረፈ ዝተራእየ ሓቂ’ዩ (ማቴ 26፡31-35,69-75)። መከራ፡ ዘይትጸዓድ እምነት ከም ዘላትና ንኸነረጋግጽ ዚወሃበና ኽቡር ዕድል’ዩ። ካብ ዘመን ሃዋርያትን ሰማእታትን ጀሚሩ ድማ በቶም ምእንቲ እምነቶም ብዜሰክሕ መገዲ ህይወቶም ኪሓልፍ ዝፈቐዱ ናይ እምነት ጀጋኑ፡ ክብሪ ናይ እምነት ክርስትና ተጋሂዱ’ዩ። ሓደ ሰብ ምእንቲ እምነቱ ብመከራን ብሞትን ኪሓልፍ ከሎ፡ “እምነተይ፡ ካባይ ካብ ህይወተይ ንላዕሊ ኣዝያ ዝኸበረት’ያ” ዚብል መልእኽቲ’ዩ ዜመሓላልፍ። ሕማቕ ዕድል ኰይኑ ግን ኣብ ውሽጢ መከራ ንእምነቱ ኪኽሕዳ ዚቐልሎ ሰብ ምብዛሑ ዜሕፍርን ዜሕዝንን’ዩ። ስለ’ዚ ኣብ ከም’ዚ ዝበለ መሪር ሃለዋት’ውን፡ ንእምነቱ ዚእዘዝን ዜዕብይን ህይወት ከም ዝተኸልናን ከም ዝሃነጽናን ከነረጋግጽ ይግብኣና። ነብዪ ዳንኤልን ብጾቱን፡ ዲያቆን እስቲፋኖስን ካልኦት ኵሎም ሰማእታትን ናይ’ዚ ምእዛዝ’ዚ ኣብነትና’ዮም (ዳን 3፡1-30፣ 6፡1-28፣ ግብ 6፡8-15፣ 7፡51-60)። ካልእ ብዙሕ ኣብነታት ምጥቃስ ድማ ይከኣል’ዩ።
እቲ ኣብ መልእኽቲ ናብ እብራውያን ምዕራፍ 11 ተዘርዚሩ ዘሎ ናይ ቅዱሳን ምስክርነት፡ ናይ ምእዛዝ-እምነት ውጽኢት’ዩ። ብዛዕባ’ቶም ብስም ተረቚሖም ዘለዉ ቕዱሳን ተዋሂቡ ዘሎ፡ “ብእምነት ኣቕረበ፡ ብእምነት ገዓዘ፡ ብእምነት ኣዳለዋ፡ ብእምነት ወጸ፡ ብእምነት ተኣዘዘ፡ ብእምነት ሞቱ፡ ብእምነት ስውኦ፡ ብእምነት ባረኾ (መረቖ)፡ ብእምነት ኣዘከረ፡ ብእምነት ኣበየ፡ ብእምነት ሓደጋ፡ ብእምነት ፋስጋ ገበሩ፡ ብእምነት ተሳገሩ ወዘተ” ዚብል ምስክርነታት፡ ንእምነትን ብእምነትን ናይ ምእዛዝ ልዑል ኣብነትና’ዩ።
ኣብ ዝሃለና ሃገርን ኵነታትን ንሃልው ብዘየገድስ፡ መዓልታዊ ንእምነትና እንእዘዘሉ ብዙሕ ዕድላትን ብድሆታትን ይገጥመና ኸም ዘሎ ዘይከሓድ’ዩ። እቲ ኣዝዩ ዜገድስ ግን እቲ ዕድላት ምህላዉን ዘይምህላዉን ዘይኰነስ፡ ንሕና ነቲ ዕድላት ንጥቀመሉ ምህላውና ዘይምህላውናን’ዩ። ነዚ ዅነታት’ዚ ብግቡእ ንኽንጥቀመሉ ኻብ ዜኽእሉና ኣገዳስቲ ረቛሒታት ሓደን ቀዳማይን፡ ብዛዕባ ነፍሲ ወከፍ እንሓልፎ ዅነታት ንቑሓትን ጥንቁቓትን ምዃን’ዩ። ኣብ ዘጋጠመትና ነፍሲ ወከፍ ኵነታት፡ “እዛ ዅነታት’ዚኣ ንእምነተይ ብምንታይ ክእዘዛ’ያ ዕድል ትኸፍተለይ ዘላ፧” ኢልና እናሓተትና ኽንዋሳእ ይግብኣና። እቲ ብኸም’ዚ ብንቕሓት ዚጥንቀቕ ክርስትያን፡ “ፈጺሙ ኣይዕንቀፍን’ዩ”’ኳ እንተ ዘይበልና፡ ንዕንቅፋቱ ናብ ዝተሓተ ደረጃ ኸም ዜውርዶ ግን ዘየጠራጥር’ዩ። እቲ ኻልኣይ ኣገዳሲ ረቛሒ ድማ ዘይጸዓድ ቈራጽነት’ዩ። “ንእምነተይ ካብ ዘይምእዛዝ ሙማት ይሕሸኒ” ዚብል ቈራጽ መርገጺ ዘለዎ ሰብ ብምንታይ ከተምበርክኾ ምተኻእለ፧ እዞም ኵሎም ዕዉታት ኣርኣያታትና ብኸምኡ’ዮም ዝተዓወቱ። ንሕና’ውን ዘይንዕወተሉ ዋላ ሓንቲ ምኽንያት የለን (እዮ 27፡33-6፣ መዝ 10፡2-5)።
እምበኣር ሕጂ ዚተርፈና፡ ምልስ ኢልካ ንህይወትካ ምፍታሽ’ዩ። ብሰሪ ዘይምእዛዝና ንገዛእ እምነትና ዘቃለልናሉ መዓልታት ብሓቀኛን ዘየጣዕስን ንስሓ ነሕውዮ። ካብ’ዛ ዕለት’ዚኣ ጀሚርና ድማ በቲ ዜኽእል ጸጋ ናይ ኣምላኽ ተደጊፍና፡ ምእዛዝ እምነት ዝመለለዪኡ መንፈሳዊ ህይወት ንህነጽ!!
ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
ዕለት፥ ጥር ፳፱, ፳፻፲፬ ግዕዝ (6 የካቲት 2022 ፈ). [መበል 22 ሰንበት: ቊ.29/፳፱ ] |
||||
ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት |
||||
ዲያቆን |
ንፍቀ ዲያቆን |
ንፍቀ ካህን |
ወንጌል |
ቅዳሴ |
ሮሜ 1፡1-12 |
1ጴጥ 1፡13-22 |
ግብ 19፡1-10 |
ሉቃ 2፡36-40 |
ዘዲዮስቆሮስ |
መዝ.፺፯(፺፰)፡፪-፫ "አርአየ እግዚአብሔር አድኅኖቶ። ወበቅድመ አሕዛብ ከሠተ ኪዳኖ። ወተዘከረ ሣህሎ ለያዕቆብ።" ዓዲ፡ መዝ.፵፯(፵፰)፡፰ "በከመ ሰማዕነ ከማሁ ርኢነ። በሀገረ እግዚአ ኃያላን በሀገረ አምላክነ። እግዚአብሔር ሣረራ ለዓለም።" |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ