ከምቲ ዝፍለጥን ወትሩ ዝገሃድን: ብልሒ እንተሃልዩ ምስትውዓል ይፍጠር: ምስትውዓል እንተተፈጢሩ: ምርድዳእ ይሰምር: ምርድዳእ እንተሰሚሩ: ፍቅርን ሰላምን ይዓዝዝ: ፍቅርን ሰላምን እንተዓዚዙ: ደቂ ሰባት ሰናይ ሂወት የሕልፉ:: ኣብ ሕድሕድ ደቂሰባት ዝተፈላለየ ስነ-ልቦናን ስነ-ምግባርን፡ ስነ-ሓሳብን ምስትውዓልን፡ ምርድዳእን ምስትንታንን፡ ተውህቦታት ክህልዎም ባህርያዊ እዩ:: ካብዚኣቶም ዝነቐሉ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ካብ ኣብ ደቂ ተባዕትዮ ሕልፍ ዝበሉ ብልሕን ብልሓትን፡ ዓቅምን ክእለትን፡ ካልኦትን ከም ዘለወን ኣብ ናይ ክልቲኦም ናይ ሂወት ዝምድና ተጋሂዶም ይረኣዩ እዮም:: እዞም ዝስዕቡ ኣብነታት ከም መረዳእታ ንከታተል::
ኣብ ጥንት እዋን ኣብ ሓንቲ ንእሽቶ ክፋል ናይ ምድረ-ሓበሻ ኣርዓዶም ዝበሃል ትምክሕተኛ ውልቀ መላኺ ገዛኢ ነበረ:: ሓደ ግዜ ነቶም ኣብ ቲሕትኡ ኮይኖም ዘገልግልዎ ናይ ዝተፈላለዩ ክፍልታት ሓለፍቲ ክእከቡ ጸወዖም:: ኣብቲ ኣኸባ ከም መድሃልን መርዓድን ዝኾንዎ ሰለስተ ግድላት ዝሓዘ ፈተና ሃቦም:: ድሕሪ ሓደ ሰሙን መልሲ ሒዞም ክምለሱ ኣዘዞም:: እተን ግድላት (1) ሕምብርቲ ናይዛ ዓለም ኣበይ እዩ? (2) ቁጽሪ ናይ ሰማይ ከዋኽብቲ ክንደይ እዩ? (3) እቲ ዝሓየለ ዝበርተዐ ፍጥረት መን እዩ? ዝብሉ እዮም:: እቶም ሓለፍቲ ትእዛዞም ተቀቢሎም ካብ ጎይቶኦም ተሰናበቱ:: ሓደ ካብቶም ሓለፍቲ: ሻውል ኣብ ቤቱ ምስ ከደ: በዓልቲ ቤቱ ኣድሓነት ክጭነቅ ከሎ ትርእዮ:: እንታይ ኮንካ ኢኻ ትጭነቅ ዘለኻ ኢላ ትሓቶ:: በጃኺ እዚ ጎይታና ዘይፍትሑ ግድላት ሂቡና: ድሕሪ ሰሙን ከኣ መልሲ ሒዝናሉ ክንምለስ ኣዚዙና ይብላ:: ኣድሓነት ከኣ ድሓን ዘይፍታሕ ግድል የለን: ሕጂ ድራርካ ተደረር ኢላ ድራሩ ትህቦ:: ድሕሪ ድራር እንታይ እዩ እቲ ግድል ኢላ ትሓቶ:: ሻውል ከኣ እተን ግድላት ሓንቲ ብሓንቲ ገለጸላ:: ነዚ ዲኻ ደኣ ክንድዚ ትጭነቅ በለቶ:: ኣድሓነት ነተን ግድላት ከምዚ ዝስዕብ ፍታሕ ትህቦ (1) ዓለም ከባብ ስለ ዝኾነት ሕምብርቲ ናይዛ ዓለም ኣብዚኣ እያ ኢልኩም ኣብታ ቅድሚኡ ኩናት ትኸልሉ:: (2) ቁጽሪ ናይ ሰማይ ከዋኽብቲ ክንድዚ እዮም ኢልኩም ኣብ ንእሽቶ ከረጢት ዝተቆጽረ ጣፍ እነሆ ሃብዎ:: (3) እዚ ጎይታኹም ትምክሕተኛ ስለ ዝኾነ እቲ ዝሓየለ ዝበርተዐ ፍጥረት ንስኻ ጥራይ ኢኻ በልዎ:: ሻውል ኣድሓነት ዝሃበቶ ፍታሕ ሒዙ ናብ ብጾቱ ይኸይድ:: እቶም ብጾቱ ውን ብወገኖም ተጨኒቖም ስለዝነበሩ በቲ ፍታሕ ተመሲጦም ኩሎም በታ መዓልቲ ቆጸራ ተረኽቡ:: ኣርዓዶም ከኣ እንታይ እዩ መልስኹም ኢሉ ሓተቶም:: እቶም ሓለፍቲ ነተን መልሲ ሓደ ብሓድ ጽቡቅ ገይሮም ገለጽሉ:: እቲ ውልቀ መላኺ ተገሪሙ እዚ መልሲ ካበይ ኣምጽእኩሞ ኢሉ ይሓቶም:: እቶም ሓለፍቲ ንሻውል ኣሕሊፎም ይህቡዎ:: ንሻውል ካበይ ኣምጺእካዮ ይብሎ:: ሻውል ከኣ ካብ ብዓልቲ ቤተይ ኢሉ ይምልሰሉ:: ኣርዓዶም ከኣ ሰበይትኻ ንዓይ ትኸውን ሰብ እያ ኣምጽኣያ ይብሎ:: እቲ ትእዛዝ ንሻውል ዝኸፍኤ ጭንቀት ፈጠረሉ:: ኣድሓነት እንታይ ኮንካ ኢኻ ሕጂኸ ኢላ ትሓቶ:: ሻውል ከኣ እተን ፍታሕ ዝገደደ ሽግር ኣምጺኤናለይ: ሰበይትኻ ኣምጽኣያ ንዓይ ትኸውን ሰብ እያ ኢሉኒ ይብላ:: ኣድሓነት ከኣ ድሓን መጀመሪያ ተደረር እሞ ኢላ ኣድረረቶ:: ንዝመጽእ ሰንበት በል ንጎይታኹምን ንብጾትካን ድራር ዓዲመዮም ኣለኹ: ተቓላጢፍካ ንገረለይ ትብሎ:: ሻውል ከምታ ኣድሓነት ዝበለቶ ይገብር:: ሰንበት ኮይኑ ኩሎም ዑዱማት ይመጹ:: ኣብቲ ግብጃ ኣድሓነት ብዝተፈላለዩ መኾምቢያ ዝተኸድኑ ሸውዓተ ጸብሒ ጻሕሊ ተቕርብ:: ኣርዓዶም ነተን ጻሕሊ መሪቑ ክኸፍተን ኣለዎ:: ንነፍስ ወከፍ ጻሕሊ እንተኸፈተ ሓደ ዓይነት ጸብሒ ይርኢ:: እንታይ እዩ እዚ ኢሉ የንጸርጽር:: ኣድሓነት ከኣ ጎይታይ እቲ መኽደኒኡ ብዓይነቱ ይፍለ ድኣምበር እቲ ኣብ ትሕቲኡ ተኸዲኑ ዘሎስ መለሳ ዘይብሉ ሓደ ዓይነት እዩ ትብሎ:: ኣርዓዶም በቲ ዝሃበቶ መልሲ ተገሪሙ: እዚኣ ዓባይ ሰብ እያ ኢሉ በሊዑ ኣመስጊኑ: ንኣድሓነት ምስ ሻውል ክትነብር ነጻ ሓዲጉዋ ከደ ይብሃል:: ካብዚ ዝቐረበ ኣብነት እቲ ብልሒ ናይ ኣድሓነት ከመይ ኢሉ ካብ ሽግር ከም ዘድሓና ተዓዚብና::
ክልተ ኣሕዋት፡ ጽጋቡ ምስ በዓልቲ ቤቱ ትብለጽን ደቁን፡ ኣውዓሎም ምስ በዓልቲ ቤቱ ኣስመረትን ደቁን፡ ኣብ ሓደ ዓዲ ኣብ ኤሪትራ ይነብሩ ነበሩ። እንዳ ጽጋቡ ብዙሓት ቆፎታት ናይ ንህቢ ምፍራይ ትካል ነበሮም። እንዳ ኣውዓሎም ግን ዝደኸየት ስድራቤት ነበረት። ሓደ ግዜ ኣጋጣሚ ኮይኑ ጽጋቡን ኣውዓሎምን ኣብቲ ገምገም ገደል ናይ ዓዶም ጎቦ ጠጠው ኢሎም ኣናህብ ክዋፈሩ ከለዉ ይዕዘቡ ነበሩ። ኣውዓሎም ንጽጋቡ ሓዉ ስማዕ እስኪ አብዚ ገደል ሸሎው እንተዝብል እንታይ ምገበርካ ይብሎ። ጽጋቡ ከኣ ሓደ ንህቢ ምሃብኩኻ ይብሎ። ድሕሪ ቁሩብ መዓልታት ኣውዓሎም እቲ ዝበልካኒ ሓደ ንህቢ በል ሃበኒ ይብሎ። ጽጋቡ ኸኣ ገና ስለዘይጸደፍካ ሓደ ንህቢ ኣይህበካን እየ ይብሎ። ኣውዓሎም እታ ጉዳይ ንብዓልቲ ቤቱ ኣስመረት ይነግራ። ኣስመረት እታ ዘረባኦም ሓሲባ ኣስተንቲና ንኣውዓሎም ንሓውኻ ናብ ዳኛ ከሲስካ ውሰዶ ትብሎ። ኣብ ቅድሚ ዳኛ ምስ ቀረብኩም ሸሎው እንተበልኩ ደኣ እየ ዝበልኩኻ እምበር ሸሎው ኢለ እንተጸደፍኩ ኣይበልኩኻን ኢልካ ተማጎት ኢላ ትመኽሮ። ኣውዓሎም ከኣ ከምታ ምኽሪ ናይ ኣስመረት ይገብር። እቲ ዳኛ ሸሎው እንተበልኩ እዩ ዝበለካ እምበር እንተ ጸደፍኩ ኣይበለካን። ስለዚ እታ ክህበካ ዝበልካዮ ሓደ ንህቢ ትህቦ ኢሉ ይፈርድ። ጽጋቡ ብዛዕባ እቲ ፍርዲ ንበዓልቲ ቤቱ ትብለጽ ይነግራ። ትብለጽ በላሕ ስለዝነበረት ሓደ ንህቢ እመበር ሓደ ቆፎ ንህቢ ኣይበልኩን ክብል ትመኽሮ። ትብለጽ ሓደ ንህቢ ቆሊባ ሒዛ ኣምጺኣ ኣብ ንእሽቶ ጥርሙስ ኣእቲያ፡ እንሆ እቲ ዝበልኩኻ ሓደ ንህቢ ኢልካ ሃቦ በለቶ። ከምቲ ምኽሪ ናይ ትብለጽ ከኣ ጽጋቡ ናብ ሓዉ ኣውዓሎም ከይዱ እንካ ኢሉ እቲ ሓደ ንህቢ ይህቦ። ሓደ ንህቢ ኢየ ዝበልኩኻ እምበር ሓደ ቆፎ ንህቢ ክህበካ ኣይበልኩኻን ኢሉ የረድኦ። ኣብ ክልቲኡ ሓዳር ክልቲኤን ኣንስቲ፡ ትብለጽን ኣስመረትን፡ ንሰብኡተን ከመይ ገይረን ኣብ ብልሕን ብልሓትን ተመርኩሰን ምኽረን ከምዝለገሳሎም ተመልኪትና።
ብግዜ መንግስቲ ቀዳማዊ ሃይለስላሴ ጎኒጨ ምስ በዓልቲ ቤቱ ኣስገደትን ትርሓስ ጓሎምን፡ ኤሪትራውያን ስድራቤት፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይቕመጡ ነበሩ። እንዳ ጎኒጨ በብዓይነቱ ትካላት ዝውንኑ ሃብታማት ስድራቤት ኢዮም። እታ ሓንቲ ጓሎም ትርሓስ ደርማስ ዝብሃል ወዲ ፍሉጣት ሃብታማት ስድራቤት ክትምርዓወሎም እዮም ስድርኣ ዝደልዩ። ትርሓስ ግን ንደስበለ ዝብሃል ኣብ ሓደ ትካል ናይ ስድራቤታ ሰራሕተኛ እተፍቅሮ እያ ክትምርዓዎ ትደሊ። ነቲ ስድራቤታ ዝመረጹላ ደርማስ ጨሪሻ ክትምርዓዎ ኣይትደልን ኢያ። ኣዝማድ ናይቲ ስድራቤት ኣብ ክልቲኦም ዕጫ ይገበር ዝብል ፍታሕ ኣምጽኡ። በዚ ዕጫ ምግባር ትርሓስን ስድራቤታን ተሰማምዑ። እቶም ኣዝማድ ብጎኒ ናብ ጎኒጨ ከይዶም እተን ክልተ ናይ ዕጫ ወረቐት ስም ናይ ደርማስ ጥራይ ከም ዝጽሓፍ የማኽርዎ።እተን ክልተ ናይ ዕጫ ወረቀት ስም ናይ ደርማስ ጥራይ ተጻሒፈን ተቐረባ። ሓደ ካብቶም ኣዝማድ ናብ ትርሓስ ከይዱ እቲ ዝተገብረ ሽርሒ ይነግራ። ሓደ ነገር ግበሪ ኢሉ ይምዕዳ። እቲ ዕጫ ወረቐት ተዳልዩ ቀሪቡ ንትርሓስ ሓንቲ ከተልዕል ተነግራ። ንሳ ኸኣ ሓንቲ ኣልዒላ ተቐዳዲማ ኣብ ኣፋ ኣእትያ ሓይኻ ትውሕጣ። እታ ዝተረፈት ናይ ዕጫ ወረቐት እንተተኸፍተት ደርማስ ኢያ ትብል ዝነበረት። ስለዚ እታ ዝወሓጠታ ናይ ዕጫ ወረቐት ከምቲ ግቡኡ ደስበለ ዝብል ጽሑፍ ክኸውን ኣለዎ ብዝብል መርትዖ ንደስበለ እምበር ንደርማስ ከምዘይትምርዓዎ ተመስከረ። እቶም ስድራቤታ ዋላኳ ሽርሒ እንተገበሩ ናይ ጓል ኣንስተይቲ ብልሒ ከመይ ገይሩ ከም ዝሳዓረ ብጋህዲ ክትግበር ተገንዚብና።
እምበኣርከስ፡ ሰበይቲ ዘይበለቶ ኣይከውንን፡ ካብ ሰበይቲ ዝብለቶ ኣይሓልፍን ዝብል ምሳሌ ኣብዞም ኣቐዲሞም ንመረዳእታ ዝቐረቡ ኣብነታት ኣብ ግብሪ ተመስኪሩ ተዓዚብና። እዞም ንመረዳእታ ተባሂሎም ዝተገልጹ ኣብነታት መሰረት ብምግባር ኣምላኽና ጥዕና ድኣ ይሃበና እምበር እቲ ብልሕስ ካብ ደቂ ኣንስትዮ ኣዴታትና ኣሓትና ንረኽቦ እንተበሉ ደቂ ተባዕትዮ የምሕረሎምን የማዕርገሎምን ደኣ እምበር ኣየኽፋኣሎምን ኣየነውሮምን እዩ። ደቂ ሰባት ካብ ካሎኦት እንስሳታት ብዝለዓለ ደረጃ ዝፈልዮም ብልሒ ኢዩ። ከምኡ ውን ኣብ ሕድሕድ ደቂ ሰባት ሓደ ካብቲ ሓደ ዝፈልዮም ብልሕን ብልሓትን ካልኦት ባህርያትን ኢዮም። ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ብፍላይ ካብ ኣብ ደቂ ተባዕቲዮ ገለ ካብቲ ዝፈልየን ብልሕን ብልሓትን፡ ጉርሕን ንቕሓትን፡ ቀልብን ትግሃትን፡ ዓቕምን ክእለትን፡ ጻዕርን ትብዓትን፡ ዓቕልን ትዕግስትን: ህድኣትን ርግኣትን፡ ትሕትናን ክብረትን፡ ርህራሄን ለውሃትን: ሕልናን ልቦናን: ኢዮም። ናይ ደቂ ኣንስትዮ ብልሒን ብልሓትን ብፍላይ ብዝዓሞቐን ብዝለዓለን ዓቐንን መጠንን ካብ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ከም ዝበልጽ ኣብ ብዙሕ ኩነታት ጎሊሑ ይርኤ ኢዩ። ግናኸ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ክዋራረስ ዝጸንሐን ዝመጸን ደቂ ተብዓትዮ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ኣትሒትካ ናይ ምርኣይ፡ ምቁንጻብ፡ ትምክሕቲ፡ ትዕቢት፡ ኣደራዕ፡ ጭቖና፡ ጸቕጢ፡ ዓመጽ፡ ብድዔ፡ ወጽዓ፡ በደል፡ ከምኡ ውን ካልኦት ግፍዕታት ገና ይፍጸሙኳ እንተሃለዉ ደቂ ኣንስትዮ ግን በቲ ዘለወን ፍልይ ዝበሉ ብልሕን ብልሓትን ክእለትን ተጠቒመን እቲ ቃል ኪዳን ከይፈርስ፡ እቶም ቆልዑ ከይህሰዩ ብማለት ንኹሉ ጸገማት በዲሄን፡ ተጻዊረን፡ ተጸሚመን፡ ተዓጊሰን፡ ተበላሒተን፡ ብሰላምን ብስኒትን፡ ብምክብባርን ብምትሕብባርን፡ ምስ ደቂ ተባዕትዮ ይነብራ ኣለዋ። ዋጋ ናይ ጻዕረን ከኣ ካብ ኣምላኽ ዓስብን ክብረትን ኣይስእናን ኢየን። ካብዚ ጽሑፍ ዝተረኽቡ ኣብነታትን ምኽርታትን ብግቡእ ብምርድዳእ ደቂ ተባዕቲዮ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ኣራእያና ኣታሓሳስባና፡ ምስትውዓልና፡ ከነስተኻኽል፡ ከነማዓራሪ፡ ክንእረም፡ ምስ ግዜን ምዕባለን ክንጉዓዝ ከምዘሎና ክንርዳእ ይግባእ።
ኣብቲ ንገብሮ ጻዕርን ተበግሶን ልዑል ኣምላኽ ይርድኣና።
ክብርን ምስጋናን ንልዑል ኣምላኽና፡
ራህዋን ሰላምን ንሓላል ህዝብና፡
ዕድመን ጥዕናን ይውረድ ኣብ ኩላትና።
ዶ/ር ተስፋይ ገብረመድህን
መጋቢት 2026
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ