ናብ፡ ኣባ ሲኖዳ።
ሰላም እግዚኣብሔር ምሳኹም ይኹን!
ብዕለት 08-05-2006 ብቁጽሪ 01-39-03/06 ዝጸሓፍኩሞ ደብዳቤ ብዝዕባ እንፈትዎምን፡ እነኽብሮምን፡ ኣቦናን መምህርናን ቖሞስ ከሰተብርሃን ገብረሚካኤል በጺሑና። ኣጸቢቁ ድማ ገሪሙና። ብዛዕባ ቖሞስ ከሰተብርሃን ሃይማኖት ኣብ ምስፍሕፋሕ ንዘለዎም፡-ኣበርክቶ፡ ጽንዓትን፡ ብቕዓትን፡ ኣመራርሓ፡ ሃገራውነቶምን፡ ኣብ ሓቂ ደው ምባሎምን- ስርሖም ባዕሉ ስለዝምስክሮ ብዛዕብኦም ብዙሕ ክንዛረብ ጊዜ ምጥፍህ ጥራይ እዩ፣ እቲ ስራሕ ባዓሉ ምስክር ስለዝኾነ።
ሰበኻ ጉባኤ ቅድስት ስላሴ ቤተክርስቲያን እቲ ዝሰደድኩሞ ደብዳቤ ፍረ-ዘይበሉ ኣብቤላ ቤለው ዝተሞርከሰ፡ ምንም ዓይነት ሕጋዊ ይኹን መንፈሳዊ መርትዖ ዘይብሉ፣ ዋላ ሓንቲ ዓንቀጽ ሕጊ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ዘይጠቅስ ምኻኑ ምስረኸብናዮ ናይ ብሓቂ ጉሂና፣ ኣበየናይ መዳያት ተዋፊርኩም፡ ብምንታይ ዓይነት እማኸርቲ ተኸቢብኩም ከምዝለኹም በሪሁልና። ኣነ ባዕለይ ድማ ሕጊ’እዩ ኣብ ምባል ከምዝበጻሕኩም ድማ ደብዳቤኩም ኣብሪሂሁልና።
እቲ ቀንዲ ሕመረት ናይቲ ደብዳቤኹም ንስኹምን እቲ ትመርሕዎ ዘለኹም “ሃገር ስብከት” ትብልዎ ልዕሊ ቤተክርስቲያና ናይ መንፋሳዊ ይኹን ምምሕዳርዊ ስልጣን ዘለኩም ኣምሲልኹም ምጽሓፍኩም’ዩ። እዚ’ግን ካብ ሓቅነት ዝርሓቐ ዓቢ ሓሶት’ዩ። እዚ መንገድኹም ድማ ኮነ ኢልኹም እስኹምን ኣማኸርትኹም ትገብርዎ፣ ተጠርኒፉ ንዝጸነሐ መእመናን ሰሜን ኣሜርካ ንብምታን ጠንቂ ሓድነት ህዝቢ ምዃንኩም በብግዚኡ ኣብትገብርዎ ተግባር ንመእመናን እንዳ ተገሃደ ይመጽእ ኣሎ። እዚ ደብዳቤኹም ድማ ሓደ ኣብነት እዩ።
ስለዝኾነ ደብዳቤኹም ምንም ዓይነት ትርጉም ዘይብሉ ኾይኑ ከምዝረኽብናዮ እንዳሓበርናኩም፡ ብመሰረት ብፁእ ወቅዱስ ቀዳማዊ እንጦንዮስ 3ይ ፓትርያርክ ርዕሰ ሊቀነ ጳጳሳት ሃገረ ኤርትራ ዝሰደድዎ ደብዳቤ ንጠቅስ
“ኣቡነ ሲኖዳ ሓንቲ መዓልቲ መምርሕን ትእዛዝን ክህበኩም ተመለሱኒ ኢለዮም ከይተመለሱ ብኡ ኣቢሎም መሊቖም ከይዶም እምበር ኣብ ኣሜሪካ ክነብሩ፡ ኣነ ከም ዘይለኣኽዎም ኤረጋግጽ።”
ካልኣይውን ብብፁእ ወቅዱስ ፓትርያርክ እንጦንዮስ ዝተሰደደ ደብዳቤ ንጠቅስ “ብዘይፍቓደይን ኣፍልጦይን ኣብ ኣሜሪካ ዝንቀሳቐሱ ዘለው ጳጳሳት፡ ኣብ መንፈሳዊ ጉዳይ ቤተ ክርስቲያን ዝገብርዎ ውግዘት ኣብ መንፈሳዊ ስልጣን ቤተክርስቲያን ሕጋዊነት የብሉን።”
ዝብል ናይ ኣቦና ቃል ዝረገጸን ንቀኖና ቤተክርስቲያን ዝጠሓሰ ተግባር ብምኻኑ፡ ዝኾነ ዓይነት መንፈሳዊ ይኹን ምምሕዳርዊ ስልጣን ኣብቤተክርስቲያና ከምዘይብልኩም ነፍልጠኩም። ስለዝኾነ እዚ ደብዳቤ’ዚ ብጌጋ ከምዝጸሓፍኩሞ ድማ ንቖጽሮ።
እዚ ዝጸሓፍኩሞዎ ደብዳቤ ብሕጊ እንነበርሉ ዓዲ ዝተመሰረተ ቤተክርስቲያን ዝትንክፍ ዘይሕጋዊ ስለዝኾነ፣ ከምዚ ዓይነት ደብዳቤ ንቤተክርስቲያና ይኹን ንካህንና እንድሕሪ ጺሂፍኩም ሕጋዊ ስጉምቲ ከምእንወስድ እንዳሓበርና፡ ዓገብ ክትብሉን ሃይማኖት ተዋህዶ መላገጺ ካብምግባር ክትቁጠቡ ንኣኹም ብውልቂ ንማሓብርኩም ድማ ብሓባር ነተሓሳስበኩም።
እግዚኣብሔር ንሃገርና ኤርትራ ሰላም ይሃባ!
ዕድመን ጥዕናን ንብፁእ ወቅዱስ ቀዳማዊ እንጦንዮስ 3ይ ፓትርያርክ ርዕሰ ሊቀነ ጳጳሳት ሃገረ ኤርትራ!
ጸጋይ ተወልደ, ኣቦ መንበር
ሰበኻ ጉባኤ ደብረ ብርሃን ቅድስት ሥላሴ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ሲያትል
ቅዳሕ፡-
1. ናብ ቖሞስ ከሰተብርሃን ገብረሚካኤል
2. ናብ ንኡስ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ